25
Thu, Apr
0 New Articles

ስክርነት ዴቪድ ሊቪንግተን

Ministry
Typography
ካብ ህጻንነቱ ኣትሒዙ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝሞርከስ ተፈጥሮ እዩ ዝነበሮ። በቲ ፍሉጥ ጸሓፊ ታሪኹ ከም እተገልጸ፣ "ባህርያት ወላዲኡ ንደቁ ኣብ ገዛ ኣትዩ ንኸይወጹ ነቲ ማዕጾ ኩሉ ግዜ እዩ ዝዓጽዎ ዝነበረ፣ ሓደ ምሸት ዴቪድ ነዚ ስርዓት እዚ ጠሓሶ፣ ነቲ ማዕጾ ክከፍቶ ምስ ፈተነ ግና ኣይከኣለን። ኣይበኸየን ኣይረበሸን ውን ግናኸ ቁራስ ባኒ ምስ ረኸበ፣ ኣብ ትሕቲ እቲ ማዕጾ ብህድኣት ኮፍ ኢሉ ነታ ለይቲ ከሕልፋ ወሰነ። ኣብ እግሪ እቲ ማዕጾ ኮፍ ኢሉ ከሎ ኣዲኡ ረኣየቶ......። ኣብ 9 ዓመቱ ንመዝሙር ዳዊት ምዕራፍ 119 ብኽልተ ተኸታተልቲ ምሸት ብሓሙሽተ ጌጋታት ጥራይ ስለ ዝወጻ ካብ ናይ ትምህርቲ ሰንበት መምህሩ ሓድሽ ኪዳን ተቀበለ፣ ኣብ ዓጻጽምቱ ትግሃት ከም ዝሰረጸ እዚ ዓቢ መርኣያ ነበረ"።




ኣብ ሓደ ወፍሪ ንሱን ሓዉን ሓደ ዓቢ ሰልሞን (ዓይነት ዓሳ) ሓዙ፣ ንኽወስድዎ ግና ዝፍቀድ ኣይነበረን፣ ስለዚ ድማ እዮም ኣብ ትሕቲ ስረ ናይ ሓዉ ሓቢኦም ንገዛ ዝወሰድዎ።

ወዲ 22 ምስ ኮነ፣ ዕቱብ ሓሳባት ኣብ ዓሚቅ ነገራት ክመጾ ጀመረ፣ ግናኸ ወዲ 20 ዓመት ምስ ኮነ እዩ እቲ ኣብ ህይወቱ ንእግዚኣብሄር ዘለዎ ግቡኣት ዘዕቢ ንቅሓት ዓቢ ለውጢ ከምጽእ ዝጀመረ። ርድኢቱ ከምዚ ነበረ፣ "ምድሓን ነፍሳት እቲ ቀንዲ ባህግን፣ ናይ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ዕላማን ክኸውን ይግባእ"። ሓደ ውሳኔ ድማ ወሰነ "ካብታ ንመነባብርኡ እተድልዮ ንላዕሊ ዝረኸባ ዘበለት ኣታዊ ንዕላማ ሚስዮን ንክውፍያ መደበ"። ኣብ 21 ዓመቱ ብጉትዝላፍ ስለ ቻይና እተጻሕፈት ናይ ሚስዮን ጻውዒት ኣንበበ፣ ኣብታ ግዜ ምስ ናይ ወጻኢ ናይ ሚስዮን ደንበ ክጽንበር በሃገ፣ "ብጠለብ ናይቶም ሚልዮናት ፍጡራትን፣ ብቁዓት ሚስዮናውያን ክህልውዎም ይግባእ ብዝብል ሓሳብን" ኣዝዩ ተጸልወ። በዚ ድማ ካብ ገዝኡ ወጺኡ ንምኽርን መሪሕነትን ናብ ሓደ ኣብታ ገጠር ካብ ዝነበሩ ኣቡናት ዴቪድ ሆግ እተባህለ ኣረጊት ሰብኣይ ከደ፣ "ኣታ መንእሰይ ሕጂ ንሃይማኖት ናይ መዓልታዊ ዋኒን ህይወትካ ጌርካዮ ኣሎኻ። ካብኡ ሓሊፉ ናይ ዝናን ናይ ብቕዓትን እንተገበርካዮ ግና። ኣብ ህይወትካ ብፈተናን ካልእ ነገራትን ክትሽገር ኢኻ"።

