22
Fri, Aug
0 New Articles

ጸብጻብ ጉዞ ናብ ላምፐዱሳ ብኣገልግሎት ራእይ ወንጌል

News
Typography

"ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ርኽሰትን ዘይብሉን ኣምልኾ እዚ እዩ ርእስኻ ካብ ርኽሰት ዓለም እናሓሎኻ ንዘኽታማትን መበለታትን

ኣብ መከርኦምን ጸበብኦምን ምብጻሕ እዩ።" መ ያእቆብ 1፡27

ዕለት 26/02/14

ብመሰረት ዘዋሪት ደብዳቤ ፕሮጀክት ካብ ላምፐዱዛ ፡ በቲ ዘጋጠመ ሽግር ስደተኛታት ኤርትራውያን ፥ ልዕሊ 350 ኣብ ባሕሪ ዝተቐዝፉ ፡ካብኡ ዝተላዕለ ንህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ሓዘን ዝገድፈሉን በዚ መሰረት ከኣ ኣገልግሎት ራእይ ወንጌል ብፓስተር (ቀሺ)


ኣማኑኤል ደበሳይ ዚምራሕ፡ ኣብቲ ቀዳማይ ዕዶት ብብርቱዕ ሓዘንን ስምዒትን ነዚ ህዝቢ ንምድባስን፣ ነቶም ካብ ምድረበዳን ባሕሪ ምጥሓልን ዝተረፉ ኣብ መዓስከራት ስደተናታን ሲሲልያ ዘለዉ፣ ኣብ 'ሚንዮ' (Mino) መሰረታዊ ሓገዛት ክግበረሎም፡ ነቶም ብምውራድ መንፈስ ቅዱስ ዝኣምኑ ማህበራት ኢጣልያውያን፡ ክሳብ

120 ዝበጽሑ መራሕቲ ኣብ ዝርከብሉ ብጸሎቶምን ብትሕዝቶኦምን ሓገዝ ክገብሩ ብምምሕጻን፡ ንሳቶም ድማ በተን ወከልቲ ቤተክርስትያናት ኣብ

ሲሲልያ ዘለዋ ጌሮም ነቶም ኣብ መዕስከር ሚንዮ (ካታንያ) ዘለዉ ኽዳን፣ ሳእኒ . . .ወዘተ ኣበርኪቶም። ይኹን እምበር ነቲ እዋን ዕርቃን ክከድን እኳ እንተተደለየ ዓቀን ብዝምልከት ኣዚዩ ገዚፍን ዘይዕቀኖም ስለዝነበረ ክኽድንዎ ኣይከኣሉን ስለዚ ኣብ መዓላ ኣይውዓለን። ይኹን እምበር ፓስተር ኣማኑኤል ንጀርመን ካብዝምለስ ጀሚሩ ከምቲ ኣብ ጣልያን እንከሎ ነቶም ስደኛታት ኣሕዋናን ንምሕጋዞም ዝከኣል ከም ዝገብር ዘተስፈዎም: ንእ ኦም ዝከውን ሓገዝ ካብ ምንዳይ ከቶ ኣይዓረፈን።

ብእኡ ንቡኡ ከኣ እታ ብፓስተር ኣማኑኤል ምስታ ዝመርሓ 'ኣገልግሎት ራእይ ወንጌል' ናይ ነውሕ ዓመታት ርክብ ዝጸንሓም ጀርመናውያን ፓስተራት ብምርካብ ስለቲ ጉዳይ ከምዝጸለዮን ነቲ ራእይ ብምድጋፍውን ንዘበርክትዎ ሓገዛት እናዞረ ምእካብ ተተሓሓዞ። ብፍላይ ድማ ናይ ጀርመናውያን ጴንጠቆስጣውያን ሕብረት ነዚ ፕሮጀክት ንምድጋፍ የማናይ ኢዶም ምህቦም ስሌኦም ንጎይታ ነመስግን።

