መጀመርታ ሰምሰርቲ (ደለልቲ) ኣለዉ ምስኦም ትሰማማዕ። ማለተይ ብዛዐባ ዋጋ ቀጺሎሞ ኣስቢዛ ግዛእ ይብለካ። ሽቅ ከይድካ ኣስቢዛ ትገዝእ። ናይ ምብጋስ መዓልቲ ይነግረካ ዋጋ ገንዘብ እውን 250-300 ዶላር ይበጽሕ ኒሩ። ኢዚ ኣብቲ ዝነበርናሉ ግዚ ማለተይ 2004 ዓ.ም. እዩ። ሽዑ ብኣዉቶብስ ካብ ጫፍ ሱዳን እንድርማን ዝበሃል ኣውጺኦምና ኣብ ሓደ ገዛ ዓጺዮምና። ድሕሪ ምውዓሎም ኖኣና ንሓደ መዓልቲ ምሸት ከኣ ምስ ኮነ ሓንቲ ቶዮታ ኣምጺኦም 39 ሰብ ጺዒኖምና።ብኢመይል ዝመጸና ጹሑፍ። መሰል ጸሓፊ ክሕሎ ኣይተኣረመን!
ድሕሪ ምውዓሎም ኖኣና ንሓደ መዓልቲ ምሸት ከኣ ምስ ኮነ ሓንቲ ቶዮታ ኣምጺኦም 39 ሰብ ጺዒኖምና። ኣብ ምድረበዳ ኣብ ሳሃራ ከይበጻሕና ከለና ማኪና ተበላሸውት። ገንዘብ መዓረይ ኣዋጹኡ እሎምና 500 ዶላር ሂብናዮም። ንዓና ኣብ ሓደ ቦታ ኣቀምጦም ድማ ግዲፎምና ከዱ፡ ኣምላኽ ረዲኡና ድማ ድሕሪ ሰሙን መጺኦምና። ናብ ሳህራ ተበጊስና ሓደ መዓልትን ሓደ ለይትን ብዘይ ምቁራጽ ተጋዓዝና። መግብናንን ማይናን ፍርቁ ኣቡኡ ከለና ተወዲኡ ። ኣብ ማእከል ሳህራ ምስ ኣቶና መኪና እንደገና ተበላሸወት። ብርቱዐ ጸሓይ ስለ ዝነበረ ኩሉ ሰብ ተስፋ ቆሪጸ። ኣብ ሞንጎና ሞተረ ዝተበላሸወ ከዐርዩ ዝኽእሉ ብኣጋጣሚ ሰብ መካኒክ ስለ ዝነበሩ፡ ምስቶም ሱዳናውያን ኮይኖም ኣዐረይዋ።
ንፍርቂ መዓልቲ ዝኸውን ተጋዓዝና፡ ግና እንደገና ተበላሸወት። ኣብ ሕጻ እንዳ ተሰከለት ኣሰገረትና። ትስከል ፍሕርና ነውጻኣ። ትሰከል ፍርሕና ነውጻኣ። ከምዚ ክንገብር ሓደ ሰሙን ወሰደልና። መሳርፍና ተወዴአ። ማይውን ከሙኡ። ኩሉ ሰብ ደኸመ። ተስፋ ዉን ብኹሉ ቆረጽና። ካብ ዝገርመኩም ኣብዚ ኩሉ ጉዐዞ ግን፡ ምትሕልላፍ ነበርና። ምኽንያቱ ካብቶም 35 ሰባት፡ 2 ቆሉዑ 10 ደቂ ኣንስትዮ እቶም ካሎኦት ከኣ ኣወዳት ነበርና። ማይ ነቶም ቆሎዑ ተባህሉ ብሓልዮት ተፈልዩሎም። ንሕና ከኣ ኣብ መዓልቲ ሓንቲ መክደኒ ብራካ ንሰቲ ነበርና። ዳሓር ግን ዋላ ንሱ እውን ተወደኣና።
