20
Sat, Apr
0 New Articles

ምስክርነት ! ፍቕሪ ዝረኸብኩላ ቀዳመይቲ መዓልቲ

Salvation
Typography

ኣብ ህይወትካ ምናልባት ንበረኸት እንተኾነካ ታሪኸይ ከዘንትወልካ ድልየተይ እዩ፣ኣብ ግዜ ቁልዕነተይ መኣዝነይ ዝጸሉ ብዙሕ መድረኻት ሓሊፈ፣ካብ ድኻታት ስድራቤት ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ካሊፎርንያ ተወሊደ፣ ኣቦይ ናይ መስተ ግዙእ ብምንባሩ ኣብ ወላዲተይ ይኹን ኣብ ስድራቤትና ማእለያ ዘይብሉ ባእስን ዕግርግርን ምፍልላይን እዩ ፈጢሩልና፣ገና ወዲ 7 ዓመት ከሎኹ እየ ሓሽሽ ክጥቀም ጀሚረ። ኣብ ውሽጠይ ክወጽእ ዘይክእል ክቱር ጓህን ስቓይን ኣሎኒ፣ ምፍታሕ ወለደይ ንልበይ ሴርዎ እዩ፣ወዲ 12 ዓመት ምስ ኮንኩ ኣደይ ሓዲጋትኒ ከደት። ሽዑ እዩ ንህይወተይ ጸልማት ዝወረራ። ብርግጽ ፍቕራን ምጽንናዓን'ኳ እንተበሃግኩ ንሳስ ተፈልያትኒ እያ፣


ፍቕሪ ስኢነ ህይወተይ ሓዘንን።ገበንን መሊኡ ግዳም ሓደር ኮንኩ፣ እዚ እናዓበየን እነኸፍአን ብረት ዝሕዝ ገበነኛ ኾንኩ፣ ከም ውጽኢቱ ኣብ 12 ዓመተይ 3 ወርሒ ተኣሲረ፣ ዘይወጽእ ኮይኑ ተሰምዓኒ። ግዜይ ኣኺሉ ወጺአ። ግናኸ ኣብ 3 ሰሙነይ እንደገና ተኣሲረ። ክሳብ 18 ዓመተይ ብቐጻሊ ይእሰርን ይፍታሕን ነበርኩ፣

 

ካብ 10ታት ዝበዝሓ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲረ እየ፣ግናኸ ተመሊሰ ብዙሕ ስቓይ።ሓሽሽ።ብዙሕ ዘሕዝን ነገር እየ ፈጺመ።።ደጊመ ነደይ ክርእያ ኣይከኣልኩን፣ዕላማ ስለዘይነበረኒ ዘሰቅቕን ግጉይን ዕሽነት ኣብ ጐደናታት ፈጺመ፣

 

ኣነን ሓወይን ስርዓት ዘይብሉ ከቢድ ህይወት ግዳም ሓደር ኣሕሊፍና፣ቤት ፍርዲ ብምኽንያት ብዝሒ ዝፈጸምክዎ ገበን ባእሲ።ፋሉልነት።ብዝሒ ማእሰርቲ።ዕሉል ገበነኛ ምዃነይ ኣረጋጊጹ ኣብ ‘' ቢዩቲፉል ኣሪዞና ቦይስ ራንች '' ዝተባህለ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣእተወኒ፣ስርዓት ንኽመሃር ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ 3 ወተሃደራት ቀጥቀጡኒ።ብዙሕ መሃሩኒ ብድስፕሊን ዝተሃንጸ ብቑዕ ወተሃደር ንኽኸውን ንኽልተ ዓመታት ብዝተፈላለዩ መንገድታት ጸሪቦምኒ እዮም፣ብዘይ ፍቓድ ንሽቓቕ ክኽይድ ኣይክእልን። እንተኸድኩውን ን 25 ሰከንድ ጥራይ ይፍቀደለይ። ሓደ ጐይታይ። ክልተ ጐይታይ እንዳበልኩ ዓው ኢለ ይቖጽር፣ እቲ ቦታ ቆራሪ ብምዃኑ ደኺመ ቀስ ኢለ እንተ ቆጺረ። እንታይ ትገብር ኣሎኻ ብዘየገድስ ጐቲቶም የውጽኡኻ።ብኸምዚ 2 ግዜ ጐቲቶም ኣብቲ ረሳሕ መሬት ደርበዩኒ፣ሰልፊ ንመሃር ምሉእ መዓልቲ ንሰርሕን ንለማመድን። መግቢ ኣብ ንምገበሉ ግዜ ሓንሳእ ብትእዛዝ ምስ ኮለስካ ብትእዛዝ ኢድካ ተውርድ።እንደገና ብትእዛዝ ትኹልስን ተውርድን፣ኣብ ጽቡቕ ገዛ ምስ ሕጉሳት ስድራቤት ኣዴኻ ዝኸሸነትልካ ምብላዕ ኣዝየ ኣዝየ ተመነኹ፣ኣብዚ ልምምድ ንሓያሎ እዋናት ተጸሪፈ።ተቐጥቂጠ። ኣብ ጸባብ ክፍሊ ንበይነይ ተፈልየ እየ፣ንክልተ ዓመታት ብኸምዚ ብኸቢድ ነገር ሓሊፈ ።ብጣዕሚ ተጐዲአ ኣብ መፈንጠራ ዝኣተኹ ኮይኑ ተሰምዓኒ። ስጋብ ፍሉይ ለውጢ ዘምጽእ ተባሂሉ ቀጸለ፣እቲ ወተሃደራዊ ስታፍ ከምቲ ንዓይ ዝገበሩኒ ንኻልእ ወዲውን ከቢድ ስራሕን መቕጻዕትን ምስ ወረዶ እቲ ክገብሮ ዝግብኦን ዘይግብኦን ኣርኤኽዎ።ቀረብክዎ። ዝገበርክዎ ጌጋታት ንኸይደግሞ ብተኻእለኒ መጠን መሃርክዎን ደገፍክዎን። ሕማም ኣዝማ ስለ ዝነበሮ ድሕሪ 3

 

ወርሒ ኣቢሉ ሞይቱ፣ማዕከናት ዜና ነዚ ጉዳይ ስለ ዘወዓውዖዖ እቲ መዓስከር ተዓጽወ። ንብሕተይ ኮይነ ጽምዋ ተሰሚዑኒ፣

 

ክሳብ ወዲ 18 ዓመት ዝኣክል ናብ ካልእ መዓስከር ተሰጋጊረ። ንኽወጽእ ቤትፍርዲ ሓንቲ ምርጫ ጥራይ እዩ ኣቕሪቡለይ። ንሱ ኸኣ ኣባላት ስድራቤተይ መጺኦም እንተውጺኦምኒ እየ ክፍታሕ። ሓዚነ ተስፋ ቆረጽኩ። ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ድሕሪ'ዚ እማመ ኣባላት ስድራቤተይ እንተውጽኡኒ ዕድል ተዋሂበ ቤት ፍርዲ ቀሪበ።። ኣባይ ተገዳስነት ዘርኣየን ዝመጸንን ሰብ ስለ ዘይነበረ ናብ መዓስከር ተመሊሰ።። ድሕሪ ወርሒ ዕድል ተዋሂበ ንኻልኣይ ግዜ ቤት ፍርዲ ቀሪበ ሕጂውን ናባይ ዝመጸ ኣይነበረን።። ኣብ 3ይ ግዜ ንቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረብኩሉ ግዜ ብተሌፎን ዝወስደኒ ዘመድ ክጽውዕ ተፈቕደለይ።። ክመጸኒ ዝደሊ ግና ፍጹም ኣይነበረን፣ቤት ፍርዲ ሓንቲ ናይ መወዳእታ ዕድል ክህበኒ እንተዘይኮይኑ ግና ናብ ‘'ካሊፎርንያ ማእከል መሰልጠኒ ሓላፍነታውያን መንእሰያት‘' ከም ዝኸይድን ኣብኡውን ን 7 ዓመታት ከም ዝጸንሕ ነገረኒ፣ዝዛረቦን ዝገብሮን ጠፍኣኒ። ወላ ሓደ ዝግደሰለይን ዘፍቅረንን ሰብ የለን ብምባል ኣስቆርቆርኩ፣ናብታ ዝነበርክዋ መዓስከር ምስተመለስኩ ሽዑ ዝተሰምዓኒ ጽምዋን ቃንዛን ክገልጾ ኣይክእልን፣

 

ኣብ ግዜ ቁልዕነተይ ሓደ ግዜ ንግሆ ንትምህርቲ እንዳኸድኩ እቲ ካልኣየይ ብዛዕባ ኣምላኽ ማለት የሱስ ክርስቶስ ክምስክረለይ ይዝከረኒ።። ሓቂ ይሓይሽ ሽዑካ ፍጹም ክሰምዖ ኣይደለኹን።። ሕጂ ግና ሓገዝ ደለኹ።። የሱስ ኢለ ክጽውዖ ወሲነ።። ከመይ ጌርካ ትጽልይ ኣይፈልጥንየ ንብዙሕ እዋናት ክቕየር ጽቡቕ ህይወት ክውንን'ኳ እንተደለኹን እንተፈተንኩን። ኩሉ ትርጉም ስኢነሉ፣ ስለዚ ሓቀኛ ህላውነት ኣምላኽ ከረጋግጽ ናብ የሱስ ክርስቶስ በኸኹ።። ፍቕሩ ከስተማቕር ኩለንትናይ ክመልኦ ህይወተይ ክህቦ ብሂገ። ምእንቲ ክፍታሕ ንብዓተይ ኣብ ናይ እስር ቤት ክዳነይ እንዳፈሰሰ ጸለኹ።። ህይወት ጸሊአ ክረኽቦ ከም ዝደሊ ንኣምላኽ ነገርክዎ፣

 

