24
Fri, Jan
0 New Articles

ምኽፋት መርበብ ኤሪ ሚኒስትሪ

News
Typography
መድሓኒና ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ 9፣37-38 ከምዚ ብምባል ተዛሪቡ ኣሎ። ሽዑ ንደቂ መዛሙርቱ፣ እቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ። ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንኽዓይሉ ዓየይቲ ኺልእከሉ ለምንዎ፣ በሎም።“ እወ ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሓት ነፍሳት ናብ ጐይታ ይመጻ ኣለዎ።

ነዘን ናብ ጐይታ ብብዝሒ ዝውሕዛ ዘለዋ ነፍሳት ከኣ ከም ዝግባእ ዓብየን ፍረ ዘለወን ኰይነን መንግስቲ ኣምላኽ ብዝግባእ ከስፍሓ እንተ ዀይነን ንዐአን ዝኸናኸኑ ዘዕብዩ ኣገልገልቲ የድሊዩ።  ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው እምበኣር ኣገልግሎት ኤሪ ሚኒስትሪ ብዝብል ሽም ኣተክርኡ ኣብ ኣገልገልትን ክፍሊ ኣገልግሎትን ኣብ ዝምልከት ኣስትምህሮን ስነ ሞሎኮታዊ ፍልጠት ንምስናቕ ኣገልግሎት ጀሚሩ ይርከብ።

 

ፍሉይነት ኤሪ ሚኒስትሪ 

ኣገልግሎት ኤሪ ሚኒስትሪ ፉሉይ ዝገብራ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ብቛንቋ ትግርኛ ንኣገልገልቲ ጥራይ እተቶኩር ፈላሚት መርበብ ሓበሬታ ምዃና እያ። ዕላማ ኣተኩረኣ ኸኣ ካብ ኣገልገልቲ ንኣገልገልቲ ዕምቆታውን ስነ መሎኮታውን መሰረታውን ኣስተምህሮታት ምህብ እያ። ነዞም ዝስዕቡ ጽፍሕታት ከኣ ኣገልግሎት ትህብ

  1.     ኣብ ክፍሊ መሪሕነት ንዘለዉ መራሕቲ ኣብያተክርስትያናት 

            2.     ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲ ኣገልግሎት ንዝርከቡ ኣገልገልቲን ጠርነፍቲ ኣገልግሎታትን 

       3.     ናብ ዝተፈላለየ ጽፍሒ ኣገልግሎታት ንምውሳእን ንምስታፍን ኣብ ምድላው ንዘለዉ ምእመን

 

ዕላማ ኤሪ ምንስትሪ 

ቀንዲ ዕላማን ኣተክሮን ኤሪ ሚኒስትሪ

1.     ንመራሕቲ ብዘድልዮም ማለት መሰረታውን ስነ መሎኮታውን ፍልጠት ምቕራብ 

         2.     ዘሎ ዋሕዲ መንፈሳዊ  መምሃሪ ብዝተኻእለ መጠን ምሽፋንን ምቕራብን 

         3.     ኣድለይትን ኣገደስትን መንፈሳዊ ወይ ናይ ስነ መሎኮት መጽሓፍቲ ናብ ትግርኛ ተርጊማ ንኣገልገልቲ ምቕራብ 

    4.     ሓደሽቲ መራሕቲ ምፍራይ

 

ትሕዝቶ መርበብ ሓበሬታ ኤሪ ሚኒስትሪ

 

1.     ካብ ኣገልገልቲ ብዝተፈላለየ መንገዲ ዝቐረበ ጹሑፋት ኣስተምህሮታት ትሩጉማዊ ጹሑፋትን ካልእን ብዝተወሃሃደን በብመስርዑን ትሕዝትኡን ናብ ኣንበብቲ ክቐርብ እዩ።

 

2.     ኣድልይትን እዋናውን ትምህርቲ ብዝተፈላለየ መንገዲ እዚ ኣገልግሎት ከቕርብ እዩ። እዚ ኸኣ ብመጀመርያ በቶም ኣብዚ ኣገልግሎት ዝነጥፉ ኣገልገልቲ ክዕመም እዩ። ካልኣይ ከኣ በቶም ኣብ ትርፊ ግዚኦም ነዚ ኣገልግሎት ፍቓዶም ዝሃቡ ሰባት ክዕመመ እዩ።

