19
Fri, Apr
0 New Articles

ምስክርነት ! ካብቲ ድቕድቕ ጸልማት ናብ ብርሃን

Salvation
Typography

ኣብ ግዜ ህጻንነተይ ምስ ኣደይን ዓቢ ሓወይን ስድራቤቱን እየ ዝቕመጥ ኔረ፣ ምናልባት ዓቢ ሓወይ ክልተ ደቂ ስለ ዝነበርዎ ኩሉ ሓሳባቱ ንሶም ስለዝወሰድዎ ይኸውን ብዙሕ ዝምድናን ፍቕርን ኣይነበረናን፣ ዘፍቅርን ዝሕብሕብን ክገብሮ ዝግባኣኒ ዘርእየኒ ኣቦ ኣይነበረንን፣ እታ እንኮ ፍቕሪ ትልግሰለይ ሰብ ክኽብር ንፉዕ ቆልዓ ክኽውን እትምዕደኒ ኣደይ እያ ። ዝከኣላ ኹሉ ገበረትለይ ብዛዕባ ኣምላኽ ከይተረፈ ትፈልጦ ዘበለ መሃረትኒ ቅድሚ ምድቃስና ንጽልይ። ዋላኳ ብዛዕባ ኣምላኽ ብዙሕ ትፈልጦ እንተዘይነበራ ዝጸለየቶ ከም ዝኸውን ዓቢ እምነት ኔርዋ፣

 


ኣብ ጐረባብትና ብዙሓት ኣዕሩኽ ነበሩኒ። ብፍላይ ምስ ሓደ ጥቡቅ ዕርክነትና ብገርህነትን ቅንዕናን ኣተሓባባእ። ካልእ ዓይነት ጸወታታት ንጻወት። ነዚ ዝፈትዎ ዓርከይ ጸለውቲ ዝኾኑ ስድታት ወድን ጓልን ዓበይቲ ኣሕዋት ነበርዎ፣ ይሰኽሩ ለይታዊ ትልሂት ይኣትው። ጾታዊ ርክብ የዘውትሩ ስለ ዝነበሩ ንዓርከይ ሕማቕ ኣርኣያ ኮይኖሞ እዮም፣ በቲ ኣካይዶኦም ተሳሒቡ ብዘዕልልዎ ዕላላት ክግደስ ጀመረ፣ ኣብቲ ፈለማኳ ክግስጾን ክቃወሞን እንተፈተንኩ ቀስ ብቀስ ግን ንዓይውን ጸሊዩኒ። ኣሕዋቱ ዝዛረብዎ ዕላላት ክንሰምዕ ንህንጠይ። መብዛሕትኡ ግዚ ንቆልዑ ዘማኽሮም ሓሳባቶም ዝቕበሎም እንተዘይረኺቦም ብሕማቕ ኮነ ብጽቡቕ ምስ ሕቶኦም ናብ መዛንኦም ይኸዱ፣ ከምዚ ንዓይ ዘጋጠመኒ ንህይወት ብጌጋ መንገዲ ይርድእዎ፣

 

ጸቕጢ ናይ መዘናይ ንብዙሕ ግዜያትኳ እንተተቛወምኩዎ ኣይቀጸልኩን። ወዲ 15 ዓመት ምስ ኮንኩ ንመጀመርያ ግዜ ቢራ ሰትየ፣እታ ምሸት እቲኣ ብ ''ናይ ምስጋና መዓልቲ'' ዝፍለጥ በዓል ትበዓል ስለ ዝኾነት ጽቡቕ ጌረ እየ ዝዝክራ፣ ምስ ካልኦት የዕሩኽትና ናብ ገራጃት /መቐመጢ መካይኖም/ ብምዃድ መስተን ሓሽሽን ተጠቂምና። ጣዕሚ ናይቲ መስተ ኣይፈተኽዎን። ዓቢ መሲለ ክርኣይ ስለ ዝደለኹ ካብቶም ኣዕሩኽተይውን ተቐባልነት ምእንቲ ክረክብ ኢለ ምስታይ ኣየቋረጽኩን፣ ብዝኾነ ምኽንያት ሓሽሽ እንተ ጥዒምካ ግዙእ ምዃንካ ዘይተርፍ'ዩ፣ እዚ ናይ ‘'ምስጋና መዓልቲ'' ናይ ፈለማ ዝተበላሸኹላ መዓልቲ እያ። ብድሕሪኡ ምስቶም ኣዕሩኽተይ ክንደላለን ለይታዊ ትልሂት ብሓደ ምዃድ ቀጺልና፣

 

እቲ ዓቢ ሓወይ ይከታተለንን። ኣምስየ ክኣቱ ከለኹ ይቃወመኒ። ይጸርፈኒ ምስኦም ምዃደይ ሕጉስ ኣይነበረን። ብዙሕ መዓደንን ገሰጸንን፣ ኣነ ግና ምስኦም ምውጻእ ቀጸልኩ ዋላኳ ሓወይ ይሓልየለይ እንተነበረ ንዓይ ንምእራም ኣብ ክንዲ ቅኑዕ መንገዲ ዝጥቀም ጸርፍን ምርጋምን ስለዘብዝሓለይ ጸሊአዮ ኣንጻሩ ኾንኩ፣ ኣቀማቕማ ጸጉረይ ኣካዳድናይ ኣዘራርባይ ተቐይሩ ዓቢ ሓወይ ክቃወመኒ ኸሎ ምሽክነይቲ ኣደይ ዝኾኖ ዘሎኹ ስለ ዘይተረድኣ ተመሊሳ ንዕዑ ትግስጾን ባህሪ ንእስነት'ዩ ኢላ ተረድኦ፣

 

ይዝከረኒ ናብ ለይታዊ ትልሂት ዝከድኩላ ቀዳመይቲ መዓልቲ ክትስዕስዕን መስተ ክትሰትን ምስ እትሕተት ቀልዓለም ትገብር። ሕንከት ይስምዓካ ደሓር ግና ትለምዶ። ብዘይ ፍቓድ ትወጽእ። ንኽትዘናጋዕ ኢልካ ትሰትይ። ኣብ ፍሉይ ስምዒት ትኣቱ። ሓደ እዋን እንዳ ሳዕሳዕና ከለና ሓደ ሰብ ብሓደ ኩርናዕ ናይቲ ክፍሊ ኮይኑ ብዙሓት ሰባት ከቢቦም የድንቕዎን የመጉስዎን። እቲ ሞያኡ ዲጀይ እዩ ዝበሃል ሙዚቃ እንዳቐያየረን እንዳሓዋወሰን የጻውቶም። ካብዛ መዓልቲ እዚኣ ንንየው ኣነውን ከምኡ ሰባት ክኽቡኒ ክድንቑኒ ከምልኹኒ ፍሉይ ሰብ ኮይነ ኩሉ ክፈትወኒ በሃግኩ፣

 

ወዲ 16 ዓመት ምስ ኮንኩ ንኻልእ ምዕባየይ ሓወይ መሳርሒ ሙዚቃ ናይ ዲጀይ ሞያ ንኽገዝኣለይ ኣእመንክዎ። ንሰዓታት ኣብ ጋራጅና ተለማመድኩ። ሓደ መዓልቲ ፍሉጥ ዲጀይ ክኸውን እንዳ ሓለምኩ ድምጺ ይቐድሕን። ይሓዋውስን በቃ ሙዚቃ ኣምላኸይ እዩ ኔሩ። ከም መቕድሒ ድምጺ ሬድዮ ካልእ ክጠቕመኒ ዝኽእል መሳርሒታት ገዚአ ኣብ ናይ ገዛ ዝግበር በዓላት ወይ ሳዕስዒት ክሳተፍን ከጻውትን ጀመርኩ። ፍሉጣት ዲጀይ ኣብ ትሕቲ መሬት /ገዛ/ ኮይኖም ዝጻወትሉ ፍሉይ ቅዲ ‘' ሃርድ ሮክ ‘' ኣተኣታተኹ። እዚ ቅልጡፍን ሕልኽላኻት ዝመልኦን ጸወታ እዩ፣

