19
Fri, Apr
0 New Articles

ነዊሕ መገዲ ኣሎካ

Message 1
Typography

ፍቑር ሓወይ-ፍቕርቲ ሓብተይ። እግዚኣብሄር ነዊሕ መገዲ ከምዘለኩም ክሕብረኩም ከምዝደለየኒ ኮይኑ ስለእተሰመዓኒ ኣብ ናይ ነብዪ ኤልያስ ዛንታ ተመርኲሰ ነቲ ዘሎኒ ሓሳባት ከካፍለኩም፣

(ሀ) ምግሃድ ነብዪ ኤልያስ ኣብ እስራኤል

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ። ኤልያስ ካብቶም ኣዝዩ ኣገዳሲ ስፍራ ዝሓዙ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ሓደ እዩ፣

ኣበጋግሳኡ ብዝርዝራዊ መልክዕ ኣይግለጽን እዩ። ንስሙ ኸኣ ሃንደበት ይጠቕሶ። "ሓደ ኻብቶም ኣብ ጊልዓድ ዝነበሩ..." ኢሉ ኸኣ ናብ ዛንታኡ መኽፈቲ ይገብር (1ነገ.171)


  እዚ ናይ ኣምላኽ ሰብ እዚ። "ከማና ዝድኻሙ ሰብ" ምንባሩ ውን መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና፣ ያእ.517 ረኤ፣ ግናኸ እዚ ድኻም'ዚ ከይዓገቶ ተኣምራት ዜምጽእ ጸሎት ከምዝጸለየን ጸሎቱ ኣብ ኣምላኽ ተሰማዕነት ብምርካቡ ድማ ኣብ ምድሪ ንሰለስተ ዓመትን ሽድሽተ ወርሕን ማይ ከምዘይዘነበ። እንደገና ምስ ጸለየ ኸኣ ከምዝዘነበን ነንብብ (ያእ.517-18)

ኣብዚ ኤልያስ ሓይሊ ኣምላኽ ዝደለየሉ ግዜ ኣብ እስራኤል ኣከኣብ ወዲ ዓምሪ ነጊሱ ነበረ፣ ንጉስ ኣከኣብ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዘኾሪ ብምግባሩ ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኹሎም ነገስታት እስራኤል ገደደ (1ነገ.1633)፣ ንሱ ንኢዛቤል ጓል ኤትባዓል ንጉስ ሲዶን። ሰበይቱ ኽትከውን ወሰዳ (1ነገ.1631)፣ እዛ ኢዛቤል እዚኣ ኸኣ እታ ንነብያት እግዚኣብሄር ቀቲላ ዘጽነተት እያ (1ነገ.184)

ኣብዚ ነብያት እግዚኣብሄር ዝጸነቱሉ ግዜ እዩ እምበኣር ኤልያስ ዚገሃድ ዘሎ፣ ግናኸ ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ነብያት ኣዝዩ ዚብርትዕ እኳ ደኣ ዀነ፣ እግዚኣብሄር ነቲ ዝበለጸ ብድሕሪት ምምጻእ እዩ ዚፈቱ፣ ዮሃ.210

ኤልያስ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኰይኑ መዓይይቲ ኣምላኽ ብምዃኑ "ንእስራኤል ዜዕገርግር" ተባሂሉ፣ እወ! እስራኤል ኣብ ዕግርግርን ኣብ ጸገምን ኣብ ጥፍኣት የምርሑ ኔሮም፣ እቲ ዕግርግር'ቲ ግና ብሰንኪ ናይ ኣከኣብን ቤት ኣቦኡን ትእዛዛት እግዚኣብሄር ምሕዳጎምን ደድሕሪ በዓል ብምስዓቦምን እዩ፣ 1ነገ.1817-18

ሎሚ'ውን ኣብ ጌዜና ንናይ ኣምላኽ ሰባት ከም መዕገርገርቲ ዚወስድዎም ሰባት ውሑዳት ኣይኮኑን፣ መዕገርገሪ ግና ከምቲ ኤልያስ ዝበሎ። እቲ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ዝሓደገን ደድሕሪ ጓና ኣምላክ ዝሰዓበን እዩ፣

ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነት እምበኣር ኤልያስ ስለ ልዑላውነት እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኪጣበቕ ደልዩ፣ ኣብቲ ህዝቢ እስራኤል ንኣምልኾ በዓልን ኣስታርተታትን ርእሶም ዝወፈዩሉ ጌዜ። ኤልያስ ግና ንህዝቢ ካብ ምሕንካሱ ኪመልሶን ልዑላውነት እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚገሃድ ኪገብርን ደልዩ፣ ሽዑ ድማ'ዩ ሓደ በይኑ ኣንጻርቶም ሸሞንተ ሚእትን ሓምሳን ነብያት በዓልን ኣስታርተታትን ዝቖመ፣

ኣብ ቅድሚ ኵሎም እስራኤል ከኣ በዓል ኣምላኽ ከምዘይኮነን። እግዚኣብሄር ግና ልዑል ኣምላኽ ከምዝኾነን ኣመስከረ፣ በቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ዝነበሮ ቅንኣት ከኣ ንዅሎም ነብያት በዓል ኣብ ርባ ቂሶን ሓረዶም፣ 1ነገ.1819-40

ኣታ ዘይተቐተልካ ነብዪ እግዚኣብሄር። ሎሚ ከም ኤልያስ ቅንኣት እግዚኣብሄር ክትቀንእን። ኣንጻር ኵሉ'ቲ ንምምላኽ እግዚኣብሄር ዜረሳስዕ ሓይሊ ርእስኻ ከተልዕልን ይግበኣካ እዩ፣

ብርግጽ ሰይፊ ኢዛቤል ስለዝነሓፈካ ኣይኮንካን ብህይወት ዘሎኻ። ግናኸ እግዚኣብሄር'ዩ ከትርፈካ ደልዩ፣ እምበኣርከስ ሎሚ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ዜግህድ ግብሪ ክትገብር ይግበኣካ እዩ፣

(ለ) ኤልያስ ድሕሪ ምሕራድ ነብያት በዓል

   ድሕሪ ምሕራድ ነብያት በዓል ተኣምራት'ዩ ስዒቡ፣ ንሰለስተ ዓመትን ሽድስተ ወርሕን ዝናም ጠፊኡ ድሕሪ ምጽንሑ ድማ ብርቱዕ ዝናም ኮነ፣ 1ነገ.4145

ጸገምን ምዕግርጋርን ካብቲ ምድሪ ንኪርሕቕ። ኣምልኾ በዓል ከቛርጽ የድሊ፣ እንተዘይኰይኑ ወላ እግዚኣብሄር ዝገበሮ በረኸት እንተመጸ። "ነዚ በዓል እዩ ዝገበሮ" ኪብሉ እዮም፣ ግናኸ ንኣምልኾ በዓል ደው ከተብል ኢልካ ምልዓል ብዘይገለ ጸገም ከምእትቕጽል ይገብረካ ማለት ኣይኮነን፣ ስለዝኾነ ኸኣ'ዩ ንኤልያስ ብኢዛቤል ኣዝዩ ብርቱዕ ተቓውሞ እተላዕሎ፣ ኣብ መንግስቲ ጸልማት  ማዕረ ክንድኡ ዚኣክል ክሳራ ኣውሪድካስ መንግስቲ ጸልማት ከመይ ኢሉ ሸለል ኪብለካ፣ ሕነ ምፍዳይ ዝበሃል ኣሎ፣ እቲ ብኢዛቤል እተላዕለ ናይ ሕነ ምፍዳይ ተበግሶ ኸኣ ኣብ ኤልያስ ስነ-ኣእምሮኣዊ ለውጥታት ኣምጺኡ እዩ፣ ካብቲ ኣብ ኤልያስ እተራእየ ስነ-ኣእምሮኣዊ ለውጥታት ነዚ ዝስዕብ ክጠቅስ፣

(1)ነፍስኻ ናይ ምድሓን ሓሳብ፤ (2)ንጊልያኡ ኣብ መገዲ ምሕዳግ፤ (3)ሓደመዓልቲ ጥራሕ ተጓዒዙ ሞት ምምናዩን ጉዕዞ ኣቛሪጹ ምድቃሱን፣