ናይ መወዳእታ ቆጸራ ቤት ፍርዲ ኣኺሉ። መጺኡ ዝወስደኒ ሰብ ብሃንቀውታ ተጸበኹ። ኣኮይ ብሃንደበት መጸኒ። ክኣምን ኣይከኣልኩን ብጣዕሚ እየ ተገሪመ። ብዙሕ እዩ ዝጸልኣኒ። ሕማቕ ገጽ ዘርእየኒ። ሕማቕ ይዛረበለይ ኔሩ። ከመይ ክግደሰለይን ከመጸንን ክኢሉ ብዘይጥርጥር ኣምላኽ ንጸሎተይ ስለ ዝሰምዖ ምዃኑ ፈለጥኩ፣

 

ኣኮይ ንገዝኡ ወሲዱኒ። ከምዚ ግበር ኣይትግበር እንዳበለ የጓጥጠለይን ይጸርፈንን። ምስኡ ኣብ ‘' ቡርባንክ ካሊፎርንያ ‘' ክጸንሕ ተፈቕደለይ፣ ትምህርቲ ጀሚረ ሓንቲ ጓል ክላሰይ ክርስትያን ስለዝረኸብኩ ብዛዕባ የሱስ መስኪራ ናብቲ ትሳተፎ ቤተክርስትያን ዓዲማትኒ። ህጻን ከለኹ ኣብ ናይ ካቶሊክ ቤተክርስትያን ከይደ ምድቃስ እንተዘይኮይኑ ቤተክርስትያን ከይደ እንታይ ከም ዝጸንሓኒ ዘይፈልጦ ነገር'ዩ፣ወሲነ ከድኩ ብጣዕሚ ትደኒቐ በቲ ዝተሰምዓኒ ህላውነት ኣምላኽን ፍቕሩን ክኣምን ኣይከኣልኩን፣

 

ንኻልኣይ ግዜ ናብታ ቤተክርስትያን ብምኻድ ህያብ መንፈስ ቅዱስ ተቐበልኩ፣ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ግሃ 1።8, ግሃ 2።1-4, ግሃ 10።44-48, ግሃ 19።1-7 ዝብሎ እዩ፣ የሱስ ክርስቶስ ሎሚውን ብሓቂ ኣሎ! እታ ቤተክርስትያን ሓያል ምንቕቓሕ መንፈስ ቅዱስ ዘለዋ ቅድስና ትሰብኽ ውፍይቲ እያ፣ ብየሱስ ክርስቶስ ምስ ተጠመቕኩ ህይወተይ ጸቢቑ ፍጹም ተለወጥኩ፣ ንቡዙሕ ዘመናት ኣብ መፈንጠራ ኣትየ'ኳ እንተነበርኩ ሕጂ ግና ሓራ ወጺአ! ነጺሀ! ሓጐስ ረኺበ!

 

ኣብ ብዙሕ ቤት ማእሰርቲ ኣትየ እየ፣ እቲ ዝኽፍአ ግና ናይ መንፈስ ማእሰርቲ እዩ፣ ካብዚ ክርስቶስ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ሓራ ኣውጺኡኒ እዩ፣ንብዙሕ ግዜያት ዝጸማእክዎ ሓጐስ። ተስፋ። ካልእ ሰብ ክህበኒ ዘይከኣለ ፍቕሪ ሂቡኒ፣ እታ ፈለማ መንፈስ ቅዱስ ዝተመላእኩላ መዓልቲ ፍቕሪ ዝረኸብኩላ መዓልቲ እያ፣ ጐይታ የሱስ ካብ ኩሉ ኣርዑት ባርነት ሰይጣን ሓራ ኣውጺኡኒ። ኣብ ህይወተይ ሓድሽ ምዕራፍ ከፊቱ። ሕጉስን ዕጋበት ዘለዎ ናብራን ይነብር ኣሎኹ፣ዝከናኸኑን ፍቕሪ ዝምግቡን ብሩኻት ማሕበር። ፓስተር። ሕያወይቲ በዓልቲ ቤት ፓስተር ኣምላኽ ሂቡኒ።። ጐይታ ስራሕ ክረክብ ሓገዘኒ፣ ኣደይ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ናባይ ተመሊሳ። ጐይታ የሱስ ብዙሕ ከፍቅራን ምሕረት ክገብረላን ረድኣኒ፣ ብጣዕሚ የኽብራ። ርሕራሔኡን ሕያውነቱን ኣዝዩ ዓቢ እዩ፣ ካባይ ጀሚርካ ንጥፉኣት ምእንቲ ኸድሕን እዩ ዝመጸ፣ብሓቂ ንዓኻውን ክረድኣካን ክሕግዘካን ይከኣሎ እዩ፣ጐይታ የሱስ ኩሉ ዝኽእል ሓቀኛ ኣምላኽ እዩ! ድኻምካን መን ምዃንካን ኣይስወሮን ። ኣብ መወዳእታ ኩሉ ግዜ ምእንቲ ክትዝክሮ ብሓቂ ጐይታ የሱስ የፍቅረካ እዩ!

 

ኣሜን፣