16
Tue, Apr
0 New Articles

ዕዉት ታሪኽ ቻርለስ ግራንዲሰን ፊኒ

Ministry
Typography

1. ሕጊ እናጽነዐን ኣብ ኣዳምስ ቤትክርስትያን እናተሳተፈንዩ ፊኒ ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክግደስ ዝጀመረ። ኣብ ናይ ሕጊ መጽሓፍቱ፣ ብዙሓት መወከሲታት ካብ ቅዱሳን ጽሑፋት ምስ ረኸበዩ ናይ ገዛእ ርእሱ መጽሓፍ ቅዱስ ክገዝእ ዝወሰነ። ንኣኣ ኣናጽነዓ ኸኣ ብዕምቆት እናተመሰጠ ከደ።

2. ፊኒ ኣዝዩ ህቡብ ናይ ክርስትና ወንጌላዊ ኣብ ርእሲ ሙዃኑ፣ ኣብ ናይ ምውጋድ ጊላነት ምንቅስቓሳት ውን ተሳቲፉዩ። ብቀጻሊ ድማ ኣብ ስብከቱ ንጊላነት ምስ ኮነነ እዩ። ካብ 1821 ጀሚሩ ኣብ ቤት ክርስትያኑ ምስ ወነንቲ ባራዩ ሕብረት ከይግበር ከልከለ። 

3.    ቻርለስ ፊኒ ኣብ 1832 ንቤት ጸሎት ፍሪ ፕረስፒተርያን ካዛም ስትሪት ቻፐል (Free Presbyterian Chatham Street Chapel) ንኽጓሲ ናብ ኒውዮርክ ግዒዙ። ድሒሩ ንብሮድወይ ታበርናክል (Broadway Tabernacle) መስረተን ጓሰየን። እዚኣ ሎሚ ብብሮድወይ ዩናይትድ ቸርች ኦፍ ክራይስት (Broadway United Church of Christ) ትፍለጥ ኣላ። 

4.    ብ1835 ስሙይ ፕሮፈሰር ስነ መሎኮት ንሙዃን ናብ ኦሃዮ ገዓዘ። ጸኒሑ ድማ ፕረሲደንት ናይ ኦበርሊን ኮለጅ ኮነ። ናይ ኦበርሊን ቀዳመይቲ ቤተ ክርስትያን ብ1842 እያ ተሃኒጻ፣ 

ንድሕነት ምንዳይ 

ብቀውዒ 1821 ሰንበት ናይ ምሸት፣ ንኣእምሮይ ሓደ ግዜ ሕቶ ድሕነት ነፍሰይ ክምልስ ከም ዘለዎ ኣዳለኽዎ። ዝከኣል እንተዝኸውን ነይሩ ምስ ኣምላኽ ሰላም ምገበርኩ ነይረ። ግናኽ ብጉዳያት ናይ ኦፊስ ኣዝየ ዝተጸመድኩ እየ። ብዘይ ኣዝዩ ዓብን ዝጸንዐን ዕላማ ድማ፣ ነዚ ጉዳይ ክበቅዕ ከም ዘይክእል ብርግጽ እፈልጥ ነይረየ። ስለዚ ድማ በቲ ኮይኑ በቲ ብዝተኻእለኒ መጠን ኩሉ ዋኒነይን  ኩሉ እቲ ንኣቶኩረይ ዝጥምዝዞ ዘበለ ነገራትን ከወግዶ ወሰንኩ። በዚ ድማ ኩሉንትናይ ብምልኣት ንድሕነት ነፍሰይ ንምውሓስ ክህብ፣ ውሳነይ ኣብ ትግበረ ንምውዓሉ ድማ ብዝተኻእለኒ መጠን ጸኒዐን ብዝተማልአ ኣካይዳን ክሰርሕየ። ይኹን  እንበር ኣብ ኦፊስ ድማ ኣዝየ ንፉዕ ዓያዪ ኮይነ ንጥፈትተይ ከካይድ ክግደድ እየ።  እግዚኣብሄር ሰናይ ጌሩለይ ግና ሰኑይን ሰሉስን ብስራሕ ኣዝየ ትሑዝ ኣይኮንኩን። በዚ ድማ እቲ ግዜ መጽሓፍ ቅዱሰይ ኣብ ምንባብን ኣብ ጸሎትን ኸሕልፎ ወሰንኩ። 

ይኹን እንበር ከይፈለጥክዎ ከለኹ ኣዝየ ይሕበን ነበርኩ። ብዛዕባ ናይ ካልኦት ርእይቶ ንዓይ ዘገድሰኒ ኣይኮነን ብምባል ይሓስብ ነበርኩ። ብዛዕባ ርእሰይ ከምዚ እባ ከምቲ እባ እንተበሉውን ይግድሰኒ ኣይነበረን። ግደ ሓቂ ውን ኣብ ኣዳምስ ከለኹ ንሃይማኖት ዝህቦ ዝነበርኩ ኣቃልቦ ኣዝዩ ትሑትዩ። ኣብ ናይ ጸሎት ኣኼባታት ውን ኣዝየ ንጹል እየ ዝነበርኩ፣ ኣብዚ ጉዳይዚ ኣዝየ ክንጸል ከም ዘይብለይ ሓሰብኩ። ሓደ እዋን ነታ ቤተ ክርስትያን ኣብ ዝመርሓሉ ህንጡይ ሓታቲ ክኸውንዩ ዝድለየኒ። ምስታ ሕቶ ድሕነት ነፍሰይ ምምላስ ተፋጠጥኩ። ኣብ ዝተበገስክሉ እዋን ማንም ሰብ ብዛዕባ እዚኣ ክፈልጥ ፍቓደኛ ኣይነበርኩን። ኣብ ዝጽልየሉ እዋን ሕሹኽሽክ ጥራይ እየ ዝብል። ከም ገለ እንተደኣ ማዕጾ ተኸፊቱ፣ ዝኾነ ሰብ ኣብ ጸሎት ከም ዘሎኹ ምእንቲ ከይፈልጥ እዩ። ቅድሚ ዝተወሰነ እዋናት መጽሓፍ ቅዱሰይ ምስ ካልኦት ናይ ሕጊ መጽሓፍቲ ኣብ ጣውላ ምስ ተዘርግሐ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ተረኺብካ ሕፍረት ይስመዓካ እዩ ዝብል ሓሳባት ኣጋጢሙኒ ኣይፈልጥን። ምሕልፎ ካልኦት መጽሓፍተይ ከንብብ ክርአ ከለኹ እዩ ከሕፍር ዝግባእ። 

ንዓይ ከም ዝመስለኒ፣ ድሕነት ሓደ ብናትካ ተግባራት ትሰርሖ ነገር ዘይኮነስ፣ ምሉእ ብምሉእ ካብቲ ንርእሱ ኣብ ቅድመይ ከም ኣምላኸን መድሓንን ዘቅረባ ጎይታ የሱስ ክርስቶስ ዝርከብ ነገር እዩ። 

ንጉዳይ ምንዳይ ባዕላዊ ድሕነት ነፍሰይ፣ ንገዛእ ርእሰይ ብዕቱብ ምስ ነገርክዋ ግና ብዘተኻእለኒ መጠን፣ መጽሓፍ ቅዱሰይ ኣብ ዘይትራኣየሉ ቦታ ኣርሓቅክዋ። እናንበብክዋ ምላልባት ገለ ሰብ እንተደኣ መጺኡ፣ ናይ ሕጊ መጽሓፍተይ ኣብ ልዕሊኣ ይድርብዮ እሞ፣ ንዝመጸ ሰብ ሒዘያ ከም ዘይጸናሕኩ መሲለ ይርኣዮ። ከም ቀደመይ ምስ ዝኾነ ሰብ ብዛዕባ ዝኾነ ኣርእስቲ ንምዕላል ድልው ኣይነበርኩን፣ ብርግጽ ነፍሰይ ንኸምዚ ዓይነት ነገራት ድልውቲ ኣይኮነትን። ምስ ኣገልጋልየይ ንክራኸብ ውን ፍቓደኛ ኣይነበርኩን፣ ናይዚ ምኽንያት ድማ ዝስመዓኒ ዝነበረ ስምዒት ክፈልጦ ስለ ዘይደለኹ እዩ፣ ንጉዳየይ ተረዲኡ እቲ ዝደልዮ ዝነበርኩ ምርሒት ክህበኒ ይኽእል እዩ ዝብል ምትእምማን ድማ ኣይነበረንን። ብተመሳሳሊ ምኽንያት ምስ ሽማግለታት እታ ቤተክርስትያን ምዝርራብ ኣወገድኩ፣ ኮታ ምስ ዝኾነ ህዝቢ ክርስትያን። እንታይ ይስመዓኒ ኣሎ ክፈልጡ ሕፍረት ይስምዓኒ ነበረ፣ በቲ ሓደ ወገን ድማ ጌጋ ምርሒት ከይህቡኒ ይፈርሕ ነበርኩ። ነፍሰይ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዓዘምክዋ ኮይኑ ተሰምዓኒ። 

ኣብ ሰኑይን ሰሉስን ምርትዐይ እናዛየደ ከደ፣ ግናኸ ልበይ ገና እናተረረ ዝኸይድ ዝነበረ ኮይኑ ይስመዓኒ ነበረ። ክነብዕ ይኽእል ኣይነበርኩን፣ ክጽሊ ውን ኣይከኣልኩን፣ ልዕሊ እዛ እስትንፋሰይ ክጽሊ ዕድል ኣይረኸብኩን። ብቀጻሊ ግና፣ በይነይ ኮይነ ድምጸይ ኣውጺአ ክጽሊ ዕድል እንተዝረክብሲ ብምጽላየይ ዕረፍቲ ምረኸብኩ ነይረ ብምባል ይሓስብ ነበርኩ። ከቢድ ሕፍረት ይስመዓኒ ስለ ዝነበረ፣ ብዝተኻእለኒ መጠን ኣብ ዝኾነ ይኹን ዛዕባ ምስ ማንም ሰብ ምዝራብ ኣወገድኩ። ግናኸ ድሕነት ነፍሰይ ይደሊ ከም ዘሎኹ ማንም ኣብ እእምርኡ ምእንቲ ጥርጠራ ከየሕድር ብዝተኻእለኒ መጠን ንከይጥርጠር ጸዓርኩ። 

ሰሉስ ምሸት ኣዝየ ተጨነቕኩ፣ ንለይቱ ድማ ክመውት ከም ዝደለኹ ጋሻ ስምዒት ክወረኒ ጀመረ። እንተደኣ ሞይተ ናብ ሲኦል ከም ዝወርድ ይፈልጥ ነይረ እየ፣ ክሳብ ዝወግሕ ግና ብዝከኣለኒ ክሃድእ ፈተንኩ። 

እቲ ለውጢ 

ንግሆ ወጋሕታ ተንሲአ ንኦፊስ ተበገስኩ፣ ቅድሚ ኦፊስ ምብጽሐይ ግና ገለ ነገር ክጓነፈኒ ተፈለጠኒ፣ ብርግጽ እቲ ሕቶ ካብ ውሽጠይ እዩ ነይሩ፣ ናይ ውሽጢ ድምጺ ከምዚ ክብለኒ ከሎ ሰማዕኩ፣ "እንታይ ትጽበ ኣሎኻ"? ንእግዚኣብሄር ልብኻ ክትህብ ቃል ኣይኣተኻን ዲኻ፣ እንታይ ክትገብር ኢኻ ትፍትን ዘሎኻ? ጽድቂ ገዛእ ርእስኻ ክትተክል ዲኻ ትጽዕር ዘሎኻ"? 

ልክዕ ኣብዛ ህሞት እዚኣ ኩሉ እቲ ሕቶ ናይ ወንጌል ድሕነት ብዘገረመኒ መልክዕ ንኣእምሮይ ግሁድ ኮነ። ከም ዝመስለኒ ርግጽነትን ምልኣትን ዕርቂ ናይ ክርስቶስ ልዕሊ ማንም ግዜ ብንጹር ክሪኦ ከኣልኩ። ናይ ክርስቶስ ዕዮ ውዱእ ሙኻኑ ረኣኹ፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅቡል ዝገብረኒ ናይ ገዛእ ርእሰይ ጽድቂ ክተኽል ኣብ ክንዲ ዝጽዕር፣ ናብቲ ብክርስቶስ የሱስ ድሮ ዝተወድአ ጽድቂ ኣምላኽ ርእሰይ ክውፊዩ ዝድለየኒ። ድሕነት ናይ ወንጌል ከምዚ ገለ ትቅበሎ ነገር ኮይኑ እዩ ዝስመዓኒ፣ እሱ ምሉእን ፍጹምን እዩ፣ ብወገነይ ክገብሮ ዝግበኣኒ  ነገር  ኩሉ ሓጥያተይ ክፍንፍን ፍታወይ ክኸውን እሞ ንክርስቶስ ክቕበል እዩ። ንዓይ ከም ዝመስለኒ፣ ድሕነት ሓደ ብናትካ ተግባራት ትሰርሖ ነገር ዘይኮነስ፣ ምሉእ ብምሉእ ካብቲ ንርእሱ ኣብ ቅድመይ ከም ኣምላኸይን መድሓንየይን ዘቅረባ ጎይታ የሱስ ክርስቶስ ዝርከብ ነገር እዩ። 

ምንም ከይተረዳኣኒ ኣብታ ውሽጣዊ ድምጺ ኣሲሩ ዝሓዘኒ ቦታ ተዓኒደ እየ ነይረ። ንክንደይ ዝኣክል እዋን እየ ተዓኒደ ክዛረብ ኣይክእልን። ግናኸ እዚ ፍሉይ ምግላጽ ኣብ ኣእምሮይ ንዝተወሰነ ግዜ ምስ ተቐመጠ ድሒሩ ከምዚ ዝብል ሕቶ ክመጸኒ ተፈለጠኒ "ሕጅስ ትቅበሎ ዲኻ፣ ሎሚ?" መለስኩ " ብርግጽ ሎሚ እቕበሎ እየ፣ ወይ ድማ ኣብ ጻዕሪ ጥራይ ክመውት እየ ማለት እዩ"። 

