26
Fri, Apr
0 New Articles

መሃልየ መሃልይ (1ይ ምዕራፍ)

Poems and Poetry
Typography

1.  መሃልየ መህልይ ናይ  ሰሎሞን

2.  ፍቕርኻ ካብ ወይኒ ይጥዕም እዩ እሞ፡ 

    ብምስዓም ኣፉ ይስዓመኒ።

 3.  ቅብእኻ ምኡዝ ሽቱ ኣለዎ፡ ስምካ ዝፈሰሰ ቅቢ እዩ፡

                ስለዚ ኣዋልድ ይፈትዋኻ።

 4.  ደድሕሬኻ ክንጎይስ፡ ስሓበኒ፡

                 እቲ ንጉስ ናብ ሓልፍኙ ኣእተወኒ፡

ብኣኻ ኽንሕጎስን ባህ ኪብለናን እዩ፡

       ሓለፋ ወይኒ ንፍቕርኻ ኽንንእድ ኢና፡ ብቕንዕና እየን ዚፈትዋኻ።

 5.   ኣትን ኣዋልድ የቱሳሌም፡ ኣነስ ጸላም እየ፡

    ግናኸ ከም ድንካውንቲ ቄዳር፡

    ከም መጋረጃታት ሰሎምን ጽብቕቲ እየ።

•5.         ጸሓይ ኣሕሪራትኒ እያ እሞ፡

    ጸላም ስለ ዝኾንኩ ኣይትጠምታኒ፡

    ደቂ እኖይ ኮረዩለይ፡ ሓላዊት ኣታኽልቲ ወይኒ ገበሩኒ፡

    ኣታኽልቲ ወንስ ናተይ እካ ኣይሓሎኹን።

         7.  ኣታ ነፍሰይ እትፈትወካ፡ ንመጋሰኻ ኣበይ ተውዕለን፡

    ቀትርስ ኣበይ ተዕርፈን ኣሎኻ፡ እስኪ ንገረኒ፡

    ስለምንታይከ ኣብ መጋሰ መሓዙትካ ከም ኮብላሊት ዝኸውን፡

8.  ኣቲ ካብ ኣንስቲ እትጽብቒ፡

    እንተ ዘይፈለጥክንስ፡ ኣሰኣሰር  መጋሰ ውፈሪ እሞ፡

    መሓስእኪ ኣብ ጥቓ ድንካውንቲ ጋሶት ኣብልዒ።

         9.  ኣቲ ፍትውተይ፡ በታ ሰረገላ ፈርኦን እትስሕብ ባዝራ መሰልኩኺ፡

  10.  መልክዕ ጉንጭኺ ብስልማት፡ ክሳድኪ ብድሪ ሉል ጽቡቕ እዩ።

•11.          ኣድሪ ብሩር ዘለዎ ስልማት ወርቂ ኽንገብረልኪ ኢና።

•12.          ንጉስ ኣብ መኣዱ ኸሎ፡ ናርዶሰይ መኣዛኡ ሰደደ።

•13.          ፈታውየይ ኣብ መንጎ ኣጥባተይ ዚዐርፍ፡ ንኣይ ቁጻር ከርበ ኢዩ።

•14.          ፈታውየይ ንኣይሲ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ዔን-ጌዲ ዚበቑላ ዘለላ ሪሓን እዩ።

•15.          እኔኺ፡ ኣቲ ፍትውተይ፡ ጽብቕቲ ኢኺ፡

     እኔኺ፡ ጽብቕቲ ኢኺ፡ ኣዒንትኺ ፍግብታት እየን።

•16.          እኔኻ፡ ኣታ ፈታውየይ፡ ጽቡቕ ኢኻ፡

     ተፈታዊ ድማ ኢኻ፡ ዓራትናውን ልምሉም እዩ።

•17.          ኣግማል ቤትና ኦም ሊባኖስ፡ ግድጊዳና ኸኣ ጽሕዲ ኢዩ።

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

2ይ ምዕራፍ

 

    1. ኣነ ጸጌረዳ ሳሮን፡ ናይ ለሰ ዕምባባ ሹሻን እየ፡

 2.  ፈታዊተይሲ ኣብ ማእከል ኣዋልድ

        ከም ኣብ ማእከል እሾዅ ዝቦቖለት ዕምባባ ሹሻን እያ

 3.  ፈታውየይ ኣብ ምእከል ኣወዳት ከም ምልዖ ኣብ ማእከል ኣእዋም ዱር እዩ።

      ኣብ ጽላሉ ባህ ኢሉኒ ተቐመጥኩ፡

        ፍሬኡውን ንትንሓገይ ጥዑም እዩ።

•4.       ናብ ቤት ወይኒ ኣእተወኒ፡

     ሰንደቕ ዕላማኡ ኣብ ልዕለይ ፍቕሪ እዩ።

•5.       ብፍቕሪ ሓሚመ እየ እሞ፡

    ብጎጎ ዘቢብ ኣጽኒዑኒ፡ ብምልዖ ደጊፉኒ።

•6.       ጸጋመይቱ ተተርእሰኒ፡ የማነይቱ ኸኣ ትሓቑፈኒ።

•7.       ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ ንፍቕሪ ክሳዕ እትደሊ፡

    ከይተተንስኣኣን ከይተበራብራኣን ኢለ

    ብሜዳቝን ብእራብ መሮርን ኤምሕለክን ኣሎኹ።

        8.  ድምጺ ፈታውየይ፡   

     እንሆ፡ ኣብ ልዕሊ ኣኽራን እናዘለለ፡

            ኣብ ልዕሊ ዅርባታት እናተናጠረ ይመጽእ ኣሎ።

9.  ፈታውየይ ንሜዳቝን ነርሕዶ እራብን ይመስል።

    እንሆ፡ ኣብ ክንየው መከበብያና ደው ኢሉ

    ብመስኮት ይርኢ፡ ብዓይነ ርግቢ ይጥምት ኣሎ።

•10.          ፍትወይሲ፡ ኣቲ ፍትውተይ፡ ተንስኢ፡

     ጽብቕተየ፡ ንዒ፡ ኢሉ ተዛረበኒ።

•11.          እንሆ፡ ክርምቲ ሓሊፉ፡ ዝናም ዛርዩ፡ ተወዲኡ።

•12.          ዕምባባታት ኣብ ምድሪ ተራእየ፡ ጊዜ መዝሙር በጽሔ፡

     ድምጺ ባሬቶ ኸኣ ኣብ ምድርና ተሰምዔ።

•13.          በለስ ፍሬኡ ጎጎበ፡

     ተኽሊ ወይኒ ዐምቢቡስ መኣዛኡ የውጽእ ኣሎ።

     ኣቲ ፍትውተይ፡ ተንስኢ፡ ጽብቕተየ፡ንዒ።

•14.          ኣቲ ኣብ ቃቝራ ኸውሒ፡ ኣብ መሕብኢ ጸድፊ ዘሎኺ ርግበይ፡

     ድምጽኺ ጥዑም፡ ገጽኪውን ጽቡቕ እዩ እሞ፡

     ገጽኪ ኣርእይኒ፡ ድምጽኺ ኣስምዕኒ።

•15.          ኣታኽልቲ ወይንና ዐምቢቡ እዩ እሞ፡ ነታኽልቲ ወይኒ ዜባላሽዋ ወኻሩ፡

     ነትን ኮራኵር ወኻሩ ኣጻዊድኩም ሐዙልና።

•16.          ፍትወይ ናተይ እይ፡ ኣነውን ናቱ እየ፡

     ንሱ ንመጋሴኡ ኣብ ማእከል ዕምባባታት ሹሻን የብልዔን።

•17.          ኣታ ፍትወየ፡ መዓልቲ ኽሳዕ ዚውልውል፡ ጽላሎት ከኣ ክሳዕ ዚሀድምሲ፡

     ከምተን ኣብ ኣኽራን ቤተር ዘለዋ ሜዳቝ ወይስ ኣርሕዶ እራብ ኬንካ፡ ተመለስ።

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

3ይ ምዕራፍ

 

