18
Thu, Apr
0 New Articles

ሓምሳ ምልክታት ፈሪሳውያን

Message 3
Typography

ኣብ ወንጌላት ከም እንረኽቦ የሱስ ብዛዕባ ኣብ ህይወት ደቀመዛሙርቱ ኪህልዉ ዘይግበኦም ሰለስተ ዓይነት ማይ ብሑቚ ኣመልኪቱ ብጽንኵር ከም ዘጠንቀቀ ነንብብ።

ናይ ሄሮዶስ ማይ ብሑቚ (ማር 8፡15) /ናይ ሰዱቃውያን ማይ ብሑቚ (ማቴ 16፡6) /ናይ ፈሪሳውያን ማይ ብሑቚ (ማቴ 16፡6) /እዚኣቶም ሰለስተ ዓይነት ክርስትያናት ይውክሉ ወይ የመልክቱ። 

ናይ ሄሮዶስ ማይ ብሑቚ ዓለማዊነት እዩ። ኣብ ማርቆስ 6፡20 ከም እነንብቦ፡ ሄሮዶስ ንዮሃንስ መጥምቅ ጽን ይብሎ ወይ ድማ ብስብከቱ ይሕጎስ ከም ዚነበረ ንርዳእ። ድሕሪ ክልተ ጥቅሲ ግና ናይ ሰሎሜ (ጓል ሄሮድያዳ) ሳዕሳዒት (ዳንሲ) ምርኣይ ድማ ባህ ይብሎ ከም ዚነበረ ንርዳእ። ምናልባት ንስጋዊ ስሚዕት ሰሓቢ ዚዀነ ክዳን ተኸዲና ትስዕስዕ ትነብር።

ሎሚ ከምዚ ዚዓይነቶም ክርስትያናት መሊኦም እዮም። ሰንበት ንጉሆ ንዝስበኽ ሓያል መልእኽቲ ኪሰምዑ ከለዉ ደስ ይብሎም። ንምሸቱ ድማ እተፈላለየ ናይ ዓለም ፊሊም ብምምልካት ባህ ይብሎም።ሄሮዶስ ንዮሃንስ መጥምቅ ጽን ይብሎ ወይ ድማ ብስብከቱ ዝሕጎስ ዚነበረ ዮሃንስ ከምቶም ፈሪሳውያን ዘይኰነስ ዚነድድ ሰባኺ ስለ ዚነበረ እዩ።ብመንፈስ ተቃጺሉ ንዝሰብኽ ነቢይ ትሰምዕ ኢኻ ማለት ግና ንስኻውን ከምኡ ኢኻ ማለት ኣይኰነን።

መብዛሕትኡ ጊዜ ዓለማውያን (ብዓለማዊነት ጥቁዓት ዚዀኑ) ክርስትያናት ከም ፈሪሳውያን ግቡዛት ኣይኰኑን። ነቲ በቲ ዓለማዊ ምዝንጋዓት ደስ እዩ ዚብሎም ነዚ ሓቂዚ ድማ ኣይሓብኡዎን።

ማይ ብሑቚ ሰዱቃውያን ናይ ሓሶት ዶክትሪን እዩ። እቲ እምነቶም ግልጺን ንጹርን እዩ። ብመላእኽቲ፣ ብትእምርቲ፣ ብትንሳኤ ወይ ከኣ ብመናፍስቲ ኣይኣምኑን። ሎሚውን ልክዕ ከምኦም ዚበሉ ክርስትያናት ኣለዉ። እዚኣቶም ግድፈታውያን (Cessationists) ተባሂሎም ይጽውዑ። እዚኣቶም ኣምላኽ ሎሚ ተኣምራት ከም ዚገብር፣ እቶም ልዕሊ ተፈጥሮኣዊ ዚዀኑ ውህበታት መንፈስ ቅዱስ ኣብቶም ኣመንቲ ከም ዚዓዩ ኣይኣምኑን።

ናይ ፈሪሳውያን ማይ በሑቚ ብቀዳምነት ግብዝና እዩ። ብዶክትሪኖም ኣዚዮም ኣኽረርቲ፡ ብደጊኦም ድማ ጻድቃን እዮም። በዘን ክልተ ነገራት እዚኤን የሱስ ጽቡቅ ገይሩ ገሊጽዎም ኣሎ፡(ማቴ.23፡3፣25)። ዕሽር ይኸፍሉ፣ብቀጻሊ ይጾሙን ይጽልዩን፣ ነቲ ደጋዊ ትዛዛት እቲ ሕጊ ጽቡቅ ገይሮም ይሕልዉ፣ ኣብ ናይ ምስዮን ዕዮውን ይሳተፉ ወይ ይጽመዱ። ሎሚውን ልክዕ ነዚ ዅሉ ዚገብሩዎ ክርስትያናት ኣለዉ ግናኸ ልክዕ ከምቶም ፈሪሳውያን እዮም።

ገለ ገለ ክርስትያናት እውን ናይ ሰለስቲኡ ሕውስዋስ ኪህልዎም ይኽእል እዩ። ኣብ ላዕሊ ከም እንሪኦ ናይ የሱስ እቲ ዚዓበየ ግጭት ምስ ሰዓብቲ ሄሮዶስ ወይ ድማ ምስ ሰዱቃውያን እዩ ኪኸውን ዚግባእ ነይሩ። እቲ ሓቂ ግና ከምኡ ኣይኰነን። ናይ የሱስ እቲ ዚዓበየ ግጭት ምስቶም ሰበኽቲ ቅድስና ኣኽረርቲ ፈሪሳውያን እዩ ነይሩ። እቶም ንየሱስ ንኪሰቅልዎ ብብርቱዕ ጭካነ ምኽሮም ዚቆረጹ ድማ ንሳቶም እዮም።

ሎሚ ኣብ ምድረ-ክርስትና ሰዱቃውያንን ሄሮዶሳውያን ከም ፈሪሳውያን ሓደገኛታት ኣይኰኑን። ሎሚ ሓደ ሄሮዶሳዊ ናብ ሲኦል ይኸይድ እንተሎ፡ ንካልኦት ኬጋጊ ኣይክእልን፡ ምኽንያቱ ንሱ ሓደ ዓለማዊ ሰብ ከም ዚዀነ ንዅሉ ሰብ ርዱእ ስለ ዚዀነ። እቶም ክልስ ሓሳባዊ ዚዀኑ ሰዱቃውያን ብዛዕባ ዚምልከትውን ኪጋገ ዚኽል ሰብ ኣሎ ኪባሃል ዝከኣል ኣይኰነን። ምክንያቱ ድማ መንፈሳዊ እየ ኪብል ዚኽእል ግናኸኣ ብተኣምራት ዘይኣምን ፡ ዋላውን ብትንሳኤ ምውታት ዘይሕሰብ እዩ።

ከምቲ ኣብ ጊዜ የሱስ ዚነበረ እቲ ኣዚዩ ሓደገኛ ሰብ ኣብዛ ሕጂ ዘላ ምድረ-ክረስትና፡እቲ ኵሉ ዶክትሪኑ ቅኑዕ ዚዀነ ቅድስና ድማ ዚሰብኽ ፈሪሳዊ እዩ። ሰባኺ ቅድስና እኳ እንተዀነ እቲ ቅድስንኡ ካብ ብሕግን ስርዓታትን ዚመንጨወ ስርዓታዊ ቅስና እዩ። እቲ "ጽድቁውን" ናይ መንፈስ ቅዱስ ሓጐስን ሰላምን ዚጐደሎ እዩ። (ሮሜ 14፡17) እዚ ከምዚ ዓይነት ሰብ ሓደገኛ እዩ፡ ምኽንያቱ ንክርስትያናት ናብ ናይ ሓሶት ቅድስና ኬስሕት ስለ ዚኽእል።

እምባኣር ናይ ፈሪሳውያን ባህሪያት ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ብዛዕባ ባህሪያት ናይ ሄሮዶስ ተኸተልትን ሰዱቃውያንን ብጀካ እተን ኣብ ላዕሊ ዚጠቀስናየን ብዙሕ ኣይተጻሕፈን። ብዛዕባ ፈሪሳውያን ግና ኣብ ወንጌላት ብዙሕ እዩ ተጻሒፉ። እዚ ኸኣ ኣምላኽ ብዛዕባ ባህሪያቶም ኪንፈልጥ ስለ ዝደለየ ኪኸውን ኣለዎ።