ገለ ካብቲ ብጀርመናውያን ሕብረት ኣብያተክርስትያናት ዝተረክበ ኮንቴነር ሓገዝ ኣቑሑት

{gallery}wongelvison/1{/gallery}

ኣገልግሎት ራእይ ወንጌል ነዞም ኣስታት 5,000 (ሓሙሽተ ሽሕ) ዝርከብዎም ኣብ መዕስከር ምንዮ ዘለዉ ስደተኛታትን ካልኦት ካብ 51 (ሓምሳን ሓደን) ሃገራት ዝተሰዱ ዝርከብዎም፡ 650 (ሹድሽተ ሚእትን ሓምሳን) ኤርትራውያን ዝርከብዎም፡ ካብ ኤውሮጳ ቐዳማይ ኮይኑ ዝርከብ መዓስከር ሚንዮ ብምካኑ እቲ ዝተረክበ ሓገዝውን ውሱን ኣብ ልዕሊ ምካኑ ብብቀዳምነት ብምኽንያት ናይቲ ኣብ ላምፐዱዛ ዘጋጠመ ሓደጋ ዝተላዕለ ዝተጎ ዱ ኣክል ህዝብና ንምርዳእ ዝዓለመ ብምንባሩ ነዚ ከኣ ኣብቲ መዓስከር ኬንካ ምዕዳል ንጸጥታ ዘይምችእ ብምንባሩ ፓስተር ኣማኑኤል ገና ኣብ ጀርመን ከሎ ምስታ ናይ ጣልያናውያን ሕብረት ኣብያተ ክርስትያንን ምስቶም ናይቲ መዓስከር ስደኛታትን ኣካየድትን ብምዝታይ እቲ ዝሓሸ ካብቲ ምዓስከር ወጻኢ ስዕደለሉ ስፍራ ምንዳይ ብምንባሩ ካብቲ መዓስከር ዝቀረበት ስትራተጅካዊ ስፍራ ቤተክርስትያን ስኮርዲያ ርክብ ብምግባር እዞም ዝስዕቡ ቅድመ ምድልዋት ንክገብር ስምምዕ ገበረ:

1. ነቲ ኮንቴነር ዘውርድ መሳርሕን መኽዘንን ምርካብ

2. ነቲ ፕርሮጀክት ዝተሓባባሩ ምስ ራእይ ወንጌል ዝመጹ ኣጋይሽ ዝዓርፍሉ መደቀሲ ምድላው

3. ምግቢ ዘዳሉ ከሻኒ ምርካብ

4. ንመጉዓዚ ኣጋይሽ ኣገልገልቲ እትከውን mini-bus ምክራይ

5. ነቶም ስደተኛታት ኣብቲ መዐደሊ ነቁጣ በብተራ ንምምልላስ ኣተገልግል 40-50 እትሕዝ ኣብቶቡስ ምክራይ

6. ሕክምና ኣገልግሎት ዝወሃበሉ ስፍራ ምርካብ

7. ምስቶም ምስ ራእይ ወንጌል ዝመጹ ኤርትራውያን ክርስትያናት ሰብ ሞያ ጥዕና ብምትሕብባር ዘገልግሉ ክርስትያና ዶክተራት ጣልያን ምድላው።

ነዚ ፕሮጀክት ኣብንገብር ዝኮነ ሽግር ምዘጋንፍ ቀዲምካ ምጥንቓቅ ስለዘድሊ ንፓሊስ, ንመንግስታዊ ሰበስልጣናትን ንናይዚ ጠበቓታትን ብግቡእ ሓቢርናዮም ኢና።


ፓስተር ኣማኑኤል ምስ ኣዛዚ ፓሊስን ምስቶም ካብ ጀርመንን ዓዲ እንግሊዝ ዝመጹ ዓየይቲ ወንጌልን ዘርኢ ስእሊ

{gallery}wongelvison/2{/gallery}

እዚ ኩሉ መደብ ከምቲ ዝወጸ መድብ ተዳለወ ምስተወድኤ እቲ ሓገዝ ዝጸዓነ ኮንቴነርብ February 3rd 2014 ካብ ጀርመን ምስ በጽሐ ብምትሕብባር ቤተክርስትያን ጣልያናውያን ከምተራገፈን ንምዕዳል ብዝምችእ ስፍራኡ ምስሓዘ ዘርኢ ስእሊታት