ብቐዳማይ ደረጃ። ኤልያስ ነቲ ብኢዛቤል እተላእከ ክቕተል ምዃኑ ዚሕብር መልእኽቲ ምስ ሰምዐ ሰንቢዱ እዩ፣ ኢዛቤል ሕነ ነብያታ ንምፍዳይ እያ ተዓጢቓ፣ ኣቐዲማ ነቶም ካልኦት ነብያት ቀቲላቶም ኔራ እያ፤ ሕጂ ኸኣ ነቲ ተሪፉ ዝነበረ ኤልያስ ብሰንክቲ ኣብ ልዕሊ ነብያት በዓል ዝፈጸሞ ተግባር ክትቀትሎ ብኣማልኽታ ምሒላ፣ እንዳ ዕኮት ተንኪፉ ካብ መንከስቲ ዘይፈርህ የልቦን፣ ንኤልያስ'ውን ከምኡ'ዩ ኮይንዎ፣ ኢዛቤል በዓል ኪምለኽ እናደለይትን ኣምልኾ በዓል ንምስፍሕፋሕ በርቲዓ እናተጋደለትን። ህዝቢ ናብ ኣምላኽ እስራኤል ኪምልስ ዜቕስና ኣይኮነን፣ ፍቑር ሓወይ ንሰብ ካብ መንግስቲ ጸልማት ናብ መንግስቲ ብርሃን ከነሰጋግሮ ከለና። ብመንግስቲ ጸልማት ሞት እዩ ዚምደበልና፣ ምናልባት ከይነስተውዕሎ ንኽእል። ግናኸ ኣንጻር ኣምልኾ ጸልማት ዝኾነ ስጉምቲ ኣብ ዝወሰድናሉ ጊዜ ናይ ሕነ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ኣሎ፣ እዚ ኣብ ኣእምሮና ለውጥታት የምጽእ - ናብ ፍርሓት ድማ ኬብጽሓና ይኽእል፣ ሽዑ ነፍስና ከነድሕን ክንጋደል ንግደድ፣

ሕጅውን ኣታ ዘይተቐተልካ ነብዪ ኣጆኻ፣ ኣምልኾ ሰይጣን ንምጥፋእ ብዝገበርካዮን ትገብሮ ዘሎኻን ብሕጂ ብእትገብሮን ተግባራት ኪመጸካ ካብ ዚኽእል ምፍዳይ ሕነ ንኸድሕነካ እግዚኣብሄር ምሳኻ እዩ፣ ኣብ ናይ ኢልያስ ዛንታ ቀጺልና ከምእንርእዮ እግዚኣብሄር ኣብ ጎድኑ ይስለፍ እዩ፣ ንዓኻውን እግዚኣብሄር ኣብ ጎድንኻ ኪስለፍ እዩ፣ ስለዚ ኣይትፍራሕ፣

ብኻልኣይ ደረጃ። ኤልያስ ብሰንኪ'ቲ ናይ ኢዛቤል ምፍርራሕ ኣብ ህይወቱ ብዝተኸሰተ ስነ-ኣእምሮኣዊ ለውጢ ህይወቱ ከድሕን ስለእተገደደ ቦታ ኪቕይር ተንሲኡ ይኸይድ፣ ኣብ መጀመርታ ንጊልያኡ ድማ ምስኡ ሒዝዎ'ዩ ተበጊሱ። ግናኸ ኣብ ብኤር-ሸባዕ ናይ ይሁዳ ምስ መጹ ኣብኡ ሓዲግዎ ከምዝኸደ ነንብብ፣

ፍቑር ሓወይ-ፍቕርቲ ሓብተይ ነፍሰይ ከድሕን ኣብ ዝበለካሉ እዋን። ብርግጽ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ብምዃንካ። ብዛዕባ ጊልያኻውን ትሓስብ ኢኻ፤ ኤልያስ ንጊልያኡ ሒዝዎ'ዩ ተገጊሱ፣ ግናኸ ናበይ ንኺበጽሕ ከምዝነቐለውን ብርግጽ ስለዘይፈልጥ። ኣብ ብኤር-ሸባዕ ኪሓድጎ መረጸ፣ ማለት ካብ ኣዒንቲ ኢዛቤል ሰዊርዎ። ምስኡ ኪወስዶ ግና ኣይከኣለን፣ እቲ ምኽንያት ኪፈላለ ይኽእል፣ ኣብዚ ክጠቕሶ ዝደለኹ ግና እቲ ብኢዛቤል እተላዕለ ምፍርራህ እምብዛ ጨካን ብምዃኑ ኤልያስ ምስ ጊላኡ ማለት ተመሃራዩ ኪፈላለ ተገዲዱ፣ እዚ ካብቲ ዝኸበደ ክፋል ናይ ስደት እዩ፣ ግናኸ ኣብ ካልእ ቦታ ዘይምሕዳጉ ጽቡቕ እዩ፣ ብቐዳምነት ካብ ኢዛቤል ሰዊርዎ እዩ። ከምኡ'ውን ኣብ ብኤር-ሸባዕ ኣብቲ ቦታ ተኣምራት እግዚኣብሄር እዩ ሓዲግዎ፣ ስለዚ ንህይወት እቲ ጊልያኡ ድማ ጽቡቕ ተስፋ ኣለዎ፣ እዚ ቃል'ዚ ምስ ኣስተንተንኩ ብዛዕባ ኩነታተይን ኩነታት ኣሕዋተይን ሓሲበ እጸናናዕ፣ ስለዚ ኣታ ኤልያስካ ዝሓደገካ ሓው ኣይትፍራሕ፣ ንዓኻውን ተስፋ ኣሎካ፣

ብሳልሳይ ደረጃ እንርእዮ። እቲ ብርቱዕ ኣገልጋሊ ዝነበረ ኤልያስ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ ተጓዒዙ ተስፋ ምቝራጹ እዩ፣ ካብ ኢዛቤል ዚመጽእ ምፍርራህ ተስፋ ንምቝራጽን ብዓቢኡ ድማ ህይወት ንምቕታልን እዩ፣ ስለዝኾነ ኸኣ ኤልያስ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ ተጓዒዙ ይሕለል፣

"ንሱ ግና ኣብ በረኻ መገዲ መዓልቲ ክይድ ውዒሉ ናብ ትሕቲ ሓንቲ ኺለዓው መጺኡ ኾፍ በለ፣ ሞት ተመንዩ ድማ ዎ እግዜሃብሄር ኣነስ ካብ ኣቦታትይ ኣይበልጽን እየ እሞ። ሕጂ ይኣኽለኒ። ንነፍሰይ ውሰዳ በለ። ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ኺለዓው ከኣ በጥ ኢሉ ደቀሰ፣" - 1ነገ.19።4-5፣

እግዚኣብግሄር ናበይ ኪበጽሕ እንታይከ ኬገልግል ኮን ይደልዮ ኔሩ ይኸውን፨ ንኤልያስ ኣይተራእዮን፣ ንዕኡስ ሞት እዩ ተራእይዎ፣ ደጊም ተእምራት ምግባር ኣይተራእዮን፣ ብተኣምራት ኣምላኽ ምድሓን'ውን ኣይትራእዮን፣ ኢዛቤል ፍርሓት ሞት ስለ ዝዘርኣትሉ ኣዒንቱ ንሞት እምበር ንምድሓን ኣይተኸፍተን፣

ፍቑራት ኣሕዋት ብዙሕ ጊዜ ከምዚ የጋጥመና እዩ፣ ኩነታትካ መፍትሒ ዘይብሉ ኮይኑ ዕጹው መዓጹ ጥራሕ ይረኣየካ፣ ኲንኡ ምሕላፍ ዘይከኣል ኮይኑ ስለዚስመዓካ ንዅሉ ነገራት ኣቋርጾ ይመጸካ። ሽዑ ሞት ትምነ፣ ንኣርበዓ መዓልታት ተጸዊዕካ ከለኻ። ብሓደ መዓልቲ ከተብቅዕ ትደሊ፣ እዚ ኩነታት እዚ ኣብ ህይወተይ ዘጋጠመሉ ጊዝያት ኣሎ፣

