24
Wed, Apr
0 New Articles

ናብ መርዓ ዝቐንዐ ዝምድናታት

Marriage & Relationships
Typography

1. መእተዊ
መውስቦ ወይ ስርዓት - ቃል ኪዳን፡ ካብተን እግዚኣብሄር ንሰብ ዝሃቦ ሕጋጋት ኣታ ቀዳመይቲ እያ። እግዚኣብሄር ንሰብ ከም መልክዑን ምስሉን ጌሩ ክፈጥሮ ምስ ሓሰበ፡ ﷽ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስታይን ገይሩ ፈጠሮም﻾ ይብል፡ ዘፍ.1፡26-27። ብድሕሪኡ፡ እግዚኣብሄር ሓንቲ መሰንገለ ካብቲ መመርታ ዝተፈጥረ ኣዳም (ተባዕታይ ሰብ) ወሲዱ ነታ ሰበይቲ (ኣንስተይቲ ሰብñ) ምስ ሰርሓ፡ ናብቲ ሰብኣይ ኣምጽኣ። እቲ ሰብኣይ ድማ ሰበይቲ ክትኮኖ ወሰዳ፡ ሽዑ ድማ መውስቦ ተፈጺሙ። „ስለዚ ሰብኣይ ኣቡኡን ኣዲኡን ይሓድግ ምስ ሰበይቱ ከኣ ይጠብቅ፡ ሓደ ስጋ ድማ ይኹን።“ (ዘፍ.2፡21-25)።


1. መእተዊ
መውስቦ ወይ ስርዓት - ቃል ኪዳን፡ ካብተን እግዚኣብሄር ንሰብ ዝሃቦ ሕጋጋት ኣታ ቀዳመይቲ እያ። እግዚኣብሄር ንሰብ ከም መልክዑን ምስሉን ጌሩ ክፈጥሮ ምስ ሓሰበ፡ ﷽ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስታይን ገይሩ ፈጠሮም﻾ ይብል፡ ዘፍ.1፡26-27። ብድሕሪኡ፡ እግዚኣብሄር ሓንቲ መሰንገለ ካብቲ መመርታ ዝተፈጥረ ኣዳም (ተባዕታይ ሰብ) ወሲዱ ነታ ሰበይቲ (ኣንስተይቲ ሰብñ) ምስ ሰርሓ፡ ናብቲ ሰብኣይ ኣምጽኣ። እቲ ሰብኣይ ድማ ሰበይቲ ክትኮኖ ወሰዳ፡ ሽዑ ድማ መውስቦ ተፈጺሙ። „ስለዚ ሰብኣይ ኣቡኡን ኣዲኡን ይሓድግ ምስ ሰበይቱ ከኣ ይጠብቅ፡ ሓደ ስጋ ድማ ይኹን።“ (ዘፍ.2፡21-25)።
ከም ናይ ኣምላኽ ሰባት፡ ነዚ እግዚኣብሄር ዝርስዖ ቅዱስ ስርዓት ክንፍጽም ክንሓስብ ከሎና፡ ትርጉምን ዕላማን መውስቦ ብግቡእ ተረዲእና፡ በቲ ኣምላኻዊ መገዲ ናብ መርዓ ዝቐንዐ ዝምድናታት ክንገብር ይግብኣና። „ስርዓት እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ፡ ንልቢ የሐጉሶ። ትእዛዝ እግዚኣብሄር ንጹህ እዩ፡ ነዒንቲ የብርሄን“ መዝ.19፡7-8
ዕላማ ናይዚ ጽሑፍ፡ ከም ኣመንቲ ናይ ህይወት ብጸይቲ(ብጻይ) ክንደሊ ኣብ እንጅምረሉ ግዜ፡ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣገባብ ንኽንክተል ክሕግዘና ዝተዳለወ እዩ ኣብዚ ጽሑፍ ተጠቓሊሎም ዘለው ኣርእስትታት ድማ፡ ቅድመ-ኩነት ንዝምድናታት፡ ፍቓድ እግዚኣብሄር ምልላይ(ምድላይ)፡ ንቅኑዕ ምርጫ ዝሕግዙ ሮቓሒታት፡ ኣብ ግዜ ምርጫ ክህልዉካ ዘለዎም ባህርያት፡ ክትጥንቀቐሎም ዝግበኣካ ዘይቅኑዕ ርድኢታትን፡ ኣብ ግዜ ሕጸ (ቅድሚ መርዓ) ምስ ብጸይትኻ(ብጻይካ) ክግበሩን ክሕለውን ዘለዎም፡ እዮም። ነዞም ዓበይቲ ኣርእስትታት ብሕጽር ዝበለ ንምብራህን ምግላጽን ተፈቲኑ ኣሎ። ኣንባቢ ድማ ነዚ ጽሑፍ ከም መወከሲ ተጠቂሙ፡ ፍልጠቱን ርድኢቱን ከዕቢ ይግብኦ።