ፓስተር ኣማኑኤል ከምቲ ዘውጽኦ መደብ ነቶም ካብ ጀርመን ምስኡ ኣሰንዮሞ ዝመጹ መተዓይይቲ ኣገልግሎት ራእይ ወንጌል ኣሰንዩ ናብቲ ረድኤት ዝተኣከበሉ መኽዘብ እናዞረ ብምብጻሕ ምስቶም ነቲ ዕዮ ኣብምድላው ዝድግፉ 20 ስደኛታትን ኣመንቲ ጣልያናውያን ብምትሕግጋዝ ንምዕዳል ብዝጥዕም ኣገባብ ኣዳልዮም

ካብቶም ስደኛታት ኣሕዋትና ነቲ ዝመጸ ሓገዝ ኣብ ምዝርጋሕ ዝተሓባበሩ 20 ሰባት ብኣውቶብስ ብምምጻእ ኣብት ምድላው እናነጥፍ ዘርኢ ስዕሊ

February 8h and 9th ነቶም ስደተኛታት ካብቲ መዓስከር CARA of Mineo ናብቲ መዐደሊ ነቑጣ the Pentecostal church of Scordia ብኣውቶቡስ ብምጉዕዓዝ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎት ክንህብ ጀመርና።

ፓስተር ኣማኑኤል ምስ ጀርመናዊ ፓስተርን ሓው ጎይትኦም ስዩምን ዶክተር ይትባርኽን መንፈሳዊ ኣገልግግሎትን ምኽርን እናሃቡ

{gallery}wongelvison/3{/gallery}

እቶም በብሓምሳ ብኣውቶቡስ ንምርመራ ዝመጹ ፍሉይ ሕክምናዊ ደገፍ ዘድልዮምውን ጥራይ ልዕሊ 350 ኽኾኑ ከለዉ ብክርስትያናት ዶክተራት ነርሳትን ሕክማዊ ኣገልግሎት ዝተዋህቦም ክኸውን ከሎ ካብዚኦም

• ናይ ደም ምርመራ

• ናይ ማሕጸን ምርመረ

• ሓፈሻዊ ዉሽጣዊ ምርመራ

• ገሊኦም ድማ ውሽጣዊ ምርመራ

• ስካን ንነብሰጾራትን

• ናይ gynecological checks ዝተገብረሎም እዮም።

ሓካይምን ነርሳትን ኣብ ሞያዊ ዕዮ ፓስተር ኣማንኤል ኣብ ምትርጓም ቋንቋ ጣልያነኛ እናደገፎም

ገለ ኣብዚ ዝተሳተፉ ሓካይም፦

• ዶ/ር ሉናያ ናይ ማህጸን ምርመራን ደም ምርመራን

• ዶ/ር ግሬሳ ካብ ስኮርድ ደም ብምውሳድ ምርመራ

• ዶ/ር ዘርኣብሩኽ ካብ በርሊን ጀርመን ደጋውን ውሽጣዊ ናይ ደም ምርመራ

• ነርስ ሕሉፍ ካብ ጀርመን ደም ምርመራን ምኽርን

• ነርስ ሰናይት ደም ምርመራን ምኽርን

ፓስተር ኣማኑኤል ምስቶም ነጻ ኣገልግሎት ሕክምና ዝሃቡ ዶክተራትን ነርሳትን ኣመንቲ ኣብቲ ንሕክምና ዝተዳለወ ክሊኒክ

{gallery}wongelvison/6{/gallery}

እቲ ዝተገብረ ምርመራ ደም ድማ ብፓስጣ ጌርካ ብኽብርን ብዘድሊ ምኽርን ብሓካይም ተዋህበ። ነቲ ናይ ማሕጸን ምርመራን ሓፈሻዊ ምርመራን ውጽኢትን ምስ ኮሚተ እቲ መዓስከርን፣ ሕብረት ሓካይምን፣ ኣገልግሎት ራእይ ወንጌልን ብምዃን ብክብሪ ተጌሩ።

