{mosimage}እቲ ንስጋኡ ኢሉ ዝዝረእ ካብቲ ስጋኡ ጥፍኣት ክዓጽድ እዩ። እቲ ንመንፈስ ኢሉ ዝዘርእ ግና ካብቲ መንፈስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክዓጽድ እዩ። እንተዘይተጸለኣናስ ብግዚኡ ክንዓጽድ ኢና እሞ። ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ፣ ገላ.6:8-9
እምበኣርከስ ክቡራት ኣሕዋተይ ካብ እግ/ር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን፣ ብምቕጻል ብሩኻት ኣሕዋት በቲ ጐይታ ኣብ ልቡኹም ዘቐመጦ ሰናይ ተበግሶ ጐይታ ኣዕዚዙ ይባርኽኩም፣
"ደጊም ኣቱም ፍቑራት ኣሕዋት እቲ ምእንቲ ጽቡቕ ፍቓዱ ኢሉ ኣባኻትኩም ድሌትን ግብርን ዝገብርሲ ኣምላኽ እዩ፣"ፊሊ.2:12-13
ንስኻትኩም ድማ ከምቲ ቃል ኣምላኽ መሰረት ምእንቲ እቲ ጽቡቕ ፍቓዱ ኢልኩም ምእዛዝኩም ነቲ ድሌትን ሓሳብ ኣምላኽን ክትገብሩ ምትጋህኩም ደጊመ ኣምላኽ ይባርኽኩም ይብል፣
ኣብ መጨረሻ ክብለኩም ዝደሊ "ኣምላኽ ከኣ ከምቲ መጠን ሃብቱ ብኽብሪ ብክርስቶስ የሱስ ጌሩ ድሌትኩም ዘበለ ክመልኣልኩም እዩ።።' ፊል.4።19
ካብ ብክርስቶስ ሓብትኹም
ትርሓስ ዓንዶም
ካብ :- ሓብቲ ትርሓስ ዓንዶም ብዓልቲ ቤት ፓስተር ብርሃንሃይለ ወልደስላሰ ፕሮጀክት #4
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode