24
Wed, Apr
0 New Articles

ሰማእታት ካታካምቦ 3ይ ክፋል

Imapct of Gospel
Typography

ጎደና ኣፒያ! ኣንቲካ ማርሴሉስ ከኣ ከይተደናጎየ ዝተኣዘዞ ንኽፍጽም ተበገሰ። ወተሃደር ከየኸተለ ንበይኑ መጽናዕቱ ጀመረ። ካብ ሰፈር መኳንንቲ ቄሳር ተበጊሱ ብጎደና ኣፒያ ኣንቲካ የማነ-ጸጋም እንዳተዓዘበ እቲ ናይ ስለያ ዕላማ ዝነበሮ ጉዕዞኡ ጀመረ። 

እዚ ስሙይ ጎዳና'ዚ የማነ ጸጋሙ ብዝማዕረጉ መቓብራት ዝተኸበበ እዩ ነይሩ። ካብቲ መገዲ ርሕቕ ኢሎም ጽቡቓት ገዛውቲ ዕምር ኢሎም ይረኣዩ።  ካብቶም ገዛውቲ ሓሊፍካ ድማ ናይ ገጠር ዓድታት ብርሑቕ ይረኣያ። 

እቶም ዝሓዘነ ሰልፈኛ መሲሎም ኣብ የማነ-ጸጋም ጎደና ኣፒያ ኣንቲካ ተሰሊፎም ዘለዉ መቓብራት ናይ ሓያላን ኣዕጽምቲ መንበሪ እዮም።

ቐጽሪ ናይታ ከተማ ሒዙ 3 ኪ/ሜ ዝኸውን ምስ ተጓዓዘ ኣብ ሓደ ክቢ ህንጻ በጸሐ። እቲ ህንጻ ብዝተጸረቡ ዓበይቲ ኣእማን ብኣዝዩ ዝምስጥ ኣገባብ ዝተነደቐ እዩ። ብተወሳኺ'ውን እቲ ህንጻ ጽኑዕ ኮይኑ ስለዝተሰረሐ ንውሓት ዘመናት ክምህ ከየበሎ መልክዑን ግርማኡን ሓልዩ ይርአ። ማርሴሉስ ከኣ ንቑሩብ ግዜ ደው ድሕሪ ምባል ንድሕሪት ገጹ ጠመተ። ከተማ ሮማ ብርሑቕ ኮይኑ ንዝዕዘባ ጋሻ እተበርክቶ ዝተፈላለዩ መልክዕ ዘለዎም ታሪኻዊ ቅርስታት ኣለውዋ። ካብ ኩሉ ንላዕሊ ዘደንቑ ግና እቶም ኣብ የማነ ጸጋም ተሸሪዖም ዝነበሩ መቓብራት እዮም። እዞም መቓብራት ናይ ሮማ ዓበይቲ መኳንንትን ጀጋኑን ኣዕጽምቲ መዕረፊ ቦታ እዮም። ኣብቲ ንመዘከርታ ተባሂሉ ዝተጸረበሎም ኣእማን ተወቒሮም ዝረኣዩ ቃላት ከኣ እቲ ብህይወቶም ከለዉ ዝነበሮም ምድራዊ ክብርን ዝናን ከምኡ'ውን ናብቲ ዘይተፈለጠ ዓለም ክሰጋገሩ ከለዉ ዝነበሮም ተስፋ ዝገልጹ ነበሩ። እዞም መቓብራት ብዙሓት ክኢላታት ዘጸባበቕዎምን እቲ ሓድሽ ወለዶ ድማ በሪሶም ምእንቲ ከይርስዑ ብምባል ክንክን ዝገብረሎም ዝነበሩ እዮም።

 ማርሴሉስ ኣብኡ ደዉ ኢሉ ብዛዕባ እቶም ኣብ ትሕቲ መቓብር ዓሪፎም ዘለዉ ናይ ሮማ ሓያላንን ሰብ ታሪኽን ከስተንትን ከሎ ሓደ ሊቕ ከምዚ ክብል ዝተዛረቦ ትዝ በሎ "ንፖርታ ካፔና ሓሊፍካ ናይ በዓል ካልቲኑስ፤ የሲፒዮስ፤ ሰርቪልን ናይ በዓል ሜቱሊን መቓብራት ክትዕዘብ ከለኻ እቶም ኣብኡ ዓሪፎም ዘለዉ ሰባት ሕጉሳትዶ ኣይመስሉኻን?"

እዛ ዓባይ ከተማ በዝን በትን ዶባታ እናሰፈሐ ስለዝኸደ ካብቲ ናይ ቀደም ወሰናታ ወጻኢ ዝተሰርሑ ብዙሓት መንበሪ ኣባይቲ ነይሮም። ካብዚ ዝተለዓለ ድማ እቲ ናይታ ከተማ ዶብ ኣበይ ክምዝውዳእን እቲ ናይ ገጠር ዶብ ድማ ካበይ ከምዝጅምርን ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ነበረ። 

ማርሴሉስ ካብ ርሑቕ ዝሃምም ድምጺ ናይታ ከተማ ተሰመዖ። እተን ናብዝን ናብትን ዝብላ ዝነበራ ሰረገላታት'ውን ብርሑቕ ተረኣየኦ። እቶም ሓወልትታት፤ ቤተ መቕደስ፤ እቲ ዘንጸባርቕ ቤተ መንግስትን ታሪኻውያን ዝኾኑ ዓንድታትን ቦቦትኦም ሒዞም ረኣዮም። ካብዚ ኩሉ ብርኽ ኢሉ ድማ ኩርባ ካፒቶሊን ንቤተ መቕደስ ጁፒተር ከም ዘውዲ ኣብ ርእሱ ደፊኡ ይረአ። እንተኾነ ግና፣ ካብታ ውቕብትን ናይ ህይወት ምልክት ዝረኣያን መንበሪ ህያዋንን ዝኾነት ከተማ ንላዕሊ እቲ ናይ ስቕታኡ ግርማ ዘሸብር ናይ ምውታት ሰፈር ክትርእዮ ከለኻ ዘደንቕ ነበረ። 

ኣብ ዙርያ እታ ማርሴሉስ ደው ኢልዋ ዝነበረ ቦታ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝፈረዩ ናይ ሮማ መሃንዲሳት ውጽኢት ስራሕ ዝኾኑ ስርሓት ኣብ የማነ ጸጋም ተደርዲሮም ነይሮም። ሓወልቲ ናይቶም ናይ ሮማ ሓያላን ዝነበሩ ሰባት'ውን ንነዊሕ ዘመናት ግርማኦም ሓልዮም ደው ኢሎም ይረኣዩ። 

