25
Thu, Apr
0 New Articles

"ደሓንዩ ንነፍሰይ" ብድሕሪ እታ መዝመር ዘሎ ዛንታ

Salvation
Typography

ደሓንዩ ንነፍሰይ
ብሆራትዮ ስፓፎርድ

ሰላም ከም ወሓይዝ መገደይ ክኸድን ከሎ፣
ጓሂ ከም ማዕበል ባሕሪ ከንከባልለኒ ከሎ፣
ብዘየገድስ ትዕድልተይ፣
ምሂርካኒ እንዲኻሞ ንስኻ፣ ክብል
ደሓንዩ ደሓንዩ ንነፍሰይ።

ኣዝማች

ደሓንዩ ንነፍሰይ
ደሓንዩ ንነፍሰይ
ደሓንዩ ደሓንዩ ንነፍሰይ።

ሰይጣን እንተጸፍዐ፣ ፈተና እንተመጸ
ይኾነለይ ንበረኸተይ መቆጻጸሪ ንእምነተይ
ክርስቶክ ክዕዘቦ ነቲ ድሩት ዓቅመይ
ደሙ ኣፍሲሱዩ ስለ ዛ ሂወተይ።

ሓጥያተይ፣ ደስታ ናይቲ ክቡር ሓሳብ
ሓጥያተይ፣ ብኸፊል ኣይኮነን ብምልኣት
ደጊም ኣይስከሞን፣ ተሸንኪሩዩ ኣብቲ መስቀል፣
ዎ ነፍስይ፣ ስብሓት ንኣምላኸይ ስብሓት ንኣምላኸይ።

ይኹነለይ ካብ ሕጂ ምንባረይ ንኽርስቶስ
ዮርዳኖስ እንተሓለፈ ብልዕለይ
ከምቲ ንሂወት እንተኾነ ውን ንሞት
ኣይንታየይንዩ ሸቕታ፣ እንተቀዘዝኩ እኳ፣
ኣሎዎ ንነፍሰይ ናይ ሰላም ሕሹኽታ።

ጎይታ ተሃወኻ ታመዓልቲ፣ ትርኣየላ እምነተይ
ደበና ክንካባለል ከም ብራና
ከድምጽ መለኸት፣ ጎይታይ ክወርድ
ሽዑ ውን ደሓንዩ ንነፍሰይ።

ብድሕሪ እታ መዝመር ዘሎ ዛንታ


እታ ህብብቲ መዝሙር "ደሓንዩ ንነፍሰይ" ኣብ መፋርቅ 1800 በቲ ፍሉጥ ኣብ ቺካጎ ዝነበረ ጠበቃ ሆራትዮ ጂ. ስፓፎርድ እያ ተጻሒፋ። ከምዚ ዝበለ ናይ ኣምልኾ መዝሙር ዝጸሓፈስ ምናልባት እቲ  ዕዉትን ሃብታምን ጠበቓ ናይ ቺካጎ እዩ ትብል ትኸውን። ብርግጽ ዕዉት ጠበቃዩ ነይሩ። ግናኸ እተን "ጋሂ ከም ማዕበል ባሕሪ ከንከባልለኒ ከሎ........ ደሓንዩ ንነፍሰይ"፣ ዝብላ ቃላት ኣብ ሕጉስ እዋን ሂወት ስፓፎርድ ኣይኮናን ተጻሒፈን። ነገር ግን፣ ካብ ሓደ ንምግማቱ ውን ፍጹም ዘይከኣል ዘሕዝን ፍጻሜ ዝገጠሞ ሰብ እምበር ተዘሚረን።