 

       1. ብለይቲ ኣብ ዓራተይ ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎ ደሌኽዎ፡

    ድሌኽዎ፡ ግናኸ ኣይረኸብክዎን።

  1.  ክትንስእ እየ እሞ ኣብ ከተማ፡

    ኣብ ዕዳጋን ኣደባባይን ክዘውር፡

    ነቲ ነፍሰይ ትፈትዎ ኸኣ ክደልዮ እየ።

    ደሌኽዎ፡ ግናኸ ኣይረኸብክዎን።

  1.  ኣብ ከተማ ዚዞሩ ዘብዔኛታት ረኸቡኒ፡

    ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎዶ ርኢኹምዎ፡ ኢለ ኸኣ ሐተትክዎም።

  1.  ቅሩብ ምስ ሓለፍክዎም፡ ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎ ረኸብክዎ፡

    ሐዝክዎ፡ ናብ ቤት ኣደይን ናብ ሕልፍኚ ወላዲተይን

    ክሳዕ ዘእትዎ ድማ ኣይሐደግክዎን።

  1.  ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ ንፍቕሪ፡ ክሳዕ እትደሊ፡

    ከይተተንስኣኣን ከይተበራብራኣን ኢለ

    ብሜዳቝን ብእራብ መሮርን ኤምሕለክን ኣሎኹ።

        6. እዛ፡ ዓንዲ ትኪ መሲላ፡ ክርበን ዕጣንን

    ናይ ነጋዶ ዅሉ ዓይነት ቀመማትን እትጨኑ፡

    ካብ በረኻ እትድይብ ዘላ መን እያ፡

   7.  እንሆ፡ ዓራት ሰሎሞን፡

    ካብ ጀጋኑ እስራኤል ስሳ ጅግና ኸቢቦምዋ።

   8.  ኵላቶም ሰይፊ ዚሕዙ፡ ምሁራት ውግእ እዮም።

    ስለ ፍርሃት ለይቲ ነፍሲ ወከፍ ሰሰይፉ ዕጡቕ ኢዩ።

   9.  ንጉስ ሰሎሞን ካብ ኦም ሊባኖስ ንርእሱ ዓራት መሰከሚ ገበረ።

  10.  ኣዕኑዱ ብብሩር፡ መጸግዒኡ ብወቂ፡

       መቐመጢኡ ብቐይሕ ሃሪ ገበረ።

       ውሽጡ ኸኣ ኣዋልድ የሩሳሌም ብፍቕሪ ዝጠለፋኦ እዩ።

  11.  ኣትን ኣዋልድ ጽዮን፡

       ንንጉስ ሰሎሞን፡ ምስቲ ኣዲኡ ብመዓልቲ መርዓኡን

       ብመዓልቲ ሓጎስ ልቡን ዝኸለለቶ ኣኽሊል ክትርእያኦስ ውጻ።

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

4ይ ምዕራፍ

 

 

