19
Fri, Apr
0 New Articles

ሰማእታት ካታካምፖ 4ይ ክፋል

Imapct of Gospel
Typography

ምስጢር ክርስትና እቲ እግዚኣብሄር ናይ ምምሳል ምስጢር ብርግጽ ዓቢ እዩ፣ ኣምላኽ ብስጋ ተገሊጹ ...እቲ መንእሰይ በዓል ስልጣን ስሙ ኣብቶም ሰባት ዝፈጠሮ ስንባደ ምስ ረኣየ ኣዝዩ ተደነቐ። "ንምንታይ ብፍርሃት ተንቀጥቅጡ ኣለኹም? እዚ ኩሉ ስንባደ ብሰንከይ ድዩ?" ክብል ሓተቶም።ሆኖሪዮስ ድማ ካብ ስንባዱ ከይሃደአ ከምዚ ክብል መለሰሉ "ዋላኳ ናብዚ ቦታ ክንስደድ እንተተገደድና ምስዛ ከተማ ግና መዓልታዊ ርክብ ኣለና። ንዓና ሃዲንካ ንምሓዝ ብርቱዕ ዝኾነ ወፍሪ ተጀሚሩ ከምዘሎ ሰሚዕና ኣለና። ነዚ መደብ'ዚ ንኽትግብር ተመዚዙ ዘሎ ድማ ማርሴሉስ ዝተበሃለ ናይ ቄሳር በዓል ስልጣን ምዃኑ ተረዲእና ኣለና። ንስኻ ናይ ጸላእትና ኣርሓ ዝኾንካ ከኣ እንሆ ሕጂ ኣብ ማእከልና ትርከብ ኣለኻ። እሞ ነዚ እናረአና ደኣ ፍርሃትን ስንባደን እኳ ክውሕደና፣ ንምዃኑኸ ንኽተጥፍኣናስ ክሳዕ ናብዚ ንምንታይ መጻእካ?" በሎ።

"እወ፣ ዋላኳ ኣነ ናይ ጸላእትኹም ኣርሓ እንተኾንኩ፣ ንዓይ ክትፈርሁኒ ዝገብረኩም ግና ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የብልኩምን፣ ከመይሲ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽርኩም እየ ዘለኹ። ኣብዚ ክተትርፉኒ እንተደሊኹም ካብዚ ክወጸሉ ዝኽእለሉ መንገዲ የብለይን። ክትቀትሉኒ እንተደሊኹም'ውን ህይወተይ ከድሕነሉ ዝኽእል ዓቕሚ የብለይን። ከምዛ ትርእዩኒ ዘለኹም ኣብ ማእከልኩም መእተውን መውጽእን ዘይፈልጥ ኮይነ ኣለኹ። እዚ ሕጂ ዘለኽዎ ኩነታት ጥራይ እኳ ክትፈርሁኒ ዝገብረኩም ዋላ ሓንቲ ምኽንያት ከምዘይብልኩም ዘረጋግጽ እዩ" በሎም።

 ሆኖሪዮስ ድማ ህድእ ብዝበለ ኣዘራርባ "ርግጽ'ዩ እዚ ሕጂ ክትብሎ ዝጸናሕካ ኩሉ ሓቂ እዩ። ንሕና እንተዘይረዲእናካ ናብቲ ዝመጸኻዮ ቦታ ክትምለስ ኣይትኽእልን ኢኻ" በሎ።

 ማርሴሉስ ድማ "እሞ ሕጂ ኣነ ዝብለኩም ስምዑኒ" ድሕሪ ምባል ዘረብኡ ከምዚ ክብል ቀጸለ "ከምዚ ትርእዩኒ ዘለኹም ኣነ ናይ ሮማ ወተሃደር እየ። ትውልደይ ድማ ካብ ሃገር እስጳኛ እየ። ኣተዓባብያይ ብስርዓትን ስነምግባርን ዝተሃነጸ ብምንባሩ ካብ ቁልዕነተይ ጀሚረ ንኣማልኽቲ ክፈርህን ግቡአይ ድማ ክፍጽምን ከምዘለኒ ተማሂረ እየ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት'ውን እናተዘዋወርኩ በጺሐ እየ። ክሳዕ ሕጂ ዝበዝሕ ግዜይ ዘሕለፍክዎ ኣብ ናይ ውትህድርና ኣገልግሎት ኮይኑ፣ ክሳዕ ሎሚ ግና ናይ ሃይማኖት ነገር ሸለል ኢለዮ ኣይፈልጥን እየ። ትርፊ ግዜይ'ውን ናይ ግሪኽን ናይ ሮማን ፍልስፍና ከጽንዕ እየ ዘሕልፎ። እዚ መጽናዕተይ ድማ ነቶም ዝተኣማመነሎም ዝነበርኩ ግን ከኣ ካባይ እኳ ዘይሕሹ ኣማልኽቲ ጠቕሊለ ክሳዕ ዝሓድጎም ገይሩኒ እዩ።

ካብ ፕላቶን ሲሴሮን ሓደ ልዑል ኣምላኽ ከምዘሎን ንእኡ ድማ ክእዘዞ ከምዘለንን ተረዲአ እየ። ነዚ ኣምላኽከ ከመይ ገይረ ብግቡእ ክፈልጦ እኽእል? ከመይ ገይረኸ ክእዘዞ እኽእል? ህያው ከምዝኾንኩን ምስ ሞትኩ ድማ ናብ መንፈስ ከምዝልወጥን'ውን ሰሚዐ ኣለኹ። እዚኸ ብኸመይ እዩ ዝፍጸም? ድሕሪ ሞተይ ዘጋጥመኒኸ ሓጎስ ድዩ ወይስ ጸበባ? ፍላስፋታት ነቲ ድሕሪ ሞት ዘሎ ህይወት ብዘደንቕ ቃላት ገይሮም ይገልጽዎ እዮም። ከምዚ ከማይ ዝኣመሰለ ተራ ሰብ ግና ነቲ ምስጢር ክበጽሖ ኣይክእልን እዩ። ናይዚ ኩሉ ምስጢር ክፈልጥ ከኣ ካብ ልበይ ዝነቐለ ድልየት ኣለኒ።

ነቶም ካህናትና በብእዋኑ እኳ እንተሓተትክዎም ንሳቶም ግና ዋላ ሓንቲ ከረድኡኒ ኣይከኣሉን። ንሳቶም'ውን ነቶም ባዕላቶም እኳ ዘይኣምኑሎም ዝኣረጉ ወግዕታትን ስርዓታትን ክሕልዉ ከለው እየ ዝርእዮም። እቲ ናይ ጥንቲ ሃይማኖት ኣዝዩ ደኺሙ እዩ፣ ሰባት'ውን ብዛዕብኡ ኣይግደሱን እዮም ዘለዉ።

ተዘዋዊረ ኣብ ዝበጻሕክዎም ኩሎም ቦታታት ብዛዕባ ክርስትያናት ብዙሕ ዘረባታት ሰሚዐ ኣለኹ። መንበሪየይ ግና ኣብ ናይ ወተሃደራት መዓስከር ስለዝኾነ ምስኦም ተራኺበ ንኽዘራረብ ክሳዕ ሕጂ ዕድል ኣይረኸብኩን። ኣነ'ውን ክሳዕ ቀረባ ግዜ ብዛዕብኦም ንምፍላጥ ብመደብ ኣይተበገስኩን ነይረ።

ብዛዕብኦም ዝሰማዕክዎ ዘይስነምግባራዊ ግብርታት፤ ነውርን ርኽሰትን፤ ከምኡ'ውን ናይ ስሕተት ትምህርቲ ወረታት ብዙሕ እዩ። ኣነ'ውን ክሳዕ ቀረባ ግዜ ዝሰማዕክዎ ኩሉ ወረ ሓቂ ይመስለኒ ነይሩ።

 ኣብ ቀረባ መዓልታት ኮሎሲዩም ኣብ ዝተበሃለ ናይ ምርኢት ሜዳ ኣትየ ነይረ። ኣብኡ ከለኹ ከኣ ንመጀመርያ ግዜ ብዛዕባ ክርስትያናት ቕሩብ ክመሃር ጀሚረ። ማከር ዝበሃል ፍርሃት እንታይ ምዃኑ ዘይፈልጥ ተቓላሳይ ነቲ ጌጋ ኮይኑ ዝተረኣዮ ነገር ካብ ምግባር ህይወቱ ኣሕሊፉ ክህብ ከምዝመረጸ ረኤኹ። ካብዚ ኩሉ ንላዕሊ ከኣ ሓደ ብዕድመ ዝደፈአ ሽማግለ ንርባርባ ሞት ብሓጎስን ብፍሽኽታን ክሰግራ ከሎ ርእየዮ። መንእሰያት ደቂ-ኣንስትዮ'ውን ናይ ዓወት መዝሙር እንዳዘመራ ርእሰን ንኣራዊት ኣሕሊፈን ክህባ ከለዋ ናይ ዓይኒ ምስክር ነይረ።

 

ንእኡ ነቲ ዘፍቀረና፣

ካብ ሓጢኣትና'ውን ብደሙ ዝሓጸበና .."

ናይ ማርሴሉስ ዘረባ ኣብቶም ሰማዕቲ ዝተፈላለዩ ስምዒታት ፈጠረ። ኣዒንቶም ብናፍቖትን ሓጎስን በርሃ። ናይ ማከር ስም ምስ ተጠቕሰ ኩላቶም ምስጢራዊ ብዝኾነ ፍሽኽታ ተጠቓቐሱ። ብዛዕባ ሞት ናይቲ ሽማግለ ሰብኣይ ምስ ተዛረበ ሆኖሪዮስ ርእሱ ናብ ምድሪ ደፈአ። ብዛዕባ እተን መንእሰያት ደቂ-ኣንስትዮ ክዛረብ ከሎ ድማ ናይ ኩሎም ኣዒንቲ ብንብዓት ጠልቀያ።

ማርሴሉስ ከኣ ዘረብኡ ከምዚ እናበለ ቀጸለ "ኣብ ህይወተይ ንመጀመርያ ግዜ ሞት ክሰዓር ከሎ ርእየ። ኣብ ዓውደ-ኵናት፣ ካባይ ጀሚርካ ኩሉ ወተሃደር ብቆራጽነት ናይ ሙማት ግቡእ ኣለዎ። እንተኾነ ግና እቶም ዝረኣኽዎም ክርስትያናት ብሞቶም ይሕጎሱ ነይሮም። ካብ መንጎኦም ዋላ ሓደ ወተሃደር ኣይነበረን። ነቲ ዘደንቕ ቆራጽነት ካብ ዘርኣዩ'ውን መብዛሕቶም መንእሰያት እዮም ነይሮም። ብድሕሪ'ታ መዓልቲ ድማ ካልእ ሓሳብ ክሓስብ ኣይከኣልኩን።

ንምዃኑ እቲ ዘፍቀረኩም መን እዩ? ካብ ሓጢኣትኩም ዝሓጽበኩምከ መን እዩ? ከምዚ ዝኣመሰለ ዓቢ ትብዓትን ተስፋን ኣብ ውሽጥኹም ከም ዝመልእ ዝገበረኸ መን እዩ? ከምዚ ተደጋጊፍኩም ክትጸንዑ ዝገብረኩም እንታይ እዩ? ቅድሚ ቅሩብ ግዜ እትጽልይዎ ዝነበርኩም ጸሎትከ ናብ መን እዩ? ከም ትፈልጥዎ ኣነ ነቶም ኣብ ትሕተይ ዘለው ልኢኸ ንኸጥፍኣኩም ተመዚዘ ኣለኹ። መጀመርያ ግና ብዛዕባኹም ኣጸቢቐ ክፈልጥ ድልየተይ እዩ። ነይቲ ዓቢ ኣምላኽ ስም እናጸዋዕኩ እዚ ናይ ሕጂ ምምጽአይ ክፉእ ነገረ ከስዕበልኩም ከምዘይክእል እምሕለልኩም ኣለኹ። ስለዚ ድማ ምስጢር ክርስትና እንታይ ከምዝኾነ ኣረድኡኒ?" ክብል ዘረብኡ ደምደመ።

ሆኖሪዮስ ድማ ንማርሴሉስ ከምዚ እናበለ ከረድኦ ጀመረ "እዚ ሕጂ ዝተዛረብካዮ ኩሉ ካብ ቅኑዕ ልቢ ዝተበገሰ ሓቀኛ ዘረባ እዩ። ካብ ኣዘራርባኻ ድማ ናይ ስለያ ይኹን ናይ ጽልኢ ዕላማ ከምዘይብልካ፣ እኳ ደኣ ካብ ነዊሕ እዋን ጀሚሩ ልብኻ ሃረር ዝብሎ ዝነበረ ሓቂ ንኽትፈልጥ መንፈስ ቅዱስ ባዕሉ ከምዝመረሓካ ክርዳእ ክኢለ ኣለኹ። እቲ ናብ ክርስቶስ ዝመጽእ ኩሉ ከኣ ካብ ኣፍ ደገ ከምዝምለስ ኣይግበርን እዩ። በዚ ክትሕጎስ ይግብኣካ እዩ።

