26
Fri, Apr
0 New Articles

ቤትናን ቤተሰብናን ንኣምላኽ (ብኪም ባትስ/ቐዳማይ ክፋል)

Marriage & Relationships
Typography
ብመንፈስ ድኻታታ ብጹኣን አዮም፣

ዝተባረኹ ቤተሰብ፣

ኣብቲ ኣህዳዊ ወይ ፈላሚ ኣገልግሎት ጐይታና የሱስ ክረስቶስ ኣብዛ ምድሪ ነቶም ሰዓብቱ ንጹር ዝኾነ መምሪሒ ህይወት እንታይ ምዃኑ ኣረእይዎምን ሚሂርዎምን እዩ፣ ነዚ ክርስትያናዊ ህይወት አዚ ድማ ሙሉእ ብምልኡ ኣብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ተወኪልካ ብጸጉኡ ኣቢልካ አትረኽቦ ናብራ ህይወት እዩ፣ እዚ ከምዚ ዓይነት ናይ ህይወት ጉዕዞ ድማ ኣብቲ ናይ ከረን ስብከት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብ ወንጌለ ማቲዎስ ካብ ምዕራፍ 5።1-12 ተጠቒሰን ዘለዋ ጥቕስታ ብንጹር ተገሊጹ ንረኽቦ፣

እዚ ብጹእና ወይ ሕጉስ ዝብል ትርጉም ካብቲ ብስሚዒትዊ ውይ ደጋዊ ኩነት ተደጊፍና ወይ ተበጊስና አንረኽቦ ሓጐስ ንላዕሊ አዩ፣ እዚ ሓጐስ እዚ እቲ ብምእማን ጐይታና አየሱስ ክርስቶስ ዝረከብ ኰይኑ ምሉእ ብምሉእ ናይ ልቢ ሰላምን መንፈሳዊ ሓጐስን ኰይኑ ብተወሳኺ ድማ ናይ ምድሓን ህያብ አዩ፣ ዕላማ እታ ክርስትያናዊ ቤተሰብ ኣብዛ ምድሪ። ምሉእ ብምሉእ ነቲ ናይ ጐይትና የሱስ ክርስቶስ ናብራ ከተነንጸባርቖ እዩ፣ ናይዚ ከምዚ ዓይነት ናብራ ውጺት ጥራይ ድማ አዩ ሕጉስ ቤተሰባዊ ህይወት ሒዝና ክንጓዓዝ ዝድግፈና፣

ኣብ ኤፈሲን 4።22-24 ከምዚ ይብል “ነቲ ቐደም እተመላልስኩምሉ ብትምኒት ስሕተተ ዝጠፍእ ኣረጊት ሰብ ቀንጢጥኩም በቲ ናይ ኣእምሮኹም መንፈስ ክትሕደሱ እሞ እቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ልበሱ”፣ እንተ ደኣ ከም ቤተሰብ  ጽንዑ ዝኾነ ክርስትያናዊ ባህሪ ከነርኢ ተደሊዩ እሞ ድማ ኣብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ተወኪልና ካብ ዓለማዊ ትምኒት ርሒቕና ናብራና ክንመርሕ እንተ ደሊና ወትሩ ብጸሎት ገጽ ኣምላኽ ክንደሊ ይግብኣና፣ ንዝመጽእ ኣዋርሕ ድማ ከም ቤተሰብ ኰይና ሓቢርና ብዛዕባ እቲ ጐይታና የሱስ ዝመሃሮ ናይ ከረን ስብከታት ክንርኢ ኢና፣ ቤተስብኩም መዓልታዊ ንጐይታ የሱስ እናመሰለት ክትከይድ መታን  እስከ ወትሩ ንመንፈስ ቅዱስ ኣብ ቤትኩም ስፍራ ሃብዎ፣



ቀዳማይ ብጽእና ማቲዎስ 5።3
 
“ብመንፈስ ድኻታት መንግስተ ሰማይ ናታቶም እያ እሞ ብጹኣን አዮም” ማቴ 5።3፣

እዛ ቀዳመይቲ መስርዕ ተዋሂብዎ ዘሎ ናይ ብጽእና መገዲ ንዓና ተዘኻክረና ነገር አንተደኣ ሃልዩ ኣምላኽ ዓቢ ኣምላኽ ምዃኑ። ንሕና ግና ምንም ዘይብልና። ብዘይብእኡ ድማ ነደንግጽ ሰባት ምዃና ንምንጻር እዩ፣ መንግስቲ ኣምላኽ ወትሩ ኣትክሮኣ ኣብ ምህሮ ጐይትና የሱስ ክርስቶስ አያ፣ እቲ ሰመያዊ ኣቦና ኩሉጊዜ ብትሕቱን ስቡርን መንፈስ ኣቢልና ናብኡ ክንመጽእ እዩ ዝደልየና፣

