20
Sat, Apr
0 New Articles

ማርያ ዉድ ዎርዝ (ኣኣላይት መንፈስ ቁዱስ)

Ministry
Typography

﷽ጐይታ ንዓይ ዝሃበኒ ፍሉይ ተልእኾ መንፈስ ሓድነትን ፍቕርን ናብ ኲሉ ምብጻሕ ነበረ። እግዚኣብሄር ኣብ ብዘላ ምድሪ በረኸቱ ክቕበሉ ብጽምኣት ዝመጣጠሩ ሰባት የተንስእ ኣሎ። ብዓቢ ሃረርታ ድማ ይጽውዑ ኣለዉ።﻾ ﷽ምጽእና፡ በጃኺ ንረዲኤትና ቀልጥፊ፡ ነቲ ናይ ፍቕሪ መንፈስ ክንቕበሎ ሃረር ንብል ኣሎና። ትእምርትን ተኣምራትን ክንርእስ እቲ ዓቢ ባህግናዶ ኣይኰነን!﻾ እናበሉ፡፡﻾ 

ንሳ ኣብ ቅድሚ እቲ ዘጓንፋ ዝነበረ ሓያል ተቓውሞታትውን ይኹን ክምህ ከይበለት ነታ ንእሽቶ ኢዳ ናብ ሰማይ ኣልዒላ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ናቱ ሓዊ ክክዑ ከሎ እተአንግዶ ሕርይቱ ነበረት። በዚ ኣገልግሎት እዚ እተደንቕ መንፈሳዊት ማዕከን ሓይሊ ኣብ ርእሲ ምዃና እተገርም ናይ ራእይ ሰበይቲ ተባሂላውን ትፍለጥ እያ። ሓፍትና ኤተር ከም ናይ እግዚኣብሄር መለኮታዊ ምርሒትን ልዕሊተፈጥሮኣዊ ክስተቱን ሓያል ኣቕሓ መጠን፡ ኣብ ናይ እግዚኣብሄር መንፈስ ልዑል ጽፍሒ እትነብር ሰበይቲ ነበረት። ንሳ እምንቲ ዓርኪ መንግስተ ሰማያት ዝዀነትን መንፈሳዊ ክብሪ ንምልባስ ኲሉ ምድራዊ ዝናኣ እውን እንተዀነ ክትድርቢ እትመርጽን ሰብ ነበረት።

 ማርያ ኣብ ኦሃዮ እተባህለ ክፍሊ ኣመሪካ፡ ሊዝቦን ኣብ እትበሃል ገጠር ብ1844 ተወልደት። ጓል 13 ዓመት ምስ ኰነት ኣብ መጀመርታ ናይቲ ሳልሳይ ዓቢ ምንቕቓሕ (The Great Awakening) ተባሂሉ ዝፍለጥ ጊዜ እያ ጐይታ ተቐቢላ ዝደሓነት። ሽዑ እቲ ምድሓን ጸሎት ዘጸለያ ሰባኺ ኪጽልየላ ከሎ ናይዛ ህጻን እዚኣ ህይወት ﷽እተንጸባርቕ ብርሃን ክትከውን﻾ እጽሊ ኣለኹ በለ። ይኹን እምበር እዛ ዝጸለየላ ንእሽተይ ጓል እዚኣ ናይቲ ናብ ምሉእ ዓለም ዝተላብዐ በዓለሓምሳዊ ምንቅስቓስ እኖሓጎ ክትከውን እያ ዝብል ግምት ኣብ ኣእምሮኡ ኣይነበረን። ብድሕሪዚ ኣይደንጐየትን ማርያ ጽውዓ እግዚኣብሄር ሰምዐት እሞ ምሉእ ህይወታ ንጐይታ ኣወፈየት። ብዛዕባ ጽውዓኣ ድሒራ ከምዚ ኢላ ጽሒፋ ኣላ፡ ﷽ጐይታ ክጽውዓኒ ከሎ ብንጹር ድምጺ ገይሩ፡ ናብቲ ጐደናታትን ደምቤታትን እናኸድኪ ነተን ዝጠፍኣ ኣባጊዐይ ኣክቢ! ክብለኒ ሰሚዔዮ ነበርኩ፡፡ እንተዀነ ትኽ ኢላ ጻውዒታ ንምፍጻም ከይትወጽእ ዝኽልክላ ሓደ ሽግር ተረኽበ፡ ንሱ ኸኣ ሰበይቲ ምዃና እዩ፡፡ በቲ ዘመን እቲ ኣንስቲ ወንጌል ኪሰብካ ፈጺመን ኣይፍቀደለንን እዩ ዝነበረ። ኣብ መበል 19 ዘመን ደቀንስትዮ ካልእ ይትረፍ ኣብ ምርጫ ከየድምጻ እኳ ክልኩላት ነበራ። ሰበይቲን ሰባኺትን እሞ ኸኣ ዝገደደ፡ እኳ ደኣ ከም ዓቢ ነውሪ ይርኤ ነይሩ። ኣብ ርእሲኡ ሓዳር ዘይመስረተት ጓል ኣንስተይቲ ናብ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ክትዋፈር፡ ኣብቲ ሕብረተሰብ ዘይሕሰብ ጉዳይ እዩ። ሽዑኡ ማርያ ነቲ ጐይታ ዝበላን ነዚ ኣብ ቅድሚኣ ዝተገተረ ሽግርን እናመዛዘነት ኣስተንተነቶሞ ኣብ መወዳእታኡ ነቲ ጐይታ ዝሃባ ጽውዓ ክትገብሮ እንተድኣ ኰይና ናይ ግድን ሓደ ሚስዮናዊ ሰብኣይ ክትምርዖ ከምዘድልያ ሓሰበት። በዚ ወሲና ኸኣ ምድላዋታ ጀመረት። ንኣገልግሎት ዘዳልዋ ትምህርቲ ናብ እትምሃረሉ ሓደ ፍሉጥ ኮሌጅ መታን ክትኣቱ ድማ ነተ ጀሚራቶ ዝጸንሐት ቀልጢፋ ከተውድኦ መደበት። ከም ዝሓሰበቶ ግን ኣይኰነላን። ነቲ ጥቡቕ ምትእስሳር ዘለዎ ቤተሰባ ሓደ ዓቢ ድንገት ኣጋጠሞ፡ ንሱ ድማ ኣቦኣ ኣብ ናይ ሕርሻ ግራቱ እናዓየየ እንከሎ ተቐቲሉ ብሙማቱ ነበረ። ስለዚ ትምህርታ ኣቋሪጻ ስድራ ቤታ ክትናቢ ናብ ገዝኦም ተመልሰት። ብድሕሪዚ ናይ ስሩዕ ትምህርቲ ዕድላ ከም ዘኽተመ ብምግማት ዝተረፈ ዕድሚኣ ተራ ናብራ ምእመናን እናነበረት ከተሕልፎ እንተ ዘይኰይኑ ካልእ ኣማራጺ ከም ዘይብላ ተረድኤት።

 መላእኽቲ ናብ መደቀሲ ክፍለይ ኣተዉ

 ብጊዜ ኲናት ሓድሕድ ማርያ ምስ ሓደ ብሰንኪ ማህረምቲ ርእሲ ካብቲ ውግእ ዝተፋነወ ፒ.ኤች.ዉድዎርዝ ዝተባህለ ሰብኣይ ተላለየት። ምስ እዚ ወትሃደር ነበርዚ ከኣ ዝምድና መስረተት እሞ ነቲ ዝሰዓበ ዉዕዉዕ ናይ ምልላዮም መስርሕ ግዜ ከይወሰዱ ብመርዓ ዛዘምዎ። ናብርኦም ኣብ ሕርሻ ዝተመርኮሰ ኮይኑ ጻማ ጻዕሮም ዘይረኽብሉ ስለ ዝነበረ ናብ ስእነት ወደቑ። ዝሓዝዎ ዘበለ ምስላጥ ኣበዮም። ከምዚ ኣብ ዝበለ ህይወት እናነበሩ ዓመታት ሓለፈሞ ማርያ ኣደ ሽዱሽተ ቆልዑት ኰነት። ኣብዚ ተራ ናይ ቤተሰብ ናብራ ተሓጺራ ክትነብር ከላ እውን እንተዀነ እቲ ናይ ጐይታ     ጻውዒት ንልቢ ማርያ ካብ ምዂሕዃሕ ኣየቋረጸን። እቲ ከም ሰበይቲ ሰብኣይን ኣደ ቆልዑትን መጠን ዝተሰከመቶ ሓላፍነት እናኸበዳን እናበሳጨዋን ኣብ ርእሲ ምዃዱ ንጻውዒት ጐይታ ጐስያቶ ትነብር ምህላዋ እናተሓሳሰባን እናኸበዳን መጸ። ዝተመርዓወቶ ሰብኣይ ከኣ ንመንፈሳዊ ኣገልግሎት ቅንጣብ ድሌት ወይስ ኣቓልቦ ዘይብሉ ሰብ እዩ። ብዘይካዚ ሽዱሽተ ቆልዑ ምዕባይ ንማርያ ከቢድ ጾር ኣብ ልዕሊ ምንባሩ ኣብ ጥዕናኣውን ብዙሕ ይጸልዋን ትሓምምን ነበረት። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት እንከላ እምበኣርዩ ኣብ ርእሲ ዘላታ ተወሰኸታ ከም ዝብሃል እቲ ቀንዲ ዝዓበየ ሓደጋ ንቤቶም ዝወቕዖ። እንዳ ዉድ ወርዝ ካብቶም ሽዱሽተ ደቆም እቶም ሓሙሽተ ብሕማም ለበዳ ተቐዝፉ። ድሕሪዚ ዘሰቅቕ ሓደጋዚ ማርያ ከም ዝገበረት ጌራ ንነብሳ ከተጸናንዕን ካብቲ ሰሎሎ ሓዘን ክትወጽእን ተጋደለት። ድሕሪ ገለ ጊዜ ድማ  ኣምላኽ ረዲእዋ ክትረጋጋእ ከኣለት፡ እንተዀነ ግን ሰብኣያ ብኽቱር ሓዘን ተረሚሱ ተረፈ። ኣብዚ ወቕቲዚ ነዚ ክትብድህ ዝርካቡ ሃማን ቀልባን ኣኻኺባ በቲ ሓደ ነታ እንኮ ዝተረፈቶም ውጻእ መዓት ጓሎም እናተኸናኸነት በቲ ካልእ ኸኣ ንሰብኣያ እናኣጸናንዐትን እናደገፈትን ዘደንቕ ተጻዋርነት ተርኢ ነበረት። እቲ ኣዝዩ ዘደንጹ ናይ ማርያ ባህርይ እምብኣር በዚ ኲሉ ክትሓልፍ ከላ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሔር ንሓንሳእ ውን ይኹን ዘይምምራራ ወይ ከኣ ብሞት ደቃ ልባ ዘይምትራሩ እዩ።

በቲ ንቤተሰባ ዝወረዶ ዓቢ ሓዘን ምኽንያት ኣብ ከብዳ ዝኣተዋ ዘየደቅስ ጓሂ መልሲ ክትረኽበሉ ተመነየት፡፡ ዕረፍቲ ስለ ዝሰኣነት ቃል እግዚኣብሄር ክትምርምር ጀመረት። ከተንብብ ከላ ኸኣ እግዚኣብሄር ንደቂ ኣንስትዮ ከመይ ጌሩ ይጥቀመለን ከም ዝነበረ ኣስተውዓለት። ኣብ ትንቢት ዮኤል ከተንብብ ከላ ድማ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ሰብኡትን ኣንስትን ክፈስስ ከም ዝዀነ ዝነግር ትንቢት ከም ዝነበረ ተረድኤት። ማርያ ከኣ ናብ ሰማይ ገጻ ትጥምት እሞ ﷽ጐይታ! ኣነ ግና ክሰብኽ ኣይክእልን እየ፡ እንታይ ከም ዝብሃል ዘይፈልጥ ገለኳ ትምህርቲ ዘይብለይን እየ﻾ ትብል። ቀጺላ ድማ ናብ ንባባ ትምለስ እሞ ነቲ ጽውዓኣ ብውሽጣ እናኣሰላሰለት ኣምላኽ ብዛዕባኡ ዘቕርቦ ሓቂ ክትርኢ ናብ ምንባብ ትምለስ። ጸኒሓ ብዛዕባዚ ክትጽሕፍ ከላ ﷽ዝያዳ እናመርመርኩ ብዘንበብኩ መጠን ብዙሕ ንዓይ ዝወቅስ ነገር እናተገንዘብኩ ኸድኩ﻾ ትብል።
ዀነ ኸኣ ማርያ ሓደ መዓልቲ ሓደ ዓቢ ራእይ ክትርኢ በቕዐት። መላእኽቲ ናብቲ መደቀሲ ክፍላ ኣተዉ እሞ ሒዞማ ናብ ምዕራብ ኣሜሪካ ኣቢሎም ከዱ፡ ብልዕሊ ጐላጉል ፕረይሪን ዓበይቲ ቀላያትን ከምኡውን ብርእሲ ጫካታትን ወሓይዝን ሓሊፋ ናብ ክሳዕ ደረት ትርኢቱ ዘመመ-መመም ዚብል ወርቃዊ ልብሲ ዝተኸድነ ዝመስል ማእለያ ዘይብሉ ምህርቲ ዝሓዘለ መጠነ ሰፊሕ እኽሊ ቐውዒ በጽሔት። እዚ ግሩም ኣዝመራ ኣብ ቅድሚኣ ተዘርጊሑ እናኣድነቐት እንከላ ንሳ ክትሰብኽ ትጅምር እሞ ከም ብሓድሽ እቲ እኽሊ በብእንዳእቲ ኰይኑ ለም ኢሉ ረኣየቶ። ሽዑ የሱስ ከምዚ በላ ﷽ከምዚ እዚ እኽሊ ለም ኢሉ ወዲቑ ትርእዮ ዘለኺ ልክዕ ከምኡ ኸኣ ህዝብታት ረም ክብሉ እዮም﻾፡፡ ብድሕሪ እዚ ራእይዚ ማርያ ንጽውዓኣ ከይተማእዘዘት መጨረሽኡ ሕጉስ ህይወት ክህልዋ ከም ዘይክእል ኣረጋገጸት። ከም መልሲ ነዚ ዓቢ ራእይ ናይ እግዚኣብሄር ከኣ፡ ነቲ ኣብ ህይወታ ዘንበሮ ጽውዓ ኢዳ ኣልዒላ እናተቐበለት ንጐይታ ብዓቢ ትሕትና ﷽እሺ ሕራይ፡ እእዘዝ! ጐይታ﻾ በለቶ። ብዓቢ ሓይሊ ክቐብኣ ከኣ ለመነቶ።

 ኣ-ን-ስ-ተ-ይ-ቲ እንኪንበብ ﷽ድ-ኽ-ም-ቲ﻾ ኣይብልዎን                        

 ኣ-ን-ስ-ተ-ይ-ቲ ዚብል ቃል ከነንብቦ ከሎና መቸም ድኽምቲ ኢልና ከነድምጾ ኣይንኽእልን ኢና፡፡ ካበይከ ከንምጽኦ! እዚ መጽሓፍ እዚ እተንብባ ዘለኽን ብዙሓት ደቀንስትዮ ወንጌል ክትሰብካ ብኣምላኽ ተጸዊዕክን ኣሎኽን። ህዝብታት ሓራ ንምውጻእ ንኣገልግሎት ክትወጻ እግዚኣብሄር መጽሓፍ ቅዱስ ብዝተፈላለየ ራኢታትን ድርኺታትን ተዛሪቡክን እዩ። እግዚኣብሄር ኣብ ከም መለኮታዊ ፈውሲ፡ ምንጋፍን ብመንፈስ ቅዱስ ሓርነት ምእዋጅን ዝኣመሰሉ ኣገልግሎታት ከተገልግላ ተዛሪቡክን ኣሎ። ስለዚ ነቲ እግዚኣብሄር እተዛረብክን ነገር ዝዀነ ይኹን ናይ ሃይማኖት መንፈስ ክዓብጦ ኣይትፍቕዳሉ። ሃይማኖት ናይ ደቀንስትዮ ብፍላይ ከኣ ናይተን ናእሽቱ ኣሓት ኣገልግሎት ብምጽቃጥ እዩ ዝሕጐስ። ስለዚ እቲ ኣውራ ዘድልየክን ነገር ንእግዚኣብሄር ብዘይ ዝዀነ ይኹን ሕቶ ምእዛዝ እዩ። ምናልባት ማርያ ካብ ንእስነታ ነቲ ጻውዒት ተቐቢላቶ እንተትነብር ደቃ ኣይምሞቱን ነይሮም ይኾኑ። ኣብዚ እግዚኣብሄር ንደቃ ቀቲሉዎም ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ፡ እንታይ ደኣ፡ ንእግዚኣብሄር  ምእዛዝ ኣግሂድና ኣብ እንኣብየሉ ጊዜ ማዕጾና ንእኩይ ተግባራት ሰይጣን ከፊትናሉ ኣሎና ማለትዩ ክብል ደልየ እየ። ንሱ ኸኣ ስርሑ ምስራቕን ምቕታልን ምዕናውን እዩ። ዕዮ እግዚኣብሄር ግና ህይወት ምሃብ እዩ፡፡ ስለዚ ንእግዚኣብሄር ብትብዓት ምእዛዝ ተላመዳ፡፡ ትብዓት ሓይሊ እግዚኣብሄር እዩ ዘልብስ፡፡ ነቶም ከሰስትኽን ከኣ ኣብ ቅድሚ ዓይንኽን ኣፎም ከም  ዝሕዙ ይገብሮም። ካልእ ኣብ ርእሲዚ ዘድልየክን ነገር ከኣ ክምህራኽን ዚኽእላ  ጽኑዕ ኣገልግሎት ዘለወን ኣሓት ደሊኽን ብምርካብ ምስኣተን ምጥባቕ እዩ።
 እስኪ ነዚ ዝስዕብ ናይ ሓፍትና ማርያ ቃላት ናብ ውሽጢ ልብኽን ኣትዩ ከነቓቕሓክን ፍቐዳሉ።
﷽ብክርስቶስ ዝኸበርኪ ሓፍተይ ነዚ ቃላተይ ክትሰምዒ ከለኺ መንፈስ ኣምላኽ ኣባኺ ክወርድን ነቲ ጐይታ ዝጸውዓኪ ዕዮ ንምፍጻም ተኣዛዚት ክገብረክን እጽሊ። እቲ ደቀንስትዮ መብራህተን ደሚቑ ዝበርሃሉ ጊዜ ኣኺሉ እዩ። ነቲ ተሓቢኡን መሪቱን ዝነበረ ተውህቦታተን ኣውጺኤን ወልዊለን ንኽብሪ ኣምላኽ ዘወፍያሉ ጊዜ ኣኺሉ እዩ። እቲ ሓይሊ ክህበን ዝተኣመናኦ 'ፈጺመ ኣይገድፈካን እየ' ዝብል ኣምላኽ ኣብ ቅድሚኤን ዘዳለዎ ዕዮ በርቲዐን ዝዓያሉ ጊዜ ኣኺሉ እዩ። ድኽምቲ እየ እናበልና ኣይነመኻኒ። እግዚኣብሄር ነቲ ናይዛ ዓለም እዚኣ ጥበበኛ ከነውር ንድኹም ነገራት ክጥቀመሉ እዩ። ንሕና ውሉዳት እቲ ልዑል እግዚኣብሄር ኢና፡ ነቲ ዓቢ ጽውዓና ኣኽቢርና ነቶም ኣብ ስንጭሮ ድነ ሞት ተኾዲሞም ዘለዉ ከነድሕኖምዶ ኣይግብኣናን እዩ? እግዚኣብሄር ንሙሴን ኣሮንን መብራህቲ ኪዀኑ ክሰዶም ከሎ ምስኦም ንሚርያምዶ ኣይሰደዳን እዩ? ዲቦራ ቀቅድሚቲ ናይ ንጉስ ፊተውራሪ ሰራዊት ወጺኣ ብቅድመ ግንባርነት እንተዘይመራሓቶም ባራቕ ንጸላእቱ ክገጥም ዘይደፍር ነበረ። ጐይታሲ ሰብኡትን ኣንስትን ህጻናትን ከተንስእ እንከሎ ብብጹእ ምርጫኡ ይገብሮ ከም ዝነበረ ህያው ኣብነት ናይ ብዓል ሃና፡ ሁልዳ፡ ፌበን፡ ናርቂስስ፡ ጥራፌና፡ ጰርሲስ፡ ዩልያ፡ ክልቲኤን ማርያምን ናይተን ምስ ጳውሎስ ዝጋደላ ዝነበራ ኣሓትን ኣሎና። እሞኸ ድኣ! ደቀንስትዮ ኣብዚ ናይ ክርስቶስ መንግስትን ግራት ወይንን ካብ ቀደምሲ ሎሚ ኣዛይደን ክዓያዶ ኣይግብኤንን እዩ?﻾

 እምብኣር ሓፍተይ! ነፍሲ ወከፍኪ ብዛዕባ ገዛእ ነፍስኺ ንጐይታ ሕተትዮ። እንተድኣ ተጸዊዕኪ ኣሎኺ ኰንኪ መልሲ ክትህብሉ ብግዲ እዩ። ንእግዚኣብሄር ብዘይ ምውልዋል ተኣዘዝዮ፡ ንሱ ከኣ ንዂሉ ኩነታትኪ ነኣሽቱ ዝርዝራትውን ከይገደፈ ባዕሉ ክውግነልኪ እዩ።

ኣብ መላእ
እታ ቤት ዝነበሩ
ነብዑ! በኸዩ!