ስፓፎርድን በዓልቲ ቤቱ ኣናን ኣብ ናይ 1860ታት ቺካጎ ኣዝዮም ዝተፈልጡ እዮም ነይሮም። እዚ ግን ብምኽንያት ናይ ሕዚ ሞያ ሆራትዮ ወይ ውን ኣብ ንግዳዊ ንጥፈታት ብዝነበሮ ጻዕሪ ኣይኮነን። እዞም ሰብ ሓዳር ናይ ሙዲ ዝተባእለ ፍሉጥ ሰባኺ ውፉያት ደገፍትን ናይ ቀረባ ኣዕሩኽን እዮም ነይሮም። ኣብ 1870 ግና ነገራት ክበላሸዉ ጀመሩ። እንኮ ወዲ ስፓፎርድ ኣብ 4 ዓመቱ ብሕማም ንፍዮ ሞተ። ድሕሪ ሓደ ዓመት ብ 1871 እቲ "ብገዚፍ ባርዕ ቺካጎ" ዝፍለጥ ሓደጋ ባርዕ ኣጋጠመ፣ በዚ ድማ እቲ ስፓፎርድ ኣብ ገማግም ቀላይ ሚቺጋን ኣውፊርዎ ዝነበረ ገዚፍ ንብረትን ገንዘብን ተሃሞኸ።

ሆሪቲዮ እዚ ዕንወት እዚ ኣብ ስድርኡ ዘምጸኦ ክሳራ ብምግንዛብ፣  ንሰበይቱን ንኣርባዕተ ኣዋልድ ደቁን ኣብ ግዜ ዕረፍቲ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክወስደን ወሰነ። ኣብኡ ከዕፍፉ ጥራይ ኣይነበረን ሓሳቦም፣ እንታይ ደኣ ነቲ ኣብ እንግሊዝ ኣብ ዕዮ ስብከት ተወፊሩ ዝነበረ ሙዲ ንምድጋፍ ውን። ኣብቲ እዋን እቲ ሙዲ ኣብ መላእ ዓባይ ብርጣንያ እናዞረ ወፈራ ናይ ወንጌልዩ ዝገብር ዝነበረ(ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ዝበሃሉ ዕዮታቱ)። ኣብ መወዳእታ 1873 ሆሪቲዮን ኣናን ንሙዲ ክጽንበርዎ መደቡ። በዚ መሰረት እንበኣር እዛ ስድራ ኣብ ወርሒ ሕዳር ናብ ኒውዮርክ ክትጎዓዝ ነይሩዋ፣ ምኽንያቱ ነታ "ቪለ ዲ ሃቭረ" ዝተባህለት መርከብ ፈረንሳ ረኺቦም ንኣትላንቲክ ክጓዓዙ ስለ ዘለዎም። ሰዓት ምብጋስ ኣብ ምእካሉ ሆሪትዮ ሃንደበት ህጹጽ ጉዳይ ስለ ዝረኸበ ክዳናጎ ተገደደ። ናይ ስድራቤቱ መደብ ዕረፍቲ ከይሰናኸል ብማለት ንስድርኡ ንበይኖም ከም ዝብገሱ ገበረ፣ ንሱ ድማ ድሒሩ ክስዕቦምዩ። በዚ መሰረት ኣናን ኣርባዕተ ኣዋልዳን ናብ ምብራቕ መገዲ ኤሮጳ ገጸን ተንሳፈፋ፣ ስፓፎርድ ግና ንወገን ምዕራብ ናብ ቺካጎ ተመልሰ። ልኽዕ ድሕሪ ትሽዓተ መዓልታት፣ ስፓፎርድ ካብ ሰበይቱ ካብ ዌልስ መልእኽቲ ተሌግራም ተቐበለ፣ ከምዚ ትንበብ ፣ "በይነይየ ድሒነ"።

ኣብ 2 ሕዳር 1873፣ "ቪለ ዲ ሃቭረ" ምስ ናይ ዓዲ እንግሊዝ መርከብ "ሎክሄርን" ተጋጨወት። ብደቃይቅ እያ ጥሒላ። 226 ትንፋስ ድማ ወሰደት። ኣና ስፓፎርድ ኣብ ባይታ እታ መርከብ ብትብዓት ደው በለት፣ ደቃ  ኣኒ፣ ማጊ፣ ቤሲ፣ ታኔታን ድማ ምዓቅሊ ጽበት ጨቢጠን ሓዘኣ። ኣና እታ ናይ መወዳእታ ትዝክራ ነገር፣ ብርተዐ ናይቲ ማይ ንጓላ ካብ ኢዳ ብሓይሊ ክምንዝዓ ከሎ ጥራይያ። ኣና ሃለዋታ ኣብ ዘጥፈአትሉ ብትሕቲኣ ትንሳፈፍ ዝነበረት ሉሕ ንላዕሊ ሰፍ ስለ ዘበለታ እያ ካብ ናይ ደቃ ዕጫ ክትድሕን ዝኸኣለት። እቶም ካብታ ዝዓነወት መርከብ ብሂወት ዝተረፉ ምስ ደሓኑ፣ ወይዘሮ ስፓፎርድ ከቢድ ተስፋ ቁርጸት እዩ ኣጎልቢብዋ። ከምዚ ዝብል ድምጺ ድማ ሰምዐት " ንዓላማ ኢኺ ተማሒርኪ"። ብቅጽበት ድማ ከምዚ ዝብል ቃላት መሓዝኣ ተዘከራ፣ " ኩሉ ኣብ ዝመልኣልካ ከተመስግንን ሕጉስ ክትከውንን ቀሊልዩ፣ ግናኸ ኣስተውዕል ንስኻ ናይ ጥዑም ኩነታት ዓርኪ እግዚኣብሄር ኣኮንካን''።

እዚ ዘስደምም ወረ ዝሰምዐ ስፓፎርድ፣ ነታ ተመንዚዓ ዝነበረት ሰበይቱ ንምርካብ፣ በታ ንግሆ ካብ ኒውዮርክ ትብገስ መርከብ ገስገሰ። በርዛ ስፓፎርድ (ደሓር ዝተወደት ሓሙሸይቲ ጓሎም)፣ ንኹነታት ጉዕዞ ኣቡኣ ክትገልጾ ከላ ከምዚ ትብል፣ እቲ ካፕተይን ናይታ መርከም ነቦይ ናብቲ ገምገም ጸውዖ እሞ፣ ብጥንቃቀ ድሕሪ ምግማት፣ ከምዚ በሎ፣ "እቲ መርከብ ቪለ ዲ ሃቭረ ዝጠሓለትሉ ባታ እዚ ንሓልፎ ዘሎና እዩ፣ ሰለስተ ማይልስ ዝኸውን ዕምቆት ድማ ኣለዎ"። ድሕሪ እዚ ስፓፎርድ ናብ ወንበሩ ብምምላስ ግጥሚ ናይታ ፍልጥቲ ዝኾነት መዝመሩ ጸሓፈ።

እተን ኣብቲ እዋን ስፓፎርድ ዝጸሓፈን ቃላት ኣብ ካልኣይ መጽሓፍ ነገስት 4፣26 ዘሎዋ እየን። መቃልሕ ድምጺ ናይታ እንኮ ወዳ ዝሞታ ሽናማዊት ሰበይቲ የድምጻ።  ነፍሳ ኣብ ውሽጣ ከም ዝመኸኸት እዃ እንተተገልጸ፣ ንሳ ግና ገና "ደሓንዩ" ትብል ነበረት። ልክዕ ከምቲ ናይታ ሽናማዊት ሰበይቲ፣ ናይ ስፓፎርድ መዝሙር  ነዚ እያ እትገልጽ፣-  ኣብ እግዚኣብሄር ዝውከል ሰብ ከም ዘየንደልህጽዩ።
 
ንዝኾነ ይኹን ካባና ከምዚ ናይ እንዳ ስፓፎርድ እንተዝገጥሞ ከመይ ምኾነ ነይሩ፣ ንምግማቱ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ግናኸ እቲ ንኣኣቶም ዘጽንዐ ኣምላኽ ምሳና ውን ከም ዘሎ ንፈልጥ ኢና።

ዝመጸ እንተመጸ ንነፍስኻ ደሓን ሙዃኑ፣ ኣብ እግዚኣብሄር ትተኣማመን ዶ?