24
Wed, Apr
0 New Articles

ሰለስተ ሓደገኛታት ሓጥያት

Message 4
Typography

1. ርኽሰት

ርኽስተ ብመንገዲ ዓይንና፥ ኣእዛናን ናብ ልብና ይኣቱ። እዚ ዘይኑጹህ ነገራት ካብ ልብና ብዝተፈላለዩ ክፍሊ ኣካላትና ንግዳም ይግለጽ። ቀዳምነት ግን ብመልሓስናን፥ ዓይንና እዩ።ስለዚ ዝኾነ ሰብ ንጹህ ሂወት ክህልዎ እቲ ዝሰምዖን ዝርኦን ክጥንቀቐሉ ኣሎዎ።ጎይታና የሱስ ንርኽሰት ኣዚዩ እዩ ዝጸልኦ ስለዝኾነ እዩ ንደቂመዛሙርቱ የማነይቲ ዓይኖም ከውጹ፥የማነይቲ ኢዶም ክቖርጹ ፍቓደኛታት ክኾኑ ዝነገሮም ካብ ሓጥያት ዝገብሩ በዞም ክፍሊ ኣካላት።(ማቴ 5=29-30)

ሓካይም ምዓስ እዮም የማነይቲ ኢድና ክትቑረጽ ወይ ብመጥባሓቲ የማነይቲ ዓይንናን ክትወጽእ ምኽሪ ዝህቡና? ነገራት ኣዚዮም ሕማቕ ምስ ዝኾኑ ብዘይ ምእላይ እዞም፡ኣካላት ድማ ኩሉ እቲ ኣካል ስለ ዝመዉት እዩ። ብኸምዚ መንገዲ ኢና ንሓጥያት ክንርእዮ ዘሎና።ሓጥያት ንሂወትና ናብ ሓደጋ ዝእቱ ኣዩ።ቡዙሓት ኣመንቲ ነዚ ነገር ኣይተረድእዎን ከምኡ ስለዛኾነ ድማ ንመልሓሶም፥ዓይኖምን ብዘይ ጥንቃቐ ይጥቀምሉ።ብሓጥያት ክንፍተን ኮሎና ብዓይንናን፥ መልሓስናን ከም ዓይነ ስውር ፥ጽሙምን ክንከውን ኣሎና።

2. ዘይምእማን

መጽሓፍ ቁዱስ ዘይኣምን ልቢ እኩይ ልቢ እዮ ይብለና(እብ 3=12)።ጎይታና የሱስ ንደቂመዛሙሩቱ ሽውዓተ ግዜ ገሲጽዎ ብዘምእማኖም "ኣምላኽ ነቲ ሎሚ ዘሎ ጽባሕ ግና ናብ እቶን ዚድርበ ሳዕሪ መሮር ከምዚ ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነ ደኣ ኣቱም ጕዱላት እምነት ንኣኻትኩምዶ ግዳ ኣብሊጹ ኣይከድነኩምን"
(ማቴ 6=30)(ማቴ 8=26) (ማቴ 14=31)(ማቴ 16=8)(ማቴ 17=17-20) (ማቴ 16=14) (ሉቃ24=25) ጎይታ ከምዚ ገይሩ ኣብ ካልእ ነገር ዝገሰጾም ኣይመስልን እዩ። ዘይምእማን ንኣምላኻ ጸርፊ ኣዩ።ምክንያቱ ኣምላኻ ከምዘይሃሌልካን፥ዘድሌካ ከም ዘይህበካን ምሕሳብ እዩ ፥ዋላኳ እኩይ ሰብ ንደቁ ይሓልን ዝደልዮዎ ይህብን እዩ።በቲ ሓደ ወገን ድማ ኣብዚ ግዜ ሓቂ ዘይኮነ እምነት ይስበኽ ኣሎ ንዝደልኻዮ ኩሉ ብእምነት ትረክብ ኢኻ ዝብል እዩ ።እንተኾነ የሱስ ዝሰበኾ እምነት ኣይኮነን። ጎይታ ኣብ ምዓልታዊ ሂወትና እንነብረሉ እምነት ክህልወና እዩ ዝደሊ፥ ዓወት ኣብ ልዕሊ ስምዒት ጸቕጢ፡ምስልቻው፥ተስፋ ምቑራጽ ፥እምነት ኣብ ፈቃር ሰምያዊይ ኣቦ ብምግባርን በቲ ኣብ ቃል ኣምላክ ዝሃበና ድንቂ ተስፋታቱ ።

ጎይታ ክልተ ግዜ ከምዝተገረመ ነንብብ ሓደ እምነት ምስ ረኣየ ካልኣይ ድማ ዘይምእማን ምስ ረኸበ።ጎይታና የሱስ ኣብ ሰባት እምነት ክረኢ ከሎ ይሕጎስ ነይሩ።ኣብቲ ፈቃር ሰምያዊ ኣቦ ብዘይምእማኖም ድማ ይሓዝን ነይሩ።

