25
Thu, Apr
0 New Articles

ዘይነጽፍ ሰላም

Message 1
Typography
ደስታ’ለኝ ከልቤ ከልቤ የማጠፋ
የሱስ ክብሩ ይስፋ፣    
ኢሉ ዘማራይ ደረጀ ከበደ ይዝምር። ትርጉም ናይዚ ኸኣ ከምዚ ዚስዕብ እዩ፣-
ሰላማ’ሎኒ ከም ወሓዚ ዚፈስስ
ንልበይ ዘረስርስ
ሓጎስ ኣሎኒ ካብ ልበይ ዘይጠፍእ
ክብሪ ንየሱስ ይስፋሕ።


ሰላም ኣለኝ እንደወንዝ፣ እንደወንዝ የሚፈስ
ልቤን የሚያረሰርስ
እዛ ተራ እትመስል ስታንዛ እዚኣ ንሰላም ዚምልከት ዓብዪ ሓቂ ሓቚፋ ኣላ። ዋላኳ ጎዳጉድን ኣጻድፍን ኣብ መገዱ እንተሃለወ፣ ውሒዝ ትም ኢሉ ናብ ባሕሪ ወይስ ቀላይ ክሳዕ ዚዓቁር ይውሕዝ ይኸይድ ይጥሕስ። ኣብ ቅድሚኡ ንዘሎ ኹሉ ኣስትዩ ኣጥሊሉ መገዱ ይቕጽል ይዛሪ ይፈስስ። ሰላም ከኣ ልክዕ ከምዚ ዝበለ ባህርይ ዚውንን ኩነተ ኣእምሮ እዩ። ሰላም ውሒዝ እዩ። ሰላም ርግኣት እዩ። ሰላም ፈሳሲ ህድኣት እዩ። እዚ ከም ውሒዝ ዚፈስስ ሰላም፣ እዚ ዚንቀሳቐስ፣ ዘየባትኽ ወሓዚ እዝስ ኣበይ እዩ ዚርከብ? ንሰላም እንታይነቱ ካብ ምፍላጥ ንላዕሊ ምንጩ ምርካብን ምዕቃቡን ይኸብድ።


ሎሚ ኣብ ምድሪ ዓለም ልዕሊ ዝኾነ ነገር ተበሃጊ ተደላዪ ኮይኑ ዘሎ ሰላም እዩ። ኣብቲ ብነውጽን ሽበራን ዚፍለጥ ማእከላይ ምብራቕ፣ ኣብቲ ወለዶታት ዝተጠብሱሉ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብምፍጣጥ ኑክሌርን ረጽሚ ሓያላንን ዚፍለጥ ዩራሽያ፣ ኣብቲ እናሻዕ ሰብ ሰርሖ ሕንፍሽፍሽ ኮነ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ዚልለ ደቡብ ምብራቕ እስያ፣ ኣብቲ ህዝቢ ብፍርሂ ሽበራ ዚሹቕረረሉ ምዕራብ ኣውሮጳን ሰሜን ኣሜሪካን፣ ኣብቲ ብዕስለ ጎይቶት ሓሽሽን ሄሮይንን ከምኡውን ሕሉፍ ድኽነት ዚወናበድ ደቡባዊ ኣሜሪካ፣ ከምኡውን ኣብታ ብሕሰም ደቂ ሰብ እትልለ ኣፍሪቃ፣ ልዕሊ ኹሉ ዚበሃግ እንተሃልዩ ናይ ብሓቂ ሰላም እዩ። ኣብ መንጎ ውግኣት ዘሎ ወጥሪ ዝተመልአ ጸጥታ ዘይኮነስ ወሓዚ ሰላም!


እሞ ደኣ እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ቅኔ ካበይ ዘምጽኦ እዩ እቲ ተቐናዪ? ሰላም ኣሎኒ ከም ወሓዚ ዝፈስስ ሰላም! ንሰላም ኪደልዩ ብዙሓት ላዕልን ታሕትን ካብ ዚብሉ ዘመንን ዘመናትን ሓሊፉ ኣሎ። ግናኸ እቲ ፍርሂ፣ ምርባሽ፣ ወጥሪ ደቂ ሰባት ኣይጎደለን፣ እኳ ደኣ ወሲኹ ምባልሲ ምግናን ኣይመስለንን። ከምቲ ኣብ ዓውዲ ስነ ቑጠባ ብመጠን ንሓደ ነገር ዝረኸብካዮ ተደላይነት ወይስ ዩቲሊቲ ናይ ሓደ ነገር ይውስኽ ዚብሎ እንተኾይኑስ፣ ተደላይነት ናይ ሰላም እናዛየደ ካብ ከደ፣ ሰላም ዝያዳ ከምእተሳእነት ነስተብህል።