2. ቅድመ-ኩነት ንዝምድናታት
2.1 ብስለት (ምሽtችቶቕtኅ)
ሓደ ካብቶም ቅድመ ኩነት ንዝምድናታት ብስለት ወይ ብጽሕና እዩ። ብስለት ውጽኢት ናይ ብዙሕ ነገራት ኮይኑ፡ ኣብ ህይወትካ ንእትገብሮ ውሳኔታት፡ እትመርጾ ምርጫታት፡ ንእትኸዶ መገድታት፡ ንእትምልሶ መልሲ፡ ንእትዋስኦ ምውሳእን ንኹሉ እንተታት ኣብ ግምት ዝእትው፡ ልቦና ብዝመልኦን ብጥበብን ክትገብሮ ይሕግዘካ። ብስለት ኣካላዊ፡ ስምዒታዊ፡ ኣእምሮኣዊን፡ መዳያት የጠቓልል። ከምቲ ንየሱስ ክርስቶስ ዝተባህለሉ „የሱስ ድማ ኣብ ቅድሚ ሰብን ኣምላኽን፡ ብቑመትን ጥበብን ዓበየ“ ሉቃ.2፡25
ኣካላዊ ብጽሕና ካብቲ ሰብ ዓቕሚ ኣዳም(ወይ ሄዋን) በጺሑ ዝብሃለሉ ዕድመ እዩ ዝጅምር። በቲ ዝወሓደ ሰብ ንዝምድናታት ኢሉ ክሓስብ እንከሎ ኣብዚ ዕድመ እዚ ክበጽሕ ኣለዎ። እንተኾነ ኣብዚ ዕድመ ስለዝበጽሐ፡ ብኻልእ መዳይ ናይ ብስለት ብቑዕ እዩ ማለት ኣይኮነን። ስምዒቱ ክገትእ ወይ ክቆጻጸር ዘይክእል ሰብ ይትረፍ ምስ ተጻይ ጾታ ዝምድና ክገብር፡ ንዓርኪ መሓዛ ውን ብቑዕ ኣይኮነን። „መንፈሱ ዘይገትእ ሰብሲ ከምታ ቀጽሪ ዘይብላ ከተማ እዩ“ ምሳ.25፡28። ንዘረባኡ ኮነ፡ ንስምዒቱ ብዘይከልካሊ ዝሓድጎ ሰብ ማለት እዩ። ስለዚ ስምዒታዊ ብስለት ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ። ከምኡውን ቃል እግዚኣብሄር ብኣእምሮ ሰብኡት ክንከውን ይምህረና (1ቆረ 14፡20)። ኣእምሮኣዊ ብስለት ናይ ነገራት መምርታን መወዳእታን ከተስተውዕሎ፡ ነቲ እትገብሮ ሓሲብካን ኣሰላሲልካን ክትገብሮ ይሕግዘካ። ብዘይ ናይ ኣእምሮ ብስለት ኣብ ናይ ተጻይ ጾታ ዝምድና፡ ናብ ሓደ ሓሳብ ክትመጽእ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ክሳዕ ክንደይ ናይ ብጻይካ ሓሳብን ስምዒትን ትርዳእ፡ ብኡ መጠን ድማ ትድግፎ ኣብ ኣእምሮኣዊ ብስለትካ እዩ ዝውሰን። እዚ ብፍላይ ንደቂ ተባዕትዮ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር እዩ። „ከምኡውን ሰብኡት ምስ ኣንስትኹም ብኣእምሮ ንበሩ“ (1ጴጥ.3፡7)። ስለዚ ኣብ ሓዳር ምስ ኣተኻ ዘይኮነሲ ኣቐዲምካ ክትኮኖ ዝግበኣካ ነገር እዩ።
