25
Thu, Apr
0 New Articles

ሓጹር (ልብ ወለድ)

Literature
Typography

ተኽለ ሂፍ እናበለ ማይ ተመናይ በጽሐ። ኣብ ጥቓ ኣፍደገ እታ ኣውቶቡስ ተቐሪቡ ጸኒሑ ኸኣ ወረደ። 

"ኣታ እግዚኣሄር ኣምላኽ፣ ሽግረይ ትፈልጦ ኣሎኻ። ጎይታ፣ በጃኻ ንስኻ ነዛ መንገደይ ኣገባግበለይ" ኢሉ ብውሽጡ ጸለየ። 

ብቅድሚ እታ ኣውቶቡስ ሓሊፉ ኪሰግር ንየማኑን ጸጋሙን ቁሊሕ በለ። ብጸጋሙ ሓንቲ መኪና ኪትመጽእ እንከላ ረኣየ። ቀዲሙዋ ኪሰግር ኢሉ ኸኣ ብግስ በለ። 

እታ ካብ ጸጋም ዚረኣያ ታክሲ እንታይ እዋን ኣብ ጥቓኡ ከም ዚበጽሐት እግዚሄር ዋናኣ። ኣብ ጥቓኡ ዚነበሩን ሰብኡትን ፣ ኣብ ውሽጢ እታ ኣውቶቡስ ዚነበራ ኣንስትን፣ "እውይ እዚ ወዲ ጠፊኡ!" ኢለን ርእሰን ኪሕዛን ርእዩን፣ ድምጺ ሕጺጽ ዚብል ጎማ መኪና ሰሚዑ እዩ እታ መኪና ኣብ ማእከል ጽርግያ ከም ዘርከበቶ ዚፈለጠ።  

"ኣታ ሰብኣይ ዓይንኻ እባ ረአ! ባዕልኻ ኪትጠፍእ?" በሎ እቲ መንእሰይ ታክሲስታ መኪናኡ እናበገሰ። 

"የቐንየለይ። ዘይረኣኹኻ። ሓሳብ ሒዘኮ'የ። ይቕረታ ንዓኻ ኸኣ ኣብ ሽግር ኣእቲየካ ነይረ።" 

ካብ ጎደና ዓዲ ኣበይቶ ናብቲ ናብ እንዳ ኮካ ዚወስድ መንገዲ ሓመድ ሒዙ ቁሩብ ሰጎመ። ኣብታ ቀዳመይቲ ጎደና በጺሑ ኸኣ ናብቲ ላዕለዋይ ክፋል እቲ ናብ ሰሜን ዘብል መንደቕ ጠመተ - ጎደና ክርኢ ኢሉ።

ስም እታ ጎደና ኣብኡ ስለ ዘይረኣያ ናብቲ ኣብ መንጽሩ ዘሎ መንደቕ ጠመተ። 

"ጎደና ባምቢ ከረን ኣይበለትንን" ክብል ሓሰበ። 

ሓንቲ ጎደና ቀጸለ። ሕጂውን ስም እቲ ጎደና ኪርኢ ኢሉ ናብቲ ላዕለዋይ ኩርናዕ እቲ መንደቕ ጠመተ። 

"ጎደና እንታይ ድያ ኢላትኒ ነይራ?" ምስ ገዛእ ርእሱ ተዘራረበ። "ንጸጋም ጥውይ  ምስ በልካ ወይኒ ዘለዋ ካንሸሎ። ሰማያዊ ማዕጾኣ እያ ኢላትኒ ነይራ።" 

ብኣዒንቱ ነተን ኣብቲ ከባቢ ዚነበራ ካንሸሎታት ኮለለን። ይኹንምበር ብዘይ ሓንቲ ኣብ ፊታ ኦም ዚነበራ፣ ሰማያዊ ዚሕብራ ይኹን ወይስ ወይኒ ዚነበራ ካንሸሎ ትረኣዮ ኣይነበረትን።

"እዚ ገዛውትስ" ክብል ሓሰበ። "ህዱእ። ጽሩይ። ኣብዚ እንተ ዝረክብሲ? ትስተር ማለት'ኮዩ። ሰብኣይ ይቐስን። ሰበይትውን ትቐስን። ቆልዑ ኸኣ ፍርሂ መኪና ዘይብሎም ሃዲኦም ይጻወቱ። ኣንታ ሰምበል እኮ፣ መጸለል እዩ።" 

ተኽለ ኣብ ውሽጢ ሓሳብ ጥሒሉ፣ ኢዱ ሰዲዱ ሓንቲ ጭራም ወረቐት ኣውጸአሞ፣ ነቲ ኣብኣ ተጻሒፉ ዚነበረ ሓበሬታ ኣንበቦ። 

"ቅድሚ መጨረሻ ዘላ ፊርማታ ትወርድ። ንእንዳ ኮካ ኣብ ዚወስድ ናይ ሓመድ መንገዲ ኣርባዕተ ኣንጎሎ ትመጽእ። ኣብታ ራብዐይቲ - ጎደና ደምቦ ቤት - ብናይ ቅድም ኸኣ ጎደና 804 ንጸጋም ትጥወ። ንጸጋም ኣብ ዘለዋ ገዛውቲ ወይኒ ዘለዋ፣ ሰማያዊ ዝኻንሸሎኣ ገዛ ኣብኣ ምጻኒ። ብዛዕባ እቲ ዚሓተትካኒ ጥዑም መልሲ ሒዘልካ ኣሎኹ። ሳራ " ትብል ነበረት እታ ዘይንበብ ክታም ዘለዋ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ዚጸንሓቶ መዘኻኸሪት።

እታ ጭራም ወረቐት ንተኽለ ናብ ሓደ ሓሙስ ወሰደቶ። ጸሎት ወዲኦም ንገዝኡ ኪኸይድ ተብተብ ይብለሉ ኣብ ዚነበረሉ ምሸት ሳራ ብድሕሪት ጸኒሓ ኣርከበቶ። 

ካብ ትምትም ገለ ዘረባ ይሓይሽ ካብ ዝብል ሓሳብ ኸኣ ዘረባ ኪትጅምር ሓሰበት።

"ከመይ እሞ ኣለኹም? ብዙሕ ኣይርእየካን ዘለኹ? ኣብቲ ናይ ቀደምኩም የለኹምን ዲኹም?" ኪትብል ኸኣ ሓተተቶ።

 

"ኣበይ ማለትኪ እዩ?" 

"ኣብዚ ከባቢ መሐንበሲዶ ---" 

"ኣበየሎኺ? ካብኡ ካብ እንወጽእ ደኣ መዋእልና ኮይኑ። ዋናታቱ ካብ ወጻኢ መጺኦም ኣውጺኦምና። ድሕሪኡ ኣብ ቀሓውታ፣ ሰምበልን ማይ ጭሆትን እውን ተቐሚጥና ገሊኦም ንደቅና ደሊናዮ፣ ገሊኦም ቆልዑኹም ረቢሾምና ኢሎም ኣውጺኦምና። እንሆልኪ ሕጂስ ኣምላኽ ረዲኡና'ዩ እነበልና ክልተ ዓመት ምሉእ እተቐመጥናሉ ገዛ ኸኣ፣ ‘ካልእ ገዛ ድለዩ። ወድና ካብ ወጻኢ ኪመጽእ ስለ ዚኾነ ክንደልዮ ኢና' ይብሉኒ ኣለው። ንክልተ ወርሒ ዕድል ሂቦሙኒ ኣለዉ" በለ ኣዕሚቑ ‘ናተፈሰ። 

"እሞ እምበኣር ኣብ ኡ የለኻን ኢኻ" ክትብሎ ሓሲባ፣ ከምዚ ኢልካ ምሕታት ምስቲ ዚነገራ ዘይሳነ ኮይኑ ስለ እተሰምዓ ኣቃረጸቶ። "ዋይ ሓወይ። ኣነ ደኣ ዘይፈለጥኩ" በለቶ ብሓቂ ተተንኪፋ። 

"ከመይ ኢልኪሞ ኪትፈልጢ? ድሕሪ ጸሎትን ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስን ጉያ ነናብ ገዛኻ ስለ ዝኾነሲ ብዛዕባ ሓድሕድና ክንፈልጥ ዚከኣል ኣይኮነን" በለ ተኽለ እቲ ናይ ወትሩ ሓሙስ ኣወጻጽኣኡን ኣወጻጽኣ ካልኦት ኣባላት ጉጅለኡን ትዝ ኢልዎ። 

ኣብታ ንፓራዲዞ፣ ንማእከል ከተማን ንሹቕን ንዩኒቨርሲቲ እትወስድ ቀራና መንገዲ ምስ በጽሑ፣ "በል ድሓን ሕደር" ኢላቶ ኪትከይድ ሕሰበት። ይኹንምበር፣ እቲ እተዛረባ ዘረባ ገለ ከይገበረት፣ ብውሑዱ ገለ ኪትሕግዞ ከይፈተነት ኪትፋነዎ ልባ ኪገብረላ ኣይከኣለን። 

"እንታይ ክሕግዘካ እኽእል ኣይፈልጥን። ኣስመራ እዛ እንፈልጣ እያ። ግን ኸኣ ክሕግዘካ ድሌት ከም ዘሎኒ ከይገለጽኩልካሲ ክኸይድ ልበይ ምግባር ኣብዩኒ። እንታይ ክገብረልካ እኽእል ግን ኣይፈልጥን'የ" በለት ዓይኒ ዓይኑ ‘ናጠመተት። 

"ጸልይለይ። ዚካረ ገዛ ኣሎ ተሰማዕኪ ኸኣ ወይ ብስልኪ ወይ ኸኣ ብቤት ጽሕፈት ክትሓልፊ ከለኺ ንገርኒ" ኢሉዋ ኢዱ ዘርገሐ። "ከየምስየልኪ። ድሓን ሕደሪ። ኣምላኽ ኸኣ ይባርኽኪ።" 

"ሰላም ሕደር። ኣረ ቆልዓ ሓዲገ እየ። ‘ንሱ ይሓልየልኩም'ዩሞ ንኹሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ' እትብል ቃል ኪትጠቕመካ ትኽእልያ። ኣይትረስዓያ" ኢላቶ በቲ ናብ ፓራዲዞ ዝወስድ መንገዲ ተበገሰት።

ሓንቲ ዓባይ ሰበይቲ ካብ ሓንቲ ካንሸሎ ኪወጻ ርእዩ ደው በለ። ናብአን ቅርብ ኢሉ ኸኣ፣ 

"ሳራ እትብሃል ገዝኣ ኣበይ ኮን ይኸውን ኣደ?" ክብል ሓተተን። 

"ሳራ ኢልካኒ ዚወደይ? ነዋሕ፣ ነዊሕ ጸጉሪ ርእሳ ድያ?" መልሲ ከይረኸባ ኸኣ፣ "ኣብዛ ወይኒ ዘላታ ካንሸሎ ሕተት" ኢለንኦ መንገደን ቀጸላ። ኣብታ ዚበልኦ ካንሸሎ ኸኣ ክኹሕኩሕ ጀመረ።   

"እውይ ተኽለ ሓወይ። ነዊሕዶ ካሕኪሕካ? ኣይ ቆልዓ ኣብያትኒ እንድየ ወደይ ጊዜ ወሲደ። እምበኣር እታ መልእኽትሲ በጺሓትካ?" በለት ሳራ መሪሓቶ ናብ ሓደ ክፍሊ ‘ናኣተወት።

 

"ሓቂ ‘ሓይሽ - ፍጹም ተስፋ ኣይገበርኩን ነይረ። ብዙሓት ኣመንቲ ክሕግዙ ቃል ኣትዮም ስለ ዚጠለሙኒስ ንስኺውን ከምኡ ትኾኒ ኢለስ ብዙሕ ልበይ ኣየውደቕኩልክን ነይረ" በለ ተኽለ ኣብቲ ዘመልከተቶ ወንበር ኮፍ እናበለ።

 

"ኣነውን ገዛ ክረኽበልካየ ኢለስ ተስፋ ኣይገበርኩን ነይረ። ይኹንምበር ሃይለ ክሳብ ዘስተውዕለለይ ከም ጸገመይ ገይረ ክጽልየልካ እየ ቀንየ" በለት።

 

"ኣነ ብጣዕሚ እየ ዘመስግነኪ። እዞም ዘለኽዎም ገዛ ኣዝዮም ጥዑማት እዮም። ዘይከውን ኮይንዎም እምበር ከውጽኡኒ ይደልዩ ኣይነበሩን። ወዶም ክመጽእ ምኻኑ ምስ ፈለጡስ ክነግሩኒ - ገዛና ግደፈልና ክብሉኒ - ብዙሕ ‘ናተሰከፉ'ዮም ተዛሪቦሙኒ። ዘይሰለጦም ኮይኑ ‘ምበር ገዛ ክረኽቡለይ ብዙሕ ጽዒሮም እዮም" በለ ተኽለ ነታ ቆልዓ ክትእብድ ሃተምተም ትብል ዚነበረት ሳራ ‘ናጠመተ። 

"ክንደይ ይጥዕሙ ደኣ ወደይ እዚኦም? ሰብ ገዛ ኣብ ዚምረሩሉ እዋን፣ ሎሚ ዚምስገኑ እሰምዕ ኣሎኹ" በለት ብዛዕባ እቶም ገዛ ክትሰምዕ ገጻ ናብ ተኽለ መሊሳ። 

"እወ። ብሓቂ ጥዑማት ገዛ እዮም። እዚ ገዛኹምከ ክራይ ድዩ ወይስ ---" ነታ ሕቶ ኣንጠልጢሉ ገደፋ። 

"እንዳ ሑማይ'ዩ። እንዳ ሑማይ ኸኣ ከምዞም ትብሎም ዘሎኻ ገዛ እዮም። ኢድካ ኣእቲኻሎም ኣይናኸሱን እዮም።" 

ሻሂ ከተፍልሕ ኢላ በራድ ኣልዒላ ብግስ ኪትብል እንከላ፣ ተኽለ ብድድ ኢሉ ብቅልጽማ ለቀብ ኣበላ። 

"ስምዕኒ ሳራ ሓብተይ። ብዘይ ቃል ዓለም ካልእ መዓልቲ ንትርሓስን ደቀይን ሒዘ መጺአ ከዕልል እየ። ሕጂ ግን ክኸይድ ግደፍኒ" ኢሉዋ ናብቲ ማዕጾ ሰጎመ። 

"ሃይለ ክሳብ ዚኣቱ ሓንሳብ ዘይትጸንሕ? ኣነ ኸኣ ነት ቦታ መርኣኹኻ። ምስታ ከም ዋና ሒዛቶ ዘላ ሓብትና ኸኣ መፋለኹኻ" በለቶ ሳራ ናብታ ዚነበራ ቦታ ክምለስ ‘ናሓበረቶ። "በጃኻ ኢለካ። ሎሚ ምሳና ተመሳሕ። ድሓር ኸኣ ተታሓሒዝና ንኸይድ። ምስ ሃይለ ኸኣ ንእግረ መንገድኹም ትፋለጡ" ሳራ ኮፍ ክብል ብእጂገኡ ሰሓበቶ። 

"በጃኺ ሳራ ሓብተይ። ድሓን ሎሚ እታ ኣድራሻን ስምን እታ ሰብን ጥራይ ሂብኪ ኣፋንውኒ።" ሓደ ነገር ትዝ ስለ ዚበሎ፣ ከይሓተተ ኸኣ ኪኸይድ ቅር ስለ ዚበሎ - ኪሓታ መደበ። 

"እዛ ሰብ ኣማኒት እያ ኢልክኒ?" 

"እወ ኣማኒት እያ። ሓቂ ይሓይሽ ኣነ 'ውን ኣጸቢቐ ኣይፈልጣንየ። ብርግጽ ብገጽ እፈልጣ እየ። ብዙሕ ርክብ ግን የብልናን።" ከመይ ዘይርጉጽ ነገር ሒዛ መልእኽቲ ትልእከለይ ከይብላ ስለ ዚፈርሐት ውስኽ ኣበለት፣ "ርክብና ብሓንቲ ሓብቲ እዩ። ገዛ ተረኺቡ ኣሎ፣ ኣይትጠራጠር። ጥራይ ትፈትዎ ዲኻ ኣይትፈትዎን እዩ እቲ ሕቶ።" 

"ሆ! ሎሚዶ ከምዚ ይብሃልዩ? ከይደ ደኣ።" ኪወጽእ ኢሉ ብግስ በለ። 

ተኽለ ነታ ዚሃበቶ ጭራም ወረቐት ተቐቢሉ ክወጽእ እንከሎ ከተፋንዎ ኢላ ክሳብ ካንሸሎ ሰዓበቶ። ነቲ ካንሸሎ ከፊታ ኸኣ ኣውጸኣቶ። ክኸይድ ኢሉ ብግስ ኪብል እንከሎ ኸኣ፣ 

"ኣታ እታ ሰበይትኻኸ ከመይ ኣላ? ክሓተካ ‘ናበልኩስ ካልእ ዘረባ ሒዝና ርስዕ ኣቢለዮ?" 

"ትርሓሰይ ድሓንያ። ጽቡቕ ኣላ፣ ኣምላኽ ይመስገን።" 

"ንመጀመርያ ኣብ ምውፋይ ካልኣይ ወድኹም ደው ኢላ ክትምስክር እንከላ እየ ርእየያ። ቅድሚ ሰለስተ ዓመት። ሰበይትኻ፣ ኪትፍተወካ! ኣዝያ ደስ እትብል ሰብያ" በለት ሳራ ኣድናቖት መሊኡዋ። "ኩሉ ጊዜ ሓብተይ ‘ተትኸውንየ ዝብል።" 

"ኣየ ሳራ። ዘይተፋልጥክን ኬንክን ኢኽን እምበር ሕጂውን እኮ ሓብትኺ እያ። ሓደ መዓልቲ ሒዘዮም ኪመጽእ እየ። ሽዑኡ ኣጸቢቕክን ኪትፋለጣ ኢኽን።" 

ክኸይድ ኢሉ ኸኣ እንደገና ብግስ በለ። 

"ካንሞ ኮፍ ከይበልካ? በል ብሩኽ መዓልቲ።" 

"ብሩኽ መዓልቲ። ብገዛ እህወኽ ስለ ዘለኹ እየ። ሓደ መዓልቲ ኮፍ ኢልና ከነዕልል ኢና። ሓቀይየ። ኣይኣመንክንን ሓቀይ?  ብሓቂ!" 

ሓደ ነገር ትዝ ኢሉዎ ደው በለ። 

"ሳራ፣ እዛ ጋል እፈልጣ ድየ? ኣበይ እያ እትሰርሕ?" 

"ንኣለም ዲኻ? ‘ትፈልጣ ኣይመስለንን። ኣይትሰርሕን እያ።" 

"ዘይትሰርሕ ደኣ ከመይ ኢላ ትናበር?" 

"ሃብታም ኣሞ ኣላታ። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ። ንሳ ገንዘብ ትሰደላ። ኣለም ኸኣ ኣብዚ ኮይና ቤታ ተመሓድረላ። እዚ ቤት ‘ውን ናይዛ ኣሞኣ እዩ። ኣብቲ ካንሸሎ ግን ዕምባባ ገይራ ትሸይጥ እያ ክብላ ሰሚዐ ኣለኹ። ንገለ ኣብዚ ከተማ ዝርከቡ እንዳ ዕምባባታት። እዚ ግን ንመሕለፊ ጊዜ እምበር ንገንዘብ ኢላ እትገብሮ ኣይመስለንን። በል ድሓን ወዓል። ብዘይ ገለ ሒዘካ ውዒለ።" 

"ድሓን ውዓሊ።" 

ሂፍ እናበለ ኸኣ ቤት መኻእ ተራእየ። 

በቲ ኣብቲ ወረቐት ዘሎ ሓበሬታ፣ ተኽለ ነታ ገዛ ክረኽባ ኣየጸገሞን። ትኽ ኢሉ ከይዱ ኸኣ ኣብቲ ማዕጾ ክኹሕኩሕ ጀመረ። 

ሓጺር ጊዜ ተጸበየ። ደጊሙ ክኹሕኩሕ ክብል እንከሎ፣ ሸፋሕ፣ ሸፋሕ ሸበጥ ስምዐ። 

"መን?" ዝብል ድምጺ ሓንቲ ጎርዞ ኸኣ ኣብ እዝኑ በጽሐ። 

"ኣነ። ጋሻ።" 

ማዕጾ ተኸፊቱ ሓንቲ ምልምል መንእሰይ ቅልቅል በለት። ቀያሕ፣ ነዊሕ ዚጸጉሪ ርእሳ መንእሰይ። "ማርያም" ሓሰበ ብኣድንቖት። ቁመታ ‘ተዘይነዊሓቶ ኣይትሓጽሮንያ። 

ፈዚዙ ኪትምታ ርእያቶ፣ "ከመይ ሓዲርካ?" በለቶ። ቅድሚኡ ርእያቶ እትፈልጥ ሰብ ኣይነበረን። "ምናልባት ገዛ ተጋግዩ ክኸውን ዝኽእል ሰብዩ" ክትብል ሓሰበት። "እንዳ መን ኢኻ ደሊኻ?" 

"ሳራ እያ ሰዲዳትኒ። ንስኺ ኣለም ዲኺ?" ‘ሰላም' ከም ዘይበላ ትዝ ኢሉዎ፣ "ከመይ ሓዲርኪ?" ክብል መለሰላ። 

"ሳራ?" ግር ኢሉዋ መለሰት። 

"ሳራ፣ እዛ ማይ ተመናይ ገዝኣ። ኣብዚ ቱሪዝም ትሰርሕ። ነዊሕ ጸጉሪ ርእሳ። ከደረይቲ። ‘ገዛ ዚካረ ኣለዋ 'ሞ ሕተታ ኢላትኒየ መጺአኪ። ንስኺ፣ ኣለም ዲኺ? ንኣለም እየ ደልየ?" 

"እወ ኣነ ኣለም እየ። እቶ።" 

እቲ ካንሸሎ ኣዝዩ ገፊሕ እዩ። በቲ ተኽለ ዚነብረሉ ገዛ ተዓቂኑ ክንዲ ሰለስቲኡ እዩ ዝኸውን። 

"ኣብዚ ገዛ ‘ተረኺበ ገነትዩ" ክብል ሓሰበ በቲ ካንሸሎ ብተምሳጥ ተመሊኡ። "ኣምላኽ የገባግበለይ ግዲ ይኸውን።" 

ኣብ ማእከል እቲ ካንሸሎ ሓደ ቪላ ነበረ። ንሱ'ውን ዓብዪ ነበረ። ክንዮኡ ገለ ተራ ኣባይቲ ተር ኢሉ ነበረ። 

ተኽለ ኣዒንቱ ካብቲ ቪላን ተራ ገዛውትን ኣልዒሉ ናብቲ ኣብቲ ካንሸሎ ዚነበረ ዕምባባታት ኣንበረን። ኣብ ክልቲኡ ጎኒ እቲ ቪላን ኣብ ቅድሚኡን በብዓይነቱ ዕምባባታት ረኣየ። ኣብ ማእከሉ ቅርጺ ሱፍ ዘለዎ ብጻዕዳ ቆጽሊ እተኸፈፈ ረኣየ።  ከም መንቆርቆር ሽልሕ ዚበለ ኣብቲ ጸቢብ ቅርጹ ድሙቕ ሊላ ዘለዎ ዕምባባታት ኣስተብሃለ። ቅርጺ ኣብ ማእከል ባሕሪ ዚተደርበየት እምኒ እትፈጥሮ ንኣሽቱ ዓንኬላት ዚሓዘ ቀይሕ ዕምባባታት ኸኣ ኣብኡ ረኣየ። ገሊኡ ኸኣ ስእሊ ኪትኮስ ዚቐረበ ቦምባ ዝመስል ቅርጺ ኣብ ኣእምሮኡ ዚፈጠረሉ ብጫ ዕምባባታት ኣብቲ ግራውቲ መሊኡዎ ነበረ። 

ካብቲ ግራውቲ ኣዒንቱ ናብቲ ምስቲ ግራውቲ ዕምባባ ተጸጊዑ ዚነበረ ሰለልን ሸተትን ተኸለን። ኣብ ማእከል እቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ቪላ ዘሎ ቦታ ብቅርጺ መርከብ እተሰርሐት ካልእ ሰለል ረኣየ። 

"እዞም ገዛ መዋእለ ህጻናት ክኸውን ድዮም ኣስሪሖምዎ?" ክብል ሓሰበ። "ግን ቆልዑ ዚውዕሉሉ ሰለልን ሸተትን ደኣ ምስ ዕምባታትን ይሳነዶ? ወይስ እዚ ዕምባባ ደሓር ዚመጸ ሓሳብዩ? ግን ኸኣ እዚ ሰለልን ሸተትን እውን ድሓር ኪምጽእ ይኽእልዩ።" 

ተኽለ፣ እታ ጎርዞ ግርምብያለ ከም ዚገበረትን፣ ኢዳ ጭቃ ተጸዪቑ ከም ዚነበረን ኣስተብሃለ። 

"ኣብ መንጎ ስራሕ እየ ኣትየኪ መስለኒ" በለ መንገዲ ዘረባ ‘ተኸፈተሉ ኢሉ። 

"ኣይፋልካን። ትም ኢለ'የ ነዚ ዕምባባታት ማይ ከሳታትን ክኾሳኹሶን ጸኒሐ። መሪሓቶ ከኣ ናብ ሓንቲ ኣብ ድሕሪ ‘ቲ ቪላ ዘሎ ገዛውቲ ኣተወት። 

"እዚ ገዛኹም ደስ ክብለካ መዓት'ዩ።" 

"እወ ሓቅኻ። እዚ ኣትክልቲ እዩ መስለኒ ግርማ ዚህቦ" ትሕት ኢላ መለስትሉ። 

"እዚ ናይ ጽሕዲ፦ ናይ ኩኽ፦ ናይ ካዝሚር ኣትክልቲ ጽቡቕ ጽላል ይኸውንዩ" በለ።  ተኽለ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣግራብ ኣብ ዘሎ ናይ እምነ-በረድ ኮፍ መበሊ ኮፍ ኢሉ ባይብል ስታዲ ከካይድ ተራእዩዎ፣ "ብፍላይ ኸኣ ኣብ እዋን ሃሩር ኸኣ ኣብኡ ኬንካ ኮፍ ኢልካ ከተዕልል ደስ ይብል ይኸውን'ዩ" በለ። 

"እወ ኣዝዩ ጥዑም'ዩ። ደስ'ዩ ዚብለካ" ኣለም ምስኡ ተሰማምዐት። 

"በሊ ናብቲ ዘምጽኣኒ ጉዳይ ክኣቱ። ሳራ ፈሊጥክያ ኣሎኺ ሓቀይ? ዚካረ ገዛ ኣለዋ ስለ ዚበለትኒ እየ ናባኺ መጺአ" ክብል ኣንፈት እቲ ዘረባ ጠምዘዞ። "ንዒ ደሓን ሻሂ ኣይሰትይን'የ። ክኸይድየ" በለ በራድ ከተልዕል ርእዩ። ንሳ'ውን ግዲ ኣይበለቶን። 

"ዚካረ ገዛ ኣሎ" በለት ህድእ ኢላ ዘረባኣ እናመዘነት፣ ኣድላዪ ‘ተኾይኑ እቲ ክትገብሮ ዚሓሰበት ሓጹር እናሓሰበት። "ይኹንምበር ኣነ ኣይውድኦንየ። ዝኾነ ኾይኑ ቅድም ሓበሬታ ክወስድ እሞ ድሓር ኣብ ውሳነ ምስ በጻሕና ደዊለ እነግረካ።"***

ቅድሚ ክልተ ዓመት ገዛ እተኻረዩ ኣመንቲ ትዝ በልዋ። እቲ ሰብኣይ ኣብ ክርስትና ነዊሕ ዚገበረ ብሱል ክርስትያን ነበረ። 

"ገዛ ደልየ እየ መጺአ" 

"ገዛስ ኣሎ?" 

"እንታይ ደኣ?" 

"ዓይነት ሰብ። ኣነ ሰብ ኣእትየ ድሓር ክብኣስ ኣይደልይን እየ።" 

"ድሓን ባእስስ ኣይንፈልጦን ኢና።" 

እቲ ሰብኣይን ብጸጋ ብዙሕ ይጥቀሙዋ እምበር፣ ብደቆም ዚመጸ ግን ምስ ኣለም ዘየሰማምዕ ነገር ነበሮም። መዓልቲ መዓልቲ ዕምባባ ተቐንጢቡ ይጸንሓ፤ መዓልቲ መዓልቲ እቲ ግራት ዕምባባ ተረጊጹ ይጸንሓ ነበረ። 

ብዙሕ ተዓገሰት። ሓደ መዓልቲ ክትዕገሰሉ ዘይትኽእል ደረጃ በጽሐት። ኣብ መወዳእታ ነቲ ጉዳይ ከተልዕሎ ተገደደት። 

"ንሕና'ውን ክጥንቀቑ ንነግሮም ኢና። ሕራይ ይብሉኻ። ኣይጸንሕን ግን እዩ" ኣቦ እቶም ቆልዑ መለሰላ። 

"እሞ እዚ ኩሉ ተኸናኺነ፣ ኮስኩሰ እዚ ዕምባባ እሞ ከመይ ይኹን?" 

"መቸም ንሕና ኩሉ ዚጸዓርክሉ ‘ናተረግጸ ክነብር ንሕናውን ደስ ኣይብለናንዩ። በዚ'ውን ምሳኺ ከም ኣሕዋት ብጎይታስ ክንበኣስ ኣይንደልይን ኢና። ሕጂ ንስኺ ቁሩብ ጊዜ ሃብና። ክሳብ ሽዑኡ ግን ነዚ ዕምባባ ሓጹር ንግበረሉ" እቲ ሰብኣይ መለሰ። 

ሓጹር ተፈቲኑ ምንም ለውጢ ኣየምጸአን። እቲ ቤተሰብ ድሕሪዚ ዓመት ጸኒሑ ካልእ ገዛ ረኺቡ ወጸ።***

"ኣነ'የ ኣብቲ ዚግባእ ሓጹር ክገብረሉ ዚግብኣኒ ነይሩ" በለት ኣለም ብውሽጣ ብምኽንያት ምርጋጽ እቲ ዕምባባታት ዚረኣየቶ ስቅያት ዘኪራ። 

ተኽለ ድንግርግር በሎ። "ሳራ ከም ገዝኣ እተካይዶ ቤት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እትነብር ኣሞኣ እዩዶ ኣይበለትንን?"  ክብላ ሓሲቡ ግቡእ ሕቶ ከም ዘይኮነ ተረዲእዎ መለሶ። 

"ስለ ዘይፈልጠካ እየ ዝሓተካ ዘሎኹ። በዓል ሓዳር ዲኻ ወይስ በይንኻ ኢኻ?" ሓተተቶ። እቲ ዘረባ ብኻልእ ከይትርጎማ ፈሪሓ ኸኣ፣ "ማለትሲ፣ ኣሞይ ድሓን ኣካርይዮ ተበለትሲ ፈሊጠካ ክጸንሕ ኢለ እየ" ክትብል ነታ ዘረባ መግለጺ ወሰኸትላ። 

"ብዓል ሓዳር'የ" ኢሉ ኣሕጽር ኣቢሉ መለሰላ። 

"ቆልዑኸ ኣለውኻዶ?" ኣስዓበት ኣለም። 

"እንታይ ዓይነት ሕቶዩ'ዚ?" ተኽለ ሓሰበ። 

ኣለም፣ እቲ ዓረብ ዘምስሎ ገጽ ተኽለ፣ ደም ክሰርብ፣ ክለዋወጥ ኣስተውዓለት። እቲ ዚሓተቶ ሕቶታት ባህ ከም ዘይበሎ ኸኣ ረኣየት። ስለዚ ስምዒቱ ኪትሕሉ መግለጺ ኪትገብረሉ ከም ዘለዋ ተረድኣ። 

"ርአኻ፣ እዚ ቤት፣ ቤት ኣሞይ እዩ። ርግጽ፣ ኣነ እየ ዘካይዶ። እዚ ማለት ግን ክራይ እቅበለላ ማለት እዩ ‘ምበር ባዕለይ ሰብ አእቱ፣ ባዕለይ ሰብ አውጽእ ማለት ኣይኮነን።" 

"ድሓን ቅር ኣይበልኪ" በላ ተኽለ ዚተሰምዖ ቅረታ ቀቢሩ። 

"ከምዚ ዝበልኩኻ፣ ንገዝኣ ከመይ ዓይነት ሰብ ተእትወሉ እትውስኖ ንሳ'ያ። ናተይ ስራሕ ክራይ ምእካብን ሓበሬታ ኣኪብካ ምትሕልላፍን እዩ። ስለዚ ---" ‘ብዝሓተትኩኻ ሕቶታት ኣይትሓዘለይ' ብዘስምዕ ቃና ነታ ዘረባ ኣንጠልጢላ ገደፈታ። 

"ይርድኣኒ እዩ" በለ ተኽለ ገለ ክዛረብ ግዲ መሲሉ ስለ ‘ተሰምዖ። "ኣበይ ኢና ደይ በጺሕና?" ክብል ኸኣ ሓሰበ። 

"ኣማኒ ኢኻ ሓቀይ?" 

"ንስኺ እካ ኣማኒት ተባሂልኪ" ዝብል ሓሳብ ኣብ ኣእምሮኡ ቅልቅል በሎ። "ትም ምባል ይሓይሽ። ናይ ለብ ዘብን ክርስትናሲ ከመይ ዓይነትዩ እንድዒ።" 

ከይመለሰላ ስለ ዚደንጎየ ነታ ሕቶ ብኻልእ መልክዕ ክትሓታ ተገደደት። "ማለተይ ዳግም ‘ተወለድካ ክርስትያን ኢኻ ሓቀይ?" 

"እወ" ሕርቃኑ ቀቢሩ መለሰላ። 

"ቅድም ዚሓተትኩኻ ሕቶውን ኣይመለስካለይን።" 

"ክልተ ደቂ ኣለዉኒ።" 

"እሞ ቆልዑን ዕምባባን ደኣ ዘይሳነዩ" ክትብል ሓሰበት። 

"ኣነ ከም ክርስትያናት ክትድግፉኒ ጥራይ ዘይኮነ ከም ሰብ'ውን ጨና ክትኮኑኒ እደሊ እየ" በለት። "ይኹንምበር ወሳኒት ኣሞይያ። ኣነ እቲ ሓበሬታ ክሰደላ እየ። ተለፎንካ ሃበኒሞ፣ ውሳነኣ ደዊለ እነግረካ" በለቶ። 

"ውሳነኣ በዛ ተለፎን ገይረ ክሕብረካ እየ" በለቶ ክኸይድ ኢሉ ሕቖኡ ሂብዋ ካብ ካንሸሎ ክወጽእ እንከሎ። 

"ቆልዑን ኣትክልትን ደኣ ዘይሳነዩ። እቲ ክገብሮ ዘሎኒ ሓጹር ገይረዮ ኣለኹ። እንታይ ምስ ኣሕዋት ኣባኣሰኒ?" ክትብል ሓሰበት። 

ተመሊሱ ከይመጻ ዚፈረሐት ክትመስል ብውሽጢ ኣትያ ኸኣ ነቲ ካንሸሎ ብሰጋጥ ዓጸወቶ። 

 2008