19
Fri, Apr
0 New Articles

ስለምንታይ እዩ ምንቕቓሕ ዘየሎ?

Message 1
Typography
ዝዀነ ቅኑዕ ሰብ ኣብ ቤተ ክርስትያን ናይ ጐይታ የሱስ ሓደ ገለ ጸገም ከምዘሎስ ኣብ ውሽጡ ይርድኦ እዩ። ሓደ ሰብ ነታ ናይ ናይ ሓድሽ ኪዳን ቤተክርስትያን ምስ ናይዛ ሕጂ ኣብ ጊዜና ዘላ ቤተ ክርስትያን ከወዳድራ ከሎ ሓደ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝዀነ ኩነታት ከምዘሎና ይግንዘብ። ዘይምስምማዕን ተጻራሪነትን ኣዝዩ ገኒኑ ኣሎ።

ምናልባት ነዚ ዘሰክፍ ኩነታት ብዝተፋላለየ መንገዲ ክንሓብኦ ንፍትን ኢና፡ እዚ ኸኣ ብ ላግጺን ብዋዛን፣ ብምግራም፣ ብኣዝየን ነኣሽቱ ዝዀና ዘሐጉሳ ነገራት፣ ሓደሽቲ መደባት ብምውጻእ፣ ናይ ሃይማኖታዊ ትካላት ብምምስራትን ብኻልእን። ግን ከኣ መለኮታዊ ዝዀነ ዘይዕጋበት ንብዘላ ቤተ ክርስትያን ናይ ሃገርና ዓብሊሉዋ ኣሎ። ካብ ጐይታ የሱስ መጠንቐቕታ ንህዝቡ ይመጽእ ከምዘሎ ብወረ ወረ ዝስማዕ ዘሎ'ሞ ሱር መሰረታዊ ዝዀነ ናይ ልቢ ለውጢ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ እንተዘይገበርና ኣብ ኣዝዩ ዝኸፍአን መምለሲ ዘይብሉ ጸገምን ክናኣቱ ምዃንና ዝሕብረሉ ዘሎ ጊዜ ዝበጻሕና ንመስል። እግዚኣብሄር ሃገርና ናብኡ ክትጥምትን ክትምለስን ይደሊሎ ነዚ ድማ ብቤተ ክርስትያኑ ክጅምሮ ይደሊሎ።

እንታይ ዓይነታት ኣረኣእያታትን ኣተሓሳስባታትን እየን ንህዝቢ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ዝተላእከ ምንቕቓሕ ከይርኢ ዝኽልክላ ዘለዋ? ንገለ ካብኣተን ክንርኢ ክንፍትን ከሎና እስከ ሓንሳብ እእዕርፍ ኣቢልና ልባትና ትሕት ንኽብላ መንፈስ ኣምላኽ እንታይ ክብለና ከምዝደለየ ነለሊ። መጀመርታ ኸኣ መዝሙር ዳዊት 80፡3-7 ን መዝ 85፡4-9 ነንብቦ።

ስለምንታይ ምንቕቓሕ ዘየሎ?

1. ናይ ግጉይ ዝዀነ ቐዳምነታት ኣተሓሳስባ፡ ብምሕዳስ ሓሳብና ክሳብ ዘይተለወጥና እቲ ናይ ብርግጽ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ኣየናይ ምዃኑ ኣይርደኣናን እዩ። ራእይ 2፡4-5 ኣምላኽ ዝደልዮ ቀንዲ ኣገዳሲ ነገር እታ ቐዳመይቲ ዝዀነት ፍቕሪ ንኣምላክናን ምስኡ ዘሎና ሕብረት ኰይኑ ካልእ ኩሉ ድሕሪ እዚ ምዃኑ ይሕብረና። መብዛሕትኦም ሰባት ብስራህን ብኣገልግሎትን ኣዝዮም ደኺሞምን ተኻኢሎምን ስለዝዀኑ ንየሱስ ዝተርፍ ነገር የብሎም። ሓደ ሰብ ሓደ እዋን ከምዚ ኢሉ። መብዛሕትኦም ኣሜሪካውያን ንስርሖም እዮም ዘምልኹ፤ ኣብ እዋን ጸወትኦም ይሰርሑ፤ ኣብ እዋን ኣምልኾኦም ከኣ ይጻወቱ ሐአለ ሰባት ነቲ ንውሕ ዝበለ ጸሎትን ኣምልዀን ክጻወሩ ዘይክእሉ ሰባት እቲ መደብ ስፖርት ናይ ቴለቪዥን ወይ ድራማታት ምስዝሓጽር ኣዝዮም ይባሳጨዉን ዝተታለሉ ኰይኑ ይስምዖም። ንሕና ንኣምላኽ ኣብቲ ብስራሕ ብዙረት ብወረ ዝተታሕዘ ጸቢብ ሰዓታትና ክንሰርዖ ወትሩ ምስ ፈተንና ኢና፡ ንሱ ግና ኣብቲ ናቱን ሰማያዊን ዝዀነ መደቡ ንኽንኣቱ ወትሩ ይጽበየናን ይደልየናን። ሎሚ ስለምንታይ ኢኻ ኣብ ምድሪ ትነብር ዘሎኻ? ኣብቲ መወዳእታ ናይ ምድሪ ዕድመና ዝነበረና ገንዘብን ኩሉ ነገራትናን ሓዲግና ንዘልኣለምነት ፊት ንፊት ምስገጠምናዮ ኣንታይ ክንብል ኢና? (ማቴ 6፡33 ኣንብብ)።

2. ብዘሎካን ብዝበጻሕካዮን ወይ ብናይ ርእስኻ ናይ ምዕጋብ ኣተሓሳስባ (ኣካይዳ)፡ ብዘሎካ ምዕጋብ ንሕና ብርእስና ዓጊብና በቲ ተራ ዝዀነ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ኣቀራርባ ዕጉባት ክንከውን ከሎና እዩ። እታ ናይ ሎዶቅያ ቤተ ክርስትያን ኣብ ራእይ 3፡15-17 በቲ ልብጥ ዝበለ ናብራኦም ብዛዕባ እቲ ሓቀኛ ኩነታቶም ንኸይርድኡ ብዑረት ናይ ዝተወቕዑ ሰባት ኣተሓሳስባ ሒዛ ኔራ። ስለምንታይ ግና ምንቕቓሕ ንደሊ? ቅድሚ ኹሉ ጐይታ ይባርኸና እዩ ዘሎ! ምንቕቓሕ ነታ ብፍጹም ቅብጸት ሃረር ኢላ ንእትሓትት ቤተ ክርስትያን ደኣ እምበር ነታ ብርእሳ ዕግብቲን ካልእ ኣይደልን እትብል ቤት ክርስትያን ኣይኰነን። ኣምላኽ ነቶም ለይትን መዓልቲን ከየባተኹ ንዝሓትዎ ዓስቢ ዝህብ እምበር ነቲ ስሕት ኢሉ ዝሓትት ዝህብ ኣይኰነን (እብ 11፡6)። ምናልባት ምንቕቓሕ ንኽመጽእ ሃረርታና ዝጐድልን ነቲ ሓቀኛ ዝዀነ ናይ ኣምላኽ ነገር ከይንጸምእ ዝዓግተና ዘሎ ንርእስና ብና ምድራዊ ነገር ናይዚ ዓለም ነገር ተዋሒጥና ስለዘሎና እዩ። ሓደ ግዜ ሓደ Leonardo Ravenhill ዝተባህለ ሰብ ከምዚ ዝብል ኣበሃህላ ነበሮ። ነቲ ሓቀኛ ዝኰነ ምንቕቓሕ ከይንርኢ እቲ እንኰ ምኽንያት ብርእስናን ብናይ ዘሎናን ስለዝዓገብናን ብዘይምንቕቓሕ ክንነብር ንኽእል ኢና ስለዝበልና እዩ

