03
Fri, May
0 New Articles

ዝገብሮ ኵሉ ዝሰልጦ !

Message 2
Typography

ዝገብሮ ኵሉ ዝሰልጦ ሰብ ኣሎ ድዩ? ክህሉ ኣይክእልን ኢልና ኢና ንሓስብ። ርግጽዩ ሓንሳእ ሓንሳእ ዝሰልጦ ሰብሲ መሊኡ እዩ። ግን ኵሉ ሳዕ ብዅሉ ዝገብሮ ዕዉት ዝዀነ እንተልዩ ካልእ ዝፍጥረቱ ደኣምበር ስጋን ደምን ዝለበሰ ከማና ድኹም ሰብ ክኸውን ኣይክእልን ኢልና ኢና ንድምድም። ግን መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ዘደንጽወና ነገራት እዩ ዝዛረብ። ''ዝገብሮ ኵሉውን ይሰልጦ'' ''ናብ እትኸዶ ዅሉ ምእንቲ ክቐንዓካስ ... '' ይብል።


 ክንደይ ካብ ትገብሮ ይሰልጠካ?

ብትገብሮ ክሳዕ ክንደይ ዕዉት ኢኻ? ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ዝገብርዎ ኵሉ ዝሰለጦም ሰባት ብጀካ የሱስ ክርስቶስ ኣለዉዶ? ኣለዉ እንተዀይኖም ንሕናውን ከምኦም ክንከውን ንኽእል ኢና ማለት እዩ። ምናልባሽ ፍጹማን ዝዀኑ ሰባት ነናዲ እንተሊና ተጋጊና፡ ስለ ዘየለዉ። ግን 100% ኤፊሸንት ወይ ብንገብሮ ዘበለ ዕዉታት ክንከውን ግድን ፍጹማት  ክንከውን ኣየድልን እዩ። 

 ዮሴፍ እዮብ ዳዊት ጳውሎስ ዝገበርዎ ኵሉ ዝሰለጦም ሰባት እዮም። ምስላጥ ወይ ዓወት ምስ ኣምላኽን ፍቓድ ኣምላኽ ምግባርን ዝተተሓሓዘ ጉዳይ ደኣምበር ምስቲ ንሕና እንሓስቦን ዓለም ዓወት ትብሎን ዝኸይድ ኣይኰነን። ንዓወትን ንኣሳልጦን ብዝድለብ ሃብትን ዝውነን ጥሪትን ዕቤት ስልጣንን ብዝሒ ቈልዑትን ድልየትካ ክትገብር ምኽኣልን ንዕቕኖ እንተዄንና ዓለማዊ ኣተሓሳስባ (worldly mindset) ዘሎና ኢና። ስለዚ ብምሕዳስ ሓሳብና ንዓለም ምእንቲ ከይንመስል ክንልወጥ የድልየና። እቲ ናይ ሓቂ ኣሳልጦን ዓወትንሲ ንፍቓድ ኣምላኽ ብምግልጋል ዝርከብ ሰማያዊ ሕዋስ ዘይብሉ ጽሩይ ሓጐስን ምጽንናዕን ተስፋን ክትክበብ ማለት እዩ። ኣብ ምድሪ ፍቓዱ ስለ ዝገበርካ ኣብ ሰማይ ኣብ ቅድሚ መላእኽቱ ክንእደካን ክሸመካን ዓስብኻ ክበዝሕን ማለት እዩ። 

 ጐይታና የሱስ ናብ ዓለም ክመጽእ ከሎ ''... ዎ ኣምላኽ ፍቓድካ ክገብር ኢለ እመጽእ ኣሎኹ'' (እብ 10፡7) ትብል መሪሕ ቃል እዩ ሒዙ ኣትዩ። ኣብ ዘበን ኣገልግልቱ ኸኣ ''እቲ ዝለኣኸኒ ኸኣ ምሳይ ኣሎ። ኵሉ ሳዕ ባህ ዘብሎ እገብር እየ እሞ፡ በይነይ ኣይሓድገንን እዩ'' (ዮሃ 8፡29) ኢሉ። ቅድሚ ስቕለቱን ሞቱን መልእኽቱ ንዓለም ኣብጺሑ ህዝባዊñ ኣገልግሎቱ ምስ ወድኤ ኸኣ ''እቲ ኣነ ክገብሮ ዝሃብካኒ ግብሪ ፈጺመ፡ ኣብ ምድሪ ኣኽበርኩኻ'' ዮሃ 17፡4

ኢሉ። ኣብዚ እንሄ እምበኣር  ሓቀኛ ትርጉም ኣሳልጦን ዓወትን

 1ይ. ፍቓዱ ምግባር

 2ይ. ኣምላኽ ምሳኻ ክኸውን

 3ይ. ክትገብሮ ዝሃበካ ምፍጻም።

እዚ መዐቀኒታትዚ ግን ምስቲ ናይ ዓለም ፈጺሙ ዘይራኸብ እዩ። ሎማ ዋላ ሰበኽቲ ንዓወቶም ብ ኣሃዛዊ ብዝሒ እዮም ዝዕቅንዎ። ነቲ ፍቓዱን ኽገብርዎ ዝሃቦምን ሰጊሮም ከኣ ምስ ካልኦት ኣብ ውድድር ይኣትዉ። እዚ ግን ናይ ማልቲናሽናል ንግዳዊ ኮርፖረሽናት ዓብላሊ መንፈስ እዩ እምበር ካብ ኣምላኽ ዝመጸ ኣይኰነን። ስለዚ ዕዉትን ዝገብሮ ኵሉ ዝሰልጦን ሰብ ክትከውን ንፍቓድ ኣምላኽ ርእስኻ ዘትሓትካን ዘግዛእካን ካብ ውልቃዊ ልዕልነት

(personal ambition) ዝሞትካ ክትከውን የድሊ ማለት እዩ። እዚ ግን ራእይ ዘይብልካ ድቁስን ሃካይን ሰብ ክትከውን ማለት ዘይኰነ፡  እቲ ራእይካ እቲ ኣምላኽ ዘርኣየካን ዝሃበካን ጥራይ ክኸውን ማለት እዩ። 

 ናብ ነጥብና ክንምለስ፡ ብመሰረት መዝሙር ዳዊት 1ን፡ እያሱ 1ን

እንገብሮ ኵሉ ክሰልጠናን ዕዉታት ክንከውንን እዘን ሰለስተ መሰረታውያን ረቛሒታት ክንሕዘን ይግባእ። 

1. ካብ እከይን እኩያት ሰባትን

   ክንርሕቕ( መዝ 1፡1)

2. ነቲ ሕግን ቃልን እግዚኣብሄር

 ለይትን መዓልትን ክንመራምሮ

 ብእኡ ኸኣ ክንፍሳህን ክንሕጐስን

 (መዝ 1፡2)

3. ነቲ መዓልትን ለይትን ዘስተን

  ተናዮ ሕጉን ቃሉን ክንገብሮ

 (እያ 1፡8)።