 ማርያ ኣገልግሎታ በቲ ኣብ ጥቓኣ ዝነብር ዝነበረ ማሕበረሰብ ጀመረቶ። እንታይ ክትብል ከም ዘለዋ ዝጨበጠቶ ሓሳባት ኣይነበራን፡፡ እግዚኣብሄር ግን ክትከይድ ከም ዘለዋ ንሱ ባዕሉ ኸኣ እቲ ክትዛረቦ ዘለዋ ቃላት ኣብ ኣፋ ከቐምጥ ምዃኑ ተዛረባ። ኰነ ድማ እግዚኣብሄር ንቓሉ ፈጸሞ። ማርያ ኤተር ኣብ ቅድሚ እቲ ዘመድ ኣዝማድን ኣዕሩኽትን ዝበዝሕዎ ቦኽሪ ኣኼባኣ ደው ምስ በለት ኣፋ ኸፈተት። እንሆ ኸኣ እቶም ተጋባእቲ ኪበኽዩ ጀመሩ። ገሊኦም ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ተሰኒፎም ኣብቲ ምድሪ ቤት ራዕ ኢሎም ወደቑ፡ ገለ ካብኣቶም ካብ ዝወደቕዎ ተንሲኦም ንብዓቶም ዘራዕራዕ እንዳበለ ክጎዩ ተራእዩ። ብድሕሪዚ ማርያ ኣብቲ ሕብረተሰብ ኣዝያ እትድለ ሰብ ኰነት። ብዙሓት ኣብያተ ክርስትያናት መጺኣ ከተገልግለንን ንምእመናነን ከተነቓቕሓለንን ሓተትኣ። ንሳ ኸኣ ኣይደንጐየትን ንኣገልግሎታ ናብ ምዕራባዊ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣቢላ ብምስፋሕ ኣከታቲላ 9 ናይ ምንቕቓሕ ኮንፈረንሳት ኣካየደት፡ 200 ስብከታት ሰበኸት፡ ከምኡውን ክልተ ኣብያተ ክርስትያናትን ብድምር 100 ኣባላት ዘለውወን 2 ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብያተ ትምህርትን ከፈተት። እግዚኣብሄር ንማርያ ኣኽበራ፡ ነቲ ብኸንቱ ዝሓለፈ ዓመታታ ባሪኹ መለሰላ።
ብኸምዚ ሰሊጥዋ እናተጓዕዘት ከላ ሓደ ጊዜ ኣብቲ ተገልግለሉ ዝነበረት ﷽ደንበ ኣጋንንቲ﻾ ብዝብል እትጽዋዕ ንእሽቶ ከተማ ናይ ወንጌል ኣኼባ ኣካየደት። ኣብዛ ከተማ እዚኣ ቅድሚኣ ተዓዊቱ ዝኸደ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ስለ ዘይነበረ እቶም ህዝቢ ከላግጹላን ከባጭዉላን ኢሎም ተኣከቡ። እዛ ወንጌላዊት ጓል ኣንስተይቲ  ሕልናኣ ተሓምሺሹን ፍጹም ተሳዒራን ካብ ከተምኦም በርጊጋ ክትወጽእ ከርእይዋ ተሃወኹ። ግናኸ ከምቲ ዝሓሰብዎ ኣይኰነሎምን። ዕድመ ልክዖም ርእዮሞ ኣብ ዘይፈልጡ ዘደንቕ ተኣምር ድኣ ተዋሕጡ። ንሓፍትና ማርያ ኤተር ከም ተራ ጓል ኣንስተይቲ ይግምትዋ ነይሮም ይኾኑ፡ ንሳ ግና ከምዚ ብቐሊሉ ትርኤ ሰብ ኣይነበረትን። ነቲ መፍትሕ ናይ መንፈሳዊ ውግእ፡ ነቲ ንመንግስተ ሰማያት ዘርሑ ኣድማዒ ጸሎት የዐርያ ዘጽንዐት ሰብ እያ ኔራ። ኰነ ኸኣ ኣብታ ከተማ ማርያ ንሰለስተ መዓልቲ ሰበኸትን ዘመረትን ገለ እኳ ዝንቀሳቐስ ኣይተራእየን። መጨረሽታኡ ኣብ ራብዓይ መዓልቲ ንመንፈሳዊ ስልጣና ብናይ ምምላድ ሓይሊ ፈንያ ነቲ ኣብ ﷽ጭፍራ ኣጋንንቲ﻾ ዝገዝእ ዝነበረ ሕልቅነት ኣፍረሰቶ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ናይ መለኮታዊ ሓይሉ ዓቢ ተግባር ከርኢ እሞ ብእኡ ነቲ ናይቲ ህዝቢ ተሪር ስርዓት ክሰብሮ ጸለየት። በታ ለይቲ እቲኣ ኸኣ እንሆ መላእ እቲ ዝተኣከበ ህዝቢ ኪበክን ኪንሳሕን ሓደረ። እዚ ድማ ነታ ከተማ ኣብ ታሪኻ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ዝዓበየ ምግላጽ ህልውና እግዚኣብሄር ነበረ።

ዕርድታት ዘፍርስ ደርማስ ሓይሊ

 ንሕና ተስፋ ክንቆርጽ ኣይተጸዋዕናን። ንሕና እተጸዋዕና እቲ ዝኽፈል ዋጋ ብዘየገድስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ክንእዘዞ ጥራይ እዩ። እቲ ጐይታ ዝህበና ዓወታት ባዕሉ ኸኣ ነቶም ተቓወምትና ዘየላቡ መልሲ ኪዀኖም ክንርኢ ኢና። እንተድኣ ኣብ ናይ ህይወትካ ወይ ኣገልግሎትካ ከዋሕ ቦታ ተራጺምካ
ኣይተጉረምርም፡ ጸርጸርውን ኣይትበል፡ ናይቲ ጸገም ምኽንያትውን ኣይትደርደር። ጸሊ ጥራይ፡፡ ምምጽራይን ምምስማስን ንሓይልኻን ብርታዐኻን ዚገፉ ዘረፍቲ እዮም። ኻልእ መገዲ ከተናዲ ኢልካውን ነቲ ዝተዋህበካ ተልእኾ ምፍጻም ገዲፍካ፡ ርእስኻ ኣድኒንካ ንድሕሪት ክትምለስ ኢልካ ኣይትፈትን ኣይትሕ ሰቦውን። ነቲ ብጐይታ የሱስ ዝተዋህበካ በትሪ ስልጣን ድኣ ኣልዕሎ እሞ ብኡ ጌርካ ነቲ ንህዝብታት ዘዕውር ንዓኻ ድማ ዝጻረረካ ዘሎ ሓይሊ ኣጋንንቲ ሓምሽሾ፡ ብዘየባትኽ ጸሎት እውን ነዚ ዓቢ ስልጣንዚ ኣጽኒዕካ ሓዞን ተጠቐመሉን፡፡ መንፈስ ኣምላኽ ናብ ኣልባብ ህዝብታት ኣትዩ መታን ከገልግሎም ብእኡ ጌርካ ጋሊህካ ንጹህ ኣፍ ደገ ኽፈተሉ። ሓፍትና ማርያ ኤተር ብኸምዚ ኣገባብ ብጸሎት ተዕብዮ ዝነበረት መንፈሳ ዘይዕገት ሓይሊ ይፍልፍል ነበረ። በዚ ድማ ንኸተማታት መርሖኤን ሰባቢራ ከም እትኸፍት ፍትንቲ ኣገልጋሊት ትፍለጥ ነበረት።