3. ናይ ተስፋ ምቑራጽ ንኹሉ ትም ኢልካ ናይ ምቕባል ኣተሓሳስባ (ኣካይዳ)ገለ ክርስትያናት ኣምላኽ ምንቕቓሕ ክልእኽ እንተደኣ ደልዩ ክገብሮ እዩ ይብሉ። እዚ ግና ንሕና ከም ቤተክርስትያን መጠን ንገጹ ንምድላይ ዘሎና ሓላፍነትና ዝጻረር እዩ። ገሊኦም ከኣ ምናልባት ከምዚ ይብሉ  ምንቕቓሕ ድሮ ተዋሂቡና እዩ፡ ከምዝተዋህበና ምቑጻርን ምውሳድን እዩ ይብሉ። እዚ ኸኣ ርእስኻ ናይ ምትዕሽሻው ኣተሓሳስባ እዩ፡ ብዛዕባ እዚ ርእይቶ ምሃብ ከማን ኣየድልዮን እዩ። ሓደ እዋን Leonardo Ravenhill ቤተ ክርስትያን ካብቲ ጥዑይ ዝበሃል ኩነታት ኣዚያ ትሒታ ወሪዳ ስለዘላ፡ ናብ ጥዕየት ኣንተመጽአት መሊሱ ንርእስና የገርመና ኢሉ። ብዙሓት ሰባት ብተመሳሳሊ ካብ ልቦም ምንቕቓሕ ንኽመጽእ ንሕና ክንገብሮ እንኽእሎ ነገር ወላ ሓደ የልቦን፡ ኣምላኽ ባዕሉ እዩ ምንቕቓሕ ዝሰድድን ዘይሰድድን ክብሉ ሰሚዐ ኣሎኹ።

ኣብ ከምዚ ኹነታት ከኣ ነቲ ዘሕዝን ኩነታት ናይ ቤተ ክርስትያንና ተሓታትነት ናይ ኣምላኽ ልኡላውነት እዩ ኢልና ንሐአሻይታ ንኸሶ። ኣብ ቤተ ክርስትያን ምንቕቓሕ እንተዘይሃለወ እቲ ጸገማት ኣብ ውሽጢ ልብና እምበር ኣብ ኣምላኽ ከምዘይዀነ ርግጸናታት ክንከውን ይግበኣና። ብሓቂ ኸኣ ከምቲ ዘይደሓነ ንፍሲ ክሳብ ሕጂ ንዘይምድሓኑ ክሕተት (ሓላፍነት ክወስድ) ከምዝግብኦ፡ ከምኡ ኸኣ ከይተነቓቕሐ ንምትራፉ ተሓታቲ ባዕሉ እቲ ክርስትያን እዩ። ነፍስ ወከፍና ነቲ ዝተዋህበና ጸጋ (ውህበት) ኣምላኽ ክንሕድሶን ናብቲ ድሌት ኣምላኽ ንቤተ ክርስትያኑ ኣቢልና ከነሕንዖን ክንስጉምን ይግበኣና። እዚ ኸኣ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንኣምላኽ ዘሐጉስ ንኽኸውንን ሻምብቆ ናይ ምንቕቓሕ ንኽኸውን ሓላፍነቱ ብምውሳዱ ክጅመር ይግብኦ።

4. ንምንቕቓሕ እንታይነቱ ብጌጋ ናይ ምርዳእ ግጉይን ብዘይራእካዮ ብኣንጻር ምሕሳብ፡ ንሕና ንኣምላኽ ቅሉዓት ኴንና ኣሎና ድላዩ ይግበር ንብል ኣሎና። እዚ ማለትና ግና ኣምላኽ ከምቲ ንሕና እንሓስቦን እንደልዮን ጥራይ ምስ ዝገብር እዩ። ኩሉ ግዜ ልማዳዊ ዝዀነ፡ መግለጺ ክወሃቦ ዝከኣሎን፡ ክኽበር ዘለዎን እምበር ካብ ትጽቢትና ወጻኢ ዝዀነ ካብ ቁጽጽርና ወጻኢ ዝዀነ ዝዀነ ስምዒታት ዝገልጸሉ ኣገባብ ክኸውን የብሉን ንብል። ንሕና ስርዓትን ሕጊን ንደሊ! እቲ ምስጢራዊ ዝዀነ መግለጺ ኣልቦን ካብ ኣእምሮና ወጻኢ ዝዀነ ወይ ከኣ መለኮታዊ ነቲ ስጋዊ ዝዀነ ኣእምሮ ከጨንቖ ናይ ግድን እዩ። ንሱ ከምዚ ኢሉ ይሓስብ ጐይታ ኣነቓቕሓና፡ ግን ከኣ ክንድዚኣ ጥራይ ወይ ክንድቲኣ ጥራይ፡ ወይ ብኸምዚ መገዲ ስራሕ፡ ወይ ከኣ በዞም ሰባት ስራሕ፡ ወይ ዉን ብኣይ ጥራይ ስራሕ፡ ተመስገን፡ እባርኸካ ኣሎኹ ኢሉ ይጽሊ

ንሕና ንኣምላኽ ክሳብ እቲ ኩሉ ዘሐጉስ ዝመስል ነገራትና ዝትንከፍ ጥራይ ኢና ክንኣምኖ እንደሊ። ገለ ዘየሐጉሰና፡ ዘይሰማማዓና፡ ወይ ነቲ እንፈትዎ ገለ ነገር ክንስውዖ ክሓተና ክጅምር ከሎ ንድሕሪት ንምለስ። ብዙሓት ሰባት ንኣምላኽ ከም ሕጉስ ናብራ ንኸተሕልፍ ዝሕግዝ መለኮታዊ ሓገዝ ጌሮም ይቖጽርዎ'ሞ ንሕና ኸኣ ንጐይታ እንደልዮ ነቲ እንደልዮ ዘበለ ነገራትና ክሳብ ዘይቀየሮ እዩ። ዝዀነ ንለውጢ ድሉው ዘይዀነ ሰብ ንምንቕቓሕ ድሉው ኣይኰነን። ክሳብ ክንልወጥ ዘይደለና ምንቕቓሕ ዝበሃል የሎን። መዝሙር 110፡3 ከምዚ ይብለና በታ ሰራዊትካ እተኽትተላ መዓልቲ ህዝብኻ ፈትዩ ይመጽእ ነቲ ቅኑዕ እዩ ዝበልኩዎ ሓሳባተይ ክሓድግ ድሉው ድየ ዘሎኹ? ነቲ ኣዝዩ ጥዑም ዝዀነ ግን ከኣ ምዉት ዝዀነ ልምድታተይ ስርዓታተይን ክሓድግ ድሉው ድየ? ምናልባት ብስርዓታት ዝተጣናነግካ ሰብ እንተደኣ ዄንካ ማርቆስ 7፡9 ኣንብብ። ብድሕሪኡ ንኣምላኽ ብመንፈስን ብሓቂን ከተምልዀ ኢኻ። ክንደይ ከ ይጥዕም።

5. ነቲ እዝንኻ ክሰምዖ ዝደሊ ጥዑም ናይ ፍቕሪ ነገር ጥራይ ክትሰምዕ ናይ ምድላይ ኣተሓሳስባ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ 2ጢሞ 4፡3 ኣእዛኖም ኣስሕይዎም ደኣ፡ ብትምኒት ርእሶም መምህራን ክእክቡ እምበር፡ ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ፡ ሽዑ ኣእዛኖም ካብ ሓቂ ኺመልሱ፡ ናብ ጽውጽዋያት ዉን ኪምለሱ እዮም ኢሉ የጠንቅቐና። ንሳቶም ነቲ ጥዑይ ግን ከኣ መሪር ሓቂ ዝሰብኩ ሰበኽቲ ኣይደልዩን እዮም፡ ንሳቶም ብዛዕባ ፍቕሪ ስበኸልና፡ ብዛዕባ መከራን ርእስኽእ ምቕባጽን ክንሰምዕ ኣይደሊን ይብሉ ምስ ሰባት ክንበኣስ ኣይንደሊን፡ ንሰባት ከምዝጉህዩ ትገብሮም ኣሎኻ፡ ሰባት ኣይክመጹናን እዮም፡ ኣይክንበዝሕን ኢና ኣንጻር ሓጢኣት ጥራይ ትሰብኽ እንተዄንካ ሰባት ካባና ክርሕቁ እዮም ይብሉ።

ግን ከኣ ፍቱዋት ሓጢኣት ነቲ ብዓቢ ሓይሊ ክፈስስ ዝግብኦ መንፈስ ኣምላኽ ዓጋቲ እዩ። እሙን ብዘይኰነ ስብከታት ንመንፈስ ቅዱስ ካባና ክርሕቕ ካብ ምግባር፡ ብናይ እምነት ስብከት ሰባት ክርሕቁ ምግባር ዝሓሸ (ዝበለጸ) እዩነቲ ዝደቀሰ ብዘባራብር ድምጺ ንጭድረሉ ግዜ በጺሑ እዩ ንቖልዓ ከም እተደቅስ ኣደ ንሰባት እሽሩሩ ናይ ምባል ጊዜ ሓሊፉ እዩ። እቶ ንዑ ንደቅስ ናይ ዝብል ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ነቲ ኣብ ኣእዛኖም ዝጭድር ሰባኺ ኣይፈትዉዎን እዮም። ገለ ሰብ ምናልባት በጃኻ ሓወይ ሓጢኣት ቤተ ክርስትያን ንዓለም ኣይተቃልዓዮ ይብል ይኸውን። ኣጆኻ ኣይትጉሀ፡ ጸገም የሎን፡ ዓለም ንሓጢኣት ናይ ቤተ ክርስትያን ቀደም በጺሓቶ እያ። ምስ እዚ ዘላቶ ኩነታት ናይ ቤተ ክርስትያን ሓቀኛ ዝዀነ ምንቕቓሕ ክንረክብ ኢልካ ዘይሕሰብ እዩ። እዚ ኣዝዩ ዘቐንዙ (ዘሕምመና) ነገር ክኸውን ይኽእል እዩ። ግን ከኣ ኣተሓሳስባ ክልወጥ ኣለዎ፡ ቅኑዕ ክንከውን ይግበኣና እምበር ቅኑዕ ከምዝዀንና ክስመዓ ኣይንደሊን ንበል ብርሃን እንኰ መልሲ ንጸልማት እዩ

6. ክብሪ ርእስኻ ናይ ምድላይ ኣተሓሳስባ (ኣካይዳ)፡ እዚ ኸኣ ንሰብ ምፍራህ ወይ ከኣ ትዕቢት እዩ። (ዮሃ 2፡42-43 ኣንብብ)። ንሕና እቲ ሒዝናዮ እንብሎ ክብረት ከይንስእኖ ንፈርህ ኢና (እቲ ጌጋና ኸኣ ገለ ክብረት ዘሎና ኰይኑ ስለዝስመዓና እዩ)። ወይ ከኣ ካልኦት ሰባት ንሱ ወላ ሓደ የብሉን ከይብሉና ንፈርህ። እዚ ኸኣ ናይ ግብዝነት-ልቢ ምንጪ ሕመረቱ እዩ። ንርእሰይ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ትሕት እንተበልኩን ኩለንተናይ ንኣምላኽ እንተተማረኽኩሉን ካልኦት ሰባት እንታይ ይብሉኒ? ሕራይ፡ ከምኡ እንተዘይገበርካ ኣምላኽ እንታይ ይሓስብ? መስኪናይ ወዲ ብሓጢኣቱ ክነብዕ ኣብ ቤተ ክርስትያን ርእየዮ ንብል። ክንሓዝን ዝግበኣና ግና ኣምላኽ ንሓጢñኣቶም ክገልጸሎም ከሎ ብሓጢኣቶም ብዘይብኽዩ ሰባት እዩ ኔሩ! ኣብ ቅድሚ እቲ ቕዱስ ኣምላኽ ብሓጢኣቱ ናይ ዘይነብዕ ሰብ ብዛዕባ ምድሓኑ ሕቶ ኣልዒልካ ምጥርጣር ቅኑዕ እዩ ኢለ ይኣምን። ንሕና ንዓለም ዘይንመስልን ካብ ዓለም ዝተፈለናን ቅዱስ ህዝቢ ንኽንከውን ኢና ተጸዊዕና። ዓለም ምሳና እትሰማማዕን ምሳና ብምዃና ዘይትስከፍን እንተደኣ ኰይና እቲ ዕዮ መስቀል ትርጉሙ ስሒቱ ኣሎ ኢልና ክንግምት ንኽእል ኢና። (ገላ 5፡11, 2ጢሞ 3፡12)።

እቲ እንኰ ኣገዳሲ ነገር ኣምላኽ እንታይ ይሓስብ ዝብል ሕቶ እዩ። ናይ ቤተ ክርስትያንና መጎልበቢ መጋረጃ ቐንጢጥና ናብ ኣምላኽ ብቅሉዕ ገጽ ቀሪብና ምስ ኣምላኽ ክንሰማማዕ ይግበኣና እዩ። ብቅንዕና ከምዚ ክንብል ክሳብ እንደፍር ክንስጉም ይግበኣና፡ ኣነ ንሕድስና ኣይፈርህን እየ፡ ምስ ኣምላኽ ንኽስጉም ኣይፈርህን እየ ካባይ ዝሕተት ዘበለ መስዋእቲ ዝደለዮ ዓይነት ይኹን (ዋላ ኣገልግሎተይ) ክኸፍል ድሉው እየ።

7. ብዘይ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ናይ ምኻን ኣተሓሳስባ፡ መዝ 11፡3 መሰረታ እንድሕሪ ፈሪሱ ደኣ፡ እቲ ጻድቕ እንታይ ኪገብር ይከኣሎ ሆሴእ ድማ ህዝቢ ኣምላኽ ሰኣን ፍልጠት ከምዝጠፍአ ይነግረና (4፡6) የሱስ ነቶም ፈሪሳውያን ኣብ ማርቆስ 12፡24 መጻሕፍቲ ዀነ ወይስ ሓይሊ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጥኩም ደይኰንኩምን እትስሕቱ ዘሎኹም ኢሉዎም። ኣብ ብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ ታሪኽ ናይ ቤተ ክርስትያንን

ከም እንርእዮ ምንቕቓሕ ዝመጽእ ዝነበረ ህዝቢ ኣምላኽ ን ቓል ኣምላኽን ንተስፋታቱን ብተገዳስነት ኣጽኒዑ ክሕዞ ክጅምር ከሎ እዩ። ነተን ጽሑፋት መርምሩወን እሞ እተን ጽሑፋት ኸኣ ይመርምራኹም። ቅድሚ 50 ዓመታት ኣቢሉ እቲ ማእከላይ ንጐይታ ዘይፈልት ሰብ ካብቲ ናይ ሕጂ ማእከላይ ዝደሃነ ሰብ ልናዕሊ ቃል ኣምላኽ ይፈልጥ ነበረ። ንሕና ብኻልኣይ ኢድ ዝወሓበና ቓል ሓቂ ምብላዕ ተላማሚድናዮ ኣሎና። ንቖልዑ ጸባ ብቐሊሉ ክሓቅቕ ዝኽእል መግቢ እዩ።

ጸልማት ኣብ ዝዀነን ሰብ ሰርሖ ብርሃን ዘለዎ እዋን ኢና እንነብር ዘሎና። ዝተፈላለየ ኣምልኾታት ዝስስነሉ ዘሎ እዋን፡ ቤተ ክርስትያን ከኣ ንሕና ቓል ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጥና ኣዝያ ተዳኺማን ንቕድሚት ምስጓም ሓዲጋቶ ኣላ። ቤተ ክርስትያን ሕጂ ናብ መጽሓፍ ቅዱስ ክትምለስ ዘየላቡ ኣገዳስነታ እዩ። ንዓለም እቲ እንኰ ተስፋኣ ቤተ ክርስትያን ከም ብሓድሽ ንርእሳ በቲ መስትያት ዝዀነ ቓል ኣምላኽ ክትፍትሽን እቲ ዝጸበቐ ክዳውንታ ተኸዲና ንምግላጽ ጐይታኣ ኣሎኹ ኢላ ክትዳለውን እዩ። ዓለም ጐይታ ሰራዊት ይብል ኣሎ ዝብል ድምጺ ቅቡእ ካብ እዝዝቲ ቤተ ክርስትያን ክትሰምዕ ይግበኣ።

8. ኣብ ነንሕድሕድ ናይ ዘይምስምማዕ ኣተሓሳስባ (ኣካይዳ)፡ ኣብ ኣካል ክርስቶስ ፍልልያት ናይ ስጋውነት መረጋገጺ እዩ። እዚ ኸኣ ን መንፈስ ቅዱስ ዘጉሂን ከምዘይሰርሕ ዝኹርምዮን እዩ። ምፍልላይ ናይቲ ብሓንቲ ሓሳብ ዝብል ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ነታ ቤተ ክርስትያን እተደንቕ ሻምብቆ ኣምላኽ ናይ ዝገበራ ኣንጻሩ እዩ።  ኣብ ቤተ ክርስትያን ዝተሓብአ ኣብ ነንሕድሕድካ ይቕረ ዘይምብህሃል ልክዕ ኣብ ኣካል ተሰዂዓ ከም ዝተረፈት ጥይት እዩ። ንሕና ብዙሕ ንጭነቕን ንሓስብን ስለ ናትና ኣረኣእያታትን ሓሳባት ድዩ ወይስ ስለ ክብሪ ኣምላኽ? መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምሳሌ 13፡10 ካብ ትዕቢት ባእሲ ጥራይ እዩ ዚመጽእ ይብለና። ንሕና ኣብ እግሪ መስቀል ትሕት ክንብል ምስ እንጅምር ፍልልያትና ካባና ይርሕቕ።  ሓደ ካብ ቀንዲ መሪሕ ጥቕሲ ናይ ሜልስ ምንቕቓሕ ንቤተ ክርስትያን ትሕት ኣቢልካ ንዓለም ኣድሕን ዝብል እዩ። ዝበዝሐ እዋን ብትዕቢት ዝተመልኡን ፍልልያት ዝነበሮም ምእመናንን ን ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ተኣዚዞም ትሕት ኢሎም ንነንሕድሕዶም ይቕረ ክበሃሃሉ ምስ ዝጅምሩ ኣምላኽ ብሓይሊ ዕቤቱ ክሰርሕን ዓቢ ለውጢ ክገብርን ልሙድ እዩ። እሞ ንሕናኸ ንገብሮ ዲና?

 9. ናይ ምምስሳል ኣካይዳ (ኣተሓሳስባ)፡ ምሳሌ 14፡14 እቲ ብልቡ ዚዓሉ ብመገዱ ይጸግብ ይብለና። ምምስሳል ብሰንኪ ዘይምፍላጥ ኣይኰነን ዝመጽእ። ንሱ ኣንጻር ብርሃን ዝቐንዐ ሓጢኣት እዩ። ምምስሳል ካብቲ ኣምላኽ ዘርኣየና መገዲ ናብቲ ናትና መገዲ ምዝምባል እዩ። ንሱ ሕሹኽ ይብለና፡ ንሕና ንበራበር፡ ግን ከኣ ንሕና ነቲ ሓቂ ወይ ንርስዖ፡ ወይ ሸለል ንብሎ፡ ወይ ንጸቕጦ ወይ ከኣ ኣይንእዘዞን። ዝደለናዮ ዓይነታት ብዙሕ ዝዓይነቱ ምኽንያታት ንክንእዘዝ ፍቓደኛታት ንዘይምዃንና ከነቕርብ ንኽእል ኢና ግን ከኣ ዋላ ሓደ ካብ ምኽንያታትና ቅቡል ኣይኰነን ዋጋ የብሉን። ንስለ ጽድቂ ክንስቅ ፍቓደናታት ዲና? ድያብሎስ ብዘተፋላለየ ኣሽሃት ዝዓይነቱ ነገራት ነቲ ሓቂ ከጸልምተልናን፡ ካብቲ ዓሚቑ ነገራት ኣምላኽ ሓሳብና ክሰርቕ ወይ ክንሳላቾ ወይ ንናይ ኣምላኽ ነገራት ድንዙዛት ክገብረና ይደሊ።

 ንሕና ዓለም ቤተ ክርስትያናዊ ቤተ ክርስትያን ከኣ ዓለማዊት ኣብ ዝዀነትሉ እዋን ኢና እንነብር ዘሎና። ሓንሳብ ሓንሳብ መን እዩ መን ክትዛረበሉ ዘሽግር እዋን እዩ። በዚ ትሰማምዑ ዲኹም? ጐይታ ግና እቶም ናቱ ዘበሉ ይፈልጦ እዩ፡ ዋላ ነቶም ብናይ ኣካይዳ ዓለም ዝተጠወዩን ዝተዋሕጡን። ንድምጹ ሰሚዑ ምሕረት ንዝሓትት ዘበለ ጐይታ ይምልስ እዩ። ንሓና ካብቲ ድርዒ (ዕሳው) ዓለማውነት ወጺእና ንምስሊ ኣርኣያኡ ክንልወጥ ግዚኡ እዩ። ነቲ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልብና ዝቐልዖ ዘበለ ሓቀና ነገር ዕሽሽ ኣይንበሎ። መስቀል ኩሉሳዕ ቅድሚ ምንቕቓሕ ክመጽእ ይግብኦ እዩ  ንኣምላኽን ንኻልኦት ሰባትን ምኽኒታት እናደርደርካ ኣብ ልብኻ ንዝዓቖርካዮም ዘበሉ ነገራት ሎሚ ወጊድ በሎም።

10. ናይ ዘይምጽላይ ኣተሓሳስባ (ኣካይዳ) እቲ ሓቀና ዝዀነ ምንቕቓህ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ብኣኽናፍ ጾሎት ናይቶም ብዘይ ንሱ ካልእ ኣይንደልን ዝበሉን ናይ እምነት ጸሎት ዝጽልዩን ህዝቢ ኣምላኽ እዩ። ኣምላኽ ንመልሲ ጸሎትኩም ክህበኩም እየ ኢሉ ንዘተስፈዎ ተስፋ ብኻልእ መገዲ ብዘይ ጸሎት ኣይህብን እዩ። ንሱ ናብኡ ብትሑትን ስቡርን ልቢ ብንስሓን ብናይ እምነት ልቢን ክሳብ እንመጾ እዩ ዝጽበ። ዝዓበየ ምንቅስቓሳት ኣምላኽ ኩሉሳእ ድሕሪ ጸሎት እዩ ዝመጽእ። ንሰብ ብዝከኣል ዝመስል ዘበለ ነገራትና ክጽብቐልና ኢልና ንፈትን፡ ዋላ ጸገማትና ክንፈትሕ ንፈትን ወላ ሓደ ነገር ኣይነስልጥን ኢና። ብዘይ ትርግታ ልቢ ጸሎት ኣካል ክርስቶስ ንሬሳ ምመሰለት። ቤተ ክርስትያን ብእግራ ክትመውት ጀሚራ ኣላ፡ እዚ ድማ ብብርካ ክትነብር ስለዘይፈተነት እዩ። ሕጂ ብዉልቅናን ብሕብረትን ገጽ እግዚኣብሄር እንደልየሉ እዋን እዩ። ብኹለንትናና ናብ ኣምላኽ ንመለስ እሞ ኣምላኽ ንሕዝቡ ካብቲ ንደልዮ ኢና ኢልና እንሓስቦ መጠን ምንቕቓሕ ዝበለጸ ከምዝሰደልና ንረዳእ።

 ኣምላኽ ንቓሉ እሙን እዩ። ካብ ኣምላኽ ንላዕሊ ዝተነቓቕሐት ቤተ ክርስትያን ዝደሊ የሎን። ከምቲ ንሱ ሃረር ዝብሎን እቲ ምስ ኣምላኽ ከይንሓብርን ገጹ ከይንደሊን ዝኽልክል ዘበለ ከልካሊ እንተደኣ ኣርሒቕናዮን፡ ነቲ ህይወት ዝህብ ብዘይንገር መጠን ክቡር ዝዀነ መንፈሱ ኣባና ከፍስሶ እዩ።

ስለምንታይ እዩ ምንቕቓሕ ዘየሎ? ቤተ ክርስትያን ብርእሳ ስለዝዓገበትን ብዘይ ብኡ ክትነብር ትፍትን ስለዘላን እዩ። ኣምላኽ፡ ምለሰና፡ ክንድሕን ድማ ገጽካ ኣብርሃልና። መዝ 80፡3