25
Sat, Jan
0 New Articles

ኣኬባ ሕብረት ወንጌላውያን ኤርትራውያን ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ትማሊ ዕለት 27 የካቲት 2009 ኣብ ሃገረ ኬንያ ከተማ ናይሮቢ ብዓወት ተዛዚሙ።

News
Typography

ሕብረት ወንጌላውያን ኤርትራውያን ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ከም መቐጸልታ እቲ ዝሓለፈ ግዜያት ዝገብሮ ዝነበረ ንጥፈታት ዝሓለፈ ሰሙን እውን ንራብዓይ ግዜ ንጥፈታቱ ኣካይዱ። እዚ "ብቑዑ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ምድላው" ብዝብል ክጋባእ ዝቐነየ ኣኼባ ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ኣፍሪቃን ማከላይ ምብራቕን ኤውሮጳን ሰሜን አሜሪካን ብዝመጹ ተስተፍትን ኣገልግልትን ተረኺቦም።


ብፍላይ ኣብቲ ካብ ሰኑይ ክሳብ ሮቡዑ ዝነበረ ናይ ስልጠናን ናይ ምንቕቓሕን ግዜ ጉሩም ዝኸነ ናይ ኣስተምህሮን ኣምልኾን ጸሎትን ግዜ ኔሩ። ሓውና ፓስተር ጐይትኦም ገብረዮናስን ሓውና ፓስተር ሄኖክ ሃብተን ከኣ ዕሙቕ ዝበለ ንኣገልገልቲ ንእግዚኣብሄር ብቁዑ ህዝቢ ምድላው ብዝብል ኣርእስቲ ኣስተምህሮ ሂቦም። ኣብቲ ካብ ንግሆ ክሳብ ሰዓት ሰለስተ ናይ ምሸት ዝነበረ ናይ ኣገልገልቲ ስልጠና ዝነበረ እዋን ኣስታት 70 ዝዀኑ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣፍሪቓን ማእከላይ ምብራቕን ካልእን ዝመጹ ኣገልገልቲ ተሳቲፎም።

ቀጺሉ ኣብቲ ካብ ሰዓት 3 ክሳብ ሰዓት 7 ዝቐጸለ ናይ ምንቕቓሕ እዋን ድማ ኣስታት 200 ምእመን ተሳቲፉ። ኣብቲ ናይ ኣጋ ምሸት ዝነበረ ናይ ምንቕቓሕ እዋን ከኣ ብሓውና ፓስተር ኣሮን ተስፋይ ካብ ኢማራት ሓውና ፓስተር በየነ ካብ ግብጺ ሓውና ፓስተር ጐይትኦም ገብረዮናስ ከኣ ካብ ሰሜን ኣሚሪካ ንህዝቢ ኣምላኽ ብስብከት ኣገልጊሎም። ኣኼባ ሕብረት ወንጌላውያን ኤርትራውያን ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ብሓሙስን ዓርብን ዕጽው ናይ ኣኬባ ግዜ ድሕሪ ምክያድ ትማሊ ዋና ጸሓፍን ኣቦ ዎንበርን ኣብላት ቦርድን ብምምራጽ ብዓወት ኣኼብኡ ዛዚሙ።