        1. እኔኺ፡ ኣቲ ፍርውተየ፡ ጽብቕቲ ኢኺ፡

    እኔኺ፡ ጽብቕቲ ኢኺ።

    ኣዒንትኺ ኣብ ውሽጢ ጕልባግኪ ኸም ርግብታት እየን።

    ጸጕሪ ርእስኺ ከም ካብ ከረን ጊልዓድ ዚወርዳ መጋሰ ኣጣል ኢዩ።

2.  ኣስናንኪ ኸም እተቖርጸ፡ ካብ ምሕጻብ ዝወጻ መጋሰ ኣባጊዕ፡

    ኵለን መኻን ዜብለን፡ መማንታኤን ድማ ዚወልዳ እዩ።

3.  ከናፍርኪ ኸም ቀይሕ ፍሕሶ ሃሪ ኢዩ፡ ኣፍኪ ጽቡቕ እዩ፡

    መላትሕኪ ኣብ ውሽጢ ጕልባብኪ ኸም ምቃል ሮማን እዩ።

4.  ክሳድኪ ኸም ንመቐመጥ ኣጽዋር እተሰርሄ፡

    ሽሕ ዋልታ፡ ኵላተን ዋላቱ ጀጋኑ፡ ተሰቒልዋ ዘሎ ግምቢ ዳዊት እዩ።

5.  ክልቲኤን ኣጥባትኪ ኸም ኣብ ማእከል ዕምባባታት ሹሻን

    ዚጋሰያ ማንታ መሓስእ ሜዳቝ እየን።

  1.  መዓልቲ ኽሳዕ ዚውልውል፡

    ጽላሎት ከኣ ክሳዕ ዚሀድምሲ፡

    ኣነ ናብ ከረን ከርቤን ናብ ኵርባ ዕጣንን ክኸይድ እዩ።

  1.  ኣቲ ፍትውተየ፡ ኵለንትናኺ ጽብቕቲ ኢኺ፡ ሕፍቲ የብልክን።
  2.  ካብ ሊባኖስ ምሳይ ንዒ፡

    ኣቲ መርዓተይ፡ ካብ ዒባኖስ ምሳይ ንዒ፡

    ካብ ርእሲ ኣማናን ካብ ርእሲ ሰኒርን ሄርሞንን፡

    ካብ ማሕደር ኣናብስን ካብ ኣኽራን ኣናብርን ጠምቲ።

  1.  ኣቲ ሓብተይ፡ መርዓተየ፡ ልበይ ዘረፍክኒ፡

    ብሓንቲ ቖላሕታኽን ብሓንቲ ድሪ ኽሳድክን ልበይ ዘረፍክኒ።

  10.  ፍቕርኺ ኽንደይ ይጽብቕ፡

    ኣቲ ሓብተይ፡ መርዓተየ፡ ፍቕርኺ ኻብ ወይኒ፡

    መኣዛ ቕብእኽውን ከም ሽቱ ሊባኖስ እዩ።

  11.  መርዓተየ፡ ካብ ከናፍርኪ መዓር ወለላ የንጠብጥብ፡

    መዓርን ጸባን ኣብ ትሕቲ መልሓስኪ ኣሎ፡

    ሽቱ ኽዳውንትኺውን ከም ሽቱ ሊባኖስ እዩ።

  12.  ኣቲ ሓብተይ፡ መርዓተየ፡ እተሸጎረ ገነት፡

    ዕጽዊ ዔላ፡ ሕቱም ዓይኒ ማይ ኢኺ።

  13.  ኣባኺ ዝበቖለስ ገነት ሮማንን ክቡር ፍሬታትን ዕምባባ ሪሓንን ናርዶስን፡

  14.  ናርዶስ ሳፍራንን፡ ምኡዝ ሻምብቆን ቅርፍትን፡

    ምስኡውን በብዓይነቱ ኣእዋም ዕጣን፡

    ከርበን ዓልወን ኵሉ ብሉጽ ቀመማትን ዘለዋ እያ።

  15.  ናይ ገነት ዓይኒ ማይ፡ ናይ ማይ ህይወት ዔላ፡

       ካብ ሊባኖስ ዚፈስስ ፈልፋሊት ኢኺ።

  16.  ንፋስ ሰሜን፡ ተንስእ፡ ንፋስ ደቡብ ንዓ፡

    ምኡዝ ጨናታቱ ምእንቲ ኬፍስስ፡ ኣብ ልዕሊ ገነተይ ንፈሱ።

    ፍትወይ ናብ ገነቱ ይምጻእ፡ ክቡር ፍሬታቱ ይብላዕ።

 

 

 

 

 

5ይ ምዕራፍ

 

        1.  ሓብተይ፡ መርዓተየ፡ ናብ ገነተይ መጺኤ፡

    ከርበይን ሙዝ ቀመማተይን ቀንጢበ፡

    መዓር ወለላይን መዓረይን ብሊዔ፡ ወይነይን ጸባይን ሰትየ።

    ኣቱም ኣዕሩኸይ፡ ብልዑ ፡ ስተዩ፡

    ፍትዋተየ፡ ኣብዚሕኩም ስተዩ።

        2.  ኣነ ደቀስኩ፡ ልበይ ግና ነቕሔ

    ድምጺ ፍትወይ፡ ኣቲ ሓብተይ፡ ፍትውተይ፡

    ርእሰይ ህቦ፡ ጎተናይ ከኣ ነጥቢ ለይቲ መሊኡ እዩ እሞ፡

    ኣቲ ርግበይ፡ ፍጽምተይ፡ ክፈትለይ፡ እናበለ፡ ማዕጾ ኪኵሕኵሕ ሰማዕኩ።

3.  ቀሚሸይ ኣውጺኤ እየ፡ ከመይ ኢለ ክኽደኖ፡

    ኣእጋረይ ተሐጺበ እየ፡ ከመይ ኢለ ኸርስሖ፡

•4.       ፍትወይ ኢዱ ብነኻል ሰደደ፡ ውሽጠይ ብእኡ ተደፋነቐ።

•5.       ንፍትወይ ክኸፍተሉ ተንሳእኩ፡ ኣእዳወይ ከርበ፡

     ኣጻብዔይ ከኣ ኣብ ልዕሊ መትሓዝ መሃርሃሪ ፈሳሲ ኸርበ ኣንጠብጠበ።

•6.       ንፍትወይ ከፈትኩሉ፡ ፍትወይ ግና ከይዱ ረሐቐ፡

    ኪዛረብ ከሎ፡ ነፍሰይ ጠለመትኒ፡

    ደሌኽዎ ኣይርኸብክዎን ከኣ፡ ጸዋዕክዎ ኣይመለሰለይን ድማ።

•7.       ሓለውቲ ኣብ ከተማ ኺዞሩ ኸለው ረኸቡኒ፡

    ወቕዑኒ፡ ኣቝሰሉኒ፡ ሓለውቲ መካበብያ መጎልበብየይ ገፈፉኒ።

•8.       ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ ንፍትወይ እንተ ረኸብክናኦ፡

    ብፍቕሪ ኸም ዝሐመምኩ ክትነግራኦ ኤምሕለክን ኣሎኹ።

•9.       ኣቲ ሓለፋ ዅለን ኣንስቲ እትጽብቒ፡

    እዚ ፈታዊኺ ኻብ ካልእ ፈታዊ ዚበልጽ ከመይ ኢሉ እዩ፡

    ከምዚ ጌርኪ እተምሕልናስ፡

    እዚ ፈታዊኺ ኻብ ካልእ ፈታዊዶ ይበልጽ እዩ፡

         10.  ፍትወይሲ ኻብ ዓሰርተ ሽሕ እተመርጸ ጻዕዳን ቀይሕን እዩ።

  11.  ርእሱ ኣዝዩ ጽሩይ ወርቂ እዩ፡

    ጎተናኡ ኾርዳድ፡ ከም ካዅ ዝምጽላሙ እዩ፡

•12.          ኣዒንቱ ኸም ኣብ ጥቓ ፈልፍሊ ማይ ዘለዋ ርግብታት፡

     ጸባ ተሓጺበን፡ ኣብ ምልኣት ተነቢረን እየን።

•13.          ጕንጭታቱ ኸም ክፍሊ ኣታኽልቲ ቐመም፡

     ከም ምኡዝ ኣትክልቲ እዩ፡

     ከናፍሩ ፈሳሲ ኸርበ ዜንጠብጥባ ዕምባባ ሹሻን እየን።

•14.          ኣእዳው ክሪሶሊት እተሰንቀሮ ቐላብቲ ወርቂ እየን፡

     ደረቱ ብሰፊሮስ እተሰለመ፡ ብልሓተኛ ዝገበሮ ስኒ ሓርማዝ እዩ።

•15.          ኣእጋሩ ብደገፋ ጽሩይ ወርቂ እተሰረታ ኣዕኑድ እምነ በረድ እየን፡

     ትርኢቱ ኸም ሊባኖስ፡ ከም ኣእዋም ሊባኖስ እተመርጸ እዩ።

•16.          ኣፉ ኣዝዩ ጥዑም፡ ኵለንትናኡ ፍትዊ እዩ።

     ኣትን ኣዋልድ የፉሳሌም፡

     ፍትወይ እዚ እዩ፡ ፈታውየይሲ እዚ እዩ።

 

 

 

 

 

 

 

 

6ይ ምዕራፍ

 

 

     1.  ኣቲ ሓለፋ ዅለን ኣንስቲ ኢትጽብቒ፡ ፈታዊኺ ኣበይ ከይዱ እዩ፡

     ምሳኺ ኽንደልዮስ፡ ፈታዊኺ ናበይ ኣቢሉ ኢዩ ዝኸደ፡

  1.  ፍትወይሲ ናብ ገነቱ፡ ኪጋስን ዕምባባታት ሹሻን ኪእክብን፡

   ናብ ገነቱ፡ ናብ ክፍሊ ኣታኽልቲ ቐመም ወሪዱ ኣሎ።

  1.  ኣነ ናይ ፍትወይ እየ፡ ፍትወይ ከኣ ናተይ እዩ፡

    ንሱ ኣብ ማእከል ዕምባባታት ይጋሲ ኣሎ።

  1.  ኣቲ ፍትውተየ፡ ከም ቲርጻ ጽብቕቲ ኢኺ፡

    ከም የሩሳሌም ባህ እተብሊ፡

    ከም ሰራዊት ምስ ሰንደቕ ዕላማ ተፍርሂ ኢኺ፡፡

  1.  ኣዒንትኺ ኣፍሪሄናኒ እየን እሞ፡ ንንየው ምለስየን፡

    ጸጕሪ ርእስኺኢ ኸም ካብ ከረን ጊልዓድ ዚወልዳ እዩ።

  1.  ኣስናንኪ ኸም ካብ ምሕጻብ ዝወጻ መጋሰ ኣባጊዕ፡

    ኵለን መኻን ዜብለን እየን።

  1.  መላትሕኪ ኣብ ውሽጢ ጕልባብኪ ኸም ምቃል ሮማን እዩ።

 

  1.  ንግስታት ስሳ፡ ዕቁባት ሰማንያ፡

       ኣዋልድ ከኣ ቍጽሪ ዜብለን እየን።

  1.  ግናኸ ርግበይ፡ ፍጽምተይሲ፡ ሓንቲ ኢያ፡

    ነዲኣ ሓንቲ እያ፡ ንወላዲታ ምርጽቲ እያ፡

    ኣዋልድ ርእየን ብጽእቲ በልኣ፡

  10.  እዛ ኸም ወገግታ እትቕልቀል፡

       ከም ወርሒ ጽብቕቲ፡ ከም ጸሓይ ድምቕቲ፡

       ከም ሰራዊት ምስ ሰንደቕ ዕላማ እተፍርህ መን እያ፡

         11. ልምሉም ተኽሊ ለሰ ኽርኢ፡

    ተኽሊ ወይኒ እንተ ጠጢዑ፡

    ሮማንውን እንተ ዐንቢቡ ኽርኢ ናብ ኣታኽልቲ ኻዕካዕ ወረድኩ።

•12.          ከይፈለጥኩስ፡ ነፍሰይ ኣብ ሰረገላ እቲ ኽቡር ህዝበይ ኣቐመጠትኒ።

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

7ይ ምዕራፍ

 