 ብዛዕባ ጀጋኑ ናይ ሮማ፤ ጠቢባንን ከምኡ'ውን ናይ ዝናኣን ምዕባሌኣን ሓበሬታ ኣብዘን ሓወልትታት ተወቒሩ ክረአ ከሎ ናይ ብዙሕ ዘመን ዝኽሪ የለዓዕል ነይሩ። ኣሰር ናይቲ ኣብቲ ዘመን ዝነበረ ኣረሜናዊ (Pagan) ሃይማኖት ከኣ ኣብ መዝገብ ታሪኽ ናይታ ከተማ ብግህዶ ይርአ ነበረ። እዚ ሃይማኖት'ዚ ብደጋዊ ስርዓታቱ ክረአ ከሎ ብመልክዕን ክብርን ዝወቀበ'ኳ እንተነበረ ነቶም ኣመንቱ ግና ዝኾነ ይኹን መንፈሳዊ ፍረ ከጨብጦም ኣይከኣለን። ስለዚ ኣብ ኣእማን ናይቶም ዝሞቱ ሰባት ዝንበቡ ኩሎም ጽሑፋት እምነት ዝበሃል ነገር ኣይትንክፉን እዮም። እቶም ዝሞቱ'ውን ስጋዊ ናብራን ምድራዊ ሓጎስን ጥራይ ዝናፍቑ ከምዝነበሩ ክትርዳእ ኣብ ርእሲ ምኽኣልካ፣ ብዛዕባ ድሕሪ ሞት ዘሎ ህይወት'ውን ዝኾነ ተስፋ ከምዘይነበሮም ብንጹር ይረአ ነበረ። ማርሴሉስ ኣብ ማእከል እቲ መቓብራት ደው ኢሉ ክሓስብ ከሎ እቲ ሊቕ ዝበላ ቃል ደጊማ ትዝ በለቶ "እዞም ኣብዚ ዓሪፎም ዘለዉ ሰባት ሕጉሳትዶ ኣይመስሉኻን?"

 ንበይኑ ድማ ከምዚ እናበለ ክሓስብ ጀመረ "እዞም እናሃደንኩ ንኽሕዞም ተኣዚዘ ዘለኹ ክርስትያናት ብሓፈሻ ክረአ ከሎ እቲ ናይ ፍልስፍና ትምህርትና ክምልሶ ዘይከኣለ ምስጢር ዝረኸብዎ ይመስለኒ። ንሳቶም ናይ ሞት ፍርሂ ኣብ ልዕሊ ምስዓሮም ብሓጎስ ሙማት'ውን ይኽእልሉ እዮም። ነቶም ብዕድመ ንኣሽቱ ይኹን ነቶም ሓይሎም ዝደኸመ ከምዚ ዓይነት ብርታዐ ዝህቦም ዘሎ እንታይ እዩ? ትርጉም ናይቲ መዝሙሮምከ እንታይ እዩ? ናተይ ሃይማኖት ብህይወት ክሳዕ ዘለኹ ሕጉስ ይገብረኒ፣ ናቶም ግና ንሞት ብጅግንነትን ብመዝሙርን ንኽገጥምዎ የኽእሎም።" 

ማርሴሉስ ኣብቲ ደዉ ዝበሎ ኮይኑ ነዞም ሓሳባት ከስተንትን ጀመረ። ነዞም ክርስትያናት ብኸመይ ዝበለ ኣገባብ ደልዩ ክረኽቦም ይኽእል? ብዙሓት ሰባት ብጥቕኡ ይሓልፉ ነበሩ። እንተረኣዮም ግና ኢዶም ንሓገዝ ክዝርግሕሉ ዝኽእሉ ኣብ ማእከሎም ዘለዉ ኮይኑ ኣይተሰመዖን። ኣብ ዙርያኡ ዓበይቲ ህንጻታት፤ መካበብያታትን ኣብያተ መቕደስን ከቢቦሞ ነበሩ። እንተኾነ ግና ናብቲ ዝደልዮ ዘሎ ካታኮምብ ተባሂሉ ዝፍለጥ በዓቲ ከብጽሖ ዝኽእል ዋላ ሓንቲ ኣንፈት ክረክብ ኣይከኣለን። ስለዚ ድማ ዝገብሮ ጠፊእዎ ኩሉ ነገር ሕርብት በሎ። 

ነቲ ጎደና ሒዙ ነቶም ኣብ የማነ ጸጋሙ ዝነበሩ ገዛውቲ እንዳተዓዘበን ነቶም ብጥቅኡ ዝሓልፉ ዝነበሩ ሰባት እንዳመርመረን ጉዕዝኡ ብህድኣት ቀጸለ። እንተኾነ ግና እቶም ዝሓለፎም ቦታታት ይኹኑ እቶም ዝረኣዮም ሰባት ኩሎም ምስቲ ንሱ ክበጽሖ ደልዩ ዝነበረ ቦታ ዋላ ሓንቲ ምትእስሳር ዘለዎም ኮይኖም ኣይተረኣይዎን። ጸሓይ ናብ ምዕራብ ገጻ ከተንቆልቁል ጀመረት፣ እቲ እዋን'ውን እናመሰየ ከደ። ናይ ማርሴሉስ ዳህሳስ ድማ ገለ ፍረ ከየፍረየ ዝተርፍ መሰለ። 

 እቲ ካታኮምብ ተባሂሉ ዝፍለጥ በዓቲ ብዙሕ መእተዊ ደጌታት ከምዘለውዎ ብምዝካር ከኣ ተስፋ ከይቆረጸ ጸሓይ ምሉእ ብምሉእ ክሳዕ ትዓርብ ምድላዩ ክቕጽል ወሰነ። ስለዚ ድማ ብዙሕ ግዜ ላዕልን ታሕትን በለ። ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ኩሎም ኣንፈታት በጽሖም። ብሓንቲ መንገዲ'ውን ንብዙሕ ግዜ ተመላለሰ። 

 ጸሓይ ንምዕራብ ገጻ ሃተፈት። ዓይኒ'ውን ክሕዝ ጀመረ። ኣብ መወዳእታ ድማ ናይ ማርሴሉስ ድኻም እቲ ዝድለ ፍረ ኣበርከተ። ሓደ ቆልዓ ኣኸቲሉ ዝኸይድ ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዝርከብ ሰብኣይ ሕልፍ ክብል ከሎ ረኣዮ። እቲ ሰብኣይ ዝተኸደኖ ክዳን ረሳሕን ዝበለየን ኣብ ርእሲ ምዃኑ ናይ ሓመድን ሑጻን ምልክት'ውን ነይርዎ። ገጹ ከኣ ልክዕ ከምዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝቐነየ ሰብ ቀምሲሉ ነበረ። ኩሉ ኩነታቱ ድማ ናይዚ መንእሰይ ኣዛዚ ሰራዊት ጥርጣረ ኣለዓዓለ። 

ስለዚ ከኣ ማርሴሉስ ናብቲ ሰብኣይ ቅርብ ኢሉ ኢዱ ኣብ መንኩቡ ብምንባር "ንስኻ ካብቶም ሑጻ ዝፍሕሩ ዲኻ? በል ሰዓበኒ!" በሎ። እቲ ሰብኣይ ቅንዕ ኢሉ እንተረኣየ እቲ ዝዛረቦ ዝነበረ ሰብ ብናይ ማዕርግ ኣልባሳት ዝማዕረገ ኣዛዚ ሰራዊት ምዃኑ ክርዳእ ከኣለ። ስለዚ ድማ ካብ ኢዱ ፈልከት ኢሉ ብምህዳም ኣብዚኣ ኣትዩ ከይተባህለ ሽታ ማይ ኮይኑ ተሰወረ። ማርሴሉስ'ውን ክስዕቦ እኳ እንተፈተነ እቲ ሰብኣይ ግና ሃዲሙ ብቕልጡፍ ካብ ዓይኑ ተሰወሮ። 

 እንተኾነ ግና ማርሴሉስ ጥራሕ ኢዱ ኣይተረፈን። እቲ ምስቲ ሰብኣይ ዝነበረ ቆልዓ ኣብ ኢዱ ተሪፉ ስለዝነበረ ናብኡ ግልጽ ብምባል "በል ንስኻ ሰዓበኒ!" በሎ። እቲ ቆልዓ ድማ ከብዲ ማርሴሉስ ሕብጭቡጭ ክሳዕ ዝብል ኣብ እግሩ ተደፊኡ ክልምኖ ጀመረ፣ "በጃኻ ነደይ ክትብል መሓረኒ፣ ንዓይ ሒዝካኒ እንተኼድካ ጓሂ ክቐትላ እዩ" ክብሎ ጀመረ። ማርሴሉስ ከኣ "ኣጆኻ ዋላ ሓንቲ ኣይገብረካን እየ" ብምባል ካብቶም ዝመላለሱ ዝነበሩ ሰባት ንምኽዋል ነቲ ቆልዓ ብኢዱ ሒዙ ካብቲ መንገዲ ኣውጺኡ እልይ ኣበሎ። ብምቕጻል ድማ ሕቶታቱ ከምዚ እናበለ ጀመረ፣

"በል ሕጂ እታ ሓቂ ኣውጻኣያ፣ መን ትበሃል?"

"ስመይ ፖሊዮ ይበሃል።"

"ኣበይ ትነብር?"

"ኣብ ሮማ።"

"ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣለኻ?"

"ተላኢኸ እየ መጺአ።"

"እቲ ምሳኻ ዝነበረኸ መን ይበሃል?"

"ሑጻ ዝፍሕር እዩ።"

"ምስኡ እንታይ ትገብር ነይርካ?"

"ንብረት ተሰኪሙለይ ነይሩ።"

"ኣብ ውሽጥ'ቲ ንብረት እንታይ ነይሩ?"

"ዝብላዕ።"

"ናብ መን ትወስዶ ነይርካ?"

"ኣብዚ ሰፈር ናብ ዝነብር ሓደ ጽጉም።"

"ኣበይ እዩ ዝነብር?"

"ኣብዚ ቀረባ እዩ።"

"ስማዕ ኣታ ቆልዓ! እታ ሓቂ ክተውጽኣ እደሊ ኣለኹ፣ ብዛዕባ ካታኮምብ ዝበሃል ቦታ ትፈልጦ ነገር ኣለካዶ?"

"ሰባት ክዛረቡ ጥራይ እየ ሰሚዐ።"

"ኣብኡ ኣቲኻ ትፈልጥዶ?"

"እወ ኣብ ገሊኡ።"

"ካብቶም ኣብኡ ዘለዉ ትፈልጦም ኣለዉዶ?"

 "ሓደሓደ ሑጻ ዝፍሕሩ ኣብኡ ዝነብሩ ዝፈልጦም ኣለዉ።"

"ምስቲ ሰብኣይ ናብኡ ኢኹም ትኸዱ ኔርኩም።"

 እቲ ቆልዓ ድማ ኣዒንቱ ስለምለም እናበለ "ኣነ ናብኡ ዘኽይድ እንታይ ስራሕ ኣለኒ?" በለ። 

"ኣነ'ውን ነዚ እየ ክፈልጥ ደልየ ዘለኹ፣ ምስቲ ሰብኣይ ናብ ካታኮምብ ኢኹም ትኸዱ ኔርኩም።"

 "ናብቲ ብሕጊ ክልኩል ዝኾነ ቦታ እንታይ ዘኽይድ ኣለኒ?" 

"በል ሕጂ ከምዚ ትርእዮ ዘለኻ እዚ መዓልቲ ስለዝመሰየ ናብቲ ስግር ማዕዶ ዘሎ ቤተ መቕደስ ከይደ ጸሎት ስለዝገብር ሰዓበኒ።"

 እቲ ቆልዓ ድማ ቁሩብ ድሕሪ ምጥርጣር "ታሃዊኸ ኣለኹ" ክብል መልሲ ሃበ።

 ማርሴሉስ ከኣ "ካብ ሕጂ ጀሚርካ እኳ ናተይ እሱር ኢኻ፣ ኣነ ከኣ ጸሎተይ ክተዓናቐፍ ስለዘይደሊ ሰዓበኒ እሞ ጸሎት ክገብር ከለኹ ክትሕግዘኒ ኢኻ" በሎ

እቲ ቆልዓ ድማ "ኣዝስ ኣይገብሮን እየ" በለ።

"ንምንታይ?"

"ክርስትያን እየ።"

 "ክርስትያን ከምዝኾንካ ደኣ ገና ከይነገርካኒ ፈሊጠካ ኣለኹ። ኣብ ካታኮምብ ኣዝማድ ኣለዉኻ። ተላኢኽካዮ ዝነበርካ'ውን ናብ ካታኮምብ እዩ። እቲ ጽጉም ዝበልካዮ ሰብ'ውን እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ክርስትያናት ኮይኖም እቲ ትወስዶ ዝነበርካ ስንቂ'ውን ንዓኣቶም እዩ ነይሩ።"

እቲ ቆልዓ ድማ ርእሱ ኣድኒኑ ሓንቲ ቃል ከየውጽአ ትም በለ። 

"ሕጂ ናይ ካታኮምብ መእተዊ ደገ ክተርእየኒ እደሊ ኣለኹ?"

"ኦ ጎይታይ በጃኻ ምሕረት ግበረለይ እምበር ናብኡ ክወስደካስ ኣይትሕተተኒ። ንብጾተይ ኣሕሊፈ ክህብ ኣይክእልን እየ።"

"ካብቶም ብዙሓት መእተዊ ደጌታት ሓንቲ ስለዘርኣኻኒ ንብጾትካ ኣሕሊፍካ ከምዝሃብካ ከቑጽረካ ኣይክእልን እዩ። እምበርከ እቶም ወተሃደራትና ነቲ መእተውን መውጽእን ደጌታት ዘይፈልጥዎዶ መሲሉካ?" እቲ ቆልዓ ድማ ቁሩብ ድሕሪ ምሕሳብ መሪሑ ንኽወስዶ ፍቓደኛ ከምዝኾነ ገለጸ። ማርሴሉስ ከኣ ብኢዱ ሒዝዎ ጉዕዞ ጀመሩ። እቲ ቆልዓ ድማ ጎደና ኣፒያ ኣንቲካ ወዲኡ ናብ የማን ብምዕጻፍ ናብ ሓንቲ ኣረጊት ገዛ ሒዝዎ ኣተወ። ናብቲ ምድሪ-ቤት ድሕሪ ምውራዶም ከኣ ሓንቲ ማዕጾ ብምኽፋት ብኢዱ እንዳመልከተ "እነሆልካ" በሎ። ማርሴሉስ ግና ብናይ ትእዛዝ ዝመስል ቃና ናብ ውሽጢ ክኣቱ ከምዝደሊ ሓበሮ።

"ከመይ ጌርካ በይንኻ ክትኣቱ ትደፍር?"

"ክርስትያናት፣ ህይወት ናይ ሰብ ኣይነሕልፍን ኢና እዮም ዝብሉ። ስለዚ እንታይ ዘፍርህ ኣለኒ? ትም ኢልካ ደኣ ምርሓኒ።"

 "ንመብራህቲ ዝኸውን ሽግ የብለይን"

 "መብራህቲ ኣነ ኣለኒ፣ ትም ኢልካ ጥራይ ምራሕ።"

"ክመርሓካ ኣይክእልን እየ።"

"እምቢ ዲኻ ትብል ዘለኻ?"

 "እወ እምቢ ማለተይ እዩ፣ ኣዝማደይን ብጾተይን ኣብዚ ውሽጢ እዮም ዘለዉ፣ ንዓኻ መሪሐ ናብኡ ካብ ዘብጽሓካስ እንተሞትኩ ይሕሸኒ"

"ንምዃኑ ተባዕ ዲኻ? ሞት ማለት እንታይ ምዃኑ ኣይትፈልጥን ትኸውን።"

"ኣነ ድየ ሞት እንታይ ምዃኑ ዘይፈልጥ? ንምዃኑ ክርስትያን ዘበለ ሞት ዝፈርህዶ ይመስለካ? ብዙሓት ብጾተይ ብጸበባ ክሞቱ ከለዉ ርእየ ኣለኹ። ክቕበሩ ከለዉ'ውን ኣብ ቀብሮም ተሳቲፈ ኣለኹ። ስለዚ ብፍጹም ናብቲ ቦታ ኣይወስደካን እየ፣ እንተደሊኻ ናብ ቤት ማእሰርቲ ውሰደኒ።"

 "ናብ ቤት ማእሰርቲ እንተወሲደካ እቶም ብጾትካ እንታይ ክብሉ እዮም? ንምዃኑ ኣደ ኣላትካዶ?"

እቲ ቆልዓ ድማ ናይ ኣዲኡ ነገር ምስ ተለዓለ ፊቕ ኢሉ በኸየ። 

 "ካብ ብኽያትካ ኣዴኻ ከምዘላ ተረዲኡኒ ኣሎ። ምስ ኣዴኻ ክትራኸብ እንተደሊኻ መሪሕካ ውሰደኒ።"

 "ብፍጹም ኣሕሊፈ ክህቦም ኣይክእልን እየ። ኣነ ኣቐዲመ እንተሞትኩ ይሕሸኒ እሞ ወሲድካ ድላይካ ግበረኒ።"

 "ክፉእ ነገር እንተዝሓስብ ነይረ ናብዚ በይነይ ዝመጽእዶ ይመስለካ?"

"ናይ ቄሳር በዓል ስልጣን ደኣ ብዘይካ ነቶም ዝተጸልኡ ክርስትያናት ከጥፍእ ካልእ እንታይ ክገብር ክመጽእ ይኽእል?"

 "ስማዕ ኣታ ቆልዓ! ኣነ ንኽፉእ ኣይኮንኩን መጺአ ዘለኹ። ስለዚ ናብቲ ክርስትያናት ዘለዉዎ ቦታ መሪሓካ እንተወሲድካኒ ዋላ ሓንቲ ክፉእ ነገር ከምዘይገብሮም እምሕለልካ ኣለኹ። ኣብኡ ምስ ኣተኹ'ውን ድላዮም ክገብሩኒ ስለዝኽእሉ ናቶም እሱር እየ ማለት እዩ።"

 "ኣሕሊፈ ኣይህቦምን እየ ኢልካ ትምሕልዶ?"

ማርሴሉስ ድማ "እቶም ዘለኣለማውያን ዝኾኑ ናይ ቄሳር ኣማልኽቲ የጥፍኡኒ" ክብል መሓለ። 

እቲ ቆልዓ ድማ "ሕራይ በል ትም ኢልካ ሰዓበኒ፣ መብራህቲ'ውን ኣየድልየናን እዩ" ብምባል ንማርሴሉስ መሪሕዎ ናብቲ በዓቲ ድቕድቕ በለ። 

 

ኣብ ውሽጢ ካታኮምብ 

 

እቲ ጉዕዞኦም ከኣ ናብቲ ግብ ዝበለ ጸልማት ኣብጽሖም። እቲ መተሓላለፊ መንገዲ'ውን ክሰፍሕ ጀመረ። ኣብ መወዳእታ ድማ ናብ ሓንቲ ቁልቁል ናብ ታሕቲ እተወርድ ኣስካላ በጽሑ።

ማርሴሉስ ከኣ ናይቲ ቆልዓ ክዳን ቀጥ ኣቢሉ ብምሓዝ ተኸተሎ። እቲ ቦታ ፍርሃትካ ዘለዓዕል ነበረ። ማርሴሉስ ድማ ብገዛእ ፍቓዱ ናብቶም ብጾቱ ዝኾኑ ሮማውያን ሰበስልጣን ካብ ገጽ ምድሪ ሰጉጎም ናብቲ ዘስካሕክሕ ከርሲ ምድሪ ከምዝኣትዉ ዝገበርዎም ክርስትያናት ይግስግስ ነበረ። እዞም ሰባት ንማርሴሉስ ከም መጥፍኢኦም ከምዝቖጽርዎ ፍሉጥ እዩ ነይሩ። እንተኾነ ግና ናይዞም ሰባት ደግነትን ትሕትናን ካብ ርሑቕ ተዓዚቡ ስለዝነበረ ክፉእ ነገር ክበጽሓኒ እዩ ዝብል ስግኣት ኣይነበሮን። ኣብቲ ዓይንኻ ኣንቍሮምኻ ዘይትርእየሉ ግብ ዝበለ ጸልማት እቲ ኣብቲ ርእስኻ ዘዝውር ጥውይዋይ መንገዲ ዝመርሖ ዝነበረ መንእሰይ ቆልዓ እኳ ዝደለዮ ክገብሮ ከምዝኽእል እንተፈለጠ'ኳ እዚ'ውን ኣየስግኦን። ንማርሴሉስ ክሳዕ ኣብዚ ንኽመጽእ ዝደረኾ ድማ ምስጢር ናይ ክርስትያናት ብዝበለጸ ንምፍላጥ ዝነበሮ ክቱር ህንጡይነት እዩ። 

ኣቐዲሙ ብማሕልኡ ከምዘረጋገጾ'ውን ነዚ ጉዕዞኡ ክርስትያናት ንምጥፍእ ከም መሳርሒ ክጥቀመሉ ኢሉ ብፍጹም ኣይሓሰበን። ንቑሩብ ግዜ ዝኸውን ቁልቁል ምስ ወረዱ እቲ ዝረገጽዎ መንገዲ እንዳቐነዐ ክኸይድ ጀመረ። ብኡብኡ ድማ ናይ እቶን ሓዊ ጭል ጭል እናበለ ናብ ዝነደላ ሓንቲ ብናይ ሓጺን ማዕጾ ዝተዓጸወት ክፍሊ በጽሑ። እቲ ቆልዓ ነቲ ጥውይዋይ መንገዲ ከምኡ ገይሩ ምፍላጡ ኣዝዩ ዘገርም ነበረ። እቲ ቆልዓ ከኣ ናብታ ዝበጽሕዋ ክፍሊ ብምእታዉ ካብተን ኣብቲ ባይታ ዝነበራ ሽግ ሓንቲ ብምብራህ ጉዕዝኦም ቀጸሉ። 

እቲ ናይ መቓብር ቦታ ካብ ኩሎም ካልኦት ቦታታት ዝተፈለየ ጸቕጢ ነይርዎ። እቲ መቓብር ቀረባ ምዃኑ ይኹን ዋላስ ሽታ ናይቲ ሓመድ ይኹን፣ ዝኾነ ኮይኑ ግና እቲ ቦታ ከምዚ ኢልካ ክግለጽ ዘይከኣል ዘፍርህ ግርማ ነይርዎ። "እዚ ምናልባት ብሰንኪ'ቲ ኣብ ኣእምሮን ኣካላትን ሰባት ዝዓርፍ ናይቶም ምዉታት ጽላሎትዶ ይኸውን?" ክብል ሓሰበ። ዝኾነ ኮይኑ ኣብ ካታኮምብ ክትኣቱ ከለኻ ዝስምዓካ ስምዒት ከምዚ ዝበለ እዩ። ናይቲ ቦታ ዛሕልን ቁርን ብቐጥታ ካብ ናይ ሞት ዓለም ዝመጸ ይመስል። ኣብዚ ቦታ ዝኣተወ ኩሉ እቲ ምስጢራዊ ዝኾነ ሓይሊ ሞት ክንዲ ምንታይ ግንብንብ ከም ዘብል ከይተሰመዖ ኣይወጽእን እዩ። ፖሊዮ መንገዲ እንዳመረሐ ማርሴሉስ ከኣ እንዳተኸተሎ ጉዕዝኦም ቀጸሉ። እዚ ዘስካሕክሕ ቦታ፣ ጩራ ጸሃይ ይኹን ናይ መዓልቲ ብርሃን ኣትይዎ ኣይፈልጥን እዩ። ካብዚ ዝተላዕለ ድማ እቲ ጸልማት ዝድፋእን ካብኡ ሓሊፉ'ውን ክርምሰስ ዝኽእልን ይመስል። እቲ ናይ ሽግ መብራህቲ'ኳ ነቲ ጸልማት ካብ ቁሩብ ስጉምትታት ንላዕሊ ከባርሮ ኣይክእልን ነበረ። 

ሒዞማ ዝነበሩ መንገዲ ብጣዕሚ ጥውይዋይን ብዙሕ ጓል-መንገዲ ዘለዋን ነበረት። ፖሊዮ ድማ ብድንገት ደው ብምባል ንማርሴሉስ ሓደ ዓሚቕ ጉድጓድ ኣርኣዮ። ንሱ ድማ ድንን ኢሉ እንተረኣየ መወዳእትኡ ዘይረአ ማዕሙቕ ኮይኑ ተረኣዮ። 

"ናበይ ዘብጽሕ እዩ?"

"ናብ ታሕቲ።"

"ካብተን ዝሓለፍናየን ወጻኢ ካልእ ናብ ታሕቲ ዘውርዱ መንገድታት ኣለዉ ድዮም?"

"ብዙሓት ኣለው፣ ሓደ ግዜ ነዘን መንገድታት ሒዘ ክሳዕ ሰለስተ ደርቢ ንታሕቲ ወሪደ ነይረ። እቶም ሑጻ ዝፍሑሩ ግና ካብኡ ኣጸቢቕና ንታሕቲ ንወርድ ኢና ይብሉ።"

እቲ መንገዲ እዝዩ ጥውይዋይ እንዳኾነ ስለዝኸደ ማርሴሉስ ኩሉ ተሓዋወሶ። እቲ ነቲ ጉዕዞ ምርዳእ ዝሰኣነ ኣእምርኡ ድማ ብኻልኦት ነገራት ተጸመደ።  

ገለ ካብ ውሽጣዊ ክፋላት ካታኮምብ ኣብዚ ሕጂ እዋን ነዚ ይመስል 

ኣብቶም ዝሓልፍሎም ዝነበሩ ቦታታት የማነ ጸጋም እንዳተዓዘበ ምርመርኡ ቀጸለ። ኣብቶም በዓትታት የማነ ጸጋም ዝነበሩ መናድቕ ተፋሒሮም ከም መደብ ዝተሰርሑ ብዙሓት ቦታታት ይረኣዩ ነበሩ። ኣብ ጥቓ ነፍሲ-ወከፍ መደብ ሓንቲ ጽሑፋ ዘለዋ ንእሽቶይ ሰሌዳ ተሰቂላ ነበረት። 

ኣብተን ሰሌዳታት ተወቒሮም ዝነበሩ ጽሑፋት እቲ ቦታ ናይ ክርስትያናት መቓብር ከምዝኾነ ይገልጹ ነበሩ። ማርሴሉስ ዋላኳ ደዉ ኢሉ ነቶም ጽሑፋት ንኸንብቦም ግዜ ይሓጽሮ እንተነበረ፣ ክሓልፍ ከሎ ግና ኣዒንቱ ከምዚ ኣብ ዝብላ ቃላት ይዓርፋ ነበራ፣ 

ሃኖርያ ብሰላም ዓሪፋ

ፋውስታ ብሰላም ... 

