25
Thu, Apr
0 New Articles

ከም ቤተሰብ ኣምላኽ ብኸመይ ኰን ትፍለጡ ትዀኑ?

Marriage & Relationships
Typography

"ገበርቲ ሰላም ውሉድ ኣምላኽ ክበሃሉ እዮም እሞ ብጹኣን እዮም" ማቴ 5፣9።

ናይ ዘመና ቤተሰባት ኣዚዮም ብብዙሕ ነገራት ትሑዛት እዮም። ኣዚዩ ማእለያ ዘይብሉ ንጥፈታት እዩ ዘለዎም። ኩላቶም ኣባላት ስድራቤታት ድማ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ናብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ምስ ተጋዕዙ እዮም። እዚ ድማ ናብ ትምህርቲ ስራሕ፣ ቤተክርስትያን፣ ስፖርት ውዘተረፈ። ናይዚ ኩሉ ድምር ድማ ኣብታ ቤተሰብ ዝፈጥሮ ጸቕጥን ወጥርን ኣዚዩ ሰፊሕ እዩ። መብዛሕቶም እቶም ንኣቓልቦናን ጊዜና ዝሕዙ ነገራት ቀስ ብቐስ እናበሉ ነቲ ኣብ ነሕድሕድና ዝነበረ ሕብረት የላሕልሕዎ።


ኣቦ ምስ ውሉዱ ምስ ሰበይቱ ዝነበሮ ጊዜ ኣዝዩ ይንእስ። እንተደኣ ኣብ ቤተሰብ ዝግበር ኣምልኾ እንተ ጠፊኡ ውጺት ናይዚ ድማ ኣብታ ስድራ ሕንፍሽፍሽን ድሌት ገዛእርእስኻን ባእስን ቅርሕንትን ይዓቢ። እዚ ስእሊ እዚ ኣብ ዘመና ናይ ብዙሓት ክርስትያናት ምስሊ ኰይኑ ይርከብ። እቲ ዓለማዊ ጽልዋ ኣብ ኣባይትን ብሓይሊ ደፊኡ ስለ ዝኣተወ ኣብ ንሕድሕድናን ምስ ጎረባብትናን ሰላም መታን ከይንነብር ኣዚዩ ዓንቂጹና ኣሎ። ይኹን ኣምበር ኣብዚ ከምዚ ትሑዛት ዝዀናሉ ጊዜያት ከይተረፈ የሱስ ከምዚ ክብል ተዛሪቡና ኣሎ። "ገበርቲ ሰላም ውሉድ ኣምላኽ ክበሃሉ እዮም እሞ ብጹኣን እዮም" ማቴ 5፣9። ከመይ ጌርና ኢና እዚ ናይ ሰላም መንፈስ ኣብ ኣባይትና ከንስፍንን ከነማዕብሎን ዝከኣል? እቲ ንንውሕ ዝበለ ጊዝያት ዝረኣናዮ ናይ ከረን ስብከታት ኣምላክ ኣብ ህዝቡ ዘለዎ ድሌት እንታይ ምዃኑ ዘንጸባርቕ እዩ። ኣብ ማቴ 5፣3-8 ድማ የሱስ ብከመይ መንገዲ ገበርቲ ሰላም ከም እንኸውን ጠቒስዎ ይርከብ። እዞም ጥቕስታት እዝኣቶም ነቲ እንምስርቶ ናይ ሰላም ሃዋህው ባይታ ዘንጽፉ መሰረታት እዮም።

 

ብመንፈስ ድኻታት ምስ እንኸውን ኣምላክ ይባርኸና (ማቴ 5፣3)

ንሱ ብቕጥቁጥን ብስቡርን መንፈስ ናብእ ክንመጽእ እዩ ዝደልየና። ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ኩሉ ብትሕትናን ምሉእ ብምሉእ ኣብኡ ብምውካልን ክኸውን ኣለዎ። ንሕና ናብኡ ብትሕት መንፈስ ኣቢልና ልብና ከፊትና ኣእዳውና ዘርጊሕና ብጽምኣትን ብኹቱር ድሊትን ናብኡ እንተመጺና ብርግጽ ንሱ ድማ ኣእዳው ዘርጊሑ ክባርከና ኡዩ። ብኣንጻሩ ገለ ከምዘይድሌና ከይና ብትዕቢትን ብኣንነትን ናብኡ እንተመጺና ንሱ ብፉጽም ኣይክጥቀመልናን እዩ። ከመይሲ ድሮ ንሕና ንሱ ከም ዘይድሌና ብተግባርና ተኣሚና ስለ ዘሎና። ንሕና ኣዚና ክንፈልጦ ዘሎና ነገር እንተሃልዩ ብዘይ ኣምላኽ ምንም ነገር ክንገብር ምንም ዓቕሚ ከም ዘይብልና እዩ። ዮሃ 15፣5-8። ንሕና ብመንፈስ ድኻታት ክሳብ ዘይኮና ጊዜ ብምንም ትኣምር ሰላም ዝገብሩ ቤተሰብ ክንከውን ኣይከኣልን እዩ።

 

ምስ እንጉሂ ኣምላኽ ይባርኸና (ማቴ 5፣4)

ኣምላኽ ብኽልተ መንገዲ ኣብ ጊዜ ጓሂና ምጽንናዕ የምጻልና። እቲ ቐዳማይ ኣብቲ ብሰንኪ ሓጥያትና ጉሂና ብጣዕሳ ናብ ንስሓ ክንመጽእ ከሎናን ከምኡ ድማ ብገለ ናይ ዘሕዝን ወይ ናይ ሞት ኣጋጣሚታት ክንሓልፍ ከሎናን እዩ። በዚ ናይ ንስሓ መንገድን ወይ ድማ በዚ ጽንኩር ኩነት ምሕላፍ እምበኣር ሓደ መስርሕ ናይ ገበርቲ ሰላም እትዀነሉ መንገዲ እዩ። እዚ ሰላም እዚ ድማ እዩ ኣብ ቤትሰብና ካልኦትን ከነንጸባርቖ እንኽእል።

ትሑታት ምስ እንኸውን ኣምላኽ ይባርኸና (ማቴ 5፣5)

ንዘክር ትሑት ወይ ለዋህ ምዃን ማለት ንሓይልኻ ምቁጽጻር ማለት እዩ። ኣብ ህይወት የሱስ ክርስቶስ ዝተንጸባረቐ ሓይሊ ናይ እግዚኣብሄር አቦ እዩ። "ትሑታት ግና ንምድሪ ክወርስዋ እዮም ብብዝሒ ሰላም ድማ ባህ ክብሎም እዩ" መዝ 37፣11። ንሕና ከብቲ ኣቦና ዝገበሮ እንተ ጌርና ከምቲ ንሱ ዝተዛረቦ ጥራይ ድማ እንተ ተዛሪብና ብርግጽ ናይ ገበርቲ ሰላም ቤተሰብ ክንከዉን ኢና ኣምላኽ ድማ ክባርኸናን ከጸግወናን እዩ።

ንጽድቂ ምስ እንጠምን እንጸምእን ድማ ኣምላኽ ይባርኸና (ማቴ 5፣6)

" ግብሪ ጽድቅስ ሰላም..." ኢሰ 32፣17። " ነቶም ሰላም ዚገብሩውን እቲ ፍረ ጽድቂ ብሰላም ይዘርኦም እዩ" ያቆ 3፣18።

መሓርቲ ምስ እንዀውን ኣምላኽ ይባርኸና ማቴ 5፣7።

"ከምቲ ኣቦኹም መሓሪ ዝዀነ ንስኻትኩም ድማ መሃርቲ ኩኑ" ሉቃ 6፣36።

ጽሩያት ልቢ ምስ እንኸውን ኣማላኽ ይባርኸና። ማቴ 5፣8።

" ካብ ትምኒት ጉብዝና ህደም ምስቶም ብንጹህ ልቢ ንእግዚኣብሄር ዝጽውዕዎ ኸኣ ኣሰር ኣሰር ጽድቅን እምነትን ፍቕርን ሰላምን ሰዓብ" 2ጢሜ 2፣22።

እዝሞ ዝረኣናዮም ኣገደስቲ ነጥብታት እምበኣር እዮም እቶም ገበርቲ ሰላም ዝዀንይ ቤተሰባት ከዕብይዎምን ክኹስኩስዎምን ዝግብኦም። ንሕና ንክርስቶስ የሱስ ኣጸቢቕና ክሳብ ዘይመሰልናዮ ጊዜ ነቲ ብህሪ የሱስ ሒዝና ገበርቲ ሰላም ክንከውን ኣይከኣልን እዩ።

