19
Fri, Apr
0 New Articles


እቲ ናብቲ ዶክተር ዝተላእኸ ዓርኪ ሓወን ከኣ ኣብቲ እቲ ዶክተር ዘለዎ ቦታ በጽሐ፣ ዶክተር ግና ብሑሙማት ተኸቢቡ ነበረ እሞ እቲ ልእኹ ንምራካቡ እኳ ጸገሞ ደሓር ግና እቲ ዶክተር ብማዕዶ ራኣዮ እሞ “ደሓን ዲኻ” ኢሉ ፍሽኽ ኢሉ ሓተቶ “ዓረክይ ሓሚሙ ተወጺዑ እዩ ዘሎ እቲ ኣብ ዓድና ዘሎ ሓኪም ልዕሊ ዓቕሙ ምዃኑ እዩ ነጊሩና ኣሕዋቱ እገሊት ኣገሊት  ግና ንስኻ ክትሕክሞ ከም እትኽእል ስለ ዝፈለጣ እየን ናባኻ ልኢኸናኒ ስለዚ ዝገደፍካ ገዲፍካ ንዓናይ በጃኻ”

ሰማይ ብሙሉኡ ብጸሊም ደበና ተሸፊኑ ማይ ሃይሂ ክዘንብ ዝደለየ እዩ ዝመስል፣  ብፍላይ መብራህቲ ጠፊኡ ስለ ዝነበረ። ምስቲ ጸሊም ደበና ተደሚርዎ ምድሪ ብጸላማት ተኸቢባ ገሃንም እያ መሲላ፣ ሰዓት 7 ናይ ኣጋ ምሸት እኳ እንተ ነበረ እቲ ዝነበረ ኩነታት ግና ነቲ ምሸት ፍርቂ ለይቲ እዩ ኣምሲልዎ፣ ብፍላይ

Page 4 of 4