ኤርምያስ ዚበሃል ኣይሁዳዊ ነብዪ፣ ቀደም ዘመን ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ፣ “ሰላም ዜልቦስ ሰላም ሰላም እናበሉ ነቲ መስበርቲ ጓል ህዝበይ ብሸለልታ ይፍውስዎ ኣለዉ።” (ኤር 8፣11) ሰላም ዘየልቦስ ሰባት ሰላም ሰላም እናበሉ የዚሙ፣ ይቓንዩ፣ ይጭርሑ። ሓደ ካብዚ ጭርሖታት እቲ ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ዘሎ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እተወስደ ጥቕሲ እዩ። ነብዪ ኢሳይያስ ኣቐድም ኣቢሉ “ንሳቶም ከኣ ኣስያፎም ንማሕረሻታት ኲናውቶምውን ንገዘሞታት ኪሰርሕዎ እዮም። ህዝቢ ኣብ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ፣ ደጊምሲ ውግእ ኣይኪመሃሩን እዮም፣” (ኢሳ 2፣4) ዚብል ኣብ ዘመን መንግስቲ ሽሕ ዓመት ግዝኣት እቲ ኣይሁድ ዚጽበዩዎ መሲሕ ወይስ ክርስቶስ ኣመልኪቱ ዝጸሓፎ፣ ሕቡራት ሃገራት ከም ትምኒት ኣብዛ ዓለም ንኺገሃድ ይጭርሖ ኣሎ። እቲ ዚገርም ነገር ግን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝኣተዎ ዳርጋ ኹሉ ሰላም ኣይተረኽበን። ናይ ቀረባ ኣብነት ከኣ ተሞክሮ ሃገራትና እዩ። ብሓቂ ሰላም ኣበይ እዩ ዘሎ?


ንሕና ናይዚ ዘመን እዚ ሰባት ሰላም ከም ኣብ ባሕሪ ዝጠሓለት ዑንቂ ኮይናትና ኣላ። ብፍላይ ከኣ እዞም ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለና ህዝብታት ንሰላም ከም ሓንቲ ፋንታዝያዊ ኩነት ጥራይ ከይንፈልጣ ኣዝዩ ዘስግእ እዩ። ተስፋ ምቕባጽና ሰማይ ዓሪጉ ኣብ ዘለወሉ ኣብዚ እዋን መልእኽቲ ሰላም ካብ ንዓና ንላዕሊ ንመን የድልዮ? እቲ ኣብዚ ደቡባዊ ክፋል ዓለምና ዘሎ ሰላም ከናዲ ኣዒንቱ ናብ ሰሜን ገጹ ኬቋምታ ከለዋ፣ እቲ ኣብ ሰሜን ዘሎ ድማ ሰላም ስኢኑ ዓቕሉ ጸቢቡዎ ኣብ ደቡባዊ ዓለም ኬናዲ ላዕልን ታሕትን ይብል ኣሎ። ከም ሎሚ ጌሩ ኣፍሪቃውን ደቡብ ኣሜሪካውን ዓረባውን ህንዳውን ቻይናውን ናብ ምዕራባውያን ሃገራት ገጹ ኣይተጓዕዘን፣ ከም ሎሚ ጌሩ ድማ ኣሜሪካዊ፣ ካናዳዊ፣ ኣውሮጳውን ሩስያዊ፣ ጃፓናዊ ወዘተ ናብ ሃገራት ሳልሳይ ዓለም ኣይተጓዕዘን።


እዚ ጉዕዞታት ብሓቂ ንምንዳይ ንህይወት ዘድሊ ነገራት ደኣ ይምሰል እምበር እቲ ሓቅስ ናይ ህይወት ዕረፍቲ፣ እወ ሰላም ንምርካብ እዩ። ግን ከኣ ኣብ ዝኸዶ ኣይጸንሓቶን ሰላም። ሰብ ግና ነዚ ግልብጥብጥን ላዕልን ታሕትን ኣይኬቋርጾን እዩ። ከመይሲ ሰላም ብዘበለት ኣቢላ ክሳዕ ዘይተረኽበት ከመይ ኢልካ ትዓርፍ? ሕማም ቀርኒ ኣፍሪቃ ኸኣ ብዝገደደ መልክዑ እኳ እንተኾነ፣ እቲ መሰረታዊ ድሌት ግና ንሱ፣ ዕረፍቲ ህይወት እወ ስእነት ሰላም እዩ።


ካብዚ ተላዒለ እየ እምበኣር ኣነውን ንህዝበይ ሰላም ከበስር ዝደሊ ዘለኹ። ካበይ ዘምጻእካዮ ሰላም እዩ ዚብለኒ መቸም ኣይሰኣንን እዩ። ብርቱዕ ሕቶ እዩ። ምምላሹ ግን ኣገዳሲ ነገር እዩ። ምድሪ ብምልእታ ብስእነት ሰላም ቃሕትያ ጽልኣት ህይወት ኣብ ዝዓንበበሉ እዋን፣ ካበይ ዝመጸ ሰላም እዩ ኬበስረና ንዚብለኒ ሰብ ኣማን ብኣማን ሓቅኻ ወይስ ሓቅኺ ካብ ምባል ዚሓልፍ ምላሽ ኣለኒ ኢለ እኣምን።


ብሓቂ ኣንቱም ኣሕዋት ሰላም ኣሎኒ፣ እቲ ዘሎኒ ሰላም ወሓዚ እዩ። ስለዚ ከመይ ከምዝኾነ ሰላመይ ክነግር። ንሕና ደቂ ሰብ ድሕሪ ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ሰላም ዘይንረኽባስ እንታይ እዩ እቲ ምስጢሩ? ሓጻር ምላሽ ክህብ። ምናልባሽ ንሰላም ኣብ ዘትርከበሉ ኣድራሻ ኣናዲናያ ከይንኸውን! ሰላም ኣብ ደገ ኢና ክንረኽባ እንጽዕር፣ ሰላም ግን ከም ኣቕሓ ወይስ ዚሽመት ናይ ዕዳጋ ፍርያት ኣይትርከብን እያ። ብገንዘብ ኮነ ብሃብቲ፣ ብስራሕ ኮነ ብጻዕሪ ኣይትርከብን እያ። ሰላም ኣብ ሰሜን ኣይትርከብ ኣብ ደቡብ፣ ኣብ ቆላ ኣይትርከብ ኣብ ደጋ። ሰላም ስፍራኣ ርሑቕ እዩ፣ ግን ከኣ ቀረባ! ብዝሓ ሒደት እዩ ግን ከኣ ንኹሉ ትኣክል! ብዋጋ ኣይትትመንን እያ ግን ከኣ ካብ ብሩር ካብ ወርቂ ትኸብር። ሰራዊት ወይስ ኣጽዋር ኣይተሰልፍን እያ ግን ከኣ ዙፋን ነገስታት ወይስ መራሕቲ ተጽንዕ። ቁጠባዊ ትሕዝቶ የብላን፣ ግን ከኣ ዕምሪ ሰበ ስልጣን ገዛእቲ ብኣኣ ይዕቀን።


ሰላም፣ ዝለዓለ መኣዝን ህልውና ኣለዋ። ኣብ ላዕሊ ኣይትርከብ ኣብ ታሕቲ፣ ኣብ ጎኒ የላ ኣብ ጥርዚ። ሰላም ኣብ ውሽጢ ኣብ ቀረባ፣ ኣብ ልቢ እያ እትርከብ። ስለዚ መኣዝንካ እንተዘይቀየርካ ሰላም ከም ናይ ርሑቕ ኮኾብ ተማዕድዋ ደኣ እምበር ኣይትበጽሓን ኢኻ። ከመዮ “እቲ ሰላም ዜበስርሲ ኣእጋሩ ኣብ ኣኽራን ክንደይ ይጽብቓ” ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፣ መኣዝና ቀዪሩ ሰፈር ሰላም ዚሕብር ክንደይ ዘየድልየና! ግናኸ ሰብ ብመሰረቱ ከም ኣቕሓ ኮይኑ ኣብ ዕዳጋ ወይስ ኣብ ሱፐር ማርኬት ዚሽየጥ እንተዘይኮይኑ ንዝኾነ ይኹን ካብ ካልእ ዚመጾ ኪዕድግ ኣይፈቱን እዩ እቲ ንሰላም ኪዕድግ ዚፈቱውን በዚ ምኽንያት እዩ ኣዝዩ ሒደት። ብዙሕ ሰብ ሰላም ኣብ ባኮ ተዓሺጋ፣ ብዲዛይን ወቂባ፣ ሞዴል ናይ ከምዚ ዓመት ተባሂላ ፋሽን ኮይና ክትመጾ እዩ ዚደሊ። ሰላም ግን ጥንታዊት ኮይና ዘይቅየር ዕዳጋ ዘይልወጥ ዋጋ ኣለዋ፣ ኩሉሳዕ ንኹሉ ዘመን ስልጣነ ድማ ተድሊ። ሰላም እንታይ እያ?


