18
Thu, Apr
0 New Articles

ሰማእታት ካታካምፖ (1ይ ክፋል)

Imapct of Gospel
Typography

ገሊኣቶም ድማ ብልግጫን ብመግረፍትን፣ኣብ ልዕሊ እዚውን ብመቑሕን ብማእሰርትን ተፈተኑ፣ብዳርባ እምኒ ተቐትሉ፣ተመገዙ።ተፈተኑ፣ተሰይፎም ሞቱ፣ኣጎዛ ኣባጊዕን ዲኖ ኣጣልን ተኸዲኖም ዞሩ፣ሰኣኑ።ጸበቦም።ሓሳረ መከራ ጸገቡ፣ዓለም ንዓኣቶም ዘይትበቅዕ ኮይናስ፣ ኣብ በረኻታትን ኣብኣኽራንን።ኣብ በዓትታትን ኣብ ጎዳጕድ ምድርን ኮለል በሉ። እብራውያን 11፣36-38

ትርጉም ብቐሺ እምባየ ሃብተዝጊ

መእተዊ

ካብ 1ይ ክፍለ-ዘመን ጀሚሩ እምነት ክርስትና ኣብ ሮማን ኣብ ምሉእ ዓለምን ብቕልጡፍ ክሰፍሕ ጀሚሩ፣ እዚ ድማ እቶም ቀዳሞት ኣመንቲ። ካብ ሃዋርያት ጀሚርካ ንወንጌል ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ይሰብክዎ ስለዝነበሩ እዩ፣ ኣብ ልዕል'ዚውን እቶም ኣመንቲ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ሰብ ብዘይኣፈላላይ ዘርእይዎ ዝነበሩ ፍቕርን ሕያውነትን'ውን ኣብ ቅድሚ ኩሎም ኣህዛብ ጽቡቕ ዝኾነ ምስክርነት ስለዝነበሮም እምነት ክርስትና ኣብ ኩሎም ህዝብታት ኣዝዩ ቅልጡፍ ተቐባልነት ረኸበ፣

ኣብ መጀመርያ ሰበ ስልጣን ሮማ ነዚ ሓድሽ እምነት ብዙሕ ኣቓልቦ ኣይሃብዎን፣ እንተኾነ ግና ነዊሕ ከይጸንሑ ብሰንኪ ካብ ህዝቢ ዝግበረሎም ዝነበረ ጸቕጥን ድፍኢትን። ኣብ ልዕልቲ እምነት ብጽልኢ ተለዓዓሉ፣ ኣብ ልዕልዚ'ውን እቶም ክርስትያናት ነቶም ጥንታውያን ኣማልኽቲ ጣኦታትን ንገለ ካብቶም ቄሳራትን ከም ኣምላኽ ንኸምልኽዎም ተኣዚዞም ምስ ኣበዩ እቲ ጽልኢ ኣዝዩ ተጓሃሃረ (ንኣብነት ካብ 81-96 ዓ/ም ቄሳር ናይ ሮማ ዝነበረ ዶሚሽያን ኩሎም ሰባት ንእኡ ከም "ጎይታን ኣምላኽን" ከምልኽዎ ኣዚዙ ነበረ) ፣ ካብዚ ዝተለዓለ ድማ እቶም ክርስትያናት ብዝተፋላለዩ ገበናትን ርኽሰታትን ክውንጀሉ ጀመሩ፣ ገለ ካብቶም ዝውንጀሉሎም ዝነበሩ ገበናትን ርኽሰታትን ከኣ። ንዓዲ ኣቡኦም (ሃገሮም) እሙናት ኣይኮኑን፤ ብኣምላኽ ኣይኣምኑን እዮም፤ ህጻናት ይቐትሉ፤ ስጋ ሰብ ይበልዑ ከምኡ'ውን ብሕቡእ ኣብ ንሓድሕዶም ዝተፈላለየ ነውርታትን ርኽሰታትን ይገብሩ እዮም ዝብሉን ካልእን ዘጠቓለሉ ነበሩ፣ እቲ ዝርዝር ብዝሕ ዝበለ ኮይኑ ንሓድሕዱ'ውን ዝጋጮ ነበረ፣ ካብዚ ዝተለዓለ ድማ ዝኾነ ፌራ፤ ዕልቕልቅ፤ ጥሜት ይኹን ካልእ ባህርያዊ ዕንወታትን ሓደጋታትን ምስ ዘጋጥም። "እዚ መዓት ብሰንኪ ክርስትያናት እዩ ዝወርደና ዘሎ" ብምባል ንክርስትያናት ይውንጅልዎም ነበሩ፣

ካብዚ ዝተለዓለ ድማ እተን ቀዳሞት ሰለስተ ክፍለ-ዘመናት። "መዋእል-ሰማእታት" (martyrs age) ተባሂለን እየን ዝፍለጣ፣ እቲ ስደትን መከራን ኩሉ ግዜ ዝቕጽልን ኣብ ምሉእ ዓለም ዝተዘርግሐን ኣይነበረን፣ ድሕሪ ጽንኩር ስደትን መከራን። መብዛሕቱ ግዜ ሓደ ቄሳር ብኻልእ ክትካእ ከሎ ንግዚኡ እቲ መከራን ስደትን ህድእ ይብል እሞ ቅሩብ ናይ ሰላም ዓመታት ይስዕባ ነበራ፣ ጸኒሑ ድማ እቲ ስደት ከም ብሓድሽ ይለዓዓል ነበረ፣ ስለዚ ድማ እቶም ቀዳሞት ኣመንቲ። ኣብ 313 ዓ/ም እምነት ክርስትና ምሉእ ብምሉእ ነጻ ክሳዕ ዝኸውን ብኸምዚ ዓይነት ዝተፈላለዩ ስደትን መከራን ሓሊፎም፣

ካታኮምብ ብዝብል ስም ዝፍለጣ በዓትታት ካብ 100-313 ዓ/ም ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ብሰንኪ ዝወረደ ስደትን መከራን ብብዙሓት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣመንቲ ካብ ማዕበላዊ ቑጠዐ ናይ ቄሳራት ሃዲሞም ዝዕቖቡለን ብሰማእትነት ክሞቱ ከለዉ ድማ ዝቕበሩለን ስፍራ እየን ነይረን፣ በተን ክፉኣት ናይ መከረ ዓመታት እቶም ክርስትያናት ኣብዘን ኣብ ከርሲ ምድሪ ዝርከባ በዓትታት እንተዘይኮይኑ ካልእ መጸግዒ ኣይነበሮምን፣ ኣብ ሮማን ከባቢኣን ከምዚኣተን ዝኣመሰላ ብዙሓት በዓትታት ኣለዋ፣ ኩለን እዘን በዓትታት ብሓደ እንተዝላቐባ ንውሓተን ክሳዕ ሓደ ሽሕ ኪ/ሜ ይበጽሕ እዩ ይበሃል፣

ኣብ 249 ዓ/ም። ክርስትና ኣብ ሮማ ኣዝዩ ስለዝዓብለለ ኣብያተ መቕደስ ጣኦታት ጥርሐን ክተርፋ ከለዋ ኣብያተ ክርስትያናት ግና ብሓደስቲ ኣመንቲ ከዕለቕልቓ ጀመራ፣ ስለዚ ድማ ቄሳር ዴክዮስ ነዚ ሃይማኖት'ዚ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ገጽ ምድሪ ንምጥፋእ ዝዓለመ ወፍሪ ኣወጀ፣ እቶም ክርስትያናት ድማ ከም ወትሩ ሃዲሞም ናብተን መዕቆቢኦም ዝኾና በዓትታት ካታኮምብ ተዓቖቡ፣ እዛ ጽሕፍቲ ከኣ ገለ ካብቲ ኣብ ዘመን ቄሳር ዴክዮስ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ዝወረደ ሓቀኛ መከራን ሰደትን ብልብወለዳዊ ኣገላልጻ እተዘንቱ ኮይና ጽንዓት ናይቶም ቀዳሞት ኣመንትን ኩነታት ናይቲ ዝነበርዎ ቦታን ንኽንርዳእ ክትሕግዘና እያ፣

ኮሎሲዩም

ጽምኢ ደም ሮማውያን ንኸርውዩ ተጨፍጪፎም

ሮማዓቢ በዓል እተብዕለሉ ዕለት እዩ ነይሩ። ብዙሕ ህዝቢ ካበየ ማእዝኑ ክውሕዝ ይረአ። ነታ ካፒቶሊን እትበሃል ኩርባ ሓሊፍካ በቲ ናይ ህዝቢ ኣደባባይ ናብ ሸነኽ ቤተ-መንግስቲ ቄሳር ዝወስድ መንገዲ ሒዙ ዝጉዓዝ ዝነበረ ህዝቢ ማእለያ ኣይነበሮን። ኩሉ ህዝቢ ድማ ናብቲ ኮሎሲዩም ተባሂሉ ዝፍለጥ ሜዳ ስፖርት ገጹ እዩ ዝግስግስ ነይሩ። እዚ ዓቢ ህንጻ'ዚ በቶም ልዕሊ ሚእቲ ዝኾኑ ደጌታቱ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተቐቢሉ ይኣኽለኒ ዘይብል ነበረ።

 

                            

  (ህንጻ ኮሎሲዩም ኣብዚ ሕጂ እዋን ነዚ ይመስል)

እቲ ህንጻ ከቢብ ኮይኑ ዝተሰረሐ እዩ። ናብ ውሽጡ ክትኣቱ ከለኻ ከኣ ዘገርሙ ብዙሓት ነገራት ኣለዉዎ። ብመጀመርታ እቲ ሰፊሕ ዝኾነ ናይ ምርኢት ሜዳ ማእከላይ ቦታ ሒዙ ይርከብ። ካብዚ ብምቕጻል ኮፍ መበሊ ሪጋታት ነቲ ቁመቱ ልዕሊ 100 ጫማ (ልዕሊ 30 ሜትሮ) ዝኾነ ናይቲ ህንጻ ከቢብ መንደቕ ብዙርያ ከቢቦሞ ክረኣዩ ከለዉ ንየዒንቲ የደንቑ። ብዘይካ'ዚ ኣብ ዙርያ እቲ ማእከላይ ናይ ምርኢት ሜዳ ብዙሕ ናይ ኣራዊት መዕጸዊ በዓትታትን ከምኡ'ውን ናይ እሱራትን ናይቶም ተቓለስትን (Gladiators) መንበሪ ክፍልታት ይረኣዩ።

ኣብዚ ዓቢ ህንጻ ተኣኪቡ ዘሎ ህዝቢ ክረአ ከሎ ብዕድመ ይኹን ብናይ መነባብሮ ደረጃ ዝተፈላለየ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ህዝቢ ምርኢት ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ኣይፈልጥን። ብዝሒ እቲ ህዝቢ ክረአ ከሎ ንተዓዛቢ ዘደንቕ ነበረ። ኣብቲ ህንጻ ተኣኪቦም ዝነበሩ ልዕሊ ሚእቲ ሽሕ ህዝቢ ብምሉኦም ሓደ ዕላማን ድሌትን ነይርዎም። ነፍሲ-ወከፎም ናብዚ ቦታ ሃነፍነፍ እንዳበሉ ከምዝመጹ ዝገበሮም ድማ ጽምኣት ደም እዩ ነይሩ። ነቲ ግኑን ዝኾነ ናይ ጥንታዊት ሮማ ምዕባለን ዝናን ካብ ዘነውሩ ዝነበሩ ነገራት ሓደ ድማ ከምዚ ዝኣመሰለ ጽምኢ ደም ኣብ ህዝባ ምንባሩ እዩ።

ኣብዚ ቦታ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውደ-ኵናት ቅያ ዝሰርሑን ዝረኣዩን ተዋጋእቲ ነይሮም። እንተኾነ ግና ነቲ ከም ናይ ፈራሃት ግብሪ ክቑጸር ዝኽእል ዝነበረ ናይ ጭካነን ናይ ኣረሜንነትን ምርኢት ኣብ ቅድሚኦም ክካየድ ከሎ ጓሂ ዝበሃል ኣይስምዖምን ነበረ። ኣብቲ ቦታ፣ ደቂ ዓበይቲ ዝኾኑ ሰባት'ውን ነይሮም። ንሳቶም'ውን እንተኾነ፣ እዚ ናይ ጭካነ ግብሪ ናይ ሃገሮም ክብሪ ዝትንክፍ ኮይኑ ኣይረኸብዎን። ፍላስፋታት፤ ደረፍቲ፤ ካህናት፤ ኣመሓደርቲ፤ ኮታስ ካብ ዓበይቲ ክሳዕ ተራ ውልቀ-ሰባት ንመቐመጢ ናይቲ ዓቢ ህንጻ ኣጻቢቦሞ ነበሩ። ናይቶም መኳንንቲ ጣቕዒት፣ ፋጻን ኣውያትን ካብ ናይቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ ተራ ህዝቢ ብዝኾነ ይኹን ኣይሰንፍን ነበረ። እዚ ናይ ጭካነ ሕማም ዘይሓለፎ ሰብ ኣብቲ ቦታ እንተዝርከብ ነይሩ "ልቢ ህዝባ ብኸምዚ ዓይነት ግፍዒ እንተተመሪዙ ደኣ ሮማ እንታይ ተስፋ ኣለዋ" ኢሉ ምሕታቱ ዘይተርፍ እዩ።

ካብቲ ኩሉ መናብር ልዕል ኢላ ሓንቲ መንበር ትርአ ነበረት። ኣብታ መንበር ድማ ቄሳር ዴክዮስ ኮፍ ኢሉ ይርአ። ኣብ ዙርያኡ ድማ ናይ ሮማ ሓያላትን ዓበይቲ ሰባትን ቦቦትኦም ሒዞም ነበሩ። ካብዚኣቶም ናይ ቄሳር ናይ ክብሪ መኳንንቲ ይርከብዎም። ንሳቶም ድማ ኣበር ናይቲ ኣብቲ ሜዳ ዝፍጸም ዝነበረ ምርኢት ብምውጻእ ክስሓሓቑ ይስምዑ ነይሮም። ብሰንክ'ቲ ካብ ርሑቕ ዝስማዕ ሰሓቖምን ወኻዕታኦምን፣ ብሰንኪ ጽባቐ ክዳውንቶምን ድማ እቲ ህዝቢ ኣትኵሩ ይጥምቶም ነበረ።

ብዙሓት ንመጻንሒ ዝኾኑ ምርኢታት ምስ ቀረቡ ድማ እቲ ቀንዲ ግጥም ተጀመረ። ብዙሓት ተቓለስቲ በቲ ዝነበሮም ሞያን ጥበብን እንዳተጠማጠሙ ኣብ ቅድሚ'ቲ ህዝቢ ብምውዳቖም ናይቲ ህዝቢ ስምዒት ኣዝዩ ረሰነ። ካብኡ ዝበለጸ ምርኢት ንምርኣይ ዝነበሮም ክቱር ህንጡይነት ድማ ካብ ኮፍ መበሊኦም እንዳተንስኡ ከምዝጭድሩ ይገብሮም ነበረ።

ብድሕርዚ፣ ካብቶም ተዓዘብቲ ብዙሕ ኣድናቖት ዘትረፈ ካብ ሞሪታንያ እትበሃል ሃገር ዝመጸ ተቓላሳይ ናብቲ ናይ ምርኢት ሜዳ ኣተወ። እዚ ሰብ ብቑመቱ ይኹን ብጉልበቱ ምስ ጎልያድ ዝወዳደር ነበረ። ክልቲኡ፣ ማለት ቁመትን ጉልበትን ዘማለአ ምዃኑ ንምርዳእ ኣየጸግምን።

ምስቲ ወዲ ሞሪታንያ ንኽገጥም ከኣ ሓደ ተወላዲ ባታቪያ ዝኾነ ተቓላሲ'ውን ናብቲ ናይ ምርኢት ሜዳ ኣተወ። እዚ ሰብ ብጉልበት ይኹን ብግዝፊ ካብቲ ወዲ ሞሪታንያ ኣይሓምቕን ነበረ። እንተኾነ ግና፣ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ተቓለስቲ ነቶም ተዓዘብቲ ዘደነቐ ሓደ ፍልልይ ይርአ ነይሩ። እቲ ወዲ ሞሪታንያ መልክዑ ከደራይ፣ ጸጕሩ ለምሽ ኣዒንቱ ድማ ዘብርሃ ነበራ። ብኣንጻሩ እቲ ወዲ ባታቪያ መልክዑ ጽዕድው ዝበለ፣ ጸጕሩ ወርቃዊ ኣዒንቱ ድማ ኣርሒቐን ዝጥምታ ነበራ። ብዝኾነ ይኹን መለክዒ እቶም ክልተ ተቓለስቲ ተመጣጠንቲ ብምንባሮም እዚ ክስዕር እዩ ኢልካ ንምውሳን ዘጸግም ነበረ። እንተኾነ ግና እቲ ወዲ ሞሪታንያ ኣቐዲሙ ኣብ ብዙሕ ናይ ቃልሲ ምርኢታት ተሳቲፉ ብምንባሩ "ከይደኸመ ኣይተርፍን እዩ" ኢሎም ዝሓስቡ ብዙሓት ነይሮም።

እቶም ክልተ ተቓለስቲ ቅልሶም ብልዑል ቅልጣፈ ጀመርዎ። እቲ ወዲ ሞሪታንያ ነቲ ካብ ወዲ ባታቪያ ዝፍነወሉ ዝነበረ መጥቃዕትታት ብዘገርም ቅልጣፈን ሜላን ክምክት ጀመረ። እቲ ወዲ ሞሪታንያ ዋላ እኳ ቅልጡፍ ኣጥቃዒ እንተኾነ ኣብ ልዕል'ቲ ዘይጸዓድ መወዳድርቱ ግና ጸብለል ክብል ኣይከኣለን።

ብኡብኡ ድማ ምልክት ተወሃበ እሞ እቶም ተቓለስቲ ናብ መዕረፊ ቦትኦም ኣተዉ። እዚ ዝተገበረ ከኣ እቶም ተቓለስቲ ምእንቲ ከዕርፉ ካብ ድንጋጸ ዝተለዓለ ዘይኮነስ ናይቶም ብዓቢ ሃንቀውታ ዝጽበዩ ዝነበሩ ሮማውያን ናይ ደም ጽምኣት ዝረውየሉ ግዜ ክሳዕ ዝኣክል ንግዚኡ ከዕርፉ ተባሂሉ እዩ። ስለዚ ድማ እዞም ክልተ ተቓለስቲ ተመሊሶም ከምዝመጹ ዳርጋ ንኹሉ ሰብ ብሩህ እዩ ነይሩ።

እቶም ክልተ ተቓለስቲ ምስ ወጹ ከኣ ብርክት ዝበሉ ሰባት ናብቲ ሜዳ ኣተው። ኩላቶም ኵናት ዝጨበጡ ኮይኖም እቲ ጥምጥም ድማ ብኡብኡ ተጀመረ። እቲ ቕልስ ወገን ፈሊኻ ዝግበር ቅልስ ዘይኮነስ ኩሉ ንሓድሕዱ እዩ ዝጨፋጨፍ ነይሩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምርኢት ነቲ ሜዳ ብደም ከጨቅዎ ከሎ እቶም ተዓዘብቲ ግና ውሽጦም ብሓጎስ ይርስርስ ነይሩ። ኣብ ሓጺር ግዜ ከኣ ብዙሓት በቲ ቅልስ ሃለቑ።

ኣብ ውሽጢ'ቲ ሜዳ ድማ ህውከት ኮነ። ከባቢ ሓሙሽተ ሚእቲ ዝኾኑ ኩናት ዝጨበጡ ተቓለስቲ ደሞም እንዳፈሰሱ ዕግርግር ይብሉ ነበሩ። ሓደሓደ ግዜ ኣብ ሓደ ከባቢ እክብ ይብሉ እሞ ጸኒሖም ድማ ኣብ ውሽጢ'ቲ ሜዳ ፋሕ ኢሎም ክጓየዩ ይረኣዩ። እቲ ሜዳ ብኩምራ ሬሳታት ተመሊኡ እዩ። እቶም ዝተረፉ ድማ ብዘይ ንሕስያ ይቃተሉ ነበሩ። እቶም ሰዓርቲ ናብዝን ናብትን እንዳዘለሉ ንዝረኸብዎ ኩሉ ይቕርድድዎ ነበሩ። እቶም ተረፍ ድማ እንደገና ኣብ ሓደ እክብ ኢሎም ይረጋረጉ። ኣብ መወዳእታ ከኣ እቲ ቃልሲ እንዳዘሓለ ከደ። ካብቶም ሓሙሽተ ሚእቲ ድማ መብዛሕትኦም ዝቖሰሉን ዝደኸሙን ዝርከብዎም ሚእቲ ዝኾኑ ሰባት ጥራይ ተረፉ። ብኡብኡ ድማ ሓደ ምልክት ተወሃበ እሞ ክልተ ሰባት ናብቲ ሜዳ ክኣትዉ ከለዉ ተረኣዩ። እንዳጎየዩ ከኣ ናብቶም እክብ ኢሎም ዝጨፋጨፉ ዝነበሩ ሰባት በጽሑ። እዞም ክልተ ሰባት ከኣ እቲ ወዲ ሞሪታንያን ወዲ ባታቪያን ነበሩ። ንሳቶም ድማ በቲ ዝዓረፈ ሓይሎም ነቶም ዝደኸሙ ሰባት ከም ሕሱም ተሳሃልዎም እሞ ኣብቲ ሜዳ ህልቂት ኮነ። እቶም ክልተ ሓያላት ንየማነ ጸጋም እንዳዘለሉ ነቶም ቃልሲ ዘድከሞም መሳኪን እንዳቐራደዱ ኣብ ባይታ ሰጥሕዎም። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብቲ ሜዳ ክልቲኦም ጥራይ ደው ኢሎም ተረፉ እሞ ካብቲ ህዝቢ ነጎድጓድ ዝኾነ ጣቕዒትን ፋጻን ቀረበሎም።

እቶም ክልተ ኣጕባዝ እንደገና ተፋጠጡ። እቲ ናይ ሬሳ ኩምራ ካብቲ ሜዳ ክሳዕ ዝእለ እቶም ተዓዘብቲ ኩሎም ንዕኦም ጥራይ ይጥምቱ ነበሩ። እቲ ኣብ መንጎኦም ዝካየድ ቃልሲ ከኣ ከምቲ ናይ መጀመርያ እንዳተጓሃሃረ ከደ። እቲ ወዲ ሞሪታንያ ቅልጡፍ እቲ ወዲ ባታቭያ ግና ጥንቁቕ ነበረ። ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ወዲ ሞሪታንያ ኵናቱ ብሓይሊ ሰደደ። እቲ ወዲ ባታቪያ ድማ ብሜላ ድሕሪ ምምካት ንሱ'ውን ብወገኑ ኵናቱ ሰደደ እሞ እቲ ወዲ ሞሪታንያ ንድሕሪት ገጹ ከዝልቕ ክብል ኵናቱ ካብ ኢዱ ወደቐት። እታ ናይ ጸላኢኡ ኵናት ድማ ንጸጋመይቲ ኢዱ ቆሪጻ ደርበየታ እሞ እቲ ወዲ ሞሪታንያ ኣብ ባይታ ወደቐ። እቲ ኣብኡ ተኣኪቡ ዝነበረ ሚእቲ ሽሕ ዝኸውን ህዝቢ ከኣ ሓጎሱ ብልዑል ድምጺ ገለጸ። እንተኾነ ግና እዚ ናይቲ ምርኢት መደምደምታ ክኸውን ኣይከኣለን። ብኡብኡ ሰራሕተኛታት መጺኦም ነቶም ክልተ ተቓለስቲ ኣገላገልዎም። እንተኾነ ግና እዚ ነገር'ዚ ናይ ምሕረት ከምዘይኮነ እቶም ተዓዘብቲ ጥራይ ዘይኮኑስ ዋላ እቲ ውጉእ'ውን ከይተረደኦ ኣይተረፈን፣ ከመይሲ ኣብ ቅድሚኡ ዝተዳለወሉ ካልእ ሽርሒ ስለዝነበረ።

ካብቶም ኣብ ዙርያ ቄሳር ተኣኪቦም ዝነበሩ መኳንንቲ ሓደ ሉኩሉስ ዝስሙ "እዚ ወዲ ባታቪያ ዝከኣል ኣይኮነን" ክብል ንማርሴሉስ ዝተበሃለ ብጻዩ ተዛረቦ።

ማርሴሉስ ከኣ "እወ፣ ዘገርም እዩ፣ ከምዚ ዝበለ እኳ ቅድሚ ሕጂ ርእየ ኣይፈልጥን። ክልቲኦም ተቓለስቲ ካብቶም ቅድሚ ሕጂ ዝረኣናዮም እቶም ዝበለጹ እዮም" ክብል መለሰሉ።

"ገና እንታይ ርኢኻ፣ ካብ ክልቲኦም ዝብርትዕ ሓያል ገና ብሕጂ ክመጽእ እዩ።"

"ኣይትበለኒ! መን ዝብልዎ?"

"ማከር ዝበሃል ናይ ኢድ ብኢድ ኵናት ተቓላሲ እዩ፣ ንእኡ ዝወዳደር ክሳዕ ሕጂ ኣይረኣኹን።"

"እወ ዝናኡ ሰሚዐ ኣለኹ፣ ግና ሎሚ ዝመጽእዶ ይመስለካ?"