ኣብ መወዳእታ ከም ናይ እግዚኣብሄር ሰባት፡ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ዝሓስቦን ዝምድቦን ንኽንረክብን ክንፈልጥን መንፈሳዊ ብስለት የድልየና። ቅድሚ ዝምድናታት ምሕሳብና ካብ መንፈሳዊ ቁልዕነት ናብ ብስለት ኣቢልና ክንስጉም፡ ቃል እግዚኣብሄር ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እንታይ ምኽሪ ይህብ ክንፈልጥ ይግበኣና። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ,“ቆልዓ ከለኹ፡ ከም ቆልዓ ተዛረብኩ ልቢ ቆልዓ ነበረኒ፡ ከም ቆልዓ ሓሰብኩ። ሰብኣይ ምስ ኮንኩ ግና ነቲ ነገር ቆልዓ ሓደግኩ።“ 1ቆረ.13፡11
ብዙሕ ግዜ ከም መንፈሳውያን ቆልዑ ከሎና እንደልዮን እንሓስቦን፡ ብመንፈሳውነትና እናበሰልና ምስ ከድና ስለዝቕየር፡ ብፍላይ ንመርዓ ዝቐንዐ ዝምድናታት ኣብ እንሓስበሉ እዋን፡ ብስለትና ምኽሪ ኣምላኽ ከነስተውዕለሉ ዝኽእለና ደረጃ ክበጽሕ ይግብኦ።
2.2 ንመብጽዓ ድልው ምዃን
ናብ መርዓ ዝቀንዐ ዝምድና ክትገብር ክትሓስብ ከሎኻ ንእትገብሮ መብጽዓ ከተኽብር ድልው ምህላውካ፡ ንርእስኻ ክትፍትሽ ይግብኣካ። ኣብ ቃል ኣምላኽ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣብ ስፍራ ቅድስናኻ ኣብ ድንዃንካ ዝሓድር መን እዩ? ኢሉ ምስ ሓተተ ካብቲ ዝተመለሰ መልስታት „ ...ዝጎድኦ እኳ እንተኾነ ነቲ ዝመሓለሉ ዘይልውጦ...“ ዝብል እዩ (መዝ 15፡1,4)። ከምኡውን ኣብ 2ይ ጴጥ1፡4 ተማቐልቲ እቲ ኣምላኻዊ ባህርይ ክንከውን ከም ዝተጸዋዕና እዩ ዝነግረና። ሓደ ካብ ባህርያት እግዚኣብሄር ድማ፡ “ኪዳኑ ኣይጠልምን፡ ነቲ ዝተዛረቦ ድማ ኣየፍርስን እዩ“ (መዝ 89፡34)። ስለዚ ነዚ ቃል ምዕዶ ኣብ ግምት የእቲካ፡ ቅድሚ ምስጓምካ ንገዛእ ርእስኻ ንመብጽዓ ድልውቲ ግበራ።
መብዛሕትና ናብቲ እግዚኣብሄር ዝሰርዖ ቅዱስ ኪዳን ንምእታው ንፈርሕ ኢና። ነቲ ፍርሒ ካብቲ ንዝምድና እንሓስቦ ወይ እንሓስባ ሰብ እዩ ዝጅምር። ብሓሳብ እንተ ዘይተሰማማዕናኸ ድሕሪ መብጽዓ ምእታውና ወይ ምሕጻይና ሓሳባታ (ሓሳባቱ) እንተቐየረ(ት) ከ። ምስ ተመርዓና ፍልልያት እንተኣጋጠመና እሞ እንተ ተፋታሕና ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለን፡ ንትብዓትና ዝበልዕ ፍርሕታት ከይንስጉም ይኣስረና እዩ። ነዚ ፍርሒ ናይ ሓቅነት ጽላሎት ዘልብሶ ፍጻሜታት ካብ ናይ ኣመንቲ ህይወትን፡ ካብ ከባቢናን ንርእን ንሰምዕን ኢና። ከም ውጽኢቱ ድማ ናብ መርዓ ዝመርሕ መብጽዓታት ካብ ምግባር ንሃድም። ወይ ውን ነቲ እንገብሮ መብጽዓታት ክፉት ክንገድፎ እሞ፡ እንተ ጥዒምና ጥራይ ክንቅጽሎ ንደሊ።
ቃል እግዝኣብሄር ግና ካብ ፍጻሜታት ትዕዝብትን ትምህርትን ክንወስድ እምበር፡ መደምደምታ ክንገብር ኣይምህረናን እዩ። ብዘየገድስ ኣብ ዙርያና ሰባት ከመይ ዓይነት ኣካይዳ ኣለዎም ንሕና ግና ናብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ምዕዶ ከነቅልብ ይግብኣና። ብኸምዚ ድማ ብሓሳባትናን መገድታትና ንእግዝኣብሄር ባህ ነብሎ። „ዎ ኣምላኽ ቃላት ኣፈይን ሓሳብ ልበይን ኣብ ቅድሜኻ ብሁግ ይኹን“ መዝ 19፡14
2.3 ቀዳምነታትካ ምስራዕ
ኣብ ጉዕዞ ናይ ህይወት፡ ንገለ ገለ ነገራት ብሓንሳብ ኣብ ሓደ ግዜ ክትገብሮ ዝከኣል እዩ። ገለ ገለ ነገራት ግን፡ ካብቲ ዝሓቶ ግዜን ዓቅምን ዝተላዕለ ብቐዳምነታት ሰሪዕካ ክትገብሮም እዩ እቲ ተመራጺ። ከምኡውን ገሊኡ ኣኣብ ግዚኡ ዘመኑ ሓሊኻ ክትገብሮ ዝግብኣካ ነገራት ኣሎ። „ንኹሉ ዘዘመኑ ኣለዎ፡ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ኹሉ ነገር ከኣ ገግዚኡ ኣለዎ“ መክ 3፡1
በዚ መንጽር ድማ ቅድሚ ናብ መርዓ ዝቐንዐ ዝምድናታት ምግባርካ፡ ኣብ ህይወት ዘሎካ ቀዳምነታት ብንጹር ክትሰርዕ፡ ምስ ካልእ ኣወዳዲርካ ድማ፡ ዝምድና ምግባር ቀዳምነትካ ምኻኑን ዘይምኻኑን ምርግጋጽ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ህይወት ሓደ ክርስትያን መንእሰይ ከም ቀዳምነታት ዝስርዑ ኣገደስቲ ነገራት ከም ኩነታት ትምህርቲ ናይ ስራሕ ኩነታት፡ ናይ መገሻ ሓሳባት ናይ ስድራቤት ሓላፍነትን፡ ካልኦትን ክጥቀሱ ይኽእሉ። ናብ መርዓ ዝቐንዐ ዝምድና ክትገብር ክትሓስብ ከሎኻ፡ ኣብ ህይወት ንዘሎካ ቀዳምነታት ብጥንቃቐ ብምስራዕ፡ ንእትገብሮ ውሳኔ ዝደንፍዕ እምበር ዝዕንቅፍ ወይ ዝሓላልኽ ከም ዘይከውን ጌርካ ከተዳልዎ ጽቡቕ እዩ።
መዘራረቢ ነጥብታት
- ኣገዳስነት ብስለት ኣብ እንገብሮ ዉሳኔታት ብመይ ትገልጾ? ባህርያት 'ብሱል' ሰብ ግለጾ?
- ከም ኣረኣእያካ፡ ሰብ ኣብ ክንደይ ዕድመ ምስ ብጽሐ እዩ ብሱል ክበሃል
ዝከኣል?
- ንመብጽዓ ድልው ንምኻን ክትገብሮ ወይ ክትበጽሖ ዘሎካ ነገራት ዘርዝር?
- ስለምንታይ እዪ ብዙሕ ሰብ መብጽዓ ምእታዉ ዝፈርሕ? እስኻኸ?
- ቅድሚ መርዓ ዝሰራዕካዮም ቀዳምነታት እንታይ እዮም? ስለምንታይ ከምኡ ጌርካ?
- ቀዳምነታት ምስራዕ ናይ እምነት ተግባር ድዩ? ብኸመይ?
3. ፍቓድ እግዚኣብሄር ምድላይ
3.1 ጸሎት
ኣብ ወንጌል ማቴዎስ 7፡7-8 ከምዚ ይብል „ዝለመነ ኹሉ ይቕበል እዩ፡ ዝደለየ ድማ ይረክብ፡ ማዕጾ ኻሕኻሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉ እዩ እሞ፡ ለምኑ ይወሃበኩም። ድለዩ ትረኽቡ። ማዕጾ ኻሕኻሕ ኣብሉ ይኽፈተልኩም እዩ።“ እግዚኣብሄር ዘድልየና ኩሉ ይፈልጥ እኻ እንተኾነ ክንጽልን ክንልምንን ኣብ ቃሉ ይምህረና። ገና ናብ መርዓ ዝቐንዐ ዝምድና ክንገብር ክንሓስብ ክንጅምር ከሎና፡ ክንጽልን፡ ገጽ ኣምላኽ ክንደልን ይግብኣና። „ድሌትኩም ዘበለ ብጸሎትን ልማኖን ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ...“ ፊሊ4፡6 ብዙሕ ግዜ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ውዱእ ሓሳባት ሒዝና ብምቅራብ፡ ከጽድቐልና ንመጽእ ኢና። ኣብ ከምዚ እዋን ገለልተኛ ዝኾነ ጸሎት ምጽöላይ ኣይክኣልን። ንእግዚኣብሄር ድማ ልኡላዊ ፍቓዱ ክገልጽ ዕድል ኣይንህቦን ኢና። ስለዚ ስምዒትና ክጎሰና ከይመረ ከሎ ንፍቃድና ናብ እግዝኣብሄር ከነግዝኦ፡ ንድሌታትና ድማ ብጸሎት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከነቅርቦ ይግባእ።
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብዚ ኣርእስቲ እዚ ጽቡቕ ኣብነት ዝኾነና ግዙእ ኣብርሃም እዩ። ንሱ ኣብርሃም ንወዱ ይስሃቅ ሰበይቲ ከምጽኣሉ ምስ ለኣኾ፡ እቲ ቀዳማይ ዝገበሮ ነገር ብጸሎት ንመገዱ ኣብ ቅድሚ እግዝኣብሄር ምምዕቛብ እዩ። „በለ ድማ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ጎይታይ ኣብርሃም፡ ሎሚ ኮታ ኣገባግበለይ፡ ንጎይታይ ኣብርሃም ከኣ ምሕረት ግበር።“ ዘፍ 24፡12
ከም ናይ ኣምላኽ ሰባት፡ ኣብ እንገብሮ ኩሉ ፍቓድ እግዚኣብሄር እንታይ ምኻኑ ክንምርምር፡ ንፍቓዱ ብምግባር ድማ ንእግዚኣብሄር ባህ ከነብሎን ከነኽብሮን ኢና ተጸዊዕና (1ይ ተሰ4፡1)። ናብ መርዓ ዝቐንዐ ዝምድና ኣብ እንሓስበሉ እዋን ብምሉእ ልብና ንፍቓድ እግዚኣብሄር ክንደሊ ይግብኣና። ንፍቓድ እግዚኣብሄር ብጸሎት፡ ካብ ቃል ኣምላኽ ተስፋ ብምሓዝ ክንፈልጦ ንኽእል። እግዚኣብሄር ድማ ንፍቓዱ በቲ ዝተለማመድናዮ መገዲ ድምጹ ብምስማዕ፡ ብናይ ኣሕዋት ምስክርነትን ብካልእ መገድታትን የረጋግጸልና። „ብምሉእ ልብኻ ብእግዝኣብሄር ተኣመን ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ፡ ኣብ ኩሉ መገድኻ ንኣኡ ሕሰብ ንሱ ከኣ ኣካይዳኻ ከቅንዕ እዩ።“ ምሳ3፡5-6
3.2 ቃል ኣምላኽ