ኣገልግሎት ራእይ ወንጌል ነዞም ኣስታት 5,000 (ሓሙሽተ ሽሕ) ኣብ መዕስከር ምንዮ ዘለዉ ስደተኛታትን ካልኦት ካብ 51 (ሓምሳን ሓደን) ሃገራት ዝተሰዱ ዝርከብዎም፡ 650 (ሹድሽተ ሚእትን ሓምሳን) ኤርትራውያን ዝርከብዎም፡ ብፍቕሪ ኣምላኽ ንምጻሕ ብዘለዋ ራእይን ዕላማን ዝተላዕለ ብምሕትብባር፦

• ሕብረት ኣብያተክርስትያን ኤርትራ ኣብ ኤውሮጳ (ሕክኤኤ):

• ጀርመናውያን ኣመንቲ የዕሩኽ ኣገልግሎት ራእይ ወንጌል

• ብሕብረት ኤርትራውያን ሞያውያን ሕክምና

ብዝተረኽበ ሓገዝን ደገፍን ኣገልግሎት ራእይ ወንጌል ነቲ ዝኣተወ ትሕዝቶ ዓብዪ ኮንቴነር ንምዕዳል ዓበይቲ ኣውቶቡሳት ብምሓዝ ነቶም ኣብ ስኮርድያ ሲሲልያ ዘለዉ በብሓምሳ እንገበረ ናብቲ ዝተዳለወ መቐበሊ ቦታ : መዓደሊ ሓገዝ: ክሊኒክ መመርመሪ ደም : መመርመሪ ማህጸን ንምሃብ ብቤተክርስትያን ኢጣልያውያን ስኮርድያ ዝተላወ ስፍራ ምሉእ ኣገልግሎት ተዋህቦም። በዚ ኣጋጣሚ ቤተክርስትያን ኢጣልያውያን ስኮርድያ ህዝብና ከነገልግለሉ ብምሉእ ልቦም፣ ቤቶም፣ ጉልበቶም ፣ ኣዳልዮም ብምሃብ ሓገዝ ዝወፈዩልና ስሌኦም ንኣምላኽና ነመስግን።

ብድሕሪዚ ከኣ ነቶም ስደትኛታት እቲ ካብ ጀርመን ተጻዒኑ ዝመጸ ኮንተይነር። መድሃኒታት : ሞደሳት: ሳእኒታት: ኮፐርታታት: ሳቡናታት: ኦሞታት: ፖስታታት : ሓርጭ እክሊ: ስንጀር መፈዩ ክዳውንቲ: ኮምፒተራት: (computers, printers, keyboards, mouse, monitors): ዕረብያ ንስንኹላት (Wheel chair ) ኣብ ርእሲኡውን መጽሓፍቅዱስ ትግርኛ: ትራክትን መጽሒታትን ገል ህያብ ንቆልዑን ስደተኛታት ክዕደል ተኻኢሉ።

ካብቲ ንመጻኢ ደገፍን ምክትታል ዘድልዮን ሸነኽ ውሽጢ ምስ ራእይ ወንጌል ብምትሕብባር ክወሃብ ከምመደብ ዝተታሕዘ እተን ዝተዓደላ

1. ኮምፒተራት: ነቶም መንእሰያን ግዜኦም ንክጥቀሙ መደብ ትምህርቲ ኮምፑተር ክጅመር መደብ ተሰሪዑ ኣሎ

2. ሲንጀር መኪናታት መስፈዩ ክዳን: መባእታዊ ቅዲ ስፌት ክዳን ብምውሳድ ክጥቀማ (ክጥቀሙ) ተመዲቡ ኣሎ።

3. እቲ ዝመጸ መሳርሒ/ናውቲ ሕክምና: በቶም ናይ ሕክምና ሞያ ዘለዎም ክካየድ ምስቶም ሕብረት ዶክተራትን ነርስን (ሓካይም) ድማ ንቀጻሊ ርክብ ብምግባር ክኸይድ።

ብዕለት February 11th DNA ንምዕቃብ ዝኣከብናዮ ናይ ደም ምራቕ ሳምፕልን ሓዝና ንምርምር ላብራቶሪ ዶክተር ናብ ኣግሪጀንቶ (Agrigento) ከድና ኣብዚሕናዮ። ነዚ ከኣ ነቶም ኣብ መርከብ ምጥሓል ቤተሰቦም ዝተጎዱእዎም ግዳያት ቤሰሰቦም ንምርካብ ዝሕግዝ ብምኳኑ ብዙሓት ሰባት ነዚ ክህቡ ፍቃደኛታት ኮይኖም እዮም።

ብዕለት February 12th ከኣ ነቲ ን ኣካል ህዝብና ዝተመደበ ሓገዝ ምሃብ ምስወዳእና ነቲ ዝተረፈ ክዳውንቲ ናብቲ መዓስከር ብምውሳድ ኣብጺሕናዮ።

ቃል ምስጋና፦

• ነቶም ኣብ ሲሲልያ ስኮርድያ ዘላ ኣሕዋት ቤተክርስትያን ኢጣልያውያን፡ ቤተክርስትያኖም፣ ቤቶምን፣ ሳሎን፣ ቀጽሪ ኣጸድ (ካንቸሎ)፣ ብምሃብ ዝገብርዎ ሓገዝን ዘርኣይዎ ፍቕርን፡ ንኣገልግሎት ራእይ ወንጌልን ስደተኛታት ኩሎም ሓጎሶም ብምግላጽ ኣመስጊኖም።

• እቲ ክዳን ካብ ብጽሒ ምእመናን ዝተኣከበ ኮይኑ፡ መኽዘን ብምሃብን ነቲ ክዳውንቲ ብማሽን ምብዕጻፍ ዝተሓባበሩና ሕብረት ኣመንቲ ጀርመንውያን፡ ኣገልግሎት ራእይ ወንጌል ንኹሉ ተመስግን ኣላ።

ኣገልግሎት ራእይ ወንጌል ድማ ካብዚ ኣስዒባ ድማ ነቲ ዝተረኽበ ሓገዝ ንምልኣክን ኣብኡን ዝልወና ወጻኢ ንምሽፋን ገና ዝይተዛዘመ ዕዮ ስለዝነበረ ነቲ ጾር ንቦርድ ሕብረት ኤርትራውያ ኣብያተ ክርስትያን ኣብ ኤውሮጳ (ሕከኤአ) ምስ ኣካፈልናዮም የማናይ ኢዶም ብምሃብቦ ስሊኦም ንኣምላኽ ክብሪ ንህብ። ካብዚ ብምልዓል ድማ ንኵሎም ኣባላት ፈጽሚት ኣካል ኤርትራውያን ክርስትያናት ሕብረት ኤውሮጳ (ሕክኤኤ)ን ነተን ነዚ ናይ ጥልያን ፕርጀክት ኣብ ምድጋፍ ዛጊት ገንዘብ ብምውፋይ ዝተሓባበራና ኣብያተክርስትያናትን ፍሉይ ምስጋና ነቕርብ። ንሳተን ክኣ፦

• ኬብሮን ቤተክርስትያን ለንደን ዓባይ ብሪጣንያ

• ሻሎም ቤተክርስትያን ኦስሎ

• ቤተኤል ቤተክርስትያን ኤርትራ ለንደን ዓባይ ብሪጣንያ

• ወንጌል ንኹሉ ዓለም ቤተርስትያን ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል

• ኣጋፐ ቤተክርስትያን ማንቸስተር ዓባይ ብሪጣንያ

• ምሉእ ወንጌል ቤተክርስትያን ማልታ

ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ብሕክኤኤ ተወኪሉ ምሳና ንከገልግልን ነቲ ዕዮውን ብቀረባ ንክርእዮን ተመዚዙ ዝተላእኸ ሓውና ኣገልጋሊ ጎይትኦም ስዩምውን ናይ ስርሑ ዕረፍቲ ወሲዱ ብምምጻእ ብብዙሕ ከምዝጠቀመናን ነቶም ስደተኛታት ወገንናን ንጣልያንውያንን ኣብተረክቦ ኣጋጣሚ ኵሉ ብምጽንንናዕ ብቃል ኣምላኽ ከገግልግሎም ብምክኣሉ ስለቲ ሰናይ ትግሃቱን ጸዓቱን እግዚኣብሄር ይባርኻ ብምባል ስሊኡ ንጎይታ ነመስግን።