"እወ፣ ከምዝመጽእ ጽንጽንታ ጸሚዐ ኣለኹ።"

ናይቶም መኳንንቲ ዘረባ ብድምጺ ናይቲ ካብ መሓለዊኡ ዝተፈነወ ኣራዊት ተቛረጸ። እቲ ዝተሰመዐ ድምጺ ከኣ ኣራዊት በረኻ ብጥምየት ክሳቐዩ ከለዉ ዘስምዕዎ ናይ ቁጠዐ ጭድርታ እዩ ነይሩ። ብኡብኡ ሓንቲ ናይ ሓጺን ማዕጾ በቶም ኣብ ልዕሊ ልዳት እታ ማዕጾ ደው ዝበሉ ሰባት ተኸፈተት። ሓደ ነብሪ ድማ ኣብ ማእከል እቲ ሜዳ ናብዝን ናብትን ክብል ተረኣየ። እቲ ነብሪ ቅድሚ ቅሩብ መዓልታት ካብ ኣፍሪቃ ዝመጸ ኮይኑ፣ ንሰለስተ መዓልታት ምሉእ መግቢ ዝበሃል ከይለኸፈ ኣብ በዓቲ ንበይኑ ብምዕጻዉ እቲ ባህርያዊ ቁጥዕኡ ኣዝዩ ስለዝገንፈለ ንዝረኣዮ ኩሉ ኣዝዩ ዘፍርህ ነበረ። ጭራኡ ናብዝን ናብትን እንዳወናጨፈ ነቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ ሰባት በተን ደም ዝሰረባ ኣዒንቱ እንዳተዓዘበ ኣብቲ ሜዳ ክዘውር ጀመረ። እንተኾነ ግና የዒንቲ እቶም ተዓዘብቲ ካልእ ነገር ድማ ተዓዘባ። ብኻልእ ሸነኽ ናይቲ ሜዳ ሓደ ሰብ ናብቲ ሜዳ ኣተወ። እዚ ሰብ'ዚ ብዘይካ እታ ንሕፍረቱ መሸፈኒት ክትከውን ዝተዓጠቓ ንእሽቶይ ዓለባ እንተዘይኮይኑ ካልእ ጥራይ ነብሱ እዩ ነይሩ። ኣብ ኢዱ ድማ እታ ናይ ወትሩ ሓጻር ኵናት ሒዙ ናብቲ ማእከል ሜዳ ብትብዓት ይስጉም ነበረ።  ኣዒንቲ ኩሎም ናብኡ ተተኽላ። "ማከር! ማከር!" ዝብል ፍሉይ ጭድርታ ድማ ካብቲ ብዙሕ ህዝቢ ተሰምዐ።

እቲ ነብሪ ንማከር ረኣዮ እሞ እቲ ዘርዕድ ድምጹ ኣስምዐ። ማከር ግና ድምብርጽ ከይበሎ ኣብታ ዝነበራ ደው ኢሉ ኣተኵሩ ክጥምቶ ጀመረ። እቲ ነብሪ ድማ ካብቲ ናይ ቅድም ብዝገደደ ጭርኡ እንዳወናጨፈ ብቑጠዐ ናብ ማከር ገጹ ተጸገዐ። ኣብ ጥቕኡ በጺሑ ድማ ኣብ ባይታ ልሕግ ኢሉ ድሕሪ ምድባይ ንማከር ንምጉባጥ ከም ፍላጻ ተወርወረ። እዚ ኩሉ ክኸውን ከሎ ማከር ተዳልዩ ብምጽናሕ እቲ ነብሪ ናብኡ ምስ ተወርወረ ንሱ ድማ ብዘደንቕ ቅልጣፈ ናብ ጸጋም ገጹ እልይ ብምባል እቲ ነብሪ ስሒትዎ ኣብ ባይታ ምስ ወደቐ በታ ሒዝዋ ዝነበረ ኵናት ነቲ ኣራዊት ኣብ ልቡ ወገኦ። ምሉእ ኣካላት ናይቲ ኣራዊት ከኣ ኩምትርትር በለ። ቁሩብ ፈንጠርጠር ድሕሪ ምባል ድማ ዘሰቅቕ ናይ ቃንዛ ገዓር ኣስሚዑ ህጣሙ ኣጥፍአ። በቲ ግዜ'ቲ ድማ ካብ ተዓዝብቲ ከም ነጎዳ ዝበለ ጣቕዒት ኣቃለሐ።  ማርሴሉስ ድማ "ዘደንቕ እዩ! ከምዚ ናይ ማከር ዝኣመሰለ ቅልጣፈ ርእየ እኳ ኣይፈልጥን" ክብል ጨደረ።

እቲ ብጻዩ ከኣ "እወ ቅልጣፌኡ መዳርግቲ የብሉን፣ ደሓር ከኣ ምሉእ ዕድሜኡ ብዘይካ ምቅላስ ካልእ እንታይ ስራሕ ኣለዎ ኢልካ ኢኻ" ክብል መለሰሉ።

እቶም ሰራሕተኛታት ናይቲ ነብሪ ሬሳ ተሰኪሞም ምስ ወጹ ከኣ ብኡብኡ ሓንቲ ናይ ሓጺን ማዕጾ ተኸፈተት እሞ ካብኣ ሓደ ጎፍጓፍ ኣንበሳ ደበኽ በለ። እቲ ኣንበሳ ኣብቲ ሜዳ ናብዝን ናብትን እናበለ ነቶም ተዓዘብቲ ብኣድናቖት ክጥምቶም ጀመረ። እቲ ኣንበሳ ቁመቱን ግርማኡን ዘፍርህ ኮይኑ ምስ ክልተ ነብርታት ገጢሙ እኳ ብቕጽበት ከጥፍኦም ዝኽእል ነበረ። ማከር ኣብ ቅድምቲ ኣንበሳ ክረአ ከሎ ከም ህጻን ቆልዓ ይመስል ነይሩ። እቲ ኣንበሳ ዝብላዕ ነገር ካብ ዝለክፍ ብዙሕ መዓልታት ሓሊፍዎ ነበረ። እንተኾነ ግና ከምቲ ነብሪ ናይ ቁጠዐ መንፈስ ኣይተረኣዮን። ካብቲ ሜዳ መምሎቒ ቀዳድ ደልዩ ሃነፍነፍ እናበለ ነቲ ከቢብ ሜዳ ድሕሪ ምዛሩ መውጽኢ ከምዘይብሉ ተረዲኡ ኣብ ማእከል እቲ ሜዳ ከይዱ ደው በለ። ጸኒሑ ድማ ኣፍንጭኡ ኣብ መሬት ብምትካል በቲ ዓቢ ድምጹ ምስ ጓዘመ እቲ ጽኑዕ ዝኾነ ህንጻ ካብ መሰረቱ ተነቓነቐ።

እዚ ኩሉ ክኸውን ከሎ እቲ ዘይጸዕድ ማከር ድምብርጽ ከይበሎ ደዉ ኢሉ ይረአ ነበረ። ነታ ኵናት ብጥንቃቐ ሒዙ ካብ ሕጂሕጂ ዘሊሉ ክጎብጠኒ እዩ ብምባል ነቒሑ ይጸባበ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ኣንበሳ ገጹ ናብ ማከር ኣዞረ። ክልቲኦም ከኣ ዓይኒ ንዓይኒ ተፋጢጦም ደው በሉ። እቲ ድምብርጽ ዘይብል ናይ ማከር ኣጠማምታ ድማ ነቲ ኣንበሳ ካብ መጠን ንላዕሊ ከምዝቑጣዕን እቲ ጎፍጓፍ ጸጕሩ ድማ ብቑጠዐ ከምዝኽየፍን ገበሮ። እቲ ኣንበሳ ጭራኡ ንድሕሪት ገቲሩ ንቕድሚት ገጹ ኽውርወር ክዳሎ ጀመረ። በዚ ግዜ'ዚ እታ ብሃንቀታ ዝጽበይዋ ዝነበሩ ህሞት ስለዝበጸሐት ልቢ ኩሎም ተዓዘብቲ ብተርባጽ ጠልጠል በለት።

እቲ ኣንበሳ ተወርወረ፣ ማከር'ውን ነታ ኩናቱ ሰዲዱ ናብ ጎኒ ገጹ እልይ በለ። እታ ኵናቱ ድማ ንየማነይቲ ዓጽሚ ናይቲ ኣንበሳ ስለዝረኸበት ካብ ኢዱ ሞሊቓ ወደቐት። እቲ ኣንበሳ'ውን ብመጠኑ እንተቆሰለ'ኳ እቲ ቁስሉስ መሊሱ ካብ መጠን ንላዕሊ ከምዝቑጣዕ ደኣ ገበሮ።

እዚ ክኸውን ከሎ ማከር ከይተሰናበደ ጥራሕ ኢዱ ኣብ ቅድሚ'ቲ ኣንበሳ ደው ኢሉ ይረአ ነበረ። እቲ ኣንበሳ'ውን ደጋጊሙ ክጎብጦ እንተተወርወረ'ኳ ማከር ግና ብሜላን ብቕልጣፈን ናብዝን ናብትን እናበለ ኣብታ ኵናቱ ወዲቓትላ ዝነበረት ቦታ ክበጽሕ ከኣለ። እታ ኵናት ኣብ ኢዱ ምስ ኣእተዋ ድማ እቲ ኣንበሳ ከም ልማዱ ተወርዊሩ መጾ እሞ ንሱ ድማ እታ ኩናቱ ዘርጊሑ ኣብ ልቡ ወገኦ። እቲ ዓቢ ኣራዊት ድማ ኣብ ባይታ ወዲቑ ብቓንዛ ክግዕር ጀመረ። ጸኒሑ ድማ ሰንከልከል እንዳበለ ተንሲኡ ቁሩብ ስጉምትታት ዝኸውን ምስ ከደ ናይ መወዳእታ ገዓሩ ኣስሚዑ ኣብቲ ባይታ ድፍእ በለ።

እቶም ሮማውያን ነቲ ምርኢቲ ክቕይርዎ ስለዝደለዩ ኣብ ክንዲ ማከር እቲ ወዲ ባታቪያ ኣብቲ ሜዳ ኣተወ እሞ ሓደ ንእሽቶ ነብሪ ተፈነወሉ። እቲ ወዲ ባታቪያ ነቲ ነብሪ ብዘይ ገለ ጸገም ኣብ ሓጺር እዋን ቀተሎ። ቀጺሉ ድማ ሓደ ኣንበሳ ደበኽ በለ። እቲ ኣንበሳ ቁመቱ ማእከላይ ኮይኑ ብቑጠዐን ምዕልባጥን ግና ካብቲ ቀዳማይ ዝበኣሰ ነበረ። እቲ ቅልስ ምስ ተጀመረ ድማ እቲ ኣንበሳ እንተቖሰለ'ኳ፣ እቲ ወዲ ባታቪያ ዘርእዮ ዝነበረ ቅልጣፈን ብቕዓትን ግና ካብቲ ናይ ማከር ዝተሓተ ምዃኑ ብግልጺ ይረአ ነበረ። ስለዚ ድማ እቲ ኣንበሳ ደሙ እንዳዘረወ ምስ ተወርወረ ነቲ ወዲ ባታቪያ ኣብ ትሕቲ ኣእዳዉ ከእትዎ ስለዝኸኣለ ኣብ ቅድሚ እቶም ኩሎም ተዓዘብቲ ንስግኡ ከም ኣረጊት ዓለባ ብጅልጅል ኣቢሉ ኣብቲ ባይታ ዘረዎ። ጸኒሑ ግና ማከር መጺኡ ነቲ ኣንበሳ ብቐሊሉ ቀተሎ።

እቲ ካብ ተዓዘብቲ ንማከር ዝቀርብ ዝነበረ ጣቕዒት እንዳንጎድጎደ ከሎ ከኣ ሓደ ሰብ ናብቲ ሜዳ ኣተወ። ንሱ ድማ እቲ ኣቐድም ኣቢሉ ቆሲሉ ዝነበረ ወዲ ሞሪታንያ ኮይኑ ሰንከልከል እናበለን ደሙ እንዳዘረወን ናብቲ ማከር ዝነበሮ ቦታ ቀረበ። ንኽመውት ከምእተፈረዶ ድማ ንኩላቶም ግልጺ ነበረ። ንሱ'ውን እዚ ስለዝተረደኦ ኣብ ጥቓ ማከር ምስ በጸሐ ኵናቱ ናብ ባይታ ብምድርባይ ተስፋ ብዝቖረጸ ድምጺ "ቀልጢፍካ ቅተለኒ እሞ ካብ ጭንቀት ገላግለኒ" ክብል ተዛረበ።

እቶም ተዓዘብቲ ብምሉኦም ካብ ሕጂሕጂ ወጊኡ ክቐትሎ እዩ ብምባል ኣዒንቶም ኣፍጢጦም ክጥምቱ ከለዉ ማከር ግና ብኣንጻሩ ንኵናቱ ኣብ ባይታ ቀስ ኣቢሉ ብምድርባይ ትም ኢሉ ደው በለ። እቶም ተዓዘብቲ ከኣ በቲ ዝረኣይዎ ኣዒንቶም ምእማን ሰኣኑ። ልዕሊ ኩሉ ዘገረሞም ግና ማከር ኢዱ ናብ ሰማይ ኣልዒሉ ናብ ቄሳር ገጹ ብምዛር ከምዚ ምስ በለ እዩ "ኦ ዓቢ ዝኾንካ ቄሳር! ኣነ ናይ ክርስትና እምነት ተቐቢለ እየ። ድሕሪ ሕጂ ከኣ ኣብ እንስሳታት እንተዘይኮይኑ ኣብ ልዕሊ ሰባት ኢደይ ንኸይዝርግሕ ጽኑዕ ውሳኔ ወሲነ ኣለኹ። ሰብ ካብ ዝቐትል ሙማት ይሕሸኒ።"

ናይቲ ህዝቢ ምዕዝምዛም ነቲ ህንጻ መለኦ። ማርሴሉስ ከኣ ተገሪሙ "እንታይ ማለቱ እዩ? ክርስትያን እየ? ካብ መዓስ ጀሚሩ?" ክብል ንብጻዩ ሉኩልስ ኣከታቲሉ ሓተቶ።

ሉኩልስ ድማ "እዞም ክርስትያን ዝበሃሉ ፍጡራት ክሳዕ መንበሪ ገዝኡ ይመጽዎ እዮም ክብሉ ሰሚዐ ነይረ። ስለዚ ኣብቲ ኣጸያፊ ዝኾነ ማሕበሮም ከይኣተወ ኣይተርፍን እዩ። እዞም ክርስትያን ዝበሃሉ ኩሎም ሕሱማት እዮም። ማከር'ውን ሓደ ካብኣቶም ከይኮነ ኣይተርፍን እዩ" ክብል መለሰሉ።

"እሞ ካብ ምቅላስ'ሲ ሞት ይመርጽ?"