ኣብተን ዝረኣየን ኩሉን ሰሌዳታት "ሰላም" ዝብል ቃል ተጻሒፍወን ረአየ። "ኣብ ውሽጢ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘስካሕክሕ ቦታ ኮይኖም ሞት ካብ ምንዓቕ ድሕር ዘይብሉ እዚኦም ክርስትያናት ከመይ ዘደንቑ ሰባት እዮም" ክብል ሓሰበ። ኣዒንቱ ነቲ መንገዲ እንዳተለማመድኦ ከዳ፣ እቲ መንገዲ'ውን ብየማነ ጸጋሙ ክጸብብ ጀመረ። ናይቲ በዓቲ ናሕሲ ድማ ርእሶም ተንከፎም። ኣብ መወዳእታ ድማ ድንን ኢሎም ብህድኣት ክጉዓዙ ግዲ ኮኖም። ናይቲ በዓቲ መንደቕ ከምቲ እቶም ናይ መጀመርያ ሑጻ ዝፍሕሩ ዝነበሩ ሰባት ፍሒሮም ዝገደፍዎ እትው ወጽእ ዝበለ ነበረ። ኣብ ምድሪ ክቦቕሉ ዝኽእሉ ኣዝርእቲ ነቲ መሬት ሸፊኖሞ ስለዝነበሩ ነቲ ቦታ ፍሉይ ዝኾነ ዛሕልን ጠልን ፈጢሮምሉ ነበሩ። ካብቲ ሽግ ዝወጽእ ዝነበረ ትኪ'ውን ምስቲ ውሑድ ኣየር ክተሓዋወስ ከሎ ንሳንቡእካ ዝዕፍን ነበረ። 

ልዕሊ ሚእቲ ዝኾና ጥውይዋይ መንገድታት ሓለፉ። ብዙሓት ጓል-መንገድታት'ውን ናብ ካልእ ኣንፈት ክዝርግሓ ይረኣያ ነበራ። 

ማርሴሉስ ድማ ናይቲ መንገዲ ሕልኽላኽ ምዃን ምስ ረኣየ ከምልጠሉ ብዘይክእል ኣገባብ ካብቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ናይ ወጻኢ ዓለም ከምዝተፈለየ ተረደኦ። ህይወቱ ከኣ ኣብ ኢድ እቲ ቆልዓ ምዃና ኣስተውዓለ። 

"ንምዃኑ ኣብዚ ምስ ኣተዉ መንገዶም ዝስሕቱ ሰባት ኣለዉዶ?"

 "እወ፣ ብዙሓት።"

 "መወዳእትኦም ደኣ እንታይ ይኸውን?"

 "ሓደሓደ ግዜ ዝፈልጥዎ ሰብ ክሳዕ ዝረኽቡ ትም ኢሎም ይዞሩ። ሓደሓደ ግዜ ከኣ መእተዊኦም ከይተፈለጠ ጠፊኦም ይተርፉ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ግና መብዛሕትና ነቲ መንገድታት ጽቡቕ ጌርና ስለንፈልጦ ክንጋገ ኣይንኽእልን ኢና። መንገዲ እንተጠፈኣና'ኳ ዜርና ናብ ሓደ ምልክት ዘለዎ ቦታ ክንበጽሕ ንኽእል ኢና።"

 ማርሴሉስ ንኣሽቱ መቓብራት ብብዝሒ ክርኢ ምስ ጀመረ ገሪምዎ። ናይ ህጻናት መቓብር ምዃኖም ካብ ፖሊዮ ሓቲቱ ምስ ተረደአ ድማ ፍሉይ ዝኾነ ስምዒት ፈጠረሉ። 

"እቶም ንጹሃት ዝኾኑ ህጻናት፣ እቶም ገለ ክፉእ ነገር ክገብሩ ዘይከኣሎም ህጻናት'ከ ኣብዚ እንታይ ክገብሩ ኣትዮም? ኣብቲ ጩራ ጸሓይ ዝመለኦን ዕማባባታት ዝቦቕሉሉን ቦታ እንተዝቕበሩ እንታይ ነይርዎ? እቲ ናይ ዕሸልነት ዕድሜኦም ኣብዚ ጸልማት መንገድታት ናብዝን ናብትን ክብሉ ኣሕሊፎሞ ማለት ድዩ? ናይቶም ካብ መከራን ስደትን ሃዲሞም ናብዚ ዝኣተዉ ሰባት ተኻፈልቲ መከራ ኮይኖምዶ ይኾኑ? ዕድሜኦም ብዕሸሉ ንኽቁጸን እቲ ነውሪ ዘይብሉ መንፈሶም ድማ ካብ ስጋኦም ከም ዝፍለ ዝገበረ እዚ መርዛም ኣየርዶ ይኸውን?" ብዙሓት ሓሳባት ኣብ ልቡ ተመላለሱ።

ማርሴሉስ ከኣ "ጉዕዞና ካብ ንጅምር ነዊሕ ግዜ ጌርና ኣለና። ገለ ቀሪብናዶ?" ክብል ንፖሊዮ ሓተቶ።

"እወ፣ ሕጅስ ዳርጋ በጺሕና ኢና።" 

 ማርሴሉስ ድማ ንክርስትያናት ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቦታ ሃዲንካ ክትሕዝ ምፍታን ብዘይካ ድኻም ካልእ ፍረ ዘይርከቦ ከንቱ ሃልኪ ምዃኑ ተረደኦ። ኣብዚ ቦታ ሓደ ክፍለ ሰራዊት እኳ እንተ ዝኣትዉ ጥቓ እቶም ክርስትያናት ክበጽሑ ኣይክእሉን እዮም። እቲ መንገዲ ነዊሕን ጥውይዋይን ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ ኣብዚ ዝኣትዉ ዘበሉ ኩሎም ዕድሚኦም ብኾለል ክውድእዎ ከምዝኽእሉ ርዱእ እዩ። 

 ማርሴሉስ ከኣ ብሃንደበት ካብ ርሑቕ ድምጺ ሰመዐ። እቲ ድምጺ ድማ እዚ ክበሃል ዘይክኣል ዜማ ዘለዎ ነበረ። እቲ ድምጺ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ነዊሕ መንገዲ ሰጊሩ በቲ ሰመያዊ ዝኾነ ጣዕሙ ነተን ንቑሓት ኣእዛን ማርሴሉስ መለአን።   

ገለ ካብ ውሽጣዊ ክፋላት ካታኮምብ ኣብዚ ሕጂ እዋን ነዚ ይመስል

ጉዕዝኦም ምስ ቀጸሉ ናይ ብርሃን ጩራታት ኣብቲ ጸልማት ጭልጭል ከብል ከሎ ይረኣዮም ነበረ። እቲ ድምጺ'ውን እንዳቐረበ መጸ። ሓደሓደ ግዜ ናይ መዘምራን ዝማሬ ሓደሓደ ግዜ ከኣ ናይ ጸሎተኛታት ልመና ይመስል ነበረ። ብሓንቲ መዕጸፊ ኩርናዕ ቅልቅል ምስ በሉ ድማ ሓደ ኣዝዩ ግሩም ዝኾነ ምርኢት ኣብ ቅድሚኦም ተጓነፎም። ፖሊዮ ድማ ንማርሴሉስ "ደው በል!" ኢሉ ኣዘዞ እሞ ነታ ዝሓዛ ሽግ ኣጥፈኣ። ማርሴሉስ ከኣ ከምዝተኣዘዞ ኣብቲ ዝነበሮ ደው ኢሉ ናብቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ነገር ብምግራም ቀው ኢሉ ይጥምት ነበረ። 

ንማርሴሉስ ዝተረኣየቶ ድማ ሓንቲ ብጣዕሚ ንእሽተይ ዝኾነት ክፍሊ ኮይና ኣብኣ ከኣ ህጻናትን ኣንስትን ዝርከብዎም ከባቢ ሓደ ሚእቲ ዝኾኑ ሰባት ተጨናኒቖም ኮፍ ኢሎም ነበሩ። ኣብ ሓደ ኩርናዕ ናይታ ክፍሊ ሓንቲ ጠረቤዛ ትረአ፣ ብድሕሪ እታ ጠረቤዛ ድማ ሓደ ብዕደመ ዝደፈአ ሽማግለ ሰብኣይ ደው ኢሉ ነበረ። ንሱ ናይቲ ኣኼባ መራሒ ይመስል። ኣብቲ ቦታ ድማ ጭልጭል ዝብል ናይ ጥዋፍ ብርሃን ነበረ። እዚ ንእሽተይ ብርሃን ከኣ ነቶም ኣብቲ ቦታ ተኣኪቦም ዝነበሩ ሰባት ሓደ ዘፍርህ መልክዕ ሂብዎም ነበረ። ኩሎም መልክዖም ከምቲ ማርሴሉስ ረኺብዎ ዝነበረ ሑጻ ዝፍሕር ሰብኣይ ኮይኑ፣ ገጾም ድማ ብስግኣት ዝቀምሰለን ዝዓበረን ነበረ። እንተኾነ ግና ኣብዚ ተኣኪቦም ክረኣዩ ከለው ዝኾነ ናይ ጓሂ ይኹን ናይ ጭንቀት ወይ ተስፋ ምቑራጽ ምልክት ኣብ ገጾም ኣይረኣይን ነበረ። ናብ ላዕሊ ዝቐነዐ ኣጠማምትኦም፣ ተስፋ፤ ሓጎስን ዓወትን የበስር ነበረ። ማርሴሉስ ድማ በቲ ዝረኣዮ ኩሉ ልቡ ተተንከፈ። ናይቲ ቅድሚ ሕጂ ብመጠኑ ርእይዎን ሰሚዕዎን ዝነበረ ካብኡ ግና ተሰዊርዎ ዝነበረ ናይ ክርስትያናት ጅግንነት፤ ተስፋን ሰላምን መረጋገጺ ረኸበ። ማርሴሉስ ኣብቲ ዝነበሮ ኮይኑ ክሰምዕ ከሎ እቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝነበሩ ብሕብረት ከምዚ እንዳበሉ ክዝምሩ ሰምዖም፣

 

ኦ ንኹሉ እትገዝእ እግዚኣብሄር ኣምላኽ

ስራሕካ ዓብን መስተንክርን እዩ።

ኦ ናይ ኣህዛብ ንጉስ

መንገድኻ ሓቅን ጽድቅን እዩ።

ኦ እግዚኣብሄር

ንዓኻ ዘይፈርህን ስምካ ዘየኽብርንከ መን እዩ?

ንስካ በይንኻ ቅዱስ ኢኻሞ፣

ግብሪ ጽድቕኻ'ውን ስለዝተገለጸ፣

ኩሎም ኣህዛብ ክመጹ እዮም

ኣብ ቅድሜኻ'ውን ክሰግዱ እዮም። 

ብድሕሪ'ቲ መዝሙር ንቑሩብ ግዜ ጸጥታ ኮነ። ናይቲ ኣኼባ መራሒ ድማ ተንሲኡ ካብ ሓንቲ ጥቕላል ብራና ከንብብ ጀመረ። እተን ዘንብበን ዝነበራ ቃላት ንማርሴሉስ ብፍጹም ሓደስቲ ኮንኦ። እቲ ዝንበብ ዝነበረ ቃል ብዛዕባ ህያውነት ነፍስን ብዛዕባቲ ድሕሪ ሞት ዘሎ ዘለኣለማዊ ህይወትን ዝገልጽ ነበረ። እቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝነበሩ ድማ ብዓቢ ህድኣት ነቲ ቃል ይሰምዑ ነበሩ። ጸኒሑ እቲ ናይቲ ኣኼባ መራሒ በቲ ዘንበቦ ቃል ዝተሰመዖ ሓጎስ ካብ ልቡ ገለጸ እሞ እቶም ተሳተፍቲ ድማ "ኣሜን" ብምባል ናይ ሓጎሱን ተስፋኡን ተኻፈልቲ ምዃኖም ገለጹ። 

ዋላኳ ማርሴሉስ ምስጢር ናይቶም ዝተነበቡ ቃላት ክርድኦም እንተዘይከኣለ እቲ ዝነበረ ሃዋህው ግና ልቡ ተንከፎ። "ዎ ሞት ኣበይ ኣሎ ብልሕኻ፣ ኣታ ሲኦልከ ኣበይ ኣሎ ዓወትካ፣ ብልሒ ሞት ሓጢኣት እዩ ሓይሊ ሓጢኣት'ውን ሕጊ እዩ። ግናኸ ነቲ ብጎይታና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ዓወት ዚህበና ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ።" ዝብላ ቃላት ሓደስቲ ዝኾኑ ሓሳባትን ሓንቲ ሓዳስ ዓለምን ከፈታሉ። እተን ሓጢኣት፤ ሞትን ክርስቶስን ዝብላ ቃላት ነታ ኣብ ቀረባ ዝነበረት ነብሱ ብሓሳብ ከምትህውትት ገበረኣ። ናይ ክርስትያናት ምስጢር ንምፍላጥ ዝነበሮ ሃንቀውታ'ውን እናዓበየ ከደ። 

እቲ ናይቲ ኣኼባ መራሒ ገጹ ናብ ሰማይ ኣቅኒዑ ኢዱ ብምዝርጋሕ ካብ ልቢ ዝኾነ ጸሎት ኣዕረገ። 

 ኣብ ቅድሚ እቲ ኩሉ ዝኽእልን ዘይረአን ኣምላኽ ሓጢኣተኛ ምዃኑን ሓንቲ ዘይክእል ምዃኑን ተኣመነ። ስለቲ ብክርስቶስ ዝተረኸበ ሕድገት ሓጢኣት ድማ ምስጋናኡ ኣቕረበ። መንፈስ ቅዱስ ንኹሎም ተሳተፍቲ ንኽቅድሶም ልመንኡ ኣዕረገ። ዝነበሮም ጸበባ ብምዝርዛር ካብ መከራኦም ዝወጽሉ ረድኤት ክለኣኸሎም ተማሕጸነ። ብህይወት ከለው ብእምነት ክመላለሱን ግዜ ሞቶም ምስ ኣኸለ ድማ ክጸንዑ ከምኡ'ውን ብስም የሱስ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ዝውሰኻ ነፍሳት እንዳበዘሓ ክኸዳ ዘለዎ ዝለዓለ ሃረርታ ገለጸ። ብምቕጻል ድማ ከምዚ ዝብሉ ቃላት ተዘመሩ፣

 

እነሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ እዩ 

ንሱ'ውን ምሳታቶም ክነብር እዩ፣

ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ክኾኑ እዮም

ኣምላኽ'ውን ባዕሉ 

ምሳታቶምን ኣምላኾምን ክኸውን እዩ።

ኣምላኽ ከኣ 

ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ክደርዝ እዩ።

እቲ ቀዳማይ ሓሊፉ እዩ እሞ፣

ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይክኸውንን፣

ድሕሪ ደጊም'ውን ሓዘን ወይ ጫውጫው 

ወይ ጻዕሪ ኣይክኸውንን እዩ፣ 

ስልጣንን ሃብትን ጥበብን ሓይልን

ክብርን ግርማን ውዳሴን 

ካብ ዘለኣለም ክሳዕ ዘለኣለም 

ንኣምላኽና ይኹን፣። ኣሜን!!