ኣብቲ ግዚ እቲ ነብሲ ወከፍ ሰብ ንኣምላኽ ይልምን ነበረ። ትዝ ይብለኒ እተን ኣዋልድ ስእሊ መድሃኒ ኣለም ሒዜን ይበኽያ ነበራ። ገለ ካብ ዓቅሊ ጽበት፡ ኣብ ጎቦ ደይባ ኣፋ ሃህ ተብል ነበረት፡፡ ገለ እውን ሽንታ ክትሰቲ ተገዲዳ። ዋላ እቶም ሱዳናውያን እውን ከማና ተስፋ ቆሪጾም ነበሩ። እቲ ቀንዲ ጸገምና ምስዝኾነ ሰብ ንራኸበሉ ተሊፎን ኣይነበረናን ብምኻኑ ኢዩ። ናይ ዓቅሊ ጽበት ነታ መኪና ውሑዳት ሰባት ፈተንዋ ካብ ዘላቶ ክንለቃ። ለይቲ ስለ ዝነበረ ዛሕሊ እውን ስለ ዝነበረ ኩሉና ተሓጋግዝና ኣውጺእናያ። ቅሩብ ተስፋ እውን ረኸብና። መንገዲናዉን ናይ ሊብያ ገጽና ቀጸልና። ምስ ወግሐ ሓድሽ ሬሳ ናይ 2 ሰብ ረኸብና። ነፍስና ስለዘስካካሓ ንዐኦም ቀበርናዮም። ግን ብጣዐሚ ኩልና ነቲ ረሳ ምስ ረኣናዮ ተስፋ ቆረጽና። 5 ሰዓት ኣቢልና ምስ ከድና ካባና እውን 2 ሞቱ። ንሕና እውን ከሞኦም ምትና ንጽበ ነበርና። ምብካይን ተስፋ ምቅራጽን ስለ ዝነበረ ፋሕ በልና። ናብቲ ከባቢ ኣምላኽ ዝበሎ ስለ ዘይተርፍ ግን ኣብቲ ናይ መጨረስታ ሃላዋትና ከነጥፍእ ምስ ጀመርና፡ ካልኦት ሰባት ዝሓዘት መኪና ብማዓዶ ረኣናያ። ጻዓዳ ክዳን ጌርና ምልክት ምስ ገበርናሎም ከኣ መጹና። ንሶም እውን ካባና ይሕሹ እምበር ኣስቢዛን ማይን ኣይነበረኦምን፡፡ ግን ተሊፎን ነበሮም፡፡ እታ ናቶም መኪና ነታ ናትና ስሒባ ኣውጻኣታ ኣብቲ ግዚ እቲ ግን ካብቲ ክንደይ ህይወት ዝወሓጠ ሳሃራ ብምግልጋልና ንኣምላኽ ዓይቢ ምስጋና ብሕልና ኣቅረብና። ተሊፎን ደዊሎም ብቁልጡፍ መኪና ክመጻ ከም ዘለወን ንልብያ ደውሉ። ልብያውያን ከኣ ንረዴትና ገዲስዎም ዘይኮነስ ንገንዘብ ክድሉቡ ካባና መጹና።
ናብ ዋጋ ንብልቃዚ ትብሃል ዓዲ (ከተማ) ብ300 ዶላር ተሰማማዒና። ነዚ ዝበሉና ከኣ ከፈልናዮም። ኣብዚ ግን ንዘይብሉን ንዝጎደሎምን እንዳ ተሓጋገዝና ኢና ክንገብሮ ዝኸኣልና። ከሙኡ ሳላ ዝገበርና ከኣ ኣብዚ በጻሕና። ኣዋልድ ስለ ዝነበራና ንዐኣን ክወስዱ ብዙሕ አሸገሩና። ንሕና ግና ኣብ ማእከልና ኣቀመጥና ከላእናዮም። ብዙሓት ስለ ዝነበርና ብሕብረት ስለ ዝነበርና ከላእናዮም። ኣብ ክልተ ማኪና ሓሲቦም ኣቢናዮም። ንሶም ዓላምኦም ነተን ኣዋልድ ክወስድ እዩ ኒሩ። ብክልተ ካራ ብዙሕ ኬፈራርሑና ጀሚሮም። ንሕና ግን ኣይተግደስናሎምን። ኩነታትና ምስ ረኣዩ ግን ነቲ ሕማቅ ሓሳቦም ተስፋ ከዘይብሎም ተገንዘቡ። ብድሕሪዚ ፈተነታት ሕዞምና ኩፍራ ኣተና። ትኽ ኣቢሎም ኣብ መዝራዓ (ጀርዲን) ድማ ኣእቶውና። ኣብኡ ቡንባ ማይ ምስ ረኣና ኣብ ሓዲስ ዓለም ወይ ኣብ ገነት ዝኣቶና ኮይኑ ተሰመዓና። ኣቡኡ ደርቢዮምና ከኣ ጠፉኡ።