"እወ፣ እዚ ክርስትና ዝበሃል ሕማም ዝሓዞም ኩሎም ከምኡ እዮም።"

እቶም ተዓዘብቲ በቲ ዝተፈጸመ ኩነታት ምግራም ዘይኮነስ ሕርቃን ስለዝመልኦም ብተርባጽ ከዕጠጥዩ ጀመሩ። ሓደ ተራ ተቓላሲ ከምዚ ገይሩ ስለዝደፈሮም ከኣ ቁጠዐኦም እንዳነደደ ከደ። ሰራሕተኛታት ካብዝን ካብትን ቅልቅል እንተበሉ'ኳ እቲ ምርኢት ግና ክቅጽል ስለዝተወሰነ ኩሎም ናብቲ ዝመጽዎ ተመለሱ። ስለዚ ድማ ማከር ምስ ሰብ ንምቅላስ እምቢ ኢሉ እንተኣቕቢጹ ናይቲ ዘርኣዮ ኣብያ እቲ ግቡእ መቕጻዕቲ ክቕበል ተወሰነ።

 

እዚ ኩሉ ክኸውን ከሎ ማከር ንእሽቶ እኳ ትኹን ናይ ፍርሂ ስምዒት ኣይተረኣዮን። ናብቲ ብኢዱ ብሓንቲ ጉስጢ ጥራይ ምስ መሬት ከላትሞ ዝኽእል ዝነበረ ወዲ ሞሪታንያ ተጸገዐ። እቲ ወዲ ሞሪታንያ ከኣ ኣዒንቱ ደም መለኣ። ብምግራምን ብሓጎስን ብናይ ዓወት ስምዒትን ኩለንትንኡ ተነቓቒሑ ከኣ ነታ ወዲቓ ዝነበረት ኩናቱ ኣልዒሉ ንማከር ኣብ ልቡ ወገኦ። ማከር ድማ ቅድሚ ሙማቱ "ኦ ጎይታ የሱስ ንነፍሰይ ተቐበላ" በለ። ነፍሱ ድማ ምስቶም ናይ ሰማእታት ሰራዊት ክትጽንበር ናብ ሰማይ ዓረገት።

 

ማርሴሉስ ድማ ነዚ ኩሉ ክዕዘብ ድሕሪ ምጽናሕ "ከምዚ ዝኣመሰሉ ምርኢታት ኣዘውቲሮምዶ ይፍጸሙ እዮም?" ክብል ንብጻዩ ሓተቶ።

 

እቲ ብጻዩ ከኣ "እወ ኩሉ ግዜ እቶም ክርስትያናት ናብዚ ሜዳ ከምዝኣትዉ ክግበር ከሎ ከምዚ ናይ ሎሚ ኩነታት የጋጥም እዩ። እቶም ክርስትያናት ምስ ብዙሓት ኣራዊት ተቓለሱ ክበሃሉ ከለዉ ብሓጎስ ይቃለሱ። እተን መንእሰያት ደቂ-ኣንስትዮ እኳ ከይተረፋ ምስ ኣንበሳ ይኹን ነብሪ ንኽገጥማ ብፍጹም ኣይፈርሃን እየን። ሰብ እንተኾይኑ ግና ኣእዳዎም ብፍጹም ኣየልዕሉን እዮም። መቸም ከም ማከር ዝኣመሰለ ተቓላሳይ ፈጺሙ ኣይርከብን እዩ። ክርስትያን ክኸውን ብምውሳኑ ግና ናይ ዕሽነት ስራሕ ሰሪሑ" ክብል መለሰሉ።

ማርሴሉስ ከኣ "ንሓደ ተራ ተቓላሳይ ከምዚ ዓይነት ትብዓት ክህቦ ዝኸኣለ እንታይ ዓይነት ሃይማኖት ኮይኑ እዩ?" ክብል ብምግራም ሓተቶ።

"ኣጆኻ፣ ናይዚ ሃይማኖት ምስጢር ኣብ መጻኢ እንዳፈለጥካዮ ክትከይድ ኢኻ።"

"ብኸመይ?"

"ኣይሰማዕካን ዲኻ? ነዞም ክርስትያናት ካብቲ ዘለውዎ እንዳሃደንካ ክትሕዞም እኳ ንስኻ ኢኻ ተሸይምካ ዘለኻ። መብዛሕትኦም ድማ ኣብ በዓትታት ካታኮምብ እዮም ተሓቢኦም ዘለው። ኩላቶም ክተሓዙ ከኣ ተደልዩ ኣሎ"

"እዞም ሎሚ ዝተቓጸሉ ሓምሳ ውሒዶም ድዮም እቶም ካልኦት ከኣ ክተሓዙ ተደልዩ ዘሎ?"

"ገና እዚ ደኣ ኣየናይ ኮይኑ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ሓደ ሚእቲ ዝኾኑ ከምዝተሰየፉዶ ኣይሰማዕካን ኢኻ? በቃ ነዛ ከተማ መሊኦማ ዘለዉ ንሳቶም ጥራይ እዮም። ቄሳር ከኣ እቲ ናይ ቀደም ሃይማኖት እቲ ዝግባእ ናይ ጥንቲ ቦትኡ ክሕዝ ወሲኑ ኣሎ፣ ከመይሲ እዚ ክርስትና ዝበሃል ሃይማኖት ካብ ዝለዓል እቲ መንግስቲ እንዳደኸመ ስለዝኸደ እዚ ሃይማኖት ካብ ገጽ ምድሪ ንኽጠፍእ ሰናይ ፍቓድ ናይ ቄሳር ኮይኑ ኣሎ። ንሳቶም ናይ ሃገርና ጸያቒቶ ስለዝኾኑ ኣሰሮም ከምዝጠፍእ ክግበር ኣለዎ። እዚ ድማ ኣብ መጻኢ ክትርድኦ ኢኻ" በሎ።

