ናብ ዝኸበርኩም ህዝቢ ኣምላኽ፡
ኣቐዲምና ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ የሱስ ክርስቶስ ጎይታናን ጸጋን ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን። ካብዚ ቀጺልናውን ብሕብረት ወንጌላውያን ክርስትያናት ኤርትራ ኣብ ጀርመን ካብ ዕለት 29/10/2010 ክሳብ 31/10/2010 ብሓብትና ወንጌላዊት ሳራ ክብረኣብ ካብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ሴሚናር (ጠቓሚ ትምህርቲ) ክወሃብ ተዳልዩ ስለ ዘሎ መጺእኩም ተማቐልቲ በረኸት ክትኮኑ ብኽብሪ ንዕድመኩም።
እንታይ ክትርኢ ትመጽእ ኣለኻ ህዝቢ ኣምላኽ?
„...እምበኣር በጃኻ ክብርኻ ኣርእየኒ..."
(ዘጸ 33፡18)
ከምቲ ሙሴ ክብሪ ኣምላኽ ንኽርኢ ዝጸምእ ዝነበረ፡ ነፍስ ወከፍና ድማ በዚ ሓሳብ'ዚ ተመሊእና ክንመጽእ ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ፡፡ ዘይደለየን ዘይጸመአን ዘይተጸበየን ዘይአመነን ክረክብ ስለ ዘይክእል፡ መዓልቲ ምብጻሕ
እግዚኣብሄር መታን ክኾነልና ደሊና፡ ጸሚእና፡ ተጸቢናን ኣሚንናን ክንመጽእ ይግባኣና፡፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ደጀንና ክኸውን፡ ብርሃንና ከም ወጋሕታ ኮይኑ ክወጽእ፡ ምሕዋይና ቀልጢፉ ክግለጽን ጽድቅና ቀቂድሜና ክኸይድን መንፈስና ኣዳሊና ንምጻእ! ሽዑ ዝፈረሰ ክህነጽ፡ ዝተበላሸወ ክዕረ፡ ንወለዶ ዝኸውን መሰረት ክትከል እዩ፡፡ (ኢሳ 58፡8, 11-12)
ዝርዝር መደብ
ዕለት
ጊዜ
መደብ
29/10/2010
(ዓርቢ)
17፡00 - 17፡45
17፡45 - 18፡30
18፡30 - 20፡30
20፡30 - 21፡00
ጸሎት
ኣምልኾ
ቃል ኣምላኽ
ኣምልኾ
30/10/2010
(ቀዳም)
10፡00 - 10፡30
10፡30 - 11፡15
11፡15 - 12፡45
12፡45 - 13፡00
13፡00 - 14፡00
14፡00 - 14፡30
14፡30 - 15፡00
15፡00 - 17፡30
17፡30 - 18፡00
ጸሎት
ኣምልኾ
ቃል ኣምላኽ
ኣምልኾ
ምሳሕ
ጸሎት
ኣምልኾ
ቃል ኣምላኽ
ኣምልኾ
31/10/2010
(ሰንበት)
10፡00 - 10፡30
10፡30 - 11፡15
11፡15 - 12፡30
12፡30 - 13፡00
ጸሎት
ኣምልኾ
ቃል ኣምላኽ
ኣምልኾ
ሓበሬታ፡
ፍጹም ገብረእግዚኣብሄር 0176-53359419
ስብሓት ኣስፋሃ 0176-54892204
ተሾመ ተስፋጽዮን 0176-54091248
ሴሚናር ዝካየደሉ ቦታ፡
ዓርብን ቀዳምን Haus der Jugend
Deutschherrnufer 12
60594 Frankfurt
ሰንበት፡ SAALBAU MÜZ Schönhof
Rödelheimer Straße 38
Frankfurt West
ብደሓን ምጹ
ሴሚናር ብሕብረት ወንጌላውያን ክርስትያናት ኤርትራ ኣብ ጀርመን
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode