28
Sun, Apr
0 New Articles

ጸሎት ክኣብየካ ኸሎ!

Message 2
Typography

ጸሎት ኣብዩካ'ዶ ይፈልጥ?  -  ጸሎት ዕልቕጥ ኢሉካ'ዶ ይፈልጥ? ጸሎት፡ ትርጉም ዘይብሉ ዀይኑ ተሰሚዑ'ዶ ይፈልጥ? ኣብ ጸሎት፡ ደንዚዝካ'ዶ ትፈልጥ? - ዝጸሌኻዮ ጸሎት ናብ ሃውህው ትሰዶ ዘሎኻ መሲሉ ተሰሚ ዑካ'ዶ ይፈልጥ? - ጸሎትካ ዘይምለሽ ኰይኑ ተስፋ ኣቑሪጹካ'ዶ ይፈልጥ? ጸሎት ንፍሉያት ሰባት መሲሉ'ዶ  ተራእዩካ ይፈልጥ?  -  እዚ ዂሉን ካል እን ንመንፈሳዊ  ሰብ ዚገጥሞ  ናይ  ተመኩሮ  ሓቂ  እዩ፥  - እቲ ምኽንያታት ኸኣ ብዙሕ  ክኸውን  ይኽእል እዩ፡፡  በቲ  ቕልል  ዝበለ ንምጅማር፥  ምናልባ ት'ዶ ቀስ  ብቐስ ናይ ጸሎት ግዜኻ ከይተፈለጠካ ብኻልእ ዋኒን ተተኪኡ ይኸውን?  -  ከመይሲ፡  ከምቲ እንተበላዕካ መሊሱ ዘብላዕልዓካ፡  ኣብቲ ግዜ ብልዒ ብግቡእ እንተ ዘይበላዕካ ኸኣ ብላዕ ብላዕ ዘይመጸካ፡ ከምኡ ኸኣ፡ እንተጸሌኻ  ኢኻ  ጸሎት  እትፈቱ፡  ሸለል  እንተበልካዮ  ግና፡  ጸሎት  ቁም-ነገር ዘለዎ፡ ዘስልጥ፡ ዝጽለ ዀይኑ ኣይመስለካን እዩ፡፡ እምበኣር፡ ዘይምጽላይ፡ ሓጢኣት  ምዃኑ  ፈሊጥካ፡ እዮ.15፡4, 21፡14-15,  ግዜ  ጸሎት፡ ግብ.3፡1,  ግዜ ኣምላኽ  እዩ፥  ምስ ኣምላኽ  ዘሎካ  ቆጸራ እዩ እሞ፡ ቆጸራ ኣምላኽ ኣይትጥለም፡፡


እቲ  ኻልኣይ  ምኽንያት  ከኣ፡  ንስኻ፡ ንስኺ'ውን፡ ቃል-ኣምላኽ  ብምንባብ፡ ብመንፈስ-ቃሉ  ብምሕዳስ-ሓሳብካ ተለዊጥካ፡  ብእምነት ከኣ  ተመሊእካ  ኣብ  ክንዲ  ትጽሊ ንመንፈሳዊ  ዔላኻ፡  ከምቲ ፍልስጥኤማውያን ቀኒኦም ንዔላ  ይስሃቕ  ዝደበይዎ፡  ዘፍ.26፡13-15, ንዓኻ'ውን፡ ሩባታት  ጸሎት  ካብ  ልብኻ  ከይፍል ፍል፡  እቲ  ኣብ  ቅድሚ  ዓይንኻ  ቀሪብካ፡  ምሸት-ምሸት  እትርእዮ ዘይሃንጽን ዘይባርኽን፡   ካብኡ ሓሊፉ ኸኣ ንብልሕኻ ዘጉድም፡   ንመንፈስካ   ዘባዕዝዝ፡ ንእምነትካ ዘፍርስ፡  ንዓይንኻ ድማ ዘርክስ፡ ናይ ቲቪ ምርኢታትን ከንቱ ቃሉ ኪፍጽም፡  ኲነታት  ኲሉ፡ ከም ዘይነበረ  ኪልወጥ  ገበረ፡፡  በቲ   ኣምላኽ  ንዮሴፍ ዝሃቦ ጥበብ ዝተኣከበ ማእለያ ዘይብሉ እኽሊ፡ ናብኡ ንኺመጹን፡ ኣብ  ቅድሚኡ  ንኺሰግዱን  ምኽንያት  ኰነ፡፡  እቲ  ፍጻሜ  ክርኤ  ኸሎ፡ ብዙሕ መስበርቲ  ልቢ፡  ብዙሕ  ሞራላዊ  ማህሰይቲ፡  ነዊሕ  ሕልናዊ  መጉዳእቲ  ዘሎዎ ኣብ  ስድራ-ቤት ያእቆብ  ድማ፡ ናይ ህይወት በሰላ  ዝሓደገ  ፍጻሜ  እኳ እንተነ በረ፡ ምኽሪ  እግዚኣብሄር  ከይፍጸም ዝዓገተ ምኽሪ  ወይስ  ሓይሊ  ግና ኣይነበረን፥

 

የሱስ  ክርስቶስ፡  ናብ  ምድሪ  መጺኡ ብዙሕ   ዘገርም   ግብሪ   ፈጺሙ፡  ንደቂ እስራኤል  በረኸት  ዘምጽኤ  ሕያዋይ  ኣገልጋሊ  እኳ  እንተነበረ፡ ሰይጣን  ዓቕሉ ጸቢብዎ፡ ከመይ ጌሩ ንዕኡን  ንሰዓብቱን  ከም ዘጥፍኦም ዘለዎ  ዂሉ  ብልሓትን ውዲትን  ተጠቒሙ   እዩ፡፡  ኣብቲ  ሰይጣን  ዝመኸሮ  ናይ  ጥፍኣት  ጥበብ  ግና፡ ኣብኡ  ጥበብ  ኣምላኽ፡  ምኽሪ  እቲ  ልዑል፡  ዓብዪ  ግደ  ተጻዊታ  እያ፡፡  ማለት፡ ኣብቲ ሞት የሱስ፡ ሕቡእ ጥበብ  ኣምላኽ ስለዝነበረት፡ ንየሱስ ብምቕታል ዝዕወት ዝመስሎ ዝነበረ ሰይጣን፥ የሱስ ግና፡ ብውርደቱን፡ በቲ ሰይጣን ዚምክሓሉ ኣጽዋር፡ ማለት፡ ብሞቱን ጌሩ  እዩ ንሰይጣን ስዒርዎ፡ ሉቃ.11፡ 21-22, ግብ.2፡23-25, ቈሎ.2፡15, እብ.2፡14-16,  ራእ.1፡17-18፡፡ ከምቲ፡  ውርደት ዮሴፍ  ናብ  ክብረት ዝተለወጠ፡ ውርደትን ሞትን  የሱስ ከኣ፡ ናብ ዓብዪ ስዕረትን  ዓወትን ተለወጠ፥ ኣብ ሞት የሱስ ጥበብ-ኣምላኽ  ስለዝነበረ፡1ቈረ.2፡6-8፡፡

 

ሓንትስ፡ ብሓጢኣትን ብዓመጽን ደኣ ኣይኹን እምበር፡ ከም  ዮሴፍ፡ ከም ዳንኤል፡ ከም  የሱስ፡ ብጽድቂ ብቕድስና ክሳዕ  ዝተመላለስካ  እዋን፡  ሰይጣንን መዓይይቱ ሰባትን ንዓኻ  ንውርደት፡  ንዓኻ ንውድቀት፡  ንዓኻ ንጥፍኣት ዝመኸርዎ ዂሉ፡  ንልምዓትካ፡  ንኽብረትካ፡  ንልዕልናኻ፡  ከም ዝልወጥ  ብናይ ብዙሓት  ቅዱሳን  ህይወት  ዝተመስከረ  መንፈሳዊ ሓቂ  እዩ፡፡  ሃዋርያ  ጳውሎስ ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ፡ ከም ምኽሩ'ውን እተጸውዑ ግና፡  ኲሉ  ንሰናይ ከም ዚድግፎም (ቀቅድሚኦም ሓሊፉ ንጽቡቖም ከምዘዳልወሎም)  ንፈልጥ ኢና"  ሮሜ.8፡28,  ኪብል  ከሎ፡  ነዚ  ዂሉ  ናይ ቅዱሳን መወዳእታ  ታሪኾም ስለ ዝተረድኤ እዩ፡፡ ነቲ እግዚኣብሄር ኣባኻ ዘለዎ ምኽሪ ኪልውጥ ወይ ኪግልብጥ ዚኽእል ዓቕሚ ወይ ጥበብ የልቦን፡፡ እኳ ደኣ፡ ምኽሩ ኣባኻ፡ ኣባኺ  ክሳዕ  ዚፍጸም፡  ንዂሉ ኪልውጥ  እግዚኣብሄር  ኣብ  ዙፋኑ እዩ፡፡  ኣምላኽ፡  ኣብ  ዮሴፍ  ዘለዎ ምኽርን  ፍቓድን  ንኺፍጽም፡  ከምቲ   ኣብ  ላዕሊ ዝረኤናዮ፡ ኣሕዋቱ  ኪታናዀልዎን  ኪሸጥዎን ከለዉ፡  ብዘይገበሮ  ሓጢኣት  ኪኽሰስ  ከሎ   ስቕ  ኢሉ ይርኢ፥   ናብ ግብጽን ካልኦት ሃገራትን ጥሜት ይጽውዕ፡  በቲ ሓደ  ምዕራፍ  ከኣ፡  ኣብ  ግብጺ  ንዮሴፍ  ዘይፈልጥ  ንጉስ   የተንስእ፡ ዘጸ.1፡1፥ ንደቂ እስራኤል  ካብ  ባርነት  መሪሑ  ዘውጽእ  ኬሰልጥንሲ፡ ንሙሴ፡  ብፍሉይ  መገዲ ከም ዝዓቢ ይገብር፥  ልቢ  ሰባት፡  ኣብቶም  ሰብ  ምኽሩ  ብዘይርድኣካ መገዲ ከም  ዚልወጥ ይገብር፡ ዘገርም'ዶ ኣይኰነን!! መዝ.105፡ 18-25,  ተገዲስካ ኣንብብ፡፡

 

ንሕና  ክርስትያናት፡  ኣብ  ልዕሊ  ዂሉ   ስልጣን  ዘለዎ፡  ኲሉ  ዝኽእል፡ ኲሉ ዝፈልጥ፡ መገዱን  ጥበቡን  ኣሰራርሓኡንውን፡ በዛ  ንእሽቶን ድርትትን ኣእምሮ የሱስ፡  ብዘይገበሮ  ኪኽሰስ  ከሎ  ተሰቀየ፥  ንንዕቀት፡  ንውርደት፡  ንጸርፊ፡ ንጡፍ ምባል፡ ንምልጋጽ ንሓፍረት ንመግረፍቲ ኣሕሊፎም ኪህብዎ ኸለዉ፡ ብምጽማሙ፡ ብሕልናኡ፡ ብነፍሱ፡ ተሰቀየ፡ መዝ.69፡18-20,    ማቴ.26፡61-68, ማቴ.27፡20-31,38-44, እብ.12፡2-3, ርኤ፡፡

 

1.      ኲነኔ፥ ንባርነትን ንሞትን እተሸጠ እሱር፡  ካብቲ ኣሲሩ  ሒዝዎ ዘሎ

    ሓራ ኪወጽእ ተስፋ ስለ ዘይብሉ፡ ዝተዀነነ፥  ሮሜ.7፡12-24,  8፡1-3፥

    (ኣንጻር ኲነኔን ባርነትን - ነጻነትን ሓርነትን፡ ካብ ማእሰርቲ ፍቱሕ

   ምዃን እዩ)፡፡

 

2.      ፍጹም፡ ፍጽምና፥ "ንሕጊ ዀነ ወይስ ንነብያት ክፍጽሞም  (ዝብልዎ    ክመልእ - to fulfill...) እምበር፡ ክስዕሮም ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም " ማቴ.5፡17, ገላ.4፡4-5, ኢሉ፡ ኣብ ዮሃ.19፡30, "ተፈጸመ " ይብል፥ "...ንሱ ንብዙሓት ውሉድ ናብ ክብሪ እናኣእተዎም፡  ነቲ  ራእሲ ምድሓኖም   ብስቅያት  ኪፍጽም  ተገብኦ -...should make the author of their sal       vation perfect through suffering "  እብ.2፡10፥ "ወዲ እኳ  ኽነሱ፡ በቲ እተሰቀዮ ስቅያት ምእዛዝ ተማህረ፥ ከም  መዓርግ መልኬጼዴቕ ብኣምላኽ ሊቀ-ካህናት  ተሰምዩ ፍጹም - perfect  ምስ  ኰነ ኸኣ፡  ነቶም ዚእዘዝዎ (ኲሉ ሳዕ  ብምእዛዝ ንምድሓኖም ዚፍጹ / ዝምልኡ  ፊል.2፡12-13)  ኲላቶም፡  ንናይ ዘለኣለም ምድሓኖም ምኽንያት ኰኖም "    '...ንሱ ርእሲ ዂሉ ሕልቅነትን ስልጣንን እዩ፡ ንስኻትኩም'ውን፡ ብእኡ ተመሊእኩም(ተፈጺምኩም ኣለኹም  you are completed in him,  ...perfected in him) ቈሎ.2፡10፥ "

 

   እብ.5፡8-10፥  እቲ  ዝሓለፈ  ትእዛዝ፡ ድኹምን ዘይጠቅምን ስለ ዝዀነ እዩ  እተሳዕረ፥   ሕጊ  ንሓደ  እኳ  ኣብ  ፍጻሜ ኣየብጽሖን፥  ግናኸ  ናብ  ኣምላኽ  እን ቐርበላ፡   እትሓይሽ  ተስፋ  ኣተወት...  ከምዚ  ዘመሰለ ኽፍኣትን   ርኽሰትን ዘይ ብሉ፡ ካብ ሓጥኣን እተፈልየ፡   ካብ  ሰማያት  ከኣ ልዕል ዝበለ  ቅዱስ  ሊቀ-ካህ ናት  ኣድለየና፡፡  ንሱ   ከምቶም   ካልኦት   ሊቃውንቲ ካህናት ቅድም ምእንቲ ሓጢኣት ርእሱ፡  ደሓር  ድማ፡  ምእንቲ ሓጢኣት  ህዝቢ፡  ኣብ  ጸጽባሕ  መስዋእቲ ኼቕርብ ዘየድልዮ   እዩ እሞ፡ ርእሱ ንመስዋእቲ ምስ   ወፈየ፡   ዮሃ.10  17-18, ሓንሳእ  ንሓዋሩ  ገበሮ፡፡  ሕግስ   ድኻም  ንዘለዎም  ሰባት  እዩ  ሊቃውንቲ ካህናት  ኪዀኑ ዚሸሞም፡፡  እቲ፡   ድሕሪ   ሕጊ  ዝመጸ  ቓል ማሕላ ግና፡ ንዘለኣለም፡  ፍጹም -  perfect  ዝዀነ ወዲ  እዩ ዚሸይም  እብ.718-28,  ሮሜ.930-33,   ሮሜ.101-4 ክርስቶስ  ግና፡   ናይቲ ዝመጽእ   ሰናይ - ነገር፡ ሊቀ-ካህናት  ኰይኑ  ምስ መጸ፡  በቲ  ብሉጽን  ፍጹምን   ብኢድ   ዘይተገብረ፡  ማለት፡ ካብዚ ፍጥረት  እዚ  ዘይኰነ   ድንኳን፥  ብደም   ድቤላታትን  ምራኹትን   ዘይኰነስ፡   ብደም ርእሱ  (ብናይ   ዘለኣለም መንፈስ   ገይሩ)  ናብቲ   መቕደስ   ምስ  ኣተወ፡  ናይ  ዘለኣለም  ምድሓን  ረኸበ  እብ.9፡11-14፥  ሕጊ፡   ጽላሎት   እቲ        ዝመጽእ፡  ሰናይ-ነገር  ከለዎ፡  መልክዕ   እቲ   ቁም-ነገሩ  ዘይኰነስ፡   በቲ   በብዓመት፡   ኲሉ   ሳዕ  ዚስውእዎ  መስዋእትታት፡  ነቶም   ዘቕርብዎ፡  ከቶ  ፍጹማት ኪገብሮም ኣይከኣሎን እዩ፡፡  ...ካህን  ዘበለ ኹሉ፡  ኣብ ጸጽባሕ  እናኣገልገለ  ይቐውም  እዩ እሞ፡ ነቲ፡  ሓጢኣት ኬርሕቕ  ከቶ ዘይከኣሎ  መስዋእቲ፡  ብዙሕ  ሳዕ  የቕርቦ  ኣሎ፡፡  ክርስቶስ   ግና፡   ነቶም   ዚቕደሱ፡   ብሓንቲ   መስዋእቲ  ንሓዋሩ  ፈጸሞም፡ (ፍጹማት  ገበሮም፡  ቀደሶም) -  perfected  them  እሞ፡ ንሱ  ንሓዋሩ  እትኸውን ሓንቲ  መስዋእቲ፡ ስለ  ሓጢኣት  ምስ ኣቕረበ፡   እቶም ጸላእቱ መርገጽ  እግሩ ክሳዕ  ዝዀኑ እናተጸበየ፡   ኣብ  የማን  ኣምላኽ  ተቐመጠ   እብ.10፡1,10, 11-14፥  እቲ፡  ኣብቲ ምሉእ-ሕጊ ፍጹም-ሕጊ -  perfect law, ንሱ   ድማ፡  ሕጊ-ሓርነት..that gives freedom  ኣጸቢቑ ዚጥምትን ዚጸንዕን፡  ግብሪ ዝገብር እምበር፡  ዘይርስዕ ሰማዒ  ግና፡   እዚ፡  ብግብሩ  ብጹእ   ኪኸውን  እዩ   -  ያእ.1፡23-25,  መዝ.19፡7፡፡

    

ካብዚ ዂሉ ጽሑፋት ከም እንርድኦ፥ እቲ ንምድሓን ሰብ ዝኸውን ብኣምላኽ  እተሓተተ  ወይ  እተደልየ  ዘበለ  ኲሉ፡ እብ.7፡26-28, ብብቕዓትን  ብምልኣትን ብዘይገለ ጉድለት  ክርስቶስ  ከምዝፈጸሞ'ሞ ብምኽንያቱ ንሕና ፍጹማት ከምዝዀና  እምበር፡  የሱስ  ጐደሎ  ኔርዎስ  ድሓር  ፍጹም  ከምዝዀነ ኣይኰነን፡፡