 

ማርሴሉስ ከኣ ዘረባ ብጻዩ ብትሕትና ክሰምዕ ድሕሪ ምጽናሕ "ከምዚ እትፈልጦ ኣብ ሮማ ብዙሕ ግዜ ኣይጸናሕኩን። እዞም ክርስትያን ዝበሃሉ ሰባት ድማ ብምንታይ ከምዝኣምኑ ኣጻርየ ኣይፈለጥኩን ዘለኹ። ክሳዕ ሕጂ ብዛዕብኦም ሰሚዐዮ ዘለኹ ከኣ ገበነኛታትን መጥፋእቲ ሃገርን ከም ዝኾኑ ጥራይ እዩ። ስለዚ ከምዚ ንስኽ እትብሎ ዘለኻ እንተኾይኑ ግና ከምቲ ዝግባእ ንኽፈልጦም ዕድል ክረክብ እየ ማለት እዩ ..." እንዳበሎ ከሎ ካልእ ሓድሽ ምርኢት ስለዝተጀመረ ዘረበኦም ተቛረጸ።

ሓደ ብዕድመ ዝደፈአ፣ ኣካላቱ ብእርጋን ዝጎበጠ ጸጉሩ ድማ ከም ጡጥ ዝሸየበ ሽማግለ ናብቲ ሜዳ ኣተወ። ናቱ ምምጻእ ኣብቶም ተዓዘብቲ ናይ ንዕቀትን ኣሽካዕላልን ድምጺ ፈጠረ። ዕብየትን ሽበትን ናይቲ ሽማግለ ገለ ቁሩብ ድንጋጸ ስለዘይፈጠረሎም ከኣ ሰሓቖምን ምውጫጮምን ነቲ ህንጻ መልኦ።

ማርሴሉስ ከኣ "እዚኸ መን ዝበሃል እዩ?" ክብል ሓተተ።

ሉኩልስ ድማ "እዚ እስክንድር ዝበሃል ናይቶም ርኹሳት መምህር እዩ። እምነቱ ንኽገድፍ እንተኣፈራርህዎ'ኳ ንሱ ግና እምቢ ኢሉ ኣቕቢጹ ክሳዕ ሕጂ ጸኒሑ" ክብል መለሰ።

በዚ ግዜ'ዚ ድማ እቲ ሽማግለ ኣእዳዉ ኣልዒሉ ገለ ቃላት ክዛረብ ፈተነ። እቶም ህዝቢ ድማ ንሓድሕዶም "ትም በሉ በጃኹም፣ ክዛረብ እዩ" ተበሃሃሉ። እቲ ሽማግለ ድማ ከምዚ በለ "ኦ ሮማውያን! ኣነ ክርስትያን እየ። ክርስቶስ ስለይ ክብል ሞይቱ እዩ። ኣነ ድማ ስለ ክርስቶስ ክብል ህይወተይ ብሓጎስ ኣሕሊፈ እህብ ኣለኹ .." ናይቲ ሽማግለ ዘረባ ብናይቲ ህዝቢ ኣውያትን ውጫጨን ተዋሒጡ ተረፈ። ብኡብኡ ድማ ሰለስተ ነብርታት እንዳዘለሉ ናብኡ ገጾም መጹ። ንሱ የእዳዉ ኣጣሚሩ ኣዒንቱ ድማ ብጸሎት ናብ ሰማይ ኣቕነዑ ከሎ እቶም ኣራዊት ቦጃጂሎም ሰጥሕዎ።

ናይቶም ኣራዊት ቁጽሪ እንዳበዘሐ ስለዝኸደ ከኣ ኣብቲ ሜዳ ናብዝን ናብትን እንዳተጓየዩ ክዕንድሩ ጀመሩ። ኣብ መወዳእታ ድማ እቶም ኣራዊት ንሓድሕዶም ክበላልዑ ስለዝጀመሩ እቲ ምርኢት ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ኮነ።

ኣብ መንጎ እዚ ኩሉ ናይ ኣራዊት ሕንፍሽፍሽ ከኣ ብርክት ዝበሉ እሱራት ናብቲ ሜዳ ተፈነዉ። መብዛሕተን ድማ መንእሰያት ደቂ-ኣንስትዮ ነበራ። ንሳተን ከኣ ጽምኣት ደም ሮማውያን ከርውያ ዝተፈርደን ኮይነን እቲ ምርኢት'ውን ነቲ ኣዝዩ ጨካን ዝበሃል ሰብ እኳ ንኽርእዮ ዘስካሕክሕ ነበረ። በቲ ግዜ'ቲ ድንጋጸን ርሕራሔን ዝበሃሉ ኣምራት ኣብ ሮማ ቦታ ኣይነበሮምን። እዘን መንእሰያት ደቂ-ኣንስትዮ ከኣ ብኸምዚ ዘስካሕክሕ ኣገባብ ምስ ሞት ገጽ ንገጽ ንኽገጥማ ስለዝተፈረደን ምፍርሀን እኳ እንተዘይተረፈ ድሕሪ ቅሩብ ግዜ ግና እቲ ፍርሃተን ኣብ ልዕሊ ሞት ደው ከም ዝብላ ደኣ ገበረን። ስለዚ ድማ እቶም ኣራዊት ክመናጭትወን ናብአን ምስ ቀረቡ ኢድ ንኢድ ተታሓሒዘን ጽኑዕ ዝኾነ ናይ እምነት ስንሰለት ፈጠራ። ኣዒንተን ናብ ሰማይ ብምቕናዕ ድማ ክሳዕ ኣርያም ከቃልሕ ብዝኽእል ጥዑም ዝኾነ  ዜማ ከምዚ እንዳበላ ዘመራ።

ንእኡ ነቲ ዘፍቀረና

ካብ ሓጢኣትና'ውን ብደሙ ዝሓጸበና

ነቡኡ ከኣ መንግስትን ካህናትን ዝገበረና

ንእኡ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም

ክብርን ሓይልን ይኹን።

ሃሌሉያ!! ኣሜን።

ሓደ ድሕሪ ሓደ ድማ እቲ ጥዑም ድምጸን ብደምን ብቓንዛን ተዋሒጡ ትም ክብል ጀመረ። ናይ ስቓየን ኣውያት ከኣ ምስቲ መዝሙር ምስጋና ተወሃሃደ እሞ ናይዘን ምጭዋት ሰማእታት ናይ ጀግንነት መዝሙር ምስቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ናይ መላእኽቲ ውዳሴ ተጸንበረ።

 

ትርጉም ብቐሺ እምባየ ሃብተዝጊ