25
Thu, Apr
0 New Articles

ሃድሰን ተይለር

Ministry
Typography

1.  ተይለር በቲ ኣብ ባህሊ ቻይናውያን ዘሎዎ ፍሉይ ታህዋስን ብዝነበሮ ቅንኢ ንወንጌልን እዩ ዝፍለጥ። ሽሕ እኳ ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ሚስዮናውያን ሳሕቲ ጥራይ ዝርአ እንተነበረ፣ ተይለር ግና ንባህላዊ ኣልባሳት ቻይና ምልባስ ርዒምዎ እዩ። ኣብ ትሕቲ መሪሕነቱ እተመስረተ ‘ሚስዮን ውሽጢ ሃገር ቻይና' (China Inland Mission) ኣብ ኩሉ ተግባራቱ ንኻብ ኩለን ወንጌላውያን ሕብረታት ዝመጹ ብማዕረ ብዘይ ኣፈላላይ ይቕበልን የሳትፍን፣ ንካብ ደርቢ-ሰራሕተኛታት ዝኾኑ ውልቀሰባት፣ ንዘተመርዓዋ ኣንስትን ንካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝመጹ ሰራሕተኛታትን ድማ የጠቃልል። ብምኽንያት እቲ ‘ሚስዮን ውሽጢ ሃገር ቻይና' ዝበሃል ትካል ኣንጻር ንግዲ ሓሽሽ ዝገብሮ ዝነበረ ዘመተ፣ ተይለር ኣብ 19 ክፍለ ዘመን ንቻይና ዝበጽሓ ኣገዳሲ ኢሮጳዊ ተባሂሉ ክጥቀስ በቂዑ እዩ። 

2.  ኣብ 1851 ናብ ኣዝዩ ነዳይ ከባቢ ኣብ ኪንግስተን ናይ ሃል ምስ ዶ/ር ሚልያም ሃርደይ ተሓጋጋዚ ሓኪም ክኸውን ከደ። ንነፍሱ ድማ ንናይ

እምነትን ኣገልግሎትን ዕዮ ከዳልዋ ጀመረ፣ ህይወቱ ንድኻታት ክውፊ እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ድልየታቱ ዘለማምዶ እምነት ድማ ክላማመድ ጀመረ። ኣብ ሞንጎ እቶም ሽጉራት ናይ ወንጌል ትራክትታት (ንእሽቶ መንፈሳዊ ጽሑፍ) ምዝርጋሕን፣ ኣብ ግዳም ኣብ ክፉት ኣየር ኮንካ ምስባኽን ተለማመደ። ተይለር እንደገና ምስ ኣንድሪው ጃክስ ተራኸበ (እዚ ሓው እዚ ኣብ ሃል ፍሉጥ መምህር እዩ ዝነበረ)። 

3.  ሃድሰን ተይለር ቅድሚ ናይ ሕክምና መጽናዕቱ ምዝዛሙ፣ ብ19 መስከረም 1853 ንእንግሊዝ ሓዲጉ፣ ኣብ ሻንጋይ ቻይና ብ1 መጋቢት 1854 በጽሐ። እዚ ጉዕዞ እዚ ነታ ፈጣን መርከብ ዱምፍሪስ (Dumfries) ዳርጋ ኣዕናዊ እዩ ዝነበረ፣ እዚ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝወሰደ ጉዕዞ ብመገዲ ምብራቃዊ ወገን ጥቃ ፑላዉ (Pulau) ቡሩ (Buru) እያ እተጓዕዘቶ። ኣብ ቻይና ምስ በጽሐ ቀጥታ ዝተቀበሎ ኩናት ሓድሕድ እዩ። እታ ቀዳመይቲ ዓመት ድማ ኣብ ህውከት እዩ ኣሕሊፍዋ። ካብ 1855 ጀሚሩ ተይለር ኣብ ከባቢ ሻንጋይ 18 ዑደታት ስብከት ኣካየደ። ሽሕ እኳ ምስኡ ሞያ ሕክምናን መሳሪሕታት እንተ ተማልአ እቲ ህዝቢ ግና ድኹም ኣቀባብላ እዩ ዝገብረሉ ዝነበረ።
 

4. ኣብ 1858 ተይለር ንዘኽታም ጓል እቲ ኣብ ቻይና ቀዳማይ ሚስዮናዊ ዝኾነ፣ ማርያ ጀይን ዳየር ተመርዓወ። ጓሉ ንኣባል ናይ ሎንደን ናይ ምስዮን ጉጅለ ኣገልጋሊ ሳሙኤል ዳየር እያ። ተይለር ንማርያ ኣብ ኒንግቦ (Ningbo) እናተቀመጠትን ኣብኡ ኣብ ሓንቲ በታ ቀዳመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ሚስዮናዊት ኣብ ቻይና ሜሪ ኣን ኣልደርሰይ እተመስረተት ቤት ትምህርቲ ኣዋልድ እናመሃረትን እዩ እተፋለጣ።

5. ብሰንኪ ጸገም ጥዕና ኣብ 1860 ተይለር ምስ ስድራቤቱ ንገለ እዋን ንዕረፍቲ ናብ እንግሊዝ ክምለስ ወሰነ። እንዳ ተይለር ናብ እንግሊዝ ክምለሱ ከለዉ ኣብታ መርከብ ምስኦም ቆራጺት ቀጠፍ ጁብሊ ምስ ኣዋልዳ፣ ግረይስን መንእሰይ ዋንግ ላይጁን ካብ ብሪጅ እስትሪት ቤተ ክርስትያን (bridge Street Church) ናይ ኒንግቦ ነበሩ። እዚኣቶም ነቲ ኣብ እንግሊዝ ዝቅጽል ምትርጓም መጽሓፍ ቅዱስ ኽሕግዙ እዮም።

"ሰብኣይ ምስ ኮንኩ ሚስዮናዊ ኮይነ ናይ ቻይና ክኸይድ እየ" እዚ ሓደ ንእሽቶ ቆልዓ ቅድሚ ነዊሕ ዓመት እተዛረቦ እዩ። እዚ እቲ ሕጂ ብልክዕ ዝኸውን ዘሎ እዩ። 

ድሕረ ባይታ ስድራቤት 

ህጻን ጀምስ ሃድሰን ተይለር ኣብ ባንስለይ እንግሊዝ ብ1 ግንቦት 1832 ተወልደ። ኣብኡ ጀምስ ተይለር ወዲ ሰበኽትን ወዲ ወዲ ሰበኽትን እዩ፣ ንባዕሉ ውን ሰባኺ። ንእግዚኣብሄር ኣዝዩ የፍቅሮ፣ ኩሉ ሰብ ክርስትያን ሙዃኑ ክሳዕ ዝፈልጥ ድማ ብልዑል ተኣማንነት የገልግል ነበረ፣ መዓልቲ ቤቱ ኣመሊያ ሃድሰን ተይለር ድማ ከምኡ ንፍዕትን ንእግዚኣብሄር ሓቀኛን ነበረት። ከም ህጻን ሃድሰን ጌሩ ብሉጻት ወለዲ ዝተዓደለ ቆልዓ ዳርጋ የሎን ክበሃል ይከኣል።

ከም ህጻን ኣዝዩ ትኩርን ምጭዉን ነበረ፣ ግናኸ ተሪር ስለ ዘይነበረ ባህርያቱ ብቀሊሉ ክባላሾ ይኽእል እዩ። ወለዱ ምእዛዝን ምግታእ ርእስኻን ክመሃር ከም ዝግብኦ ተገንዘቡ፣ ሽሕ እኳ ተነቃፊ ቆልዓ እንተነበረ፣ እዘን ትምህርትታት እዚኣተን ንኽምህርዎ ወሰኑ።

ወዲ ክልተ ወይ ሰለስተ ንእሽቶ ህጻን ከሎ ምስ ኣብኡን ኣዲኡን ንቤት ክርስትያን ይኸይድ ነበረ። ኣብቲ ነዊሕ መደብ ናይ ኣገልግሎት እንተ ደኣ ብስነ-ስርዓት ተኻፊሉ፣ ቡራኬ ምስ ተገብረ ወለዱ  ኣብ ድሕሪ ኦም ኮፍ ንዝብል ኣበሓግኡ ንተይለር ኽሓቅፎ ክህብዎ እዮም። እዚ እቲ ካብቲ ኣብ መላእ ህይወቱ ዝዝክሮ ተዘክሮታት ሓደ እዩ።

ከም ንእሽቶ ወዲ ካብቲ ሓደ ኣዝዩ ደስ ዘብሎ ዝነበረ ነገር፣ ምስ ምንኣስ ሓዉ ምጽዋት እዩ፣ ንእሽቶ ሓፍቱ ኣመሊያ ግቡዝ ምስ በለት ታተ (ምስጓም) ዝመሃራ ባዕሉ ሃድሰን እዩ ነይሩ። ክልተ ምንኣሱ ኣሕዋቱ ምስ ሞቱ ጓህን ደስታን ናይዛ ህይወት እዚኣ ክፋላይ ሙኻኖም ተማህረ።

ሓደ መዓልቲ ኣብ ከተማ ምርኢት ነበረ፣ እቲ ንሃድሰን ዝያዳ ዝመሰጦ ነገር  ምርኢት እክብካብ ናይ ኣዕዋፍን ካልኦት እንስሳታትን እዩ ነይሩ። ናይ ተፈጥሮ ነገር ኣዝዩ እዩ ዘፍቅር። ስንባደ ክሳዕ ዝፈጥረሉ እቶም እንስሳታት ኣብ ነዊሕ ጣውላ እዮም ተሓጺሮም ዝነበሩ። ኣብ ኢዱ ብክንደይ ጻዕሪ ዝረኸባ ሓንቲ ሳንቲም እያ ዘላ፣ ነቲ ኣብቲ መእተዊ ናይ ምርኢት ዘሎ ሰብ ድማ ሃቦ፣ እተዋህቦ መልሲ ግና መእተዊ ክልተ ሳንቲም እዩ ዝብል ነበረ፣ "ካልአይቲ ሳንቲም ደኣ ዘይብለ፣ ካብ ፍጹም ዘይምህላው ድማ ሓንቲ ክትህልወኒ ከም ዝሓይሽ ባዕልኻ እንዶ ረአ" ኣመኽነየ ተይለይ። እቲ ዘቕረቦ  ምጉት ብርግጽ ስነ ሞጎታዊ እኳ እንተነበረ፣ እቲ ሓላዊ ማዕጾ ግና ተሪሩ ኣበዮ፣ እዚ ንእሽቶ ህጻን ጸገሙ ንኣዲኡ ንኽነግራ ኸደ። ወላዲቱ ከኣ እቲ ሓላዊ ማዕጾ ንመእተዊ ክልተ ሳንቲም ከኽፍል ሓላፍነቱ ሙኳኑ ገለጸትሉ፣ ዘዕግብ ኣገባብ ኣፈታትሓ ናይዛ ሽግር ከኣ ኣምጸአት። ከምዚ ድማ በለቶ፣ "ሃድሰን ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት ጽቡቅ ኢኻ ጌርካ፣ ኩሉ ተግባራትካ ደስ ስለ ዝበለኒ ድማ እዛ ሳንቲም እዚኣ እንካ"፣ ልቡ ብሓጎስ እናዘለለ ከኣ ጎየየ።

ደቂ ተይለር ኣብ ገዛ ይኹን ኣብ ደገ ምስ ሰባት ኩሉ እዋን ጽፉፋት ክኾኑ ኣእዳዎምን ገጾምን ብዝግባእ ክሕጸቡ፣ ጫምኦም ክነግፉ፣ ጽፍሮም ብግቡእ ክሕዙን ተማሂሮም እዮም።

ሰዓት ምኽባር እቲ ካልእ እተማህርዎ ኣገዳሲ ትምህርቲ እዩ ነይሩ። ነፍሲ ወከፍ ቆልዓ ኣብ መኣዲ ኣብ ሰዓቱ ክርከብ ኣለዎ፣ ከምኡ ውን ኣብ ካልእ ቆጸራታት። ኣብኦም ተይለር ከምዚ ይብሎም ነበረ፣ ሓሙሽተ ሰባት ንሓንቲ ደቂቅ እንተደኣ ተጸብዮም ተመሊስካ ክርከብ ዘይክእል ሓሙሽተ ደቃይቅ ከም ዝጠፍእ ክንግምት ዶ ኣይንኽእልን?

ንደቁ ዝወሃብ ሃብትን ናይ ዓለም ትሕዝቶን ብዙሕ የብሉን፣ ግናኸ ካብኡ ኣዝዩ ዝበለጸ ነገር እዩ ኣውሪስዎም...ጽኑዕ እምነት ኣብ እግዚኣብሄርን ልዑል ክብሪ ንቃሉን።

ንእሽቶ እንከሎ ናብ ቤት ትምህርቲ ንምኻድ ተሪር ስለ ዘይነበረ ትምህርቱ ብዝያዳ ኣብ ገዛ እዩ ቀሲምዎ፣ ኣብ ገዛ ካብቶም ወራዙትን ለባማትን ወለዱ ልዕሊ እቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ክረኽቦ ዝኽእል ልዕሊኡ እዩ ጠቀምቲ ነገራት እተማህረ።

ኣብኦም ተይለር ኣብ ናይ ወጻኢ ናይ ሚስዮን ኣገልግሎት ግዱስ ነበረ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ቻይና። እዞም ህጻናት ካብ ወላዲኦም ተጋዳስነት ናይቲ ሚስዮንን፣ ፒተር ፓርለይ ብተደጋጋሚ ዝጸሓፋ መጽሓፍን ተኻፈሉ። ሃድሰንን ሓፍቱ ኣመሊያን ሓንቲ መዓልቲ ናብታ ሃገር ንክኸዱ ዕላማ ገበሩ። 

ትምህርትን ስራሕን

ናይ ሃድሰን ናይ ትምህርቲ እዋን ወዲ 11 ዓመት ምስ ኮነ እዩ ዝጅምር። ብርግጽ ምስ ብዙሓት ቆልዑ ምሕዝነት ምግባሩ ንዕኡ ሓጋዚ እዩ ነይሩ፣ ነገር ግን እዘን መዓልታት ብፍሉይ ሕጉሳት ኣይነበራን። እቲ ናይ ንእስነቱ እምነት ኣጥፍኦ፣ ህይወቱ ናብ እግዚኣብሄር ክሳብ ዝውፊ ድማ ብዙሕ ዓመታት ሓለፈ።

ወዲ 15 ዓመት ምስ ኮነ ኣብ ባንክ ከም ጸሓፊ ኮይኑ ስራሕ ጀመረ። እዚ ፋሽኑ ዝሓለፎ ናይ እምነት ሓሳባቱ ኩሉ ግዜ ብገዳይም ጸሓፍቲ ምስ ተሳሕቀ እዩ፣ ድሕሪ 9 ኣዋርሕ ገዝኡ ምስ ተመልሰ፣ ካብ ካልእ እዋናት ብዝበኣሰ ካብ እግዚእብሄር ኣዝዩ ርሒቁ ነበረ።

ኣብኡን ኣዲኡን ንድሕነት ወዶም ጾር ተሰከሙ። ሓፍቱ ኣመሊያ ድማ ንመዓልቲ ሰለስተ ግዜ ክትጽልየሉ ንኣእምሮኣ ድሉው ገበረቶ፣ ነዊሕ ኣይጸንሐን እዚ ጸሎት ተመለሰ።

እቲ ለውጢ

ሓደ መዓልቲ ምንም ዝዓዮ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን፣ ኣዒንቱ ኣብ ሓንቲ ትራክት (ንእሽቶ ሃይማኖታዊት ጽሕፍቲ) ዓለባ፣ "ኣብ መጀመርታኣ ዛንታ ክህልዋ እዩ፣ ኣብ መዕጸዊ ከኣ ስብከት ወይ ሞራል"፣ ንርእሱ ከምዚ በላ "እቲ መጀመርታኣ ከንብቦ እየ እቲ መዕጸዊ ከኣ ነቶም ዝፈትውዎ እገድፈሎም"። ግናኸ እናንበባ ከሎ፣ ኣዝዩ ተረትዐ እሞ፣ ርእሱ ንግዚኣብሄር ሃበ። ኣዲኡ ካብ ገዛ ርሒቃ ከላ፣ እታ ነዚ ደስ ዘብል ወረ ዝሰምዐት ቀዳመይቲ ኣመሊያ እያ ነይራ፣ ኣዲኡ ምስ ተመልሰት ብዛዕባ ምልዋጡ ክነግራ እናተሃንጠየ ብሓጎስ ሰዓማ። "እፈልጥ እዚ ወደይ" በለቶ "እቲ ክትነግረኒ ትደሊ ዘሎካ ዘሐጉስ ወረ ንኽልተ ቅነ ዝኣክል ኣደሲቱኒ እዩ"።

"ስለምንታይ ግን ኣመሊያ ዝኣተወቶ ቃል ሰይራ?" ሓተተ። "ንማንም ሰብ ኣይነግርን እየ" ኢላትኒ ነይራ።

"እዚ ወደይ ከምዚ እዩ" በለት ኣዲኡ "ማንም ሰብ ኣይነገረንን። ቅድሚ ክልተ ቅነ ብዛዕባኻ ልበይ ኣብ ከቢድ ጾር እዩ ነይሩ፣ ናይ ድሕነትካ መረጋገጺ ክሳብ ዘይረኸብኩ ካብ ጸሎት ንኸይትንስእ ድማ ወሰንኩ። ንጹር መረጋገጺ ድማ ረኸብኩ፣ ብኡ ንእግዚኣብሄር ብፍሉይ ኣመስገንክዎ"።

