18
Thu, Apr
0 New Articles

ንስሓ እምበር ሳዕስዒት ኣይድልን

Message 4
Typography

ዎ ኩቡር ህዝቢ ኤርትራ ሃገር እናዳጠፍኣት ሰብ እንዳ ተቐዝፈ ጸልማት እንዳዓዘዘ ጓይላ ዳንኬራ ሳዕስዒት ኣይድልን እዩ። ኡይ እዩ ዘድሊ ከም ሰብ ነነዌ ከሊ ተኸዲንካ ንኣምላኽ ሰማይ ርድኣና እዩ ዘድሊ። ኣሕዋትና ኣብ ምድረበዳ ሊብያን ባሕሪ ሜድትርንያን ዝተቐዝፉ ቖጻሪኦም ይቕጸሮ። ኣብ በረኻ ሲናይ ኩሊቶም እናተሸጠ ካልእ ኣኣነዋሪ ዓመጽ ዝወርዶም ዘሎ ኣሕዋትና ማእለያ የብሎምን። መንእሰያትና ኣብ በረኻን ስደትን ከርተት ይብሉ ኣለዉ፣ ብዘይመጻኢ ኣብ ፈቐዶ ማዓስከር ስደተኛታት ተዓቒቦም ኣለዉ።

ኤርትራውያን ግዜ ሳዕስዒት ግዜ ጓይላ ግዜ ፊስቲቫል ኣይኮነን። ሰዓት ንስሓ ግዜ ዋያትና ንብዓትን እዩ። ኤርትራ ምድሓን ትደሊ ኣላ። ካብ ጎቢጡ ሒዝዋ ዘሎ ሓይሊ ጸልማትን ኣጋንንትን። ናጽነት እንታይ ድዩ ትርጉሙ? ሳዕሲዒት? ጓይላ? ዳንኬራ? መደረ? ኣይኰነን። ኣንቱም ኤርትራውያን ዘይንእዊ ንኣምላኽ ምሕረት ክገብረልና ዘይንሓቶ። ንዘልኣለም ንገዛእ ርእስና ኣብ ስቓይ ክትነብር ምርጫና ድዩ? ኣምላኽ ጸዊዒካዮ ዝምልስ የእዊኻ ዝረድእ እኰ እዩ። ልዕሊ እዚ ዘሎና ጸልማት እንታይ ክመጸና? ልዕሊ እዚ ንሓልፎ ዘሎና መከራ እንታይ ክወርደና? ልዕሊ እዚ ንስደዶ ዘሎና ፍልሰት እንታይ ክመጸና? ልዕሊ ሞት መንእሰያትና እንታይ ክመጸና? ኣምላኽ ሰማይ ክንምለሶ ይደሊ ኣሎ።

ኣብዚ ሰዓት እዚ ሃገርና ኤርትራ ብኹሉ ሸነኻታ ኣብ ስቓይን ምረትን እያ ዘላ። ነዚ ኩነት እዚ ክኽሕዶ ዝደሊ ሰብ ከኣ እንትርፎ ኣእምርኡ ዝሰሓተን ሓልዮትን ፍቕርን ዘይብሉ እንተ ዀይኑ እቲ ኩነታት ንኹሉ ቁሉዕ እዩ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ፖሎቲካዊ ኢኮኖሚያዊ ውድቀት ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ደረጃ በጺሑ ይርከብ።

ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ኢሰብኣዊ ግፍዕን ምሕደራን ብኣእምሮ ክትግምቶ ብልብኻ እውን ክትሓስቦ ኣዚዩ ከቢድ ልዕሊ ኣእምሮ እዩ። ሰብ ከም እንስሳ ናብ ቤት ማሕረድን ማእሰርትን ዝውሰደሉ ሰዓት እዩ። ኣቦታትን ኣዴታትን ኣብ ከቢድ ጭንቂ መንእሰያት ኣብ ፈቐዶ ስደትን በረኻን ከርተትን ህጻውንቲ ኣብ ከቢድ ዓዘቕቲ ጥሜት ኣለዉ።

ሎሚ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎን ካብ ሃገር ተሰዲዱ ኣብ ሰደት ዘሎን ዝዀነ ኤርትራዊ በዚ ሓለንጊ ስቓይ ዘይተገርፈ የሎን።  ኣብ ታሪኽ ኩሉ ከምዚ ሕጂ እውን ንሃገርና ጸልማት ከቢብዎ ኣይፈልጥን።  ሰብ ካብ ኣዚዩ ሕሰም መነባብሮ ጉልባቡ ቐሊዑ ኣብ ምልማን ተዋፊሩ ይርከብ። ሰብ ፍትሒ ተደፊንዎ ኣብ ገዛ ከም ከልቢ ተሓይሩ ይውዕል ኣሎ። እቲ ስቓይ ብዙሕ እቲ መከራ መዘና ኣልቦ እቲ ኢሰብኣዊ ተግባር ልዕሊ ዝጸሓፍ ቃላት እዩ። 

እዚ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ኣጎልቢቡ ዘሎ ድነ ጸልማት ካብ ሰብን ሰብኣዊ ሓይልን መፍትሒ የብሉን። ቃል ኣምላኽ ክዛረብ ከሎ ከምዚ እዩ ዝብል የዒነተይ ናብ ኣኽራን የልዕል ኣለኹ ረድእየተይ ካበይ እዩ ዝመጸኒ ረድኤተይሲ ካብቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ እግዚኣብሄር እዩ ዝመጸኒ ይብል። እወ ሕጂ እውን ነዛ ሃገር ተስፍኣ እቲ ከም ሃገር ክንቀውም ዘኽኣለና እግዚኣብሄር ኣምላኽ ጥራይ እዩ። ሎሚ ኣብዚ እዋን እዚ ካብ ማንም ሰዓት ንላዕሊ ድምጽና ናብ ኣምላኽ እንእውየሉ ሕጂ እዩ። ቃል ኣምላኽ ወሲኹ እዚ ብስመይ ዝተሰምየ ህዝቢ ትሕት እንተ በለ ካብ ኩፉእ መንገዱ ኸኣ እንተ ተመሊሱ ገጸይ ከኣ እንተ ደለየ ኣነ ኣምላኽ ሰማይ ክሰምዖ ምድሩ ክፍውስ ክምለሶ እየ እዩ ዝብል ስለዚ ዎ ኤርትራውያን ናብ ኣምላኽ ንመለስ። ገጹ ንድለ ኣይንዓሹ ልዕሊ እዚ ዘሎና መከራ ከይመጸ ኸሎ ናብ ኣምላኽ ንማህለል።

እዚ ድነ ክቕንጠጥ ጽዋእ መከራ ክድፋእ ኣኽሊል ጽድቂ ክነግስ ፍትሒ ክገዝእ ኩላትና ናብ ፈጣሪ ነእዊ። እዚ ግዜ እንበኽየሉ ንኣምላኽ ብንስሓ ምሕረት ክገብረልና እንሓተሉ ሰዓት እምበር እንስዕስዓሉ እንጀሃረሉ እዋን ኣይኮነን። ኣብዚ እውና እዚ ክንየትሉ እንኽእል ዘነይተናን ዘሕብነና ነገር የሎን። ብኣንጻሩ ብዘሎ ኩነታት ክንሓፍር በዚ መንገዲ ኸኣ ናብ ኣምላኽ ክንመጽእ እዩ ዝድለይና። ኣምላኽ ዝረድእ ኣምላኽ እዩ ረድእየቱ ኣሚና ደኣ ብኡ ንመካሕ።

ኩቡራት ኤርትራውያን እወ ኡይ ንበል ናብ ፈጣሪ ስለ ፍትሒ ንጨድር ዓመጽ ክገዝኣና ስቕ ኢልና ኣይንርኣ። ስለ እቶም ኣብ መከራን ስቓይን ማሰርትን ሕሰምን ጥሜትን ዘለዉ ወገና ናብ ኣምላኽ ኣፍና ንኽፈት። ንኣምላኽ ክረድኣና ንጸሊ። ንሱ ንረድእየትና ክትንስእ ቐልጢፉ ክረድኣና ነገርና ኸኣ ክልውጥ እዩ። ሰለዚ ሓቢርና ብዘይኣፈላላይ ኡዩ ንበል።