23
Thu, Jan
0 New Articles

ጸብጻብ ኣብ ካርቱም ዝተኻየደ ዓቢ መንፈሳዊ

News
Typography

ካብ ዕለት 26-03-09 ክሳዕ ዕለት 29-03-09 ኣብ ከተማ ካርቱም ሱዳን ዓቢ መንፈሳዊ ኮንፈረንስ ተኻይዱ። ኣብቲ ዝተኻየደ ኮንፈረንስ ወንጌላዊ ሳምሶም መብራህቱን ዘማርን ፓስተርን መልኣከ ሞሳዝጊ ካብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ዘማሪ ተመስገን ማርቆስ ካብ ኢትዮጵያ ከምኡውን ዘማሪት ምሕረት ገብረታትዮስ ካብ ካርቱም ሱዳን ተረኺቦም ንህዝቢ ኣምላኽ ኣገልጊሎም። ከም ዝፍለጥ ወንጌላዊ ሳምሶም ተደጋጋሚ ናይ ወንጌል ወፈራ ንምክያድ ናብ ካርቱም ንብዝሕ ዝበለ ግዝያት ክመላለስ ጸኒሑ ኣሎ። ዘማሪ ተመስገንን ፓስቶርን ዘማርን መልኣከ ግና እዚ ኮንፈረንስ እዚ ኣብ ሱዳን ንመጀመርታ ግዚኦም እዩ።


ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ወንጌል ወፈራ 157 ነፍሳት ንጎይታ የሱስ ክርስቶስ ከም ናይ ብሕቲ መድሓኒ ብምቕባል ናብ እምነት ክመጻ ከለዋ፡ ብዙሓት ውን ተጸናኒዖምን ተበራቲዖምን። ኣብዚ ኮንፈረንስ እዚ ልዕሊ 1000 ሰባት ውን ተሳቲፎም።

ነዚ ኮንፈረንስ እዚ ፍሉይ ድምቀት ዝወሰኸሉ፡ ብፓስቶር መልኣከ ዝቐረበ ብኽራር ዝተሰነየ ባህላዊ ናይ ትግርኛ መዛሙር ኣዝዩ ዝባርኽን ሓድሽ ኣንፈት ንመዛሙር ትግርኛ ዝእምትን ኔሩ።

ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ ተኸታተልቲ መዓልታት ናይ ኣምልኾን ናይ ወንጌል ወፍርን ድማ እቲ ኮንፈረንስ ብዓወት ተዛዚሙ። እዚ ኮንፈረንስ እዚ ብምትሕብባር ንፍታሌም እምነት ዓለም-ለኻዊት ቤተክርስትያንን ህያው የሱስ ዓለም-ለኻዊ ኣገልግሎት ምዝርጋሕ ወንጌልን እዩ ተኻይዱ።

ምንጪ ጋዜጣ ኤሊም

ንፍታሌም እምነት ዓለም - ለኻዊት ቤተክርስትያን

ካርቱም - ሱዳን