እቲ ጻውዒት

ኣብ ልቢ ሃድሰን ሰላምን ሓጎስን እዩ ዝነበረ፣ ሞስኡ ንእግዚኣብሄር ድማ ሂወቱ ሃበ። ኣብ እተጸውዖ ዘበለ ንኽዓዪ ድሉው ኮነ። "ንቻይና ኪደለይ" በለ እግዚኣብሄር፣ እግዚኣብሄር ክስማዕ ብዝከኣል ድምጺ ብንጹር እዩ እተዛረበ፣ እቲ ጻውዒት ኣዝዩ ንጹር ነበረ፣ እዚ መንእሰይ ከኣ ኣይተወላወለን።

ብዛዕባ ጻዊዒቱ ንናይ ትምህርቲ ሰንበት መምህሩ ነገሮ፣ መምህሩ ድማ ኣዝዩ ኣተባብዖ እሞ ብቋንቋ ቻይና ኣተጻሕፈት መጽሓፍ ወንጌል ሉቃስ ሃቦ። ንነፍሱ ብኹሉ መዳያት ንህይወት ሚስዮናዊ ድልውቲ ክገብራ ጸዓረ። እቲ ደስ ዝብሎ ዝነበረ ናይ ፍርናሽ ዓራቱን ካልእ ነገራትን ጠንጢኑ፣ ሓርፋፍ ናብራ ክላማመድ ጀመረ። ብዙሕ ናይ ግዳም ናይ ኣካላት ምንቅስቃስ ንኣካላቱ ኣትረሮ፣ ክርስትያናዊ ዕዮታት ድማ ንነፍሱ ኣትረራ። ኣብ ቻይና ከይዱ ነፍሳት ንምድሓን ከምጽእ እንተደኣ ኮይንኑ፣ እዚ ነገር እዚ ኣብ ገዝኡ ከሎ ክጅምሮ ከም ዘለዎ ተረድኦ፣ በዚ ምኽንያት ድማ ትራክትታት ዘርግሐ፣ ትምህርቲ ሰንበት መሃረ፣ ንሕሙማትን ሽጉራትን በጽሐ፣ ንእግዚኣብሄር ክገብር ኣሎኒ ኢሉ ዝሓሰቦ ዘበለ ኩሉ ገበረ።

ካብታ እቲ ኣካያዲ ናይቲ ትምህርቲ ሰንበት ዝሃቦ መጽሓፍ ናይ ቻይና ፊደላት ከጽንዕ ጀመረ።  ቋንቋ ቻይና ምጽናዕ ቀሊል ጉዳይ ከም ዘይኮነ ስለ ዝፈለጠ፣ ብዝቀልጠፈ ክጅምሮ ደለየ። ሓደ ሰብ ከም ዝበሎ እቶም ነቲ ቋንቋ ክመሃርዎ ዝደልዩ "ናይ ሓጺን ኣካላት፣ ናይ ኣስራዚ ሳናቡእ፣ ናይ ተሪር ገረብ ርእሲ። ናይ ኣቻዮ ዝምጠጥ ኣእዳው፣ ናይ ንስሪ ኣዒንቲ፣ ናይ ሃዋርያት ልቢ፣ ናይ መልኣኽቲ ክእለት ምዝካር ከምኡ ውን ዕድመ ማቱሶላ" ክህልዎም ይግባእ። ሽሕ እኳ ንሃድሰን እዚ እተጠቅሰ ብቅዓት እንተዘይሃለዎ፣ ብትብዓት ግና ኣተዎ፣ ጽቡቅ ድማ ሰጎመ። 

ኣብ ምድላዉ ንቻይና እታ ስዒባ ትመጽእ ስጉምቲ ተሓጋጋዚ ናይ ዶ/ር ሃርደይ ሙኳን እያ። ናይ ሕክምና ሞያ እንተደኣ ኣጥርዩ፣ እዚ ነገር እዚ ኣብ ምድሓን ነፍሳት ጽቡቅ ዕድል ከም ዝኸፍተሉ ፈለጠ፣ ኣብ ፈለማ ኣብቲ ምቹእን ደስ ዘብልን ገዛ ዶ/ር ሃርደይ ተቀመጠ፣ ነገር ግን እዚ ኣብ ምድላው ህይወት ሚስዮናዊ ተመራጺ ኣይነበረን። እንበኣር ናብቲ  ካብ ናይ ዶ/ር ብኹሉንትናኡ ዝተሓተ ገዛ ናይ ኣምኡ ገዓዘ። ንርእስኻ ኣብ ምክሓድ ኣብ ዝግበር ልምምድ እዚ ገና ኣኻሊ ከም ዘይኮነ ይርድኦ ነበረ፣ ኣይዶንጎየን ድማ ከምታ ዝደልያ ቦታ ረኸበ።

ኣብዚ እዋን እዚ ሃድሰን ምስ ካብ ቻይና ዝተመልሰ ጀርመናዊ ሚስዮን ተራኸበ። እዚ ሰብኣይ ነቲ ዘንጸባርቅ ጸጉርን ዓይንን እዚ መንእሰይ ብዝርኣየ ከምዚ በሎ "ስለምንታይ ግና ከምኡ ወሲንካ፣ ንስኻ ፍጹም ንቻይና ክትከውን ኣይትኽእልን ኢኻ፣ ንዓይ ‘ቀይሕ ጸጉሩ ሰይጣን' ኢሎም እዮም ዝጽውዑኒ፣ ካባኻ ድማ ብራዕዲ ክሃድሙ እዮም፣ ከም ዝሰምዑኻ ክትገብር ፍጹም ኣይትኽእልን ኢኻ"። እዚ ዘረባ እዚ ንገለ ተስፋ ከቁርጾ ዝከኣል እዩ፣ ሃድሰን ግና ብህድኣት ከምዚ ክብል ጥራይ እዩ ዝመለሰ፣ "እቲ ዝጸውዓኒ እግዚኣብሄር እዩ፣ ንሱ ድማ ብዛዕባ ሕብሪ ጸጉረይን ዓይነይን ኣጸቢቁ ይፈልጥ እዩ"።

 

ናብራ ኣብ ድኽነት 

ስዒቡ ሃድሰን ተይለር እታ ንቻይና ናይ ብሓቂ ልምምድ ክረኽበላ እየ ኢሉ ዝኣመነላ መንበሪ ገዛ ተኻረየ። እዛ ገዛ ኣብቲ ዝኸፍአ ከባቢ ናይ ከተማ ሃል እያ ዝነበረት። ነንሓድሕደን ዝጠማመታ ክልተ ኣንጎሎታት ንኣሽቱ ዘይረብሓ ጎጀታት ዝሓዛ፣ ኣብ መንጎአን ድማ ካናለ መአከቢ ጎሓፍ ነበረ። እቲ ገዛውቲ "መሕለፊ ርስሓት" ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ፣ ውሕጅ ኣንተደኣ በርቲዑ ጎሓፍ ተሰኪሙ ናብኡ እዩ ዘምጽኦ። ክሳዕ ክንድዚ ክፉእ ቦታ እዩ። ሃድሰን ተይለር ግና መንበሪኡ ክከውን መረጾ። መንበሪ ክፍሉ ትሕቲ 12 ጫማ እስኬር (feet square) እያ። ኣካራይቱ ወ/ሮ ፊንች ምስ ደቃ ላዕለዋይ ክፍልን ክሽነን ሒዛ ኣላ። ኣቶ ፊንች ዝበዝሕ ግዜኡ ኣብ ባሕሪ ስለ ዘሕልፎ፣ ሰበይቱ በቲ ብሃድሰን ተይለር ዝወሃባ ገንዘብ ክራይ ሰለስተ ሽልን ኣብ ሰሙን ሕጉስቲ ነበረት።

ሃድሰን ተይለር ኣብ ሃል ኣብ መንበሪ ገዛ ናይ ዶ/ር ሃርደይ እናሰርሐ፣ ኣብቲ ኣዝዩ ነዳይ ዝኾነ ገዛ መሕለፊ ርስሓት ይቅመጥ። ንኻልኦት ዝሕግዘሉ ገለ ገንዘብ እንተረኸበ፣ ንርእሱ ዋጋ ከይሃበ፣ ሰዓዕ ሩዝን ናይ ስርናይ ባንን ጥራይ ምምጋቡ ብሓቂ ባህታ ፈጢርሉ እዩ። ኣብ መዓልታት ስራሕ ናብታ ምቾት ዘይብላ ገዝኡ ይሳለ፣ ሰንበት ድማ ንሕሙማት ይበጽሕ፣ ንሽጉራት ድማ ይሕግዝ። ማንም ክመርጾ ዝኽእል ዓይነት ናብራ ኣይኮነን፣ ግናኸ በረኸት እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ነበረ፣ እዚ ከኣ ልዕሊ እቲ ኩሉ ዓለም ክትህቦ እትኽእል እዩ ዝነበረ።