እቶም ኣብዚ ዝረኣኻዮም ደቂ-ተባዕትዮ ይኹን ደቂ-ኣንስትዮ ዝነበሮም ኩሉ ንብረትን ፈተውቶምን ዝንበሮም ኩሉ ክብርን ሃብትን ገዲፎም ስለ ክርስቶስ ክብሉ ብጥሜት፤ ብፍርሃትን ጸበባን ንምንባር ዝመረጹ እዮም። ንህይወቶም'ውን ክሳዕ ሞት እኳ ኣየፍቀርዋን። ኩሉ ነገር ንእኡ ነቲ ዝፍቀረና መስዋእቲ ኣቕሪቦሞ እዮም።

ኦ ማርሴሉስ! "እዚ ኩሉ ንኽትገብር ዘኽእል ሓደ ልዑል ሓይሊ ከይሃለወ ኣይተርፍን" እዩ ዝበልካዮ ሓቂ እዩ። ነዚ ኩሉ ክንገብር ዝድርኸና ዘሎ ድማ ዕውር ዝኾነ እመነት ወይ ተታሊልና ወይ ከኣ ምስ ዝነፈሰ ንፋስ ናብዝን ናብትን ናይ ምባል ድልየት ሃልዩና ኣይኮነን። ነዚ ኩሉ ንምግባር ዝድርኸና ዘሎስ ነታ ሓቂ ስለዝፈለጥናያን ነቲ ህያው ዝኾነ ኣምላኽና'ውን ካብ ልብና ስለእነፍቅሮን እዩ።

ንስኻ ዕድሜኻ ምሉእ ንሓደ ኣዝዩ ክቡር ዝኾነ መዝገብ ኢኻ ትደሊ ነይርካ። እዚ ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክነብር ዝኽእል ክቡር ዋጋ ዘለዎ መዝገብ ከኣ ዓለም ብምልኣታ እኳ ክትህበካ ኣይከኣላን እዩ። ህይወትና ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘስካሕክሕ ቦታ ንኽትነብር እንተተገደደት እኳ ሓጎስና ግና ኩሉ ግዜ ምሉእ እዩ። ናይ ሞትና ግዜ ምስ ኣኸለ ከኣ ብዓወት ናብቲ ናይ ዘለኣለም ቤትና ክንሰጋገር ኢና።

ብዛዕባ'ቲ ልዑል ኣምላኽ ብዝግባእ ክፈልጥ እደሊ እየ ኢልካ ኣለኻ። እዚ ልዑል ትብሎ ዘለኻ ኣምላኽ ብሃይማኖትና (ብክርስትና) ገይሩ ርእሱ ንደቂ-ሰባት ገሊጹ እዩ።

ንሱ ዕብየቱን ሓይሉን ጥራይ ዘይኮነስ ፍቕሩን ምሕረቱን'ውን መወዳእታ ዘይብሉ ኣምላኽ እዩ። እምነትና ከኣ ናብኡ ከም እንጽጋዕ ስለዝገብረና፣ ንሱ ናይ ልቢ ፈታዊና፤ መራሒና፤ ሓይልና፤ ተስፋና፤ ፈጣሪና፤ ተበጃዊናን ከምኡ'ውን ካብ ሕጂ ክሳዕ ዘለኣለም መድሓኒና እዩ።

ብዛዕባ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክትፈልጥ ድልየት ከምዘለካ ገሊጽካልና ኣለኻ። ቅዱሳት ጽሑፋትና ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ኣስፊሖም ይገልጹ እዮም። ብየሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ብምእማን ምድራዊ ናብራና ንኣምላኽ እናኽበርና እንተ ኣሕሊፍናዮ ኣብቲ ናይ ዘለኣለም ክብሪ ዘለዎ መንግስተ ሰማያት ምስኡ ሓቢርና ከም እንነብር ይሕብሩና። ኣብ ምድራዊ ህይወትና ድማ ንኣምላኽ ከመይ ጌርና ከም እነሐጉሶ የርእዩና። ቅዱሳት ጽሑፋትና፣ ሞት ማለት ካብዛ ዓለም ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘሰጋግረና ድንድል ምዃኑ ይገልጹልና። ስለዚ ድማ ኣመንቲ ዝኾኑ ኩሎም ንሞት ከም መቕዘፍቲ ኣይርእይዎን እዮም፣ ከመይሲ ኣብዛ ዓለም ብጸበባ ካብ ምንባር ናብቲ ዘፍቀረና ህይወቱ'ውን በጃና ዘሕለፈ የሱስ ዘለዎ ቦታ ምስግጋር ስለዝሕሸና።"

ማርሴሉስ ከኣ እናነበዐ ከምዚ በለ "እዚ ትብሎ ዘለኻ ኩሉ ልበይ ተንኪፉኒ ኣሎ'ሞ በጃኻ ወሲኽካ ጽቡቕ ጌርካ ኣረድኣኒ። ክሳዕ ሎሚ ዝናፍቓ ዝነበርኩ እቲ ልዑል ኣምላኽ'ውን ክገልጸለይ ዝልምኖ ዝነበርኩ ነገር እዚኣ እያ ነይራ። እቲ ልበይ ክፈልጦ ሃረር ዝብሎ ዝነበረ ምስጢር ኩሉ ኣብ ኢድካ ከምዘሎ ይስምዓኒ ኣሎ። እዚ ጉዳይ ንዓይ ናይ ሞትን ህይወትን ጉዳይ እዩ እሞ በጃኻ ሎሚ ጽባሕ ከይበልካ ኩሉ ነገር ብግልጺ ንገረኒ። እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ፣ ገዛእ ርእሱ ንኹሎም ደቂ-ሰባት ከምዝገለጸ እዚ ኩሉ ሓቂ ክሳዕ ሎሚ ከመይ ኢሉ ተሰዊሩኒ ጸኒሑ?" በለ።

ነዚ ኩሉ ደው ኢሎም ዝሰምዑ ዝነበሩ ክርስትያናት ድማ ኣዒንቶም ናይ ሓጎስ ንብዓኣት ሓዘላ። ሆኖሪዮስ'ውን ናይ ምስጋናን ናይ ሓጎስን ድምጺ ኣስመዐ። ሓንቲ ጥቕልልቲ ብራና ብጥንቃቐ ብምውጻእ ድማ ከምዚ በለ "ዝኸበርካ ማርሴሉስ! እቲ ንሰባት ሰላምን ሓጎስን ዝህብ ቃል ኣምላኽ ኣብዚ ተጻሒፉ ይርከብ። እቲ ንነፍስና ዘድልያ ዘበለ ኩሉ ኣብዚ ተጻሒፉ ኣሎ። እዘን ቅዱሳት ዝኾና ቃል ኣምላኽ ኣብ ካልእ ክርከብ ዘይከኣል ምስጢር ይምህራ። እዘን ጽሑፋት ኣዚአን ተመርሚረን ይኹን ተበጺሐን ዘይውድኣ ቀላይ ሓቂ እየን።

ሆኖሪዮስ ድማ ነቲ መጽሓፍ ገንጺሉ ንማርሴሉስ ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ከረድኦ ጀመረ። ብመሰረት እቲ ኣብ ገነት ኤደን ዝተወሃበ ተስፋ፣ ብዛዕባቶም ርእሲ ሰይጣን ዝጭፍልቕ ሓደ መሲሕ ከምዝመጽእ ዝእውጁ ዝነበሩ ብዙሓት ነብያት፤ ብዛዕባቶም ቃል ኣምላኽ ብሕድሪ ንኽሕልው ዝተመረጹ እስራኤላውያን፤ ብዛዕባቶም ኣብ ዘመናት ኩሉ ዝተፈጸሙ ተኣምራት እግዚኣብሄርን ብዝርዝር ገለጸሉ። ብዛዕባ ምውላድ የሱስ ካብ ድንግል ብዛዕባ ቁልዕነቱ ብዛዕባ ብጋህዲ ምግላጹ ብዛዕባ ዝገበሮም ተኣምራትን ብዛዕባ ትምህርቱን ብመርትዖኡ እንዳሰነየ ኣንበበሉ።

ካብኡ ብምቕጻል ክርስቶስ ብኢድ ሰባት ውርደት ከምዝበጽሖ ከምኡ'ውን ኣሕሊፎም ከምዝሃብዎን ናብ ፍርዲ ከምዘቕረብዎን ነገሮ። ኣብ መወዳእታ ድማ ብዛዕባቲ ኣብ መስቀል ዝተቐበሎ መሪር ሞት ኣንበበሉ። እዚ ኩሉ ክኸውን ከሎ ማርሴሉስ ብትሑት ልቢ ነቲ ታሪኽ ጽን ኢሉ ይሰምዖ ነበረ። በቲ ዝሰምዖ ኩሉ ድማ ልቡ ተተንከፈ። ኣእምሮኡ'ውን እንዳበረሃሉ ከደ። እቲ ምስ ሓጢኣት ሰብ ዋላ ሓንቲ ሕብረት ዘይብሉ ናይ እግዚኣብሄር ቅድስና፤ እቲ ንበዳሊ ከይቀጸዐ ትም ዘይብል ቅኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ፤ እቲ ንብዙሕ ነገር ክጻወር ዝኽእል ትዕግስቱ ከምኡ'ውን እግዚኣብሄር ኩሎም ሰባት ካብቲ ዝወደቕዎ ኣበሳ ዝወጽሉ መንገዲ ንምድላዉ ሓደ ወዱ በጃ ከምዝህብ ዝገበረቶ ዓባይ ፍቕሩ፣ ብሰንኪ እዚኣ ፍቕሪ'ውን የሱስ ስለ ድሕነት ሰባት ክብል ገዛእ ርእሱ መስዋእቲ ገይሩ ከምዘቕረበን ካልኦት ምስጢራትን እናበርህሉ ከዱ።

ሆኖሪዮስ ኣብ መወዳእታ ነቲ ክርስቶስ "ኣምላኸይ ኣምላኸይ ንምንታይ ሓደግካኒ" ዝበሎ ቃል ምስቲ "ተፈጸመ!" ዝብል ናይ ዓወት ቃል ምስ ኣንበበሉ ማርሴሉስ ፊቕ ኢሉ በኸየ። ሆኖሪዮስ ከኣ በተን ንብዓት ዝሓዘላ ኣዒንቱ ቅንዕ ኢሉ እንተጠመተ እቲ ጎበዝ በዓል ስልጣን ክነብዕ ከሎ ረኣዮ። ማርሴሉስ ድማ እንዳበኸየ "በቃ፣ ይኣኽለኒ፣ ሕጂ ብዛዕባ ክርስቶስ ዝሓስበሉ ቅሩብ ግዜ ሃበኒ" በሎ።

ንእኡ ነቲ ዘፍቀረና፣

ካብ ሓጢኣትና'ውን ብደሙ ዝሓጸበና .."

ማርሴሉስ ገጹ ኣብ የእዳዉ ቀበረ፣ ሆኖሪዮስ ድማ ኣዒንቱ ናብ ሰማይ ኣቕኒዑ ጸለየ። እቶም ምስኦም ዝነበሩ ሓደ ብሓደ ገዲፎሞም ነናብ ቦትኦም ከይዶም ስለዝነበሩ ኣብታ ክፍሊ ንበይኖም ነበሩ። ካብታ ጥዋፍ ድኹም ብርሃን ይበርህ ነበረ። ክልቲኦም ሓንቲ ቃል ከየውጽኡ ድማ ንነዊሕ ግዜ ጸንሑ።

ድሕሪ ግዜ ማርሴሉስ ርእሱ ብምቕናዕ "ካብቶም ነቲ ቅዱስ ዝቐተሉ ሓደ ከምዝኾንኩ ኮይኑ ተሰሚዑኒ ኣሎ። ካብቲ ናይ ህይወት ቃል ወሲኽካ ኣንብበለይ። ዕጫ ናይ ህይወተይ ብእኡ እዩ ዝውሰን" በሎ።

ሆኖሪዮስ ድማ ብዛዕባ ስቕለቱ፤ ቀብሩ፤ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ካብ ሞት ምትንስኡ፤ ናብ ሰማይ ምዕራጉ፤ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ምውራዱ፤ መንፈስ ቅዱስ ንልቢ ኣመንቲ መቕደሱ ብምግባር ኩሉ ግዜ ምስኦም ከምዝነብርን ከምኡ'ውን መንፈስ ቅዱስ ስለ ክብሪ ክርስቶስ ነቶም ብንስሓ ዝምለሱ ኩሎም ኣብ ህይወቶም ክርስቶስ ከምዝግለጽ ብምግባር ኣብ ህይወት ኣመንቲ ብዛዕባ ዝሰርሖ ግሩም ዝኾነ ስራሕ ኣንበበሉ። ሆኖሪዮስ ብምቕጻል ነፍሲ ማርሴሉስ ዕረፍቲ እትረኽበሉ መንገዲ ድሕሪ ምሕባር ነቶም "ናባይ ንዑ" ዝብል ጻውዒት የሱስ ኣኽቢሮም ንየሱስ ከም ናይ ግሊ መድሓኒኦም ዝቕበሉ ሓጥኣን ኩሎም ናይ ዘለኣለም ህይወት ተስፋ ከምዝተወሃቦም ኣብርሃሉ። ብዛዕባ ዳግም ምውላድ፤ ብዛዕባ ሓድሽ ህይወት፤ ብዛዕባ ካልኣይ ምጽኣት ጎይታን ብዛዕባ ንኣመንቲ ዝተወሃበ ተስፋን ድማ ኣንበበሉ።

ማርሴሉስ ከኣ ነዚ ኩሉ ምስ ሰመዐ ከምዚ በለ "እዚ ብሓቂ ቃል ኣምላኽ እዩ፣ እዚ ብሓቂ ካብ ሰማይ ዝወረደ ድምጺ ኣምላኽ እዩ፣ እዚ ዝሰማዕክዎ ኩሉ ንልበይ ተንኪፍዎ ኣሎ። ስለዚ ድማ ዘለኣለማዊ ሓቂ ምዃኑ ተረዲኡኒ ኣሎ። ነዚ ሕጂ ዝተነበለይ ምድሓን ከመይ ገይረ ክውንኖ እኽእል? ኣዒንተይ ኩለን ስለዝተኸፈታ መንነተይ ክፈልጥ ክኢለ ኣለኹ። ቅድሚ ሕጂ ንገዛእ ርእሰይ ከም ጻድቕ ገይረ እቖጽራ ነይረ። በዚ ሕጂ ዝተገለጸለይ ብርሃን ንነብሰይ ክምርምራ ከለኹ ግና ኣብ ቅድሚ እቲ ቅዱስ ኣነ ሓደ ረሳሕን ሓጥእን ምዃነይ ተረዲአ ኣለኹ። ብርግጽ'ውን ኣብ ሓመድን ሓሙዅስትን ኮይነ ካብ ምንሳሕ ወጻኢ ኣብ ቅድሚ እቲ ቅዱስ ደው ክብል ዘይግብኣኒ ሓጥእን ዓመጸኛን እየ። ንምዃኑ ከመይ ገይረ ክድሕን እኽእል?"

ሆኖሪዮስ ድማ "ክርስቶስ የሱስ ንዝጠፍኡ ክደልን ከድሕንን እዩ ዝመጸ" ክብል መለሰሉ።

"ብኸመይከ ክቕበሎ ኣኽእል?"

"እዚ ንሕና እንሰብኮ ዘለና ቃል እምነት ኣብ ኣፍካን ልብኻን ጥቓኻ እዩ። ብኣፍካ የሱስ ጎይታ ምዃኑ እንተነገርካ ብልብኻ'ውን ኣምላኽ ካብ ምውታት ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካ ክትድሕን ኢኻ። ከመይሲ፣ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ ብኣፉ ተኣሚኑ'ውን ይድሕን እዩ"

"ኣነ ክገብሮ ዝግብኣኒ ዋላ ሓንቲ ነገረ የለን ማለት ድዩ?"

"ሓደ እኳ ከይምካሕሲ ካብ ግብሪ ኣይኮነን እሞ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም፣ እዚ ከኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር ካባኻትኩም ኣይኮነን። ከመይሲ፣ ዓስቢ ሓጢኣት ሞት እዩ፣ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጎይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ"

"ከቕርቦ ዝግብኣኒ መስዋእቲኸ ኣሎዶ?"

"የሱስ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ርእሱ ስለ ሓጢኣት ንመስዋእቲ ምስ ወፈየ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐመጠ። ስለዚ ድማ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዝመጹ ኩሉ ግዜ ምእንትኦም ክልምን ዝነብር ስለዝኾነ ፈጺሙ ከድሕኖም ይኽእል እዩ"

ማርሴሉስ ከኣ "ዝርድኣኒ እንተኾይኑስ ነዚ ቃል ምሃረኒ፣ ናብኡ'ውን ቀልጢፍካ ምርሓኒ" በሎ።

ኣብታ ንእሽቶይ ብርሃን ዝነበራን ፍጹም ዝኾነ ጸጥታ ዝነገሳን ክፍሊ ድማ ሆኖሪዮስ ንጸሎት ተንበርከኸ። ማርሴሉስ'ውን ኣብ ጥቕኡ ፍግም በለ።

ሆኖሪዮስ ጸሎቱ ከዕርግ ከሎ ድማ ማርሴሉስ ነፍሱ ናብ መንግስተ ሰማያት ብጺሓ ምስ ጎይታ ትራኸብ ዘላ ኮይኑ ተሰመዖ። እተን ካብ ኣፍ ሆኖሪዮስ ዝወጻ ዝነበራ ቃላት ልክዕ ከም ናቱ ገይሩ ቆጸረን። እቲ ጭንቀቱ ከምቲ ዝድለ ብቃላት ሆኖሪዮስ ናብ ጎይታ ከምዝበጽሐ ተሰመዖ። ኣብ መወዳእታ ድማ ጽምኣቱ እንዳሓየለ ከደ።

ሓቀኛ እምነት ኣብ ውሽጢ ልቡ ሱር ክትሰድድ ጀመረት። ልሳኑ'ውን ተፈትሐ። ናይ ልቡ እህህታ ከኣ "ኦ ጎይታ እኣምን ኣለኹ፣ ንዘይምእማነይ ከኣ ደግፍ" ብዝብላ ቃላት ገለጸ። ኣብ መንጎ ሰብን ኣምላኽን ዘሎ ማእከላይ'ውን እቲ ሰብ ክርስቶስ የሱስ ሓደ በይኑ ምዃኑ ተረደአ። ነተን የሱስ ከምዚ ዝስዕብ ክብል ዝተዛረበን ቃላት ድማ ናይ እምነቱ መልህቅ ገበረን፣ "እቲ ንቃለይ ዝሰምዖን በቲ ዝለኣኸኒ ዝኣምንን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ። ንሱ ካብ ሞት ናብ ህይወት ተሳገረ እምበር ናብ ፍርዲ ከም ዘይበጽሕ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ኣነ ንኣባጊዐይ ናይ ዘለኣለም ህይወት እህበን፣ ንዘለኣለም ድማ ኣይጠፍኣን እየን፣ ካብ ኢደይ'ውን ዝምንዝዐን የልቦን።"

ኣብታ ዝተንበርከኹላ ቦታ ከለዉ ሓያለ ሰዓታት ሓለፋ። እወ፣ ኣብታ ካብ ሞት ናብ ህይወት እትሰጋገር ነፍሲ ዝፍጸም ተኣምር መን ኮን ክገልጾ ይኽእል?

ጸሓይ ኣብ ልዕሊ'ቲ በዓትታት ኣብ ዘሎ ምድሪ ብርሃና ክትፍኑ ከላ ናይ ማርሴሉስ ነፍሲ ድማ ኣብቲ ሰመያዊ ብርሃን ኣትያ ትሕጎስ ነበረት። ነቲ ዝናፍቖ ዝነበረ ኩሉ ረኸቦ። ናይ ሓጢኣት ጾር'ውን ፈኾሰሉ። ልቡ'ውን በቲ ብምኽንያት የሱስ ዝወሃብ ሰላም ኣምላኽ ተመልአ። ምስጢር ክርስትና ናይ ብሕቲ ዋኒኑ ክገብሮ ከኣለ። ብፍቓዱ ድማ ባርያ ክርስቶስ ክኸውን መረጸ። ምስቶም ብክርስቶስ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ዝኾኑ ከኣ ብሕብረት ከምዚ እናበለ ክዝምር ከኣለ፣

ትርጉም ብቐሺ እምባየ ሃብተዝጊ