 

ወዲ 19 ዓመት ምስ ኮንኩ ኣብ ትሕቲ ገዛ /ኣንደር ግራውንድ/ ዝጻወትሉ ቦታ ከይደ ከም ዲጀይ ከጻውትን ብ ‘'ተጻዋቲ ሃርድሮክ መንፊስቶ ‘' ዝብል ሳጓ ክፍለጥ ጀመርኩ፣ ዘይፍቑድ'ኳ ክንሱ ቆልዑ ከይተረፉ ዝተፈላለዩ ዓይነት ሓሽሽ ኣልኮላዊ መስተ ። ሰብ ኣብ ዘይብሉ ጽምዋ ቦታታት አረ ንሓንሳእውን ኣብ ማእከል ጥዑይ ገዛውቲ የጻውት። ምሉእ ለይቲ መስተን ሓሽሽን ንጥቀም። ይዝከረኒ መብዛሕትኡ ግዜ ልዕሊ ዓቕሞም ሓሽሽ ዝወሰዱ ቆልዑ ተሰኒፎም ኣንቡላንስ መጺኣን ይወስድኦም። ኣብ ፈቖዶ ኩርናዕ ናይቲ ገዛ ኣጸያፊ ተግባራት ትርእይ፣

 

ጽልዋይ እንዳዓበየ ኸደ ሰባት ብሳጓይ ክፈልጡኒ ክኸቡኒ ከድንቑኒ ጀመሩ። ደገፍቲ ኣጥርየ ንምንቅስቓሳተይ ብደቂቕ ክከታተሉ ኸለው ኣዝዮም ስለ ዘመጉሱኒ ፍሉይ ዕግበት ይስምዓኒ'ሞ ሕልመይ ተጋሂዱ በልኩ፣

 

ኣብ ልበይ ዘስዕቦ ዝነበረ ጽልዋ ኣይርድኣንን ኔሩ። ፍጹም ኣብ ባርነት ኣተኹ ኣእምሮይ ብጽዩፍ ተግባራት ስኽራን ሓሽሽ ተመሊኡ ጥዑይ ህይወት ጸሊአ እቲ ኣብ መወዳእታ ናይ ሰሙን ቀዳምን ሰንበትን ኣብ ጸልማት ዝግበር ክፋእ ህይወት ተመሊአ። ምስ ስድራይን ካልኦት ሰባትን ምስምማዕ ስኢነ፣ ሓጐስን ደስታን ካብ ዝሙትን ሓሽሽን ክረክብ ምስ ኣዕሩኽተይ ብቐጻሊ ይወጽእ፣ ይኹን እምበር ሓጐስ ግን ክረክብ ኣይከኣልኩን፣ ንበይነይ ኣብ ክፍለይ ተዓጽየ ይበኪ። ሓንሳእ ሓንሳእ ነብሰ ቅትለት ክፍጽም ይሕልን፣ ንብሰይ ከይቀተልኩ ካብዚ ክፉእ ህይወት ንኸውጽኣኒ ምስቲ ኣብ ቁልዕነተይ ዝፈልጦ ኣምላኽ ጸለኹ። ዋላኳ ኣብ ዝተጨማለቐ ህይወት እንተነበርኩ ኣምላኽ ይመስገን ጐይታ የሱስ ግና ኢዱ ዘርጊሑ ምሕረት ገበረለይ ቀስ ብቐስ ካብቲ ዓዘቕቲ ስሒቡ ኣውጽኣኒ፣

 

