19
Fri, Apr
0 New Articles

ዝሞተ ናይ ጥንቲ ተመን !

Message 1
Typography
ስብከተይ፤ ኣብ ሓንቲ መጽሄት ብዘንበብክዋ ታሪኽ ኽጅምሮሞ ድሕሩኡ ናብቲ መልእኽተይ ክሰግር እየ።

እዋኑ ኣዝዩ ናይ ጥንቲ ዘመን እዩ ይብሉ። ከምዚ ሕጂ ዓለምና ከይበልጸገት ሰባትዉን ናብ ድላዮም ቦታታት ብመኪና ሸነን ክብልሉ ኣብዘይክእሉሉ ዝነበረሉ ዘመን እዩ ሓደ ካብ ስግር ባሕሪ ናብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ንዕዮ ወንግል ዝመጸ ሚስዮናዊ ነበረ። እዚ ሚስዮናዊ እቲ ሰማያዊ ዕዮ ግዲ ኾይንዎ ክሳብ እታ ንእሽቶ እትብሃል ቑሸት ወይ ዓዲ ብፈረስን ብእግሩን እንዳተዘዋወረ ወንጌል ይሰብኽ ነይሩ።

ኾይኑ ካብ ዕለታት ሓንቲ መዓልቲ፡ ተቐማጦ ናይ ሓንቲ ንእሽቶይ ዓዲ፡ መጺኡ ሓንቲ ሰንበት ከገልግሎም ነዚ ሚስዮናዊ  ቐዳም ምሸት ዝጉኣዘላ ፈረስ ሰዲዶም ዕድመ ይልእክሉ። መቸም ከም ዘይወግሕ የልቦን ይወግሕ።

ኣዕዋፍ ሰማይ ናይ ወጋሕታ ድምጸን ከስምዕ ኣብ ዝጀመራሉ ሰዓታት እዚ ሚስዮናዊ  ኣብቲ ንመጋዕዝያ ዝተመደበሉ ፈረስ ተሰቒሉ መገዱ ኣሃዱ ክብል ይጅምር። ነዊሕ ኣይሰጎመን ኣብ መንጽሩ ሓደ ዓብይ እምኒ የጋጥሞ እሞ ወዮ ፈረስ ምምራሹ ኣቓሪጹ ደዉ ይብል። እቲ ሚስዮናዊ ብምግራም ዝብሎ ጠፊኡዎ ነቲ ፈረስ ኸንቐሳቅሶ ነየማነ ንጸጋም ከንቐሳቕሶ እንተፈተነ ወዮ ፈረስ ወይከ ነቅ ክብል፡፡

ዝገብሮ የብሉን ወዮ ወንጌላዊ ካብ ፈረስ ወሪዱ ናብቲ ደዉ ዝበለ ዓብይ እምኒ ኣይ ፍርሒ ኣይ ብድፍረት ኮታስ ህንጡይነት ብዝተሓወሶ ምቕራብ ስላሕ ብዝበለ ድምጺ ቅርብ ብምባል ናብቲ እምኒ እንተበጽሓስ፡ ኣብቲ ሱር ናይቲ ዓብይ እምኒ ሓደ ዝደቐሰ ዝምስል ዓብይ ተመን ተጠቓሊሉ ይረክብ።

ነዚ ኣብ መገዱ ዘጋጥሞ ዘሎ መሰናኽል ብምስልሳል እቲ ሚስዮናዊ እንታይ ይብሃል እዚ ከመይ እንተገበርኩ ከ ይሓይሽ ክብል ኣብ ዓሚቕ ሓሳብ ይኣቱ። እምብኣር መገደይ ክቅጽል እንተድኣ ኾይነ እዚ ተመን ተበራቢሩ ከይቐደመኒ ነፍሰይን ነፍሲ እዚ ፈረስን ከድሕን ይግብኣኒ እዩ ብምባል ሓደ ዓብይ እምኒ ተስኪሙ ነቲ ተመን ኣብ ርእሱ ክጭፍልቖ ይዉስን፡፡ ከምቲ ዝሓሰቦ ድማ ሓደ ዕብይ ዝበለ እምኒ ተሰኪሙ ናብቲ ተመን ጽግዕ ሕጂዉን ጽግዕ ኢሉ ነቲ እምኒ ናብቲ ተመን ደርብዮ እንተሓደጎስ ወዮ ተመን…..ከም ከቢዲ ድቓስ ዝደቐስ ምንም ዓይነት ምንቕስቓስ ከይገበረ ተረፈ።

ወዮ ደቒሱ ብህይወት ዘሎ ዝመስል ተመንሲ ዝሞተ ተመን እዩ። ለካስ ቕድሚ እቲ ሚስዮናዊ ጋሕጋሕ ምድሪ ሓደ ሓላፊ መገዲ እዩ ነቲ ተመን ብእምኒ ጨፍሊቑ ነቲ እምኒ ድማ ኣብ ርእሲ እቲ ተመን ጨርሕዎ እዩ ኸይዱ።       

እዚ ታሪኽ ምስቲ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቐል ዝሰራሕልና ስራሕ ኣዝዩ እዩ ዝመሳሰል። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ ናይ ጥንቲ ተመን ተብሂሉ ዘሎ ዲያብሎስ ድማ፡ የሱስ ኣብ መስቐል ርእሱ ጨፍሊቕዎ እዩ። ጎይታ የሱስ ኣብ መስቐል ምእንታና ተሰቂሉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ናብ መዓሙቅ ብምዉራድ፡ ነቲ ብፍርሂ ሞት ገይሩ ንሰባት ብጭካነ ኣሲርዎም ዝነበረ ዲያብሎስ፡ ሒዝዎ ንዝነበረ መርሖ ሞትን ሲኦልን መንዚዑዎ። እዚ ጥራይ ከይኣክል ድማ፡ ኣጽዋሩ ኣግዲፍ ብግልጺ ኣስተሓፊርዎ እዩ።
ንስኻ/ኺ ብዘይፍርሃት ብሓርነት ምእንቲ ክትመላለስ ክርስቶስ ኩሉ ኾይኑልካን ገይሩልካን እዩ። ብጽድቂ ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሕር ተቢዕካ እትቐርበሉ ሓድሽን ህያዉን መገዲ፡ ብናይ ገዛእ ርእሱ ስጋን ደምን ከፊቱልካ ኣሎ። ከመዮ እቲ ጽሑፍ ኣቱም ቐደም ርሑቃት ዝነበርኩም ብደሙ ቐረብኩም ከምዝብሎ፡ ክርስቶስ በዓሉ በቲ ኣብ መስቐል ዝፈሰሰ ድሙን ዝተቖርሰ ስጋኡን ገይሩ ሓንሳብን ንሓዋሩን ቐዲሱካ ኣሎ። ደሙ ናብ ዉሽጢ ሕልናኽ ተነጺጉ፡ ካብ ስምዒት ናይ ክሲ ኣንጺሁ፡ ብዘይፍርሂ ናብ ዉሽጢ ብምእታዉ፡ ምስ እግዚኣብሀር ኣቦ ሕብረት መንፈስ ክህልወካ፡ ከምኡዉን ንመገድኻ ዝኾነካ ጸጋን ረድኣትን ንኽትረክብ የኽእለካ እዩ።

ሰብ ምስ እግዚኣብሀር ኣምላኽ ሕብረት ክህልዎ ዲያብሎስ ፍጹም ኣይደልይን እዩ። ካብዚ ዝተላዕለ ድማ ነቶም ዘይኣምኑ ሓቂ ከይፈልጡ የዕንቲ ልቦም ብምጽልማት፡ ነቶም ኣመንቲ ዝኾንና ድማ ብክሲ ገይሩ ኣብ መገድና እዚ ዘይብሃል መሰናኽላት ይገብር እዩ። ግናኸ ከምቲ እቲ ጽሑፍ እምብኣርሲ ብዛዕባ እዚ ነገርዚ እንታይ ክንብል ኢና፡ ኣምላኽ ምሳና ካብ ኾነከ መንዩ ዝቓወመና..ነቶም ሕሩያት ኣምላኽ ዝኸሶም መንዩ፡ ኣምላኽ እዩ፡፡ እቲ ዝኹንንከ መንዩ፡ ክርስቶስ እዩ እቲ ዘጽድቅ..፡፡ ሮሜ 8*31-34 ዝብሎ፡ ዲያብሎስ ምእንቲ ኸይከሰካ፡ ክርስቶስ እቲ ንጹህ ክዳን ጽድቁን ቅድስናኡን ኣልቢሱካ ኣሎ። ስለዚ እቲ ኣጽዋሩ ዝተገፈ ጸላኢ፡ ከምዉሕዚ ደሪኹ እንተመጸካ፡ ወይዉን ኣብ ዙርያኻ ከምቲ ኣስናን ዘይብሉ ዘጋዝም ኣንበሳ እንተኣድሃየ፡ ምንም ቅጭጭ ኣይበልካ፡ ክርስቶስ ንርእሱ ጨፍሊቑልካ እዩ። ሓንትስ ካብቲ ክርስቶስ ዘቐመጠካ ቦታ ኣይትዉረድ!!!