20
Sat, Apr
0 New Articles

ዉቁብ ሓዳር ንምምስራት

Marriage & Relationships
Typography
ኣምላኽ ኣብ ደቂ ሰባት ዘለዎ ኣርኣእያ ብፉጹም ተለዊጡ ኣይፈልጥን እዩ፣ ሓስቡ ኩሉ ኣብ ልዕሊ ሰብ ሰናይ መደቡ ግሩም ዕላምኡ ኸኣ ፍቕሪ እዩ፣ ስበ ብስቓይን ብውርደትን ብሕስራንን ሕሰምን ክነብር ከኣ ፍታው ኣምላኽ ኣይኮነን ነዚ ኸኣ እዩ ነቲ ናይ መጀመርያ ፍጥረት ወዲ ሰብ ክብጀዎ መታን ወዱ የሱስ ክርስቶስ ናብዛ ምድሪ ዝለኣኾ፣ ሕጂ ብዛዕባ ምብጃው ኣይኮንኩን ክዛረብ ደልየ እንታይ ደኣ ኣምላኽ ንሰብ ፉጡር ወዲ ኣዳም ኣብ ሓዳሩ ሕጉስ ኮይኑ ክሓልፍን ክነብርን ፍታዉ ምኻኑ ንምግላጽ እየ፣

ኣምላኽ ኣብ ሓዳር ዘለዎ ኣርኣእያ ኩሉ ቡሉጽ ኮይኑ ኣዚዩ ኸኣ እዩ ብኽብርን ብጥንቓቐን ዝርእዮ፣ መጽሓፍ ቅዱስና ኣብ ዘፍጥረት ብመርዓ ጀሚሩ ኣብ ራእይ ብመርዓ መድሓኒና ጎይታና የሱሱ ክርስቶስ ምስ ማሕበሩ እዩ ዝድምደም፣ ኮታ ኣብ ልቢ ኣምላኽ ዘለዎ ቦታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተዋህቦ ክብሪ ካብ ናይ ማንም ነገር ዝዓዘዘን ዝኸበረን እዩ፣

ሰብ ኩሉ ግዜ ኣብ ሓደ ዉሱን ዓንኬል ኣይኮነን ዝነብር ካብቲ ዘለዎ ምስ ግዜ ክዓቢ ወይ ክቕንስ ናይ ግድን እዩ፣ ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ኣብ ሓዳሩ ሕጉስ ክኸውን ኢሉ ናብ ሓጎስ ዝኸድሉ መንገድታት ከኣ ምስ ግዜን ሰዓትን ኣጣሚሩ ሰሪዕሉ ኣሎ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዓለምና ካብ ማንም ጉዳይ ንላዕሊ ኣብ ፈተናን ሓደጋን ወዲቑ ዘሎ ሓዳር እዩ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ቁጽሪ ዝፋትሑን በታተኑን ዘለዉ ስድራን ተጻመድቲ ንኽትዛረብሉ ዘሕፍርን ዘሕንን ኮይኑ እምብዛ ዓቢዩ ኣሎ፣

ሎሚ ብኣሽሓት ወጻኢታትን ዳንኬራን ዝተመርዓዉ ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ቤት ፍርዲ ናይ ፍትሕ ፋይል ይኸፍቱ ምህላዎም እዩ፣ ሓደ ግዜ ሓንቲ ኣብ ጋዜጣ ዝወጸት ዝተዓዘብክዋ ካርቱን ኣላ ንሳኻኣ፣ እታ ኣደ ነቲ ኣቦ እታ ንመርዓ ትዳሎ ዘላ ዝበለቶ እያ፣ ኣንቱም እዛ ጓልናስ እንቋዕ እባ ከይተማህረት ኣይተመርዓወት በለቶም፣ ወየ ሰብኣይ ስለምንታይ ኢሎም ሓተትዎን፣ እዋእ ዓሻ እባ ኢኹም ኩፉእ ኣሎ ጹቡቕ ጥራዕን እባ ጺሒፋ ናብ ቤት ፍርዲ ከተቕርብ በልኦም፣ ዘሕዝን ከይተመርዓኻ ኣቕዲምካ ንምብትታን ምድላው፣