ፍቑራት ኣሕዋት። እግዚኣብሄር ንኣርብዓ መዓልታት ጸዊዑኩም ከሎ ብሓደ መዓልቲ ንዅሉ ከተቛርጽዎ ኣይትድለዩ፣ እቲ ስደት። እቲ መከራ። እቲ ሕማም። ኮታስ እዝን እትን ኣዝዩ እኳ እንተበዝሐ። ኣርብዓ ደኣ ተጐዓዙ፣ እቲ ኵሉ ዜኽእል ኣምላኽ ከኣ ምሳኹም እዩ፣

(ሐ) ኤልያስ ድሕሪ ብልዒ

 "እንሆ ድማ። መልኣኽ ነቕኒቑ። ነዊሕ መገዲ ኣሎካ እሞ። ተንሲእካ ብላዕ። በሎ፣"- 1ነገ.195

ፍቑራት ኣሕዋት። ኣነ'ውን ምስ'ዚ ቃል ኮይነ ነዊሕ መገዲ ኣሎኩም እሞ ተንሲእኩም ብልዑ እብለኩም ኣሎኹ። ብርግጽ ኤልያስ እንተዘይበሊዑ ካብታ እግሪ ኪለዓው ዜተንስእ ሓይሊ ኪረክብ ኣይክእልን እዩ፣ ኪትንስእን ነቲ ኣብ ቅድሚኡ እተነብረሉ ነዊሕ መገዲ ኪጎዓዞን እንተኾይኑ። ተንሲኡ ኪበልዕ ኣለዎ፣ "ተንሲእካ ብላዕ" ዚብል ድምጺ ኣብ ዚሰምዓሉ ዘሎ እዋን ዝኾነ ዚብላዕ ዚበሃል ኪህሉ ኣብ ዘይከኣለሉ እዋን እዩ፣ ብርግጽ ኣብቲ በረኻ እቲ እተማልኦ ስንቂ ስለዘይነበሮ ብዛዕባ ብልዒ ኪሓስብ ኣይክእልን እዩ፣ እግዚኣብሄር ዚብላዕን ዚስተን ኣብ ትርኣሱ ኣቐሚጡሉ ክነሱ ኣይርእዮን ነበረ፣ እዚ ምስቲ ንኣጋር ዜጋጠማ ኩነታት ይመሳሰል፣ ንሳ ብሰንኪ ስእነት ማይ ነቲ ውላዳ ይሙት ከም ዝሓደገቶ ኢና ነንብብ። ግናኸ ኣብ ጥቓኣ ዓይኒ-ማይ ነበረ፣ እሕዋተየ። ምድርን ምልኣታን ናይ እግዚኣብሄር ስለዝኾነ። ከባቢና ኣብቲ እተጸዋዕናሉ ኬብጽሓና ብዚኽእል ነገራት ዝመልኤ እዩ፣ ግናኸ እቲ ኣሰናባዲ ኩነታት ስለዜዑረና ምርኣዩ ይሰኣነና፣ ንስኻ እትደልዮን እትሓስቦን ምስ ዘይከውን ናይ ሞት ተኽእሎ ጥራሕ ይረኣየካ፣ ግናኸ እግዚኣብሄር ንስኻ ብሓደ መዓልቲ ጉዕዞኻ ከተቋርጽ እናሓሰብካ ንኣርብዓ መዓልቲ ንኽትጎዓዝ ዜኽእለካ መግቢ ኣዳልዩልካ ኣሎ፣

"እንተጠመተ ኸኣ። እንሆ ኣብ ርሱን እምኒ እተሰንከተ ቅጫን ሳርማ ማይን ኣብ ትርኣሱ ነበረ፣ በሊዕን ሰትዩን ድማ መሊሱ በጥ በለ፣" (1ነገ.196)፣ እግዚኣብሄር ድኻምካን ተስፋ ምቝራጽካን ምስ ረኣየ። ዋላ እኳ ኣብ ልቡ እቲ ክትጎዓዞ ዚግበኣካ ጉዕዞ እንተረኣየ። ብመጀመርታ ህላዌኻ እዩ ዜገድሶ፣ ሞት ኣብ እትምነየሉ ዘሎኻ እዋን። ህይወት ኪህልወካ ይደሊ። ስለዚ ኸኣ ብዛዕባ ጉዕዞኻ ከይተዛረበ ብላዕ ጥራሕ ይብለካ፣

ሎሚ እተሓለለን ጉዕዞኡ ኬቋርጽ ዝደለየን። ኣገልግሎቱ ኬደስክል ዝደለየን ሰብ እንተሎ መታን ህያው ኪኸውን። እግዚኣብሄር ተንስእ እሞ ብላዕ ይብሎ ኣሎ። እንታይ እየ ክበልዕ ኣይትበል። ንዓኻ ዚኸውን ኣምላኻኦዊ ብልዒ ኣብ ትርኣስካ'ዩ ዘሎ፣ ሃሌሉያ! እቲ ክትበልዖ ዘሎካ ብልዒ ካብ ርሑቕ ዚመጽእ ኣይኮነን። ኮታስ ክበልዕ ኢልካ ተንስእ። ሽዑ ነቲ ዚብላዕ ክትርእዮ ኢኻ፣ እቲ ኻብ ኵሉ መግቢ ዚበልጽ ቃል ኣምላኽ ኣብ ቀረባኻ እዩ ዘሎ፣ ተንስእ ነቲ ኣብ ቀረባኻ ዘሎ ቃል ኣምላኽ ከኣ ብላዕ። ንዕኡ ተመገብ፣

ብዘይካ'ዚ። ኤልያስ ኪኖ ምብላዕ ጉዕዞ ዘሎ ኣይመሰሎን። ስለዚ ኸኣ። "በሊዑን ሰትዩን ድማ መሊሱ በጥ በለ፣" ይብለና፣ "እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ መሊሱ ካልኣይ ሳዕ ነቕኒቑ። ነዊሕ መገዲ ኣሎካ እሞ። ተንሲእካ ብላዕ በሎ፣ ንሱ ድማ ተንሲኡ በልዔን ሰተየን። እሞ ብሓይሊ እቲ ብልዒ ኽሳዕ ሆሪብ። እቲ ኸረን ኣምላኽ ኣርበዓ መዓልትን ኣርበዓ ለይትን ከደ፣" (1ነገ.197-8)፣ እወ! ንኹሉ ከተቋርጾ ዘለካ ኮይኑ ኪስመዓካ ይኽእል፣ እግዚኣብሄር ግና ናብ ጽውዓኻ ክትበጽሕ እዩ ዚደልየካ፣ ስለዚ ኸኣ ዜድልየካ ምንጪ ሓይሊ የዳልወልካ፣

