16
Tue, Apr
0 New Articles

ንእግዚኣብሄር ሃዲእካ ተጸበዮ።" መዝ.37።7

Message 2
Typography
እምነት ድማ ብዘይ እምነት ንኣምላኽ ከነስምሮ ከምዘይንኽእል ይነግረና። እብ.116 እምነት ድማ ናይቲ ተስፋ ዝግበሮ ነገር ርግጽነት እያ። ስለዚ ብእምነት ክትነብር ከሎኻ ብዛእባ ዘይተጨበጠ ግናኸ ከም ትረኽቦ ርግጽ ዝኾንካሉ ነገር ምሕሳብ ወይ ምጽብባይ ኣሎ። ኩሎም እቶም ቀዳሞት ናይ እምነት ኣቦታትና ብተስፋን ንተስፋን ተጸዊOም። ኣብ መንጎ እቲ ተስፋ ዝተዋህበሉን ተስፋ ዝተፈጸመሉን ጊዜ ድማ ንኣምላኾም ከምቲ ዝበሎ ክገብር ይጽበይዎ ኔሮም።

 

 እምበኣርከስ ምጽባይ ሓደ ወሳኒን ኣገዳሲን ነገር እዩ። ኣብርሃም ተስፋ ካብ ዝተዋህቦ ክሳብ ይስሃቕ ዝተወልደሉ ጊዜ 25 ናይ ምጽባይ ዓመታት ኣሕሊፉ። ደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ካብ ዝወጽU መዓልቲ ክሳብ ከንኣን ዝኣተዉላ 40 ዓመታት ኣሕሊፎም። ሃዋርያት ካብታ ተስፋ ኣቦ ተጸበዩ ዝተባህሉላ ክሳብ እታ መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበሉላ 10 መዓልታት ተጸብዮም። ስለዚ ተስፋ ኣምላኽ ንኽፍጸመልካ ብናይ ምጽባይ ጊዜ ምሕላፍ ግቡእ እዩ። ኣምላኽ ዝሰርሓሉ ጊዜያት። ወርሓትን ዓመታትን ስለዘሎ ነቲ ናቱ ጊዜ ብህድኣት ምጽባይ ኣገዳሲ እዩ።

ኤልሳቤጥ ኣደ ዮሃንስ መጥምቕ "ጎይታይ ንኣይ ብዝረኣየለን መዓልትታት ሕስራነይ ካብ ማእከል ሰብ ምእንቲ ኼርሕቕ። ከምዚ ገበረለይ" Iላ። ሉቃ.124-25 ካልO ተስፋ ዝተዋህቡ ከም በዓል ኣብርሃም ዮሴፍ ዳዊት እንተርናዮምውን እቲ ተስፋ ክሳብ ዝፍጸም ንእግዚኣብሄር ብህድኣት ይጽበይዎ ኔሮም።

 

ብዙሕ ጊዜ ከም ሰባት ኣቋራጭ መንገድታትን ቀለልቲ ነገራትን ንፈቱ። ባህርይ ናይቲ ዝወደቐ ሰብ ስለዝኾነ ድማ ብእምነት ንዝር ነገር ምጽባይ ኣዝዩ ይሽግረና። ኣቦና ኣብርሃም ከምዚ ዓይነት ጸገም ገጢምዎ። ንሱን ሰበይቱ ሳራን ንእግዚኣብሄር ተኣዚዞም ምስ ወጹ። ንዓሰርተ ሓደ ዓመታት ብተኣማንነት ተጓIዞም። ከምቲ ብዙሕ ጊዜ ብእምነትና ንፍተኖን ንተስፋ እግዚኣብሄር ንጠራጠሮን ከኣ ምናልባት እቲ ውላድ ወዲ ኣብርሃም ክኸውን እንተኾይኑንስ ኣዲU ሳራ ዘይክትከውን ትኽእል እያ ዝብል ሓሳብ ስለዝመጸ ሳራ ብፍታዋ ኣብርሃም ናብ ኣጋር ክኣቱ ፈቒዳትሉ። ናብ ኣጋር ኣትዩ ከኣ ንእስማኤል ወሊድዎ። ድሕሪU እግዚኣብሄር ንኣስታት 13 ዓመት ንኣብርሃም ኣይተዛረቦን። ሓደ ካብቲ ንኣቦና ኣብርሃም ዘንእዶ ድማ ኣብዚ እግዚኣብሄር ዝሓደጎ ዝመሰለሉ ዘመን ካልኣይ እስማኤል ኣይደገመን። ኣብቲ ጽሑፍ እኳ እንተዘይተገልጸ ኣቦና ኣብርሃም ነብዩ ኣምላኽ ዓርኪ ኣምላኽ ስለዝነበረ እቲ ናብ ኣጋር ምእታዉ ጌጋ ምንባሩ ዝተረድ ይመስለኒ። ብድሕሪ ግን ኣምላኽ ኣብ መበል 99 ዓመቱ ክግለጸሉ ከሎ ከምቲ ኩሉ ዝኽእል ኣምላኽ ማለት ይስሃቕ ካብታ ጓል 90 ዓመት ኮይና ዝነበረት ሳራ ክህብ ዝኽእል ምዃኑ ገሊጹሉ። ኣብ ዓመቱ ድማ እቲ ሳራ ንባእላውን ከመይ ክኸውን እዩ ዝሰሓቐትሉ ይስሓቕ ተወሊዱ።

 

ኣብርሃምን ሳራን ሓደ ካብቲ ከምዝድነቑ ዝገብሮም ብኣንጻር ኩነታት ከባቢ ማለት ምሟት ስጋ ንጎይታ ክኣምንዎ ምድላዮምን ምውሳኖምን እዩ። ንፍቓድ እግዚኣብሄር ሃዲእካ ምጽባይ ደሊኻን ፈቒድካን ትውስኖ ውሳኔ እምበር ግዴታ ኣይኮነን። እንተኾነ ግን ንየማን ወይ ንጸጋም ምልጋስ ከኣ ካብ ፍቓድ ኣምላኽ የውጽኣካን ዋጋ የኽፍለካን እዩ። ያእቆብ ከምዚ ዓይነት ቀራና መገዲ ገጢምዎ። ብኹርና ናቱ ከምዝኾነ ፍሉጥ እዩ ኔሩ። ብኹርና ከምጽኣሉ ዝነበሮ መንገዲ ግን እቲ ዝተኸተሎ ኣይነበረን። ስለዚ ድማ ነታ ብኹርና እኳ እንተረኸባ ነቲ ዝተኸተሎ መንገዲ ንኽምለሶ ግን ነዊሕ ዓመታት ወሲዱሉ። ካብ ናይ ያእቆብ ዝተፈልየ መንገዲ ዝተኸተሉ ዮሴፍን ዳዊትን እዮም። ዮሴፍ ኣብ ልእሊ ኣሕዋቱ ከምዝሽየም ብሕልሚ ስለዝተነግሮ ንሱን ኣቡ ኣብ ልቦም ዘቐመጥዎ ነገር ኔርዎም። ኣሕዋቱ ግን ይቐን ስለዝነበሩ ሸይጦም ናብ ግብጺ ከም ዝወርድ ጌሮሞ። ኣብ እንዳ ጶጢፋር ምስ ኣተወውን ብዙሕ ከይጸንሐ ፈተና ተላልዎ። ንሱ ግን ጽውዓ ዝፈልጥ ስለዝነበረ ብሰበይቲ ጶጢፋር ተጠሊፉ ካብቲ ዓቢ ተስፋ ኣምላኽ ክተርፍ ኣይደለየን። ስለዚ ድማ ዋጋ ከፊሉ ናብቲ ዝለዓለ ደረጃ ክድይብ ስለዝመረጸ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጉኑ።

ኣምላኽ ከኣ በቲ ዝመደቦ ጊዜ ድሕሪ 13 ዓመት ናብ ክብሪ ኣደይብዎ። ናይ ዳዊትውን ካብዚ ዝፍለ ኣይኮነን። እቲ ዝቐብ ኣምላኽ ናብ ዙፋን ንግስነት ክሳብ ዘደይቦ ተቐቢ ርእሱ ኣየላለየን። ንሳልውን ብብዙሕ ኣምላኽ ኣጋባጊቡለይዶ ይኸውን ዘብለካ ኩነታት እናረኸቦ ከሎ ክቐትሎ ኣይፈተወን። ስለዚ ድማ እግዚኣብሄር ብጊዜ ልእል ኣቢልዎ።

 

ንሕናኸ ኣምላኽ ተስፋ ሂቡናዶ ኣሎ? እንተሂቡና ነቲ ተስፋ ብኸመይ ንጸባበዮ ኣሎና። ከምቲ ናይ ያእቆብእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣጋባጊቡለይ' እናበልናዶ ኣብ ገዛ ዝነበረት በጊእ ንሓርድ ኣሎና? ከምቲ ናይ ልዶ ምስ ደንጎኻስ መስዋእቲ ከየቕረብኩ ውግእ ከይጅመረኒ ፈሪሀ ደፊረ መስዋእቲ ኣቕሪበ ንብል ኣሎና? እግዚኣብሄር ዝሃበና ተስፋ እንተሎና ንሱ ክሳብ ዝፍጽሞ ንጸበዮ። ባእልና ዝመሃዝናዮን ዝሃንደስናዮን ተስፋ እንተኾይኑ ኣምላኽ ኣብ ስለዘየለ ባእልና ንፈጽሞ። ሎሚ ንብዙሕ ነገራት ንህወኸሉ ጊዜ እዩ። ምስ ታህዋኽ ከኣ ምርባሽ ኣሎ። ምኽንያቱ ገለ ነገራት ሰባት ዝወስዱልናን ዝምንጥሉናን ስለዝመስለና ሓሳብ ኣምላኽ ኣብቲ ነገር ክንሓትትውን ጊዜ ኣይንረክብን ና።

 

ርእስና ኣብ ፍቓድ ኣምላኽ እንተኣግዚእና ግን እቲ ንዓና ዝተባህለ ክወስዶ ዝኽእል ስለዘየለ ሃዲእናን ንቡር እዮና እናገበርናን ንጎይታ ክንጽበዮ ይግብኣና። እቲ ናይ ግብጺ ኣመሓዳሪ ክኸውን ዝነበሮ ዮሴፍ ናብቲ ቦታ ክሳብ ዝበጽሕ ብብዙሕ ኩርኳሕ ዝበዝሖ መንገዲ ሓሊፉ። እንተኾነ ግን ካብቶም ንኽፉ ዝተላእሉውን እንተኾኑ ሓደ እኳ ንሓሳብ ኣምላኽ ከጸልምቶ ዝኸኣለ የልቦን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ከይተፈለጦም መሳርሕቲ ኣምላኽ ኮይኖም። ዮሴፍውን ከም ልዎም። ስለዚ እቶም ናብ ጉድጓድ ዝድርብዩና። ናብ ግብጺ ዝሸጡና። ናብ ቤት ማእሰርቲ ዘእትዉና። ዘክሩና ልናዮም ዝርስና። ኩሎም ክፉእ ዝገብሩና ከይተፈለጦም መዓይይቲ ኣምላኽ ኮይኖም ሓሳብ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ንኽፍጸም ስለዝሕግዙና ክንጸልምን ክንቅየሞምን ኣይግብኣናን እዩ። ኣምላኽና ከኣሊ ስለዝኾነ ኣይንጨነቕን ኣይንረበሽን። ከምቲ ዘማራይ ዝበሎ ናብ ራህዋ ክትወጽእ እንተኾንካ እግዚኣብሄር ናብ መርበብ ከእትወካ። ናቱ ጾር ከጹረካ። ብማያት ከሕልፈካ ብልእሊ ርእስኻ ድማ ሰባት ክሳግር እዩ። ምስዋእቲ ምሕራር ሒዝካ ናብ ቤቱ ክትኣቱ። ጸቢቡካ ከሎ ዝበልካዮ መብጽዓታት ድማ ክትፍጽም Iኻ። መዝ.6612-14 ጎይታ ይደግፈና።