16
Tue, Apr
0 New Articles

ዘውርስ ወለዶ

Message 2
Typography

ትርጉም እያሱ ዝብል ስም እግዚኣብሄር መድሓኒ ማለት እዩ። እያሱ ወለድኡ ካብ ነገድ ኤፍሬም፡ ሓደ ካብ ደቂ ዮሴፍ እዩ። እያሱ ሓደ ካብቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ዝወጹ እስራኤላዊ መንእሰይ ኮይኑ፡ ኣገልጋሊ ናይ ሙሴ ድማ ነበረ። ድሕሪ ሞት ሙሴ ከኣ መራሒ ህዝቢ እስራኤል ክኽውን ብእግዚኣብሄር ተሓርየ። ደቂ እስራኤል ብመሪሕነት ሙሴ ካብ ግብጺ ወጽዮም፡ ብመሪሕነት እያሱ ድማ ናብ ከንኣን እታ መዓርን ጸባን እተውሕዝ ሃገር ኣትዮም።

እግዚኣብሄር ኣቐዲሙ ንኣብርሃም ካብ ኣዝማድካን ካብ እንዳ ኣቦኻን ኣነ ናብ ዘርእየካ ምድሪ ኣቢልካ ውጻእ በሎ፡ ደጊሙ ከኣ ምድሪ ከንኣን ንዘርኡ ከም እትወሃብ ተዛረበ። እግዚኣብሄር ነቲ ስለ ህዝቡ እስራኤል ዝኣተዎ ናይ ተስፋ ቃል ዝፍጽመሉ ሰዓት ስለ ዝበጸሐ፡ ነዚ ዕዮ ብመሪሕነት ዝፍጽም ክምዝዝ ኣድለዮ። ንሙሴ ድማ በሎ፡ "እያሱ ወዲ ነዌ መንፈስ ዘለዎ ሰብኣይ፡ ናባኻ ውሰድ፡ ኢድካ ድማ ኣብ ልዕሊኡ ኣንብር። ኵሉ ኣኼባ እስራኤል መታን ክእዘዞ ከኣ፡ ካብ ግርማኻ ኣብ ልዕሊኡ ኣንብር (ዘሁ 27፡18, 20)። ደቂ እስራኤል ከኣ ምስኡ ብቓሉ ይውጽኡ፡ ብቓሉ ድማ ይእተዉ ኢሉ ኣዘዞ። 

ድሕሪ ሞት ሙሴ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ኣቕዲሙ ዝተዛረቦ ቃል መታን ክፍጽሞ፡ ናብ እያሱ መጸ በሎ ድማ፡ እታ ነቦታቶም ክህቦም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ንስኻ ነዚ ህዝቢ ከተረስትዮ ኢኻ እሞ፡ ጽናዕን ትባዕን። እያሱ ድማ ነቲ ትእዛዝ ሰሚዑ፡ ንህዝቢ እስራኤል መሪሑ ሩባ ዮርዳኖስ ሰገረ። ነቶም ኣብ ቅድምኡ ዝነበሩ ሳላሳን ሓደን ነገስታት ብሓያል ቅልጽም እግዚኣብሄር ስዒሩ ናብ ቦታ ዕረፍቶም ኣእተዎም። ነዚ ንምግባር ድማ ኣብቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ቃል ብምትእምማን፡ ብትብዓት ንህዝቢ እስራኤል ይነግር: የሰልጥንን የዳሉን ነበረ። 

በሉ እስኪ ወለዶና ምስ ዘመን እያሱ ብምንታይ ይመሳሰል፧ እዚ እንነብረሉ ዘሎና ዘመን ኣብ ንምጽኣት ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ዘዳሉን ዘቀላጥፍን ወለዶ ኢና እንነብር ዘሎና። ኣብ ምድረ በዳ ኮለል ዝብል ዘሎ ህዝቢ፡ ናብቲ እግዚኣብሄር ዘዳለወሉ ናይ ዕረፍቲ ቦታ ብክርስቶስ ኣቢሉ ክኣቱ ምግባር ናተይን ናትኩምን ግደን ሓላፍነትን እዩ። ሰባት ናብ ዕረፍቶም ዝኣትውሉ መገዲ፡ ቀዳማይ እቲ ናይ ሰመያውን ዘልኣለማውን ርስቲ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ከኣ ኣብ ናይ ምድሪ ዘመኖም ብዕረፍትን ብህድኣትን ከም ዕውታትን ሰዓርትን ኮይኖም ክመላለሱ እዩ ናይ እግዚኣብሄር ፍቓድ።

ግናኽ ብከምዚ ከይንነብር ከም እኒ ሔታውያንን ኣሞራውያንን፡ ብኻልእ መልክዕክን ስምን ናብ በረኸትና ከይንኣቱ ጋሪዶሙና ኣለዉ።መጀመርታ እምበኣር እግዚኣብሄር ተዋጋእን ሰዓርን ምዃኑ ምፍላጥን ምእማንን። ካልኣይ ናብቲ ቦታ ዕረፍቲ ንምብጻሕ ከም ጅግና ዝተዓለመ ሰራዊት ክንከውን ኣሎና። ፈራሕ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብቑዕ ከም ዘይኮነ ቃል ኣምላኽ ይነግረና። ፈራሕ ሰብ ልቡ ዝጃጁ መን ኣሎ ከምቲ ልቡ ልቢ ኣሕዋቱ ከኣ ከይሽበርሲ ይኺድ ናብ ቤተውን ይመለስ ()። 

እምብኣር ኣሕዋተየ ንወለዶና እንጠቕመሉ ከምቲ እያሱ ኣብ ቅልጽም እግዚኣብሄር ተወኪሉ፡ ንእስራኤላውያን ኣብቲ ክኣትውዎ ዝነበሮም ቦታ መሪሑ ዘብጸሖም፡ ነዚ መገዲ ጠፊእዎ ዘሎ፡ ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ዄንና እናጸናናዕናን እናመዓድናን ነተዓርቆም። እዚ ከኣ ከምቲ ክርስቶስ ገና ሓጥኣን ከሎና ዘፍቀረና፡ ብዓይኒ ፍቕሪ ጠሚትና ካብቲ ዘለውዎ ከነውጽኦም ጸጋን ስልጣንን ተቐቢልና ኣሎና። ነቲ እተዋህበና ሕድሪ ንሓልዎ።

 

ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስኩም ይኹን። 

ጽጌረዳ ኪዳነ