ጐይታ የሱስ ሓይሊ መሊኡ ዝምህሩንን ዘስተካኽሉንን መማህራን ሃበኒ፣ ናብ ‘' ኤል ኤ ዝበሃል ጴንጤቆስታል ‘' ቤተክርስትያን ተጸምበርኩ፣ ምኽንያት ምድሓነይ ሓንቲ ምሳና ዝነበረት ዲቦራ ትበሃል መሓዛና ካብቲ ኩሉ ጨምላቕን ክፋእ ናብራን ብምድሓና ጸልያትና እያ፣ መጽሓፍ ቅዱስ እንዳዕጠጠና ኣንበበትልና፣ ኣብ መወዳእታ ናብ ቤተ ክርስትያን ምስኣ ክንከይድ ዓደመትናሞ ከድና፣ ኣብታ ቀዳመይቲ ቤት ኣምላኽ ዝኸድኩላ መዓልቲ ካብቲ ኣብ ኣእምሮይ መሊኡ ዝነበረ ዘይስነምግባራ ጽያፍ / Pornography / ተናጊፈ። ተፈዊሰ። ንሰለስተ ዓመታትውን ብሓርነት ይቕጽል ኣሎኹ፣

 

ባዲ ኦማርጂ ዝተባህለ ኣገልጋሊ ምሂሩ ናብ ቅንዕቲ ቤተክርስትያን ክሳተፍ ደገፈኒ።። ጐይታ የሱስ ናብኡ ከቕርበኒ ነዚ ኣገልጋሊ ተጠቂምሉ እዩ፣ ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ምስ ዲቦራ ተመርዓና። ብስም ጐይታ የሱስ ተጠሚቕና ምሕረት ረኺብና። ህያብ መንፈስ ቅዱስውን ተቐበልና። ድሕሪ ምጥማቕና በዓልቲ ቤተይ ካብቲ ዝነበራ ጉድኣት ርእሳን ክሳዳን ማህረምቲ ዓንዲ ሕቖን ምሉእ ብምሉእ ተፈወሰት፣ ኣብዚ 3+ ዓመታት ዝገበርኩሉ እዋን ኣነውን ካብ ብዙሕ ነገራት ተፈዊሰ እየ፣ ሕጂ ዓቢ ሓጐስ ይስምዓኒ። ስለቲ ኣብ ህይወተይ ዝገበሮ ዘደንቕ ምሕረቱን ጸግኡን ንጐይታ የሱስ የመስግኖ፣ክብሪ ነቲ ሓጢያተኛ ከለኹ ዘፍቀረኒ ኣምላኽ ይኹን፣

 

ጐይታ የሱስ ካብቲ ጸልማትን ርኽሰት ዝመልኦ ህይወትን ኣውጺእካ ናብዚ ዘገርም ብርሃንካ ኣእቲኻ ሓጐስን ደስታን ስለ ዝሃብካኒ የመስግነካ ኣሎኹ፣ስለዚ ዝሃብካኒ ሓድሽ ህይወት። ስለ በዓልቲ ቤተይ። ስለ ቤተኽርስትያንና። ስለ ፓስተርና ተመስገን፣ ንስድራቤተይ የፍቅሮም እየ ምእንቲ ክድሕኑ ይጽልየሎም እየ፣ ኣብ ዓለም ብዝኾነ ይኹን ነዚ ህይወት ክልውጦ ኣይደልን። ካብ ምስ ኣምላኽ ህይወት ዝጥዕም የለን፣ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኩሉ ማሕለኻታትን ብድሆታትን ይሕግዘካን ይመርሓካን። ኣነ ፍጹም ኣይኮንኩን ይብድል እየ፣ ጐይታ የሱስ ግና ፍጽም እዩ ስለዚ መራሕየይን መድሓንየይን ንሱ እዩ፣

 

ኣስተውዕል።-

እዚ ንኹሉ ኣብ ህይወት ዝተሓለለ ሰብ ንምትብባዕ እዩ፣ ልብኻ                                                                   ብሓጐስ ዝመልእ ዝበለጸ ህይወት ኣሎ፣ ስጋዊ ርክብ። መስተ። ሓሽሽ። ለይታዊ ትልሂት ካልእውን እንተኾነ ሽግርን ሞትን ጥራይ እዩ ዘምጽኣልካ። ዝኣበስካዮን ዝበደልካዮ በደልን ብዘየገድስ ጐይታ የሱስ ግና መፍትሕ ሽግርካ እዩ። ክልውጠካ ካልእ ሰብውን ክገብረካ እዩ። መጻኢኻ ዘጸብቕ ጐይታ የሱስ እዩ፣