ሓፍትና ማርያ ኤተር ናይዞም ሎሚ ልሙዳት ኰይኖም ዘለዉ በዓል ሓምሳውያን ተርእዮታት ፈላሚñ መገዲ ዝሃንደሰት ናይ እግዚኣብሄር ሰብ እያ ነይራ። ሓደ መዓልቲ ኣብ ምዕራባዊ ኦሃዮ ኣብ እትርከብ ሓንቲ ከተማ ኣብ ሓንቲ ተዋሂብዋን እትለማመዶን ዝነበረት ሓይሊ እግዚኣብሄር ዘጥፍኤት ማሕበር ስብከት ክትሰብኽ ከላ ምስጢር ናይቲ ዝረኣየቶ ናይ ስርናይ እንዳእቲ ንመጀመርታ ጊዜ ክበርሃላ ጀመረ። ኣብዛ ሓይሊ ስኢና ጠምቢያ ዝነበረት ማሕበር እዚኣ ከኣ እዩ እቲ ንሰባት ናብ ሰመምታ ዘጥልቕ መንፈሳዊ ልምምድ ዝጀመረ። እዚ መንፈሳዊ ልምምድ እዚ እቲ ብርቱዕ ስደት ዘስዓበላ ግን ከኣ እቲ ዝዓበየን ፍሉይን መለለዪ ናይ ኣገልግሎታ ነበረ። ክሳዕ እዚ ህሞትዚ ነዚ ተርእዮዚ ከምዚ ሎሚ ዚፍለጥ ዘሎ ኣይፍለጥንዩ ዝነበረ፡፡  ማሪያ ብዛዕባኡ ከተብርህ ከላ ኣብ ናይ ብሕቲ መዝገባ ከምዚ ዚስዕብ ጽሑፍ ኣስፊራ ኣላ፡፡
﷽ዓሰርተ ሓሙሽተ ዝኮኑ ሰባት ናብቲ ፑልፒት (መድረኽ) ገጾም ምሕረት ኪግበረሎም እናወጨጩ መጹ፡፡ ኻልኦት ኣንስትን ሰብኡትን ድማ ከም ምዉታት ኮይኖም ኣብቲ መሬት ተሰጥሑ፡፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ቅድሚኡ ፈጺመ ዘይረኣኹ እኳ እንተነበርኩ ናይ እግዚኣብሄር ድንቂ ስራሕ ምዃኑ ተገንዘብኩ፡፡ እንተኾነ ከመይ ጌረ ከም ዝገልጾ ወይስ እንታይ ከም ዝብል ክፈልጥ ኣይከኣልኩን፡፡﻾

 ንቑሩብ ጊዜ ኣብቲ ምድሪ ቤት ተሰጢሖም ምስ ጸንሑ እቶም ሰባት ዘዘሊሎም ይትንስኡ እሞ ገጾም ብርሃን እናኣንጸባረቐ ዓው ብዝበለ ድምጺ ንእግዚኣብሄር ክብሪ ይህቡ ነበሩ። ሓፍትና ማርያ ኤተር ከምዚ ዝበለ ዝነጸረ ምልዋጥ ናይ ሰባት ኣጓኒፍዋ ከም ዘይፈልጥ እያ ትዛረብ። እቶም ሽዑኡ ዝነበሩ ኣገልገልትን ሽማግለታትን  ስለቲ ዝወረደ በዓለሓምሳዊ ሓይሊ እናነብዑ ንጐይታ ኣኽበርዎ። ካብዛ ኣኼባ እዚኣ ንደሓር ድማ ኣገልግሎት ሓፍትና ኤተር በዚ ንዂሉ ስብከታ ዚስዕቦን ናብ ክርስቶስ ብዝመጹ ኣማእታት ሰባት ዝስነን ዝነበረ ፍሉይ መንፈሳዊ ጸጋ እዚ ዝልለ ኰነ።

ናይ ሰመምታ ዘረባ  (TRANCE  TALK)

 እዞም ድቃሳት እዚኣቶም ናይቲ ጊዜቲ መዛረቢ ኣርእስቲ ኮኑ፡፡ ኣማኢት ሰባት ካብዚ ዚፈስስ ጸጋዚ ክሰትዩን ከስተማቕርዎን ምውሓዝ ጀመሩ። ገሊኦም ከኣ ንኣቃጫጭ ኪዕዘቡ ዝመላለሱ ነይሮም። ኣብ ሓንቲ ኣኼባ ንኣብነት ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ዝተዋጽኡ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሓካይም ነቲ ﷽ሰመምታታት (TRANCES)﻾ ክምርምሩ መጽኡ። ሓደ ካብኣቶም በታ ፍልይቲ ሞይኡ ብደረጃ ዓለም መሪሕ ቦታ ዝሓዘ ስሙይ ሰብ ነበረ። ሓፍትና ማርያ ኤተር ብዛዕባኡ ክትጽሕፍ ከላ ከምዚ ትብል
﷽ንሱ ብሓይሊ እግዚኣብሄር ኪእመን ኣይደለየን። እኳ ድኣ ኣብቲ ምርምሮም ከም ዝገበሩ ጌሮም ﷽ሰመምታታት﻾ ዘይበሃግ ትርጉም ወይ ከኣ ኣሉታዊ መግለጺ ከም ዘለዎ ኣንተዘረጋግጹ ኣዝዩ ምተሓጐሰ ነይሩ። ብውሽጡ ነዚ ተሃንጥዩ ሸበድበድ እናበለ እንከሎ ናብቲ ሓደ ወሰን ናይቲ ኣዳራሽ ተጸውዐሞ ነዳይ ናይ ልቡ ይሓልም ከም ዝበሃል ን﷽ሰመምታ﻾ ዘቃልዕ ሓድሽ ነገር ክረክብ እናተጸበየ ከደ። ዘገርም ነገር ከኣ ኣጓነፎ፡ ገዛእ ውላዱ ጐይታ ንኽቕበል ኣብቲ መድረኽ ወጺኡ ነበረ። ኣቦኡ ክጽልየሉ ስለ ዝሓተተ ድማ እዩ እዚ ሊቅዚ ተጸዊዑ ዘሎ፡፡ እቲ ኣቦ ግና ኪጽሊ ዚኽእል ኣይነበረን። ሽዑ እግዚኣብሄር ነዚ ኣቦዚ እንታይ ዓይነት ሰብ ምዃኑን እንታይ እንታይ ተግባራት ይገብር ከምዝነበረን ከርእዮ ኣዒንቱ ኸፈተሉ። ብሃንደበት ከኣ ብዛዕባ ነፍሱ ኪጽሊ ጀመረ። እንሆ እናጸለየ እንከሎ ድማ ናብ ወዮ እቲ ሰምመታ ጠሓለ። ሽዕኡ ናይ ሲኦል ዘሸብርን ዘርዕድን ስቅያት ኪርኢ ተዋህቦ። ንሱ ባዕሉ ናብቲ ሲኦል ሸለው ኢሉ ክጸድፍ ከሎ ድማ ረኣየ። ድሕሪ ኣዝዩ ዘጨንቕ ጻዕረ-ገደል ኢድ እግዚኣብሄር ከተድሕኖ ከላ ረኣየ። ድሒኑን ተናጊፉን ድማ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ሰብ ደው በለ፡፡ ብድሕሪዚ፡ እዚ ስሙይ ሓኪም ነፍሳት ናብ ክርስቶስ ንምምጻእ ኪዓዪ ንእግዚኣብሄር  ከገልግል ወጽኤ።﻾