ኣብ ቢቃዚ ከተማ ዝነበረ ውዐልና ኣብ ከፍራ ደርበዮምና ጠፉኡ። ማይ ሰቲና፡ ነብስና ምስ ተሓጸብና ኣይደንጎይን ቦሊስ መካይን ገይሮም መጹና። ኣብቲ ግዚ እቲ ዓቅሚ ስለ ዘይነበረና ክንሃድም ኣይከኣለናን፡ ጎይዮም ሒዞም ከኣ ናብና ኩፍራ እስርቢት ኣእተውና። ኣብ ጁባና ዝረኸብክዎ ገንዘብ ኩሉ ወሲዶም ቀጥቂጦም ኣእተውና። ብማይ ጥራሕ ዝበሰለት ሩዝ ኣብ 24 ሰዓት ሓንቲ ግዚ ይህበና ነበሮ። ንሳተን ከማን ውሑዳት ኣብ ሓንቲ መኣዲ ሓሙሽተ ሰብ ንቅረብ ነበርና። መብዛሕትና ድማ ንድሕነት ኢትዮጵያውያን ኢና ኢልና ፎርም መላእና። እቶም ውሑዳት ከኣ ኢርትራውያን ኢሎም ዝነበሩ ተጠረዙ። ዝጽበዮም ዝፈልጥዎ ስለ ዝነበሩ፡ ኣብ ሱዳን ከኣ ጨውዮም ኣዐለብዋ ነታ ኣየር።
ኣብ እስሪቤት ኣብ ሓንቲ ገዛ 80 ሰብ ተጨቃጪቅና ንድቅስ ነበርና። ብርቱዐ ሃሩርን ሕማቅ ሃፋን ምስኡ ብዝሒ ቅማላት ስለ ዝነበሩ ኩሉ ሰብ ሓሳስያ ሓመመ። ናይ መብዛሕቱኡ ሰብ ከኣ ብልዐቱ ቆሲለ። መጥፊኢ መድሃኒት ይኹን ሕኪምና ኣይነበረን። ሕሉፍ ኣሊፎምስ ነቲ ንዓና ኢሉ ዝተመደበ ባኒ ገዚእና ነንእሽተይ ክንካፈለን ንግደድ ኔርና።
ጸገም ኤርትራውያን እዚ ጥራሕ ኣይኮነን። ገሊኣ መንደቅ ኣፍሪሳ ትሃድም። ገለ ገንዘብ ከፊላ ትወትጽእ። ገለ ንኤርትራ ይጥረዝ። ምስ ወጻካ እውን ገንዘብ ሃባ እንዳበሉ ብካራ ኣብ ፍቆዶ ጎደና እቶም ደቂ ምሕላፍ ይኸሉኻ። ኣማራጺ የለን። ዕድል እንተ ረከብካ ትሃድም። ዕድል እንተዘይረከብካ ከኣ ዘለካ ይወስድዎ። እቶም ደሓን ዝኾኑ ከኣ ሃደ ክልተ ዲናር እንዳ ሃብካ ክትሓልፍ ጥራይ ትግደድ።
ኻብ ዘሕዝን ግን ብዙሓት ኣሕዋት ብሓይሊ ብሊብያውያን ተዓሚጸን እየን። ብዘይ ደለዮኦ ስለ ዝኾነ እቲ ድምጺ ናይ ብኽያት ገዓረን ካብ ናይ እስሪበት ክፍልና ንሰምዖ ኔርና። ኣብ እስሪቤት ናይ ኣወዳትን ኣዋልድን ዚተፈላለየ ክፍሊ ስለ ዝኾነ፡ ንሕና ከም ኣሕዋተን ክንከላኸለለን ኣይንኽእልን ኔርና። ዘይርስዖ ንሓንቲ ብዙሓት ካብቶም ሓለውቲ እስሪቤት ኮይኖም ክሳብ ሃለዋታ ዘይትፈልጥ ዝተጋሰስዋ ኣላ ። ማንም ዝሪኦ ማህሰይቲ ገሮም ስለ ዝተጋሰስዋን ብሰምዖ ነበርና ድምጺ ኣዉያትን ኣየነይቲ ምኻና ዉን ንፈልጥ ኔርና። እው ንብዙሓት እዮም ብዙሓት ኮይኖም ንሓንቲ ካብተን ኡሱራት ኣሕዋትና ኤርትራዉያን በብታራ ክሳብ ሃልዋታ ትስሕት ዝጋሰስዋ።
ስደት ኩሉ ግዜ ሕማቅዩ። ካብ ገዛካ ወጺእካ ጽቡቅ ከምዘይትረክብ ዝኾነ ሰብ ዝፈልጦዩ። ግን ኣይከም ልብያ ሃገርን። እወ ኣይከም ሊብያውያንን!
ናይ ባሕሪ ጉዐዞ መጀመርታ ናብ መዝረዓ የውጻኣካ (ጀርዲን) እቶም ጡዑያት ኣቀንዮም ኣስቅሎም ይሰደኻ። ገሊኦም ከኣ ገንዘብ ምስ ከፈልካ ፓሊስ ባዐሎም ይጽዉዑሉካ። ገለ ተታሕዛ ናብ እስራቤት ትኣቱ። ገለ ድማ ትሃድም። ገንዘብካ ተበሊዐካ ትተርፍ። እታ ሰብ ዘለዋ ናብ ቤተሰባ ትድውል እታ ሰብ ዘይብላ ከኣ ብዕድላ እንዳ ኣማረረት ትነብር። ቡዙሓት ከኣ ገንዘብ ተዋጺኢሎም ዝሰገሩ ኣለዉ። ከሙኡ እውን ተቀርቂሮም ቡዙሓት ዝኣተዉ ኣለዉ። ብዙሓት ከኣ ኣውያቶም ሰማዒ ከይረኸቡ ኣርባዐተ ሰለስተ ግዚ ዝተበልዑ እውን ኣለዉ። ዝጠፉኡ ኣለዉ። ቤተሰብ፡ ኣሕዋት ቆልዑ፡ ሰብ ሓዳር ብ ሓንሳብ ድራር ዓሳ ኮይኖም ዝጠሓሉ ዉን ኣለዉ።
ከምዚ ኢላክ ከተዐልለሉ ከለካ ምናልባት ብኡኡ ዝሓለፈ እካ ይፈልጦ እዩ.
እዚ ግዐዞ እዚ ግን ብኣሽሓት ዝቀጸሩ ህዝቢ ዘጥፈአ፡ ሂወት ቡዙሓት ኤርትራውያን ዝበልዐ መንገዲ እዩ። ከሙኡ እውን ብዙሕ ቅያ ዝተፈጸሞም ሓታቲ ዘይረከበ እዩ። እዚ ክንዲ ሓንቲ ጭልፋ ካብ ባሕሪ እዩ። እቲ ዘገርምን ዘሐዝንን ግን ህይወት ኤርትራውያን ሕጂውን ገና ብምቅጻሉ እዩ። ኣብና ኣይተዛዘመን። ብድሕሬና ብዙሓት ናብ ስደት ይዉህዙ ኣለዉ። ኣብቲ ግዕዞ ከኣ ብዙሓት መንእሰያት ይመቱ ኣሎዉ። ብዙሓት ኣዴታት ከኣ ንሓዘን ዝቃላዓ ኣሎዋ ሞት ደቀን ምስሰምዓ። እተን ዝሰምዓስ ቀቢጸን። እተን ድሃይ ደቀን ዘይብለን ኣዴታትከ ከምይይህልዋ? ክሓስቦ የሰቅቀኒ!
እግዚኣብሂር ባዐሉ የጸብቆ!
ካብ ሱዳን ናብ ልብያ!
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode