18
Thu, Apr
0 New Articles

ኣብቲ በይንኻ ዝመስለካ እዋን

Message 2
Typography

ብዙሕ ግዜ ንገራት ካብ ቁጽጽርና ወጻእ ክኸዱ ከለዉ ኩሉ ኸኣ ኣንጻር እቲ ንሕና ዝተጸበናዮ ክጸንዓና ከሎ። ዝተጸበናዮም ሰባት ክጠልሙና ከለዉ ተስፋ ዝገበርናሉ ኩሉ ክወድቕ ከሎ ዝስማዓና ናይ በይንነት ስሚዒት ኣዚዩ ዓብን ገዚፍን እዩ ኣብዚ ግዚእ እዚ ኣብ ቡዙሓት እናተቐመጥካ በይንኻ ዝስማዓካ እዋናት እዩ። ጸገምን ሽግርን ነብይንኻ ከምዝኾነ ስለ ዝስማዓካ ካልእ ብዛዕባኻ ዝግደስ እካ ኣይመስለካን እዩ። ነገር ኩሉ ንዓኻ ከቢድ እዩ። 

እቲ ዝኸፈኣ ኸኣ እዚ ገጢምካ ዘሎ ናይ ህይወት ቕልውላው ክሳብ ኣበይ ምኻኑ ዘይምፍላጥ እዩ። መጻኢኻ እንታይ ምኻኑ ክትፈልጥ ትደሊ ይኹን እምበር ትሓልፎ ዘበል ኩሉ ኸኣ ንመጻኢኻ ኣወቂቢ ዘርኢ ኣይኮነን። እዝን ወድ ኸምዝን ከኣ ኣብ ምስቁርቃርን ኣብ ስለምንታይ ንኦይ ዝብል ሃዋህው የእትወካ። 

ኣብቲ ብመከራ ተኸቢባካ ዓቕልኻ ዝጸበካ ግዜ በይንኻ ኮይኑ ዝስማዓካ ግዜ ኣሎ ዶ? ኣምላኽ ኣበይ ኣሎ ኢልካ ዶ ተገሪምካ ተፍለጥ? ብርግጽ ከምዚ ዓይነት ሓሳብ ክህልወካ ወይ ከኣ ክትሓዝን ባህርያዊ እዩ ግና በዚ ተሰኒፍካ ንድሕሪት ክትምለስ ዘይኮነስ ተስፋታት ኣምላኽ ደኣ ዘክር። ቃል ኣምላኽ ኣብ ዘዳግም 31።8 "እቲ ቐቅድሜኻ ዝኸይድ እግዚኣብሄር እዩ ንሱ ምሳኻ ክኸውን እዩ ኣይክጠልመካንን ኣይሓድገካን ከኣ ኣይትፍራህ ኣይትሸበር ድማ ይብል እዩ እሞ እዚ ቓል እዚ ኣብ ልብኻ ሕዞ ብእኡ ተመላለስ

ኣብዚ እዋን እዚ ግና ሓደ ዓቢ ዝኮነ ተስፋ ኣምላኽ ኣሎ። ኣምላኽ ኩሉ ግዜ በይንና ክንከውን ኣይሓድገናን እዩ ሓልፈ ዓቕምና ዝኾነ ነገር ክጸቕጠና ኸኣ ስቕ ኢሉ ኣይርእየናን እዩ። ንሱ ልዕሊ እቲ ናትና ጸገምን ፈተናን እዩ። ቃል ኣምላኽ ኣብ እብራውያን 13።5"ንሱ ባዕሉ ኣይክሓድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይብለካን እየ ኢሉ እዩ እሞ " ይብልና። ኣምላኽ ፈጺሙ ዘይሓድግን ዘይጥንጥንን ኣምላኽ እዩ። ርግጽ እዩ ብዙሕ ግዜ ውሽጥና ብኣምላኽ ተሓድግካ ዝብለልና ሰዓት ሒደት ኣይኮነን። ንሱ ግና ከቶ ፈጺሙ ኣይሓደገናን እዩ። 

እስከ ሕጂ ኣተክሮይ ተስፋታት ኣምላኽ ምርኣይ ኣዩ እሞ ገለ ጥቕስታት ክንርኢ "ጽዮን ግና እግዚኣብሄር ራሕ ኣቢሉ ሓዲጉኒ ጎይታ ረሲዑኒ በለት። ሰበይቲዶ ንፍረ ኸርሳ ኽሳዕ ዘይትርሕርሓሉ ነቲ ዝጠቡ ዉሉድ ኽትርስዕ ይከኣላ እዩ? ምንም እኳ ንሳተን እንተ ረስዓ ኣነስ ኣይክርስዓክን እየ። እንሆ ኣኣብ ኢደይ ወቂጠኪ ኣለኹ ቐጽርታትኪ ድማ ኩሉ ግዜ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ እዩ" ኢሰያስ 49።14-16 እዚ እምበኣር እዩ እቲ ዝዓበየ ተስፋ ኣምላኽ ንዓን ካልእ ተስፋ ኣምላኽ ከኣ እስከ ንርኣ። ዳዊት ኣብ መዝሙር 27።10 ዝተዛረቦ ቃል እዩ "ኣቦይን እኖይን እኳ እንተ ዝጥንጡኑኒ ኣግዚኣብሄር ይእርንበኒ እዩ" ይብል።

ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ልዕሊ እቲ ዝስማዓና ስሚዒይን ልዕሊ እቲ እንሓልፎ ኩውንነትን ምሳና እዩ። ቡዙሕ ጊዜ ኣብ ኣእምሮና ዝመጹ ሕቶታት ኣለዉ እዮም ካብ ኣቶም ሓደ ኣምላኽ ምሳኻ እንተ ዝኸውን ደኣ እዚ ኩሉ ንምንታይ? ኣምላኽ ኣብ ጥቓኻ እንተ ዝህሉ ደኣ ኣበይ ኣሎ ደሓንካን ዓወትካን? ዝብል ክስታትት ዘረባታትን ኣሎ እዩ። ሰይጣን እዚ ፈተና እዚ ነቲ ተበጃዊናን መፍቀሪና የሱስ ክርስቶስ ከይተረፈ እዚ ዓይነት ፈተና ፈቲንዎ እዩ። ብፍላይ ኣብቲ ናይ ምድርበዳ ናይ ጾምን ጸሎትን ግዜ ሰይጣን ኣምላኽ ምሳኻ እንተ ኾይኑ መልኣክቱ ኸኣ ዝልእኸልካ እንተ ኾይኑስ እስከ ጽድፈ ዝዓይነቱ መልእኽቲ ኣቕሪብሉ እዩ። የሱሱ ግና ኣምላኽ ምስኡ ምህላው ስለ ዝፈልጥ ንሰይጣን ቦታን ዕድልን ኣይሃቦን።

ካብ ጎይታና የሱሱ ክርስቶስ ዝዓቢ መመህርን ኣርኣያን የብልናን እሞ እሱ ዝሃለፎ ንዓና ንትምህርትና እዩ። የሱስ ክርስቶስ በይኑ ዝኮነሉ ኩሉ ሰብ ዝሓደገሉ እዋን ሓሊፉ እዩ። እቶም መፍቀርቱ ራሕሬሕሞ ንሱን መስቀሉን ዝተረፈሉ ሰዓት ኔሩ እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ካብ ምረቱ ዝተላዕለ እኳ ኣቦ እዛ ጽዋእ ፍቓድካ እንተ ኮይና ካባይ ትሕለፍ ፍቓድካ እምበር ፍቓደይ ግና ኣይኩን ክሳብ ዝብል ኮይኑ ኔሩ እዩ ኣብዚ ከምዚ እዋን እዚ ከይትረፈ ኣብኡ ምስኡ ምህላው ስለ ዝፈለጠ ንኹሉ ሰጊሩ ንዓና እኳ ንምድሓንን በረኸትን ኮይኑ ሓሊፉ። ኣብቲ ኩሉ ዘለካን ዝሰለጠካን ዝተዓወትካሉን ሓጎስ ዝተሰማዓክን እዋን ኣምላኽ ምሳይ ኣሎ ኢልካ ኣፍካ ከፊትካ ክትዛረብ ቀሊል እዩ።

ኣብቲ ኩሉ ክሓድገካ መስቀልካ በይንኻ ትሽከመሉ ቀረባኻ ኮይኑ ዝርድኣልካ ኣብ ዘይብሉ እዋናት ግና መውጺ ኣፍካ እምበርከ ኣምላኽ ምሳይ ድዩ ዝብል ክከውን ይኽእል እዩ እዚ ዘረባ እዚ ንቡር እዩ ግና ኸኣ ኣምላኽ ምሳና ኣሎ። ሓደ ግዜ ንማርቲን ሉተር ኣቦ ተሓድሶ ኩሎም ሰባት ኣንጻርካ ደው ኢሎም ኣለዉ በልዎ። ንሱ ኸኣ ዓለምን ሰይጣንን ኩሎም ኣንጻረይ እንተተሰለፉ ኣነን ኣምላኽን ኮይና ክንገጥሞም ኢና ኢሉ። ሓቑ ኩሉ ምሳኻ ኮይኑ ኣምላኽ ኣብ ጥቓኻ እንተ ዘየለ እንታይ ይዓብስ? ኩሉ ሓዲግካ ኣምላኽ ካብ ትንፍሳካ ንላዕሊ ቀረባ ኾይኑ ምሳኻ ደውው እንተ በለ ካብዚ ዝዓቢ በረኸትን ሃብትንን እንታይ ኣሎ። ጎይታና የሱሱ ክርስቶስ እኮ ንደቂ መዛምርቱ እቲ ዝዓበየ ዝሃቦም ተስፋ እዚ እዩ። ኣነ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ምሳኻትኩም ኣለኹ። ህልውና ኣምላኽ ኣብና ልዕሊ እቲንሓልፎን ንብሎን እንሕጎሶን እንሓዝኖን እዩ።

የሱስ ክርስቶስ ኣብዛ ምድሪ ንምድሕና ክውለድ ክመጽእ ከሎ እውን ኣማኒኤል ኮይኑ እዩ መጽእI ማለት ኣምላኽ ምሳና ክኸውን ኣብዛ ምድሪ ብኹሉ እናተጸቐጥና ክነስና ተስፋ ዘይንቖርጽ እናመረርና ኸሎ ንድሕሪት ዘይንምለስ እንተጸላእና ክነስና ምስ የሱስ ንጠብቕ ኣምላኽ ምሳና ምህላዉ ስለ ዝፈለጥና ዶ ኣይኮነን።?

ሙሁራት ንኣይ መጽሓፍ ቁዱስ ክዛረቡ ከለዉ ኣብ መጽሓፍ ቁዱስ ልዕሊ 365 ግዜ ኣነ ምስኻ እየ ዝብል ቃል ትጻሂፉ ኣሎ። እዚ ኸኣ ነፍሲ ወክፍ ኣነ ምሳኻ እየ ትብል ቃል ነንመዓልቱ ማለት እዩ። ኣምላኽ ኣብ ኩሉ እዋን ኣብ ኩሉ ሰዓት ምሳና እዩ።

ስሚዒትና ምህላው ኣምላኽ ኣባና ከየረጋገጽልና ይኽእል እዩ ኩነታትን እውን እንተ ኾነ ኣምላኽ ምሳና ከመዘየለ ኣምሲሉ ከርኣየና ይክእል እዩ። ሰባት እውን እንተ ኾነ ነገራትና ርእዮም ኣምላኽ ራሕ ኣቢልዎ ሓዲግዎ እዩ ክብል ተኽእሎ ኣሎ ድምር እዚ ኹሉ ግና ህላውነት ኣምላኽ ካባና ኣይኣልዮምን እዩ። ከመይሲ ኣምልኽ ንቓሉ ሓለፋ ሱሙ ዘኽበረ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ተስፍኡ ኸኣ ምሳና ምህላው ስለ ዘረጋገጽ እዩ። ብዝሓት ናይ ኣምላኽ ሰብት በይኖም ከዩኑ ዝስምዕሞ ኣዋናትን ሰዓትን ቡዙሕ እዩ።

