26
Fri, Apr
0 New Articles

ሐቀኛ ናጽነት ብካትይ ባርማን

Salvation
Typography

ሰብ ሓርነት ዘይብሉ ናብራ ኣብ ሓራ ሃገር ከም  ..ኣመሪካ ብሓርነት ክነብር ይከኣሎዶ እወ ከም ካተይ በርማን ድሕሪ 12 ዓመት ጸቕጥን መግዛእትን ኮሚኒስታዊ ስርዓት ሃገራ ናብ ኣመሪካ ኣትያ ሓርነታ ከተስተማቕር ዘይከኣለት ድሒሩ ግና እቲ ሓቀኛ ሓርነት ናይ ወዲ ሰብ በቲ ኣብ ውሽጢ ህይወት ሰብ ዝርከብ ናጽነት ምኻኑ ዝተረዳኤት ካትይ ኩሉ እቲ ታሪኻ ቀጺልና ነንብብ

ኣነ ኣብ ሃንጋሪ ተወሊደ፡  ኣቦይ ድማ ናይ ሃንጋሪ ሌተናል ኮሌነል ወተሃደር ዝነበረ ኮይኑ  ድሕሩ ግና ኣብ ካልኣይ ኩናት ዓለም ኣብ 1948 በቶም ናይ ሩስያ ኮሚኒስታዊ ስርዓት ኩሉ ንብረትና ገዛናን ስለ ዝተወሰደ ኣቦና ድማ 3 ዓመታት ስለ ዝተኣሰረ ኩሉ ጽቡቕን ምውቕና ታሪኽ መነባብሮና ናብ ዝኸፍኤ ስለዝተሰጋገረ  ኣደይን 3 ኣዋልድ የሕዋተይን ናብ እንዳ ኣቦ ሓጎና ተወሰድና ኣቦይ በቲ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ናይ እስሪ ቤት ክወጽእ ከሎ ብምሒር ምብላሻዉ ኣነ ብዙሕ ከላልዮ ኣይከኣልኩን ፡፡


ህዝቢ ሃንጋሪ 1955 በቲ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ናይ ኮሚኒስታዊ ስርዓት ሩስያ ኣዝዩ መሪርዎ ነበረ ፡፡ ቀንዲ ምኽንያቱ ኸኣ ሕሰም መነባብሮ ኮይኑ እቶም ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት ዝነበሩ ዝደለይዎ ዓይነት ኣስቤዛ ከም ታኒካ ጸባ ወይ ባኒ ካብ መኻዚኖታት ክወሃቦም ከሎ እቶም ካልኦት ግና ብስእነት ይሳቐዩ ስለዝነበሩዩ

ሓደ መዓልቲ ግና " ንሕና ብዙሕ ናጽነትን ዕድላትን ንህዝቢ ሃንጋሪ ንጠለብ " ዝብል ብምንቅስቓስ ናይ ተቓወምቲ ፈነወ ራድዮ ኣብ ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ ህዝቢ እታ ሃገር ኣዝዩ ተሓጎሰን ተስፋ ድማ ገበረን። መንግስቲ ሩስያ ግና ነቲ ዝተበጋገሰ ተቓውሞታት ንምድኻም ኣብ ዶብ እታ ሃገር ሓለዋ ብምጽናዕን ታንክታን ጌሩ ነቲ ናይ ሓጺር ጊዜ ምንቅስቓስ ከም ዝቕህም ገበሮ ይኹን እምበር ነቲ ዝነበረ ምንቅስቓስ ተጠቒሙ ህዝቢ ሃንጋሪ ምእንቲ ብናጽነት ክነብር ክብል ነታ ዝፈትዋ ዓዱ ገዲፉ  ካብ እታ ሃገር ወጺኡ ተሰዲዱ።

ኣብዚ ጊዜ እዩ ኸኣ ኣቦይ ንዘስግር ሰብ ዝኽፈል ከፊሉ ሒዙና ክወጽእ ከሎ ኣብ ዶብ እታ ሃገር ብዙሕ ጠያይቲ በቶም ሓለውቲ ዶብ ቶኺሲ ተፈነወልና ግና ንስክላ ድሒንና ብዘይ ገለ ጉድኣት ሞሊቕና ኣውስትርያ ኣቶና። ከም  ስደኛታት ተመዝጊብና ድማ ናብ ዝደለናዮ ዓዲ ክንኸይድ ብዝተገበረልና ዕድመ መሰረት ናይ ነዊሕ ጊዜ ሕልሚ ኣቦይ ንሕ..ኣሜሪካ ምኻድ ስለ ዝነበረ ድማ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ምርጫ ኣቦይ ግና ክውን ኮነ በዚ ድማ ኣብ 25 ታሕሳስ 1956 ኣብ ኒውጀርሲ ኣቶና ካብኡ ድማ ናብ ግራንድ ራፒድስን ሚሽንጋንን ኣቶና እሞ በቶም ኣባላት ቤተክርስታያን ናይቲ ቦታ ጽቡቕ ክንሕገዝ ጀመርና