ኣኽራሪ ዚዀነ ዶክትሪን ዘለዎም፣ ደድሕሪ ቅድስና ድማ ዚስዕቡ ኣመንቲ ኵሎም ፈሪሳዊ ኣብ ናይ ምዃን ሓደጋ ዘለዉ እዮም፡ ዋላውን ከይተረደኦም ማለት እዩ። ንሕና ኵላህና ኣብዛ ምድብ እዚኣ ስለ ዘለና ነዚ መጽናዕቲ እዚ ብዓሚቊ ትሕትና ኪንቀርቦ ኢና።

ኣብዚ ወንጌላት ዝረኸብኩዎም ብውሕዱ ሓሙሳ (50) ዚዀኑ ባህሪያት ፈሪሳውያን ኣለዉ። ሓንቲ ካብኤን ንኣና ትምልከት እንተድኣ ኰይና ዋላ እቶም 49 ባህሪያት ኣይሃሉውና ንሕና ፈሪሳውያን ኢና።

እዚ ዝርዝር እዚ ኩሉ ዘጠቃለለ እዩ ማለት ኣይኰነን። ኣብ ህይወትካ እንተዳኣ ተመልኪትካ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይተጠቅሱ ካልኦት ባህሪያት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

መንፈስ ፈሪሳዊነት ምሉእ ብምሉእ ንመንፈስ ክርስቶስ ዚጻረር እዩ። ከምኡ ስለ ዚዀነ እዚ እንዛረበሉ ዘሎና ጉዳይ ኣዚዩ ጽንኵር እዩ። ከምቲ ክንዲቲ ኣዚዩ ዚነኣሰ ባእታ ወይ ኣቶም (atom) ዚኣክል መንፈስ ሲኦል ኪህልወና ዘይንደሊ ኵሉ ፡ ልክዕ ከምኡ ድማ ክንዲቲ ኣዚዩ ዚነኣሰ ባእታ ወይ ኣቶም (atom) ዚኣክል መንፈስ ፈሪሳዊ ኪህልወና ኣይግባእን።

ናይ ኣምላኽ በረኸት ኣባና ከም ዘሎ እቲ ቀዳማይ ምልክቱ መንፈስ ቅዱስ ብዛዕባ ገዛእ-ርእስና ዝህበና ብርሃን እዩ።

ኣብቲ ገና ንክርስቶስ ዘይመሰለ መዳይ ህይወትና ብቀጻሊ ብርሃን ዘይንቅበል እንተዳኣ ኰይና ከም ሓቂ እዚ ብኣምላኽ ንባረኸ ከም ዘየለና እዩ ዘርኢ። ጥዕናን ሃብትን ምልክት በረኸት ኣምላኽ ኣይኰኑን ምኽንያቱ ብዙሓት ዘይኣመንቲ እዚ ኣለዎም፡ ዋላውን ዚያዳ ካብ መብዛሕትኦም ኣመንቲ።

ኣምላኽ እቲ ገና ንክርስቶስ ዘይመሰለ መዳይ ህይወትና ኬርእየና ከሎ ንሱ ንሕና ካብቲ ነገር እቲ ርእስና ከነንጽህ፣ ተኻፈልቲ ኣምላኻዊ ባሪኡ ድማ ክንከውን ስለ ዚደሊ እዩ (2ይ ቈረንቶስ 7፡1) ። ከምኡ ምስ እንገብር ናይ ግሊ ህይወትና፣ ህይወት ስድራናን ህይወት እታ ማሕበርን ኣዚዩ ዝበርሀ ይኸውን። ከምኡውን ካብ ሕጋዊነት(እስራት-ስርዓታዊነት) ነጻ ንኸውን፡ ሽዑ ጥራይ ኢና ድማ ኣብ ሰማያት ከም ንስሪ ክንበርር እንኽእል። ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ "ፈሪሳዊነት" ኪንሪኦ እንተዳኣ ዘይክኢልና ብምድሪ እተኣስሩ ስባት ኰይና ኢና እንተርፍ።ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ብርሃን ምእንቲ ክህልወና ኢሉ እዩ ቃሉ ዝህበና። ኣብ ካልኦት ፈሪሳዊነት ንኽንሪኤሉ ኢሉ ኣይኰነን። ኣብ ገዛእ-ርእስና ፈሪሳዊነት ምስ ረኣና ርእስናውን ካብኡ ምስ ኣንጻህና ጥራይ ኢና ንኣምላኽ ኣብ ዕይኡ እንጠቅም ሰባት ክንከውን እንኽእል።:፡

ቀዳማይ ባህሪ (CHARACTERISTIC 1)

ፈሪሳውያን ምስ ካልኦት ናይ ኣምላኽ ሰባት ብዘለዎም ርክብ ወይ ዝምድና ይኽበሩ።

"ብልብኹም፡ ኣብርሃም ኣቦ ኣሎና፡ ከም እትብሉ ኣይምሰልኩም። ንኣብርሃምሲ ኻብዚ ኣእማን እዚ ውሉድ ኬተንስኣሉ፡ ንኣምላኽ ከም ዚከኣሎ፡ እብለኩም ኣሎኹ።"(ማቴ.3:9).

ሓደ ፈሪሳዊ ንሱ ባዕሉ መንፈሳዊ ሰብ ከም ዘይኰነ ማለት ንኣምላኽ ከም ዘይመስል ይፈልጥ እዩ። ስለዚ ከኣ ከም ናይ ኣምላኽ ሰብ ጽቡቅ ምስክርነት ወይ ጽቡቅ ስም ምስዘለዎ ሓደ "ሓው X" ተባሂሉ ዚጽዋዕ ሰብ ኪዛመድ ይደልን ይጽዕርን። እቲ ፈሪሳዊ ከምዚ ዚገብረሉ ምኽንያት ብዝምድና ንዝዀነ መንፈሳዊነት ክሌም (claim) ክገብር ማለት መንፈሳዊ ንምሳል ዚጥቀመሉ ሜላ እዩ።

ሎሚ ኣባላት ናይ ሓንቲ ጽቡቅ ምስክርነት ብዘለዎ መራሒ እትምራሕ ማሕበር ብምዃኖም ዚኽበሩ ብዙሓት ስጋውያን ክርስትያናት ኣለዉ ። ዋላ እኳ እቲ ንሳቶም ገዛእ-ርእሶም ዘለዎም ቅድስና ዜሮ እንተ ዀነ በቲ ብኣባልነት ዘለዎም ስም እናተኸበሩ ይነብሩ።

ፈሪሳውያን እምባኣር ብኸምዚ እዮም ምስቶም ናይ ኣምላኽ ሰባት ተሓዋዊሶም ዝነብሩ። ቅዱሳት(ማለት ብደጊኦም) ምዃኖም ድማ ኣይንዘንግዓዮ።

ናይ ሓንቲ ኣዚያ ጽቡቅ ስም ዘለዋ ማሕበር ኣባል ክትከውን ይከኣል እዩ፡ ግና ኸኣ ናይ ከምዚ ዓይነት ማሕበር ኣባል ክነስኻ ፡ ዘይተነሳሕካሉ ሓጢኣት ኣብ ህይወትካ እንተሎ፣ ወይ ድማ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ቅም እንተለካ ናብ ሲኦል ክትከይድ ይከኣል እዩ።ንስኻ ኣባል ናይዛ ጽቡቅ ስም ዘለዋ ማሕበር ስለ ዚዀንካስ ኣምላኽ ነቲ ኵሉ ሕሜታኻ፣ ክፉእ ዘረባኻ፣ ኪሓድጎን ዕሽሽ ኪብሎን እዩ ኢልካ ትሓስብ እንተድኣ ሃሊኻ ስሒትካ ኣለኻ። ኣብታ ዓባይ መዓልቲ ፍርዲ ዘይተጸበኻዮ ነገር ከይገጥመካ ፍራህ። ምናልባት ሓደ እዋን ድሒንካ ነርካ ትኸውን። ሎሚ ግን ጠፊኢካ ኣለኻ። ስለዚ ኸኣ ምስቶም ናይ ኣምላኽ ሰባት ብዘለካ ዝምድና ኣይትከበር!

(ትርጉም፡ ካብ FIFTY MARKS OF PHARISEES BY ZAC POONEN)

ይቅጽል ! ! !