ቀዳመይቲ መጽሓፍ ብጆን ፎስተር
ትርጉም ብይሳኮር
ምዕራፍ ሓደ
ኣጀማምራኡ
እቲ ቦታን እቲ እዋንን
እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ሃይማኖቶም ንኩሎም ሰባት ዝኸውን ብስራትዩ ዝብል እምነት ነበሮም። ኣምላኽ ... ንወዱ በጃ ክሳብ ዝህብ ክሳብ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ። (ዮሃንስ 3፡16) ብስሙ ኸኣ ንስሓን ሕድገት ሓጥያትን ካብ የኡሳሌም ጀሚሩ ኣብ ኩሎም ኣህዛብ ኪስበኽ፡ ጽሑፍ እዩ። (ሉቃስ 24፡47) ገለ ካብቶም ዝሰምዕዎምሲ ፍሽኽ ኢሎም ክኾኑሲ ግድንዩ። ስፍሓት ዓለም ካብታ ክርስትና ዝበቖለላ ንእሽቶ ጸባብ ሃገር ኣዝዩ ዝተፈለየ ይመስል ነበረ። ኣብ 175 ዓመተ ምህረት፡ ሓደ ሰልሰስ እተባህለ ግሪኻዊ ጸሓፊ፡ እዚ ክርስትያናት ዝብልዎ ነገር ጊጋ ምኻኑ ከርኢ ኢሉ ሓንቲ መጽሓፍ ጸሓፈ። ሃይማኖቶም፡ ኢሉ ንሱ፡ ዓብዪ ሃይማኖት ኣይኮነን። ንእሽቶ ሃይማኖትዩ። ሰልሰስ ብዛዕባ እታ የሱስ ምሉእ ህይወቱ ዝነበረላ ጳለስታይን ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ።
ኣምላኽ ካብ ዓሚቑ ድቃስ እንተ ዝበራበር እሞ ኸኣ ንሰብ ከድሕን እንተ ዝደሊ ናብ ሓደ ኩርናዕ ዓለምዶ ዝሰዶ ይመስለኩም? ... መስሓቅ ዝኾነ ጸሓፊ ጥራይ እዩ ወዲ ኣምላኽ ናብ ኣይሁድ ተላኢኹ እዩ ኢሉ ዝሰብከልና። (ሃንድቡክ ኦቭ ሶርስ ማቲርያልስ ፎር ስችዩደንትስ ኦቭ ቸርች ሂስትሪ፡ ደብልዩ ጂ ያንግ)።ንብዙሓት ሰባት፡ ሰልሰስ ቅኑዕ ዝነበረ መሲሉ ተራእዩዎም ይኸውንዩ። ጳለስታይን ንእሽቶ እያ። ኣብ ካርታ ዓለም ከተስተብህለላ ዳርጋ ኣይከኣልንዩ (ካርታ 1)። ክርስቶስ ይነብረሉ ኣብ ዝነበረ ጊዜ፡ እታ ሃገር ብምልእታ ካብ ሰሜን ንደቡብ 150 ማይልስ ካብ ምብራቕ ንምዕራብ ኸኣ ኣስታት 75 ማይልስ ኣቢላ ትኸውን ነይራ። የሱስ ዶባታ ሰጊሩዎም ኣይፈልጥንዩ። ብእግሪ ክኸዶ ካብ ዝኽእል ሓሊፉ ከይዱ ኣይፈልጥን ነበረ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ጸቢብ ቦታ እንነብር ውሑዳት ኢና።
ይኹንምበር ሰልሰስ ንጳለስታይን ኩርናዕ ኢሉ ብምጽውዑ ተጋግዩ እዩ። ካርታ 1 እንደገና ኣስተብህለላ። ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ተባሂላ እተሳእለት ኣይኮነትን። መንገዲ ኣየራት ኣብ ምሉእ ዓለም ካበይ ተበጊሰን ኣበይ ይበጽሓ ዝጥቀማሉ እተርኢ ካርታ እያ። እቲ መስመራት ኣየር ኣውጺእና ንጳለስታይን ኣብ ቦታኣ ኣእቲናያ ኣሎና። ጳለስታይን ኣብ ኩርናዕ ድያ ዘላ? ቃላት ሰልሰስ ኣሪምና ከምዚ ክንብል ንኽእል ኢና፡ ኣምላኽ ... ንኩሎም ሰባት ከድሕን ክደሊ እንከሎ ... ናብ ከምዚ ዝበለ ማእከል ይሰድድ። ናብ ማእከል ሓሙሽቲአን ኣህጉራት ዝያዳ ዝቐረበት ሃገር ሓንቲኳ የላን።