 ሓፍትና ኤተር ካብ ካልእ ተመኩሮኣ ኣብ ሓደ ጊዜ ብዙሓት መንእሰያት ደቀንስትዮ ዝተዓደማሉ ግብዣ ገለ ካብኣተን ኣብ ﷽ሰመምታ﻾ ከም ዝኣተዋ ኣምሲለን ክግበዛን ክዋስኣን ከም ዝፈተና ጽሒፋ ኣላ። ከምኡ ኢለን እናኣምሰላ ኸለዋ ግን ንቕጽበት ሓይሊ ኣምላኽ ከም ዝሓዘን እሞ ነቲ ዝጀመርኦ ላግጽን ዋዛን ናብ ምሕረት እግዚኣብሄር ዝልምን ብርቱዕ ኣውያት ከም ዝቐየሮ ትገልጽ።

 ሓደ ጊዜውን ኣብ ዓለም ብዙሕ ዝዞረ ሽማግለ ሰብኣይ ኣብ ሓደ ማርያ ኤተር እተገልግለሉ ዝነበረት ኣከባቢ ኪበጽሕ መጽኤ እሞ ሃይማኖታዊ ሰብኣይ ስለ ዝነበረ ኣብ ሓደ ካብቲ ናይ ወንጌል ኣኼባታታ ንምስታፍ ኣተወ። ነቲ ኣኼባ እናተዓዘበ እንከሎ ነቲ ዝርእዮ ዝነበረ ምግላጽ ሓይሊ ብዝጠቅስ ምስ ሓደ ዓርኩ ሓደ ናይ ምብጫው ዘረባ ተዛረበ። ቀጺሉ ኸኣ ብመንፈስ ትዕቢት ተመሊኡ ናብቲ በሪኽ መስበኺ ቦታ ቀሪቡ ክምርምር ብድፍረት ንቕድሚት ከደ። እንተዀነ ናብቲ መድረኽ (ፑልፒት) ከይበጽሔ ከሎ ብሓይሊ እግዚኣብሄር ተወቒዑ ኣብቲ ምድሪ ቤት ወደቐ፡ ንልዕሊ ክልተ ሰዓት ከኣ ኣብኡ ተሰጢሑ ጸንሐ። ኣብ ከምዚ ኲነታት እንከሎ ከኣ እግዚኣብሄር ናይ ገነትን ሲኦልን ራእይ ኣርኣዮ። ናይ ግድን ክመርጽ ከም ዘለዎ ተረዲኡ  ኸኣ ብቕጽበት ንእግዚኣብሄር መረጾን ሽዑ ንሽዑ ዳግም ተወልደን። እዚ ምስ ተወድኤ እቲ ሰብኣይ ናብ ቀልቡ
ተመልሰ እሞ ንእግዚኣብሄር ክብሪ ናብ ምሃብ ኣተወ። ካብቲ መምታ (ትራንስ) ምስ ተመልሰ እዚ ሰብኣይ እዚ ክብሎ ዝኸኣለ ነገር እንተነይሩ ንየሱስ ክርስቶስ ብግሊ ከይፈለጦ ኣብ ሃይማኖት ጥሒሉ ብኸንቱ ዘሕለፎ ናይ 60 ዓመታት ዕድሚኡ ከም ዘጠዓሶ ጥራይ እዩ።
ገናውን ጋዜጣታትን ዘይኣመንቲ መራሕቲ ክርስትናን ካብ እዞም ናይ ወንጌል ኣኼባታት ኪርሕቁ ንዅሉ የጠንቅቑ ነበሩ።እዞም ናይ ማሪያ ኤተር ናይ ወንጌል ኣኼባታት﷽ንሰብ ኣእምሮኡ ዘዘናብሉ ወይ ከኣ ዘጸልሉ እዮም﻾ ብምባል ይገልጽዎም ነበሩ። በንጻሩ ኣሽሓት ሰባት ምድሓን ይረኽቡ ነበሩ። ዝበዝሑ ካብቶም ዝደሓኑ ዋላ ናብ ገዛውቶም እናኸዱ ኣብ መገዲ ከይተረፈ ﷽ብሓይሊ እግዚኣብሄር ተሃሪሞም ብምው ዳቕን  ከም ምውታት ሰባት ኣብ ባይታ ብምዝርጋሕን﻾ ዝሓለፉ ነበሩ። ከምኡውን ብተመሳሳï መገዲ ብዙሕ ማይልስ ካብቲ ኣኼባታት  ኣብ ውሽጢñ ቤቶም እንከለዉ ብሓይሊ ኣምላኽ ብዛዕባ ዝወደቑ ሰባት ተመስኪሩ እዩ። እዞም ﷽ሰመምታታት﻾ እዚኣቶም እንታይ እዮም? ንሳቶም ካብቶም እግዚኣብሄር ዝግለጸሎም ኣርባዕተ መገድታት እዮም። እቲ ቀዳማይ ራእይ ﷽ውሽጣዊ ራእይ﻾ ይብሃል። እዚ እቲ ኣብ ውሽጣዊ ሰብካ ወይ ከኣ ኣብቲ መንፈሳዊ ሰብካ እትርእዮ ስእሊ ኰይኑ እንተድኣ ኣቕሊብካሉን ኣተኵርካሉን ኣዝዩ ዘርብሓካ (ዚጠቕመካ) ራእይ እዩ። እቲ ኻልኣይ ኸኣ እቲ 'ክፉት ራእይ' ዝብሃል እዩ። ልክዕ ከምቲ እግዚኣብሄር ንዓኻ ብፍሉይ ከርእየካ ዘዳለዎ ትርኢት ገይራ ከተርእየካ ኣብ ቅድሜኻ ተወሊዓ ዘላ ናይ ተንቐሳቓሲ ስእሊ መርኣዪት  (screen) እዩ። እቲ ሳልሳይ 'ናይ ለይቲ ራእይ' እዩ። እዚ እቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ሓደ ነገር ከፍልጠካ ኢሉ ዘርእየካ ሕልሚ እዩ። እቲ ናይ መጨረሽታ ዓይነት ራእይ ድማ እዚ ናይ 'ሰመምታ ራእይ' ንብሎ ዘሎና እዩ። ኣብዚ እግዚኣብሄር ከምቲ ዝደለዮ ጌሩ ምእንቲ ከገልግለካ ንዂሉ ባህርያዊ ክእለታትካ የደስክሎ ወይ ከኣ የደቅሶ እሞ ነቲ ዝመደበልካ ራእይን ምግላጽን ኣብ ውሽጥኻ የርእየካ። ኣብ ናይ ሓፍትና ማርያ ናይ ወንጌል ኣኼባታት ሰባት ካብ ናይ ሰመምታ ራእይ ምስ ተመልሱ(ምስ ተበራበሩ) ገነትን ሲኦልን ከም ዝረኣዩ ይዛረቡ ነበሩ። ናይ ሓፍትና ማርያ ናይ ኣገልግሎት ቅዲ ወይ ከኣ ኣገባብ ካብቶም ናይ ጊዚኣ ኣገልገልቲ ብውሕዱ ﷽ዝተፈልየ﻾ ነይሩ ክብሃል ይከኣል። ንሳ ነቶም ምእመናን ተሳተፍቲ ኣብ ኣኼባታት ብሓርነት ካብ ምንቅስቓስ ወይ ምስታፍ ክትክልክሎም ወይ ከኣ ክትድርቶም ኣይትደልን ነበረት። ዘይከምቲ ናይ ዓሰርተ ሾሞንተ ሚእቲታት ድሩቕ ስርዓተ-ቤተክርስትያን፡ ማርያ ኣብ ብመንፈስ ኰንካ ምጭዳርን (ምውካዕን) ምስዕሳዕን ምዝማርን ምስባኽን ትኣምን ነበረት። ንሳ ስምዒታዊ መግለጺታት ስርዓት ክሳዕ ዝለበሱ ኣድለይቲ ምዃኖም ትኣምን ነበረት። ብኣንጻሩ ዋሕዲ ወይ ከኣ ዘይምህላዉ ናይ ባህርያዊ መግለጺታት ከም ምልክት ናይ ዘይምእማን ወይውን ንድሕሪት ምምላስ ገይራ ትወስዶ፡፡

