24
Wed, Apr
0 New Articles

ለውጢ ሃድሰን ተይለር

Ministry
Typography

 ኣደይ ኣብ ገዛ ዘይነበረትሉ ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ እያ ነይራ፣ ኣጋ ምሸት ኣብ ናይኣቦይ ቤተ መጽሓፍቲ ኣትየ ንግዜ መሕለፊ ዝኸውን መጽሓፍቲ ክገላብጥ ጀሚረ።ዝስሕበኒ ግና ኣይረኸብኩን፣ ሻቡ ኣብ ሓንቲ ናይ ፋንፍለታት ሳንጣ ጠመትኩ፣ ሓንቲሰሓቢት ኮይና ዝተራእየትኒ ትራክት ናይ ወንጌል (ሃይማኖታዊ ጽሑፋት ዝሓዘትንእሽቶ ጽሕፍቲ) ድማ ኣልዓልኩ፣ ንርእሰይ ከምዚ እናበልክዋ፣ ኣብ መጀመርታኣ ዛንታይህልዋ ይኸውን፣ ኣብ መዕጸውዊ ከኣ ፍሉጥ እዩ ስብከት ወይ ሞራል ከም ዝህልዋ።እቲ መፈለምታኣ ከንብብቦ እየ፣ እቲ ዳሕረዋይ ግና ነቶም ዝፈትዎ እገድፈሎም። 

ነታ መጽሓፍ ኮፍ ኢለ ዳርጋ ተገዳስነት ብዘይብሉ ኩነተ ኣእምሮ ከንብባ ጀመርኩ፣ብርግጽ ኣብቲ እዋን ዝነበረኒ እምነት፣ ገለ ድሕነት ዝበሃል እንተሎውን ንዓይ ግናኣይምልከተንን እዩ ዝብልዩ። እታ ትራክት ተሰልቹ ኮይና ኣብ ዝረኸብክዋ እዋንክድርብያ ድሉው እየ ነይረ። 

ኣብታ ካባይ 70 ወይ 80 ማይልስ ርሒቃ ዘላ ኣደይ ኣብ ልባ እንታይዩ ዝኸውን ዘሎዳርጋ ዝፈልጦ ነገር ኣይነበረንን። ሽዓ ምሸት ካብ ድራር ክትንስእ ከላ ወዳ ንኽልወጥኣዝዩ ብርቱዕ ናፍቆት እዩ ነይሩዋ፣ ካብ ገዛ ርሒቃ ዝያዳ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ሃልይዋብዛዕባይ ንእግዚኣብሄር ክትልምን ኣዝዩ ፍሉይ ዕድል ከም ዝረኸበት ኮይኑ ይስምዓ ነበረ። ኣብ ክፍላ ኣትያ ማዕጾኣ ዓጽያ፣ናይ ጸሎታ መልሲ ክሳብ ትረክብ ነታ ስፍራ ንኸይትሓድጋ ወሰነት። እዛ ክብርቲ ኣደ ሰዓት ኣብ ርእሲ ሰዓት ጠርዐት(ጸለየት)፣ መወዳእትኡስ ብሰንኪ ምንዋሕ ግዜ ክትጽሊ ኣብ ዘይትኽእለሉ ደረጃ በጽሐት፣ ግናኸ ኣብቲ እዋን ንእግዚኣብሄርከተመስገን ተቀሰበት። መንፈስ ድሮ ምልዋጥ ናይቲ እንኮ ውሉዳ ከም ዝኾነ ኣስተምሂርዋ እዩ። 

እንበኣር ኣነ ኣብ መንጎ እዚ ኩነታት እየ ብኸምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽክልኩም ተደሪኸ ነታ ትራክት ዘልዓልክዋ፣ እናንበብኩከለኹ ከኣ "እቲ እተፈጸመ ዕዮ ክርስቶስ" ኣብ እትብል ኣርእስቲ ምስ በጻሕኩ ውሽተይ ተተንከፈ። 

ንምንታይ እዩ እዚ ጸሓፋይ ከምዚ ዓይነት መግለጺ ክጥቀም ወሲኑ፣ ሓተትኩ፣ ንምንታይ ኸሓሲ ወይ ኣህዳኢ ዕዮ ክርስቶስዘይበለ። 

ኣብ ኣእምሮይ ብቅጽበት "ተፈጺሙዩ" ዝብላ ቃላት መጻኒ። 

"እንታይ እዩ እቲ ዝተፈጸመ?" 

ኣነ ውን ሓንሳብሲ ከምዚ ኢለ ምላሽ ሂበ እየ "ምሉእን ፍጹምን ዕርቅን ርውየትን ካብ ሓጥያት፣ ናይ ሓጥያትና ዕዳ ተከፊሉእዩ፣ ናትና ጥራይ ውን ኣይኮነን፣ ግናኸ ሓጥያት ኩላ ዓለም ውን"። 

ካልእ ሓሳባት ውን መጸኒ፣ "እንተደኣ ኩሉ እቲ ስራሕ ተፈጺሙ፣ ኩሉ እቲ ዕዳ ውን ተኸፊሉ፣ ኣነ ክገብሮ ዝግበኣኒ ደኣእንታይዩ ተሪፉ?" 

በዛ ሕጉስቲ መፈለምታ ለውጢ ናይ ህይወተይ፣ ልኽዕ ከምቲ ብርሃን ናይ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሂወተይ ዘብርህ ኮይኑ እዩተሰሚዑኒ፣ ኣብዚኣ ክትገብሮ ዝድለየካ ምንም ነገር የሎን እንታይ ደኣ ብብርክኻ ተደቢርካ ነቲ መድሓንን ዝህበካ ድሕነትንምቅባልዩ፣ ውድሴ ንዘልእለም ኣለም ንእኡ ይኹን። 

ኣደይ ኣብ ክፍላ ኮይና ተንበርኪኻ ንእግዚኣብሄር እናመስገነት ከላ፣ ኣነ ኸኣ ኣብታ ኣብ ግዜ ዕረፍተይ ንበይነይ ኮይነ ነታንእሽቶ መጽሓፍ ዘንበብኩላ መኽዘን ንእግዚኣብሄር የመስግን ነበርኩ። 

ቅድሚ ንሓፍተይ ናይዚ ምስጢር እዚ ተኻፋሊት ምግባረይ ድሮ ብዙሕ መዓልታት ሓሊፉ ኣሎ። እዚ ግና ንማንም ሰብከይትዛረብ ቃል ኣእትየ እየ ነጊረያ። ማማ ድሒራ ድሕሪ ክልተ ቅነ ምስ ተመልሰት፣ ዘሐጉስ ዜና ኣሎኒ ኢለ ንክነግራ ቀዲመኣብ ማዕጾ ዝተቀበልክዋ ኣነ እየ ነይረ፣ ናይታ ክብርቲ ወላዲተይ ኣእዳው ኣብ ሞንኩበይ ተጠምጢመን ከለዋ ከምዚ በለትኒ፣"ይፈልጥ እዚ ወደይ"፣ 

"ስለምንታይ ግን" ሓተትኩ ብኣድናቆት "ኣመሊያ ዝኣተወቶ ቃል ሰይራ ማለት ድዩ"? ንማንም ሰብ ኣይነግርንየ ኢላትኒ ነይራ። 

ማማ ግና እዚ ወረ እዚ ካብ ማንም ሰብ ከምዘይሰምዓቶ ኣረጋገጸትለይ፣ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዝዘርዘርክልኩም ፍጻሜ ድማኣዕለለትኒ። ብሓይሊ ጸሎት ሰብ ኣማኒ ክኸውን ዘይክእል እንተኾይኑ፣ ብርግጽ ጋሻ ነገር ሙኾነ ነይሩ፣ ንስኻ ውን ምሳይትሰማማዕ ትኸውን። 

እቲ ዛንታ በዚ ጥራይ ኣይተዛዘመን ልክዕ ከም ናተይ ትመስል ጥራዝ ናይ ጁባ፣ ናተይ ትመስል እናበልኩ ኣልዒለ ከፊተያ፣ናይ ሓፍተይ ናይ ዲያሪ ጥራዝ እያ ነይራ። ኣብኣ ነዒንተይ ዝሰሓባኒ ጽሑፋት እንተነይረን፣ ሓፍተይ ሓዋ ክሳብ ዝልወጥመዓልታዊ ህይወታ ንጸሎት ናብ እግዚኣብሄር ከም እትውፊ እየን ዝዛረባ ነይረን። ድሕሪ ሓደ ወርሒ ናይዚ እዩ እንበኣርእግዚኣብሄር ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ከሰጋግረኒ ዝፈተወ። 

ኣብ ከምዚ ዝገለጽኩዎ ዓንኬል ዓብየ፣ ብኸምዚ ከኣ ድሒነ። ካብ መፈለምታ ናይ ክርስትና ህይወተይ ብመሪሕነት፣ ተስፋታትእግዚኣብሄር ሓቂ ሙዃኑ እናተረደኣኒ ኸይዱ። ጸሎት ከኣ ዓቅሊ ዘድልዮ ክውን ናይ ጉዳያት ምልውዋጥ ምስ እግዚኣብሄርሙዃኑ ተገንዘብኩ (ንገዛእ ርእስናን ነቶም በረኸቶም ንደሊ ሰባትን)።