19
Fri, Apr
0 New Articles

ኣንስቲ ንሰብኡት ዘማሓላልፎኦ መልእኽቲ

Marriage & Relationships
Typography

-ኣዝማድ ኣብ ክርስትያናዊ ሓዳር ኢዶም ከእትዉ ከለዉ፡ ከቢድ ጸገም ስለ ዝፈጥር እዚ ሽግር እዚ ንምፍታሕ እቶም መጻምድቲ ንናይ ሓድሕዶም ኣዝማድ ጓና ክዀኑ የብሎምን። ሓጢኣት ክሳብ ዘይኰነ ካብ ናይ ኣዝማድ ሓሳብ ናይ ኣንስቶም ሓሳብ ክድግፉ ይግባእ። ኣድላዪ እንተዀይኑ ነንስቶም ኣብ በይነን የዛራርብወን፡ ነንስቶም ከም ዘፍቕርወንን ዘኽብርወንን ብቃልን ብግብርን ነዝማድ የርእዩ።

 

-ኣዝማድ ሰብኡት ነተን ኣንስቲ እንተ ጸረፍወን ዋላኳ ክርስትያናት እንተዀኑ ስጉምቲ ክወስዱ ይግባእ። ክርስትያናት ብምዃነን ይጹርኦ ኣይበሉ። ንሳቶም'ውን ክርስትያናት ስለ ዝዀንክን ጹርኦ ኣይበልወን።

 

-ኣንስቲ ንሰብኡተን ከዘራርቦኦምን  ከዕልላኦምን ክደልያ ከለዋ መጽሓፍ ካብ ምንባብ ኰነ ጊዚኦም ኣብ ካልእ ካብ ምሕላፍ ይተኣረሙ። 

-ሰብኡት ነንስቶም ጊዜ ይሃብወን። ኣይንዓቕወን ንዝዓበየ ኰነ ንዝንኣሰ ሽግር ንምዝርራብ ጊዜ ይሃብወን። 

-ምንባብ ኰነ ምዝንጋዕ ዝህሉ ሰላም ኣብ ዘለዎ ቤት ስለ ዝዀነ ሰብኡት ናይ ቤቶም ሰላም ከይዝረግ ሽግር ኣንስቶም ይረድኡ። 

-ነንስቶም ከዛራርብወን ከለዉ ብፍቕርን ብብሩህ ገጽን ድኣ ይኹን እምበር ብቊጥዔን ጸዋግ ገጽን ከይተፈተዎምን ኣይኹን። 

- ናይ ቤት ሓላፍነት፡ ናይ ገንዘብ፡ ናይ ውሉድ ኮነ ናይ ጋሻ፡ ናብ ሰበይቲ ጥራይ ኣይሕደግዎ።

-ሰብኡት ኣብ ቤት ክሕግዙ ይፍተዉ፡ እንተ ወሓደ ቈልዑ ብምሓዝ። ብፍላይ ድማ     ሰራሕተኛ ኣብ ዘይትህልወሉ እዋን ገዛ ኣብ ምጽራይን ካልእ ተመሳሳሊ ዕዮታት ብምግባር ይሓግዙወን። 

- ሰብኡት ነንስቶም ከይነገሩ ጋሻ ናብ ቤት ኣየምጽኡ። ኣብ ገዛ እኹል መግቢ ኮነ መደቀሲ ምህላዉ የረጋግጹ። ኣንስቶም ምኽንያት ከቕርባ ከለዋ ጋሻ ከም ዝጸልኣ  ጌሮም ኣይርኣይወን። 