 

ኣብ መንጐ ኣምላኽን ኣብ መንጐናን ዘሎ ርክብ ኩሉ ጊዜ ኣብ ምሉእ ምውካል ዝተመርኮሰ ክኸውን ይግባኣ፣ እንተ ደኣ ብኹፍት ልብናን ኣእዳውናን ንዕኡ እናጸማእናን እናጠመናን ናብኡ መጺና። ንሱ ድማ እቲ ዘይውዳእ መንፈሳዊ ሪቕ ምልኣቱ ናባና ከፍስሶን ከንጀርብቦን እዩ፣ ብኣንጻሩ እንተ ደኣ ብትዕቢትን ብተኣማንነት ገዛእ ረእስና መሊእና ግና። ንሱ ብምንም ተኣምር ኣይጥቀመልናን አዩ፣ እቲ ኣንዳዕዲዕና ኣዚና ክንፈልጦ ዝግብኣና ነገር እንተሃልዩ ድማ ንሕና ብዘይ ብእኡ ምንም ክንገብር ዘይንኽእል ፉጡራት ምዃና አዩ (ዮው. 15።5-8)፣ ንሕና ብገዛእ ርእስና እንውንኖ መንፈሳዊ ጽድቂ ስለ ዘይብልና ኩሉ ጊዜ ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ወጻኢ ዝህልወና ናብራ ኩሉ መንፈሳዊ ድኽነት ዝዓብለሎ እዩ፣ ከመይሲ ንሕና ብዘይብእኡ ምንም ክንገብር ዘይንኽእል ፉጡራት ኢና፣
ኣብ ኢሰያስ 66።2 ከምዚ ይብል”ኢደይ እያ ነዚ ኩሉ ዝገበረቶ እዚ ኩሉ ኸኣ ኮይኑ ኣሎ። ይብል እግዚኣብሄር ግናኸ ኣብቲ ሽጉርን ዱቑስን መንፈስ ዘለዎ ብቓለይ ዝርዕድን ሰብ ደኣ እየ ዝጥምት ዘለኹ”፣ ንዕኡ ብትሕትና ክንደልዮ ኣብ እንጅምረሉ ጊዜ ንሱ ድማ ህያው ኰይኑ ብኣና ይረኣን ይግለጽን፣ንሕና ብመንፈስ ትሕትና ምምልላስ ክንመሃር ከለና ድሮ ነቲ ኣብ ውሽጥና ኣንቢርዎ ዘሎ ናይ መንግስቱ ሃብቲ ብምልኣት ክገልጾ ይጅምር ማለት እዩ፣

“ፈርሳውያን መንግስቲ ኣምላኽ መኣስ ትመጽእ ኢሎም ምስ ሓተትዎ ንሱ መንግስቲ ኣምላኽ እንሃ ኣብ ውሽጥኹም ኣላ እሞ መንግስቲ ኣምላኽሲ ብምትሕልላው ኣይትመጽእን እያ እንሃ ኣብዚ ወይስ ኣብቲ ዝብላውን የልቦን ኢሉ መለሰሎም” ሉቃስ 17።20-21፣ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ የሱስ እያ ዘላ፣ መንግስቱ ድማ ብዓይኒ ስጋ እትርኣ ስጋዊት ዘይኮነትሲ መንፈሳዊት እያ፣
ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እዛ መንግስቲ እዚኣ እብ ሮሜ ምዕራፍ 14።17 ብዝግባእ ገሊጽዎ ኣሎ፣ ከምዚ ድማ ይብል “ መንግስቲ ኣምላኽሲ ብመንፈስ ቅዱስ ጽድቅን ሰላምን ሓጐስን አያ እምበር ብልዕን መስተን ኣይኮነትን እሞ ነቲ ሰናይኩም ኣይተጽርፍዎ፣ እቲ በዚ ኸምዚ ንክርስቶስ ዘገልግሎ ንኣምላኽ ባህ የብሎ ብሰብውን ፍቱን እዩ”፣ እምበኣር አቲ ሕመረት ክርስትና ህይወት ንየሱስ ምምሳል አዩ፣ ናቱ ባህርያት እናሓዝና ክንጓዓዝ ከለና ድማ ንዕኡ እናመሰልና ንኸይድ ማለት እዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ አቲ ሰማያዊ ኣቦና እቲ ናይ መንግስቱ ሰማያዊ በረኸት ኣብ ልዕሌና የፍስሶ፣ እስከ ነዘን ዝስዕባ መሰርታውያን ነጥብታት ንደቅኹም ብዛዕባ መንገዲ ብጽእና መሃርዎም።
                            
መሰረታውያ ነጥብታት፣

1 ናብራ ናይ እቶም ብመንፈስ ድኻታት ዝዀኑ ስድራቤት

ኣብ ዘመን ህይወትና ኩሉ ጊዜ ክንፈልጦ ዝግባኣና ጉዳይ እንተሃልዩ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኣምላኽ ክንውከልን ክንጽጋዕን ከም ዘሎና ምፍላጥ እዩ፣ ካብ ንገዛእ ርእስና ኣብሊጽና ንየሱስ ክንደሊ እንተ ተድልዩ ትሕትና የድሌና፣ ትሑት ምዃን ኣዚዩ ከቢድ እዩ፣ ከመይሲ ንሕና ብባህርይና ኣብ ገዛእ ርእስና ክንውከል እንደሊ ፍጡራት ኢና፣ እንተ ደኣ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ካብ ደገ ንውሽጥና ምሉእ ብምሉእ ክቆጻጸረና እንተ ፈቒድና ሹዑ ብመንፈስ ድኻታት ምዃና ንፈልጥ እሞ። ኣብኡ ምሉእ ብምሉእ ተጸጊዕና ተኻፈልቲ በረኸቱ ክንከውን ንኽእል ማለት እዩ፣

2 በረኸት ኣምላኽ እታ ሰማያዊት መንግስቲ

እንተ ደኣ ብትሕትና ኣናተመላለስና ኣብ ኣምላኽ ምሉእ ብሙሉእ ተወኪልና፣ ውጺት ናይዚ ድማ ፍጽም ዝኸነ ሓጐስን ምልኣት ዘለዎ ናይ መንግስቱ በረኸት ተኻፈልቲ ኰይና ምስኡ ድማ ዕሙቕ ዝበለ ርክብ ይህልወና፣ ኣባል ነፍሲ ወከፍ ቤተሰብኩም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብትሕትና ክትመላለስ ከላ ውጺት ናይ እዚ ከኣ ንሱ ኣብ ቤትኩም ዘፍስሶ ዓቢ ናይ መንግስቱ በረከት ከምይ ጉርም ምኻኑ እስከ ሕጂ ብልብኹም ሕሰቡ፣ በዚ ሰመያዊ በረኸት ምስ ተመላእኩም ንኻልኦት ዘለኩም ግብረመልሲ ኸ እንታይ ኮን ምመሰለ?

ቤተሰባዊ መጽናዕቲ
ቀዳማይ ደረጃ ትሑት ንምዃን ምምሃር፣

ጥቅሲ “ኣብ ማእከልኹም ለባምን ኣስተውዓልን መን እዩ ንሱ ብሰናይ ኣካይድኡ ብለውሃቱ ጥበብ ገይሩ ግብሩ የርኢ” ያቆ።3።13፣

ተግባራዊ ስጉምቲ
ቅድሚ ሕጂ ብፍጹም ዘይትደልዮ ስራሕ ዓሚምካ ዶ ትፈልጥ? እስከ ኣብ ቤትካ ገለ ነገር ዝግበር ወይ ዝዕየ ነገር እንተሎ ሃሰው በል እሞ ንዕኡ ብምግባርካ ድማ ንኣባላት ቤተሰብካ ከተሐጉሶም ፈተን፣ ንኣብነት ሽቃቕ ምሕጻብ ወይ ድማ ኣብ ገዛኻ ዘሎ ጓሓፍ ምልዓል ወይ ድማ ንስኻ ዘይበላዕካሉ ወይ ዝረሰሓ ኣቕሓ ምሕጻብ ክኸውን ይክእል እዩ፣ ነዞም ነገራት አዚኣቶም ተሓጊስካ ኩሉጊዜ ክትገብሮም እሞ ጀምር ኣብ ዘመን ህይወትካ ሓቀኛ ዝኾነ ናይ ምስትውዓል ጥበበ ክትመሃር ኢኻ፣ እስከ ነዚ ነገር እዚ ማንም ከይፈለጠካ ግበሮ፣ እስከ ንገምት ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራኻ ብምስትውዓል ዝተሰነየ ትሕትና ክትዓዪ እንከላ ቤተስብኩም እንታይ ኮን ምመሰለት?

ጸሎት
ዎ ኣምላኽ ለባማትን ኣስተውዓልትን ኮይና ዕዮናን ዕማምና ብትሕትና መታን ክንዓምም እሞ ከም ቤተሰብ ድማ ዕውታት ክንከውን ደግፈና፣ ኣምላኽ ንኻልእት ክንገብርን እቲ ብስጋ ዘይካኣል ነገር ክንዓምምን ጸጋ ሃበና፣

ካልኣይ ደረጃ ብዛዕባ ትሕትና ብዙሕ ተማሃር

ጥቅሲ <ብሓንቲ ሓሳብ ብምኻንኩም ብሓንቲ ፍቕሪ ብምህላውኩም ብሓንቲ ነፍሲ ኬንኩም ሓደ ብምሕሳብኩም ሓጎሰይ መልኡ>፣ ፊሊ. 2።3

ተግባራዊ ስጉምቲ

እስከ ሕሰቡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝገበርኩምዎ ነገር አሞ ኣብ ብዙሓት ተፈላጥነት ዝረኸብኩምሉ ጉዳይ አንተሃልዩ ብፍላይ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ነፍሲ ወከፍ ኣባል እታ ስድራ ዝፈለጥዎ ነገር ንስኻ ነቲ ዝረከብካዮ ተፈላጥነት ወይ ዝና ኣምላኽን ካልኦትን መታን ክወስዶዎ ክትውፍየሎም ፍቓደኛ ዶ ምኾንካ? ነዚስ ብተግባራዊ ወይ ብጭቡጥ መገዲ ብኸመይ ምስ ዓመምኻዮ?

ጸሎት

ዎ ኣምላኽ ንገብሮ ዘበለ ኩሉ ንዓኻ ንኽብሪ ከነውዕሎ ደግፈና፣ ኣምላኽ የዒንትና ካብ ገዛእ ርእስናን ካብ ድሌትናን ክነልዕል ደግፈና፣ ብእንጻሩ ንጥቅሚ ካልኦትን ዘለዎም ክብርን ብዒንትኻ ክንርእዮም ደግፈና።

ሳልሳይ ደረጃ ንኻልኦት ቀዳምነት ምሃብ፣

ጥቅሲ  “ነፍሲ ወከፍ ንጥቅሚ ብጻዩ ደኣ እምበር ሓደ እካ ጥቕሚ ካልኦት ኣይድለ” 1ቆሮ 10።24፣
        “ሓንቲ እኻ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይትግበሩ ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኻብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርኣዮ ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዝሔሾ ኣይጠምት”፣ ፊሊ 2።3-4

ተግባራዊ ስጉምቲ

 ኣብ መንጎ እቲ ንስኻ ትደልዮን ኣብ መንጎ እቲ ንኻልኦት ብሉጽ ዝኾነ ነገር ኣቲኻ ዶ ምርጫ ጌርካ ትፈልጥ? ካብቲ ንስኻ ትደልዮ ንላዕሊ ንኻሎት ዘድልዮም ነግራት ዶ ክትገብር ፍቓደኛ ኢኻ? እሰከ ሕጂ ቤተሰብካ ዘድልዮም ምርጫታት እንታይ ምኻኑ እሞ ረኣ  ከምቲ ጊዜ ዘልካ ድማ ንነፍሲ ወክፎም ከተማላኣሎም ፈትን፣ ናይ ነፍሲ ወከፍ ድሌታትን ምርጫታትን ድማ ከይነኣኣስካን ከየጉረምረምካን ግበሮ ነዚኦም ናይ ቤተስብካ ምርጫታትን ድሌታትንከ ብዘይምጉርምራምን ብዓቢ ሓጎስን ዶ ኾን ምዓመምካዮም?
                                  ጸሎት
ኩብር ኣቦ ከምቲ የሱስ ንኻሎት ዘገልገል ንሕና እውን ንኻልኦት ከነገልግል ንደሊ ኢና፣ ካብቲ ንሕና እንደልዮ ንላዕሊ ከም ጎይታ ክንከውንን ካባና ኣብሊጽና ድማ ንኻልኦት ከነገልግልን ንደሊ ኢና፣ ኣምላኸይ ሓግዘና ሱሱዓት ከይንኸውንን ካብ ገዛእ ረስና ኣብሊጺና ድማ ጥቅሚ ኻሎት ከነቐድም ርድኣና፣
ራብዓይ ደረጃ ኣምላኽ ብምልኣት ክቆጻጸርካ ፍቐደሉ፣

ጥቅሲ “ደጊም ብጊዚኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ከብለኩም ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ፣ ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ ንኹሉ ሐልየትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ”፣ 1ጲጥ. 5።6-7

ተግባራዊ ስጉምቲ

ብዙሕ ግዜ ዘጨንቐና ነገራት ንሕዝ ኢና፣. ዘሎና ጭንቀትን ጾርን ድማ ኣብ ክንዲ ናብ ጎይታ ንድርብዮ ካብ ዕሽነትና ዝተላዕለ ዓትዒትና ንሕዞ፣ ሎሚ ኣብ ልብኻ ኣዚዩ ዝኸብደካ ነገር እሞ ድማ ንጎይታ ክትህቦ ዝግባኣካ ጉዳይ እንታይ ኣሎ? ትፈልጥ ዶ ዘለካ ጾርን ጭንቀትን ስቓይን ኣብ እግሪ እግዚኣብሄር ኣቦ ምድርባይ መንገዲ ትሕትና ምኻኑ? እዚ ድማ መርኣያ ኣብ ኣምላኽ ዘለካ ትኣማንነትን ትሕትናን እዩ፣ ነፍስ ወከፍ ኣባል እታ ስድራ ዘለዋ ጸር ወይ ቃንዛ እንታይ ምዃኑ ንሓድሕድኩም ተኻፈሉ ብድሕሪኡ ድማ ኣምላኽ ናይ ነፍሲ ወከፍ ጾር  ክወስድ ጸልዩ፣ ኣብዚ ሰሙን እዚ ድማ ብዘዕባ አቲ ጾር እናተዘራረብኩም ብናይ ጴጥሮስ ጥቕሲ ተደጋገፉን ተጸናንዑን፣ “ንሱ ይሓልየልኩም አዩ እሞ ኩሉ ሓለየትኩም ናቡኡ ኣውድቕዎ”

ጸሎት
ኩቡር ኣምላኽ ብዙሕ ጊዜ ንጭነቕን ዘሎና ጸር ድማ ንዓኻ ምሃብ ንርስዕ ኢና፣ ኣምላኽ ንዘሎና ጾር ክንፈልጦምን ብቕልጥፍ ድማ ናባኻ ክንውፍዮም ደግፈና፣

ሓምሻይ ደረጃ ኣዚኻ ንኡስ ክትከውን ምምሃር

ጥቕሲ “ንሱ ኽዓቢ ኣነ ግና ክንእስ ይግባኣኒ ኣዩ” ዮው።3።30

ተግባራዊ ስጉምቲ

ነፍስ ወከፍ ኣባል ስድራ ብዛዕባ ዕቤት ኣምላኽ ይመስክሩ ወይ ይጽሓፉ፣እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ እትፈልጥዎ ኣደነቕቲ ነገራት ኩሉ ጸሓፍዎ፣ነፍሲ ወከፍ ኣባል አታ ስድራ ብዛዕባ ዝፈልጥዎ ዕቤት ኣምላኽ ምስ ተዛተዩ፣ ብዛዕባ አቲ ዝፈልጥዎ ዕቤት ኣምላኽ ድማ ምስ ካልእ ቤተሰብ ኮይኖም ይካፈልዋ፣ ኣብዚ ሰሙን እዚ ብዛዕባ ዕቤት ኣምላኽ ምስ ካሎኦትን ቤተሰብካን ክትካፈል ፍቃደኛ ዶ ኾን ምኾንካ?

ጸሎት
ኣቦ ንሕና ከም የውሃንስ መጥመቕ ክንከውን ንደሊ ኣሎና፣ ንሱ ኣዚ ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ ኣዚዩ ንኡስ ምካኑ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ዘበርክቶ ዕዮ ድማ ንእሱ ምኻኑ ተረዲኡ፣በጃካ ሓግዘና ንሕና ኣዚና ናኣሽቱ ምኻና ንስኻ ግና እምብዛ ዓቢ ምኻንካ ክንፈልጥ፣


ሻድሻይ ደረጃ ብዛዕባ መግስተ ሰማይ ተማሃር፣

ጥቕሲ “ መንግስቲ ኣምላኽ ብሓይሊ እምበር ብዘረባ ኣይኮነትን” 1ቆሮ 4።20፣
      “ ህድእ በል እሞ ኣነ ኣምላኽ ምኻነይ ኣስተብህሉ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ልዕል ክብል ኣብ ምድሪ ልዕል ክብል እየ” መዝ 46።10፣

ተግባራዊ ስጉምቲ
ብዙሕ ዶ ትዛረብ? እስከ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ህድእ ኢልካ ምሱኡ ጊዜ እናሕለፍካ ከመይ ዓቢ ምኻኑ ተረዳእ፣ ተገባራትካ እስከ ባዕሉ ክዛረብ ፍቀደሉ፣ ብኸመይ መገዲ ኮን ይኸውን ካብ ብቓላትካ ንላዕሊ ብተገባርካ ንቤተስብካ ከም ተፍቅሮም ትገልጸሎም ትኸውን?
                                 ጸሎት
ኣቦና ንሕና ብዙሕ ጊዜ ኢና ጫውጫው እንብል፣ ኣምላኽ በጃኻ ሓግዘና ህድእ ኢልና ነቲ ጡዕም ድምጽኻ ክንሰምዕ፣ ኣምላኽ በጃኻ ነቲ ሓያል ፍቕርኻ ብቓላት ጥራይ ዘይኮነስ ብግብሪ ከንረእዮ ደግፈና፣

ሻውዓይ ደረጃ ንኻልኦት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣካፍል።
ጥቕሲ “ንሱ ግና ስለዚ እየ እተለኣኽኹ እሞ ንኻልኦት ዓድታት ድማ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብከለን ይግባኣኒ እዩ በሎም” ሉቓስ 4።43፣

ተግባራዊ ስጉምቲ
በረኸት መንግስቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ነቲ ንጎይታ የሱስ ከም መድሓኒ ዝተቀበሎ ፍጡር ወዲ ኣዳም  እዩ፣ ኣብ ሻድሻይ ደረጃ ንነፍሲ ወከፍ ሰበ ብዘይቃላት ብግብርናና ስራሕናን ንፍቕሪ ኣምላኽ ከንርእዮ ከም ዝግባኣና ተዓዚብና ኔርና፣ ብተወሳኪ ካልእ ድማ እቲ ኣምላኽ ዝገበረልና ግብሪ ብቓላት ኣፍና ከነዘንቱ ይግባኣና፣ እቲ ጥዑም ብስራት ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ካልኦት ክንካፈሎ ዝከኣለና ጻዕሪ ክንገብር ኣሎና፣ ሎሚ ከም ቤተሰብ ምስ መን ኮን ትኸውን ብዛዕባ ምድሓን የሱስ ዝተዛረብካ? እስከ የሱስ ኣብ ህይወትካ ዝገብሮ ዓቢ ግብሪ እንታይ ምኻኑ ሕሰብ እሞ ንኻሎኦት ድማ የሱስ ህያው ምኻኑ መስክር፣ እስከ እቲ የሱስ ኣብ ህይወትካ ዝገበሮ ኣደናቒ ስራሕ እብ ህይወትካ ዘምጾ ለውጢ ዓቢ ምኻኑ ሰባት ይመስክሩ፣
ጸሎት
 ጎይታ እስከ እቲ ጥዑም ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ንበይንና ሕዝናዮ ስቕ ከይንብል ርድኣናን ደግፈናን፣ ኣምላከይ ብዛዕባ የሱስ ክንዛረብን እቲ ንሱ ኣብ ህይወትና ዝገበሮ ግብሪ ዓቢ ምኻኑ ክነግርን ከነበስርንሲ እሞ ድማ ሰባት ተኻፈልቲ በረኸት ናይ መንግስተሰማይ ክኾንሲ ትብዓትን ሓይልን ሃበና፣

“እቶም ብመንፈስ ድኻታት መንግስቲ ኣምላኽ ናታቶም እያ እሞ ብጹኣን እዮም” ናይ ኣምላኽ መንግስቲ ካብዛ ኣብዛ ምድሪ እንግሞቶ ንላዕሊ በረኸትን ሃብትን ዘለዋ መንግስቲ እያ፣ ከም ቤተሰብ ድማ ከመይ ኣብ ቅድሚ የሱስ ትሑታትን ንኻልኦት ከተገልግሉ ፍቓደኛታት ክትኮኑን ይግባኣኩም፣ ንየሱስ ድማ ኣብ ቤትኩም ኣንጸባርቕዎ፣ ሹዑ በረኸት ኣምላኽ ከመይ ዓቢ ምኻኑ ክትእዩ ኢኹም፣