ሓዳር ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘለዎ ቦታ ዓቢ ክነሱ ሰባት ኣእምርኦም ብሰይጣን ስለ ዝጸልመተ ጥራይ ከም ገዛ ገዛ ክጻወትሉ ክትሪኢ ከለኻ ከመይ ዘሕዝን እዩ፣ ሎሚ ኣብ ዓለም ንርእዮ ዘሎና ቅልውላውን ርኽሰትን ካልእን ውጺት ናይታ ቦታ ዘይሓለወትን ዝተበታተነት ስድራን እዩ፣

ሎሚ ብዛዕባ ሓዳር ክንዛረብ እንከሎና ኣብ ውሽጢ እቲ ዘይኣምን ሕብረተሰብ ዘሎ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ውሽጢ ቤት ኣምላኽ ዘሎ ብድሆታት እውን ከይተረፈ እዩ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ንቤት ኣምላክ ዓቢ ብድሆ ኮይንዋ ዘሎ ጉዳይ ሓደ እዚ ኣብ መንጎ ተጻመድቲ ዝፍጠር ግርጭትን ዘይምስምማዓን እዩ፣ ሰይጣን ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ኣብ ሓደጋ ከውድቖ ዝጋደለሉ ዘሎ ዓቢ ውዲት ነቲ ኣብ ሓዳር ዘሎ መቐረት ኣጥፍኡ ሰባት ብዛዕባ ሓዳር ዘለዎም ኣርኣእያ ምዝንባዕ እዩ፣

ሓዳር ወይ መርዓ ሰብ ፈትዩ ወይ ተመንዩ ዘምጾ ኣይኮነን፣ መርዓ ሰብ ጸልዩ ወይ ተማህሊሉ ዝረኸቦ እውን ኣይኮነን፣ ኣምላኽ እቲ ሰናይ ናይ ሰብ ዝደሊ ሓጎስ ደቂ ሰባት ከኣ ዝብህግ ብፍታውን ብድሌትን ኣብ ምድሪ ዝገበሮ ዓቦ መንፈሳዊ ትካል እዩ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ኸኣ ሰብ ንሓዳር ብሸለልታን ብፎኪስ ኣተሓሕዛን ዝርእዮን ዝሕዞን ዘሎ እዚ ኣምላኻዊ ኣተሓሳስባ ስለ ዘይብሉ ጥራይ እዩ፣

ሓዳር ኣምላኽ ዝገበሮ በረኸት ዘንበረሉ ኣብ ማእከል እውን ባህታ ዝደኮነሉ ትካል ይኹን እምበር ብዘይ ብድሆ ወይ ከኣ ቃልሲ ግና ኣይኮነን፣ ሓዳር ክትዛረበሉን ክትነብረሉን በበይኑ እዩ፣ ኣብ ውሽጢ ሓዳር እትጋፈጦም ብዙሕ ዝዓይነቶም ጸገማትን ብድሆታትን ኣለዉ ነዚኦም ንምግጣም ዘኽእል ጸጋ ንምቕባል ወትሩ ኣብ ዝፋን ኣምላኽ ምቕራብ የድሊ፣ መርዓ ኩሉ ግዜ ከምታ ኣብ መዓልቲ መርዓኻ ተሕልፎ ፈንጠዝያን ሆይሆይታን ኣይኮነን ብኣንጻሩ ሓዳር ናብራ እዩ፣ ኣብ ናብራ ኸኣ ብዙሕ ውረድ ደይብ ኣሎ፣

ኣብ ውሽጢ ናብራ ከምዚ ዓይነት ነገር ስለ ዘጋጠመካ ጥርያ ምንባር ኣይተቃርጾን ኢኻ ሓዳር ከኣ ብድሆታት ስለ ዘለዎ ካብ ምእታውን ምቕጻሉን ኣይትዕገትን ኢኻ፣ ሓዳር ከምቲ ንሕና ዕቤት እንረእዮ ምስ ግዜ ዝዓቢ እዩ፣ ሰብ ጸገም ኣለዎ ዝብሃል መዓስ እዩ እንድሕር ኢልና ኣብ ዘመኑ ዕቤት ምርኣይ ምስ ዘቃርጽ ጥራይ እዩ፣ ሓዳርን ግዜን ፈጺሞም ኣይፈላለዩን እዮም፣ ኢድ ንኢድ ተተሓሕዚሞ እዮም ዝኸዱ፣

ኣብ ሓዳር ዘጋጥሙ ብድሆታትን ግርጭታትን ብዝግባኣ እንተ ተታሒዞም ካብ ኣሉታዊ ጽልውኦም ኣወንታዊ ጥቕሞም ክዛይድ ከም ዝኽእል ከነስተውዕል ይግባኣና፣ እቲ ጸገም ኣብ ኣተሓሕዝኦም ብእነርእዮ ኣረኣእያን እንህቦ ግብረመልስን እዩ፣ ኩሉ ግዜ ኣብዚ ኸምዚ እዋን ሰፊሕ ዝኾነ መንኮብን ልቦናን ክህልወና ኣገዳስን ኣድላይን እዩ፣

ሓዳር ኣብ ውሽጢ ግዜ ክምዕብልን ክፈርስን ይኽእል እዩ፣ ሕጂ እስከ ሓዳርና ንፈትሽ ከመይ ኣሎ? በየናይ መዳይ እዩ ክዓቢ ዘለዎ? ወዘተ እንበልና ንገዛእ ርእስናን ሓዳርናን ንመርምር፣ ከምዝቲ ዝበልናዮ ሓዳር ልክዕ ከምቲ ተወሊዱ ዝዓቢ ህጻን ከምኡ እዩ፣ ናይ ቡዙሓት ምድንጋር ከኣ ኣብዚ እዩ፣ ሓንሳብ ኣብ ውሽጢ ሓዳር ምስ ኣተዉ ኩሉ ነገር ዘኽተመ ይመስሎም ኣብ ውድኡ ዓለም ከኣ ዝኣተዉ ጌሮም ይቖጽርዎ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ኸኣ ነውጽን ጎንጽን ምስ ዝፍጠር ካብ ንቡር ወጻኢ የሰንብዶምን የሸብሮም፣ እዚ ዓይነት ሓሳባትና ኣርኣእያን ከኣ ናብ ዘይተደልየ ሓደገኛ ዝኾነ መንገዲ ክወስዶም ይኽእል እዩ፣

እምበኣር ገለ ገለ ንሓዳርና ጠሚሩ ክሕዝ ዝኽእል ነጥብታት ክንሪኢ ኢና፣ እዞም መምሪሒታት እዚኣቶም ከኣ ናብ ጎደና ዓወት መሪሖም ሰላም ዘለዎ ቅሳነት ዝሰፈኖ ሃዋህው ሓዳር ክንምስርት ክገብሩና እዮም፣ ክሳብ ብህይወት ዘሎና ሓዳርና ካብ ዕቤት ከም ዘየቓርጽ ግና ኣዚና ክንፈልጥን ከነስተውዕልን ይግብኣና፣ እምበኣር ናብቶም ቐንዲ ወትሩ ክንላማመዶም ዘሎና ነጥብታት ክንከይድ፣

1 ኣብ ግዚኡ ምሕረት ምግባር ወይ ይቕረ ምብህሃል


መቸም ኩሉ ግዜ ብሓንሳብ ክሳብ ዘሎኻ ግዜ ኣብ መንጎ ክልቴኻ ማለት ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዘይምስምማዕ ክፍጠር ናይ ግድን እዩ፣ እዚ ኸኣ ንቡርን ባህርያውይን እዩ፣ ሰብ ክሳብ ዝኾንካ ግዜ ናትካ ድሌትን ስሚዒትን ክህልወካ ናይ ግድን እዩ፣ ምግርጫውን ዘይምስምማዕን ዝመጽእ ኸኣ ካብዚ ድሌትካ ዘይምምላእ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ሕጂ እቲ ሕቶ ስለምንታይ ተገራጪኻ ወይ ተባኢስካ ኣይኮነን እንታይ ደእ እቲ ግርጭትን ባእስን ክሳብ ኣበይ እዩ ዝኸይድ ዝብል እዩ፣ እቲ ጉዳይ ወይ ኣተክሮና ኣብቲ ግርጭት ዘይኮነ ክኸውን ዘለዎ ኣብ ኣጠማምታን ኣረኣያን ብዛዕባ ኣብ ግርጭት ወይ ምፍሕፋሕን እዩ፣