ኣብ መብል 27 ዓመተይ ግና ምንባራይ ብህይወት ኣዝዩ ኣጽልኣንን ከበደንን ፡፡ ዓመታት ሓሊፉ ኣብ 27 ዓመተይ አቲ ዘጽልእ ህይወት ክፈልጦ ጀመርኩ ኣነ ድማ ኣደ 3 ኣወዳት ቆልዑት ኮንኩ ንደቀይ ዘድልዮም ዘበል ንምምላእ ርእሰይ ከድንን ጀመርኩ ስለዚ ድማ ኣብ ናይ ለይቲ ስራሕ ኣብ ሓደ ክለብ ከም ኣሳሳይት 2 ዓመት ዝኸውን ሰራሕኩ ግና ንደቀይ ዝኸውን ጊዜ ክሳብ ዝስእን ስለ ዝሰራሕኩ ድኻም ክስምዓኒ ስለዝጀመረ ካብ ቁጽጽረይ ንላዕሊ እውን ስለዝኾነ ከቢድ ስነ ኣእምሮኣዊ ጸቕጥን ጭንቀትን ፍርሕን ክሕዘኒ ጀመረ እቲ ኣብ ልዕሊ ሰብኣየይ ዝነበረኒ ፍቕሪ እውን ስለ ዝዝሓለ ኣልኮላዊ መስተ ብዙሕ ክሰቲ ጀመርኩ ብርግጽ ኣብ 27 ዓመተይ እየ ካብቲ እታ ነጻ ሃገር ተፍርዮ ናይ ኩሉ ዝጎድኣንን ዝጠቕመንን ፍርያት ተጠቃሚ ኾንኩ ግና ክዓግብ ኣይከኣልኩን። ሓደ ምሸት ካብ ስራሕ ምስ ተመለስኩ በቲ ዘጋጠመኒ ስነ ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ጥርሙስ ምሉእ መድሃኒት ወሰድኩ እሞ ካብቲ ዝነበረኒ ግዚያዊ ጭንቀት ንኽናገፍ ክብል እቶም ሰለስተ ኣወዳት ደቀይ ንድሕሪት ገዲፈ ንሞት ቀረብኩ ሽዑ ሃንደበት ከባቢ ፍርቂ ለይቲ ብዓል ቤተይ ካብ ድቃሱ ተበራቢሩ እንተረኣየኒ ኩነታተይ ሕማቕ ምንባሩ ኣረጋጊጹ ተጋይዩ ናብ ሕክምና ስለዝወሰደኒ ክድሕን ከኣልኩ ግና እንታይ ይግበር እሞ ምንባረይ ብህይወት ስለዝጸላእኩየ ኣብዚ ደረጃ በጺሐ። ድሕሪ ክልተ ወርሒ ኣቢሉ ግና፡ ሓፍተይ ካብ ካሊፎርኒያ ምስ 5 ደቃ ክትበጽሓኒ ምስ መጸት ኩሉ እቲ ሽግረይ ኣካፈልኩዋ ሽዑ ካብ ቃል ኣምላኽ ፍቕሪ ኣምላኽ ዝገለጽ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንበበትለይ እሞ ንሳውን ቅድሚ ብየሱስ ምእማና ውሕስነት ዘለዎ ህይወት ትነብር ከምዘይነበረት መስከረትለይ ኣብታ ኣነ ዝነብራ ዘሎኹ ሚሰርያ ትብሃል ከተማ ምንባራን መሓዙታ ድማ ንኣምላኽ ምፍላጥ ጥራይ እኹል ዘይምንባሩን ንክርስቶስ  ከም ናይ ግሊ ምድሓኒኣ ክትቕበሎ ከምዘለዋን ምስነገርኣ ንሳ እውን ድሕሪ ምውሳና  ለውጢ ናይ ህይወት ከምዝረኸበት ምስከረትላ። ስለዚ ሰብ ብግሉ ንክርስቶስ ከም ናይ ግሊ መድሕኑ ንክቕበሎ ንየሱስ ኣብ ልቡ ክዕድሞን ቦታ ክህቦን ኣሎዎ ምስ በለትኒ ሓቢርና ጸለና እሞ ወሲነ ስለዝተቐበልክዎ ኣብ ህይወተይ ለውጢ ናይ ናብራ ረኸብኩ ፡፡ ከትምስክረለይ ከላ ብዘይጸቕጢ ኮይኑ ብፍቕሪ ስለ ዝነበረ ኣብ ህይወተይ ኣስተማቒረዮ ዘይፈልጥ ሰላም ረኸብኩ ምስ ደቀይ እውን ተሓጊሰ ክነብር ዝምነዮ ዝነበርኩ ክሙኮሮን ከስማቕሮን ጀመርኩ