ኣብ ሰሜናዊ ወገን ናይታ ገጠር ኣብ ኩርባ ገለ ቁርጽራጽ ዕንጨይቲ ኣብ ዘለዎ ቦታ፣ ኩነታት ኣየር ምቹእ ኣብ ዝኮነሉ ዳርጋ መዓልታዊ እየ ናብኡ ዝዛወር፣ ሕጂ ጥቅምቲ እዩ ዘሎ ናብቲ ቦታ ቀጻሊ ዝመላለሰሉ ወቕቲ ሓሊፉዩ፣ ዝኾነ ኮይኑ ግና ኣብ ክንዲ ንኦፊሰይ ምኻድ፣ ንበይነይ ክኸውን ከምዘድልየኒ እናተሰምዓኒ መገደይ ቀይረ ናብቲ ኣግራብ ገስገስኩ። ካብ ኩለን ኣዒንትን ኣእዛንን ደቂ ሰባት ረሓቕኩ። ስለዚ ድማ ጸሎተይ ኣብ እግዚኣብሄር ከፍስስ እኽእል እየ። 

ትዕቢተይ ግና ገና ገዛእርእሳ ከተርኢ ብግዲ እዩ። ናብቲ ኩርባ ምስ ደየብኩ ገለ ሰብ እንተ ረኣየንስ ክጽሊ እዩ ዝኽይድ ዘሎ ክብለኒ እዩ ዝብል ሓሳባት ተቀላቀለኒ። ምናልባት ኣብ ዓለም ማንም ነዚ ነገር እዚ ክጥርጥር ዝኽእል ሰብ ኣይህሉን ይኸውን። ክኸይድ ዝረኣየኒኸ ኣሎ ድዩ? ትዕቢተይ ግና ገና ዓባይ ነበረት። ብፍርሂ ሰባት ኣዝየ ተወሪረ ነበርኩ። ብትሕቲ እቲ ሓጹር ክጾልቕ ከም ዝግበኣኒ ኣስተውዓልኩ። ማንም ሰብ ካብታ ከተማ ክርኤኒ ኣብ ዘይክእለሉ ቦታ ክሳብ ዝበጽሕ ኣዝየ ኣርሓቅኩ። ብኸምዚ ድማ ናብቲ ኣግራብ ኣተኹ። ዳርጋ ርብዒ ማይልስ ተጓዒዘ ኣሎኹ። በቲ ሓደ ወገን ናይቲ ኩርባ ምስ ከድኩ፣ ኣብ ንሓድሕዶም ዝወደቁ እሞ ኣብ መንጎኦም ክፉት ቦታ ዘሎዎም ዓበይቲ ኣግራብ ረኸብኩ፣ ኣብቲ ቦታ ንእሽቶ መዕረፊት ነገር ክሰርሕ ከም ዝኽእል ተገንዘብኩ። ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኣንፋሒኸ ንጸሎት ተምበርከኽኩ። ንላዕሊ ገጸይ ናብቲ ኣግራብ ከብል ከለኹ፣ ከምዚ ዝበልክዎ ተዘከረኒ፣ "ልበይ ንእግዚኣብሄር ክህቦ እየ፣ እንተዘየለ ግና ካብዛ ዘሎኹዋ ቦታ ኣይንቀሳቀስን እየ"። እናደየብኩ ከለኹ ደጋጊመ እዚ ነገር እዚ ይዝክር ነበርኩ፣ "መሊሰ ካብዛ ቦታ እዚኣ ከይተንቀሳቀስኩ ከለኹ ልበይ ንእግዚኣብሄር ክህብ እየ"። 

ግናኸ ክጽለ ኣብ ዝፈተንክሉ ልበይ ክጽሊ ኣይከኣለን። ከይተሰማዕኩ ዓው ኢለ ክጽልየሉ ኣብ ዝኽእል ቦታ ጥራይ ምስ ዝህሉየ ነጻ ኮይነ ክጽሊ ዝኽእል። ግናኸ ኣብ ዝፈተንክሉ እዋን ዓባስ ኮንኩ፣ ንእግዚኣብሄር ምንም ክዛረቦ ኣይከኣልኩን፣ ምናልባት ገለ ቃላት ተዛሪበ እንተደኣ ኮይነ ድማ ካብ ልበይ ኣይነበረን። ክጽሊ ኣብ ዝፍትነሉ ዝነበርኩ፣ ሓሸሽ ዝብል ድምጺ ናይ ኣቁጽልቲ ሰማዕኩ፣ ከምቲ ዝፈርሆ ዝነበርኩ ገለ ሰብ መጺኡ ከይከውን ክርኢ ኣቋረጽኩ፣ ብዙሕ እዋን እየ ከምዚ ዝገብር ነይረ። 

"ካብዛ ቦታ እዚኣ መሊሰ ከይተንቀሳቀስኩ ከለኹ፣ ልበይ ንእግዚኣብሄር ክህብ እየ"። 

ኣብ መወዳእትኡ ነፍሰይ ኣብ ጥርዚ ምሕላል በጽሐት። ንነፍሰይ ክትጽልዪ ኣይትኽእልን ኢኺ በልክዋ፣ ልበይ ንእግዚኣብሄር ዕጽው እዩ ዘሎ፣ ክጽሊ ኸኣ ይኽእል የሎን። "ካብዚ ኣግራብ እዚ ልበይ ንእግዚኣብሄር ከይሃብክኩ ኣይወጽእን እየ ብምባላ ንርእሰይ ነቐፍክዋ። ክፍትን ምስ ጀመርኩ፣ ንእግዚኣብሄር ልበይ ምሃብ ዘይከኣል ኮይኑ ረኸብክዎ፣ ልበይ ኣብ ዝባነይ ጠልጠል በለት፣ ግዚኡ ሓሊፉ ዝብል ስምዒት ኣብ ውሽጠይ ብዕምቆት ተሰምዓኒ፣ ብእግዚኣብሄር ተነጺገ ክኸውን ኣሎኒ ማለት እዩ፣ እሮማይ ተስፋ የብለይን ማለት እዩ። 

ብምኽንያት እቲ ሎሚ ንእግዚኣብሄር ልበይ ክህብ እየ ወይ ከኣ እናጸዓርኩ ክመውት እየ ዝበልክዎ ዓሻ መብጸዓይ ብጣዕሚ ተሃወጽኩ። እዚ ነገር እዚ ናይ ሂወተይ መዛዘሚ ጌረየ ዝወሰድክዎ፣ ሕጂ ቃለይ ይዓጽፍ ኣሎኹ ማለት ድዩ። ዓቢ ተስፋ ቁርጸት፣ ነፍሰይ ብፍርሂ ሓበጭበጭ ክብል ከሎ ተፈለጠኒ፣ ካብቲ ተንበርኪኸዮ ዝነበርኩ ክትንስእ ክሳዕ ዘይከኣለኒ ብርከይ ወለል በለኒ። 