ስለምንታይ ባእሲ መጽዩ ኢልካ ጠንቁ ምፍላጥ እኳ ኣገዳሲ እኝተ ኾነ ዝበለጸ ግና ብኸመይ ይፍታሕ ኢልካ ምሕሳብ ጥበብ እዩ፣ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ምግርጫውን ኩራን ክዛረበና ከሎ ከምዚ ይብለና “ኮርዩ ኣብ ኩራኹም ግና ጸሓይ ኣዮረብኩም” ዳዊት ዘማራይ እውን “…..’ ስለዚ ካብዚ ከም እንርድኦ ምኹራይን ምሕራቕን ንቡር እካ እንተ ኾነ ኣብ ጸኒዕካ ደው ምባል ግና ኣብ ውሽጢ ሓዳር ጠንቂ ክኸውን ከምዝኽእል ምርዳእ ይከኣል፣

ኣብ ግዚኡ ዘይፍታሕ ጸገም ኩሉ ግዜ ከምቲ ኣብ ግዚኡ ሳእኒ ሕኽምና ሳእኒ ምኻድ ኣብ ስጋካ እተምጾ መዘዝ ልክዕ ከምኡ እዩ፣ ስለዚ ሰባይን ሰበይትን ከኣ ኩሉ ሳዕ ኣብ ግዚኡ ንዘጋጠሞም ዘይምስምማዕ ብይቕሬታን ምሕረትን ልዝብን ክፈትሕዎ ይግባእ እዚ ኸኣ እዩ ኣብ ልዕሊ ሓዳሮም መቐረት ክውስኽ ዝገብር፣ ኣብ ውሽጥኻ ኣንጻር መጻምድትኻ እትሕዞ ንነዊሕ ዝኸደ ቂምታ እንተ ደኣ ኣሎ ኾይኑ ሳዕቤኑ ኣዚዩ ሓደገኛ እዩ፣ ስለዚ ኩሉ ግዜ ሰብኣይ ንሰበይቱ ሰብይቲ ኸኣ ንሰባያ ምሕረት ንምግባርን ናይ ዘሓለፈ ንምርሳዕን ድልዋት ክኾኑ ይግባእ፣

ኩሉ ግዜ ሓደ ወገን ነቲ ካልእ ወገን ምሕረት ምስ ዝሓትት ግብረ መልሲ እቲ ኻልእ ወገን ኣወንታዊ ክኸውን ይግባእ፣ ኣብዚ ኸኣ እዩ ዘሎ እቲ መቐረትን ፈውስን፣ እቲ ኣብ ሓዳር ዝከፈኣ ሕማም ከኣ ኣብ ውሽጥኻ ገለ ኣሉታዊ ነገር ሒዝካ ንዓመታት ምኻድ እዩ፣ እዚ ከኣ ብሓንሳብ እናንነበርካ ክነስኻ ግናኸ ብልብኻ ተፋቲሕካ ትነብር እዚ ግና ንነውሒ ክቕጽል ዘለዎ ተኽእሎ ሒደት እዩ፣

ብምሕረትን ይቕሬታን ዘይዕረይን ዘይሰተኻኸልን ነገር ምንም የለን፣ ክሳብ ጸሓይ ትዓርብ ኣብ ባእስን ግርጭትን ምንባር ግና መንፈሳዊ ስነ ኣኣእምራውን ስጋውን ጸገም ኣለዎ ካብኡ ሓሊፉ እውን ኣብ ዉሉድካ ዘምጾ መዘዝ ብቕሊሉ ዝግመት ኣይኮነን፣ እቲ ኣዚዩ ሓደገኛ ነግር ከኣ ዝኾነ ነገር ግዜ እንተ በሊዑ ብኡ መጠን እቲ ምረት ይዓቢ እሞ እቲ ልቢ ንምሕረት ድልዊ ኣይከውንን እዩ፣ ኩሉ ነገር ብኣግኡ እንተ ተኣልየ ግና ሰናይ ይኸውን እቲ ጌጋ ከይድገም እውን ይሕግዘካ፣ ስለዚ ሰብኣይን ሰበይትን ንምሕረትን ይቕሬትና ድልዊ ዝኮነ ልቢ ክህልዎም ኣለዎ፣

ብፍላይ ደቂ ተባዓትዮ ኣብ ምሕረትን ይቕሬትና ኣነነቶምን ስብእነቶምን ክድርብዩ ፍቓደኛታት ክንከውን ኣሎና፣ ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ሞዴል ወይ ኣርኣያ የሱሱ እዩ እሞ ንሱ እውን ብምሕረትን ይቕሬታን እዩ ዝፍለጥ ስለ ጉሉ ግዜ ኣብ ዘይምስምማዕናን ግርጭትናን ነዚ ኣምላኽን መድሓንን ክንዝክር ይግብኣና፣ ስለዚ ኣብ ነንሕድሕድና ዝረኣዩ ግርጭታትን ባእስን ብኣግኡን ግዚኡን መዕለቢ ንግበረሎም፣ እቲ ጉዳይ ክቕጽል ስቕ ኢልና ኣይንርኣዮ፣

2 ኣብ ግዚኡ ጸገምካ ምፍታሕ


ኣብ ጉዕዞ ኩሉ ጊዜ ጸገምን ሽግርን ክፍጠር ናይ ግድን እዩ፣ ስለምንታይ ተፈጢሩ ኢልካ ምጭናቕ ግና ፋይዳ የብሉን ኣምሳይኡ ብኸመይ ይፈትሖ ኢላካ ምሕሳብ እዩ ብልሕነትን እዩ፣ እቲ ዝበለጸ ጥበብ ግና ንጸገምካ ግዜ ከይበልዐ ከሎ ኣኣብ ሰዓቱን ግዜኡን ምፍታሕ እዩ፣ ኣብ ሓዳር ከኣ ዝተፈላለየ ዓይነት ማለት መንፈሳዊ ኢኮኖሚያዊ ቤተሰባውን ካልእን ጸገም ከ ጋጥም ንቡርን ባህርያውን እዩ፣ ነዚ ነገር እዚ ኸኣ ብዝግባእ ሒዝካ መዕለቢ ክትረኽበሉ በቲ ኣምላኽ ዝሃበካ ጸጋ ክትጋደል ይግባእ፣ ሕማም ብኣግኡ እንተ  ዘይተፈዊሱ ሳዕቤኑ ሓደገኛ እዩ ዝኸውን፣ ጽባሕ ዝበሃል ነገር የለን ከመይሲ ጽባሕ ውጺት እዛ ሎሚ መዓልቲ ስለ ዝኾነት፣ ነዚ ኸኣ እዩ ከም ሰብ ሓዳር ምስትውዓልን ጥበብን ዘድሊ፣

ብዙሕ ግዜ ጸገምን ብድሆን ምስ በርትዓና ካብኡ ንምህዳም እንጥቀመሉ ሜላ ኣሎ እዩ እሱ ኸኣ ነቲ ዘጋጠመ ነገር ክንዲ ምግፋጥ ደሓን ጽባሕ የርክበሉ እየ ኢልካ ምህዳምን ከምዘየለ ቆጺርካ ምኽሓድን ምርሳዓን እዩ ግና ኣብዚ ኣዚና ክንፈልጦን ከነስተውዕሎን ዘሎና ኡዳይ ዘይተፈትሓ ጸገም ክሳብ መልሲ ዘይረኸበ ግዜ ኩሉ ግዜ እሾኽ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ፣ ስለዚ ከም ኣመንቲ ነቲ ኣብ መንጎ ሓዳርና ዝፍጠር ጸገም ኣብ ግዚኡ ብኸመይ ኢና ንፈትሖ፣  ኣቐዲምና ግና ብትሑትን ስብሩን ልቢ ምንጪ እቲ ጸገም እንታይ ምዃኑ ክንፈልጥ ኣሎና፣

ሓደ ሕማም ክፍወስ እንተ ኾይኑ ቅድሚ እቲ መድሃንት ምውሳድካ ኣቐዲምካ ሳዕቤኑ ክፍለጥ ኣሎዎ፣ ኣብ ውሽጢ ሓዳርና ዝፍጠር ጸገምን ሽግርን ከኣ ልክዕ ከምኡ ቅድሚ ብከመይ ትብዳህ ምሕሳብ ኣቐዲምካ ስለምንታይ ኣጋጢሙ ኢልካ ምሕታት እዩ እቲ ዝበለጸ እንተ ዘይኮነ ነቲ ቐሊል ከም ከቢድ ነቲ ኸቢድ ከኣ ከም ቀሊል ወሲድካ ክትህውትት ይከኣል እዩ ማለት እዩ፣ እቲ መጀምርያ ኣብ ውሽጢ ሓዳር ዝገጥም ኩሉ መጀምርያ ክንጋፈጦ ዝግብኦም እቶም ሰብ ሓዳር እምበር ካልኦት ኣኣዮከኑን፣ እቲ ዝበዝሕ ዝረኣ ጸገም እዚ እዩ፣ እሱ ኸኣ ካብኻ ወጻኢ ብዛዕባ ጸገምካ ካልኦት ክብድሁልካ ምጽባይ እዚ ግና ነቲ ዝተፈጥረ ጸገም ከጋድድ እንተ ዘይኮይኑ ዝኮነ  ፍታሕ ኣይነምጽን ኢና፣ስለዚ እንተ ተኻኢሉ ክልቲእቶም ሰብ ሓዳር እንተ ዘይኮነ ኸኣ ሓዲኦም ምንጪ እቲ ጸገም ክፈልጡ ምግዳል ኣድላዪ እዩ፣ ንጸገምካ ምፍላጥ ከኣ ፍርቂ ዓወት ምዃኑ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ፣ ነት ኢዝመጽእ ፍታሕ ኸኣ መሰረት እዩ፣ እምበኣር ነቲ ጸገም በዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ንርኣ፣

ሀ ጸገምና ልዕሊ ኣምላኽ ከምዘይኮነ ንረዳእ፣


ሃውርያ ጳውሎስ ኣብ መልእኽቲ ፊሊጲ ክዛረብ ከሎ ከምዚ ይብል “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንኹሉ እኽእሎ እየ” ይብል፣ ኣምላኽ ነቲ ኣብ መንጎ ሓዳር ዝፍጠር ጸገም እንፈትሓሉ መውጽን ሓይልን ኣዳልዩን ኣሎ፣ እቲ ዘድሊ  እምነት እዩ፣  ኣምላኽ ኣብ ሓዳርና ሕንፍሽፍሽን ባእስን ንነዊሕ ዝቐጸለ ምረት ክህሉ ፍቓዱ ኣይኮነን፣ እዚ ድማ ንልቢ ኣምላኽ ዘግሂ እዩ ነዚ ኸኣ እዩ ወትሩ ብእምነት ናብኡ ቀሪብና በቲ ኣብ ግዚኡ ዝህበና ጸጋ ነት ዘጋጥመ ፍታሒ መዕለቢ ክንገብረሉ ግና ሓላፍነትና እዩ፣

ዳዊት ኣብ መዝሙሩ ከምዚ ኢሉ ዘሚሩ ኣሎ “እግዚኣብሄር ብርሃነይን ምድሓነይን እዩ ካብ መን ደኣ እየ ዝፈርህ እግዚኣብሄር ሓይሊ ህይወተይ እዩ ካብ መንከ እዩ ዝስንብድ … ኪቃወመኒ ኢሉ እካ ሰራዊት እንተ ዝሰፍር ልበይ ኣይፈርህን እዩ፣ ኩናትውን እንተ ዚለዐለኒ እምነቲ ኣሎኒ” መዝ 27።1-3፣ ብርግጽ ንሓዳርና ዘናውጽን ዘረብሽን ክበታትን ከኣ ጋደል ኩነትን ማእለያ ዘይብሎ ክኸውን ይኽእል እዩ ፣ ነዚ ኹሉ ሰራዊት ክንገጥም ግና ኣብ ኣምላኽ ምጽጋዕን ምውካልን ከድልየና እዩ፣ ብኡ ገጢማና ጥራይ ከኣ ኢና ክንብድሆ እንኽእል፣ ስለዚ በቲ ሓይሊ ዝህበና ንኹሉ ክንክእሎን ክንስዕሮን ኣብቲ ኩሉ ኸኣኣሊን ገባርን ፈታሒ ጸገምን ጸዋሪ ጾርን ዝኾነ ኣምላክ እምነትና ነንብር፣