3.     ካብ ዝተፈላለየ ናይ መሰል ምቕዳሕ ዘፍቅዳ መርበብ ሓበሬታን ካልእን ብምውሳድ ንኣገልገልቲ ዝጠቅም ዝበልናዮ ኣስትምህሮታት ከነቕርብ ኢና።

 

ተዋሳእ ብስነጽሑፍ
 

ዚኾነ ኣገልጋልን ኣብ ጽፍሒ መሪሕነት ዘሎ ፡ ናይ ምምሃር ጸጋ ዘለዎ ኣብዚ ዕዮ እዚ ክሳተፍ እቲ ኣፍደገ ክፉት እዩ። ንቤተክርስትያንን ኣገልገልትን ኣድላይ መሰረታዊ ትምህርቲ ትብልዎ፡ ንኣገልገልቲ ይረብሕ ኢዩ ትብልዎ፡ ነዛ ዘላን ትመጽእን ናይ ኤርትራ ቤትክርስትያን ኣገዳሲ እዩ ትብልዎ፣-

o       ብጹሑፍ

o       ብድምጺ

o       ብቪድዮ

 

ከተቅርብዎን ከተማሓላልፍዎን ትኽእሉ ኢኹም። ስለዚ ነዚ ክፉት ደገ ተጠቀምሉ።

ስለ ምዕባለ ኤሪ ሚኒስትሪ ዚዉሰድ ስጉምቲታት
 

  • ብዝተከኣለና መጠን ኣብ ምምዕባል ሶፍትዌር እናነጠፍና ኣገልገልቲ ጹሑፋቶም ክጽሕፉን ክእሩምን ክዝርጉሑን ብቀሊል ዓይነት ኣሰራርሓ ክስርሑን ከገልግሉን ክንገብር ኢና።

 

  • ንበጽሕቲ ኤሪሚኒስትሪ ኣብ ንባብን፣ ነቲ ዘንበብካዮ ሪእቶ ምሃብን ()፡ኣብ ምኽፋት ገጽን፡ ኣብ ኣከፋፍላ ዓምድን ኣብ ምርካብ ዘድሊ ኣርእስትን ብዝተኸኣለና መጠንን ቀሊልን ሰሓብን ክንገብሮ ጻዕርና ክኸዉን እዩ። እዚ ክኸዉን ግና ናይ ኣንበብትና ርእይቶ () የድልየና እዩ።

 

መተሓሳሰቢ ንጸፍቲ

 

I.      እቶም ኣብዚ መርበብ ኤሪ ሚኒስትሪ ብዝተፈላለየ መንገዲ ማለት ብጹሑፍ ብድምጺ ብቪድዮ ብምቱርጋም ጹሑፋትን ካልእን ክትሳትፉ እትደልዩ፡ ነዚ ዝስዕብ ረቓሒታት ኣማልኡ

·   ምሉእ ስምኩም

·   ኣገልግሎትኩም

·   እተገልግልሉ ቤተ ክርስትያን

II.      ኤሪ ሚኒስትሪ ወካሊት ናይታ ኣብ ምድሪ ዘላ ማሕበር ክርስቶስ እምበር ናይ ሓንቲ ክፋል ቤተክርስትያን ኣይኮነትን ስለዚ መሰረት እምነታ ኣብ መጽሓፍ ቁዱስ ዝተመስረት ጹኑዕ ከይኑ እቲ ትምህርትታት ዝመጽን ዝመሓላለፍን፡ ንኽብሪ የሱስ ክርስቶስን፤ ምህናጽ እታ ኣካሉ ዚዀነት ቤተክርስትያን እምበር ናይ ማንም መሰረተ እምነት ንምፍላጥ እትሰርሕ ኣይኰነትን። ኣትኩርኣ ንማሕበር ክርስቶስ ንምህናጽ እዩ።

 

III.      መተሓሳሰቢ ዝዀነ ካብ ካልእ ረኺብኩም ዝተርጎምክምዎ ጹሑፋት ወይ ካልእ ዓይነት ትሕዝቶ ዘለዎም ነገራት ብዝተኻለ መጠን ምንጩ ጥቐሱ። እዚ ዓለምለኻዊ ኣሰራርሓን ሕግን እዩ

ጻዊዒት ንኹሉ ኣማኒ

 

ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኩላትና ኢደይ እደይ ኢልና ክንዓዪ ክንዮ ፍልልይና ወጺና ወንጌል መንግቲ ኣምላኽ ከነስፍሕ። ከምቲ ኣብ ዘመን ነህምያ ዝነበረ ናይ ሕብረትን ሓድነትን መንፈስ ኣብ ውሽጥና ጌርና ሕድሪ መድሓኒናን ኣብ ሸቱ ከንብጽሖ ሓላፍነትና እዩ። እዚ ዕዮ እዚ ክዕየ ኸኣ ንዋታውን ገንዘባውን ሓገዝ የድሊ እዩ። ኣብዚ እዋን ዓለምና ንገንዘባ ኣብቲ ሰይጣናውን እከይን ግብሪ ከተውዕሎ ከላ ንሕና ኸኣ ብኣንጻሩ ገንዘብናን ዘሎና ዘበለ ኩሉን ንመንግቲ ኣምላኽ ንምስፋሕ ክንጥቀመሉ ይግባእ።

 

እዚ ሒዝናዮ ተበጊስና ዘሎና ዓለማ ማለት ንኣገልገልቲ ምስልጣንን ብዘድልዮም ነገራት ከኣ ምዕጣቕን ኣብ ሸትኡ ክበጽሕን ኣድማዒ ክኸውንን። ነቶም ሳእን ቋንቋ ኢንግሊዘኛ ዘይምፍላጦም ብዙሕ ንኸየንብብ ዝጽገሙ ዘለዉ ሰባት ከኣ ንምሕጋዝ፣ ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ትግርኛ ንኣገልገልቲ ዝዓለመ ናይ ኤሪ ሚኒስትሪ ኣገልግሎት ንምድንፋዕ ንበገስ ንጽዐር ብዝክኣል ኩሉ ንደግፍ ገንዘብና ኸኣ ነዋፍር። ብድሕሪ እዚ በረኸት ኣምላኽ ኣባና ክዓዝዝ ክንሪኢ ኢና።

 

ኤሪ ምንስትሪ ትሓቶ ባጀት

 

 

ሓንሳእ ዚወጽእ

ወርሓዊ

ዓመታዊ

ቴክኒካል

ናይ ትሕዝቶ መኽዘን (Server)

 

50

600

 

ናይ መርበብ ሓለዋ (Security)

 

25

300

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ትሕዝቶ

ንኣገልገልቲ ኤሪ ምኒስትሪ ብትርጉም ብጽሓፍ

 

700

8400

 

ንተሓጋገዝቲ ኤሪ ምኒስትሪ ብትርጉም ብጽሑፍ

 

500

6000

 

መሰል ምዝርጋሕ መጽሓፍ ሕታት (Copyright)

 

300

3600

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ናዉቲ

5 ኮምፑተር (PC) ንገልገልቲና

3000 (ድሮ ኣለና)

 

 

 

2 ለፕቶፕ (Laptop)

1000 (ድሮ ኣለና)

 

 

 

ግእዝ መጽሓፊን መለወጥን (converter)

75 (ድሮ ኣለና)

 

 

 

ብዲኤፍ ኮንቨርተር (PDF Converter)

45 (ድሮ ኣለና)

 

 

 

ፕሪንተር (Printer)

500 (ድሮ ኣለና)

 

 

 

ስካነር (Scaner)

89 (ድሮ ኣለና)

 

 

 

 

 

 

 

ድምር

 

4709

1575

18300

 

"ሰብ ክሰብ፡ ገንዘብ ክሰር"

 

 

"እሪኢ ኣለኹ፡ እሪ ኣለኹ ፡ ብእምነት ክግሃድ ከሎ ናይ ዉሽጢ ድሌት" (ዘማሪ ዳኔል ሃብተ)

 

እወ ድሌትና ምስፋሕ ወንጌል ምህናጽ ኣካል ክርስቶስን ስለዝኾነ እግዚኣብሄር ድሌትና ብዓወት ከፈጸና ኢዩ።