ዕዉት ሚስዮዊ ክኸውን እንተደኣ ኮይኑ፣ መንእሰይ ተይለር ክመሃራ ዝግብኦ ሓንቲ ትምህርቲ ከም ዘላ ተረድአ፣ ንሳ ኸኣ ምህሮ እምነት እያ። ኣብዛ ኣዝያ ርሕቅቲ ሃገር ከይዱ ዝውከሎ ሰብ ዝበሃል የብሉን እንትርፎ እግዚኣብሄር ኣምላኹ፣ ስለዚ ድማ ከመይ ከም ዝጽልን መልሲ ጸሎቱ ከመይ ከም ዝቅበልን ክፈልጥ ብግዲ እዩ። ብኸመይ "ብጸሎት ጥራይ ብእግዚኣብሄር ሰብ ተንቀሳቅስ" ክፈልጥ ደለየ።

ዶ/ር ሃርደይ ብስራሕ ኣዝዩ ጽሙድ ስለ ዝኾነ ወይ ውን ረሳዒ ስለ ዝኾነ ክኸውን ይኽእል፣ ንሃድሰን ዶሞዙ ዝኽፈለሉ ግዜ ክኣክል እንከሎ ከዘክሮ ሓበሮ፣ ሃድሰን ግና ካብ ምጽላይ ሓሊፉ ምንም ከም ዘይገብር ወሰነ። መልሲ ናይ ጸሎቱ ድማ ባዕሉ እግዚኣብሄር ንዶ/ር ከዘክሮ ምኻኑ ተረድአ፣ እዚ ድማ ንእምነቱ ኣደልደለ።

ሓደ ግዜ እታ ናይ ክፍሊት መዓልቲ ቀረበት፣ ሓለፈት ከኣ፣ ዶሞዙ ግን ኣይተኸፍለን፣ ኣብ መወዳእታ እታ ሰሙን ፍርቂ ክሮውን (ክልተ ሽልንን ሲክስፕንስን እያ ትኸውን) ጥራይ ሒዙ ተረፈ። ሕጂ ውን ብጀካ ምስ ኣምላኹ፣ ምንም ኣይበለን። ሓደ ምሸት ድሕሪ እቲ ኩሉ እዋን ዝገብሮ ዝነበረ ስብከት ንድኻታት፣ ሓደ ክመውት ዝደለየ ዝመስል ሰብኣይ ንሰበይቱ ንኽጽልየላ ለመኖ። ነቶም ካህናት መጺኦም ንሰበይቱ ክጽልዩላ ሓቲትዎም ነይሩ እዩ። ግናኸ እቲ ካህናት ዝሓትዎ ናይ 18 ረንስ (ገንዘብ) ክፍሊት ክኸፍል ዘይክእል ድኻ ነበረ፣ ስድራቤቱ ብዓጸቦ ትሳቀ ኣላ፣ እዚ ሰብኣይ እዚ ተስፋ ቆሪጹ እዩ። 

መግቢ ከም ዘድልዮም ተይለር ፈለጠ፣ በለ ድማ "ኣብ ክንዲ እዛ ፍርቂ ክሮውንሲ ክልተ ሽልንን ሲክስፕንስን እንተዝነብረኒ መን ምሃበ፣ ነዞም ድኻታት ሰባት ሓንቲ ሽልን እንተዝህቦም ከመይ ደስ ዝብል እዩ"። ኣብ ገዝኡ ዘለዎ ነገር ንሎሚ ድራሩን ንጽባሕ ቁርሱን ጥራይ እዩ፣ ካብኡ ዝሓለፈ ምንም የብሉን። ዘሎዎ ዘበለ ኩሉ ሂቡ እግዚኣብሄር ድልየታቱ ኽማልኣሉ ክውከሎ ድዩ? 

ብጸልማት ጎደና ተጓዒዞም፣ ገለ ዝኣረገ ኣስካላ ደይቦም፣ ኣብቲ ሰበይቱ ደቂሳትሉ ዘላ ገዛ ናይቲ ድኻ ሰብኣይ በጽሑ። ኣብ ጎና ወዲ 36 ሰዓታት ቆልዓ ደቂሱ ይውጭጭ ነበረ። ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ዝጠመዩ ቆልዑ ኣብታ ክፍሊ ደው ኢሎም ኣለዉ። ተይለር ነዚ ድኽነት እዚ ብዝረኣየ ሓደ ሽልንን ፈረቓን ክህቦም ሓሰበ። እታ ዘላቶ ሳንቲም ኩላ ክህቦም ግና ኣእምርኡ ኣይተቀረበን ነበረ። ብዛዕባ እቲ ዝሓልየሎም ፍቁር ሰመያዊ ኣቦ ክነግሮም ፈተነ ግናኸ ብዙሕ ክዛረብ ኣይኸኣለን። ንኽጽሊ ድማ ተምበርከኽ፣ ግናኸ ሕልንኡ ኣጨነቆ። ነዞም ኣዝዮም ዝተወጽዑ ዘለዎ ክህቦም ፍታዉ እንተ ዘይኮይኑስ ከመይ ኢሉ እዩ ክጽሊ? "ኣብ ከመይ ኣጸጋሚ ኩነታት ከም ዘሎና ትርኢ ኣሎኻ። ክትሕግዘና ትኽእል እንተኾንካ በጃኻ ስለ እግዚኣብሄር ሓግዘና" በለ እዚ ድኻ ሰብኣይ። ተይለር የሱስ ከምዚ ክብል ተዘከሮ። "ንዝለመነካ ዘበለ ሃብ" ነዚ ቃል እዚ እሺ ኢሉ ተኣዘዞ። ዘለዎ ዘበለ ሃበ፣ እዚ ብምግባሩ ነቶም ኣብ ጸበባ ዘለዉ ድኻታት ጥራይ ኣይኾነን ዝሓገዘ። ግናኸ ዓወት ድማ ተጎናጸፈ። ኣዝዩ ሕጉስ ድማ ነበረ። 

"ሃብ ክወሃበካ" ይብል መጽሓፍ ቅዱስ፣ "በቲ እትሰፍርሉ መስፈሪ ክስፈረልኩም እዩ እሞ፣ ጽቡቅ እተሰጎደ፣ ንኽኑኽ እተፋረወ መስፈሪ ኣብ ሕቅፍኹም ኪህብኹምም እዮም"፣ ንጽብሒቱ ንግሆ እቲ ደብዳቤታት ዘብጽሕ ሰብኣይ፣ ሓንቲ ደብዳቤ ስም ናይ ሰዳዲኣን ዘይብላ ፖስጣ ገደፈሉ። ኣብ ውሽጣ ከኣ ሓድሽ ጽምዲ ጓንቲ ናይ ማሕስእን፣ ፍርቂ ናይ ወጻኢ ሰልድን ነበረ። እዚ ናይቲ ዝሃቦ ሓሙሽተ ዕጽፊ ይኸውን። እግዚኣብሄር ጽቡቅ ወለድ (መኽሰብ) ከም ዘሎዎ ድማ ሓሰበ። 

ክልተ ተወሳኺ ሳምንታት ሓለፋ፣ ዶሞዙ ግና ገና ኣይተኸፍለን። ገዛ ኽራይ ዝኸፍለሉ መዓልቲ ቀዳም ምሸት እዩ፣ ነታ ኣካራይት ድማ እቲ ገንዘብ ኣዝዩ እዩ ዘገድሳ፣ ግናኸ ብዛዕባ እዚ ንዶ/ር ምንም ከይብሎ ወሲኑ እዩ፣ ኣብ ዕላምኡ ድማ ጸንዐ።

ቀዳም ናይ ምሸት፣ ዶ/ር ሃርደይ ሃንደበት "ተይለር ግዜ ደሞዝካ ኣይኣኸለን ድዩ" ኢሉ ሓተቶ። እዚ መንእሰይ ብህድኣት መለሰ "ገለ ግዚያት የሕሊፉ እንበር"። "እዋእ ኣይተሓዘለይ በል፣ ኣየዘከርካንን ግና" በለ ዶ/ር "ብስራሕ ማዕረ ክንደይ ጽሙድ ሙኳነይ ትፈልጥ ኢኻ" ወሰኸ። "ኣቀዲመ ክዝክሮ ነይሩኒ፣ እቲ ገንዘብ ኩሉ ሎሚ ናይ ምሸት ንባንክ ሰዲደዮ፣ ከምኡ እንተ ዘይከውን ሕጂ ምኸፈልኩኻ ነይረ" ዶ/ር ዘረብኡ ዛዘመ።