 

ብድሕር'ዚ ኣብቲ ኣኼባ ዝነበሩ ሰባት ነናብ ቦትኦም ክበታተኑ ጀመሩ። ብኡብኡ ድማ ፖሊዮ ንማርሴሉስ ኣኸቲሉ ኣብታ መኣከቢት ክፍሊ ኣተወ። እቲ ዘንጸባርቕ ናይ በዓል ስልጣን ክዳን ምስ ረኣዩ እቶም ኣኼበኛታት ካብ መጠን ንላዕሊ ሰንበዱ። ናብ ፈቐዶ መሽጎራጉር ሃዲሞም ከምልጡ ክፍትኑ ከለዉ ከኣ ማርሴሉስ ዓው ብዝበለ ድምጺ ከምዚ በሎም "ኦ ክርስትያናት! ኣነ ከምዚ ትርእዩኒ ንበይነይ እየ መጺአ ዘለኹ እሞ ኣይትፍርሁ። ህይወተይ'ውን ኣብ ትሕቲ ስልጣንኩም እያ ዘላ።" 

እዚ ዘረባ ምስ ሰምዑ ቅሩብ ህድእ ኢሎም ኣተኵሮም ክጥምትዎ ጀመሩ። ናይቲ ኣኼባ መራሒ ድማ ናብ ማርሴሉስ ቀሪቡ ኣጸቢቑ ጠመቶ። 

 "ስምካ መን ትበሃል? ኣብ ምድሪ መዕረፊ ክትኮነና እዚኣ ቦታ ጥራይ እንተተረፈትናሲ ካብዚኣ'ውን ክተጥፍኣናዶ መጺእካ?"

"ሕማቕ ነገር ክገብረና እዩ ኢልኩም ኣይትጠርጥሩኒ። ከምዚ ትርእዩኒ ዘለኹም ንበይነይ እየ መጺአ ዘለኹ። ኣብ ትሕቲ ኢድኩም ስለዝኾንኩ ከኣ ዝደለኹሞ ክትገብሩኒ ትኽእሉ ኢኹም።"

 "ናይ ቄሳር በዓል ስልጣን ካባና ዝደልዮ እንታይ ነገር ኣለዎ? ካብ ሓደ ቦታ ሃዲምካ ዲኻ መጺእካ? ዝተኸታተለካ ሰብ ኣሎዶ? ህይወትካኸ ኣብ ሓደጋ ድያ ዘላ?"

"ኣይፋሉን! ኣነ ሓደ ዓቢ ስልጣን ዘለኒ ናይ ቄሳር ኣዛዚ ሰራዊት እየ። ዕድሚአይ ምሉእ ንሓቒ ኣብ ምድላይ ይርከብ ኣለኹ። ብዛዕባኹም ክርስትያናት ብዙሕ ነገራት ሰሚዐ ኣለኹ። እዚ እዋን ድማ ናይ ስደት እዋን ስለዝኾነ ኣብ ሮማ ምስ ናትኩም ኣባላት ተራኺበ ክዘራረብ ብጣዕሚ ኣጸጋሚ ኮይኑ ረኺበዮ።"

እቲ ሽማግለ ነቶም ተኣኻኺቦም ዝነበሩ ክርስትያናት ናብ ቦቦትኦም ክኸዱ ኣመልከቶም። ኩላቶም ድማ ብርጉእ መንፈስ ናብ ቦቦትኦም ከዱ። እቲ ሽማግለ ከኣ ምስቲ ሓድሽ ጋሻ እናተዘራረበ ከሎ ሓንቲ ገጻ ዝቀምሰለት ሰበይቲ ናብ ፖሊዮ ብምምጻእ ኢዱ ለቀብ ኣቢላ ሓዘቶ፣

 "ኣታ ወደይ እንታይ ደኣ ኮይንካ ክሳዕ ሕጂ ደንጕኻ?"

"እዚ በዓል ስልጣን ሒዙ ኣደንጕዩኒ።"

 "እንኳዕ ብሰላም መጻእካለይ ጥራይ፣ ንምዃኑ ንሱ መን እዩ?"

"ደሓን ዝኾነ ሰብ ከይኮነ ኣይተርፍን እዩ፣ ምስጢሩ ኩሉ ክነግረናዶ ኣይሰማዕክዮን ኢኺ?" እንዳበላ ከሎ እቲ ሽማግለ ነታ ሰበይቲ "ሴሲሊያ፣ እስከ ንቑሩብ ግዜ ኣብዚ ጽንሒ" በላ። እታ ሰበይቲ ድማ ምስ ውሑዳት ካልኦት ኮይና ኣብ ጥቓ መራሒኦም ደው በሉ። እቲ ሽማግለ ድማ ዘረብኡ ብምቕጻል ንማርሴሉስ ከምዚ በሎ፣

"ስመይ ሆኖሪዮስ ይበሃል። ኣብዛ ናይ ክርስቶስ ቤተ ክርስትያን ከም ሽማግለ ኮይነ የገልገል ኣለኹ። ክርእየካ ከለኹ ደሓን ሰብ ትመስል። ካባና ትደልዮ ነገር እንተለካ ንገረና።" 

"ኣነ'ውን ማርሴሉስ እበሃል። ኣብ መንጎ መኳንንቲ ቄሳር ከም ካፕቴን ኮይን የገልግል ..." እቲ ሽማግለ እዚ ምስ ሰመዐ ኣእዳዉ እናጣቐዐ "በቃ ጠፊእና!" ዝብል ናይ ተስፋ ምቑራጽ ድምጽ ኣድመጸ። እቶም ኣብ ጥቕኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ'ውን ብፍርሃት ተመሊኦም ንማርሴሉስ ክጥምትዎ ጀመሩ። ሴሲልያ ድማ እንዳበኸየት "ኣንታ ፖሊዮ እንታይ ጌርናካ ደኣ ኣሕሊፍካ ትህበና?" በለቶ።

 

ትርጉም ብቐሺ እምባየ ሃብተዝጊ