 ኣብ ሆላንድን ሚሽንጋን ንቤተ ክርስትያን ንምኻድ ብዝገበረትለይ ዕድመ ፍሉይ ዝኾነ ቃንቃ ናይ ኣመንቲ ብዛዕባ ኣምላኽን የሱስን ንየሱስ ድማ ከም ብሉጽ ዓርኮም ጌሮም ክዛረቡ ምስ ሰማዕኩ ብዙሕ ተገረምኩ

ካብ ብንእስነተይ ጀሚረ ንቤተ ክርስትያን እኮ ይኸይድ እንተ ነበርኩ በተሓሳስባይ ኣምላኽ ኣብ ርሑቕ ቦታ ኮይኑ ነዛ ዓለም ከምዝቆጻጸራን ካብ ህዝቢ ዝርሓቐን ብፍላይ እሞ ንዓይ ከኣ ኣበይ ክግደሰለይ ዝብል ኣተሓሳስባ ነበረኒ እቶም ኣመንቲ ግና ንኣምላኽ ብኸምኡ ኣተሓሳስባ ኣይኮኑን ዝፈልጥዎን ዝርድእዎን ምኽንያቱ ዝኾነ ሽግር ከጋጥሞም ከሎ ናብ ኣምላኽ ይጠርዑ እሞ እቲ መጉዳእቲ ናይ ልቦምን ይፍውስ ሕቶታቶምን ከኣ ይምልሰሎም ነበረ ከምኡ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ካብ ኩሉ ኣእምሮ ዝበልጽ ሰላሙ ይህቦም በዚ ድማ እምነቶም ክውንቲ ትኸውን ነበረት ኣነ ድማ እዚ ተመክሮ ኣብ ህይወተይ ንኽፍጸም ኣብ ገዛይ ኮይነ ብጸሎት ንኣምላኽ ከምዚ በልክዎ " ኣምላኽ እዚ ሰባት ብዛዕባኻ ዝብልዎ ሓቂ እነትኾይኑ ኣነ ከም ውሉድካ ድማ ብግለይ ክፈልጠካ ስለዝደሊ ንዓ ንህይወተይ ተቖጻጸር በልክዎ "

 

ንጽብሓቱ ንጽህና ተሰምዓኒ

ንጽብሒቱ ንግሆ ካብ ድቃሰይ ምስተንሳእኩ ንጽህና ተሰምዓኒ እሞ ደስ ኢሉኒ ከምቲ እተን ደቂ ኣንስትዮ ዝብልኦ ዝነበራ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ቃል ኣምላኽ ከንቦቦ ጀመርኩ ንሳተን ወዲ ሰብ ካብ ቃል ኣምላኽ እዩ ዝመሃር ዝዓብን ብዓወት ድማ ዝመላለስን ይብላ ነበራ እሞ ኣነ ድማ ብዘይምስልቻው ደስ ኢሉኒ ብድሌተይ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ፍልይ ዝበለ ሰዓታት መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብቦ ጀመርኩ

የሱስ ድማ ንህይወተይ ክቆጻጸረኒን ኣብ ህይወተይ ክነብርን ኣነ ድማ ናይ ብሓቂ ኣብ ውሽጠይ ናጽነት ክስምዓኒን ጀመረ ብሓቂ ኣምላኽ ንዓይ ካብ ምትካኽ ሽጋራ፡ ካብ ብመድሃኒት ዝንቀሳቐስ ሂወትን ካብ ኣልኮላዊ መስተን ኣናጊፉኒ እዩ ንብዓል ቤተይ ድማ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝተፈለየ ፍቕሪ ክልግሰሉን ንሱ ድማ ንዓይ ካብቲ ዝሓልፈ ጊዜ ብፍሉይ ኣጠማምታ ክርእየኒ ጀመረ ኣነ ድማ ብዒንቲ ኣምላኽ በቲ መንፈስ የሱስ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ገይረ ክርእዮ ጀመርኩ

ኣብ መደምደምታ ክብሎ ዝደሊ ኣብ ከቢድ ጾርን ቃልስን ናይ ህይወት ንዘሎኹም ሰባትን ብዝተፈላለየ መልክዕ ድማ ህይወትኩም ዝተኣሰረት ኣብ ኣምላኽ ሓድሽ ተስፋ ስለ ዘሎ ንየሱስ ከም ናይ ግሊ መድሓኒኹም ክትዕድምዎን ክትጽውዕዎን ብናጽነት ክትነብሩን እምዕደኩም ኣብ ቃል ኣምላኽ ድማ ከምዚ ዝብል ኣሎ " ኣቱም ኩሉኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ ኣነ ለዋህ እየ ኣርዑተይ ድማ ፈኪስ ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይ እውን ተመሃሩ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ክተረኽቡ ኢኹም " ማቴ. 11.28