ምኽሪ ወይ ሓሳብ እግዚኣብሄር ኣብ ቃሉ እዩ ዝርከብ ስለዚ ድማ ንቓሉ ክንፈልጦን ከነስተንትኖን ይግብኣና። ናብ መርዓ ዝቐንዐ ዝምድና ክንገብር ክንሓስብ ከሎና ቃል እግዚኣብሄር ምምርማር ንሰለስተ ነገራት ይሕግዘና። ቀዳማይ፡ መገዲ የዳልወልና። „ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ ንመንገደይ ድማ ብርሃን እዩ።“ መዝ 119፡105። ብመጠን እቲ ንቓል ኣምላኽ ዝፈለጥናዮን ዝመርመርናዮን ብኡ መጠን ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንድርኺትና ነንጽህ፡ ንመገድና ድማ ነቅንዕ። ኩሉ ግዜ ሓደ ነገር ክንገብር ክንሓስብ ከሎና ንሓሳብናን ሃቐናናን ብቃል ኣምላኽ ክንፍትሽ ይግባእ። „ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዝበልሕ እዩ፡ ነፍስን መንፈስን መፈላልዮ ኣካላትን ኣንጉዕን ክሳዕ ዝፈላሊ ዝሰጥም ኣብ ምሕላንን፡ ሓሳብ ልብን ከኣ ዝፈርድ እዩ።“ እብ6፡12። ስለዚ ብዛዕባ እቲ ንሓስቦ ዘሎና እታ ኣምላኻዊት መገዲ ኣየነይቲ ምኻና ንኽንፈልጥ ንቓሉ ንመርምሮ። „መገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ፡ ጻድቃን ድማ ይመላለስሉ፡ መፍረስቲ ግና ኣብኡ ይወድቁ እዮም እሞ፡ነዚ ዜስተውዕሎስ ኣየናይ ጥበበኛ እዩ፡ ዝፈልጦኸ ኣየናይ ለባም እዩ።“ ሆሴእ 14፡9
ካልኣይ፡ ነቲ ንደልዮ ዘሎና ካብ ኣምላኽ ከም እንቅበሎ ተስፋ ንረኽብ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተስፋታት ኣምላኽ ተገሊጹ ተጻሒፉ ኣሎ። እግዝኣብሄር ዝሃቦ ተስፋ ምሓዝ፡ ብእምነት ክትጽልን ጸኒዕካ ደው ክትብልን ይሕግዘካ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ደገኛ ሰበይቲ (ሰብኣይ) ካብ እግዚኣብሄር ከም እትርከብ (ከም ዝርከብ) ይገልጽ። ምሳ19፡14። ከምኡውን ኣብ መዝ 37፡4 ከምዚ ይብል „ብእግዚኣብሄር ተሓጎስ ልብኻ ዝደልዮ ንሱ ክህበካ እዩ።“ እምበኣር ኣብቲ ናብ መርዓ ዝቐንዐ ዝምድና ክንገብር ኣብ እንሓስበሉ እዋን ንእምነትና ዝድግፍ ቃል ተስፋ ንሓዝ።
ሳልሳይ፡ ምስልን ባህርያትን ናይቲ (ናይታ) እግዚኣብሄር ዝንእዶ (ዝንእዳ) ሰብ ክንርእን ክንፈልጥን የኽእለና። ብዙሕ ግዜ ናብ መርዓ ዝቀንዐ ዝምድናታት ክንገብር ክንሓስብ ከሎና ኣብ ልብና ዝቅመጡ መምዘኒታት ነቲ ኣምላኽ ዝንእዶ ብልጫታት ዘንጸባርቑ ኣይኮኑን። ቃል ኣምላኽ ግና ዝያዳ እቲ ግዳማዊ ነገራት፡ መልክዕ ሰብ እቲ ዉሽጡ ዘሎ ህዱእን ለዋህን መንፈስን፡ ንእግዚኣብሄር ዝፈርህ ልቢ ምዃኑን ይነግረና (1ይ ጴጥ 3፡4, ምሳ31፡30)። መልክዕ፡ ቁመና፡ ውቃበ፡ ትሕዝቶ...ዝኣመሳሰሉ ዝጽልኡኻ እንተ ዘይኮኑ ጠባሪን ኩሉ ግዜ ዘይህሉ ሓላፊን ምዃኑ ኣስተውዒልና ኣብ ናይ ቀዳምነታት ቦታ እንተ ዘይተዋህቦም ተመራጺ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ሓላፊ ነገር ውሳኔካን ምርጫካን ምምርካስ ሓደገኛ ሳዕቤን ስለዘለዎ።

ይቅጽል