እዚ ብርግጽ ንእምነት ናይዚ መንእሰይ ፈተነ እዩ ዝነበረ። ግናኸ ክጽልየሉ ዝኽእል ጽምዋ ቦታ ብዝረኸበ ሻቡ ተምበርከኸ፣ እግዚኣብሄር ድማ ኩሉ ነገር ንሰናይ ከም ዝኾነ ኣራጋገጸሉ። ኣብታ ምሸት ድማ ንጽባሕ ሰንበት ምስቶም ድኻታት ንዘለዎ ርክብ ምድላዋት ድሕሪ ምግባር፣ ንገዝኡ ክከይድ ብግስ ክብል ከሎ፣ ንዶ/ር ክስሕቅ እንከሎ ረኣዮ። "ሓደ መስሓቅ ነገር እዩ ኣጋጢሙ" በለ ዶ/ር "ኻብቶም ዓማዊለይ ሓደ ሃብታም፣ ሕጂ ምሸት መጺኡ ናይ ሕክምና ክፍሊቱ ከፊሉኒ፣ ርእዮ እሞ ተይለር" እናበለ እቲ ናይ ሕሳብ ወረቐት ንተይለር ሃቦ። "ኣይገርመካን ኣብ ዝኾነ እዋን ቸክ ክጽሕፍ ዝኽእል ክነሱስ ሕጂ ምሸት ምድሪ ክኸፍል ምምጽኡ"፣ ተይለር ገንዘቡ ተኽፈለ። ብብዙሕ ምኽንያት ድማ ኣዝዩ ተሓጎሰ። ድሌታቱ ረኺቡ፣ ልዕሊ እዚ ኸኣ ኣካራይቱ ገንዘባ ክትክፈል እያ፣ ግናኸ እቲ ልዕሊ ኹሉ ዘሐጎሶስ ጸሎቱ ምምላሱ እዩ ዝነበረ። ዶ/ር ሃርደይ ብጸሎት ጥራይ እዩ ተነቃንኒቁ። እዚ ኣብ ምቅርራብ ናይ ሚስዮን ህይወቱ ዓቢ ስጉምቲ ንቅድሚት ነበረ። ድሕሪ እዚ ብዙሕ ኣይጸንሐን ንዝያዳ ምቅርራብ ናብ ሎንደን  ከደ፣ ኣዝዩ ውሑድ ገንዘብ እዩ ዘሎዎ፣ ገለ ጸጋማት ድማ ኣጓነፎ፣ ግናኸ  ኣብ ምዱብ ግዜኡስ መጽናዕቱ ዝቅጽለላ ሆስፒታል ረኸበ። መዕረፊ ቦትኡ ካብቲ ሆስፒታል ኣዝዩ ርሑቅ እዩ፣ ናይ ኣውቶቡስ ክፍሊት ክኸፍል ኣይክእልን እዩ፣ ስለዚ ድማ ናብኡ ብእግሩ እናተመላለሰ ብዙሕ ልምምድ ናይ ጉዕዞ ይገብር ነበረ። እምነቱ ንኽላማመድ ውን ዕድል ረኸበ።

ተይለር ከም መርኣያ ሕያውነቱ፣ ንኣካራይቱ ወ/ሮ ፊንች ናብታ በዓል ቤታ ዝሰርሓላ ትካል እናኸደ እቲ ሰብኣያ ዝሰዶ ወርሓዊ ገንዘብ የምጽኣላ ነበረ፣ እዚ ብምግባሩ፣ እቲ እታ ትካል ባዕላ ነቲ ገንዘብ እንተደኣ ኣብጺሓቶ ትወስዶ ዝነበረት ኮምሽን ካብ ምኽፋል ንወ/ሮ ፊንች ኣድሓና።

ሓደ እዋን ወ/ሮ ፊንች ገንዘብ ኣዝያ ስለ እተሸገረት፣ ንሰብኣያ ወርሓዊ ዶሞዝ ብዝተኻእለ መጠን ብቅልጡፍ ክሰደላ ሓበረቶ። ኣብዚ እዋን እዚ ተይለር ግዜ ስለ ዘይነበሮ ኣብ ክንዲ ንኸተማ ብምኻድ ግዜኡ ዘጥፍእ፣ ካብ ናቱ ገንዘብ ክትጥቀም ሃባ፣ ነቲ ገንገብ ካብቲ ትካል ምስ ኣውጽኦ ድማ ገንዘቡ ክትኽእ እዩ ሓሳቡ። ናብቲ ትካል ከይዱ ገንዘብ ምስ ሓተት፣ እቲ ጸሓፊ በሎ "ኣብዚ ጉዳይ እዚ ምስ እንምልከት እቲ ገንዘቡ ክትወስድ ትሓትት ዘሎኻ ሰብ ካብታ መርከብ ሃዲሙ ኣብ ናይ ወርቂ ዕደና ከይዱ እዩ፣ ስለዚ እንኸፍሎ ገንዘብ የብልናን" በሎ። 

"እዚ ነገር ንዓይ ብጣዕሚ ኣጸጋሚ ነገር እዩ፣ እቲ ገንዘብ ኣቐዲመ ሂበያ እየ፣ እዛ ሰበይቲ ድማ ነዚ ገንዘብ ብዝኾነ መገዲ ከም ዘይትመልሰለይ እፈልጥ እየ"። እቲ ጸሓፊ ምንም ክገብሮ ኣይክእልን እዩ፣ ብርግጽ እዚ ፈተነ እዩ፣ ነገር ግን ትውክልቱ ኣብ እግዚኣብሄር ገበረ።  

ናይ እምነት ፈተነ        

ነዊሕ ኣይጸንሐን ካልእ ናይ እምነት ፈተና መጾ። ሓደ መዓልቲ ንትምህርቲ ዝኾኖ ጥራዝ ክሰርሕ ወረቃቅቲ እናሰመረ ከሎ እጻብዕቱ ኣንኮላ። ንጽብሒቱ ኣብቲ ንሓደ ብሓደገኛ ረስኒ ዝሞተ ሬሳ ኣካላቱ ጠቢሕካ ዝግበር ትምህርቲ ተሳተፈ። ኣብ ኣካላቱ ድኻምን ምልክት ሕማምን ክሳብ ዝስምዖ፣ ኣጻብዕቱ ምንኳሉ ረሲዕዎ እዩ ነይሩ። እቲ ሕማም ካብቲ ምዉት ሰብ በዛ ንእሽቶ ቀዳድ ናይ መርፍእ፣ ናብ ኣካላቱ ኣትዩ እዩ። እቲ ኪኢላ መጥባሕቲ ከምዚ በሎ "እንበኣር ገዛኻ ኪድ፣ ብዝቀልጠፈ ከኣ ጉዳያትካ ወግን፣ ምኽንያቱ ንስኻ ድሮ ምዉት ሰብ ኢኻ"። 

ሃድሰን ተይለር ነቲ ናይ መጥባሕቲ ኪኢላ ብዝቀልጠፈ ምስ ኣምላኹ ክህሉ ዝስምዖ ደስታ ገለጸሉ፣ ግናኸ ወሲኹ በሎ "ዝመውት ግና ኣይመስለንን፣ ኣብ ቻይና ዕዮ ከም ዘሎኒ ተጋግየ እንተዘይኮይነ። ፈተና እንተመረ እኳ ኣነ ግና ክድሕን ብግዲ እዩ"። 

"ጽቡቅ እንበኣር እዚ እዩ ሓሳብካ" በለ እቲ ኣብ እግዚኣብሄር ዘይኣምን ሓኪም፣ "ሰረገላ ረኪብካ ግዳ ብዝቐልጠፈ ገዛኻ ዘይትኸይድ፣ ግዜ ኣይትቅተል፣ ግዜ የብልካን፣ ሕጂ ንብረትካ ክትውግን ኣብ ዘይትኽእለሉ ደረጃ ክትበጽሕ ኢኻ"። 

ኣብ ገዝኡ ምስ በጽሐ ኢዱ ብማይ ውዑይ ተሓጽበ፣ እዚ እናገበረ እንከሎ። ነቲ ኸዳሚ ብዛዕባ የሱስ ተዛረቦ። "ብግዜኡን ብዘይ ግዜኡን ድሉው" እዩ ዝነበረ። ኩሉ ግዜ ብዛዕባ የሱስ ገለ ንኽብል ዕድል እዩ ዝጽበ። እቲ ክርእዮ እተጸውዐ ዶ/ር ቅልል ዝበለ ናብራ እንተደኣ ነቢሩ ክድሕን ተክእሎ ከም ዘሎ ገለጸሉ። ከምዚ ድማ በሎ "ናብ ቢራን ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራትን እንተደኣ ኬድካ ግና ክትድሕን ተኽእሎ ዝበሃል የብልካን"። ንገለ እዋን መግቡ ባኒ ስርናይን ማይን ጥራይ ኮነ፣ እዚ ልክዕ ከምቲ መግቢ ናይቲ እብራዊ ህጻን ኣብ ብቢሎን፣ ቀሊል ነበረ። እዚ ተራ መግቢ ኣብ ክልቲኡ ጽቡቅ ሰሪሑ እዩ። 

እቲ ዝኸፍአ መልክዕ ናይቲ ሕማም ምስ ሓለፈ ቀስ ብቀስ ክጥዒ ጀመረ። ኣብ መዓልቲ ምጥባሕ እቲ ሬሳ ኣብ ክፍሊ መጥባሕቲ ምስኡ ዝነበሩ ክልተ መማህርቱ ከም ዝሞቱ ሰምዐ። እግዚኣብሄር ኣብ ክንዲ ሃድስን ተይለር ቖመ።። ንነፍሱ ድማ ተበጀዋ። ናብታ ሃገር ዙረት ንኽገብር ምኽረ ተዋህቦ። ግናኽ እቲ ዘድሊ ገንዘብ የብሉን። ከም ልማዱ ነቲ ጉዳይ ናብ እግዚኣብሄር ብጸሎት ኣቕረቦ። እግዝኣብሄር ድማ ብዘይ ተጸበዮ መገዲ መለሰሉ።  

ገና ተዳኺሙ ከሎ ሓደ መዓልቲ ብዛዕባ ደሞዝ ኣቶ ፊንች ንኽሓትት ናብቲ ትካል ናይ መርከብ ክኽይድ ሓሰበ። ገለ ነገር ክገብርሉ ዝከኣል ኮይኑ ኣይተራእዮን። እቲ ኣብ ቕድሚኡ ዘሎ ጉዕዞ ናይ ክልተ ማይልስ ድማ ዘይከኣል ኮይኑ ተራእዮ። ግናኸ ብዛዕብኡ እናጸለየ፣ እግዚኣብሄር ክኸይድ ከም ዝደልዮ ኣነጸረሉ። እግዚኣብሄር ሓይሉ ሙኳኑ እናኣመነ ድማ ተበገሰ። ኣብታ ቤት ጽሕፈት ብዝበጽሐ ሻቡ እቲ ጸሓፊ ከምዚ በሎ። "ብምምጻእካ ሕጉስ እየ፣ እቲ ነገር ከምዚ ይመስል። ሓደ ልክዕ ከም ናቱ ስም ዘለዎ ኪኢላ ባሕረኛ እዩ ሀዲሙ። እቲ ብጻይ ግና ገና ኣብ መርከብ ኣሎ፣ ገንዘቡ ድማ እንሀልካ፣ ተይለር ድማ ብሓጎስ ተቐበሎ። ሽሕ እኳ ብኸቢድ እንተ ተፈተነ፣ እምነቱ ግና ሞስኣ ረኸበት። 

ንጽብሒቱ ነቲ ኣብ ግዜ ሕማሙ ዝከታተሎ ዝነበረ ዶ/ር ረኸቦ እሞ፣ ብዛዕባ መልሲ ጸሎቱ ድማ ኩሉ ነገሮ። እቲ ነተን ገንዘብ ንኽረኽበን እተጓዕዞ ነዊሕ ጉዕዞ ምስ ሓበሮ። እቲ ዶ/ር "ፍጹም ዘይከውን" ምብባል ክኣምኖ ኣይከኣለን። እቲ ጉዕዞ  ብርግጽ ከም እተጓዕዞ እቲ ገንዘብ ድማ ኩሉ ዘድልዮ ዘበለ ከፊሉ ናብታ ሃገር ከብጽሖ ከም ዝኽእልን ምስ ተረድአ ግና፣ እቲ ዶ/ር ኣንዒንቱ ብንብዓት መሊአን፣ ከምዚ በለ። "ንከም ናትካ እምነት ምልእቲ ዓለም ምኸፈልኩ"።

 

ንቻይና ምኻድ  

ካብታ ሃድሰን ተይለር "ንቻይና ኪደለይ" እትብል ድምጺ እግዚኣብሄር ዝሰምዓላ ድሮ ልዕሊ ሰለስተ ዓመት ሓሊፉ። ንሱ ድማ ንክኸይድ ይህንጠ ኣሎ። ናይ ሕክምና ትምህርቱ ገና ኣይተዛዘመን፣ ይኹን እንበር መገዲ ኣብ ዝተከፍተትሉ እዋን ንኽከይድ ትምህርቱ ክገድፍ ድሉው ነበረ። ምርሒት ንምርካብ ጸኒዑ ጸለየ፣ ዝያዳ ብዝጸለየሉ መጠን ሓደ እዋን ንኽኽይድ ናይ እግዚኣብሄር መደብ ሙዃኑ ዝያዳ ነጸረሉ። 

ቻይና ንዕዮ ሚስዮን ማዕጾን ትኽፍት ዘላ መሰለት፣ በዚ ድማ ናይ ሚስዮን ጉጅለ  ከይደንጎዩ ነቲ ሕጹይ መንእሰይ ናብዚ ርሑቅ ምድሪ ክሰዱዎ ወሰኑ።  

ሃድስን ተይለር ኣብ ካናለታትን መገዲማያትን ቻይና ብጃልባ እናተጓዕዘ ሰበኸ። መጽሓፍ ቅዱስ ዘርገሐ። ጉዕዞ ባሕሪ ናይቲ እዋን እቲ ዘይከም ናይ ሎሚ ኣዝዩ ጽንኩር እዩ ዝነበረ፣ በዚ ድማ ተይለር ኣብ መርከብ ዱምፍሪስ ኣብ ጉዕዞ ካብ ሊቨርፑል ናብ ሻንጋይ ሓሙሽተ ወርሕን ፈረቃን ገበረ። ኣብ 19 መስከረም 1853 እዩ ንመበቆል ዓዱ ዝሓደጋ። ኣዲኡን ገለ ክልተ ዝኾነ ኣዕሩኹን ክሳዕ እታ መርከብ ኣፋነውዎ፣ እታ መርከም ቅድሚ ምብጋሳ ድማ ጸለዩን ዘመሩን ካብ መጽሓፍ መዝሙር ዳዊት ድማ ኣንበቡ። "ኣይትንብዒ ክብርቲ ኣደይ" በለ ተይለር። ንሓጺር እዋን እዩ ምፍልላይና ድሕሪ ቅሩብ መሊስና ክንራኸብ ኢና። ብዛዕባ እቲ ክገድፈኪ ከሎኹ ዘሎኒ ክቡር ዓላማ እሞ ሕሰቢ፣ ንሃብትን ዝናን ኣይኮነን፣ ንመሳኪን ቻይናውያን ናብ ፍልጠት ክርስቶስ ምምጻእ እዩ። እቶም ኣፋነውቱ ናብቲ ገምገም ባሕሪ ምስ ከዱ፣ ኣብ ቆጽሊ ወረቐት ከምዚ ጸሓፈ፣ "እታ ንፍልጠት ሓለፍ እትብላ ፍቅሪ ኣምላኽ"፣ ኣዲኡ ኣብቲ መድረኽ ናይ ወደብ ደው ኢላ ከላ፣ እዛ ንእሽቶ ናይ ስንብታ ቃል ናብኣ ወርወራ። እታ መርከብ ክትንሳፈፍ ምስ ጀመረት ነቶም ኣብ ገምገም ዘለዉ ኣዕሩኹ ብንጹር ንኽሪኦም ኣብቲ ዓንዲ እታ መርከብ ሓኾረ። ኣዕሩኹ እታ መርከብ ክሳብ ትስወር መንዲሎም እናወዛወዙ እንከለዉ ንሱ ድማ ኣብኣ ኮይኑ ቆብዑ የወዛውዝ ነበረ። መገዲ ሃድሰን ተይለር ንቻይና ጭቡጥ ኮነ። 

ዝሰዓባ 12 መዓልታት ናይ ማዕበል እዋናት ነበራ። እቲ ካፕተይን "እግዚኣብሄር እንተደኣ ዘይደገፈና ተስፋ የብልናን" በለ። እግዚኣብሄር ከኣ ደገፎም። እዚ ሚስዮናዊ መንእሰይ እዚ ከምዚ ዝብል ተስፋ ዘከረ "ብጸበባኻ ናባይ እንተ ኣእዌኻ ኣነ ድማ ክድግፈካ እየ። ንስኻ ኸኣ ከተኽብረኒ ኢኻ"፣ ናብ እግዚኣብሄር ድማ ብህድኣት ጠመተ። 

ኣብ መንወዳእታኡ እቲ ማዕበል ሃድአ። ብከባቢ ጸንፊ ጽቡቅ ተውስፋ (Cape of Good Hope) ኣቢሎም፣ ኣውስትራልያ ሓሊፎም ናብ ሰለማዊ ውቅያኖስ፣ ብኡ ኣቢሎም ናብ ማያት ቻይና ተንስሳፈፉ።  ብ1 መጋቢት 1854 ድማ ኣብ መዕለቢኦም በጽሑ። ኣብዚ እዋን እዚ ተይለር ተዓኒዱ ኣይኮነን ዝነበረ፣ ነቶም ኣባላት እታ መርከብ ኣብታ መርከብ ምስ ዝነበረ ክርስትያን ኮይኑ ጉባኤ ይገብረሎም ነበረ።   

ሓደ ሚስዮናዊ ኣብ ገምገም እታ ህይወቱ ከሕልፈላ ዝወሰነ ሃገር ክበጽሕ ከሎ ዝስመዖ ስምዒት እንታይ ከም ዝኾነ ክትስእሎ ዶ ትኽእል? ሃድሰን ተይለር ኣብ ቀዳመይቲ ቆላሕታኡ ንገማግም ቻይና ናይ ዓመታት ጸሎቱ እተመለሰ ኮይኑ እዩ እተሰሚዕዎ።  ገለ እኩባት ደቂ ዓዲ በቲ ንዕኡ ጓና ዝኾነ ቋንቋኦም ጫውጫው ክብሉ ምስ ሰምዖም እቲ ጥዑም ወረ ምድሓን ክነግሮም ተመነየ። "ስምዒታተይ ኣብቲ ገማግም ክስጉም እንከለኹ ክገልጾ ኣይክእልን" ክብል ጸሓፈ። ልበይ ነቲ ቅጽጽ ኢሉ ዝመልአ ሓጎስ ዳሕዳሓቶ። ናይ ምስጋናን ናይ ሞሳን ንብዓት ድማ ኣብ ዓይነይ ወሓዘ። 

ተይለር ሰለስተ ንመንነቱ ዘላልያኦ ደብዳቤታት ተዋህበኦ፣ ነቶም ዝምልከቶም ሰባት ንኸብጽሓሎም ድማ ተበገሰ። እቲ ቀዳማይ ቅድሚ ወርሒ ኣቢሉ ሞይቱ እዩ፣ እቲ ካልኣይ ንኣሜሪካ ከይዱ። በዚ ድማ ነቶም ኣብኡ ዘሎዉ ሚስዮናውያን ንምርካብ ንቐጽሪ ሚስዮን ለንደን ኣቢሉ መገዱ ቀጸለ። ዘይፈልጥዎ ይኽኑ ደኣ እንበር ጽቡቅ ተቐበልዎ፣ ዘዕርፈሉ ቦታ ድማ ሃዎ። ነቲ ናይ ሓቂ ዕዮ ኣዝዩ ተሃንጥዩ፣ ንጽብሒቱ ንግሆ ነቲ ቋንቋ ከጽንዖ ጀመረ። 

ድሕሪ ብዙሕ ምድላይ ኣብ መወዳእትኡ ዝካረያ ክፍሊ ረኸበ። ዑናን ረሳሕን ትኹን እንበር ጽዕተኛ ናይ ካልኦት ክኸውን ስለ ዘይደለየ፣ ናይ ገዛእ ርእሱ ገዛ ምርካቡ ሕጉስ እዩ ዝነበረ። ሓኪም ሙዃኑ ሰባት ክፈልጡ ጀመሩ፣ ብዙሓት ሕሙማት ድማ ናብኡ ወሓዙ። ኣካላቶም እናሓከሞም ብዛዕባ ሓጥያትን ናይ ነፍሲ ሕማምን ከመይ ይፍወስ ይምህሮም ነበረ። ንኣወዳትን ኣዋልድን ቤት ትምህርቲ ጀመረ። ተይለር ሕጉስ ነበረ። ጸገማት ኣይነበሩን ማለት ኣይኮኑን ግናኸ ኣብ እንግሊዝ እንከሎ ብዝገበሮ ልምምድ ናይ ሓርፋፍ ናብራ ይስገሩ ነበሩ።   

ብደስታን ብሓዘንን እተመልኣ፣ ትንፋስ ዘይህባ ጽዑቃት ኣዋርሕን ዓመታትን ሰዓባ፣  ናይ ገዛ ጃልባ እናገበረ ናብተን ስም ክርስቶስ ሰሚዐን ዘይፈልጣ ቁሸታትን ከተማታትን ወንጌል ክሰብኽ ዝተፈላለየ መገሻታት ገበረ። ብርግጽ ብዙሕ ጸገማት ገጠሞ፣ ኣብ ገለ እዋናት ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ትኣቱ ነይራ እያ፣ ግናኸ ንድሕሪት ኣይተመልሰን። 

ብኸምኡ መገዲ ዝያዳ ከስልጥ ከም ዝኽእል ኣሚኑ፣ ንገለ እዋን ሕቶ ምርዓም ኣልባስ ቻይና ኣብ ግምት ኣእተዎ፣ ኣብ መወዳእትኡ ድማ ክገብሮ ወሰነ። ልክዕ ከም ቻይናውያን ኣብ ድሕሪት ወገን ርእሱ ቅሩም ጸጉሪ ኣትሪፉ ተላጸየ፣ ገፍላው ስረ ወደየ፣ ጻዕዳ ካልሲ ናይ ዓለባ፣ ናይ ሃሪ ጫማ ... ነቲ ኣከዳድና ምሉእ ንምግባሩ ከኣ ገፊሕ እጅገ ዘሎዎ ፎኪስ ሲልክ ጋውን ወሰኸ። ካብቶም ደቂ ዓዲ እተፈልየ ኣቓልቦ ዝስሕብ ነገር የብሉን፣ ኣብቲ ናይ እንግሊዝ ኣከዳድና ተከዲኑ እንከሎ ክገብሮ ዘይከኣለ፣ ሕጂ ግና ልቢ ደቂ ዓዲ ክወስድ ጀመረ። 

ኣብዛ ሓዳስ ምድሪ ንተይለር ዝገጠምዎ ሓደስቲ ተሞኩሮታት ኩሎም ምዝርዛሮም ኣዝዩ ገዚፍ ግዜ ክወስድ እዩ። ሓደ መዓልቲ ካብ ሻንጋይ ናብ ኒንግፖ ክከይድ ምስ ተበገሰ፣ እቲ ቀዳማይ ክፋል ናይቲ ጉዕዞ ብጃልባ ነበረ፣ ብድሕሪኡ ድማ ሳንጥኡ ምስ እተሰከመሉ ሮፋዕ ብእግሪ ቀጸለ። ኣብ መዕረፊ ኣጋይሽ ምስ ኣተወ እታ እንኮ ክረኽባ ዝኽእል መግቢ ዝሑል ሩዝ ምስ ኣብ ዘይቲ እተጠብሰ ተመን እያ ነይራ። ሸውሃቱ ዝዓጹ እዩ ነይሩ፣ ግናኸ እንተደኣ ነጺግዎ ወጻእተኛ ሙዃኑ ስለ ዝፍለጥ፣ ክበልዕ ፈተነ። እታ ክፍሊ ናይ ሆቴል ምስ 10 ወይ 11 ሰባት እዩ ክድቅሳ፣ ኣብ መንጎ ክልተ ወናብር ኣብ ዝነበረ ጣውላ ጽላሉን ጫምኡን ከም መተርኣስ ተጠቂሙ ዓራቱ ኣዋደደ። 

ንንግህኡ ነቲ እቲ ረፋዕ ተሰኪሙ ዘምጻሉ ሳንጣ ክረኽቦ ኣይኸኣለን። ኣብ ኣርማድዮን ዓራትን ደለየ፣ ኣሰሩ የልቦን። ክንደይ ዘሕዝን እዩ። ዝከኣሎ ደለየ ክረኽቦ ግና ኣይከኣለን። ንጽቢሒቱ ዘዕርፈላ ቦታ ኣጋይሽ ደልዩ ንከንቱ ጸዓረ፣ ኣብ መወዳእታ ገንዘቡ ኣብ ትሕቲ ርእሱ ሓቢኡ ኣብ ኣስካላ ናይ ሓደ ቤት መቅደስ ተገምነዎ። 

ነዊሕ ኣይገበረን፣ ናብኡ ገጹ ዝቀርብ ስጉሚ ሰምዐ፣ ሻቡ ሰላሕታ ኣእዳው ኣብ ልዕሊኡ ዓለባ። "እንታይ ደሊኻ?" ሓተተ ህድእ ኢሉ። ሽዑ እቲ ዝሓዞ ሰብኣይ ተሰወረ። ኣይደንጎየን ግና ጸኒሑ ምስ ካልኣዩ ተመልሰ።

"እንታይ ደሊኹም?" ሓተተ ተይለር

"ካማኻ ኣብዚ ግዳም ናይዚ ቤት መቅደስ ኮይና ነዛ ለይቲ ነሕልፋ ኣሎና" መለሱ። በቲ ካልእ ወገን ናይታ ቤት መቅደስ ብዙሕ ነጻ ቦታ ስለ ዘሎ፣ እዚኣ ቦታ ንዕኡ ክሓድግሉ ተይለር ተወከሶም። ሓሳቡ እተቀበልዎ ኣይመስሉን። ስለዚ ድማ ኮፍ ኢሉ ብዕቱብ ክከታተሎም ወሰነ።

"ጽቡቅ ጌርካ ደቅስ፣ እንተዘይ የዕሪፍካ ጽባሕ ስራሕ ክትሰርሕ ክትጽገም ኢኻ" በልዎ። "ኣይትፍራህ፣ ምሳኻ ኣሎና ማንም ዝጎድኣካ ድማ የልቦን" ወሰኹ። 

ተይለር ክኣምኖም ኣይክእልን እዩ በሎም ድማ፣ "ስምዑኒ ናትኩም ሓለዋ ዘድልየኒ ኣይኮንኩን፣ ኣነ ቻይናዊ ኣይኮንኩን ነዞም ከንቱ ጣኦታትኩም ድማ ኣየምልኽን እየ፣ ንእግዚኣብሄር እየ ዘምልኽ፣ ንሱ ኣቦይ እዩ ኣብኡ ድማ እየ ዝውከል፣ መን ሙኳንኩም እንታይ ከም ዝደለኹምን ኣጸቢቀ ፈሊጠኩም ኣሎኩ፣ ኣዒንተይ ንዓኩም ደኣ ይሕልዋ እንበር ድቃስ ዝበሃል ብፍጹም"። ሓደ ካብኣቶም ከደ ኣይደንጎየን ግና ካልእ ሰብኣይ ሒዙ መጸ፣ እንተደቀሰ ብምባል ንገለ እዋን ተጸበይዎ፣ ንሱ ግና ጥቅስታት መጽሓፍ ቅዱስ ክተቅስን መዛሙር ክዝምርን ጀመረ። በዚ ነገር እዚ ኣይተሓጎሱን ኣብ መወዳእትኡ ድማ ሓዲጎሞ ከዱ። 

ሳንጥኡ ክርከብ ስለ ዘይተኻእለ ኣብ ክንዲ መገዱ ናብ ኒንግፖ ዝቅጽል ናብ ሻንጋይ ክምለስ ክግደድ እዩ። ንሓደ ብሕማም በዲዶ (smallpox) እተለኽፈ ሕሙም ሓከሞ። ምሕካሙ ምስ ወደአ ነቲ ተከዲንዎ ዝነበረ ክዳውንቲ ኩሉ ከቃጽሎ ብግዲ እዩ። ገንዘቡ ብነጻ ይዕድል ስለ ዝነበረ ሓድሽ ቀረብ ክገዝእ ኣይክእልን እዩ። ልኽዕ ድሕሪ እዚ ኣብታ ግብእቲ ግዜ እታ ዝጠፍአት ሳንጥኡ ሃንደበት ተረኽበት፣ ኩሉ ድሌታቱ ድማ ክረክብ ከኣለ። 

እዚ ካብቲ ዝገጥሞ ዝነበረ ቁጽሪ ዘይብሉ ኩነታት፣ ሓደ ጥራይ እዩ፣ እታ "እግዚኣብሄር ይርኢ" (ዘፍ 22፣14) እትብል ቃል ኣብ ህይወቱ ተፈጻምነት ረኸበት። እዚኣን እታ "እግዚኣብሄር ክሳዕ ኣብዚ ረድኣና - ኤቨን ዔዘር" እትብል ጥቅስን ናይ ተይለር ምሩጻት ጭርሖ ነበራ። 

 

ውርሻ ሃድሰን ተይለር  

ተይለር ኣብ ዕዮ እንከሎ ምስ ወ/ሪት ማርያ ዳየር ተፋለጠ፣ እዛ እንግሊዛዊት ጎርዞ ኣቡኣ ኣብ ቻይና ሚስዮናዊ ዝነበረ እዩ፣ ኣብ እንግሊዝ ዝነበረ ኣኮኣ -መጉዚታ ሙኻኑ እዩ- ብዛዕባ መርዓኣ ተሰማምዐ።  በዚ ድማ ኣብ ጥሪ 1858 ኣብ ሓደ ካብቲ ሚስዮናት መርዓ ተገብረ። ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ትሕትቲ ቦታ ኣብ ኒንግፖ ብሓባር ዕዮኦም ጀመሩ። እቲ ደስ ዘብል ናይ ጥንቲ ዛንታ የሱስን ፍቅሩን ክነግሩ ከለዉ ኣዝዮም ሕጉሳት ነበሩ። 

ሃድሰን ተይለር ገና ኣብ እንግሊዝ እንከሎ ብኸመይ ‘ብጸሎት ጥራይ ብእግዚኣብሄር ሰብ ተንቀሳቅስ' ኣጸቢቁ ተማሂሩ ነበረ። ነዚ ትምህርቲ እዚ ኣብ ግብሪ ዘውዓለሉ ብዙሕ ዕድላት ከኣ ረኺቡ እዩ። ሓደ እዋን ናይ ሆስፒታል ሓለቓ ኣብ ዝነበረሉ፣ እቶም ሰራሕተኛታት ዘድልዮም ዘበለ ንምርካብ ኣብ እግዚኣብሄር እዮም ዝውከሉ ዝነበሩ። ሓደ መዓልቲ መጋቢኦም ሩዝ ኣብ ምውድኡ ምኻኑ ሓበሮ -እታ ናይ መወዳእታ መሸማዕ ተኸፊታ ኣላ- መልሲ ተይለር ከምዚ ነበረ..."ስለዚ እታ እግዚኣብሄር ኢዱ ዝዝርግሓላ ሰዓት እዚያ ቀሪባ ኣላ ማለት እዩ"። ብርግጽ ድማ ቅድሚ እተን ሩዝ ምውደአን፣ $250 ካብ እንግሊዝ መጾም፣ ሓጎስ ናይቶም ሰራሕተኛታት ወሰን ኣይነበሮን። ኣብቲ ሆስፒታል ዝነበሩ ሕሙማት ድማ ናይ ምስጋና መዛሙርን ጫውጫውታን ሰምዑ፣ ከምዚ ከኣ በሉ "እዚ ከምዚ ዝገብር ጣኦትሲ ኣበይ እዩ ዝርከብ፣ ኣብ ጸገምና ገለ ኣናጊፉና ይፈልጥ ዶ ይኸውን፣ ወይስ ብኸምዚ ዓይነት ቅዲ ጥራይ እዮ ጸሎት ዝምልሽ?" 

እዚ ሚስዮናዊ ኣብ ቻይና 6 ዓመት ምስ ኣሕለፈ፣ ምስ ወ/ሮ ተይለር ጉዕዝኡ ናብ እንግሊዝ መደበ፣ ኣዝዩ ኣኽሳቢ መገሻ እዩ ነይሩ፣ ጥዕንኦም ተመሓየሸ፣ ን"ሚስዮም ውሽጢ ሃገር ቻይና' (China Inland Mission) ድማ መስረታ። ዝያዳ ዓመታት ንምግልጋል ናብ ቻይና ተመልሰ። እንደገና እንግሊዝ በጽሐ፣ ቀጺሉ ኣሜሪካ፣ ኣብ ስዊዘርላንድ ድማ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ኣሕለፈ። ልቡ ኩሉ ግዜ ምስታ እግዚኣብሄር ካብ ግዜ ንእስነቱ ዝጸውዖ ምድሪ እያ፣ ኣብኣ ድርዑ ኣንቢሩ ኣሎ። 3 ሰነ 1905 መዓልቲ ሞቱ ኮነት። ናይ ቻይና ክርስትያናት እቲ ክረኽብዎ ዝኽእሉ ኣዝዩ ዝበለጸ ሳንዱቅ ሬሳ ቀረቡ። ዕዮኡ ግና ምስኡ ኣይሞተን፣ ብዕዮ ናይ ሚስዮን ውሽጢ ሃገር ቻይና ዝደሓና ብዙሓት ነፍሳት ኣብ ሰማይ፣ ስለቲ ንቻይና ዝመጸን መስራቲ እታ ሚስዮን ዝኾነን ጀምስ ሃድሰን ተይለር ንእግዚኣብሄር ከመግናኦ እየን።