20
Sat, Apr
0 New Articles

ሄለን ኢዋን’ዩ

Ministry
Typography

ኣብ ግላስጎው። ስኮትላንድ። ዓቢ ናይ መንፈስ ኣምላኽ ምንቅስቓስ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ምስ ደሓንኩ። ሓንቲ መንእሰይ ጎርዞ ውን ኣብቲ ግዜ ድሒና። ስማ ሄለን ኢዋን'ዩ። ገና ንእሽቶ ጓል እያ ዝነበረት። ይኹን እምበር ገና ኣብ መጀመርያ ናይቲ ሓድሽ ሂወታ ብ ክርስቶስ። ንዕኡ ከም ፍጹም ጎይትኣ ጌራ ኣብ ሂውታ ሸይማቶ። ብመንፈስ ቅዱስ ወን ተመሊኣ ነበረት - ብዘየማትእ ኩነት።


 ብ ጄምስ ኤ. ስትዋርት

     ትርጉም ኣድሓኖም ሕዱግ

ርባታት ማይ ህይወት ካብ ሂወት ናይታ ጎርዞ ብኸምኡ ይውሕዝ ነበረ (ዮሃ. 737-39)። ኣብ መበል 22 ዕድሚኣ ምስ ሞተት። ብምልኡ ስኮትላንድ'ዩ ነቢዑ። ኣማኢት ኣብ መላእ ዓለም ዝነበሩ ሚስዮናውያን ብሞታ ከም ዝነብዑን ዘልቀሱን እፈልጥ።

ናይ ራሻ ቋንቋ ብግቡእ መሊኻ ነበረት እሞ ኣብ ኤውሮጳ ንኣምላኽ ክትዓዪ እያ ትጸባበ ኔራ። ንሳ ዝኾነ ይኹን ፍሉይ መንነት ኣይነበራን፤ መጽሓፍ ኣይጸሓፈትን። መዝሙር ውን ኣይደረሰትን። ንሳ ሰባኺት ኣይነበረትን። ልዕሊ 300 ኪሎ ሚተር ካብ ገዝኣ ርሒቓ ተጓዒዛ ውን ኣይትፈልጥን። ግናኸ ምስ ሞተት። ሰባት ብዛዕባ ናይ ሂወታ ታሪኽ መጻሕፍቲ ጽሒፎም። ሽሕኳ ብንእሽቶኣ እንተሞተት። ንኣዝዮም ብዙሓትያ ናብ ኢየሱስ ክርስቶስ መሪሓ።

ኩሉ መዓልቲ ብንግህኡ ሰዓት ሓሙሽተ ኣቢላ። ቃል ኣምላኽ ከተጽንዕን። ምስ ኣምላኽ ክትራኸብን ክትጽልን ምእንቲ ትትንስእ ኔራ። ንኣማኢት ሚስዮናውያን ጸልያ እያ። ኣዲኣ። ካብቲ ንሳ ናይ መዓልታዊ ንጥፈታታ እትጽሕፈሉ ደብተራታ ሓንቲ ኣርእያትኒ። ኣብኡ ከኣ ንሳ እትጽልየሎም ዝነበረት ብውሑዱ 300 ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ሚስዮናውያን ነበሩ። እዚ ኣምላኽ ነቲ ንኡስ ልባ ከመይ ጌሩ ንናይ ጸሎት ኣገልግሎት ጾር ከም ዘሰከማ የርኢ። ንሳ ነቲ ጸሎት ክትጽልየሉ ናይ ዝጀመረትሉን እቲ ልመናኣ ናይ ዝተመለሰሉን ዕለት ነበራ።

ሓደ መዓልቲ ምስ ክልተ ናይ ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰራት ኣብ ከተማ ሎንዶን ይዘራረብ ኔረ። ብዛዕባ ሓያል ክርስትና እናተዛረብና ከለና'ዩ ብድንገት ሓደ ካብኣቶም ከምዚ ዝበለ። "ሓው ስትዋርት። ሓደ ዕላል ክነግረካ።" ቀጺሉ ከምዚ እናበለ ተዛረበኒ፧ ኣብ ግላስጎው ዩኒቨርሲቲ ሓንቲ ተገርም መንእሰይ ጎርዞ ነበረት። በቃ ኣብ ቀጽሪ'ቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝኸደቶ ናይ ክርስቶስ መኣዛ እናገደፈት ትኸይድ ነበረት።

ንኣብነት። ተመሃሮ እንተድኣ ብዕሉግ ዕላላት የዕልሉ ኔሮም። ሓደ ካብኣቶም። "ሹሽ! ሄለን ትመጽእ ኣላ ስቕ በሉ።" ይብል። ሽዑ ንሳ ትሓልፍ እሞ ከይተረድኣ ብድሕሪኣ ሓይሊ ትገድፍ። እቲ ናይ ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰር ብምቕጻል። ኣብቲ ናይ ጸሎት ኣኼባኦም ከመይ ኩሉ ግዜ እዛ መንእሰይ ጎርዞ ናብቲ ክፍሊ ምስ እትኣቱ ይፍለጦም ከም ዝነበረ ነገረኒ። ኣብቲ ጸሎት ክትጅምር ከማን ኣየድልያን'ዩ ዚነበረ። ልክዕ ኣብቲ ክፍሊ ኣብ ዝኣተወትሉ ግዜ ብምልኡ እቲ ኣኼባ በቲ ዓቢ ሓይሊ ኣምላኽ ይናወጽ ነበረ።

"ከምኡውን" በለኒ'ቲ ፕሮፌሰር። "ንሳ ንብዙሓት ካብቶም ተመሃሮ ናብ ኢየሱስ ክርስቶስ መሪሓቶም።" ንሳ ንዕኡ ኣብ ሂወቱ ካብ ዝፈልጦም እታ ዝዓበየት ሓይሊ ን እምላኽ እያ ኔራ።

ኣነ ሽዑ። "እዚኣ ደኣ ሓንቲ ሰብ ጥራይ'ያ ክትከውን ትኽእል። ንሳ ኸኣ ሄለን ኢዋን።" በልክዎ። ንሱ ኸኣ ናይታ መንእሰይ ጎርዞ ሽም ንሱ ምዃኑ ነገረኒ።

"...ንሳ ንኣዝዮም ብዙሓት ናብ ኢየሱስ ክርስቶስ መሪሓ፣ "

ኣብ ጎደናታት ግላስጎው ፍሪቂ ለይቲ። ኣብቲ ግናይ ዝኾነ ናይ ሓጋይ ቁሪ። ወጺኤ ኣለኹ። ነቲ መንፈሳዊ ጽሑፋት ክዕድልን። ከምኡ ‘ውን ውልቃዊ ናይ ነፍሳት ምድሓን ንክገብርን፤ ንገዛ ክምለስ ከለኹ። ን ሄለን ኢዋን ንሓንቲ ድካ። ዝሰኸረት ኣመንዝራ  ብኣእዳዋ ሓቚፋ ብዛዕባ ኢየሱስን ብዛዕባ ፍቕሩን ክትነግራ ርእየያ ኣለኹ።

ኣዕሩኽ። ንሳ ንኣዝዮም ብዙሓት ናብ ኢየሱስ ክርስቶስ መሪሓ። ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ናብቲ ዝተቐብረትሉ ቦታ ምስ ከድኩ። ሓደ ካብቶም ናይ መቓብር ኮዓትቲ ከምዚ ኢሉኒ። "መምህር። እዛ ጓል ኣብዚ ዝተቐብረትሉ መዓልቲ ፈጺመ ኣይርስዖን'የ። ነቲ ሬሳኣ ክቐብሮ ከለኹ። ህላወ ኣምላኽ ኣብ ኩሉ'ዚ ቦታ ተሰሚዑኒ።"

ሓደ ምሸት ኩላትና ሓደ ፍሉይ ናይ ሕብረት ግዜ ነሕልፍ ኔርና። መንእሰያት ብ ጎይታ ይሕጎሱን። ጽቡቕ ግዜ የሕልፎን ኔሮም። ኣብ መንጎ ብዓልቲ ቤተይ ከምዚ በለት። " ኣብቲ መንደቕ ተሰቒሉ  ዘሎ ናይ ሄለን ኢዋን ስእሊ ድዩ?"

ብድንገት ብርቱዕ ጸጥታ ኮነ። ንሳ "ጂም። ገለ ሕማቕ ተዛሪበ ድየ?" በለት። ኩሉ እቲ ምስሓቕ ኣቋረጸ። ሓደ ብሓደ። ሓደ'ኳ ሓንቲ ቃል ከይተዛረበ። ብብርክና ኮይንና ምጽላይ ጀመርና። ሕሰብዎ ንሳ ናብ ቤታ ናብ ንግስተ ሰማይ ድሕሪ ምኻዳ ድሕሪ ዓመታት ሽማ ገና ኣዝዩ ሓያል ነበረ። ኦ ኣዕሩኽ። ኣነ እዚ ዓይነት መንፈሳዊ ሂወት እዚ ንነፍሲ ወከፍ ውሉድ ኣምላኽ ምዃኑ ይኣምን!

"ብመንፈስ ቅዱስ ደኣ ተመልኡ" (ኤፌ. 518)