ስለዚ ግሩም ዕዮ ውንጌል ንኩሎም ዕዮ ዝተሳተፉ ዓየይቲ ወንጌል: ሰበኽቲ: ፓስተራት: ዶክተራትን ነርሳትን ንኣምላኽ ኣዚና ነመስግን። ኮታ ንኩሉኹም ብሓሳብን ብምኽርን ብጸሎትን ብንዋትን ገንዘብን ዝደገፍኩም ብሓበራ ምስጋናና ወሰን የብሉን እሞ እግዚኣብሄር ይባርኽኩም ይባርኽኹም።

ብሓፈሽኡ እቲ ዕዮ ብዘይ እቲ ናይ ንዋት ሓገዝ: ወንጌል ኣብ ምዝርጋሕውን መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ:, ብራእይ ውንጌል ዝተዳለው ሓደሽቲ ሕትማት ትራክትን መንፈሳዊ መጽሔትን ብምዕዳል ብስብከት ብምግልጋልን ብዝምሽእ ናይ ወንጌል ሃዋሁ ኣስልጦ ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ።

ኽቡራት ኣሕዋት ኣብዚ ከይገለጽናዮ ክንሓልፍ ዘይብሉ እቲ ዕዮ ቐጻሊ ኣብ ልዕሊ ምኳኑ: እዚ ክሳዕ ሕጂ እቲ ዝተዋጽኤ ሓገዝን ዝወጸ ወጻኢን ናይ ግድን ነቲ ዕዮ ንምዕያዪ ዘውጻእናዮ ወጻኢ ካብቲ ኣታዊ ሕልፍ ዝበለ ብምንባሩ ዛጊት ዘይተሸፈነ ዕዳ ስለዘለና ነዚ ብምርዳእ ነቲ ዘለና ድሮ ዘውጻእናዮ ዝያዳ ወጻኢ ንምሽፋን ድዩ ንመጻኢ ብኣገልግሎት ራእይ ወንጌል ንንህቦ ኣገልግሎት ብምድጋፍ ሓገዝኹም ኣብ ምውፋይ ኢድኹም ክትዝርጉሑልና ንኵለን ኣብያተክርስትያናት ክትነግሩልናን ብምሕረት ኣምላኽ ጻውዒትና ንቕርብ።

"እቲ ኣገልግሎት እዚ ግብሪ እዚ ብብዙሕ ምስጋና ንኣምላኽ ጸብለል ይብል እምበር፡ ጐደሎ እቶም ቅዱሳን ጥራይ ኣይኰነን ዚምልእ፡ንሳቶም ብምጽራይ እዚ ኣገልግሎት እዚ ንምእማን ወንጌል ክርስቶስ ስለ እተገዛእኩም፡

ስለቲ ንኣታቶምን ንዂሉን ዚኸውን ልግሲ ሐገዝኩም ንኣምላኽ የመስግኑ እዮም።

ንሳቶምውን ስለቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ማእለያ ዜብሉ ጸጋ ኣምላኽ ምእንታኻትኩም እናጸለዩ ይናፍቑኹም እዮም። ስለቲ ዘይንገር ውህበቱ ንኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ።" 2ቆረ 9፡12-15

ካብዚ ዕዶት ምስተመለስኩ ከኣ ምስ ዶር ኢምስት ዝብሃል ጀርመናዊ ዲፕሎማት ብምዕላል ነቲ ኣብት መዓስከር ዝርኤ ገለ ገለ ጸገማት ስደኛታት ቆላሕታ ክግበረሉ መንግስቲ ጀርመን ክጽሓፈሎም ተዘራሪብና ኣሎና እሞ ኣብ ጸሎትኹም ዘኽሩና።

N.B. ሓው ጎይትኦም ኣብቲ ዝነበረና ዕዮዘለዎ ትዕዝብትን ዝሃቦ ርእይቶን ለበዋን ኣብዚ ጥብቆ ኣተሓሒዝና ንሰደልኹም ኣለና።

ኣገልግሎት ራእይ ወንጌል ፓስተር ኣማኑኤል ደበሳይ

Gospel vision Ministry .......... Tel. 0049 6101407908 (Home) 0049 17620461911 (Mob.)