26
Thu, Jun
0 New Articles

ካብ ሱዳን ናብ ልብያ!

Witness
Typography
መጀመርታ ሰምሰርቲ (ደለልቲ) ኣለዉ ምስኦም ትሰማማዕ። ማለተይ ብዛዐባ ዋጋ ቀጺሎሞ ኣስቢዛ ግዛእ ይብለካ። ሽቅ ከይድኣስቢዛ ትገዝእ ናይ ምብጋስ መዓልቲ ይነግረካ ዋጋ ገንዘብ እውን 250-300 ዶላር ይበጽሕ  ኒሩ። ኢዚ ኣብቲ ዝነበርናሉ ግዚ ማለተይ 2004 ዓ.ም. እዩ። ሽዑ ብኣዉቶብስ ካብ ጫፍ ሱዳን እንድርማን ዝበሃል ኣውጺኦምና ኣብ ሓደ ገዛ ዓጺዮምና ድሕሪ ምውዓሎም ኖኣና ንሓደ መዓልቲ ምሸት ከኣ ምስ ኮነ ሓንቲ ዮታ ኣምጺኦም 39 ሰብ ጺዒኖምና

ብኢመይል ዝመጸና ጹሑፍ። መሰል ጸሓፊ ክሕሎ ኣይተኣረመን!

 

ድሕሪ ምውዓሎም ኖኣና ንሓደ መዓልቲ ምሸት ከኣ ምስ ኮነ ሓንቲ ዮታ ኣምጺኦም 39 ሰብ ጺዒኖምናኣብ ምድረበዳ ኣብ ሳሃራ ከይበጻሕና ከለና ማኪና ተበላሸውት። ገንዘብ መዓረይ ኣዋጹኡ እሎምና 500 ዶላር ሂብናዮምንዓና ኣብ ሓደ ቦታ ኣቀምጦም ድማ ግዲፎምና ከዱ፡ ኣምላኽ ረዲኡና ድማ ድሕሪ ሰሙን መጺኦምና ናብ ሳህራ ተበጊስና ሓደ መዓልትን ሓደ ለይትን ብዘይ ምቁራጽ ተጋዓዝናመግብናንን ማይና ፍርቁ ኣቡኡ ከለና ተወዲኡ ኣብ ማእከል ሳህራ ምስ ኣቶና መኪና እንደገና ተበላወት ብርቱዐ ጸሓይ ስለ ዝነበረ ኩሉ ሰብ ተስፋ ቆሪጸ። ኣብ ሞንጎና ሞተረ ዝተበላሸወ ከዐርዩ ዝኽእሉ ኣጋጣሚ ሰብ መካኒክ ስለ ዝነበሩ ምስቶም ሱዳናውያን ኮይኖም ኣዐረይዋ።

ንፍርቂ መዓልቲ ዝውን ተጋዓዝና፡ ግና እንደገና ተበላወት ኣብ ሕጻ እንዳ ተሰከለት ኣሰገረትና ትስከል ፍሕና ነውጻኣ ትሰከል ፍርሕና ነውጻኣ ከምዚ ክንገብር ሓደ ሰሙን ወሰደልናመሳርፍና ተወዴአ ማይውን ከሙኡ ኩሉ ሰብ ደኸመ። ተስፋ ዉን ብኹሉ ቆረጽና ካብ ዝገርመኩም ኣብዚ ኩሉ ጉዐዞ ግን ምትሕልላፍ ነበርና ምኽንያቱ ካብቶም 35 ሰባት፡ 2 ቆሉዑ 10 ደቂ ኣንስትዮ እቶም ካሎኦት ከኣ ኣወዳት ነበርና ማይ ነቶም ቆሎዑ ተባህሉ ብሓልዮት ተፈልዩሎም ንሕና ከኣ ኣብ መዓልቲ ሓንቲ መክደኒ ብራካ ንሰቲ ነበርና። ዳሓር ግን ዋላ ንሱ እውን ተወደኣና።

ኣብቲ ግዚ እቲ ነብሲ ወከፍ ሰብ ንኣምላ ይልምን ነበረ ትዝ ይብለኒ እተን ኣዋልድ ስእሊ መድሃኒ ኣለም ሒዜን ይበያ ነበራ ገለ ካብ ዓቅሊ ጽበት ኣብ ጎቦ ደይባ ኣፋ ሃህ ብል ነበረት፡፡ ገለ እውን ንታ ትሰቲ ተገዲዳ። ዋላ እቶም ሱዳናውያን እውን ከማና ተስፋ ቆሪጾም ነበሩ እቲ ቀንዲ ጸገም ምስዝነ ሰብ ንራበሉ ተሊፎን ኣይነበረናን ብምኻኑ ኢዩ። ናይ ዓቅሊ ጽበት ነታ መኪና ውሑዳት ሰባት ፈተንዋ ካብ ዘላቶ ክንለቃ። ለይቲ ስለ ዝነበረ ዛሕሊ እውን ስለ ዝነበረ ኩሉና ተሓጋግዝና ኣውጺእናያብ ተስፋ እውን ረብና መንገዲናዉን ናይ ሊብያ ገጽና ቀጸልና ምስ ወግሐ ሓድሽ ሬሳ ናይ 2 ሰብ ረብና። ነፍስና ስለዘስካካሓ ንዐኦም ቀበርናዮም ግን ብጣዐሚ ኩልና ነቲ ረሳ ምስ ረኣናዮ ተስፋ ቆረጽና 5 ሰዓት ኣቢልና ምስ ከድና ካባና እውን 2 ሞቱ ንሕና እውን ከሞኦም ምትና ንጽበ ነበርና ምብካይን  ተስፋ ምቅራጽን ስለ ዝነበረ ፋሕ በልና ናብቲ ከባቢ ኣምላ ዝበሎ ስለ ዘተርፍ ግን ኣብቲ ናይ መጨረስታ ሃላዋትና ከነፍእ ምስ ጀመርናኦት ሰባት ዝሓዘት መኪና ብማዓዶ ረኣናያ ጻዓዳ ክዳን ርና ምልክት ምስ ገበርናሎም ከኣ መ ንሶም እውን ካባና ይሕ  እምበር ኣስቢዛን ማይን ኣይነበረኦምን፡፡ ግን ተሊፎን ነበሮም፡፡ እታ ናቶም መኪና ነታ ናትና ስሒባ ኣውጻኣታ ኣብቲ ግዚ እቲ ግን ካብቲ ክንደይ ህይወት ዝወሓጠ ሳሃራ ብምግልጋልና  ንኣምላ ዓይቢ ምስጋና ብሕልና ኣቅረብና ተሊፎን ደዊሎም ብቁልጡፍ መኪና ክመጻ ከም ዘለወን ንልብያ ደውሉ ልብያውያን ከኣ ንረዴትና ገዲስዎም ዘይኮነስ ንገንዘብ ክድሉቡ ካባና

ናብ ዋጋ ንብልቃዚ ትብሃል ዓዲ (ከተማ) 300 ዶላር ተሰማማዒና። ነዚ ዝበሉና ከኣልናዮም ኣብዚ ግን ንዘይብሉን ንዝጎደሎምን እንዳ ተሓጋገዝና ኢና ክንገብሮ ዝኸኣልና። ከሙኡ ሳላ ዝገበርና ከኣ ኣብዚ በጻሕና ኣዋልድ  ስለ ዝነበራና ንዐኣን ክወስ ብዙሕ አ ንሕና ግና ኣብ ማእከልና ኣቀመጥና ከላእናዮም ብዙሓት ስለ ዝነበርና ሕብረት ስለ ዝነበርና ከላእናዮም ኣብ ክልተ ማኪና ሓሲቦም ኣቢናዮም ንሶም ዓላምኦም ነተን ኣዋልድ ክወስድ እዩ ኒሩ ብክልተ ካራ ብዙሕ ኬፈራርሑና ጀሚሮም ንሕና ግን ኣይተግደስናሎምን ኩነታትና ምስ ረኣዩ ግን ነቲ ሕማቅ ሓሳቦም ተስፋ ከዘይብሎም ተገንዘቡ። ብድሕሪዚ ፈተነታት ሕዞምና ኩፍራ ኣተና። ትኽ ኣቢሎም ኣብ መዝራዓ (ጀርዲን) ድማ ኣእቶውና። ኣብኡ  ቡንባ ማይ ምስ ረኣና ኣብ ሓዲስ ዓለም ወይ ኣብ ገነት ዝኣቶና ኮይኑ ተሰመዓና። ኣቡኡ ደርቢዮምና ከኣ ጠፉኡ

ኣብ ቢቃዚ ከተማ ዝነበረ  ውዐልና ኣብ ከፍራ ደርበዮምና ጠፉኡ ማይ ሰቲና ነብስና ምስ ተሓጸብና ኣይደንጎይን ቦሊስ መካይን ገይሮም መጹና። ኣብቲ ግዚ እቲ ዓቅሚ ስለ ዘይነበረና ክንሃድም ኣይከኣለናንጎይዮም  ሒዞም ከኣ ናብና ኩፍራ እስርቢት ኣእተውና  ኣብ ጁባና ዝረብክዎ ገንዘብ ኩሉ ወሲዶም ቀጥቂጦም ኣእተውና ብማይ ጥራሕ ዝበሰለት ሩዝ ኣብ 24 ሰዓት ሓንቲ ግዚ ይህበና ነበሮ ንሳተን ከማን ውሑዳት ኣብ ሓንቲ መኣዲ ሓሙተ ሰብ ንቅረብ ነበርና መብዛሕትና ድማ ንድሕነት ኢትዮጵያውያን ኢና ኢልና ፎርም መላእና እቶም ውሑዳት ከኣ ኢርትራውያን ኢሎም ዝነበሩ ተጠረዙ ዝጽበዮም ዝፈልጥዎ ስለ ዝነበሩ፡ ኣብ ሱዳን ከኣ ጨውዮም ኣዐለብዋ ነታ ኣየር።

ኣብ እስሪቤት ኣብ ሓንቲ ገዛ 80 ሰብ ተጨቃጪቅና ንድቅስ ነበርና ብርቱዐ  ሕማቅ ሃፋን ምስኡ ብዝሒ ቅማላት ስለ ዝነበሩ ኩሉ ሰብ ሓሳስያ ሓመመ ናይ መብዛሕቱኡ ሰብ ከኣ ብልዐቱ ቆሲለ። መጥፊመድሃኒት ይኹን ሕኪምና ኣይነበረን። ሕሉፍ ኣሊፎምስ ነቲ ንዓና ኢሉ ዝተመደበ ባኒ ገዚእና ነንእተይ ክንካፈለን ንግደድ ኔርና። 

ጸገም ርትራውያን እዚ ጥራሕ ኣይኮነን ገሊኣ መደቅ ኣፍሪሳ ትሃድም ገለ ገንዘብ ከፊላ ትወት ገለ ንኤርትራ ጥረዝ ምስ ወጻካ እውን ገንዘብ ሃባ እንዳበሉ ብካራ ኣብ ፍቆዶ ጎደና እቶም ደቂ ምሕላፍ ይኸሉኻ። ኣማራጺ የለን ድል እንተ ረከብካ ትሃድም  ድል እንተዘይረከብካ ከኣ ዘለካ ይወስድዎ እቶም ደሓን ዝኑ ከኣ ሃደ ክልተ ዲናር እንዳ ሃብካ ትሓልፍ ጥራይ ትግደድ።

ኻብ ዘሕዝን ግን ብዙሓት ኣሕዋት ብሓይሊ ብሊብያውያን ተዓሚጸን እየን። ብዘይ ደለዮኦ ስለ ዝኾነ እቲ ድምጺ ናይ ብኽያት ገዓረን ካብ ናይ እስሪበት ክፍልና ንሰምዖ ኔርና። ኣብ እስሪቤት ናይ ኣወዳትን ኣዋልድን ዚተፈላለየ ክፍሊ ስለ ዝኾነ፡ ንሕና ከም ኣሕዋተን ክንከላኸለለን ኣይንኽእልን ኔርና። ዘይርስዖ ንሓንቲ ብዙሓት ካብቶም ሓለውቲ እስሪቤት ኮይኖም ክሳብ ሃለዋታ ዘይትፈልጥ ዝተጋሰስዋ ኣላ ። ማንም ዝሪኦ ማህሰይቲ ገሮም ስለ ዝተጋሰስዋን ብሰምዖ ነበርና ድምጺ ኣዉያትን ኣየነይቲ ምኻና ዉን ንፈልጥ ኔርና። እው ንብዙሓት እዮም ብዙሓት ኮይኖም ንሓንቲ ካብተን ኡሱራት ኣሕዋትና ኤርትራዉያን በብታራ ክሳብ ሃልዋታ ትስሕት ዝጋሰስዋ።

ስደት ኩሉ ግዜ ሕማቅዩ ካብ ገዛካ ወጺእካ ጽቡቅ ከምዘትረክብ ዝነ ሰብ ዝፈልጦዩ ግን ኣይከም ልብያ ሃገርን። እወ ኣይከም ሊብያውያንን!

ናይ ባሕሪ ጉዐዞ መጀመርታ ናብ መዝረዓ የውጻኣካ (ጀርዲን) እቶም ጡዑያት ኣቀንዮም ኣስቅሎም ይሰደኻ። ገሊኦም ከኣ ገንዘብ ምስ ከፈልካ ፓሊስ ባዐሎም ይጽዉዑሉካ። ገለ ተታሕ ናብ እስራት ትኣቱ ገለ ድማ ትሃድም ገንዘብካ ተበሊዐካ ትተርፍ። እታ ሰብ ዘለዋ ናብ ተሰባ ትድውል እታ ሰብ ዘይብላ ከኣ ብድላ እንዳ ኣማረረት ትነብር ቡዙሓት ከኣ ገንዘብ ተዋጺኢሎም ዝሰገሩ ኣለዉ ከሙኡ እውን ተቀርቂሮም ቡዙሓት ዝኣተዉ ኣለዉ ብዙሓት ከኣ ኣውያቶም ሰማ ከይረቡ ኣርባዐተ ሰለስተ ግዚ ዝተበል እውን ኣለዉ ዝጠፉኡ ኣለዉ ተሰብ ኣሕዋት ቆልዑ፡ ሰብ ሓዳር ብ ሓንሳብ ድራር ዓሳ ኮይኖም ዝጠሓሉ ዉን ኣለዉ

ከምዚ ኢላክ ከተዐልለሉ ከለካ ምናልባት ብኡኡ ዝሓለፈ እካ ይፈልጦ እዩ.

እዚ ግዐዞ እዚ ግን ብኣሓት ዝቀጸሩ ህዝቢ ዘጥፈአ፡ ሂወት ቡዙሓት ኤርትራውያን ዝበል መንገዲ እዩ ከሙኡ እውን ብዙሕ ቅያ ዝተፈጸሞም ሓታቲ ዘይረከበ እዩ እዚ ክንዲ ሓንቲ ጭልፋ ካብ ባሕሪ እዩ እቲ ዘገርምን ዘሐዝንን ግን ህይወት ኤርትራውያን ሕጂውን ገና ምቅጻሉ እዩ። ኣብና ኣይተዛዘመን። ብድሕሬና ብዙሓት ናብ ስደት ይዉህዙ ኣለዉ። ኣብቲ ግዕዞ ከኣ ብዙሓት መንእሰያት መቱ ኣሎዉ ብዙሓት ኣታት ከኣ ንሓዘን ዝቃላዓ ኣሎዋ ሞት ደቀን ምስሰምዓ። እተን ዝሰምዓስ ቀቢጸን። እተን ድሃይ ደቀን ዘይብለን ኣዴታትከ ከምይይህልዋ? ክሓስቦ የሰቅቀኒ!

እግዚኣብሂር ባዐሉ የጸብቆ!