ሊቪንግተን ክኸዳ ዝምነያ ዝነበረ ምድሪ ቻይና እያ፣ ግናኸ ኩናት ኦፒዩም ካብ ሕልሙ ዓገቶ። ኣብቲ ግዜ እቲ ምስ ዶ/ር ሮበርት ሞፋት ተራኸበ፣ ንሱ ኣብ እንግሊዝ ነቲ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ሚስዮን ኣገልግሎት ተገዳስነት ንኽረክብ እዩ ዝሰርሕ ዝነበረ። ንሊቪንግተን ብዛዕባ "እቲ ኣብ ገለ እዋን ዝረኣዮ ሰፋሕቲ ጎላጉል ሰሜን፣ ትኪ ናይ ኣሽሓት ቁሸታት ኣብ ጸሓይ ንግሆ፣ ብዛዕባ እተን ማንም እግሪ ሚስዮናዊ ረጊጽወን ዘይፈልጥ ቦታታትን" ኣዕለሎ። ነዊሕ ኣይጸንሐን እዚ እስኮትላንዳዊ መንእሰይ ንኣፍሪቃ ወሰነ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ኩሉ ኩነታቱ ኣብ ምብጋስ ውን ሊቪንግተን ኣዝዩ ዝተማልአን ደቂቅን መጽናዕቲ እዩ ኣካይዱ። ናይ ሕክምናን ስነ-መሎኮትን ትምህርቲ ክወስድ መደበ። እዚ ንምግባር ናይ ባዕሉ ኣታዊ ፈጢሩ መጽሓፍቱ ክገዝእን ምስቲ ዘሎ ኩነታት ቁጠባ ተጻጊሙ ንሰሙን 50 ሳንቲም እናኸፈለ ገዛ ክካረን ግድን ነበረ። ሊቪንግተን ንፈለማ ግዜ ንኽሰብኽ ኣብ ዝወጸላ ስብከቱ ምሉእ ብምሉእ ረስዖ፣ ከምዚ ድማ በለ "ኣሕዋተይ ኩሉ እቲ ክብሎ ዝሓሰብኩ ነገር ረሲዐዮ ኣሎኹ"፣ ካብቲ ፑልፒት (መስበኺ ጣውላ) ብጉያ ወሪዱ ካብቲ ቤት ጸሎት ወጺኡ ከደ። ሓደ ካብ ናይቲ ግዜ እቲ ፈለጥቱ ክጽሕፍ ከሎ ከምዚ ይብል። "ድሕሪ ዓመታት ውን እንተኾነ እተን ክልተ ጽኑዓት ባህርያቱ፣ ቅንዕናን ቆራጽነትን እየን"። ወሲኹ ይብል "ሕጂ ድሕሪ 40 ዓመታት ስጉምቱ እዝክሮ እየ፣ ባህርያቱ ንቅድሚት ኣብ ምሱጓም፣ ተሪርን ቅኑዕን ወሳኒ፣ ኣመና ህዉኽ ወይ ኣመና ዝሑል ኣይኮነን፣ ሸበድበድ ወይ ላህዘዘዝ ኣይብልን፣ ግናኸ ኣብቲ ዘድልዮ ከም ዝበጽሕ ብንጹር ዝምድብ እዩ"።

ናይ ዴቪድ ሊቪንግተን ካርታ ጉዕዞ ንኣፍሪቃ ብ 8 ታሕሳስ 1840 ተጻፈፈት፣ ብመገዲ ብራዚልን ጸንፊ ጽቡቅ ተስፋን (Cape of Good Hope) ኣቢሉ ናብ ኣፍሪቃ ተንሳፈፈ። ካፕተይን ናይታ መርከብ ርብዐ ክቢ (quadrant) ከመይ ከም እትጥቀመሉን፣ ትዕዝብቲ ከመይ ከም እትወስድን መሃሮ።  ፍልጠቱ ብዝለዓለ ኣገባብ ዝጥቀመሉ መገዲ ከናዲ ግድን ነበረ። ኣብታ ጸንፊ ምስ በጽሐ፣ ናብ ኩርማን ናብታ ቀዳመይቲ መደበሩ ከደ፣ ግናኸ ኣብኣ ክጸንሕ ወይ ውን ኣብ ዝኾነ ቀዋሚ ስንጭሮ ኮይኑ ክሰርሕ መደብ ኣይነበሮን። ብዛዕባ ገለ ሓደሽቲ ውጥናት ይሓስብ ነበረ፣ ልዕሊ ኩሉ ድማ ኣዒንቱ ኣብቲ ፍጹም ዘይተተንከፈን ዘይፍለጥን ቦታታት ናይ ሰሜናዊ ሸነኽ ኣቋመታ። ቀዳማይ ወቅቲ ናይ ስርሑ ካብ 1840 ክሳብ 1852 ኣፈናዊ እዩ ተሰኒዱ። ካብ ኩርማን ናብ ውሽጢ እታ ምድሪ ዝተፈላለዩ ጉዕዞታት ኣካየደ፣ ገለ ካብቶም ብዙሓት ተሞኩሮታቱ ምስ ኣናብስ ብተደጋጋሚ ገጽ ንገጽ ምርኻቡ የጠቃልሉ።

ኣብ ሓደ ካብ ጉዕዞታቱ ኣጻብዕቱ ተሰብረ፣ ኣብ ምሕዋያ ድማ ሓደ ኣንበሳ ሃንደበት ብለይቲ ስለ ዝመጾ ክትኩሰሉ እታ ብረቱ ስለ ዝነድሓቶ እንደገና ተሰብረት። ገለ ካብ ጉዕዞታቱ ኣብ ናይ ብዕራይ ሰረገላ፣ ገለ ድማ ኣብ ዝባን ብዕራይ ኮይኑ እዩ ዝኸደን። "ከም ትግምትዎ ኣዝዩ ሓርፋፍ ጉዕዞ እዩ ነይሩ" ክብል ጽሒፉ ኣሎ። እቲ ቆርበት ኣዝዩ ልሕሉሕ እዩ ዝነበረ፣ ንኮረሻን ንድርዕቶን ዝኸውን ዓቢ ጁባ ክትረክብ ኣጸጋሚ እዩ፣ ኮፍ ንኽትብሎ እቲ ኣብ ቅድሚት ዘሎ ነዊሕ ኣቅርንቲ ከብድኻ ክበስዓካ ይኽእል እዩ፣ ንላዕሊ ሰጥ ኢልካ ከም ፈረሰኛ ንኽትከይድ ከም መሾጎር ኮይኑ እዩ ዝሕዘካ"። ብኸምዚ መልክዕ  ልዕሊ 400 ማይልስ ተጓዕዘ። ምርምራቱ ኣብ ትሕቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓላፍነት እዩ ዘካይዶም ዝነበረ፣ ንናይ ለንዶን ናይ ሚስዮን ጉጅለ ንከጽድቕሉ ኽሓቶም ናብ ዓዱ ጸሓፈ፣ ግናኸ ከምኡ እንተ ዘይገበሩ ውን ንዕኡ ኣወጊዱ "ንቅድሚት ይኹን እንበር ገና ክግስግስ እዩ"።

ኣይዶንጎየን ንኩርማን ሓዲጉ ኣብ ሞቦትሳ ንኽኸውን ገዓዘ፣ ኣብዚ ቦታ እዚ እዩ ብኣንበሳ ዳርጋ ሞይቱ ዝነበረ፣ ስግኡ በሲዑ፣ ዓጽሚ ናይ ሞንኩቡ ሓምሸሾ። እቲ ኣንበሳ ከብዲ እግሩ ኣብ ልዕሊ ርእሲ ሊቪንግተን ምስ ገበሮ እዩ ሓደ ወዲ ዓዲ ኣቶኩሮ ናይቲ ኣንበሳ ብኻልእ ከም ዝሰሓብ ዝገበረ። ሓደ መዓልቲ ሊቪንግተን፣ እቲ ኣንበሳ ኣብ ልዕሊኡ ከሎ እንታይ ከም ዝሓሰበ ክምልስ ከሎ፣ "ቅድም ኣየናይ ክፍሊ ኣካላተይ እዩ ክበልዓኒ ኢለ ሓሰብኩ" ይብል። ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ናብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ተመልሰ በታ ናይ ሓሶት መላግቦ እተገብረላ እተሰብረት ኢዱ እዩ ዝልለ ዝነበረ። ዝኾነ ፍሕፍሕ ኣብ ሞቦትሳ ንምውጋድ እቲ ገዛ ሰሪሑን ጀርዲን ገይሩን ዝነበረ ሊቪንግተን፣ ምስ ማንም ሰብ ክኳረ ስለ ዘይደለየ፣ መደበሩ ገዲፉ ምስ ጓሎም ነቶም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዓበይቲ ሚስዮናውያን ዝኾኑ ሮበርትን ሜሪ ሞፋትን ከደ፣ ምስኣ ተመርዕዩ ድማ ኣብ ቾኑዋነ ሓድሽ መደበር መስረተ። ኣብቲ ቦታ ማይ ስለ ዘይነበረ ግና እንደገና ናብ ኮሎቦንግ ገዓዘ፣ እቶም ኣብ መንግኦም ዝነብር ዝነበረ ቀቢላታት ኩሎም ድማ ምስኡ ናብቲ ፈለግ ገዓዙ።

ኮሎቦንግ ጥዕና ዘሎዎ ቦታ ኣይኮነን፣ ክንዮኡ እቲ ዘይፍለጥ ሰፊሕ ወሻጥ መሬት እዩ ዘሎ። ገለ ነገር ንልቢ ሊቪንግተን ክኸይድ ከም ዘሎዎ ነገሮ። ኣብ 1 ታሕሳስ 1849፣ ንቀላይ ንጋሚ ረኸቦ፣ እዚ ቀላይ እዚ እቲ ካልእ ወገን ገማግሙ ክሳዕ ዘይርአ ኣዝዩ ዓቢ ነበረ። ጸኒሑ ከኣ ንፈለግ ዛንበሲ ረኸቦ። እዚ ቀላይ ካብ ኩርማን 870 ማይልስ ስግር ምድረበዳ እዩ። ናብ ባሕሪ መተሓላለፊ ብምብራቃዊ ወይ ምዕራባዊ ገማግም ክረክብ ብግዲ ነበረ። "ናይ እግዚኣብሄር ለውሃት ናብቲ ስግር ከባቢ ዝጸውዓኒ ኮይኑ ተሰምዓኒ" ክብል ጽሓፈ። ነቲ ኣሰቃቂ ምትሕልላፍ ባራዩ ከጥቕዖ ከም ዘሎዎ ንጹር ድምጺ ናይ እግዚእብሄር ሰምዐ። ኮይኑ ግን ብዛዕባ ደቁን ሰበይቱን እንታይ ይግበር? እታ ዝነበረት እንኮ ኣማራጺት ናብ ዓዱ እስኮትላንድ ምስዳዶም እያ። ብርግጽ እናኸበዶ ኣብ መጋቢት 1852 ናብ ኬፕታውን ኣምጽኦም፣ እዛ ካብቲ ውሽጢ እቲ መሬት እተቀልቀለት ስድራ ኣዝዩ ዘይልሙድን ፋሽኑ ዝሓለፈን ክዳውንቲ እያ ተኸዲና ዘላ፣ ግደ ሓቂ ካብ ምዕባለ 11 ዓመት እያ ርሒቃ፣ ኣብ ሚያዝያ ካብ ስድርኡ ተፈልዩ እንደገና ናብቲ ጸላም ተመልሰ።

ቅድሚ ኣብ ኮሎቦንግ ምብጽሑ ንመደበሩ እቶም ባራዩ ዝገፉ ዝነበሩ ፖርቱጋላውያን ኣጥቂዖሞን የዕንዮሞን ነበሩ። ምስ ዝኾነ ይኹን ቦታ ዝነበሮ ኩሉ ዓይነት ርኽብ ተበትከ። ንሰሜን ገጹ ተበገሰ፣ ኣብ ሰነ 1853 ኣብ ሊንያንቲ በጽሐ፣ 1500 ማይልስ ንሰሜን ካብታ ጸንፊ ርሒቃ እያ እትርከብ። ኣዝዩ ጽንኩርን ሓደገኛን ጉዕዞ እዩ ዝነበረ፣ ሊቪንግተን ዝበዝሕ ካብቲ ጉዕዞ ብረስኒ እዩ ዘሕልፎ ዝነበረ፣ ገለ ካብቲ መገዲ ዓዘቅቲ፣ ጣሻ፣ ሰለስተ ክሳዕ ኣርባዕተ ጫማ ዝዕምቆቱ ማይን እዩ ዝነበረ። "ኣእዳውና ብልሕጻጽን ደምን መሊኡ እዩ፣ ስረና ኣብ ኣብራኹ ተበጂሉ፣ ኣብ ነዊሕ ቦሎኽ በልና"። ኣብ ጽሑፋቱ ከም ዘስፈሮ፣ "ዕዮይ ኣብ እግዚኣብሄር ቅቡል እንተደኣ ኮይኑ፣ በዚ ድማ ዕዮይ ክሳዕ ዝዛዝም ህይወተይ ምጭው እዩ፣.....እንትርፎ ነቲ ምስ መንግስቲ ክርስቶስ ዘሎኒ ዝምድና፣ ንካልእ ዝኾነ ይኹን ዘሎኒ ነገራት ወይ ውን ኩሉ ዝውንኖ ምንም ዋጋ ኣይህቦን እየ፣ ልዕሊ እዛ መንግስቲ ዝርአ ዝኾነ ይኹን ነገር እንተ ደኣ ሃልዩ ምሉእ ብምሉእ ክውገድ ይግባእ፣ ክብሪ እቲ ናይ ዘልእለም ተስፋ ዝሃበኒ ጥራይ ከዕቢ እዩ ዝግበኣኒ። ነዚ ተመቂለዮ ዘሎኹ ብይን እሙን ኮይነ ክስዕብስ፣ ከመይ ዘኽእል ጸጋን ሓይልን ብምልኣት ይወሃበኒ፣ ስለዚ ብስም ጥራይ ዘይኮነስ ብሓቂ ኩሉ ተገዳስነተይን ውሉደይን ስለዚ ነገር ብፍሉይ ክፍለጡ...... ኩሉ ግዜ ናብ እግዚኣብሄር ብምስጢር ብወረጃ ኣዘራርባን ምንቅስቃስን ባህርያትን ክቀርብ ምስ ደለኹን ምስ ዘከርክዎን እየ። ከምቲ ኣቦ ንደቁ ንስኻ ኢኻ ኩሉ ኣካለይን ጸገማተይን እትፈልጦ እሞ ደግፈኒ"። መርገም ሳዕቤናት ንግዲ ጊላነት ብቀጻሊ እናበዝሐ እዩ፣ ኣብ ሊንያንቲ ከሎ ዝያዳ ነጺሩ ዝተራእዮ ነገራት፣- ምድቃስ ንግዲ ባራዩን፣ ነታ ኣህጉር ንምስፋሕ ዕዮ ሚስዮን ክፋትቲ ምግባራን እዩ ነይሩ።

በዚ መሰረት ኣብ 11 ሕዳር 1853 ንሰሜን ገጹ ናብ ኣትላንቲክ ውቅያኖስ ተበገሰ፣ ኣብ 31 ግንቦት 1854 ካብ ኮንጎ 200 ማይልስ ርሒቃ ኣብ እትርከብ ሉዋንዳ በጽሐ። ኣብ መገዱ ን31 ግዜ ብረስኒ ተጠቅዐ። ናይ ገዛእ ርእሱ መገዲ ክደልን ክፈጥርን ነይርዎ። ብዕልቅልቅን ዝናብን ኩሉ ግዜ ምስ ጠልቀየ እዩ። ኣረማውያን ትውቃወምዎ። ዝኾነ ዘሰንዮ ጻዕዳ ኣይነበሮን። ጨርቀምቀም ኢሉን ዓሪቁን ኣዝዩ ተሓሊሉን እዩ ዝበጽሐ፣ ዝኾነ ይኹን ካብ ዓዱ ዝመጾ መልእኽቲ ኣይረኸበን። ተራ ሰብ ዘይከም ሊቪንግተን - ሕጅስ ዝኣክል ጌረ እየ ይኣኽለኒ ንገዛይ ክብገስ ምበለ ነይሩ። ንሱ ግና ናብ ኣፍሪቃ ንድሕሪት ተኖቅተ፣ ነታ ኣህጉር ሰንጢቁ ናብ ምብራቅ ገጹ ገስገሰ። ኣብ መስከረም 24 1854 ንሉዋንዳ ሓዲግዋ ከደ። ኣብ 20 ግንቦት 1856 ኣብቲ ካልእ ወገን ኣፍሪቃ ኣብ ኳሊማነ በጽሐ። ኣብ መገዱ ብሰንኪ ረስኒ እዝኑ ዳርጋ ጸሚሙ እዩ ነይሩ፣ ኣብቲ ጫካታት ጨንፈር ናይ ገረብ ዓይኑ ስለ ዝሓንጠጦ ኣዒንቱ ውን ዳርጋ ዓዊሩ ነይሩ እዩ። ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ነቲ ካብ ኒያጋራ ኣዝዩ ዝበረኸን ዝመልአን፣ ዓቢ መንጫዕጫዕታ ቪክቶርያ ረኸቦ። ምስ እዞም ኣረመናውያን ቀቢላታት ዝያዳ ውዕዉዕ ስምዒታዊ ግዜ የሕሊፉ እዩ፣ ከምቲ ኩሉ እዋን ዝገብሮ እናኣህደኦም እዩ ዝነብር ዝነበረ። ካብ ኳሊማነ ናብ እንግሊዝ ኣንሳፈፈ ኣብ ነሓሰ 1856 ድማ በጽሐ። ኣብ ካይሮ ምስ በጽሐ ናይቲ ደጊሙ ንኽሪኦ ኣዝዩ ዝናፍቕ ዝነበረ ኣረጊት ኣብኡ ሞት ሰምዐ።

ኣብ ዓዱ ብዓቢ ዓጀባ ፍሉይ ኣቀባብላ ተገብረሉ። እዚ ንውልቁ ኣብ ኣፍሪቃ ከርተት ዝበለ ኣላማይ እስኮትላንዳዊ መንእሰይ፣ ሕጂ ግና ኣብ መላእ እስኮትላንድን እንግሊዝን ነፍሱ ናይቲ እዋን ጅግና ኮይና ረኸባ። ምሁራት ሳይንስን ንግስትን ንጉሳዊ ቤተሰብን ተቀበልዎ፣ ኮታ ኩሉም ኣዕሩኽ ሰብኣውነት ዘበሉ። ኣብ ከተማታት ሎንደን፣ ኢደንበርግን ግላስጎውን ብነጻ ክነብር ተዋህቦ። ናይ ዩኒቨርስትታት ግልስጎው፣ ኦክስፎርድን ካምብሪጅን ክብርታት ተቀበለ። በዚ ኩሉ ዝወሓዘ ሽመትን ክብርን ኣይተዛነየን፣ ኣብ 10 መጋቢት 1858 ንእንግሊዝ ሓዲጉ ናብ ኣፍሪቃ ተመልሰ። ኣብዚ እዋን ከም ቆንስል ብርጣንያ ኣብ ምብራቃዊ ገማግምን ውሽጢ ኣፍሪቃን ኮይኑ ተመልሰ። ብመርከብ እናንሳፈፈ ከሎ ናብ ወዱ ቶም ዝጸሓፋ መልእኽቲ፣-

"ለንደን፣ 2 የካቲት 1858.... ፍቁር ቶም፣
ካብዛ ሃገር ሕጂ ቀልጢፈ እወጽእ ኣለኹ፣ ኣብ ሓለዋ እቲ ዘይታኸስን ዘይድቅስን እሓድገካ ኣሎኹ፣ ንዝተወከሎ ዘበለ ፍጹም ኣየሕፍርን እዩ። ዓርክኻ እንተገበርካዮ ካብ ማንም ንላዕሊ ንሱ ንዓኻ ዝበለጸ እዩ፣ ካብ ሓው ንላዕሊ ዝጠበቀ ዓርኪ እዩ። ንኽትደልዮን ከተገልግሎን ጸጋ ይብዘሓልካ፣ ካብዚ ንላዕሊ ክብለካ ዝኽእል ጽቡቅ ነገር የብለይን፣ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ከም ኣቦኻ፣ ንየሱስ ከም መድሓኒኻ፣ ንመንፈስ ቅዱስ ከም ቀዳሲኻ ጌርካ ውሰዶም፣ ክፉእ ዘበለ ድማ ኣይክረኽበካን እዩ። ተስፋ እገብር ብዝቀልጠፈ ኣጸቢቅካ ክትመሃር እሞ ኣብዛ ዓለም ንዕዮ እግዚኣብሄር ብቁዕ ኮንካ ክትርከብ"።  

"ፒርል ኣብ መርሰይ፣ 10 መጋቢት 1858....ፍቁር ቶም፣
"እንደገና እብገስ ኣሎኹ፣ ነቲ ማዕበላት ዝእዝዝ እግዚኣብሄር ከም ዝሕልወና ምሳኻ ውን ከም ዘሎ፣ ከም ዝባርኸናን ንብጾትና ውን ንበረኸት ከም ዝገብረና ንኣምኖ ኢና። እግዚኣብሄር ምሳኻ ይኹን ጸግኡ ውን የዕዝዘልካ። ንሓጥያት ፈንፍኖ ካብኡ ድማ ርሓቅ። ነቲ ካብ ኩሉ ኣበሳ ዘናግፈካ የሱስ ብእምነት ተቀበሎ"።

ሊቪንግተን እንደገና ናብ እንግሊዝ ክሳዕ ዝምለስ 6 ዓመታት ሓለፋ። ኣብዚ ግዚያት እዚ ንዛምበዚን ንፈለግ ሻየርን ዳህሰሰ፣ ክብደቱ ብዘየገድስ ኩሉ ግዜ ብዓወት እዩ ኣብ መንጎ እቶም ደቂ ዓዲ ዝመላለስ ዝነበረ፣ ናይዚ ምኽንያት ድማ ንነፍሱ ፍጹም ከይፈርሐ ነቶም ሰባት ድማ ኣብኡ ከመይ ተኣማንነትን ፍቅርን የሕድሩ ኣጸቢቁ ስለ ዝፈለጠ እዩ። ኣብዛ ጉዕዞ እዚኣ ወ/ሮ ሊቪንግተን ምስኡ ንኣፍሪቃ ተመሊሳ እያ፣ ኣብ ሹፓንጋ ድማ ብ27 ሚያዝያ 1862 ሞተት፣ ኣብኡ ድማ ተቀብረት። በዓል ቤታ ንበይኑ ናብ ቀላይ ንያሳ ኸደ፣ ዘየሰልኪ ዳህሳስ ድማ ኣካየደ፣ ተጻብኦታት ተፈጥሮን ግናያት ሰባትን ስዒሩ፣ ብዛዕባ ናይ ንግዲ ጊላነት እከይ መጋብር ድማ ብዝያዳ ተማህረ።

ኣብ 1864 ናብ ህንዲ ከደ፣ ብድሕሪኡ ድማ ናብ እንግሊዝ - ናይ መወዳእታ ምብጽሑ ሙዃና እያ። ኣብኡ ናይ ወዱ ሮበርት ሞት ሰምዐ፣ ኣብ ናይ ኣሜሪካ ኩናት ሓድሕድ ምስ ሰሜን ተሰሊፉዩ ዝዋጋእ ዝነበረ፣ ኣብ ጌትስባርግ ድማ ተቀብረ፣ ኣብ መንገዲ ከሎ እያ ድማ ኣዲኡ ዝሞተት፣ ነቲ ሓንቲ ካብ ኣዋልደይ ርእሰይ ኣብ መቃብር ተዕርፋ ዝበለቶ ለበዋ ንኽፍጽም እዩ ኣብቲ ግቡእ ግዚኡ ገዛ ዝበጽሐ። ንሊቪንግተን እዛ ዓመት ኣዝያ ጽዕቅቲ እያ ነይራ፣ ከምቲ ኣብ ናይ ቅድም ምብጽሑ ዝገበሮ መጽሓፍቲ ኣብ ምጽሓፍን ኣብ እስኮትላንድ ዝገበሮ "ንእግዚኣብሄር ፍርህዎ ኣበርቲዕኩም ድማ ዕየዩ" ዝብል ህዝባዊ ዘመተን ኣሕለፋ። ነቲ ዘይተፈልጠ ምብራቃዊ ወገን እታ ምድሪ ንምድህሳስ ናብ ኣፍሪቃ ተመልሰ። ኣብዚ እዋን ርክቡ ምስ ሮያል ጆግራፊያዊ ጉጅለ እዩ። እተን ቀዳሞት 6 ዓመታት ንምብራቃዊ ኢኳቶርያል  ኣፍሪቃ ዳህሰሰ፣ ሓደስቲ ቀላያት ኣፍላጋት እንባታት ረኸበ፣ ንግዲ ጊላነት ኣቃልዐ፣ ተሳቀየ፣ ተጋደለ.... ግናኸ ፍጹም ኣይተሓለለን። ኣብ ሓደ ልደት ከምዚ ጸሓፈ "ጥምየተይ ንምዕጋስ፣ ቁልፈይ ኣብ ሰለስተ ነኳል ንቅድሚት ሸጥ ኣቢለ ኣሰርክዎ"። ጻዕዳ መሰነይታ ዝበሃል ኣይነበሮን፣ ኣብ 1866 ተቀቲሉ ዝብል ወረ ዛንበዚ በጽሐ።

እዚ ወረ እዚ ሓሶት ሙኻኑ ተረጋገጸ። ግናኸ ገና ንነዊሕ ግዚያት ማንም ጻዕዳ ንሊቪንግተን ዝረኣዮ ኣይነበረን። ግደ ሓቅስ ንሱ ውን ንኽርአ ባህጊ ኣይነበሮን። ኣብቲ ጸላም ምድሪ ንውልቁ፣ ጥሜትን ድኻምን ተጻዊሩ፣ ሓድሽ ምድሪ ንምግሃድን ንምርግጋጽ ነጻነት ድካታትን እተጨቆኑ ህዝብን ቀጸለ። ኣብ 1871 ኣብ ናይ መወዳእታ መጻብብ በጽሐ፣ ኩሉ እቲ ናብ ዩጂጂ ዝተሰደ ንብረቱ በቲ ዝሰድሉ ዝነበሩ እኩይ ሸረፍ ተሸጠ፣ ይኹን እንበር በቲ ንኽደልዮ ብኒው ዮርክ ሄራልድ ዝተላእከ ሄንሪ ስታንልይ ኣዝዩ ብዙሕ ንብረት ተሰደሉ (ድሕሪ ብዙሕ ጻዕሪ እዩ ረኺብዎ)። ስታንልይ እንታይ ጦብላሕታ ከም ዝሓደሮ ባዕሉ ክዛረብ ከሎ ከምዚ ይብል፣ "ንነዊሕ እዋን ብዝግባእ ከይተረድኦ ማንም ሰብ ናይ ጉጅልኡ ኣባል ንኸይከውን ተቃወምኩ፣ ኣብ ግዳም ዝወጽእ ዘበለ ኩሉ እቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ እዩ... ድሕሪ ምሕካሙገና 50 ዓመት ዘይሓለፈ  እኳ እንተመሰለ ዶ/ር ሊቪንግተን ግን ዳርጋ ወዲ 60 ዓመት እዩ... ካብ ባህርያት ዶ/ር ሊቪንግተን ዝኾነት ነጥቢ ኣልዒልካ ክትንትን ዝከኣል እዩ፣ ኣብ ባህርያቱ ኣበር ረኺበ ንዝብል ሰብ ግና ክከራኸሮ እየ፣... ንሱ ናይ ስፓርታ ጅግና እዩ፣ ናይ ሮማውያን ዘይተዓጻፍነት፣ ናይ ኣንግሎ ሳክሰን ተጸማምን ተጻዋርን እዩ፣ ...ፍጹም ስርሑ ዘይጥንጥን፣ ብልቡ ቤቱ ዝናፍቕ፣ ንስርሑ ክሳዕ እታ ተፈጸመ ኢሉ ዝጽሕፈላ ፍጹም ኢዱ ኣይህብን እዩ"።

ብምብጻሕ ስታንልይን በቲ ዝተማልኣሉ ቀረብን ተሓደሰ እሞ፣ ንናይ ፈለግ ኒል ምንጪ ንምርካብን ኣንጻር ንግዲ ጊላነት ንምቅላስን እንደገና ገጹ ንውሽጢ እታ ምድሪ መለሰ። እቲ ሓጺናዊ ኣካሉ ክሳዕ ዓንቀሩ ብጸበባ መሊኡ እዩ፣ ግናኸ ገና ሓደሽቲ ሽግራት ክስገሩ ኣለዎም። ናይ መወዳእታ ዕለተ ልደቱ 19 መጋቢት 1873 ኣዝዩ ተዳኺሙ እንከሎ እያ ረኺባቶ።

"29 ሚያዝያ ናይ መወዳእታ ዕለት ጉዕዝኡ ኮነት፣ ንግሆ ኪታንዳውያን ክወስድዎ ከይመጹ እንከለዉ ንሱሲ ጎኒ ናይቲ ኣግዶ ከተፍርሶ ሓበራ፣ ምኽንያቱ ብማዕጾ ክወጽእ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ በጺሑ እዩ ዝነበረ። ሩባ ምስጋር ድማ መጸ፣ ብማእከል ዓዘቅትን ዑቃርን ድማ ሓለፉ፣ ኣብ ደረቅ ጎላጉል ኣብ ዝበጽሕሉ ነናሻዕ በጥ ከብልዎ ይልምኖም ነበረ። ኣብ መወዳእታ ኣብ ቁሸት ቺታምቦ ናይ ኢላላ ኣብጽሕዎ፣ ኣብኡ ምስ በጽሑ ማይ ስለ ዝሃረመ እታ ዝሰርሕዋ ዝነበሩ ኣግዶ ክሳብ ትዛዘም ኣብ መዝበብ ኣእተውዎ።

"ድሕሪ እዚ ኣብታ ቤት ኣብ ኩርካሕ ዓራት ኣደቀስዎ፣ ኣብኣ ድማ ሓደረ። ንጽቢሒቱ ራብሻ ዘይብሉ ድቃስ ደቀሰ። ብዛዕባ እታ ምድሪ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ሉያፓላ ገለ ዘሀውትት ሕቶታት ሓተተ። እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰቡ መወዳእታ ናይ ህይወቱ ርሑቅ ከም ዘይኮነ ተገንዘቡ። ኣብ ቀዳሞት ምቃል እታ ለይቲ ዝኾነ ኣቃልቦ ዝስሕብ ነገር ኣይገበረን ግናኸ ሰዓት 4 ወጋሕታ እቲ ኣብ ጥቃ ማዕጽኡ ደቂሱ ዝነበረ ወዲ ንሱሲ ኣተንሲኡ ጎይታይ ደኣ ሞይቱ ከይከውን ፈሪሐ በላ። በታ ገና እተብርህ ዘላ ሽምዓ ረኣይዎ፣ ኣብ ዓራቱ ኣይነበረን፣ ርእሱ ብመተርኣሱ ብኢዱ ደጊፉ ኣብ እግሪ ዓራቱ ተምበርኪኹ ነበረ። እቲ ትጽቢት እተገብረሉ ዘሕዝን ሓቂ ግሁድ ኮነ፣ ኣብቲ ካብ ኩሉ ዝረሓቀ ቦታ ናይ ጉዕዝኡ ብዘይ ዝኾነ ኣላዪ ሞተ። እናጸለየ እዩ ሞይቱ፣ እቲ ኣኽብሮት ዝመልኦ ናይ ጸሎት ስነ ምግባሩ ኩሉ ግዜ ፍሉይ እዩ። መንፈሱ ንጎይታ ሕድሪ እናረከበ፣ ከም ልማዱ ንኹሎም ፍቁራት ናብ ኢድ መድሓኒኡ እናረከበ፣ ንኣፍሪቃ ውን ነታ ክብርቲ ኣፍሪቃኡ ምስ ኩሉ ጸበባኣን ሓጥያታን ናብቲ ፈዳዪ ሕነ ውጹዓትን መድሕኒ ጥፉኣትን እናረከባ ሞተ።

እቶም እሙናት ኣፍሪቃውያን ኣዕሩኹ፣ ሬስኡ ናብ ገምገም ባሕሪ ንምጉዓዝ ተቀረቡ፣ ልቡን ገለ ክፋል ኣካላቱን ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ገረብ ኣብ ኢላላ ቀበርዎ፣ እታ ቦታ ኣብዚ እዋን ገለ መለለዪ ጽሑፍ ኣለዋ። ኣካላቱ ተሰኪሞም ዛንዚባር ወሰድዎ፣ ብኡ ኣቢሉ ናብ እንግሊዝ ተወሲዱ ኣብ ኣበይ (Abbey) ኣብ ትሕቲ ስሙ እተቀርጾ ዓቢ ከውሒ ተቀብረ።