ክሳብ ሕጂ ጂኦግራፊ ጥራይ ኢና ክንርኢ ጸኒሕና። ማለት ቦታ ጳለስታይን ኣብ ዓለም። ታሪኽ እውን ጳለስታይን ሕምብርቲ ምኻና የርኢ እዩ። ሕጂ ንኣፍሪቃን አስያን ኣብ ካርታ 2 ርኣዩወን። ባሕሪ መዲተራንንያንን ቀይሕ ባሕርን ነዘን ክልተ ኣህጉራት ዳርጋ ይፈላልዩወን እዮም። ሓውሲ ደሴት ሲና ጥራይ ንክልቲአን የራኽበን። እቲ ኣብ መንጎ ባሕሪ መዲተራንያንን ምድረ በዳ ዓረብ ዘሎ ጸቢብ መተሓላለፊ፡ ናብቲ ቦታ መራኸቢ ኸኣ እተሕልፍ እንኮ ቦታ ጳለስታይን ጥራይ እያ። ከም መራኸቢት እዚ ክልቲኡ ክፍላተ ዓለማት፡ ማለት ኣፍሪቃን አስያን፡ ከም ቦታ ፍጻመ እቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ተጻሒፉ ዘሎ ዛንታ ጳለስታይን እያ። ወይ ኸኣ ኣጸጺናውን ኣብ መንጎ ክልተ ማእከል ስልጣነታት ዝነበረት መተሓላለፊት፡ ማለት ሓዲኡ ኣብ ክባቢ ኣፍላጋት ጢግሪስን አፍራጠስን እተደኮነ አስያዊ ስልጣነ ማለት ባቢሎን፡ ሓደ ኸኣ ኣብ ከባቢ ፈለግ ኒል እተደኮነ ኣፍሪቃዊ ስልጣነ ማለት ግብጺ ዝነበረት መተሓላለፊት ክትቁጸር ትኽእልያ።
ኣብራሃም ኣብ ኡር ኣብ ባቢሎን ተወልደ (ዘፍጥረት 11፡31)። ድሕሪዚ ኸኣ ካብዚ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ኣብ ሓራን ተቐመጠ። ጻውዒቱ (ዘፍጥረት 12) ኸኣ ኣብ ጳለስታይን ቤት ክረክብ ኢሉ ከብቱ፡ መጓሰኡ ሒዙ ክጉዓዝ መርሖ። ጥሜት ግን በቲ መተሓላለፊ ኣቢሉ ናብቲ ዝያዳ ስቡሕ ዝነበረ መሬት ግብጺ ንደቡብ ገጹ ክስደድ ገደዶ። ድሕርዚ ካልእ ጥሜት (ዘፍጥረት 42) ንደቂ ደቁ ንኣብርሃም፡ ንእስራአላውያን፡ ወይ ኸኣ በቲ ደሓር ክጽውዑሉ ዝጀመሩ ስም፡ ንእብራውያን ናብ ግብጺ ክስደዱ ገደዶም። ኣብ ሃገር እዚ ሓያል መንግስቲ ኸኣ ከም ስደተኛ ነገድ ኮይኖም ነበሩ እሞ ባሮት ግብጻውያን ኸኣ ኮኑ።
ምውጻእ ኣብ ታሪኽ እብራውያን ዓብዪ ፍጻመ እዩ (ምውጻእ ብቋንቋ ግሪኽ፡ አክሶደስ፡ መውጽኢ መንገዲ ማለትዩ)። እዚ ኣብ 1200 ዓመተ ዓለም እስራአላውያን ካብ ግብጺ ሃዲሞም ዝወጹሉ እዩ። እቶም ነገዳት ንሓውሲ ደሴት ሲና፡ (እዚ ምድረ በዳ እዩJ ሰንጢቖም ናብታ፡ ኣባሓጎታቶም ብኣኣ ኣቢሎም ዝመጹላ ጸባብ መተሓላለፊት ጳለስታይን ተመልሱ። ኣብዚ ኸኣ ከም ነጻ ህዝቢ ኮይኖም ክነብሩ ዝፈተኑሉ ኣሸጋሪ ፈተነ ጀመሩ። ንሓጺር እዋን፡ ብፍላይ ኣብ እዋን ንጉስ ዳዊት