ልክዕ ኣብ ከምዚ ኩነታት ከለኹ እንደገና ሓደ ነገር ናባይ ክቐርብ ከሎ ሓሰብኩ፣ እንታይ ሙኻኑ ክርኢ ድማ ኣዒንተይ ከፈትኩ፣ ኣብዚ ህሞት እዚ ናይ ልበይ ትዕቢት ከም ዓቢ ጸገም ኮይኑ ኣብ ቅድመይ ክግተር ብፍሉይ ተራእየኒ። ብሰንኪ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክድፋእ ከለኹ ሰባት ከይርእዩኒ ዝብል ዝነበረ ሓሳበይ፣ ናይ ረሲእነት መንፈስ ወረረኒ። ብናይ ክፍኣት ስምዒት ተጎቢአ እየ፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክድፋእ ሰባት ከይርእዩኒ ዝብል ሓሳበይ ብሓይሊ እዩ ተቆጻጺሩኒ ዝነበረ፣ በዚ ነገር እዚ ድምጸይ ዓው ኣቢለ በኸኹ። ዋላ እኳ ኩሉም ኣብዛ ዓለም ዘሎዉ ሰባትን ኩሎም ኣብ ገሃነም ዘሎዉ ኣጋንንትን ኣብ ዙርያይ መጺኦም ይኽበቡኒ ኣነ ግና ፍጹም ካብዛ ቦታ ኣይለቅቕን እየ ኢለ ጨደርኩ። እንታይ እዩ እዚ ነገር "ኣነ ሕሱር ሓጥያተኛ ብብርከይ ተምበርኪኸ ናብቲ ቅዱስ እግዚኣብሄር ሓጥያተይ እንተ ተኣመንኩ፣ ዝኾነ ሰብ ከይርእየኒ ኽሓፍርሲ እሞ ከኣ ከማይ ሓጥእ ሰብ፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ዘቆጣዕክዎ ኣምላኽ ብብርከይ ተምበርኪኸ ምስኡ ሰላም ክገብር ክጽዕር ከለኹ እንተረኸበንስ ኽሓፍር!" እዚ ሓጥያት እዚ ደረት ዘይብሉ ዘሰክሕ ኮይኑ ተራእየኒ፣ ኣብ ቅድሚ ጎይታ ድማ ልበይ ተሰብረ። 

ኣብዛ ህሞት እዚኣ፣ እዚ መልእኽቲ ናይ ቃል ኣምላኽ ከም ጩራ ብርሃን ኮይኑ ኣብ ኣእምሮይ ክዓልብ ተፈለጠኒ፣ "ክትልምኑኒ ኢኹም እሞ ክሰምዓኩም እየ፣ ብምሉእ ልብኹም እንተደለኹምንስ ክትደልዩኒ ክትረኽቡኒ ውን ኢኹም" ብቅጽበት ነዘን ቃላት እዚአን ኣብ ልበይ ዓትዒተ ሓዝክወን። ካብ ቅድም ንመጽሓፍ ቅዱስ ብኣእምሮይ ይፈልጦ እየ ነይረ፣ ግናኸ እምነት ማለት ፈቲኻ ምውካል ማለት እንበር ኩነተ ኣእምሮ ከም ዘይኮነ ግና እዚ ሓቂ እዚ ኣብ ኣእምሮይ ኣይነበረን። ኣብቲ ሓቀኛ እግዚኣብሄር ምውካል ልክዕ ህላውነተይ ማለት ሙዃኑ ተሰቆረኒ። ነታ ጥቅሲ ኣንቢበያ ከም ዝፈልጥ እኳ ፍጹም ኣይሓሰብኩን፣ ብዝኾነ ግና እዚኣ ሓንቲ ካብ ጥቅስታት መጽሓፍ ቅዱስ ሙዃና ፈለጥኩ። 

ናይ እግዚኣብሄር ቃል እያ፣ ናይ እግዚኣብሄር ድምጺ እያ፣ ልኽዕ ንዓይ ከም እተዘርበት። ኣብ ቅድሚኡ በኸኹ፣ "ጎይታ ቃላትካ ከም ዘለዎ እቅበሎ፣ ሕጂ ብምሉእ ልበይ ይደልየካ ከም ዘሎኹ ፈሊጠ ኣሎኹ፣ በዚየ ድማ ንኽጽሊ ናብዚ ዝመጻእኩ፣ ንስኻ ድማ ጸሎተይ ከም እትሰምዕ ተስፋ ሂብካኒ ኢኻ"። 

ሕጂ እቲ ክምለስ ዝነበሮ ሕቶ ተመሊሱ እዩ፣ በታ መዓልቲ መብጸዓይ ፈጸምኩ። እቲ መንፈስ ካብ ቃል ኣምላኽ ኣብዛ ጥቅሲ እዚኣ ጸቒጡ ዘሎ ኮይኑ ተራእየኒ፣ "ብምሉእ ልብኹም እንተደለኹምኒ"፣ መዓስ ንዝብል ሕቶ መልሱ ሕጂ ሙዃኑ ኣብ ልበይ ክስወጥ ከሎ ተፈለጠኒ። ንጎይታ ከም ቃሉ ገይረ ከም ዝቅበሎ ነገርክዎ፣ ንሱ ኣይሕሱን እዩ፣ እንበኣር ርግጸኛ እየ ጸሎተይ ከም ዝሰምዖን ከም እተረኽበለይን። 

ድሕሪዚ ብዙሕ ተስፋታት ካብ ብሉይን ሓድሽን ኪዳን ተዋህቡኒ፣ ብፍላይ ድማ ገለ ካብቶ ብሉጻት ተስፋታት ብዛዕባ ጎይታና የሱስ። ብቃላት ገይረ እዞም ተስፋታት እዚኦም ማዕረ ክንደይ ክቡራትን ሓቀኛታትን ኮይኖም ከም እተራእዩኒ ሕጂ ንማንም ሰብ ከረድኦ ፍጹም ኣይክእልን እየ። ሓደ ድሕሪ ሓደ ከም ፍጹማት ሓቂ ገይረ ተቀበልክዎም። ናይቲ ክሕሱ ዘይከኣሎ ኣምላኽ መግለጺ እዮም። ክንድቲ ኣብ ልበይ ዝሰጠሞ ኣብ ኣእምሮይ ማዕረ ክንድኡ ኣይተሰምዓንን፣ ኣብቲ ወለንታዊ ሓይሊ ምርዳእ ናይ ኣእምሮይ ብዝግባእ ምእንቲ ክኣቱ፣ ጨቢጠ ሓዝክዎም፣ ልክዕ ከምቲ ዓቅሉ ዝጸበቦ ኣብ ምጥሓል ዘሎ ሰብ ኮይነ ኣትሪረ ኽሕዘን ፈተንኩ። 

ምጽላይ ተተሓሓዝክዎ፣ ንውሓቱ ዘይርደኣኒ ንነዊሕ ግዜ ተስፋታት ተቀበልኩን መንዛዕኩን። ኣእምሮይ ምሉእ ብምሉእ በዞም ተስፋታት ክሳዕ ዝወሓጥ ይጽሊ ነበርኩ፣ ምስ ዝፍለጠኒ ኣብ ገለ እዋናት ኣእጋረይ ኣብ ጎደና ኮደደድ ክብላ ይጸንሓኒ ነበራ። ሕቶ ምልዋጠይ ኣብ ሓሳባተይ ብዙሕ ይለዓለኒ ኣይነበረን፣ ግናኸ ብሞንጎ እታ ጫካን ኣቁጽልትን ጣሕመሽመሽ እናበልኩ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበርኩ፣ ብኣተኩሮ ከምዚ ክብል ከለኹ ተዘከረኒ፣ "እንተደኣ ተለዊጠ፣ ወንጌል ክሰብኽ እየ"። 

ናብታ ቁሸት ብህድኣት ተጓዓዝኩ፣ ኩሉ ፍጥረት ይሰምዕ ከም ዘሎ ክመስል ኣእምሮይ ኣብ ፍጹም ጸጥታ ነበረ። 

ኣብታ ናብታ ቁሸት እተላስግ መገዲ ምስ በጻሕኩ፣ ኩሉ እቲ ዝሓለፈ ኩነታት ክንጸባረቐኒ ጀመረ። ኣእምሮይ ብጣዕሚ ብዘደንቅ ኣዝዩ ህድኣት ዝመልኦን ሰላም ዝዓሰሎን ኮይኑ ረኸብክዎ። ንርእሰይ ከምዚ በልክዋ፣ "እንታይ እዩ እዚ ነገር! ንመንፈስ ቅዱስ ብዘይሙቁራጽ ብምልኣት ኣጉሄዮ እየ ዝነበርኩ፣ ኩሉ እምነተይ ኣጥፊአ እየ ነይረ፣ ብዛዕባ ነፍሰይ ቅንጣብ ውን ተገዳስነት ኣይነበረንን፣ ስለዚ እቲ መንፈስ ክጥንጥነኒ እዩ ዝግባእ ነይሩ"። ስለምንታይ፣ ሓሰብኩ፣ ኣብ ሂወተይ ካብ ተገዳስነት ኣብ ናይ ገዛእ ርእሰይ ምድሓን ፍጹም ኣርሒቀ ኣይፈልጥንየ ነይረ።  

ንእግዚኣብሄር ብብርከይ ተምበርኪኸ ከለኹ እንታይ ከም ዝበልክዎ ተዘከረኒ፣ ከምዚ እየ ኢለ፣ ጎይታ ቃላትካ ከም ዘለዎ እቅበሎ ኣሎኹ፣ እወ ብርግጽ ብዙሕ ዝበልክዎ ጽቡቅ ነገራት ዘከርኩ፣ እቲ መንፈስ ድሮ ገዲፉኒ ከም ዘሎ እየ ዝሓስብ ዝነበርኩ፣ ከማይ ሓጥያተኛ ብከምቲ ዝገብሮ ዝነበርኩ ኣገባብ ንቃል ኣምላኽ ክሕዞ ከሎ ምርኻስ እዩ እኳ እንተዘይተባህለ ዓሻ ድፍረት ግን እዩ። ከምዚ ኢለ ደምደምኩ ብኩሉ ኩነታተይ ንመንፈስ ቅዱስ ኣጉሄዮ እየ፣ ምናልባት ውን ይቕረ ዘይበሃሎ ሓጥያት ፈጺመ እኸውን።   

ናብታ ቁሸት ብህድኣት ተጓዓዝኩ፣ ኩሉ ፍጥረት ይሰምዕ ከም ዘሎ ክመስል ኣእምሮይ ኣብ ፍጹም ጸጥታ ነበረ። 10 ጥቅምቲ እያ ነይራ፣ ደስ ትብል መዓልቲ፣ ኣንጊሀ ድሕሪ ሙቅራሰይ ብኡብኡ ናብቲ ኣግራብ ከድኩ ናብታ ቁሸት ኣብ ዝተመለስክሉ እዋን ናይ ድራር ሰዓት ኮይኑ ረኸብክዎ። እቲ ዝሓልፍ ዝነበረ ግዜ ፍጹም ይፍለጠኒ ኣይነበረን። ካብታ ቁሸት ካብ ዝኸይድ ሓጺር ግዜ ዝገበርኩ ኮይኑዩ ዝስመዓኒ ዝነበረ። 

ቅልስ 

እዚ ጽሞና ናይ ኣእምሮይ ከመይ እየ ክቆጽሮ። ነቲ ኣብ ትሕቲኡ ኮይነ ዝጸዓር ዝነበርኩ ናይ ሐጥያተይ ጾር እንደገና ክመልሶ ፈተንኩ። ነገር ግን ኩሉ ናይ ሓጥያት ስምዒት ኩሉ ናይ ገበንነት መንፈስ ኮታ ኩሉ ካባይ ርሒቁ እዩ፣ ከምዚ በልክዋ ንርእሰይ፣ እንታይ እዩ እዚ ነገር፣ ዝኾነ ይኹን ስምዒት ገበንነት ኣብ ነፍሰይ ከለዓዕል ኣይከኣልኩን፣ እሞ ኸኣስ ከማይ ዝመሰለ ዓቢ ሓጥያተኛ? 

ብዛዕባ ህሉው ኩነታተይ ንነፍሰይ ንብላሽ ከጨንቓ ፈተንኩ። ኣዝዩ ህዱእን ሰላም ዝመልኦን እየ ነይረ፣ ምናልባት ፍረ ናይቲ ነቲ መንፈስ ብቀጻሊ ሙጉሃየይ ከይከውን ብማለት ብዛዕባዚ ክግደስ ፈተንኩ። ብኹሉ ገጻቱ ርእየ ግና ብዛዕባ ነፍሰይ ኮነ ብዛዕባ መንፈሳዊ ኩነታተይ ምንም ዘጨንቕ ኣይረኸብኩን። ናይ ኣእምሮይ ግብረ መልሲ ብቃላት ክገልጾ ዘይክእል ብዘየወላወል ዓቢ ነበረ፣፣ ብእግዚኣብሄር ምሕሳብ ነእምሮይ ኣዝዩ ምቁር እዩ ዝነበረ። ኣዝዩ ዓሚቅ መንፈሳዊ ቅሳነት ምሉእ ብምሉእ ተቆጻጺሩኒ ነበረ። እዚ ዓቢ ምስጢር እዩ ዝነበረ፣ ንዓይ ግና ፍጹም ኣየደንጸወንን ጋን ውን  ኣይኮነን። 

ድራር ተቐረብኩ፣ ንምብላዕ ግና ሸውሃተይ ክፉት ኮይኑ ኣይረኸብክዎን። ሻቡ ናብ ኦፊሰይ ከድኩ፣ እስዃየር ግና ናብ ድራር ከይዱ ጸንሓኒ። ቫዮሊነይ ኣልዒለ ጽምጸይ ኣትሒተ፣ ከምቲ ልማደይ፣ ሙዚቃ እናተጻወትኩ ገለ መዛሙር ክዝምር ጀመርኩ። በዘን ቅዱሳት ቃላት ክዝምር ኣብ ዝጀመርክሉ ሻቡ ንብዓት ሰዓረኒ፣ ኩላ ልበይ ፈሳሲ ዝኾነት ኮይኑ ተሰምዓኒ። ስምዒተይ ክሳዕ ክንድዚ ነበረ፣ ፍሉይ ኣተኩሮ ብምግባር ኣብኡ እንተ ዘይተገዲሰ ንናይ ገዛእ ርእሰይ ድምጺ ክሰንዖ ይኽእል ኣይነበርኩን። በዚ ነገር እዚ ተደነቕኩ። ንብዓተይ ክዓግት ፈተንኩ ኣይከኣልኩን ግና። ንብዓተይ ፍጹም ምዕጋት ምስ ተሳእነኒ መሳሪሒ ሙዚቃይ ኣቀሚጠ ምዝማር ኣቋረጽኩ። 