ጫውጫውዶ ዕግበት?

 ኣብዚ ጊዜዚ እግዚኣብሄር፡  ሰባት ንገዛእ ርእሶም ብኽፉት ልብን ብመንፈስ ሓርነትን ቀሊዖም ናብ ኣምላኾም ንኸየፍስስዎ ብዝእግዳ ማሕበራት ተሸጊሩ ከም ዘሎ ማርያ ኤተር ትኣምን። ሰባት ንእግዚኣብሄር ውሽጦም ዘይቀልዕሉ እንተ ዀይኖም እግዚኣብሄር ናብ ልዕሊኦም ክንቀሳቀስ ኣይክእልንዩ። ኣብ ቤተክርስትያን ገለ ሰባት ንስምዒት ይፈርህዎ እዮም። ሰባት ኣብ ቤቶም ክዘናግዑ ከለዉ ወይ ከኣ ስፖርታዊ ግጥማት ኪዕዘቡ ከለዉ ብዛዕባ ስምዒታት ግዲ የብሎምን። ዝገርምዩ ግን እዞም ሰባት እዚኣቶም ንፍሉጥ ሃይማኖታዊ ምኽንያታት ቤተክርስትያን ጸጥ ዝበለትን ህድእትን ክትከውን ኣለዋ ብምባል ይማጐቱ፡፡ ገለ ሰባት ኣብዚ ሞይቶም ናብ ገነት  ክኣትዉ ከለዉ ሓፍ-ዞቕ ዝመልኦ ምብርባር ኪዀኖም እዩ። ሽዑ ንሳቶም ምሳና ምስቶም ካልኦት ደቂ ኣምላኽ ዝዀንና ኣሕዋቶም ሓቢሮም ምሕጓስን ምምስጋንን ከም ብሓድሽ ኪምሃሩ ከድልዮም እዩ። ምኽንያቱ ገነት ብህይወትን ብጸዓትን ዝተመልኤት እያ። ብዙሕ ብዓወት ክንጭድረሉ ዝግባእ ነገራት ኣሎ - ኣብ ክልቲኡ - ኣብዝን ኣብትን፡፡ ኣብያተ ክርስትያናት ሓድሽ ናይ መንፈስ ቅዱስ ምንቅስቓስ ክረኽባ ኣለወን። እዚ ናይ እግዚኣብሄር ሓይሊ ዝዀነ ምንቅስቓስ እዚ ድማ ዘንቐሳቕስ ወይ ከኣ ዝልውጥ ስለ ዝዀነ ፍተውዎ ጽልእዎ ንስምዒታት ወዲ ሰብውን ይትንክፎ ጥራይ ዘይኰነ ይድርኾን ይእዝዞን እዩ።

 ﷽ስማዕንዶ ሮበርትስ፡ እግዚኣብሄር ብሓቂዶ ኣብቲ ጫውጫውታን ዳንኬራን ኣሎ እዩ? ነዚ መቸም  እግዚኣብሄር ይሰምሮ እዩ ኢለ ክኣምን የሸግረኒ እዩ።﻾ ዚብል ሓታቲ ክህሉ ይኽእል። ርግጽ እዩ እቲ ጫውጫውታን ዳንኬራን ሳዕስዒትን ንባዕሉ እግዚኣብሄር እዩ ማለት ኣይኰነን፡፡ ንሱስ ብቀሊሉ ንምዝራብ ነቲ ሰማያዊ ሓይሊ ዝወሃቦ ዘሎ ክትቆጻጸሮ ዘይክኣል ግብረ መልሲ እዩ። ስምዓኒ እሞ ሓወይ ኣጻብዕትኻ ኣብ ናይ ኤለትሪክ ሶኬት እንተድኣ ኣእቲኻዮ ሓይሊ ኤለክቲሪክ እናቃጸለካ ከሎ ስቕ ክትብልዶ ምኽኣልካ?


﷽እሞ ሕራይስኪ እዝስ ይኹን ብዛዕባ እቲ ካብ ንቡር ዝወጸን ሕልፍ ዝበለን ዝርኤ ተርእዮታትከ እንታይ ጣቊኡ?﻾ ትብለኒ እንተኣሊኻ ኸኣ እዚ ክብለካ እደሊ ﷽ስለምንታይ ኢና ናብቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ጐደና እናኣስተብሃልና ክንጓዓዝ እናተገብኣና ነቲ ኣብ ወሰናስንን ወጻኢ ካብ መገድናን ዘሎ እልፊ ዘየገድስ ቀንጠመንጢ ነገራት ግድን ዘየቕለብናሉ ኢልና ንሓምም? ኣብቲ ሓቂ ኣተኲር፡ ሽዑኡ እቲ ሓሶት ክብህንን እዩ። ሓይሊ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኻ ምስ መጸ ንሱ ኬሓጉሰካ እዩ። ሓደ ነገር እንተድኣ ኣሓጉስካ ኸኣ መቸም ነቲ ሓጐስካ ክትገልጾ ግድን እዩ። እዚ ሓቂ እዚ ኸኣ ብፍላይ ንእግዚኣብሄር ምስ ተንከፍካዮ ክንደይ ዝገደደ ዘይከውን፡፡ ስለዚ እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኣምልኾ ባህ ኢልዎ ዚቕበሎ ነገር መሚኻ ፍለጦሞ ግበሮ።
ሕጂውን ትብል ትኸውን ﷽እሞ እቲ ሰባት ብዛዕባና ዝዛረብዎኸ? መዛረቢኦም ኰንናዶ ንትረፍ?﻾ ኣነ ኸኣ እብለካ ﷽እንታይ እዩሞ ሰባት እንተተዛረቡ?﻾ እታ ሓቂ እኮ ቀልጢፋ እያ ነታ ሓሶት ተብልያ! ሰባት ንዘይተረድእዎ ነገር የሳጉግዎን የሳቕይዎን እዮም። ብዛዕባ ጐይታ የሱስ እውን እኮ ዘይተዛረብዎ ሓሶት ኣይነበረን፡ ግና የሱስ ሎሚውን ህያው እዩ። እቶም ዝሕስዉ ሰባት ንባዕሎም እታ ናይ እግዚኣብሄር ህያው ኢድ እንተረኺባቶም ድማ መልሓሶም ከም ዝሓይኩን ሓሳቦም ከም ዝልውጡን ክትዝንግዕ የብልካን።

﷽ንረኽቦ ዝነበርና ገንዘብ እንተ ሰኣናዮከ?﻾ እሞኸ እንታይ ንምባል እዩ?፡፡ ንገንዘብዶ ጣኦትካ ክትገብሮ ኢኻ? ኣብዚ እምብኣርከስ ገንዘብን ባጤõራን ነብሳት ከድሕን ከም ዘይክእል ንቕድም ኣርጊጽካ ሓዝ። ናይ እግዚኣብሄር መንፈስ እዩ ንሰባት ስሒቡ ናብ የሱስ ዘምጽኦም። ነቲ መንፈስ ብምእዛዝ ከኣ ኢና ንየሱስ ልዕል ነብሎ። ብዝተረፈ መድሕን ወይ ዕርቡን ኣሕሊፍካ ጸኒሕካ ብኣቋራጭ ዝርከብ ምድሓን የልቦን። ንስኻ መራሒ ቤተክርስትያን እንተድኣ ኰንካ ንመንፈስ ቅዱስ ክትእዘዞን መገድታቱ ከተጽንዖን ተኣዚዝካ ኢኻ። መጽሓፍ ቅዱስ ﷽እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ዝምርሑ ዘበሉ ንሳቶም ውሉድ ኣምላኽ ክብሃሉ እዮም﷽ ኢሉ ኣሎ (ሮሜ 8፡14)። ስለዚ ንሱ ይምራሕካ ሕደጎ! እንተድኣ ንስኻ በቲ መንፈስ ተመሪሕካ ኣብቲ ማሕበር ራእያት ክበዝሑ እዮም። ኣብዚ ዘመን እዚ እቶም መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያናት ነቶም ዝኽሰቱ ሽግራት ክፉኣት መናፍስትን ብግቡእ መታን ከነለልዮም መንፈሳዊ ብጽሕና የድልየና እዩ። ሃይማኖታት ሓድሽ ዘመን ናብቲ እኩይ መንፈሳዊ ዓለሞም ኣዕሚቖም ኲዒቶም ብምእታው ቤተክርስትያን ክትፈርህን ነቲ ሓቀኛ ምግላጽ ናይ እግዚኣብሄር መንፈስ ካብ ምስዓብ ክትዝሕጥን ይገብሩ ኣለዉ። እቲ መንፈሳዊ ዓለም ዝብሃል ንኽልቲኦም ማለት ንእግዚኣብሄርን ንስርዓት ኣጋንንትን እዩ ዝጥርንፍ። ስለዚ ናብኡ ክትኣቱ ከሎኻ መራሒኻ መንፈስ ቅዱስ እንተዘይኰይኑ ንኣጋንንቲ ዝተቃላዕካ ስለ ትኸውን መጨረሽታኻ ናቶም ግዙእ ትኸውን ማለት እዩ። ኣብዚ ከነስተውዕሎ ዘሎና ኸኣ እቶም ሓድሽ ዘመናውያን ነቲ መንፈሳዊ ዓለሞም ምስ የሱስ ክርስቶስ ኰይኖም ኣይኮኑን ዝኣትውዎ። ንሳቶምሲ ብፍቓድ ርእሶም ድኣ እዮም ዝኣትውዎ። እዚኣ ከኣ እያ እታ ብፍጹም ዝተታለሉላ ቦታ። ንሕና ኵልና ብዘይ ደም የሱስ ክርስቶስ ከንቱን ባዶን ኢና፡፡ ብእኡ ግን ኲሉ ንኽእል። ገለ ሰባት ንኣብነት ኣብ ሃይማኖት ሓድሽ ዘመን ኣቲኹም ከይብሃሉ ብምፍራህ ንእግዚኣብሄር ብልዕለ ተፈጥሮኣውነቱ ኪግዝእዎን ኪስዕብዎን ይጽግሞም፡፡ እንተድኣ ንመንፈስ እግዚኣብሄር ትስዕቦ ኣሎኻ ግና ንሱ እዩ ንጹህ ገይሩ ዘንብረካን ዝሕልወካን።

 ስለዚ ንማሕበርካ ንምንቅስቓስ ሓይሊ እግዚኣብሄር ክፍትቲ ግበራን ካብቶም ቅድሜኻ በዚ ተመኩሮ እዚ ዝሓለፉ ተማሃርን። ኣብቲ መንፈስ እግዚኣብሄር ዘለዎ ኣብኡ ሓርነት ኣሎ። ብርግጽ ምስኡውን ስርዓት ኣሎ። ስርዓት ክብል ከለኹ ግን ነቲ ዘፍርሕ ሓጹራትን ውልቀ ቤተክርስትያናዊ ጸቕጥታትን ማለተይ ኣይኰነን። ሰባት ኣዝዮም ዝሃርፍዎ ዘለዉ ክብሪ እግዚኣብሄር ክርእዩን ፍጹም ሓራ ኪዀኑን እዩ። ገሊኣቶምሲ ንእግዚኣብሄር ብሓቂ ዝፈልጦ ሰብ ክዛረቦምን ምግላጽ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኪርእዩን ካብ ሓደ ናብቲ ካልእ ጫፍ  ናይዚ ኣህጉር ኪገሹ ዓይኖም ኣይሓስዩን እዮም።