ነጻ ነበሩ። ብሓፈሻ ግን ብፍርሂ ባቢሎን ወይስ ግብጺ ነበሩ። ሃገሮም ንእሽቶን ድኻን ነበረት። ስቡሕ ሜዳ ገማግም ባሕሪ ነበራ። እቲ ዝተረፈ ግን ሓርፋፍ መጋሃጫ ኣኽራናትን፡ ደንደስ ምድረ በዳን ነበረ። ንጳለስታይን ኣገዳሲት እትገብራ ሓንቲ ነገር ኣብ መንጎ ኣፍሪቃን አስያን ብመሬት እንኮ መራኸቢት መስመር ምዃና እዩ። እዚ ኣዝዩ ሓደገኛ ኣገዳስነት እዩ። ምኽንያቱ ባቢሎን ኣንጻር ግብጺ ክትብገስ እንከላ ወይስ ግብጺ ኣንጻር ባቢሎን ክትወፍር እንከላ ጳለስታይን ብኲናት ትሕመስ ነበረት። ኣብ 587 ዓመተ ዓለም፡ እታ ዓባይ ሓያል አስያ፡ ባቢሎን ንጳለስታይን ምስ ወረረት፡ ንየሩሳለም ምስ ኣቃጸለት፡ ንቤተ መቕደስ ምስ ኣዕነወቶ፡ ኣሽሓት ሰባት ኸኣ ከም ምርኮ ናብ ባቢሎን ምስ ወሰደቶም መወዳእታ ኮነ። ዛንታ እብራውያን በዛ ሓጻር ኣርእስቲ ክጠቓለል ይኽእልዩ፡ ካብ ባርነት ኣብ ግብጺ ናብ ምርኮ ኣብ ባቢሎን። ይኹንምበር፡ ኣረኣእያ ጸሓፍቲ ብሉይ ኪዳን ከምዚ ኣይነበረን። ኣብ ቃንዛ ሃገሮም፡ ኣምላኽ ንዑኡ ዝኸውን ህዝቢ ዘዳልወሉ መንገዲ ይርእዩ ነበሩ።
ኣብ ጥቓ ርባታት ባቢሎን ተቐመጥና፡ ... በኸና ...
እቶም ዝማረኹና ናይ መዝሙር ቃላት ካባና ደለዩ .
ሓደ መዝሙር ጽዮን ዘምሩልና እናበሉ ... ለመኑና
ከመይ ጌርና እሞ መዝሙር እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ጓና ክንዝምር፡
የሩሳለመየ፡ እንተ ረሲዐክስ፡ የማነይቲ ኢደይ ትረስዓኒ። (መዝሙር 137)
ጥዑም መዛሙር ምስጋና ክዝምሩ ይኽእሉ ኣይነበሩን፡ ይኹንምበር፡ ሃገሮም ክዝክሩን፡ እቲ ንኣባሓጎታቶም መውጽኢ መንገዲ ዘዳለወሎም ኣምላኽ ካብቲ ዘለዉዎ መከራ ከድሕኖም ከም ዝኽእልን ክኣምኑ ግዲ ነበረ። እዚ እቲ ዓብዪ ጊዜ ተስፋ መሲሕነት፡ ደቂ እስራአል ተስፋ ሃገራዊ መሲሕ ወይስ መድሓኒ ዝጽበዩሉ ነበረ።
ጳለስታይን ብዓበይቲ ሓይልታት - እዚኦም ግን ኣፍሪቃውያን ወይስ አስያውያን ዘይኮኑስ ክልቲኦም አውሮጳያን ሓይልታት - ክልተ ወራር ገና ክትሳቐ እዚ ኣብ መደብ ነበረ። ቀዳማይ፡ ኣብ 332 ዓመተ ዓለም ኣብ ትሕቲ ኣለክሳንደር ዓብዪ ግሪኻያን መጹ። ኣለክሳንደር ዓብዪ ንሰራዊቱ ክሳብ ግዝኣት ህንዲ ንምንብርካኹን ንምግዛእን መዲቡ ንሰራዊቱ ንምብራቕ ገጹ ኣኽተቶ። ኣብዚ ጉዕዞኡ ነዛ ኣፍደገ እዚኣ፡ ንጳለስታይን፡ ንምሓዝ ንደቡብ ገጹ ተጠውየሞ ፈለግ ናይል ኣብ ዘዕርፈሉ ቀጸለ። ኣብዚ ኸኣ ነታ ብስሙ እትጽዋዕ ከተማ፡ ኣለክሳንድርያ ሰረታ። ወራሩ ኸኣ ክሳብ ፈለግ ኢንደስ በጸሐ።
ድሕሪኡ ሮማውያን መጹ። ንሳቶም ንግሪኽን ተረፍ መረፍ ግሪኽን ኣብ አውሮጳ ጥራይ ዘይኮነስ ብዙሕ ክፋል ባህሊ ግሪኽን ወረሱ። ንሳቶም ቋንቋ ግሪኽ ኣብ ሰፊሕ ቦታ ኣብ ኣገልግሎት ክውዕል ቀጸልዎን ብመራኽብን መርከበኛታትን ግሪኽ እውን እሙንቶኦም ገበሩ። ሮማውያን ንግዝኣቶም ኣብ ክልቲኡ ወገን ባሕሪ መዲተራንያን ኣስፋሕፍሕዎ። እቲ ሰሜናዊ ወገን ብዓቢኡ አውሮጳዊ ክኸውን እንከሎ እቲ ደቡባዊ ወገኑ ኣፍሪቃዊ ነበረ። ኣብ 64 ዓመተ ዓለም ነቲ ደቡባዊን ሰሜናዊን ክፋላት ግዝኣቶም፡ ነታ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ዚነበረት መተሓላለፊት፡ ንጳለስጣይን ብምሓዝ ኣዋሃሃድዎ። ስለዚ ኸኣ ኣብ ጊዜ ክርስቶስ፡ ብምኽንያት ማእከላይ ቦታ ጳለስታይን ኣፍሪቃዊ፡ አስያዊን አውሮጳዊን ሓይልታት ሰለስተ ጊዜ ክትውረር ምኽንያት ኮይኑዋ እዩ (ካርታ 2 እንደገና ረአ)።
ግብሪ ሃዋርያት፡ ኣምላኽ ንማእከላይ ቦታ ጳለስታይን ብሓድሽ መንገዲ ክጥቀመሉ ዝጅምረሉ፡ ታሪኽ ሓደ ሓድሽ ዘበን ይጅምር። ሃዋርያት እውን ይኹኑ ኣብ መጀመርያ ነዚ ኣይተረድእዎን ነይሮም። ጎይታይ፡ በዚ ወርሓት እዚዶ ንእስራአል መንግስቲ ከተቕንዕ ኢኻ? (ግብሪ ሃዋርያት 1፡6)። መልሲ ጎይታ ነቲ ኣርእስቲ ቀየሮ። ጎይታ ብዛዕባ ነዛ ንእሽቶ ማእከላይቲ መሬት ዘጨነቓላ፡ ድሓር ኸኣ ዕንወት እዛ መሬት እዚኣ ዝኾና መንግስታት እዛ ዓለም እዚኣ፡ መንግስታት ኣፍሪቃ፡ አስያን አውሮጳን ኣይተዛረበን። ናብ አስያ፡ ኣፍሪቃን አውሮጳን ክትሰግር ዘለዋ፡ ኣብዛ ንእሽቶ ማእከአይቲ መሬት ሓድሽ ዓይነት መንግስቲ ጀሚሩ ነበረ። ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኮኑኒ ኢኹም (ግብሪ ሃዋርያት1፡8)።
እቲ ቦታ ኣገዳሲ እዩ፡ ካብ የሩሳሌም ጀሚሩ (ሉቃስ 24፡47)። እቲ ጊዜ እውን ኣገዳሲ እዩ፡ የሱስ፡ ... እቲ ዘመን ተፈጸመ፡ ... እናበለ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ሰበኸ (ማርቆስ 1፡14)። ቅዱስ ጵውሎስ እውን ተመሳሳሊ ቃላት ተጠቒሙ ኣሎ። ምል ኣት ዘመን ምስ መጸ (ገላትያ 4፡4)። ክልቲኡ ሓሳባት ኣምላኽ ይዳሎ ከም ዝነበረ እሞ እቲ ምድላው ኸኣ ከም እተወደአ ዘርኢ እዩ።
ኣብ እዋን ቀዳማይ ቅልጡፍ ግስጋሰ ክርስትና (ክሳብ 250 ድሕሪ ልደት ክርስቶስ) ይነብሩ ዝነበሩ፡ ንሳቶም ንገዛእ ርእሶም ኣብቲ ግስጋሰ መሪሕ ተራ ዝነበሮም ክርስትያናት ኣምላኽ ነዚ ግዝጋሰ እዚ ብሰለስተ መንገዲ ክዳለወሉ ከም ዝጸንሐ ተራእዮም። ይቕጽል
ታሪኽ ቤተክርስትያን (AD 29 – 500)
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode