20
Sat, Apr
0 New Articles

ህጻን ዘማሪት ሬማ ማርቫን

Restoring and Healing
Typography

ሬማ ማርቫን ( Rhema Marvanne) ካብ ኣቦኣ ተቶን ማርቫንን ( Teton Marvanne) ካብ ኣዲኣ ወንዲ ማርቫን ( Wendi Marvanne ) ኣብ መሰከረም 15 2002 ዐ/ም ተወልደት ። ሬማ ኣብ ዳላስ ተክሳስ ትሪኒቲ ሆስፒታል እያ ተወሊዳ ። ክትውለድ ከላ ክብደት ኣካላታ ብኣዝዩ ውሑድ ሚዛን ማለት 1.86 ኪሎ ግራም ስለዝተወልደት ኣብ ሆስፒታል ንሰለስተ ሰሙን ከም ክትጸንሕ ኮነ። ሬማ ንኣቦ ሚስተር ተቶን ኣብ ገዝኦም ዝዐበየ ሞጆ (Mojo) ንዝበሀል ከልባን ከም ትፈትዎም ትዛረብ፡፡ ኣብ Plano TX ዝርከብ Branch church ዝተባህለ ቤተክርስትያን ድማ ንኣምልኾ ይሳተፉ። ሬማ ጓል 7 ዐመት ከላ ንየሱስ ከም ግሊ መድሐኒኣ ጌራ ብምቕባላ ኣብ ጥቅምቲ 18; 2009 ተጠምቀት።


 

ሬማ ክትዝምር ዝጀመረት ካብ እታ ክትዛረብ ዝኸኣለትላ ማለት ኣፍ ዝኸፈተትላ ግዜ ጀሚራ እያ። ቅድሚ ሰለስተ ዐመት 2010 ዐ/ም ቦኽሪ መዝሙራ " ግሩም ጸጋ" (Amazing grace) ንሕትመት ኣብቀዔት። ነዊሕ ከይጸንሔት ኣብ ኢንተርነት ዐለም መዛሙራ ኣዝዩ ህቡብን ተፈታዊን ኮነ። ሬማ እዚ ናይ መዝሙር ክእለትን ንምዝማር ድሌትን ምልዕዐልን ዝረኸበቶ ካብ ኣዲኣ ሜዲ ሞርቫን እዩ። ኣደ ሬማ ማለት ሜዲ ሞርቫን ብዝጋጠማ ሕማም ካንሰር ሕዳር 8 2008 ካብ እዛ ዐለም ብሞት ተፈልየት።

 

{youtube}dTvStBw4_kw{/youtube}

ሬማ ነታ ብሞት ዝተፈልየታ ኣዝያ ተፍቅራ ኣዲኣ ኣሰር ብምሓዝ ካብ እቲ ዘለዋ ክቱር ናይ መዝሙር ባህጊን ኣደኣዊ ፍቕርን ተደሪኻ ከም ዘማሪትን ኣገልጋሊት ኣምላኽን ብሙኻን ኣብ ብዙሕ ኣብያተ ክርስትያን፡ ሆስፒታላትን ግብረሰናይ ትካላት ዘካይድኦ ፍሉይ መደባትን እንዳተረኽበት ብሕጉስ ልቢ ብመዝሙር ተገልግል።

ሬማ ማርቨን በቲ ዘለዋ ግሩም ክእለት መዝሙር ኣብ ኣብ እቲ ፍሉይ ስነጥበባዊ ክእለት ንዘለዎም ህጻውንቲ ዝቀርቡሉ ማውሪ ፖልቪች (Maury Morvich) ኣብ ሰነ 16 2010 ብምስታፍ ኣብ International news supreme ብማስተር ቲቪ ኣብ 44 ሀገራት ብ 60 ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝዝርጋሕ ግሎባል ሳተላይት ብቀጥታ እቲ ኣብ ናሽቪል ዘሕተመቶ መዛሙር ኣኣብ ሽዱሽተ ናይ ሰዐታት ፍልልይ ዘለዎ ዞናታት እንዳተቕያየረ ክትዝምር ከላ ተራእየት።

ሬማ እተን ክልቲኤን ኣልቡማት ኣብ Nashville እያ ኣሕቲማቶ። መዝሙራ ኣብ ናይ ኢንተርነት ( itunes, Amazon.com; ) መደበር ሙዝሙር መሸጢ ድሕረ ገጽን ኣብ እቲ ናታ ዕላዊ ወብሳይት ብብዙሕ ተጠላነት ረኺቡ ኣሎ። "Prayer" ዝብል ኣርእስቲ ኣልቡም ምስ እቶም ኣዝዮም ህቡባት ዝኾኑ ሙዚቀኛንታት ዝኾኑ ተሪ ዋይትን (Terry White ) ናሽቪል ስይምፎኒ (Nashville Symphony ) ብምትሕብባር ንሕትመት ኣብቂዐ እያ ። ነዊሕ ከይጸንሐት ድማ ናይ Christmas ኣልቡም ALL Seasons ዝብል ኣርእስቲ ዝሐዘት ብምስራሕ ጽብቕቲ ኣልቡም ንሰማዕቲ ዘርግሔት።

ሬማ ብዙሕ ሚልዮን ዝትመን ዋጋ ዘለዋ Machine Gun Preacher ዘርእስታ ፊልም ኣብ 2011 ዐመት ምህረት ዝተሰርሐት ፊልም ከም ተዋሳኢት ኮይና ሰሪሐ እያ።

ኣብ ኢንተርነት ዝፈነወቶ መዝሙር ልዕሊ 16 ሚልዮን ተመልከትቲ ወይ ሰማዕቲ ብምርካባ ኣብ እተን ዐበይቲ ናይ ተለቪጅን ትካላት ከም እኒ ABC'S 20/20, Fox News, CBS, TBN, Daystar ቀሪባ ክትዝምር ኣፍደገ ከፊቱላ እዩ።

ሬማ ኣብ ግዜ ዕረፍታ ምስ መሐዙታ ብምጽዋት፡ ኣብ ደገ ሰፈራ ብምጽዋትን ፊልምታት ብምርኣይ ከም እተሕልፎ ትዛረብ።

ንሬማ በቐረባ ዝፈልጥዋ ክገልጽዋ ከለዉ ከምዚ ርብሉ፡ " ሬማ ኣዝዩ ጽቡቕ ዝኾነ ልብን መንፈስን ኣለዋ። ጥዕምቲ ሰብ ፡ ለባምን ርሕርሕቲን ክትከውን ከላ ልዕሊ ኹሉ ግና ጽሩይ ልቢ ኣለዋ " ክብሉ ይገልጽዋ ፡፡

ሬማ ንብዙሐት ሰባት ብዝተፈላለየ ብሕማም፡ ብካንሰርን ካልእ ናብራዊ ጸገማትን ናይ ህይወት ፈተናታት ዝሐልፉ ኩሎም ንተስፋን ምጽንንናዕን ኣብነታዊት ህጻን ኮይና እያ፡፡ ሬማ ኣዲኣ ገና ህጻን ከላ ብሞት ካብኣ ምፍላያ ክየሰንበዳን ተስፋ ከየቑረጻን እኳ ድኣ ኣዝያ ክትብርትዕን ምልእቲ ሰብ ኮይና ክትመላለስን ከላ ኢኻ ትዕዘብ።

ሬማ ግዳይ ናይ ካንሰር ትኹን እምበር ኣብ ህይወታ ኣሉታዊ ጽልዋ ከይገበረላ ኩሉ ዝገጠማ ብድሆታት ስዒራ ዝሐለፈት እያ። ሬማ፡ ኣብ ህይወት ወድ ሰብ ተስፋን ጹቡቕነት ከምዘሎን እተርኢ ኣብነታዊት ህጻን እያ። ክትዝምር ከላ ዝሰምዐ ኩሉ ኣምላኽ ብርግጽ ብህጻውንቲ ከምዝዛረብ ህያው ምስክር እያ ። እቲ ጥዑም ዝኾነ ድምጻ ብሐቂ ልቢ ሰባት ዝትንክፍ እዩ።

ታሪኽ ህይወት ወንዲ "

ወንዲ ማርቨን ኣደ ሬማ ማርቨን እያ ። ወንዲ ( ካልኣይ ስማ Mercy ትብሀል ) ነታ ቦኽሪ ውላዳ ዝኾነት ሬማ ማርቨን ካብ ልባ ተፍቅራ ነበረት።

ወንዲ፡ ሬማ ጓል ሰለስተ ዐመት ከላ እያ ሕማም ካንሰር ከም ዘለዋ ብሐካይም ዝተነግራ። ንሰለስተ ዐመታት ብሕክማን ክትርዳእ ድሕሪ ምጻናሕ ኣብ ነሐሰ 11 ; 2008 ናብ ጎይታ ከደት። ሬማ ብዛዕባ ኣዲኣ ዘለዋ ተዘክሮታት ክትገልጽ ከላ ሕጉስ ተዘክሮታት ከምዝነበራ እያ ትገልጽ። ይኹን ድኣ ብዛዕባ ኣዲኣ ዘለዋ ተዘክርታት እቲ ነዲኣ ብምስናይ ኣብ ሆስፒታል ዘሕለፈቶን ናይ ኣዲኣ ኣብ ሆስፒታል ዝግበረላ ዝነብረ ምእላይን መጥባሕታዊ ሕክምናን እቲ ሕሱም ቃንዛን ስቃይን ናይ ኣዲኣን እዩ።

ወንዲ ማርቨን ንኣምላኽ ኣዝያ እተፍቅር ብርትዕቲ ኣማኒትን እያ ኔራ። በቲ ዝሐለፈቶ ስቃይ ኣብ ኣምላኽ ከተማርር ወይ ንኣምላኽ ሕቶ ከተቕርብ ኣይትስማዕን። ብሕማም ካንሰር እንዳተሳቐየት ክነስ ንካል ኦት ተጸናንዕ ሰብ ነበረት። ብዛዕባ ወንዲ ዝምልከት ቪድዮ ኣብ እዚ ወብሳይት ኣቲኹም ምምልካት ይከኣል፡፡ www.jchouseofmercy.org

ወንዲ ማርቨን ቅድሚ ምዕራፋ ዝነበራኣ ሒደት ኣዋርሕ ፡ በቶም ኣዝያ እተፍቅሮም ቤተሰባ ክቡር በዐል ቤታ ሚስተር ተቶንን እታ ፍትወቲ ውላዳ ዝኾነት ሬማን ካብኣ ከይተፈልዩ እቲ ዘድሊ ምእላይን ሐገዝን ገይሮምሉ እዮም ። ሬማ፡ ኣዲኣ ክሳብ እስትፋስ ህይወታ ትሐልፍ ( ብሕልፊ እተን መወዳእታ ክልተ ሰሙናት) ነፍሲ ወከፍ ሰዐት ከይተፈልየታ ምስኣ ትውዕልን ትሐድርን ነበረት።

ወንዲ ኣብ ህይወታ እዚ ገይረ ወይ በዚ ተዐዊተ ኢልኪ ትዛረበሉ ነገር እንታይ ኣሎ ተባሂላ ምስ ተሐተተት ብሐጺር ቃል መልሳ እዚ ዝስዕብ ነበረ፡ " ሬማ "

ብቐጻሊ ኣብ መጨረሻ ክትዛረብዮ ትደልይ ወይ ክትብልዮ ትደልይ ቃል እንታይ እዩ፧ ተባሂላ ምስ ተሐተተት ከምዚ ክትብል መልሲ ሀበት። " ህይወተይ ባዕሉ ስለዝዛረብ፡ ኣነ ዝብሎ የብለይን !"

ወንዲ ዐባይ ናይ ኣምላኽ ሰበይቲ እያ ዝነበረት። ሎሚ ኣብ ሑቕፊ እቲ እተፍቅሮ ኣምላኽ ኣላ። ሐንቲ ንወንዲ ብቐረባ ትፈልጣ ሰብ ብዛዕባ ወንዲ ክትዛረብ ከላ ከምዚ ትብል;" ወንዲ ኣብ ሑቕፊ ኣምላኽ ተሀሉ እምበር ኣብ ዕረፍቲ ጥራይ ኣይኮነት ዘላ፡ ንኹሎም ትፈልጦም ኣዝማዳን መሐዙታን ምሕረትን ጸጋን ክበዝሐሎም ም እንትኦም ትጽሊ ከም ዘላ እዩ ዝርድኣኒ። "