ሰላም ናይ ዕርቂ ውጽኢት እያ። ድሕሪ ዕርቂ፣ ባእሲ ጽልኢ ከም ዘይነበረ ኮይኑ ይርሳዕ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ግን ሰላም ነቲ ጽልእን ባእስን ዕዳን ዚርስዕ ጥራይ ዘይኮነ ዚድምስስ ኩነት እዩ። ስለዚ ዕርቂ ከይነገሰ ሰላም ዚርከብ ነገር ኣይኮነን። በዚ ኢና ኸኣ ሰላም ናይ ውሽጢ ናይ ልቢ ኣቃውማ እዩ፣ ፍጹም ምቕናዕ ህይወት እዩ ንብል ዘሎና። ዘይነጽፍ ሰላም ኢና ግን እንብል ዘሎና እሞ፣ ምንጩ ዘይነጽፍ ምስዚኸውን ጥራይ እዩ ብዝኾነ እንታ ዘይርበጽ እዚ ሰላም እዚ።


እቲ ዝለዓለ ባእሲ ደቂ ሰብ፣ ብቕኑዕ ልቢ ኪእመኑዎ እንተኾይኖም ምስ ሕልና እዩ። እወ ምስቲ ድምጹ ብሕልናና ኣቢሉ ዜድሂ ፈጣሪና ኣምላኽ! ብግብርኻን ብድሌትካን ምስ ኣምላኽ ጽልኢ ተኺልካ ከም ዘለኻ፣ ብቐሊሉ ከርእየካ። ነቲ ኽትገብሮ ዘይግብኣካ ወይስ ኣብ ውሽጥኻ ሕርኽርኽ ዚብለካ፣ ዕረፍቲ እናኸልኣካ ኸሎ ጥሒስካ እትገብሮ እዩ እቲ ምጥሓስ ሕልና። እዚ ኸኣ እዩ ምስ ኣምላኽ ፈላላዪ ቀጽሪ ፈጢሩ ሰላም ዚኸልኣካ። እዚ ናትካ ምስ ናይቲ ኻልእ ተደሚሩ፣ ምስ ናይ ብዙሓት ተደሚሩ፣ ኣብ ሰባት ባእስን ምፍልላይን፣ ብዝለዓለ ደረጃ ድማ ጽልኢ የማዕብል። ዝበዝሐ ናይ ህዝብታትን ናይ ሃገራትን ባእሲ ወይስ ግርጭት ካብቲ “ኣነ፣ ናተይ፣ ባዕለይ ዚብል ትዕቢት” ዚለዓል እዩ። እዚ ኸኣ መሰረቱ ውልቀሰብ እዩ። ውልቀሰብ ድማ ንርእሱ ምስ ሕልንኡ ምስ ኣምላኽ ጽልኢ ስለዘማዕበለ ዚብገስ ውሽጣዊ ጽልእን ውግእን እዩ። መኣዝኑ እናኣስፍሐ ምስከደ ሃገራውን ህዝባውን ጉዳይ ይኸውን።


