23
Tue, Apr
0 New Articles

ሓቀኛ ምስክርነት ብዛዕባ ቨሊን

Ministry
Typography
…….ቨሊን ነልጌርቮ እዩ ዝብሃል ዓዱ ሓንቲ ካብተን ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳ ዝርከባ ሃገራት ኮይና ቡልጋርያ ድማ ትበሃል። ንሱ ድማ ኣብ ድቡባዊ ክፍሊ ናይታ ሃገር ኣብቲ ጎቦታት ዝበዝሖ  ሮድፒ ዝብሃል ቦታ እዩ ዝቕመጥ። ቨሊን ካብ ናይ ርሐቓት ኣባሓጎታቱ ንኣማኢት ዓመታት እንዳ ተወራርሰ ዝቐጸለ እምነት ምስልምና እዩ ዝኸተል ነይሩ።

     ቨሊን ብንእስነቱ ምስ ኣዝዩ ዘፍቕራ ጎርዞ ፋንካ እትብሃል ጓል’ዩ ተመርዕዩ ኣብ ሓዳሩ ድማ ምውቕ ፍቕሪ ነበሮ። ነቲ ኣብ ሓዳሮም ዝነበሮም ፍቕሪን ። ሓጎስን ዘራጉደሎም ሓደ ምጩው ቆልዓ ወሊዶም እኳ እንተነበሩ ሓጎሱም ግን ቛሕ ሰም እዩ ኮይንዎም። እቲ መደረብታ ሓጎሶም ኮይኑ ዝነበረ ህጻን ንሓጺር ግዜ ድሕሪ ምሕማሙ ቀልጢፉ እዩ ሞይቱ። በዚ ድማ ቨሊን ኣዝዩ ጉሃየ። እዚ ሞት ናይ ወዱ ድማ ሓደ ሕቶ ኣለዓዒልሉ ትርጉም ህይወት እንታይ እዩ? ድሕሪ ሞት’ከ ሰብ ናበይ  እዩ ዝኸይድ ወይ ከኣ እንታይ እዩ ዝኸውን ዝብል ሕቶ እዩ ነይሩ።ንሱ ተኸታሊ ሃይማኖት ምስልምና ሰለ ዝነበረ ነዚ ሕቶ እዚ  መልሲ ክረኽበሉ ኢሉ ነቲ ቅዱስ መጽሓፍ ናይ ሃይማኖት ምስልምና ዝኾነ ቑርኣን ብጽምኣት ከንብቦ ጀመረ ነገር ግን እቲ መድሓፍ ንዝነበሮ ሕቶ ኣዕጋቢ መልሲ ክህቦ ኣይከኣለን።
   ቨሊን ትውልዱ ካብቶም ኣብ ቡልጋርያ ዝነብሩ ንሃይማኖት ምስልምና ዝኽተሉ ዓሌት ፖማክ ስለዝኾነ ንሃይማኖት ምስልምና እዪ ዝኽተል ነይሩ፣ ኣምላኽ ወይ ኣላህ ንስድራቤቱ ኮነ ንርእሱ ኣዝዩ ርህሩህ ወይ ምሕረተኛ እዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ስለዝነበሮ ብሞት ወዱ ብኣላህ ሕጉስ ኣይነበረን ንሰበይቱ ሓብታ(ዘምኡ) ክርስትያን ስለዝነበረት ነቲ ዝነበሮ ጓሂን ጭንቅትን ክፍውስ ዝኽእል የሱስ ጥራይ  ከም ዝኾነ ተረዲኣ ሓደ መዓልቲ ንገዝኡ ብምኻድ ብዛዕባ ጎይታ መስከረትሉ፣ ሽዑ እንታይ ትብሎ ከም ዝነበረት ክርድኦ ኣይክኣለን።። ካልእ መዓልቲ ድማ ንገዝኡ ብምኻድ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብቦ ኢላ ሃበቶ፣ንሱ ድማ ብሑጉስ ልቢ ተቐበላ። ድሕሪ እዚ ከንብቦ ጀመረ ኣምላኽ ድማ ምርዳእ ናይ ቃሉ ከፈተሉ መደብ ኣምላኽ ነዛ ዓለም እንታይ ምኻኑ።ንወዱ የሱስ ክርስቶስ ንምድሓን ደቂ ሰባትን።ንዕኡን ከምዝለኣኾ ። ምእንቲ ሓጥያትና የሱስ ከም ዝሞተን በርሃሉ።እዚ ምስ ፈለጠ ከይተረደኦ ናይ ሓጎስ ንብዓት ካብ ኣዒንቱ ጀረብረብ ክብል ጀመረ፣ብዝገበሮ ሕሉፍ ሓጥያቱ ተነሲሑን ከምእውን ንየሱስ ከም ናይ ግሊ መድሓኒኡ ክቕበሎ ወሲኑ፣
