19
Fri, Apr
0 New Articles

ኣድያም (5ይ ክፋል)

Literature
Typography

 ኣድያም ጥቓ ራህዋ ኮፍ በለት። በየናይ ክትጅምር ከም ዘላዋ እናሓሰበት ከኣ ዝን በለት። ኣብ መንጎ ክልቴኣተን ከኣ ጸጥታ ሰፈነ። ራህዋ ንኣድያም "ደኺምኪ ኢኺ መስለኒ ደሓን ዋላ ጽባሕ ነዕልል ደቅሲ" ኢላ ነቲ ዝነበረ ጸጥታ ኣፍረሰቶ። ኣድያም "ኖኖ ክሓስብ እየ ጸኒሔ በየን ጀሚረ ነየናይ ሓዲገ ደኣ ታሪኸይ ክነግራ እንዳበልኩ እየ እኰ ጸኒሔ ኣይደኸምኩን ንስኺ ደኺምኪ ዲኺ" በለታ። ራህዋ "ኣይደኸምኩን ኣሽሎ ዘዕልለኒ ረኺበ ደይ ምሉእ ምሸት ከይደቀስኩ ዝሓድር ዘለኹ ግዜ እኳ ይኸደለይ" በለታ ታሪኻ ክትሰምዕ እናተሃንጠየት። ኣድያም ከኣ ምንም እኳ ቃንዛ ርእሲ የሸግራ እንተ ነበረ ነዚ ዕድል እዚ ፈጺማ ክትከስሮ ስለ ዘይደለየት ከምዚ እናዳበለት ታሪኻ ክትነግራ ጀመረት


“ራህዋ ሓፍተይ ሰብ ኣብዛ ምድሪ ክመላለስ ከሎ ብዝተፈላለየ ጎደና ምዕራፋት እዩ ዝሓልፍ ብፍላይ ከኣ ንእስነት ብግቡኡ እንተ ዘይሕዝካዮን ተጠቂምካሉን ሓደገኛ እዩ። ኣነ ኸኣ ንእስነት ዘዓሸወኒ ሰብ እየ ኔረ። ክገርመኪ ገና ንእሽቶይ ተመሃሪት መባእታ ከለኹ እየ ብንእስነተይ ክጻወት ዝጀመርኩ። ኣብዚ እዋን እዚ ንወለደይ ኣነ ሓንቲ ስለ ዝነበርኩ ኩቱር ዝኾነ ሕንቃቐ እዩ ኔሩኒ። ወለደይ እምብዛ ሃብታማት እኳ እንተ ዘይኮኑ ግና ዓቕሚ ርእስና ዝኾነ ናብራ ኣሎና። ኣነ ግና ሑሉፍ ዝኾነ ምክንኻን ናይ ወለዲ እዩ ኔሩኒ። ሕማቕ ምሕዝነት ከኣ የባላሽወካ እንድዩ፣ ዉርዙያት መሓዙት ስለ ዘይሓዝኩ ግዜይ ኩሉ ኣብ ሀይሀይን ጸወታን እየ ዘሕልፎ ኔረ።” ኢላ ዘረበኣ ከይወደኣት ከላ ራህዋ “ኣንቲ ኣድያም እዚ ደኣ ደይ ቁልዕነት እዩ ካብዚ ዝኸፍእ እኮ ኣሎ” ኢላ ዘረብኣ ኣቃረጸታ።  ኣድያም “ራህዊ ኣይትተሃውኪ ክገርመኪ ገና ጓል 15 ዓመት ከለኹ እየ ምስ ኣወዳት ክወጽእ ዝጀመርኩ። ንዓይ እዚ ነገር እዚ ንቡር እዩ ምዕባለ ስለ ዝመስለኒ ኸኣ ንዓይ ሓበን እዩ ዝስማዓኒ ዝነበረ። ወለደይ ዝገበሮ ዝነበርኩ ኩሉ ብሰብ እኳ ይመጾም እንተ ነበረ ክኣምኑ ግና ኣይከኣሉን። ኣነ ኸኣ እዚ ነገር እዚ ተጠቂመ ምዕንዳረይ ቀጸልኩ ኣብ ካልኣይ ደርጃ ቤት ምህርቲ ምስ ኣትኹ እሞ ኸኣ መሊሰ እየ ገዲደ ሑሉፍ ሓሊፈ መስተ ሽጋራ ዲስኮ ዝሙት ንዓይ ንቡር እዩ ኔሩ።

 

ኣብዚ ግዜ እዚ ግና ወለደይ ስለ ዝፈለጡ ቡዙሕ ግዜ እዮም ካብ ገዛ ሰጊጎሙኒ። እዚ ንዓይ መፍቶተይ እዩ ኔሩ። እንዳ መሓዛይ ኮይነ ናጽነት ረኺበ እቲ ስራሕ ዕውልና ተተሓሓዝኩዎ። ካብኡ ሰባት ምስ ስድራይ ዓሪቖም ናብ ገዛና ተመለስኩ።  ኣቦይ ሓያል ስለ ዝነበረ ከምዚ ዝረኣኽዮ የፍረሓኒ ስነ ዝነበረ ዝገብሮ ኩሉ ብሚስጥር ክኸውን ወሰንኩ። ሓደ ግዜ ሓደ ዓርኪ ገበርኩ ምስኡ ኸኣ ብዙሕ ይኣቱ ይወጽእ ኔረ ኣብ መወድእታ ኸኣ ጠኒሰ፣ ክምርዓወኪ እየ ደሓን ዝብል ተስፋ ይህበኒ ስለ ዝነበረ ብምጥናሰይ ኣይፈራሕኩን ግና ከም ዝተጸበኽዎ ኣይኮንኩን ዓርከይ ብዛዕባ ዘጋጠንመኒ ምስ ነገርክዎ ክቕበለኒ ኣይከኣለን ኪሒዱኒ ኣዚየ ሓዚነን ተስፋ ቖሪጸን ዝሕዞን ዝጭብጦን ከኣ ጠፋኣኒ። ኣብ መወድእታ ግና በቃ ተሓኒቐ ክመውት ወሰንኩ። ግና ኣምላኽ ጥዑም እንድዩ ኢደይ እንታይ ከም ዝሓዘኒ ኣይገበርክዎን። መሓዛይ ከኣ ነቲ ጥንሲ ክሰዶ ነገረትኒ መቸመ ኣምላኽ ኣሎኺ ስለ ዝበለኒ እዩ እምበር እቲ ጥንሲ ሰዲደዮ። እዚ ኩሉ ገጢሙኒ ከብቅዕ እውን ኣይተኣረምኩን ኣብ ገዛና ሰላም ዝበሃል የሎን ብሰንከይ ኩሉ ግዜ ባእሲ እዩ። ምሸት ምሸት ብማዕጾ ነጢረ እየ ዲስኮ ዝሓድር ህይወተይ ኩሉ ብልሽው እዩ ኔሩ። ይዝከረኒ ሓደ ግዜ ምሸት ምስ መሓዝቶይ ዲስኮ ኣምሲና ምሉእ ምሸት ክንሰቲ ስለ ዝሓደርና ኣዚና ሰኺርና ኣነ ኸኣ ብመስተ ተሸነፍኩ ወጋሕታ ሰዓት ኣርባዕተ ኸኣ ምስ ስኽራነይ ኣብ ኣፍ ገዛይ ደርብዮምኒ ኸዱ ናብ ገዛ ከይኣቱ ኣይከኣልኩን። ከምዚ ኢለ ኸለኹ ግና ጎሮቤትና ኣዜብ ትብሃል ኣማኒት ኔራ። ካብ መጠን ንናዕሊ እየ ዝጸልኣ። ሕሉፍ ሓሊፈ ሓደ መዓልቲ ቃል ኣምላኽ ክንግረኪ ዶ ምስ በለትኒ ኣላታን የብላን ጌረ ጸፊዔያ ገጻ እውን ብጥፍጣፍ መሊኤዮ እየ። ግና ጸሎት ሓዲራ እናመጸት ከላ ኣብቲ ኣፍ ደገ ተድርብየ ጸኒሔያ። ቐልጢፋ ኣልዒላ ናብ ገዝኦም ወሰደትኒ። ክገርመኪ ራህዋ ክትወስደኒ ኸላ ዘውረድኩላ ጸርፊ ማእለያ የብሉን ግና ዓቕላ ይገርመኒ። ኣዚየ ብስኽራን ተሰኒፈ ስለ ዝነበርኩ ምንም ክገብር ኣይከኣልኩን።  ገዛ ወሲዳ ኣካልተይ ዓጺባ ብርቱዕ ቡን ኣፍሊሓ ኣስትያትኒ። ቁሩብ ፉኹስ ኢሉኒ ኸኣ ደቀስኩ ካብኡ ሰዕት 10 ምስ ኮነ ነፍሰይ ተፈሊጡኒ እንዳበኦይ በራኺ ኣዜብ ከም ዘልኹ ተረዳኣኒ። ብሕፍረት ኣብ ጽፍረይ ክኣቱ ደሌኹ። ኣዜብ ኩነታተይ ተረዲኣ ኣጆኪ ኣድያም ሓፍተይ ከመይ ሓዲርኪ ኢላ መጽያ ሑቑፍ ኣቢላ ሰዓመትኒ። በቃ ንብዓተይ ክቆጻጸሮ ኣይከኣልኩን። እሞ ክኸይድ ኢለ ብድድ ክብል ከለኹ ኣዜብ ኣይፋል ሎሚ ምሳይ ኢኺ ትውዕሊ ኢላ ግዲ በለትኒ።

 

እታ መዓልቲ ኸኣ ንዓይ ናይ ለውጢ መዓልቲ ኔራ መጽሓፍ ቁዱስ ሚህራትኒ ብዛዕባ መጻኢ ህይወተይ ኣርኣያትኒ ታሪኸይ ኩሉ ከኣ በታ ዕለት እቲኣ ተቐይራ ኣብታ ሰዓት እዚኣ ኸኣ ንመድሓኒና የሱሱ ክርስቶስ ኣብ ልበይ ተቐበልክዎ ንሱ ኸኣ ታሪኸይ ለዊጡ ሕስራነይ ቀንጢጡ እንሆ ከም ብሓድሽ ሰሪሒ ሰብ ጌሩኒ። ካብታ መዓልቲ ጀሚረ ኸኣ እንሆ ክሳብ ሕጂ ብህይወት ኣለኹ።  ገበነኛ ሓጥያተኛ ሞት ዝግብኣኒ ሰብ እየ ኔረ ግናኸ እቲ ናይ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣድሒኑኒ። ብድሕሪ ናይ ህይወት ለውጢ ምርካበይ ስድራይ ኣዚዮም ተገሪሞም ጎረባብተይ ተደኒቖም መሓዝቶይ ደንጽይዎም እዩ። ግና ወለደይ ከምዚ ዓይነት ለውጢ ምምጸይ እኳ እንተ ኣሓጎሶም ሃይማኖትኪ ቀይርኪ ብዝብል ዝወረደኒ ኣደራዕን ክሳብ ሕጂ ዝወርደኒ ዘሎና ማእለያ የብሉን ግናኸ እዚ ንዓይ ምስቲ ዝነበረኒ ህይወት ከወዳድሮ ኸአኹ ምንም ኣይኮነን። ከምቲ መጽሓፍ ቁዱስ ዝብሎ ክብረተይ እዩ” ኣድያም ከምዚ ኢላ ታሪኻ ንራህዋ ክትነግራ ኸላ ራህዋ ብንብዓት ኣዒንታ ተሓጺቡ ነበረ። ኣድያም ከኣ ምኽንያት መብከይኣ እንታይ ከምዝኾነ እኳ እንተ ዘይፈለጠት ብምስክርነታ ግና ተተንኪፋ ከምዘላ ኣይሰሓተቶን። ኣድያም ዘረብኣ ብምቕጻል “ራህዋ ሓፍተይ ታሪኸይ እዚ ዝነገርኩኺ ጥራይ ኣይኮነን ማእለያ ዘይብሉ ክዛረበሉ ዝሓፍረሉ ተግባራት እየ ፈጺመ እዚ ኹሉ ኾይኑ ከብቕዕ ግና እንሆ ኣምላኽ ምሕረት ጌሩለይ ታሪኸይ ተለዊጡ ሓዳሽ ሰብ ኮይነ ሰለዚ ብሓጺሩ እዚ እመስል እቲ ክነግረኪ ዝሓሰብኩ” ራህዋ ብክያታ ኣየቃረጸትን ንብዓት ብኽልተ መዓጋግርታ ክፈስስ ጀመረ። ኣድያም ሑቑፍ ኣቢላ ንብዓታ ብሶፍት ክትደርዘላ ጀመረት ራህዋ እናተነኽነኸት “ኣድያም ናተይ ታሪኽ ካብ ናትኪ ብሚልዮን ዕጽፊ ይዓቢ። እስኺ ዘዕለልክኒ ምስ ናተይ ከወዳድሮ ከለኹ ኣዚዩ ቀሊል እዩ። ኣንቲ ናተይ እኮ ሕጂ ኣብዚ ዓራት ተደኒሰ ክሓስቦ ከለኹ እምበርከ ሰብ ድየ እየ ዝብል ግና ረኺበያ ኸኣ” እናበለት ራህዋ ብብኽያት ተነኽነኸት።  

ኣድያም ንራህዋ ኣእዳዋ ሒዛ “ራህዋ እቲ ዘሕጉስ ግና ይቕረ ዝብል ኣምላኽ ስለ ዘሎ እዩ” ራህዋ ቕልጥፍ ኢላ ብቑጠዐ “ንዓይ ክፍእቲ ርኽስቲ መጽረፊት ወለዳ” ኣድያም ትቕብል ኣቢላ “ብርግጽ ከምዚ ዝበልክዮ ክትኮኒ ትኽእሊ ኢኺ ግና ኣምላኽ ካብ መጀመርያ ወዱ የሱሱ ክርስቶስ ኣብ መቀል ክልእኸልና ከሎ መንነትና መን ምኻና` ኣርጊጹ ይፈልጥ እዩ ስለዚ ንዓኺ ምሕረት ክገብረልኪ ኣይጨንቆን እዩ” በለታ። ራህዋ “ኣነ እኮ ኣድያም ሓፍተይ ኣብዛ ምድሪ ዘይፈጸምክዎ ሓጥያት ምስ ዘይዘወርክዎ ወዲ እንድዒ ከልቢ እኮ እየ ኔረ”  ኣድያም ከኣ “ራህዋ ሓፍተይ ኣምላኽ እንታይ ኔርና እንታይ ጌርና ዘይኮነ ዘግድሶስ ሕጂ ምስኡ ምትዕራቕ እዩ ዝደሊ” በለታ ራህዋ “ኣነ እኮ ብሰንኪ ጽጋበይ ካብ ገዛ ወጽየን ተሰጊገን ወለደይ ፈንፊኖምኒ ኣብ ጽርግያታት ከተማ ኣምንዝራ ኾይነ ዝሰርሕ ዝነበረኩ ሰበ እየ ኣይፈለጥክንን ኣድያም” ኣድያም ከኣ “ኣነ እውን ካባኺ ዝተፈልየ ታሪኽ ስለ ዘይነበረኒ ኣይገርመንን እዩ። ዋላ እውን እቲ ኣነ ጻድቕ እየ ዝብል ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጻድቕ ኣይኮነን። ኩሉ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ስለ ዝሓጠኣ ኩሉ ኸኣ ክብሪ ኣምላኽ ስለ ዝሰኣነ ናብ ፈጣሪ ጥራይ እዩ ክምለስ ዘለዎ። ንስኺ እውን ብዘይገድስ ዝገበርክዮ ኣምላኽ ንዓይ ምሕረት ዝገበረ ንዓኺ ከኣ ክገብረልኪ ይኽእል እዩ። ንሱ ሓጥያትና እንተ ተናሲሕና ይቕረ ክብለልና ከምዝኽእል እዩ መጽሓፍ ቁዱስ ዝነግረና ሰብ እንተ ፈንፈነኪ እንተ ተጸየፈኪ ኣምላኽ ግና ገና የፍቅረኪ እዩ” በለታ። “ሕጂ እውን ኣድያም እንታይ ገጢሙኒ ከምዘሎ እንተ ኣሎ እንተ ነጊርክ ንስኺ እውን ክትርሕቕኒ ምዃንኪ እየ ዝፈልጥ።

ኣነ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ከም ዝመዉት ይፈልጥ እየ ደጊም ድሕር ሕጂ ተስፋ የብለይን መጻእየይ ኩሉ ጸልማት እዩ ብሕጂ ዝርእዮ ሰናይ ነገር የለን እቲ ቐደም ክገብሮ ዝግብኣኒ ኣይገበርኩን ልዕሊ ገሃንም ፍርዲ እንተ ኣሎ እውን ይግብኣኒ እዩ” ኣ\ኢላ እናተዛረበት ከላ ኣድያም ኩሉፍ ኣቢላ “ራህዊ ብርግጽ ኣነንን ካልኦትን ክንርሕቐኪ ንኽእል ኢና ኣምላኽ ግና ብፉጹም ኣይድርብየክን እዩ ንሱ ተስፋ ተስፍኡ ንዝሞተ ክብሪ ንዝተዋረደ እዩ ነዚ ኸኣ ምስክር ኢና።” በለታ ኣድያም  “በሊ ኣድያም ሓፍተይ ኣነ ተሰካሚት ኤች ኢይ ቪ አይድስ እየ ስለዚ ሕጂ እንታይ ተስፋ ኣሎኒ” በለታ ራህዋ። ኣድያም ብውሽጣ እናሓዘነት “ራህዋ ሰብ ኣብ ዘመን ህይወቱ ዘዝዘርኦ እዩ ዝዓጽድ ኣነ ኣምላኽ ፈቒድዋ ኣይተታሓዝኩን እምበር ብአይድስ ክመውት ዝግብኣኒ ሰብ እየ። ግና ራህዋ ንስኺ እውን በዚ ሕማም ስለ ዝተለኸፍኪ ናትኪ ነገር ትወዲኡ ማለት ኣይኮነን። ሕጂ እውን ተስፋ ኣሎ።

ሰብ ኣብ ዛምድሪ ብጥዕና እናተመላለሰ መንፈሱ ምስ ኣምላኽ እንተ ዘይተዓረቀ ዋጋ የቡሉን ንስኺ ምስ እዚ ሒዝኪ ዘሎ ሕማም ኮይንኪ ምስ ኣምላኽ ብጎይታና የሱሱ እንተ ተዓሪቕኪ ልዕሊ ማንም ሰብ ብተስፋ ክትመላለሲ ትኽእሊ ኢኺ።  እቲ ሕቶ ኸኣ ናይ ሙማትን ዘይሙማትን ኣይኮነን። ሰብ ሞይቱ ማለት ናቱ ታሪኽ ኣኽቲሙ ማለት ኣይኮነን። ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝብሎ ሰብ ምስ ሞተ ንፍርዲ መንግስተሰማይ ድዩ ገሃንም እሳት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቐርብ እዩ። እዚ ማንም ክልውጦ ዘይክእል ሓቂ እዩ። ስለዚ ንስኺ ከኣ ሕጅ በዛ ምሸት እዚኣ ናብ ኣምላኽ ትቐርብሉ ሰዓት እዩ። ስለዚ ራህዋ እታ መዓልቲ ምድሓን ሕጂ እያ እሞ ስለዚ ናብ ኣምላኽ ብምሉእ ልብኺ ቅረቢ። መንፈስኪ እንተ ጥዕዩ ኸኣ ነዚ ሒዝኪ ዘሎ ሕማም ከመይ ጌርኪ ከም ትገጥምዮ ክትፈልጢ እኺ ስለዚ ኣጆኺ ገና ተስፍ ኣሎኪ” በለታ። ራህዋ እሞ እንታይ ክገብር በለታ “ኣድያም ከኣ በዛ ደቒቕ እዚኣ ሓጥያትኪ ተኣሚንኪ ንጎይታ የሱሱ ኣብ ልበይ እተው በልዮ ንሱ ኸኣ ናባኺ ክመጽእ እዩ ህይወትኪ ክልውጥ ሰላምኪ ከዕቢ ተስፋን ምጽንናዕን ክኾነኪ ልዕሊ ኩሉ ኸኣ ናይ ዘልኣለም ህይወት ክህበኪ እዩ” ራህዋ ኸኣ ፍቓደኛ ምኻና ርእሳ ብምንቕናቕ ገለጸትላ ሓቢረን ከኣ ጸለያ።

ኣድያም በቲ ዝኾነ ነገር ኣዝያ ተሓጎሰት ቃንዛኣ እውን ኩሉ ረሳዓቶ ነናብ መደቀሲእን ከኣ ኸዳ።  ራህዋ በቲ ዝኾነ ነገር ኣዚያ ተሓጎሰት ንፈለማ ግዜ ኸኣ ልዋም ዘለዎ ድቃስ ደቀሰት። ንጽባሒቱ “ኣድያም ኣብ ዘመን ህይወተይ ንፈለማ ግዜ ልዋም ዘለዎ ድቃስ ደቂሰ ብርግጽ በዚ ነገር ኣዚየ ክዓቢ ይደሊ እየ። በጃኺ ምሸት ምሸት ከኣ መጽሓፍ ቁዱስ መሃርኒ” በለታ ኣድያም ሙሉእ ለይቲ ብዛዕባኣ ክትጽሊ እያ ሓዲራ “ራህዋ ሓፍተይ ኣጆኺ ክምህረኪ እየ። ኣምላኽ ምሳኺ እዩ። ኣብዚኣ ኸኣ መጽሓፍ ቁዱስ ኣሎኒ ኣንብብያ ኢኺ” ኢላ ሓቢረን ክቖርሳ ናብ ዓራታ ጸውዓታ።  “ኣንቲ ኣድያም ሓፍተይ ኣምላኽሲ ነዚ ኣይድስ ዝኸውን መድሃኒት ክረኽቡ እንተ ዝሕግዞም” በለታ ራህዋ “ኣምላኽ እንታይ ይሰኣኖ ግና እቲ ዝዓበየ ናይ ስጋ ፈውሲ ዘይኮነስ ናይ መንፈስ ፈውሲ እዩ ዘድሊ። ስለዚ እዚ ነገር እዚ ኣየጨንቕኺ” በለታ ኣድያም። ኣብ መንጎ ዕላለን ከኣ ተረኛ ነርስ መጸተን ክልቴኣተን ኮፍ ኢለን ኣፍ ንኣፍ ከዕልላ ምስ ጸንሕኣ እዚያ ተገረመት። ከመይ ሓዲርክን ኢላ ኸኣ ናብ ውራይ ሕክምንኣ ኸደት። ነፍሲ ወከፍን ከኣ ነናብ ሰፈረን ከዳ።