ባህርያት ናይቶም ገበርቲ ሰላም ዝዀኑ ስድራ ቤት

ንቶም ብቑዓት ገበርቲ ሰላም ክገብሩና ዝኽእሉ ናይ ከረን ስብከታት ብሕጽር ዝበለ ኣምር ርኢናዮም ኣሎና። ሕጂ ድማ እስከ ብዛዕባ እቶም ገበርቲ ሰላም ዝዀኑ ቤተሰብን ግለሰባትን ብስፍሕ ዝበለ መልክዕ ቃል ኣምላኽ እንታይ ከም ዝብለና ክንርኢ ኢና።

የሱስ ሰላሞም እዩ፣-

 " ንሱ ብሓይሊ እግዚኣብሄርን ብግርማ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኹን ክቐውምን ክጓስን እዩ። ሽዑ ንሱ ዓቢ ክኸውን እዩ እሞ ንሳቶም ክነብሩ እዮም። ንሱ ሰላም ክኸውን እዩ" ሚክ 5፣4-5።

" ሰላም እሓድገልኩም፣ ሰላመይውን እህበኩም ኣለኹ። እቲ ኣነ ዝህበኩም ከምቲ ዓለም እትህበኩም ኣይኰነን። ልብኹም ኣይሰንብድን ኣይሸበርን" ዮሃ 14፣27።

" ኣባይ ሰላም ምእንቲ ክትረኺቡ እዚ ነገርክኹም። ኣብ ዓለም ጸበባ ኣለኩም ግናኸ ኣጆኹም፣ ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ፣ ኢሉ መለሰሎም" ዮሃ 16፣33።

" ከመይ ኣምላኽ ናይ ሰላም እምበር ኣምላኽ ናይ ዝርግርግ ኣይኰነን" 1ቀሮ 14፣33።

" ናይ ሓደ ሰብነት ኣካላት ኰይንኩም ንሰላም ተጸዊዕኩም ኢኹም እሞ፣ ሰላም ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ይንገስ መማሰውቲ ኸኣ ኩኑ" ቆለ 3፣15።

 ንሕና ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ብምልኣት እንተ ሲዕብናዮ ከምቲ ንሱ ምሳሌ ናይ ገበርቲ ሰላም ዝዀነ ንሕና ድማ ገበርቲ ሰላም ቤተስብ ንኸውን እሞ ሰላሙ ድማ ኣብና ብምልኣት ይገዝእ። እዚ ሰላም እዚ ከምቲ ናይ ዓለም ሰላም ዘይኰነስ ንዓለም ብምልኣት ዝስዕር ሰላም እዩ። እቶም ገበርቲ ሰላም ዝዀኑ ቤተሰብ ከምቲ ጐይትና የሱስ ዝነብሮ ዝነበረ ናብራ ንምንባር ዝተማህሩ እዮም። " ነቲ ኻባይ ዝተማሀርክምዎ እተቐበልክምዎ ኣባይ እውን ዝሬእኽምዎን እዚ ግበርዎ እሞ ኣምላኽ ሰላም ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ" ፊሊ 4፣9

 

ብፍልጠት ኣምላኽን ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ኣቢሉ ማእለያ ዘይብሉ ዝፈስስ ሰላም ይህልዎም። 2ጴጥ 1፣2።

 

" እምበኣርስኸ ኣሰርኣሰር ናይ ሰላም ነገርን ኣሰርኣሰር ንሓድሕድና ዝሃንጽን ንስዓብ" ሮሜ 14፣19።

" ዝክኣል እንተዀይኑስ ብኣካትኩም ዝመጸ ዘበለ ምስ ኩሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ" ሮሜ 12፣18።

" ጨው ጽቡቕ እዩ። እቲ ጨው መቔረቱ እንተ ኸደኸ ብምንታይ ተመቅርዎ? ኣብ ነፍስኹም ጨው ይሃልኹም፣ ንሓድህድኩም ብሰላም ንበሩ።" ማር 9፣50።

"ብዘይቅድስና ሓደ እኳ ንእግዚኣብሄር ኣይክርእዮን እዩ እሞ፣ ንቕድስናን ንሰላም ምስ ኩሉ ሰብን ሰዓብዎን።" እብ 12፣14።

እቶም ገበርቲ ሰላም ዝዀኑ ቤተሰባት ኣብ ውሽጢ ኣካል ክርስቶስ ሓድነት መታን ክህሉ ዝከኣሎም ጻዕሪ ካብ ምግባር ድሕር ኣይብሉን እዮም። እዚ ሰላም ኣብ ውሽጢ ቤተሰብ ይጅምር እሞ፣ ብኣኡ ኣቢሉ ድማ ናብ ቤተክርስትያን ናብ ሕብረተሰብ ከምኡ ድማ ናብ ብዘሎ ምድሪ ይዝርጋሕ።

" ነቲ ሕብረት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ጌርኩም ክትኽሕልውዎ ተጋደሉ።" ኤፈ 4፣3

" ብዝተረፈስ ኣሕዋተይ፣ ተሓጐሱ፣ ምሉኣት ኩኑ፣ ጹኑዓት ኩኑ ብሓንቲ ሓሳብ ኩኑ፣ ብሰላም ንበሩ፣ ኣምላኽ ፍቕርን ሰላምን ድማ ምሳኻትኩም ክኸውን እዩ።" 2ቆሮ 13፣11።

እቲ ንገበርቲ ሰላም ዝተዋህቦም ናይ ተስፋ በረከት ዉሉድ ኣምላኽ ተባሂሎም ኽጽዉዑ እዮም

 ኣምላኽ ነቶም ገበርቲ ሰላም ኣዚዩ ዓቢ ዝዀነ ቦታ እዩ ሂብዎም ዘሎ። ኩሉትና ድማ ንሰላም ተጸዊዕና ኣሎና ቆሎ 3፣15። ኣቶም ናይ ከረን ስብከታት ብተርታ ምጽሓፎም ንቤተሰብ ኣምላኽ ከመይ ጌሮም ገበርቲ ሰላም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ንምሕባር ምኻኑ ይኣምን። እዚ ድማ ንነፍስ ወከፍ ውሉድ ኣምላኽ ጓል ትኹን ወዲ ብጸጋ ኣምላኽ ዝተዋህበ ተስፋ እዩ።

"እቶም ዝተቐበልዎ ዘበሉ ብስሙ ዝኣምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ክዀኑ መሰል ሃቦም። ንሳቶም ከኣ ካብ ኣምላኽ እምበር ካብ ፍቓድ ስጋ፣ ወይ ፍቕድ ሰብኣይ ዘይተወልዱ እዮም።" ዮው 1፣12።

" ብክርስቶስ እተጠመቕኩም ዘበልኩም ንክርስቶስ ለበስኩምዎ እሞ፣ ብእምነት ብየሱስ ክርስቶን ኩላትኩም ውሉድ ኣምላኽ ኢኹም። ኩላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኺም እሞ፣ በዚ ኣይሁዳዊ ወይስ ጽርኣዊ የልቦን፣ በዚ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን፣ በዚ ተባዓታይ ወይስ ኣንስታይ የልቦን።" ገላ 3፣26-28።

 እቶም ገበርቲ ሰላም ዝዀኑ ሰባት ብኹሉ መዓቀኒታት ፉሉያት እዮም። እቶም ሰላም እናገብሩ ዝነብሩ ብኣምላኽ ዝተባርኹ ዉሉዳት እቲ ሰማያዊ ኣቦ እዮም። ከምዚ ክብል ከልኹ ንኹሎም ኣመንቲ ኣኳ እንተ ዀንኩ፣ ብፍላይ ግና እቶም ገበርቲ ሰላም ዝዀኑ ሰባት ምስ ጐይታና የሱስ ጥቡቕ ዝዀኑ ርክብ ዘለዎምን ብኣምላኽን ብኻልኦት ዝተፈልጡ ቤተሰባት ኰይኖም ኣብ ማሕበር ኣምላኽ ድማ ሰላም ዝፈጥሩ ሰባት እዮም።

ኣብ መንጕ ገለ ነገር ምዃንን ብሓደ ነገር ምፍላጥን ፍልልይ ኣለዎ እዩ። ንኣብነት ኣብ ከባቢኻ ብዙሓት ናይ መካይን ኣቑሑት ዝሸጡ ሰባት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም። እንተዀነ ገለ ዉሕዳት ሰባት ጥራይ ከኣ ብኻልኦት ኣዝዮም ፍሉጣት ይዀኑ፣ ከመይሲ ንሳቶም ብቕንዕና ብወድዓዊ መኽሰብ እናሸጡ ጽብቕ ኣገልግሎት ብምሃቦም ክኸውን ይኽእል እዩ። ብዙሓት ሸቃጦ ከምዘለዉ ርዱእ ኰይኑ ገለ ሸቓጦ ግና ብዝገብርዎ ናይ ቕንዕና ኣኻይዳ ካብ ካልኦት ንላዕሊ ፍሉጣትን ንኡዳትን እዮም። ብኣመንቲ ኰነ ብዘይኣመንቲ ቤተስብካ ከም ገበርቲ ሰላም ዶ ኾን ይፍልጡ ይዀኑ? ወለዲ ንውልድኩምሲ ብዛዕባ እቲ ናይ ሰላም ኣምላኽ ዝዀነ ፈጣሪ ዶ ጽብቕ ጌርኩም ሚህርኩም ንሳቶም ድማ ገበርቲ ሰላም መታን ክኸኑ መገዲ ዶ ተርእይዎም ኣለኹም? ነዚ ኣስተምህሮ እዚ ኣብ ህይወትኩም ተግባራዊ ክትገብርዎ ናይ ልቢ ጸሎተይ እዩ። " ኣምበኣርሲ ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ ብኹሉ ወገን፣ ኩሉሳዕ ሰላም ይሃብኩም።ጐይታ ምስ ኩላትኩም ይኹን።" 2ተስ 3፣16።

ንዝመጸካ ስደት ብጸሎት ተዳሊኻ ምጽናሕ

" ምእንቲ ጽድቂ ዚስደዱ መንግሰተ ሰማይ ናቶም እያ እሞ፣ ብጹኣን እዮም። እንተ ጸረፍኹም እንተ ሰጐጉኹምን ምእንታይ ድማ ኩፍእ ዘበለ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩምን፣ ብጹኣን ኢኹም። ከምኡ ኸኣ ቅድሜኹም ንዝነበሩ ነብያት ስጉጎሞም እዮም እሞ፣ ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝዀነ፣ ተሓጐሱ ብህውን ይበልኩም" ማቴ 5፣10-12።

ስደት ባዕላትና ከይድና እነምጾ ዘይኰነስ ኣብቶም ንጐይታና የሱስ ክመስሉ ዝጋደሉ ሰባት ዝርኣ ክውንነት እዩ። ቅዱሳት ጹሑፋት ኣብ ዓለም መከራ ከም ዘሎና ይምሁሩና ዮው 16፣33። ቤተሰብና ንጐይታና የሱስ ክትነብርን ኣብዛ ዓለም ድማ ብጽድቂ እናተመላለሰት ኣብዛ ጸልማት ዝዓብለላ ምድሪ ድማ ብርሃና ከተንጸባርኽ ጀሚራ ጸላኢ ኩሉ ጽድቂ ዝዀነ ሰይጣን ብብዓይነቱ ፈትናታትን ጸለመን መከራን ካብኡ ሓሊፉ ድማ ክሳባ ናይ ህይወት መስዋእትነት ከይተረፈ ከምጻልና ከም ዝኽእል ክንኣምንን ክንጽበን ኣሎና። እዚ ጊዜ እዚ ኣብ እምነት ደውኢልና ኣንጻር ሰይጣን ተዓጢቕና ኣብቶም ዘይዳሓኑ ጐረባብትናን ኣዕሩኽትናን ካልኦትን ገጽ የሱስ ክርስቶስ ከነንጸባርቕ ይግበኣና። ከመይ ጌራን ኰን ኢና ነቲ ንጐይታና የሱስ ብምንጽብራቕና ዝገጥመና ኣደራዕን ፈተናን ክንጽዕሮ እንክእል? ኣብ የውሃንስ 16፣33 ደስ ዘብል ንሰይጣን ድማ ክንስዕረሉ እንኽእል ሓደ ደስ ዘብል ቃል ተኣትዩልና ኣሎ ንሱ ድማ " ግናኸ ኣጆኹም፣ ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ"።

ድግማ እተን በረኸታት ናይ ከረን ስብከት

ከምቲ ንንውሕ ዝበለ ጊዜ ዝረኣናዮ የሱስ ኣብቲ ናይ ከረን ስብከቱ ንነፍሲ ወከፍ ሰብን ከምኡ ድማ ንቤተሰብን ንጹር ዝዀነ ንህይወት ድማ መምርሒ ዝዀነና ናይ ህይወት መሰረት ኣንጺፉልና ኣሎ። ምንም እኳ እዞም መገድታት እዚኣቶም ኣዚዮም በዳህቲ እንተዀኑ ዘምጹልና በረኸታት ግና ኣዚዩ ዓቢ እዩ። ኣቲ መጨረሻ ናይ ህይወትና ዓላማ ሓደ ነገር ጥራይ እዩ ንሱ ድማ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወትና ብምልኣት ክገሃድን ክፍለጥን ጥራይ እዩ። ከምዚ ክኸውን ድማ ከምቲ ኣብ ዮውሃንስ 3፣20 ተጻሒፉ ዘሎ ንሱ መታን ክልዕል ንሕና ኣዚና ክንትሕት ይግባኣና።

ኣቲ ኣዚዩ ፍጹም ዝዀነ ጊዜ ኣምላኽ ንዓይ ወትሩ ኣዚዩ እዩ ዘገርመኒ። ኣምላኽ ነቲ ናቱ ሓሳባት ብዝተሓዋወሰ ወይ ብፋሕ ዝበለ መገዲ ዘይኰነ ዝገልጸልናስ እንታይ ድኣ መተና ናብ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ክንዓብን ብቕድስና ድማ ክንመላስ ዘኽእለና ኩሉ እናሃበ ነቲ ዘድልየና መስርሑ ሓሊዩ እዩ ዝገልጸልና። ብክርስቶስ እየሱስ ምዕባይ መንገዲ መንፈሳዊ ዕቤት እዩ። እዚ ነገር ዝፍጸም ግና ህይወትና ምሉኡ ብምሉእ ኣብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዝተማእከለን ኣብኡ ዝተወከለን ሕብረትና ድማ ምስ ኣምላኽ ዝጸነዐ ክኸውን ይግባእ። እዚ ድማ ብመንፈስ ድኻ ብምዃን ብትሕትና እዩ ዝጅምር (ማቴ 5፣3)።

ንሕና ብመንፈስ ድኻታት ምዃና ፈሊጥና ትሕት ከይበልናን ኣምላኽ ድማ ኩሉ ከኣሊን ሓያልን ገበራ ድላዩን ምዃኑ ከይፈለጥና ብመንፈሳዊ ህይወትና ክንዓቢ ዘይሕሰብን ዘይሕለምን እዩ። ድሕሪ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ትሕት ምባልና ዝስዕብ ነገር እንተሃልዩ ድማ ኣብ ጊዜ እቲ መሪር ሓዘናን ጓሂናን ዝጋሃድ ፉጹም ዝዀነ ምጽንናዕ ኣምላኽ እዩ (ማቴ 5፣4)። እቲ ብሓይሊ ኣምላኽ እንረኸቦ ናይ ምቁጽጻር መንፈስ ወይ ዓቅሊ ድማ ኣብዛ ምድሪ ንዝመጸና ማዕበላት ክንሓልፎ የኽእለና (ማቴ 5፣5)። ንሕና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ትሕት ብምባልና በቲ እንረኽቦ ጸጋ ኣምላኽ ተደጊፍና ኣብ ጊዜ እቲ ጽዕጹዕ ፈተናና ብዓወትን ብጽንዓትን ክንመላለስ ይከኣል። ብፍልጠት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣናዓበና ኣብ እንኸደሉ ሰዓትን ጊዜን ድማ ብቅድስና ንምንባር ዘሎና ጽምኣትን ጥመየትን ድማ ብእኡ መጠን እናዓበየን እናሰሰነን ይኸይድ (ማቴ 5፣6)። ኣምላኽ ድማ ቅድስንኡ ኣብና ብምልኣት ክገልጽ ኣዚና ንብህግ። ንሱ ብቕድስንኡ ምስ መላኣና ድማ መሓርቲ ክንከውን ሚሂሩና ኣሎ (ማቴ5፣7)። ብድሕሪ እዚ ድማ ልብና ንጽህንኡ ዝተሓለወ ይከውን (ማቴ 5፣7)። በዚ ምኽንያት ድማ ንህይወት ጐይትና የሱስ ክርስቶስ ስለ እነንጸባርኽ ኣብዛ ምድሪ ገበርቲ ሰላም ኰይና ንመላለስ ማለት እዩ።

ኣብ ማእከል እዚ ጉዕዞ እዚ ድማ ብኣዚዩ ብሉጽን ሓያል ዝዀነ በረኸት መሊእና ለውጢ ዘለዎ ህይወት ሒዝና ንመንግስቲ ኣምላኽ ጨቢጥና ብምጽንናዕ መሊእና ነዛ ምድሪ ወሪስና ብዓቅሊ ተመሊእና ምሕረት እናርኣና ንኣምላኽ እናረኣናን ውሉድ ኣምላኽ ኢልና እናተጸዋዕና ንመላለስ። ከመይ ዝበለ ዕጫን ትዕድልትን ኰን እዩ ንሕና ብምሉእ ልብና ኣብ ኣምላኽ ተደጊፍና ፈቲና ድማ ንኣምላኽ እናሳዓብና ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ነዛ ዓለም ከነንጸባርቕ ክንውስን ከሎና።

ነፍሲ ወከፍ መልእኽቲ ናይ ከረን ኣብ ህይወትና ንባህሪ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እዩ ዝተኽለልናን ዘዕብየልናን። ኣንተዀነ ባህሪ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሒዝና ክንዓቢ እንተ ዘይተጋዲልና እቲ ንጥፍኣትናን ንምስንኻልናን ለይትን መዕልትን ዝተግህ ጸላኢ ክብለጸልና ከምዝኽእል ኣይንስሓቶ። እንተ ድኣ ቤተሰብናን ውሉድና ንባህሪ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ክንላበሶ ዘይኪኢልና ሰይጣን መጻወዲኡ ዘርጊሑ ከጥፍኣና ናይ ግድን እዩ። ኩሉጊዜ ንደቅና ካብ መጽሓፍ ቁዱስ እናርኣና ኣብዛ ምድሪ ንጐይታና የሱስ መሲልና ክንመላለስ ከሎና ስደትን መከራን ከምዘሎና ክንምህሮምን ከነዘክሮምን ይግባኣና። ስለ ክርስቶስ ዝመጸና ፈተናታ ወይ ከዕንውና ወይ ድማ ደው ኢልና ንኻልኦት ንምስክር ክንከውን ናትና ምርጫ ወሳኒ እዩ።

ድሮ ከምቲ ኣብ የውሃንስ 16፣33 ዝጠቐስናዮ ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ዝኸሰና ጸላኢ ዓወት ክንእውጀሉ ንኽእል ኢና። ንሱ ከሳሲ ኣሕዋትና እዩ ተባሂሉ ኣሎ (ራእ 12፣10)። እቲ ዝበለጸ ንዝመጸና ፈተና ክንገጥመሉ እንኽእል መገዲ ኣብቲ ጉንዲ ወይኒ ብምጽናዕ ጥራይ እዩ።  እንተ ደኣ ንሕና ማለት ጨናፉሩ ኣብቲ ጉንዲ ወይኒ ጠቢቕናን ኣብ ሰላም ክርስቶስ ድማ እንተ ተወኪልና ኩሉጊዜ ሓለዋ ኣምላኽ በዚሕልና ንመላለስ ማለት እዩ። ምስቲ ጉንዲ ወይኒ ዘሎና ርክብን ምጥባቕን ብሸለልትነት ንርእዮ እንድሕር ኰይና ግና ነቲ ሰይጣን ዘምጻልና ፈተናን መከራን ክንገጥሞ ስለ ዘይንኽእል ኣብ ውድቀት ክንኣቱ ናይ ግድን እዩ። እቲ ዝበለጸ ምስቲ ወይኒ እንጣበቐሉ መንገዲ እንታይ እዩ? ጸሎት። ጸሎት ንልቢ ኣምላኽን ንልብናን ዘጣብቕ እንኰ መንገዲ እዩ። ጸሎት ብተወሳኺ ኣብቲ መዓልታዊ ህይወትና ምስ ሰይጣን እንገብሮ መንፈሳዊ ዓውደ ውግእን ኩናትን እንገጥመሉን እንቃወመሉን መንፈሳዊ መሳሪሕና እዩ።