 

           1.  ተመለሲ፡ ተመለሲ፡ ኣቲ ሱላሚት

    ክንርእየክስ ተመለሲ፡ እስኪ ተመለሲ።

    ንሳዶ ኸም ናይ መሃናይም ደበላ ትስዕስዕ ኣላ እያ፡

2.  ኣቲ ጋል መስፍን፡ ኣእጋርኪ፡ ጫማ ምስ ገበራ፡ ክንደይ ይጽብቓ፡

    ቅርጺ ሕቖኺ ኸም ብኢድ ብልሓተኛ እተሰርሔ ስልማት ኢዩ።

3.  ሕምብርትኺ እተሖሰ ወይኒ ዘይጎደሎ ኸቢብ ጽዋእ እዩ።

    ከርስኺ ብዕምባባ እተኸበ ምህርቲ ስርናይ እዩ።

4.  ክልቲኣተን ኣጥባትኪ ኸም ማንታ መሓስእ ሜዳቝ እየን።

5.  ክሳድኪ ኸም ግምቢ ስኒ ሓርማዝ እዩ፡

    ኣዒንትኺ ኸምቲ ኣብ ጥቓ ደገ ባት-ራቢም ዘሎ ሓጽብታት ሄስቦን እየን።

    ኣፍንጫኺ ኸምቲ ንደማስቆ ገጹ ዚርኢ ግምቢ ሊባኖስ እዩ።

6.  ርእስኺ ኣብ ልዕሌኺ ኸም ቀርሜሎስ እዩ፡

    ጸጕሪ ርእስኺ ኸም ቀይሕ ሃሪ እዩ፡

    ንጉስ ብቝኖኺ ተኣስረ።

         7.  ኣቲ ፍቕረይ፡ ክንደይ ጽብቕቲ ኢኺ፡

       ኣብ ማእከል ደስታስ ክንደይ ትፍተዊ።

8.  እዚ ቝመትኪ ስየ፡ ኣጥባትኪ ድማ ዘለላ ወይኒ ይመስል።

9.  ኣብ ስየ ኽድይብ፡ ጨናፍራ ኸኣ ክሕዝ ኢየ፡ በልኩ።

    ኣጥባትኪ ኸም ዘለላ ወይኒ፡

    ጨና እስትንፋስኪ ኸኣ ከም ትርንጕ ይኹነለይ፡

  10.  ኣፍኪ ኸም ናብ ፍትወይ ወሪዱስ፡

    ናብተን ዙድቅሳ ኸናፍር ዜንሸትት ጥዑም ወይኒ ይኹነለይ።

           11.  ኣነ ናይ ፍትወይ እየ፡

   ሃረርታኡ ኸኣ ናባይ እዩ።

•12.          ኣታ ፍትወየ፡ ናብ መሮር ንውጻእ፡

     ኣብ ዓድታት ንሕደር።

•13.          ተኽሊ ወይኒ እንተ ጠጢዑ፡ ጎጕማ እንተ ነቒዑ፡

     ሮማን እንተ ዐምቢቡ ኽንርእስ፡

     ናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣንጊህና ንኺድ፡

     ኣብኡ ፍቕረይ ክህበካ እየ።

•14.          ናይ ፍቕሪ ትርንጕ መኣዛኡ ይህብ።

     ኣታ ፍትወይ፡ ንኣኻ ኢለ ዝዐቖርክዎ፡

     በብዓይነቱ ሓድሽን ብሉይን ክቡር ፍረ ኣብ ደጌታትና ኣሎ።

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

8ይ ምዕራፍ

 

           1.  ኣየ፡ ወላዲተይ ዝጠቦኻ ኸም ሓወይ እንተ ትኾነለይ፡

    ኣብ ወጻኢ ምስ ዝረኽበካ፡ ምሰዐምኩኻ ነይረ፡

    ሓደ እካ ኣይምነዐቐንን።

•1.         መሪሔ ናብ ቤት ኣደይ መእተኹኻ፡ ንስኻ ምመሀርካኒ፡

    ኣነውን ካብ እተቓመመ ወይኒ፡ ካብ ሮማነይ እተጸምቆ መስቴኹኻ።

3.  ጸጋመይቱ ተተርእሰኒ፡ የማነይቱ ኸኣ ትሐቝፈኒ።

4.  ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ ንፍቕሪ ፡ ክሳዕ እትደሊ፡

    ከይተተንስኣኣን ከይተበረብራኣን ኢለ ኤምሕለክን ኣሎኹ።

          5.  እዛ፡ ፈታዊኣ ተመርኵሳ፡

    ካብ በረኻ እትድይብ ዘላስ መን ኢያ፡

    ኣብ ትሕቲ ኦም ትርንጕ ኣንቃሕኩኻ፡

    ኣብኡ ኣዴኻ ወለደትካ፡ ኣብኡ ወላዲትካ ወለደትካ።

6.  ፍቕሪ ኸም ሞት ሓያል እያ፡

    ቅንኣታ ኸም ሲኦል ብርቱዕ እዩ።

    ረስና ኸም ረስኒ ሓዊ፡ ሃልሃልታ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡

    ከም ማሕተም ኣብ ልብኻ፡

    ከም ማሕተም ኣብ ቅልጽምካ ኣንብረኒ።

7.  ንፍቕርስ ብዙሕ ማያት እካ ኼጥፍኣ ኣይክእልን፡

       ወሓይዝ ከኣ ኣየስጥማን፡

       ሰብሲ ምእንቲ ፍቕሪ ኢሉ ዅሉ ጥሪት ቤቱ ዚህብ እንተ ዚህሉ፡

       ኣዝዮም ምነዐቕዎ ነይሮም።

          8.  ጡብ ዘየውጼት ንእሽቶ ሓብቲ ኣላትና፡

    እትድለየላ መዓልቲ ምስ በጽሔት፡

    ንሓብትና እንታይ ክንገብረላ ኢና፡

9.  ቀጽሪ እንተ ኾነት፡ ከኣ፡ ኣብ ልዕሊኣ ግምቢ ብሩር ክንሰርሓላ፡

    ደገ እንተ ኾነት ከኣ፡ ብጽሩብ ጽሕዲ ኽንከባ ኢና።

  10.  ኣነ ቐጽሪ ኢየ፡ ኣጥባተይ ከኣ ከም ግምብታት እየን፡

       ሽዑ ኣብ ኣዒንቱ ከም ሰላም ዝረኸበት ኮንኩ።

            11.  ሰሎሞን ኣብ በዓል-ኣሞን ኣታኽልቲ ወይኒ ነበሮ።

       ነዚ ኣታኽልቲ ወይኒ እዚ ኸኣ ንሓለውቲ

       ኣብ ክንዲ ፍሬኡ ነፍሲ ወከፎም ሽሕ ብሩር ኬምጽኡስ ሃቦም።

•12.          እታ ናተይ ዝኾነት ኣታኽልቲ ወይነይ ኣብ ቅድመይ እያ፡

     ዎ ሰሎሞን፡ሽሕ ንኣኻ እዩ፡

     ፍሬኣ ንዚሕልው ድማ ክልተ ሚእቲ ይኹን።

          13.  ኣቲ ኣብ ኣታኽልትታት እትነብሪ፡

     እቶም ብጾት ንድምጽኺ ጽን ይብሉ ኣለው፡ ንኣይ ኮታ ኣስምዕኒ።

14.  ኣታ ፍትወየ፡ ቀልጥፍ፡ ኣብ ምኡዝ ኣኽራን ከኣ

       ከም ሜዳቝ ወይስ ከም ኣርሕዶ እራብ ኩን።