3.መንፈሳዊ ትዕቢት

መንፈሳዊ ትዕቢት ኣብቶም ንቅድስና ዝስዕቡ ዝርኤ ልሙድ ሓጥያት እዩ።ኩሉና ንፈልጦ ኢና ምሳሌ ናይ ገዛእ ርእሱ ጽድቂ ዝኣምን ፈሪሳዊ ኣብ ጸሎት ከይተረፈውን ንኻልኦት ዝንዕቕ "ንሓያሎ ጻድቃን ምዃኖም ብርእሶም ዚእመኑ ንኻልኦትውን ዚንዕቁ ዝነበሩ ድማ፡ እዚ ምስላዚ በሎም፥ 10 ክልተ ሰብኣይ፡ እቲ ሓደ ፈሪሳዊ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ተጋዊ፡ ኪጽልዩ ናብ ቤት መቕደስ ደየቡ። 11-12 እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ፥ ዎ ኣምላኽ፡ ኣብ ሰሰሙን ክልተ መዓልቲ እጸውም፡ ካብ ኵሉ ገንዘበይ ከኣ ዕሽር ኤውጽእ፡ ከምቶም ካልኦት ሰባት፡ ከተርቲ፡ ዓመጽቲ፡ ዘመውቲ፡ ወይ ከምዚ ተጋዊ እዚ ስለ ዘይኰንኩ፡ ኤምስግነካ አሎኹ፡ ኢሉ ጸለየ። 13 እቲ ተጋዊ ግና ኣብ ርሑቕ ደው ኢሉ ንኣይ ንሓጥእ ምሐረኒ፡ እናበለ ኣፍ ልቡ ይወቅዕ ነበረ እምበር፡ ዓይኑ ናብ ሰማይ ቋሕ ኬብል እኳ ኣይደፈረን። 14 ርእሱ ልዕል ዜብል ኵሉ ይዋረድ፡ ርእሱ ዜትሕት ግና ልዕል ይብል እዩ እሞ፡ እዚ ሓለፋ እቲ ጸዲቑ ናብ ቤቱ ኸም ዝወረደ፡ እብለኩም አሎኹ" (ሉቃ 18=9-14)

ልዕሊ 90% ኣብ እኩብ ሕዝቢ ዝጽለ ጸሎት ብኣመንቲ ቀዳምነት ንዝሰምዕዎም ሰባት ንምምሳጥ ዝግበር ጽሎት እምበር ንኣምላኻ ኣይኮንነን። እቲ ፈሪሳዊ ኣብቲ ምሳሌ ዘሎ ግዳማዊ ሂወቱ ከም ካልኡት ሓጥያተኛታት ክፉእ ኣይኮነን።ግናኸ ጎይታ ጸሊእዎ እዩ ንዚ ፈሪሳዊ፥ በቲ ዚገበሮ ኣገልግሎት ብምዕባዩን፥ንኻልኦት ሰባት ብምንዓቁን።መንፈሳዊ ትዕቢት ንኣመንቲ ንኻልኦት ኣመንቲ ከምዝፈርዱ እዩ ዝገብሮም።

እቲ ተቐባሊ ቀረጽ ገዛእ ርእሱ ሓጥያተኛ ሰብ ጌሩ ርኢዋ፡ ካብ ክሎም ዝኸፈኤ ዝነበረ ብኣምላኻ ግን ተቐባልነት ረኺቡ።ኩሉም ገጽ ንገጽ ምስ ኣማልኽ ዝተራኽቡ ሐደ እዋን ንገዛእ ርእሶም ካብ ኩሉ ሰብ ንላዕሊ ሓጥያተኛታት ሙኻኖም ዝተኣመኑ እዮም።

ጎይታና የሱስ እቲ ዝዓበየ ሰብ ኣብ ሰማይ እቲ ትሑት ሰብ ሙኻኑ ምሂርና።እቲ ዝዓበየ ኣድህቦ ዝዋሃቦ ኣብ ሰማይ ትሕትና እዩ።ኣብ ራኢ ዮውሃንስ እቶም ኣኽሊል ዝተቐበሉ ቀልጢፎም ኣኽሊላቶም ኣብ ቅድሚ ጎይታ ክድርብዩን ጎይታ ጥራይ ኩሉ ኣኽሊል ክገብር ከምዝግብኦ ክእመኑ ከሎዉ ንሪኢ "እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታት ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ፍግም ኢሎም፡ ዎ ጐይታናን ኣምላኽናን፡ ንብዘሎ ንስኻ ፈጠርካዮ፡ ስለ ፍቓድካውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ፡ ንስኻ ኽብርን ስብሓትን ስልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ፡ እናበሉ፡ ነቲ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ኰይኑ ዚነብር እናሰገዱ ኣኽሊላቶም ናብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ይድርብዩ አለዉ(ራኢ 4=10-11)።

ጎይታና የሱስ ዋላኳ ኩሉ ትእዛዛት ኣምላኻ ክንእዘዞ እንተኸኣልና ዘይንጠቅም ኣገልገልቲ ካብቲ ትጽቢት ዝተገበረልና ዋላ ሓንቲ ዘይገበርና ክንከውን ንኽእል ኢና "ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እተኣዘዝኩምዎ ዅሉ ምስ ገበርኩም፥ ንሕና ዘይንጠቅም ባሮት ኢና፡ እቲ ኽንገብሮ ዚግብኣና ኢና ዝገበርና በሉ (ሉቃ 17=10)። ኩሉ ግዜ ክንወድቕ ኮሎና ብዛዕባ ርእስና እንታይ ክንብል ንኽእል።

ብሓው ዛክ ፖነን ዝተጽሓፈ
Three Dangerous Sins

Translated by Yosief Desta