 ስለ እቶም ዝሰጉኹም ጸልዩ።

 እስከ ጊዜ ወሲድኩም ንዉሉድኩም ብዛዕባ እታ ኣብ ማቴ 5፣10-12 ዘላ ጥቕሲ መሃርዎምን ብዛዕቡኡ ድማ ጸልዩ። ብርግጽ ካብቲ ዝርኣናዮ ናይ ከረን ስብከታት እታ ንኽትጽልያ ኣጸጋሚት ዝዀነት ትእዛዝ እዚኣ እያ። ስለምንታይ ግና ከምኡ ኰይና? ምኽንያቱ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ጊዜ ስደትናን መከረናን እንታይ ክንገብር ከምዝግባኣና ብግልጺ ሚሁርና ስለ ዘሎ።"ብጻይካ ፍቶ፣ ጸላኢኻ ጽላእ፣ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም ኣለኹም። ኣነ ግና እብለኩም ኣለኹ፣ ጸላእቱኹም ፍተዉ፣ ንዝረግምኹም መርቑ። ዉሉድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣበኹም መታን ክትኰኑ፣ ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያውንን ጸሓይ የብርቕ ንጻድቃንን ንሓጥኣንንን ድማ ዝናብ የዝንም እዩ እሞ፣ ንዝጸልእኹም ጹቡቕ ግበሩ፣ ስለቶም ዝጸርፍኹምን ዝሰጉኹም ጸልዩ" ማቴ 5፣43-45። እስከ ደጊምኩም ደጋጊምኩም ብመሰረት ማቴ 5፣10-12 ጌርኩም ሓቢርኩም ጸልዩ። ኣብተን ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዝተዛረበን ቃላት ኣቶኩሮ ብምግባር ኣብ ማእከል እቲ ዘለኩም ስደት ደው በሉ። ነቶም ዘሳደድኹም ዘለዉ ሰባት ክትጽልዩ ወሱኑ ከመይሲ ንስኻትኩም ንየሱስ ትነብሩ ሰባት ስለ ዝዀንኩም። ኣብዘን ተጠቒሰን ዘለዋ ቃላት መታን ክርድኣኩም ብኸምዚ ዝስዕብ ኣገላልጻ ገሊጸየን ኣለኹ።

 ብጹኣት ብጹኡ ወይ ቡርኽ ምዃን ብመንፈሳዊ ነገር ምብልጻግ ማለት እምበር ምስ ምድራዊ ረብሓ ዘተሓሕዝ የብሉን። ብዘየገድስ ኣመንቲ ኣብ ጉዕዞ ህይወቶም ዘጋጥሞም መከራን ጸገምንን ኣብ ኣምላኽ ተወኪሎምን ብመጐስ ኣምላኽ ተኸቢቦምን ብሰላምን ብሓጐስን ኣብዛ ምድሪ ክመላለሱ ይኹእሉ እዮም።

ስደት ምስዳድ ብኻልኦት ምጩቃን ብኣድልዎ ምስቓይ ፍትሒ ምስኣን ምውራድ ከጠቓልል ይከኣል እዩ። ሰባት ድማ ብጸላኢ ተሓብሎም ሽምና ንምኽፋእን ንሽም ኣምላኽ ንምውራድን ኣንጻርና ክለዓሉ ከም ዝኽእሉ ኣጸቢቕና ፈሊጥና ክንዳሎ ይግባኣና።

ጽድቂ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንወዱ የሱስ ክርስቶስ ንዓና መስዋእቲ ክኸውን ዝወፈዮ መታን ንሕና ጽድቂ ክንረክብ እዩ። "ንሕና ብእኡ ጽድቂ ኣምላኽ መታን ክንረክብውን፣ ነቲ ሓጥያት ዘይፈለጠ ኣብ ክንዳና ሓጥያት ገበሮ"። 2ቆሮ 5፣21። ንሕና ብግልና ምስ መድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ጥቡቕ ዝዀነ ግላዊ ሕብረት እንድሕር ኣሊና ኩሉ ጊዜ ኣብቲ ኣንነብሮ መዓልታዊ ናብራና ጽድቂ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ብምልኣት ይግለጽ። ጽድቂ ብነጻ ካብ ኣምላኽ ዝረኸብናዮ ህያብ እዩ እንተዀነ ንሕና ድማ ብእምነት ክንቅበሎ ይግባኣና።

መንግስተ ሰማይ ወይ መንግስቲ ኣምላኽ መንግስተ ሰማያት ብኣምላኽ ትመሓደር መንግስቲ ኰይና ህልውትን ናይ መጻኢና ድማ ተስፋ እያ። እዛ መንግስቲ እዚኣ ብምኽንያት ምስ ጐይታና የሱስ ዘሎና ሕብረት እትርከብ እምበር ብጻዕርኻን ብግብርኻን ትርከብ ኣይኰነትን። የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ እዛ መንግስቲ ክምህር እንከሎ፣ እዛ መንግስቲ እዚኣ ክብርቲ ስለዝዀነት ነዝኣ መንግስቲ እዚኣ ድማ ዘለካ ኩሉ ክትውፊ ከምዘለካ ይምህር። "