ብመሰረቱ እግዚእብሄር ቅልቅል ኢሉ ህልም ዚብል። ጅምር ኣቢሉ ዜቋርጽ ሰብ ኣይኮነን ዚደሊ፣ ንሱ ነቲ ኣብ ጸግዑ ዚሓድር "ነዊሕ ዕድመ ኸጽግቦ። ምድሓነይውን ከርእዮ እየ፣" ዝብል ኣምላኽ እዩ። (መዝ.9116)። ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ከምዚሓስበካን። ኣብ ልቡ ግርም ኣጀንዳ ከምዝኾንካን ምፍላጥ የድሊ፣ እግዚኣብሄር ንዝጀመርካዮ ህይወት ክትጸግቦ ይደሊ። ንዝጀመርካዮ ኣገልግሎት ክትምልኦ ይደሊ፣ ብርግጽ ነገራት ብምምላእ ናብቲ ኣምላኽ ዚደልዮ ምልኣት ይበጽሑ እዮም፣ ንኣብነት ዳዊት ንእግዚኣብሂር ቤት ኪሰርሓሉ ኵሉ ምድላዋት ኣዳልዩ ኣብቂዑ፣ ሰለሙን ከኣ ተቐቢሉ ንእግዚኣብሄር ቤት ሰርሓሉ፣ ሃዋርያ ጳውሎስ ድማ። "ኣነ ተኸልኩ ኣጵሎስ ኣስተየ" ይብል፣ ግዴኻ ምድላው እንተኾይኑ ፍርቁ ኣዳሊኻ ከተቋርጾ የብልካን። ብምልኣት ከተዳሉ ኣሎካ፣ ግዴኻ ምትካል እንተኾይኑውን ብምልኣት ክትተክልን ነቲ ዜስቲ ኣዳሊኻሉ ክትጸንሕን የድልየካ። ነዚ ኸኣ'የ እቲ ንዝጀመርካዮ ምፍጻም ዝብሎ ዘለኹ፣ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ነዚ ሓቂ እዚ ምስ ተረድኤ እዩ። "ጎይታየ ኣብ ፈረቓ መዓልታተይ ኣይትውሰደኒ" ዝበለ፣ ብርግጽ ልብና። ኣብ ፈረቓ መዓልታትና ከይንውሰድ ወይ ነገራትና ከይነቋርጾ ኪጸንዕ የድልዮ። እግዚኣብሄር ንነዊሕ ጉዕዞ እዩ ጸዊዑና፣ እቶም ገሊላውያን (ሃዋርያት) ካብ የሩሳሌም ክሳብ ወሰን ምድሪ እዮም ተጸዊዖም ኔሮም፣ እስከ ንሕሰብ! ክሳብ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትከውን ተጸዊዕካ ከለኻ። ምስክርነት የሩሳሌም እኳ ከይወዳእካ ክትሕለል?

ፍቑር ሓወይ! ፍቕርቲ ሓብተይ! እተመደበልና መገዲ ነዊሕ እዩ። ንኽንውድኦ ኸኣ ተንሲእና ክንበልዕ የድልየና!

ዛንታ ኤልያስ ቀጺልና እንተኣንቢብናዮ። ቃል እግዚኣብሄር ከም ዝሰምዔን። ነቲ ነፍሱ ኬድሕን ኢሉ እተጓዕዞ ጉዕዞ'ውን ኪምለሶ ግዲ ከምዝኾኖን ንርኢ፣ ኤልያስ ድሕሪ ብልዒ ኣርበዓ መዓልትን ኣርግዓ ለይትን ጥራሕ ተጓዒዙ ኣየብቅዐን፣ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ። ንኤልሳእ ኣብ ክንዳኡ ነብዪ ኪኸውን ቀብኦ። ንዛኤል ኣብ ሶርያ ኪነግስ ቀብኦ። ንየሁ ወዲ ኒምሺ ኸኣ ኣብ እስራኤል ኪነግስ ቀብኦ፣

ዜገርም እዩ። ኤልያስ ቅብኣት ክልተ ነገስታትን ቅብኣት ሓደ ነብይን'ዩ ከይተረድኦ ኬትርፍ ደልዩ ኔሩ፣ ንኽልተ ሃገራት ማለት ንሶርያን እስራኤልን ንዚኸውን በረኸት ኪዕፍኖ ሓሲቡ ኔሩ፣

ንስኻውን ፍቑር ሓወይ ጽውዓኻ ዓቢ እዩ፣ ንዓይ ደኣ መን ይሓስበኒ ትብልዶ ኣሎኻ፣ ዋላ'ኳ ሰብ ኣይሕሰብካ ኣምላኽሲ ኣዝዩ እዩ ዝሓስበካ፣ ብርግጽ ነዊሕ መገዲ ኣዳልዩልካ ኣሎ፣ ስለዚ መገድኻ ከተቋርጽ ኣይትድለ፣ ኣምላኽ ኤልያስ ከኣ ምሳኻ እዩ፣ ፍቕርቲ ሓብተይ'ውን ኣምላኽ ኤልያስ ምሳኺ እዩ እሞ ነቲ ዘሎኪ ነዊሕ መገዲ መታን ክትጎዓዝዮ ተንሲእኪ ብልዒ!

ብ ኣድሓኖም ሕዱግ