ድሕሪ ድራር መጽሓፍትናን ኣቁሕትናን ናብ ካልእ ኦፊስ ኣብ ምግዓዝ ተዋፈርና። እዚ ስራሕ እዚ ኣዝዩ ጸመደና፣ እንትርፎ ንእሽቶ ዕላል ዝበሃል ኣየዕለልናን። ኩነታት ኣእምሮይ ኣብ ዓሚቅ ህድእት ነበረ። ኣብ ሓሳባተይን ስምዒተይን ዓቢ ጣዕምን ሓለዋንዩ ዝነበረ። ኩሉ ነገር ጽቡቅ ከም ዘሎ ተራእየኒ፣ ዝኾነ ዝርብሸኒ ወይ ዝህውኸኒ ነገር ኣይነበረን። 

ልክዕ ቅድሚ ምምሳዩ ከምዚ ዝብል ሓሳባት ንኣእምሮይ ተቆጻጸሮ፣ ኣብዛ ሓዳስ ኦፊስ ንበይነይ ኣብ ዝተርፈላ እዋን ሽዓ ናብ ጸሎት ኽጎዪ እየ። ጉዳይ መንፈሳውነት ብዝኾነ መገዲ ኣይጥንጥኖን እየ፣ ሽሕ እኳ ብዛዕባ ነፍሰይ ገና ዘጨንቕ እንተዘይብለይ - ምጽላይ ግና ገና ክቕጽሎ እየ። 

ንምሸቱ መጽሓፍትን ኣቅሑን ኩሉ ተወገነ፣ በታ ምሸት በይነይ ከምሲ ብምምናይ ኣብቲ ናይ ሓዊ መእጎዲ ሓዊ ኣጎድኩ። እስኳየር ኩሉ ነገር ከም እተወገነ ርእዩ ደሓን ሕደር ኢሉኒ ብጸላም ንገዝኡ ከደ። ክሳዕ ኣፍ ደገ ኣፋነኽዎ፣ ነቲ ማዕጾ ዓጽየ ግልብጥ ክብል ከለኹ፣ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ክፈስስ ከሎ ተፈለጠኒ። ኩሉ ስምዒታተይ ክለዓዓልን ገንፊሉ ክወጽእ ክደልን ተሰምዓኒ። ናይ ልበይ ዘረባ ድማ ከምዚ ነበረ፣ "ኩሉ ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር ከፍስስ እደሊ ኣሎኹ"። ምልዕዓል ናይ ነፍሰይ ኣዝዩ ዓቢ ነበረ፣ ናብታ ብድሕሪት ዘላ ኦፊስ ብጉያ ንኽጽሊ ኣተኹ። 

ኣብቲ ክፍሊ ዝኾነ ይኹን ሓዊ ወይ መብራህቲ ኣይነበረን፣ ይኹን እንበር ንዓይ  ግና ኣብ ፍጹም ብርሃን ዘሎኹ ኮይኑ እዩ እተሰማዓኒ። ንውሽጢ ኣትየ ብድሕረይ ነቲ ማዕጾ ምስ ዓጸኽዎ፣ ንጎይታ የሱስ ክርስቶስ ፊት ንፊት ከም ዝረኸብክዎ ኮይኑ እዩ ዝመሰለኒ፣ እዚ ነገር እዚ ኩነተ ኣእምሮይ እዩ ዝብል ሓሳብ ሽዑ ኮነ ብድሕሪኡ መጺኣኡኒ ኣይፈልጥን። በንጻሩ እኳ ደኣ ከምቲ ንዝኾነ ሰብ ዝሪኦ ልኽዕ ከምኡ ዝረኣኽዎ እዩ ዝመሰለኒ። ብዘይካ እቲ ዝተፈልየ ኣጣምትኡ ካልእ ምንም ኣይበለንን፣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ተደፊአ ክሳዕ ዝወድቅ ጠመተኒ። ኩሉ ግዜ እዚ ነገር እዚ ከም ክዉን ሓቂ ምስ ቆጸርክዎ እየ። የሱስ ኣብ ቅድመይ ደው ኢሉ፣ ኣነ ኸኣ ኣብ ኣእጋሩ ወዲቐ ነይሰይ ኣፍሰስኩ። ዓው ኢለ ከም ቆልዓ ተነኽነኽኩ፣ እናሕነቅነቅኩ ኣብ ቅድሚኡ ኑዛዜይ ኣቕረብኩ። ኣእጋሩ ብንብዓተይ ዘጠልቀኽዎ ኮይኑ ተራእየኒ፣ ኮይኑ ግና ከም ዝተንኸኽዎ ዝኾነ ይኹን ፍሉይ ምልክት የብለይን፣፣ 

ኣብቲ ክፍሊ ዝኾነ ይኹን ሓዊ ወይ መብራህቲ ኣይነበረን፣ ይኹን እንበር ንዓይ  ግና ኣብ ፍጹም ብርሃን ዘሎኹ ኮይኑ እዩ እተሰማዓኒ። 

ንገለ እዋን ብኸምዚ ኩነታት ቀጸልኩ፣ ግናኸ ኣእምሮይ ኩሉ እቲ ዝበልክዎ ንኽዝክር ኣብ ከቢድ ሕቶ ተሸሚሙ ነበረ። ኣእምሮይ ካብቲ ሒዝዎ ዝነበረ ሓሳባት ምስ ተበራበረ ሻቡ ተፈለጠኒ፣ ናብታ ቅድሚት ዘላ ኦፊስ ድማ ተመለስኩ፣ እቲ ብዓቢ ዕንጨይቲ ዝኣጎድኩዎ ሓዊ ዳርጋ ተሃሚኹ ጸንሓኒ። በቲ ሓዊ ሕልፍ ኢለ ኮፍ ክብል ኣብ ዝፈተንክሉ፣ ብብርቱዕ ሓይሊ ናይ መንፈስ ቅዱስ ጥምቀት ተቐበልኩ። ብዘይ ዝኾነ ይኹን ትጽቢት ነቲ መንፈስ፣ ከምዚ ዝኣምሰለ ንዓይ ይህሉ ይኸውንዶ ዝብል ሓሳባት ኣብ ኣእምሮይ ኣብ ዘይነበረሉ፣ እዚ ነገር ብዝኾነ ይኹን ሰብ ክጥቀስ እኳ ሰሚዐ ኢለ ዝዝክሮ ነገር ኣብ ዘይብለይ፣ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕለይ ወረደ፣ ብኣይ፣ ብኣካላተይን ብመንፈሰይን ዝሓልፍ ዘሎ እናመሰለኒ። ልክዕ ማዕበል ኤለትሪክ ብኣይ ይሓልፍ ከም ዘሎ ነቲ ጦብላሕታ ከስተማቅሮ ከኣልኩ። ከም ማዕበል ከመጸኒ ከሎ ተፈለጠኒ፣ ማዕበል ዝፈስስ ፍቅሪ (ብኻልእ ቓንቛ ክገልጾ ስለ ዘይከኣልኩ እየ) ትንፋስ ናይ እግዚኣብሄር። ከም ዓርሞሽሽ ክንፊ ከንበድብደኒ ከሎ ብፍሉይ እዝክሮ እየ። 

ነቲ ኣብ ልበይ ብኹሉ ወገን እተዘርአ ፍቅሪ ማንም ቋንቋ ክገልጾ ኣይክእልን እዩ። ብደስታን ፍቅርን ብዓውታ በኸኩ፣ ብጭቡጥ ዝፈልጦ እኳ እንተዘይብለይ ግናኸ ቃል ብቓሉ ክድመጽ ብዘይክእል ግንፋለ ናይ ልበይ ከም ዝጨደርኩ ክዛረብ እኽእል እየ። እቲ ማዕበላት ሓደ ድሕሪ ሓደ ብልዕለይ መጸ፣ እወ ኣብ ልዕለይ፣ ክበኪ ከለኹ ኣጸቢቑ ይዝከረኒ፣ "እዚ ማዕበላት ብልዕለይ ምሕላፍ እንተደኣ ቀጺሉ - ሞትኩ"። በልኩ ድማ " ጎይታ ካብዚ ንላዕሊ ክጻወር ኣይክእልን እየ'። ግደ ሓቂ ግና ፍርሒ ሞት ዝበሃል ኣይነበረንን። 

እዚ ጥምቀት ናይ መንፈስ ብልዕለይ ክሓልፍን ከንከባልልን ክንደይ እዋን ከምኡ ኢሉ ከም ዝቐጸለ ኣይፈልጥን እየ። ግናኸ ንለይቱስ ሓደ ካብ ኣባላት መዘምራን እታ ቤተ ክርስትያን ክርኤኒ ኢሉ ናብ ኦፊስ መጸ (መራሒ መዘምራን እየ ነይረ)። ብዓውታ እናበኸኹ ከለኹ ረኸበኒ፣ ከምዚ ድማ በለኒ "ኣቶ ፊኒ ከምይ እዩ ጌሩካ ኣብ ምንታይ እዩ ዘሕመካ ዘሎ?"፣ መሊሱ በለኒ "ትቅንዞ ዲኻ ዘሎኻ?" ብዝተኻእለኒ መጠን ኣካላተይ ጠርኒፈ ሓፍ ክብል እናፈተንኩ መለስክሉ "ኣይፋል ደው ምባል ክሳዕ ዝስእን እንበር ተሓጊሰ"። 

ካብ ኦፊስ ንግዳም ወጺኡ ተመርቀፈ፣ ኣይደንጎየን ድሕሪ ገለ ደቓይቕ ንሓደ ካብቶም ናይታ ቤተ ክርስትያን ሽማግለታት ሒዙ ተመልሰ (ናይቲ ሽማግለ ዱኳን ኣብ መንጽር ኣፊሰይ እዩ)። እዚ ሽማግለ እዚ ኣዝዩ ዕቱብ ሰብኣይ እዩ ዝነበረ፣ ኣብ ዝረኽዎ እዋናት ኣብ ሓላዋ ዘሎ ክመስል ኣዝዩ ጥንቁቅ እዩ፣ ክስሕቅ ዳርጋ ርእየዮ ኣይፈልጥን እየ። ንሱ ኣብ ዝኣተወሉ ኩነታተይ ልክዕ ከምቲ እቲ መንእሰይ ክጽውዖ ክኸይድ ከሎ ዝነበርክዋ እዩ ዘሎ። እንታይ ይስመዓኒ ከም ዘሎ ሓተተኒ፣ ክምልስ ድማ ጀመርኩ። ገለ ነገር ክንዲ ምባል ግና ክርትም ኢሉ ሰሓቐ፣ ካብ መዓሙቅ ልቡ ዝስሕቕ እሞ ደው ከተብሎ ዘይከኣል ይመስል ነበረ። 

ኣብ ጎረቤተይ ንኮለጅ ዝዳሎ ሓደ መንእሰይ ነበረ፣ ምስኡ ጥቡቕ ዝኾነ ብቅርራብ እዩ ነይሩና። ድሒረ ከም እተረዳእክዎ፣ ኣገልጋሊና ብዛዕባ ጉዳይ ሃይማኖት ብተደጋጋሚ ምስኡ ተዛሪቡ እዩ፣ ብኣይ ንከይስሕት ድማ  ኣጠንቀቆ። ኣነ ኣብ ሃይማኖት ተገዳስነት ዘይብለይ ሰብ ከም ዝኾንኩ ጌሩ ሓቢርዎ እዩ። ስለዚ ድማ ከምዚ ብምባል ክሓስብ ጀመረ፣ ምሳይ ብብዝሒ እንተደኣ ለጊቡ ኣእምርኡ ከም ዘላግስን ክልወጥ ከም ዘይክእልን። 

ብሕሪ ምልዋጠይን ምልዋጥ እዚ መንእሰይን፣ ክነግረኒ ከሎ እዚ መንእሰይ ከምዚ በለኒ፣ ኣቶ ጌይል ብዛዕባ ምሳኻ ዘሎኒ ጥቡቅ ምቅርራብ ክግስጸኒ ከሎ፣ ኣነ ግና ደጋጊመ ካብ ናቱ ስብከት ናትካ ዕላል ከም ዝትንክፈኒ ይነግሮ ነበርኩ። ብርግጽ ኩሉ ስምዒታተይ ምስዚ መንእሰይ ጽቡቅ እዩ ዝነበረ። 

ልክዕ ኣብታ ነቲ ሽማግለ ማሕበርን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ክልእ ኣባልን ስምዒታተይ ዝገልጸሎም ዝነበርኩ እዋን፣ እዚ መንእሰይ እዚ ናብ ኦፊሰይ መጸ። ነቲ ማዕጾ ሕቆይ ሂበዮ ኮፍ ኢለ ስለ ዝነበርኩ ከም ዝኣተወ ኣይረኣኽዎን፣ ብኣድናቆት ናብቲ ዝብሎ ዝነበርኩ የቕልብ ነበረ። ንፈለማ ዝረኣኽዎ ኣብ መሬት ወዲቁ ብዓቢ ሓዘን ናይ ኣእምሮ "ጸልዩለይ" ምስ በለ እዩ። እቲ ሽማግለ ቤተ ክርስትያንን እቲ ካልእ ኣባልን ክጽልዩሉ ተምበርከኹ፣ እናጸለይሉ ከለዉ ኣነ ድማ ስሊኡ ብውሽጠይ ይጽሊ ነበርኩ። ብድሕሪ እዚ በይነይ ገዲፎምኒ ኸዱ። 

እታ ኣብ ኣእምሮይ ስዒባ ዝመጸትኒ ሕቶ "ንምንታይ እዩ እዚ ሽማግለ ዝሰሓቐ?" ትብል እያ። ኣብ ሃለፍታ ወይ ጽላለ ከም ዘለኹ ሓሲቡ ማለት ድዩ? እዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ኣእምሮይ ገለ ጸሊም ነጥቢ ፈጠረለይ፣ ምስ ርእሰይ ኣብ ገለ ጥርጣረ ኣእተወኒ፣ ከመይ ኢሉ እዩ እዚ ከምቲ ኣነ ዝነበርክዎ ሓጥያተኛ ዝኾነ ሰብ ነዚ መንእሰይ ዝጸለየሉ። ኣእምሮይ ገለ ናይ ጸላም ደበና ክጋርዶ ከሎ ተፈለጠኒ፣ ገለ ከዕርፈኒ ዝኽእል ነገር ክጭብጥ ተጸገምኩ። ቅሩብ ጸሪሐ ከኣ ናብ ዓራት ድቃሰይ ከድኩ። ኣብ ኣእምሮይ ጭንቀት እኳ እንተዘይነበረኒ፣ ብዛዕባ እዚ ህሉው ኩነታተይ እንታይ ክገብር ከም ዘሎኒ ዝፈልጦ ኣይነበረንን። ሽሕ እኳ እዚ ጥምቀት እዚ እንተተቐበልኩ፣  ኣራኣእያይ በዚ ፈተነ ዘይንጹር ከሎ እየ ናብ ዓራተይ ዝደየብኩ፣ እዚ ዘሎኒ ሰላም ካብ እግዚኣብሄር ዝኾነ ድዩ ኣብ ጥርጠራ ኣተኹ። 

ሻቡ ደቀስኩ፣ ግናኸ ብሓሳብ እቲ ኣብ ልበይ ዝኾነ ወሓዚ ፍቅሪ እግዚኣብሄር ዳርጋ ቀልጢፈ ተበራበርኩ። ክድቅስ ክሳዕ ዘይክእል ብፍቅሪ ተመላእኩ። እንደገና ቀልጢፈ ደቀስኩ፣ መሊሰ ድማ ተበራበርኩ። ምስ ተበራበርኩ እቲ ፈተነ እንደገና መጸኒ፣ እቲ ኣብ ልበይ ዝስመዓኒ ዝነበረ ፍቅሪ ከኣ ዘሓለ። ብዝደቀስክሉ መጠን ኣብ ነፍሰይ ሙቐት ይስመዓኒ ስለ ዝነበረ ነናሻብ ይበራበር ነበርኩ። ብኸምዚ ድማ ብርቱዕ ድቃስ ክሳብ ዝወስደኒ ክሳብ ወጋሕታ ቀጸልኩ። 

ንግሆ ክበራበር ከለኹ፣ ጸሓይ በሪቓ ጩራ ብርሃና ናብ ክፍለይ ይደጉሕ ነበረ። እዚ ናይ ጸሓይ ጩራታት ኣባይ ዝፈጠሮ ጦብሕታ ብቃላት ዝግለጽ ኣይነበረን። ከም ቅጽበት እቲ ቅድሚኣ ምሸት ዘጋጠመ ጥምቀት ብተመሳሳሊ ኣገባብ ተመልሰኒ። ኣብ ዓራተይ ብብርከይ ተምበርኪኸ ዓው ኢለ ጨደርኩ፣ ንገለ እዋናት በዚ መንፈስ ተጎቢአ ቀጸልኩ፣ ናብ ጎይታ ድማ ነፍሰይ ኣፍሰስኩ። ጥምቀት ናይዛ ንግሆ እዚኣ ብጥዑም መግናሕቲ ዝተሰነየ ኮይኑ መሰለኒ። እቲ መንፈስ "ትጠራጠር ዲኻ? ሕጂኸ ትጠራጠር ዲኻ?" ክብለኒ ከሎ ተሰምዓኒ። በኸኹ "ኣይፋል ኣይጠራጠርንየ፣ ክጠራጠር ኣይክእልን እየ" መለስኩ። ድሕሪ እዚ ነገራት ኣብ ኣእምሮይ መንፈስ እግዚኣብሄር ንነፍሰይ ምሉእ ብምሉእ ከም እተቆጻጸራ ነጸረለይ ክጠራጠር ግደ ሓቂ ፍጹም ዘይከውን ነገር እዩ።  

ንግሆ ክበራበር ከለኹ፣ ጸሓይ በሪቓ ጩራ ብርሃና ናብ ክፍለይ ይደጉሕ ነበረ። እዚ ናይ ጸሓይ ጩራታት ኣባይ ዝፈጠሮ ጦብሕታ ብቃላት ዝግለጽ ኣይነበረን።

ሓድሽ ተሞኩሮ፣ ኣብ ከምዚ ኩነታት፣ ዶክትሪን (መሰረተ እምነት) ናይ ጽድቂ ብእምነት ተመሃርኩ። እዚ መሰረት እምነት እዚ ኣብ ኣእምሮይ ፍጹም ቦታ ኣይነበሮን፣ በዚ ድማ ነዚ ብፍሉይ ተገንዚበ ከም መሰረታዊ ናይ ወንጌል ዶክትሪን ተቐበልክዎ። ብርግጽ እንታይ ማለት ሙኻኑ ውን ይፈልጥ ኣይነበርኩን። ግናኸ ሕጂ በዛ ጥቅሲ እዚኣ ክርድኦን እንታይ ማለት ሙኻኑ ክፈልጥን በቃዕኩ፣ "ብእምነት ካብ ጸደቅና፣ ምስ ኣምላኽ ብጎይታ የሱስ ክርስቶስ ሰላም ይሃልወና"። ኣብታ ቦታ ኣግራብ ኮይነ በታ ዝኣመንኩላ ሰዓት ኩሉ ናይ ኩነኔ ስምዒት ካብ ኣእምሮይ ክቕንጠጥ ከሎ ተራእየኒ፣ ደጊም ካብዛ እዋን እዚኣ ንደሓር ብዝኾነ ዝገብሮ ጻዕሪ ናይ ኩነኔ ይኹን ናይ ገበንነት መንፈስ ኣይስመዓንን እዩ። ናይ ገበንነት ስምዒተይ ተቐንጢጡ፣ ሓጥያተይ ተቐንጢጡ፣ ደጊም መሊሰ እንተደኣ ዘይሓጢኤ፣ ዝኾነ ናይ ገበንነት ስምዒት ክስመዓኒ ዝብል ሓሳብ የብለይን።

እቲ ዝደልዮ ዝነበርኩ ምግላጽ እዚ እዩ። ርእሰይ ብእምነት ጸዲቃ፣ ዛጊት ከም ዝርደኣኒ፣ ኩነታተይ ደጊም ሓጥያት ዝፍጽመሉ ኣይኮነን። ኩሉ ግዜ ኣብ ክንዲ ናይ ሓጥያት ስምዒት ልበይ ብወሓዚ ፍቅሪ መሊኡ ኣሎ። ጽወአይ ብበረኸትን ፍቅርን መሊኡ የጀርብብ ኣሎ፣ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ይዕግብ ኣሎኹ ዝብል ስምዒት ይስመዓኒ የሎን። ንእሽቶ ውን ትኹን ናይ ገበንነት ስምዒት ናይ ዝሓለፈ ሓጥያተይ ክመልስ ኣይክእልን እየ። ኣብቲ ግዜ እቲ ብዛዕባ እዚ ተሞክሮ እዚ ዝዝክሮ ዘበለ ዝኾነ ይኹን ነገር ንማንም ሰብ ኣይተዛረብኩን፣ ናይቲ ተሞክሮ እወ ተሞክሮ ጽድቂ።