11
Sun, May
0 New Articles

ሴሚናር ብሕብረት ወንጌላውያን ክርስትያናት ኤርትራ ኣብ ጀርመን

News
Typography

ናብ ዝኸበርኩም ህዝቢ ኣምላኽ

 ኣቐዲምና ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ የሱስ ክርስቶስ ጎይታናን ጸጋን ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን። ካብዚ ቀጺልናውን ብሕብረት ወንጌላውያን ክርስትያናት ኤርትራ ኣብ ጀርመን ካብ ዕለት 29/10/2010 ክሳብ 31/10/2010 ብሓብትና ወንጌላዊት ሳራ ክብረኣብ ካብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ሴሚናር (ጠቓሚ ትምህርቲ) ክወሃብ ተዳልዩ ስለ ዘሎ መጺእኩም ተማቐልቲ በረኸት ክትኮኑ ብኽብሪ ንዕድመኩም።

 እንታይ ክትርኢ ትመጽእ ኣለኻ ህዝቢ ኣምላኽ?

 „...እምበኣር በጃኻ ክብርኻ ኣርእየኒ..."

(ዘጸ 33፡18)

ከምቲ ሙሴ ክብሪ ኣምላኽ ንኽርኢ ዝጸምእ ዝነበረ፡ ነፍስ ወከፍና ድማ በዚ ሓሳብ'ዚ ተመሊእና ክንመጽእ ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ፡፡ ዘይደለየን ዘይጸመአን ዘይተጸበየን ዘይአመነን ክረክብ ስለ ዘይክእል፡ መዓልቲ ምብጻሕ


እግዚኣብሄር መታን ክኾነልና ደሊና፡ ጸሚእና፡ ተጸቢናን ኣሚንናን ክንመጽእ ይግባኣና፡፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ደጀንና ክኸውን፡ ብርሃንና ከም ወጋሕታ ኮይኑ ክወጽእ፡ ምሕዋይና ቀልጢፉ ክግለጽን ጽድቅና ቀቂድሜና ክኸይድን መንፈስና ኣዳሊና ንምጻእ! ሽዑ ዝፈረሰ ክህነጽ፡ ዝተበላሸወ ክዕረ፡ ንወለዶ ዝኸውን መሰረት ክትከል እዩ፡፡ (ኢሳ 58፡8, 11-12)

 


ዝርዝር መደብ

 

ዕለት

ጊዜ

መደብ

 

29/10/2010

(ዓርቢ)

17፡00 - 17፡45

17፡45 - 18፡30

18፡30 - 20፡30

20፡30 - 21፡00

ጸሎት

ኣምልኾ

ቃል ኣምላኽ

ኣምልኾ

 

 

30/10/2010

(ቀዳም)

10፡00 - 10፡30

10፡30 - 11፡15

11፡15 - 12፡45

12፡45 - 13፡00

13፡00 - 14፡00

14፡00 - 14፡30

14፡30 - 15፡00

15፡00 - 17፡30

17፡30 - 18፡00

ጸሎት

ኣምልኾ

ቃል ኣምላኽ

ኣምልኾ

ምሳሕ

ጸሎት

ኣምልኾ

ቃል ኣምላኽ

ኣምልኾ

 

 

31/10/2010

(ሰንበት)

10፡00 - 10፡30

10፡30 - 11፡15

11፡15 - 12፡30

12፡30 - 13፡00

ጸሎት

ኣምልኾ

ቃል ኣምላኽ

ኣምልኾ

 

ሓበሬታ  

ፍጹም ገብረእግዚኣብሄር 0176-53359419

ስብሓት ኣስፋሃ        0176-54892204

ተሾመ ተስፋጽዮን           0176-54091248

 

ሴሚናር ዝካየደሉ ቦታ፡

ዓርብን ቀዳምን Haus der Jugend

                            Deutschherrnufer 12

                            60594 Frankfurt

ሰንበት፡   SAALBAU MÜZ Schönhof

                   Rödelheimer Straße 38

                   Frankfurt West

 
ብደሓን ምጹ