ንኣብንት ጊደውን እንተ ወሲድና። ንሱን ህዝቡን ኣብትሕቲ ጨካን ምሕደራ ኣማሊቓውያን እዮም ኔሮም። ከም ስባትን ዜጋታትን እኳመሰል ኣይነበሮምን። ዝሃልፍዎ ዝነበሩ ኢኮኖሚያዊ ማሕበራዊ መንፈሳዊ ፖሎቲካዊ ቅልውላው እምብዛ ዓቢ እዩ። ናብራ ማለት ንጊደውንን እስራኤልን ሲኦል እዩ። ግና ሃደ ግዜ ኣምላኽ ንጊደውን ምስኣኦም ከምዘሎ ምስ ኣረጋገጸሉ። ጊደኢውን ከመይ ኢሉ ኣምላኽ ምሳና የሎን እንተ ዝህሉ እውሞ እዚ ኮይንዎ ዘሎ ኣይምኾነን ክብል ምስ ኣምላኽ ኣብ ክትዕ ክኣቱ ከሎ ኢና ንራዮ። ኣምላኽ ግና ምስኦም ምህላው ዘረጋገጸሉ ባይታ ንሱ ምኻኑ ሓበሮ ጊዴውንን ህዝቡን ከኣ ኣምላኽ ምስኦም ከምዘሎ ኣረጋገጹ።

ሎሚ ኸኣ ከም ውልቂ ከም ቤትሰብ ሕብረትሰብን ሃገርን ልኽዕ ከምቲ ዘበን ጊደውን ዝነበረ ሰዓት ኢና ንሓልፍ ዘሎና እዚ ይኹን እምበር ኣምላኽ ገና ኣይረሰዓናን ኣይሓደገናን ኣብ ግዜኡን ሰዓትን ከኣ ምድሓን ቅልጽሙ ከርኣየና ናባን ክመጽእ እዩ። ህልውነት ኣምላኽ ኣብና ዘሎና ጸገምን ቅልውላምን ኣይድርቶምን ምሳና ከይከውን ከኣ ፈጺሙ ኣይዓግቶን እዩ። ኣደ እኮ ንውልዳ ምናልባት ክትርስዕ ትኽእል ትኸውን ኢሉ ኣነ ግና ኣይክሓድገና ኣክይጥንጥነካን እየ ዶ ኣይኮነን ኢሉና?

ሓደ ጊዜ እውን ታሪኽ ዛንታ እስራኤላውያን ምስ እንርኢ። ኣብቲ ፈርኦን ምስ ህዝቡ ዓቕሎም ጸጽበበሎም እዋናት ኣዚዩ መረሮምን ከበዶምን እሞ ክሳብ ኣምላኽ ምሳና የሎን ኣብዝብል ሰዓት እዮም በጺሖም ዝነበሩ። ሓደ ግዜ ግና ኣምላኽ እህህትኦም ሰሚዑ ናብ ኦም ወርዱ ብሙሴ ምድሓኑ ክእውጀሎም ደለየ። ኣምላኽ ንሙሴ ንኣብኦም ምስ ለኣኾ ግና ሙሴ ንኣምላኽ ዝሃተቶ ነገር ኣሎ እዩ? መን ሊእኹኒ ክብሎም። ኣምላኽ ከኣ ነዊሕ መልሲ ኣይሃቦን ሓንቲ ቓል ንሳኸኣ "እቲ ዘለኹ እየ ዘለኹ" እወ ሎሚ እውን እቲ ዘለኹ እየ ዘለኹ ምሳና ኣሎ።

ሓንሳብ ሕንሳብ ኣነ ባዕለይ ነገር ሃገርናን ኩነታትናን ክርኢ ኸለኹ  ኣምበር ኣምላኽ ምሳና የሎን ዝብለሉ ሰዓት ቡዙሕ እዩ ከምዚ ምባለይ ንስኻትኩም እውን ምባልኩም ግና ህላውንት ኣምላኽ ኣባና ካብ ምንኻን ኣዮኣግቶን እዩ። ንሱ ምሳና ዘሎ ካብ ምሕረቱ እምበር ክብናትና ጽድቅን ቅድስናን ዝተላዕለ ኣይኮነን። ስለዚ ነግር ዝጸልመተ እንተ ጸልመተ ዝኸፈኣ ኸኣ እንተ ኸፈኣ ኣምላኽ ሰማይ ፈጺሙ ኣይጥንጥነንና ዕሽስ ከኣ ይክብለናን እዩ። ንሱ ዘይሓድግ ከም ሰብ ከኣ ዘይጠልም ኣምላኽ እዩ እምበር።

ተስፋና የሱስ ክርስቶስ እዩ። ብርግጽ እምነት ከም ወርቂ ተኾሊዓ ክትወጽእ ብብዙሕ ዝዓይነቱ መግደራ ትሓልፍ እያ ግናኸ ዋላ እኳ ብርባብ ርባ ድነ ሞት እንተኸድና ኣምላኽ ግና ምሳና እዩ። እቲ ዝረኣ ሽዓ ዝሓልፍ ቀልል ጸበባና ኣምላክ ምሳና ከም ዘሎ ዓቢ መረጋገጺ እዩ።

ሓደ ግዜ ሃዋርያት በይኖም ዝኾንሉ ግዜ ዝመሰሎም እዋን ኣሎ እዩ። ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ስለ ሓጥያት ደቂ ሰባት ኣብ መስቀል ምስ ተሰቐለ እሞ ኸኣ ምስ ሞተ ተስፍኦም ባኡ ዝሞተ መሲልዎም ኣብ ዓቢ ፍርሕን ወጥርን ዝኣተውሉ ሰዓት ኒሩ። ካብዚ ዝተላዕለ ኸኣ ኣብ ዕዮ ዋኒኖም ዝተመልሱ እውን ኣይተሳኣኑኑ ግና የሱስ ክርስቶስ በተኣ ዝተሰኣላ መዓልቲ ሰላም ንኣኻትኩም ይኩን ብምባል ሰላሙ ሂቡ ህላውነቱ ኣረጋጊጽሎም ናብ ናይ ንቡር ናይ ክብሪ ቦቶእሞ ከኣ መሊሶም። ንሕና ብዙሕ ግዜ ኣብቲ ኣምላኽ ምሳና ዘየለ ኮይኑ ዝስማኦና ኣዋን እቲ ቐዳማይ እንገብሮ ነገር ንድሕሪት ገጽካ ምምላስ እዩ።

ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ግና ኣንጻር እዚ እዩ ተዛሪቡ እሱ ኸኣ ኣምላኽ ምሳና ካብ ኮነ መን እዩ ዝቃወመና። ሃዋርያ ጳውሎስ እቲ ንሰብ ከሕምሞን ከሰንብዶን ዝኽእል ኩሉ ነገር ገሊጽዎ ኣሎ ምስ እዚ ኹሉ ግና ኣምላኽ ምሳና ኣሎ ይብል። እምበር ንዕና ኸኣ እዚ ጹኑዕ ዘይነቓነቐ ተስፋ ኣምላኽ ካብ ዝህልውና ነዚ መልህቕ እዚ ኣጽኒዕና ንዓዞ ኣምላኽ ሰማይ ከኣ ህላውነቱ ኣብ ህይወትና ከመይ ዓቢ ምኻኑ ክንሪ ኢና።