ሰላም፣ መጀመርታኣ ምስ ኣምላኽ ምትዕራቕ እያ። መሰረታዊ ምንጫ በደልካን ሓጢኣትካን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእማን፣ ሕድገት ንምርካብ ምልማን እያ። ከመይሲ ምስ ርእሱን ምስ ኣምላኽን ጽልኢ ዘለዎ ሰብ ምስ ሰባት ኪፋቐር ሰላም ኪህልዎ ኣይክእልን እዩ። ንኹሉ ብዓይኒ ጽልኢ እዩ ዚጥምቶ፣ እዚ ክሳዕ ዘሎ ድማ ዝኾነ ናይ ሰላም ኣጀንዳ ኣይዕወትን እዩ። ኩሉሳዕ ነዚ ዓይነት ሰብ ሰላም ኮነ ውሕስነት ወይስ ርግኣት ምስ ሰዓሪ ተሰዓሪ እተተሓሓዘው እዩ። ንሰላም ግን ሰዓሪ ተሰዓሪ የብላን። ሰላም ብዕርቂ እያ እትጅምር፣ ብዕርቂ ካብ እትጅምር ግና፣ ዕርቂ ድማ ዋና ኣለዋ። “ሰላመይ እሓድገልኩም፣ ሰላመይ ከኣ እህበኩም። እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘሎኹስ ከምቲ ዓለም እትህቦ ኣይኮነን፣” (ዮሃ 14፣27) ዚብል ናይ ሰላም ኣዋጅ እዩ እቲ መሰረት ዕርቂ። ከምዚ ኻብ ኮነ፣ እቲ ብዛዕባዚ ሰላም እዚ ዘበሰረ ናይ ሰላም ሃዋርያ፣ ልኡኽ ሰላም ወይስ መስፍን ሰላም እንታይ ኢሉ ኣሎ?


የሱስ ክርስቶስ፣ ንደቂ ሰብ ሰላም ኪህብን ኪእውጅን ኣብ ዝመጸሉ እዋን እዩ ሰላም ውሽጣዊ ሕቶ ምዃኑ ንወዲ ሰብ ኪበርሃሉ ጀሚሩ። “ኣቱም ኩልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን ኣነ ከዕርፈኩም ናባይ ንዑ” (ማቴ 11፣28) ዚብል ጻውዒት ሂቡ ድማ ንኹልና ዕድመ ሂቡና ኣሎ። መቸም ዕረፍቲ ዝሰኣንኩም፣ ንሰላም ኣብ ደገ ኣናዲኹማ፣ ክትረኽቡዋ ዘይከኣልኩም ሒደት ከምዘይኮንኩም ምሉእ ምትእምማን ኣሎኒ። እዚ ጽወዓ እዚ ድማ ዝያዳ ኹሉ ንዓኹም ይምልከት። ክርስቶስ የሱስ ከምቲ ኣቐዲምና ዝረአናዮ፣ “ኣነ ዝህቦ ሰላም ከምቲ ዓለም እትህቦ ኣይኮነን” ብምባል ብትብዓት ተዛሪቡ ኣሎ።


ዓለም እትህቦ ሰላም ኣሎዶ? እወ ኣሎ። እንታይ ይመስል? ደጋዊ ሰላም እዩ፣ ጊዝያዊ፣ ወይስ ጸናሒ ዘይኮነ፣ ዘየተኣማምን፣ ኣብ ተስፋ ሰብ እተመስረተ እዩ፣ ጥልመት ዘንጸላልዎ፣ ኣብ ግበረለይ ክገብረልካ እተመርኮሰ፣ ሰዓሪ ተሰዓሪ እተመስረተ እዩ። እዚ ዓይነት ሰላም ምስኡ ጭንቅን ወጥርን ሒዙ ዚመጽእ፣ ካብ ጸላኢኻን ካብ ውሽጥኻን እናፈራህካ እትነብሮ ኩነተ ህይወት እዩ። እዚ ከምዚ እንተኾይኑ ሰላም ኣይኮነን፣ ከምዚ ኣብ ዓውደ ኲናት ዚብሉዎ ተዂሲ ደው ምባል እዩ። ኣብ ዝኾነ እዋን ኪለዓል ይኽእል። ኣብ መንጎ ውግኣት ዘሎ ጸጥታ ሰላም ኣይኮነን ወጥሪ እዩ። ሰላም ግና ወሓዚ እዩ፣ ኣይፈርስን እዩ። ኣብ እሙንነት ናይ የሱስ እተመስረተ፣ ዋላ ሰብ እንተጠለመ ዘይፈርስ ሰላም እዩ። ሰላም ኣብ ማእከል ነውጺ እዩ።


ኣብነት ናይዚ ክህበኩም፣ ክርስቶስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ብጃልባ እናኸደ ከሎ ማዕበልን ህቦብላን መጸ እሞ ነታ ጃልባ ኪግምጥላ ቀረበ፣ ንሱ ግና በጥ በለ። እዚ እዩ ሰላም፣ ኣብ ማእከል ኩሉ ሓደጋታት ህድኣት ኪህልወካ ከሎ። ደጋዊ ተርባጽ ንውሽጥኻ ፈጺሙ ዘይልውጦ ኪኸውን ከሎ። ዋላ እቲ ጸላኢ ዚመስል ከም ፈታዊ፣ ዋላ እቲ ሓደጋ ከም መሳልል ዕላማ ክትርእዮ ዘኽእለካ ኩነት እዩ ሰላም። ክርስቶስ ነቲ ጸላኢ ዝኾነ ከሓዲ ይሁዳ ከም መፈጸሚ ጽሑፋት፣ ነቲ ናይ መስቀል ሓደጋ ከም መሳልል ዕላማ ምድሓን ኪርእዮ ዘኽኣሎ ኣብ ውሽጡ ዝነበረ ሰላም እዩ። ሎሚ ድማ ዓለም ብሓደጋታትን ወጥርታትን ተጎቢኣትሉ ኣብ ዘላ እዋን፣ ሰላም ኣምላኽ ንልብኻ ኪገዝእ ከሎ እዩ ወሓዚ ህድኣት ኣብ ውሽጥኻ ዚፍለጠካ።


ሰላም ወሓዚ እዩ፣ ሰላም ፈሳሲ እዩ። ሰላም ምትእምማን እዩ፣ ሰላም እምነት እዩ። ብሓቂ እዚ ሰላም እዚ ኣለኩም ድዩ? ጅባ ይምላእ ኣይምላእ፣ ናብራ ይስለጥ ኣይስለጥ፣ ከባቢ ይርጋእ ኣይርጋእ፣ ዜፍርህ ቁጠባዊ ፖለቲካዊ ወይስ ማሕበራዊ ኩነታት ይሃሉ ኣይሃሉ ይውሕዝዶ ሰላምኩም? “እቲ ኣነ ዝህቦ ሰላም ከምቲ ዓለም እትህቦ ሰላም ኣይኮነን፣” ኢሉ ብምትእምማን ክርስቶስ። ሰላም ዓንዲ እዩ፣ ኣብ ተስፋ ፈጺሙ እተወከለ መንፈሳዊ ኩነት እዩ። ካብዚ እተላዕለ እዩ ሃዋርያ ጳውሎስ “እቲ ካብ ኩሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹም ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ” ኢሉ ንሰብ ፊልጲ ዝጸሓፈሎም። (ፊል 4፣7) ሰላም ኣብ ምርዳእ ኣእምሮ ዚድረት ነገር ኣይኮነን። ከመይ እዩ ብዘየገድስ ውሽጢ ውሻጠኻ ይዓርፍ። ፍጹም ህድኣት ይወርሰካ። ፍጹም ምውካል ኣብ ኣምላኽን ኣምላኽ ዝበሎን ትገብር። ዘይነጽፍ ሰላም ድማ ትጎናጸፍ!
 

ሰላም
ሰላምሲ
ስቕታ እንተኾይኑ
ነቅ ዘይብል ደረቕ ሓጋይ
ደበና ኣልቦ ቃልዕ ሰማይ
ወይስ
ጽገሬዳ እንተኾይኑ
ምዑዝ ጨና ዘይርከቦ እሾኽ
ብዘይካ ጽባቐ ወዝ ዘይጽወዮ ታሪኽ
ሰላምሲ
ቀጠልያ እንተኾይኑ
ሓምላይ ቆጻል ሕዛእቲ
ጸሃያይ ዘይረኣዮ እንትርፎ ዘራእቲ
እወ፣ ሰላም
እዚ’ንተኾይኑ
ምህዞ ዝሓለፎ ቃልዕ ንባህርይ
ሎሚ ተዳልዩ ጽባሕ በራሳይ
ሰላም የብለይን
ሰላም ኣብ መንጎ ውግኣት
ተገላባጢ ምስ ደጋዊ ባህርያት!
ሰላም ግን
ርግኣት እንተኾይኑ
ዚገዝእ ኣብ ማእከል ነውጺ
ምስ ኩሉ ህውከት በጥ ዘብል ማእሲ
ወይስ
ዕርቂ’ንተኾይኑ
በደል ሰቲሩ ዜህድእ ባእሲ
ብውሕስና ኪዳን ዚሰጉግ ከይሲ
እዚ ሰላም
ከውሒ እንተኾይኑ
ብማዕበል ዘይናወጽ እምባ
ዋላ ድሕሪ ነዊሕ ምረት እምብዛ ቀረባ
ሰላም ኣሎኒ ወሓዚ ዛራ
ደበና ነጎዳ በርቂ ዘየብርሶ
ሰላመይ ክርስቶስዩ
ኣብ ውሽጢ ልበይ ዘንግሶ።