    ንየሱስ ከም ናይ ግሊ መድሓንየይ ብምቕባለይ ኣብ ህይወትይ ጥዒመዮ ዘይፈልጥ ሓጎስ ክፈስስ ስለ ዝጀመረ ንሓጎሰይ ክሓብኦ ኣይክኣልኩን፣ ኣምላኽ ንባዓልቲ ቤተይ’ውን ብቕልጡፍ በጽሓ፣ ክርስትያን ከምዝኾንኩ ኣብታ ዝነብራ ዝነበርኩ ቁሽት ተስምዐ፣ ገለገለ ሃይማኖተኛታት እምነቱ ለዊጡ ብምባል ብርቱዕ ስደትን ተነጽሎን ከላዓዑሉለይ ጀመሩ።  እቲ መራሒ ሃይማኖት በቲ ናትና ኣጸዋውዓ ሙላህ እዩ ዝባሃል። ኣብ ዝሰርሓሉ ዱኳነይ  መጺኡ ከምዚ ኢሉ ተዛረብኒ መንገዲ ምድሓን የሱስ ኣይኮነን ካብ ሓቂ ኣዚካ ርሒቅካ  ኣለኻ አሞ ናብቲ ናይ ቀደም እምነትካ ተመለስ በለኒ፣ ኣነ’ውን ብወገነይ መንገዲ ሓቂ የሱስ ከም ዝኾነ መለስኩሉ፣ ድሕሪ ብዙሕ ክትዕ ድማ ከይተረዳዳእና ተፈላለና። በዚ ከይዓገበ ናብ ምስልምና ክመልሰኒ ብቀጻሊ እንዳ መጻ የዛራርብኒ ነበረ ክመልሰኒ ግን ኣይክኣለን፣
   እቲ መራሒ ሃይማኖት(ሙላህ) ሓሚሙ ኩሉ ጸጋማይ ክፍሊ ኣካላቱ ለመሰ (paralayse) ኮነ፣ንሕና ድማ ሓደ መዓልቲ በቲ መዓልቲ እቲ መርዓ ሓወይ እዩ ዝነበረ።ነቲ ሙላህ ፍቓደኛ እንተኾይኑ ክንጽልየሉ ።የሱስ ካብዚ ሕማሙ ሙሉእ ብሙሉእ ክፍውሶ ከም ዝክእል ነገርናዮ፣ንሱ ድማ ብዘይ ውልውል ኣውንታዊ መልሲ ሃበና፣ ንሕናውን ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ያቆብ ተጻሒፉ ዘሎ ነቲ ሕሙም ናይ እምነት ጸሎት ከተሕውዮ እያ ዝብሎ ናይ እምነት ጸሎት ጸሊና ተፋነናዮ፣
    ኣብቲ ዝቕጽል መዓልታት እቲ ሙላህ ናይ ሓጎስ ንብዕት እንዳነበዓን እንዳሳዕስዐን ናብቲ ኣነ ዝሰርሓሉ ዱኳነይ መጺኡ የሱስ ፊዊስኒ ኢሉ ድሕሪ ምብሳር ። እዛ ተገርም ጥቕሲ ናቱ ተዛረበኒ ከምዚ ድማ እያ ትብል።-“”ኩሎም ህዝቢ ዓለም ተኣኪቦም የሱስ የለን እንተዝብሉኒ። ኣነ በይነይ ድማ የሱስ ኣሎ ተጋጊኩም ምስ በልክዎም ነይረ፣’’ ኢልኒ እወ ኪምቲ ኣብ ሮሜ 1።20  ተጠቒሱ ዘሎ እቲ ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ብተግባሩ ዝፍልጥ ብባህሪኡ ግን ዘይርኤ ኣምላኽና ሕጂ’ውን ህያው እዩ፣በቲ ኣምላኽ ኣብ ሓውና ዝገበሮ ተኣምራት ድማ ኣዚና ተጸናኒዕናን ነቲ በይኑ ገባሪ ተኣምራት ዝኾነ ኣምላኽና ድማ ኣመስገናዮ፣
    ሕጂ ድሕሪ ኣርብዕተ ዓመት ማለት እዩ ኣብታ እንነብረላ ቁሸት ሓንቲ ውሑዳት ኣባላት ዝርከብዋ ቤተክርስትያን መስሪትና ኣለና፣ጎይታ ከብዝሓናን ከጽንዓናን ጸሊዪልና፣ስብሓት ነቲ በይኑ ገባሪ ተኣምራት ዝኾነ ኣምላኽና ይኹን፣ኣሜን !
                 ካብ ብጎይታ ሓውኹም ቨሊን፣
               ምንጪ ምስክርነት መጽሄት ሱን(soon)