- ሰብኡት ምስ ኣንስቶም ዘለዎም ኩነታት ደገ ወጺኦም ኣይሕመይወን። ምስጢረን  ይሓልዉለን።

-መግቢ ክቐርብ ከሎ መጽሓፍ ኣየንብቡ።

-እቶቶም የፍልጥወን፡ ንዘመድ ገንዘብ ኪህቡ ከለዉ ይሓብሩወን። እቲ ክወሃብ ዘለዎ ክልቲኦም ተማኺሮም እንተገበርዎ ሰናይ እዩ። 

-ንደገ ኪኸዱ ከለዉ ዝኸዱሉ ምኽንያት ይሓብሩወን እምበር እምነት ከም ዘይብለን ንኣምላኽ ምምዕቋብ ከም ዘይፈልጣ ኣይቁጸርወን። 

-ንደገ ኪወጻ ከለዋ ንምንታይ ደንጒኺ ኢሎም ካብ ዝቋየቝ ዘደንጐየን ነገር ኪፈልጡ ይፈትኑ። 

-ጉዳዮም ጥራይ ብምቕዳም ኪወጻ ኪደልያ ከለዋ ኣይእበይወን። ግድን ኪኸዳኦ ዘለወን ጉዳይ እንተኾይኑ ብፍቕሪ ይፍቀዱለን። 

-ብሓንሳብ ናብ ሓደ ቦታ ኪኸዱ ተበጊሶም ከብቅዑ ኣብ መገዲ ሰብ ረኺቦም ሓሳቦም ቀይሮም ገዛ ተመለሲ ኣይበሉወን። 

-ኪጋገያ ከለዋ ብትዕግስትን ጹሮትን ፍቕሮም ይግለጹለን። 

-ኣብ በይኖም ኮነ ኣብ ቅድሚ ሰብ ከም ዘኽብሩወን ፍቕሮም ይግለጹለን።

-ኣብ በይኖም ኮነ  ምስ ካልኦት ሰባት ከዕልሉ ከለዉ ሓሳበን ኪህባ የተባብዑወን። 

-ከሽነን ዘቕረባሎም መግቢ ተሓጕሶም ይብልዕዎ፡ የመስግኑወን ድማ። 

-ናይ ቤቶም በጀት ሓቢሮም ይመድቡዎ። ኣብ ኣተሓሕዛ ገንዘብ ሓገዞም ይለግሱለን። 

-ብዘይ ቆጸራ ከዛርባኦም ይፍቀዱለን። 

-ስጋዊ ርክብ ኪፍጽሙ ኪደልዩ ከለዉ መጀመርታ ኣንስቶም ዘለወን ድኻምን ካልእ ሽግራትን ኣብ ግምት የእትዉ። 

-ኵራ እንተሎ ንምዕራዩ ኩሉ እዋን ነንስቶም በዳሊት ኣይግበሩወን። ኣይዝብሕወን ይቕረ ምባል እንተድለየ ይቕረ ይበሉ።ድሕርዚ እቲ ጉዳይ ክርሳዕ እምበር ንካልእ መዓልቲ ከም በደል ኣይለዓል።ከምቲ ንሳተን ይቕረ ዝብላሎም ንሳቶም ድማ ይቕረ በሃልቲ ይኹኑ። ኣብ መንጎኦም ድማ ብዘይካ ጐይታ ካልእ ኣይሃሉ።

-ሰብኡት ነንስቶም ኣመንቲ ስለ ዝኾና ኣበይ ከይበጽሓ ኢሎም ኣይንዓቑወን። ተቛየቝቲ ኣይቝጸሩወን ጸገመን ክርድኡ ይፈትኑ። 

-ኣብ ጊዜ ዕላል ሓሳበን ከም ዘይጠቅም ጌሮም ኣይርኣይዎ። ሓሳበን ዘይቅበሉሉ ምኽንያት የረድእወን።ሓሳብ ከቕርባ ከለዋ ንሱ ንኣና ዝምልከት እዩ ብምባል ኣይንዓቕወን። 

-ሽግር ኣንስቶም ተረዲኦም ብዝሒ ውሉድ ብዝምልከት ክተሓባበሩወን ፍቓደናታት ይኹኑ። 

-ብምኽንያት ሆርሞን ዝመጽእ ናይ ጠባይ ምልውዋጥ ክርድእዎ ይግባእ። 

-ኣገልገልቲ ኮነ ካልኦት ሰብኡት ናይ ስድራ ቤት ናይ ኣምልኾ ጊዜ ነንስቲ ኣይግደፉዎ።ምስ ስድርኦም ሓቢሮም ይጸልዩ። ኣንስቲ ስራሕ ኪበዝሐን ከሎ ገዲፎመን ኣይጸልዩ።ይጸበይወን ወይ ድማ ኣብቲ ዕዮ ይሓግዙወን ድሕሪኡ ብሓንሳብ ይጸልዩ።

 

(ካብ ፍሬያማ ህይወት፡ ብጥላሁን ሃይሌ ዝተወስደ)

(ኣብ ዝመጽእ ሰብኡት ነንስቲ ዘመሓላልፍዎ ንጸበ።)