07
Sat, Jun
0 New Articles

ካብ።- ሓብትኹም ኤደን ተመስገን ወልደስላሰ ፕሮጀክት#3

Letters
Typography

"እታ ብክርስቶስ የሱስ እምነትኩምን ንኹሎም ቅዱሳን ዘለኩም ፍቕርኹምን ምስ ሰማዕና። ኩሉሳዕ ምእንታኻትኩም እንዳጸለና ንኣምላኽ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ነመስግን ኣሎና፣"

መጀመርታ ነቲ ክምስገን ዝግብኦ ኩሉ ክኣሊ። በዓል ዓቢ ምሕረት ብፍቕሪ ዝድንግጽ ከመስግኖ እፈቱ፣

ቀጺለ ድማ ኣቦይ ዝሃበኒ ኣሕዋት ነቲ ጐይታ ዝረኣዮ ኣገልግሎትኩም እንዳስተንተንኩ በቲ ብእኡ ዝዀነለይ ጕስነትን ምሕረትን ባህ እብለኒ፣ብሩኻት ኣሕዋት በቲ ካብቲ ዝተዋህበኩም ፍረ ተግባር ኣእዳውኩም ብልግሲ ንጐይታ ከተገልግልዎ ብምብቃዕኩም። ካብኡ ጸጋ ረኺብኩም እሞ በዚ ድማ ክብሪ ኹሉ ንኣምላኽና ይኹን፣ ንስኻትኩም ድማ ኣእምሮኹም ይባረኽ፤ ፍረ ኣእዳውኩም ይባረኽ፤ መንፈሳዊ ነገራትኩም ይባረኽ፤ ኣገልግሎትኩም ኩሉ ይባረኽ፣

 


ውሉደይን ኣሕዋተይን ሓዳረይን ኣምላኽ ብኣኻትኩም ጌሩ ክኸውን ከሎ ብምርኣየይ ብስራሕ ኣምላኽ ይግረምን ይድነቕን ኣለኹ፣ ጐይታ ይባርኽኩም።

"ኣምላኽ ከኣ ከምቲ መጠን ሃብቱ ብኽብሪ ብክርስቶስ የሱስ ጌሩ ድሌትኩም ዘበለ ክመልኣልኩም እዩ።።' ፊል.4።19

ንኹላቶም ቅዱሳን ሰላም በሉለይ፣ ጐይታ ይባርኽኩም ትሕዝቶኹ ይባርኽ፣

 

                              ሓብትኹም ኤደን ተመስገን ወልደስላሰ