19
Fri, Apr
0 New Articles

እንሆ እቲ መርዓዊ ይመጽእ ኣሎ

Message 3
Typography

ሓደ ግዜ ብዛዕባ ምጻት ጎይታና የሱሱ ክርስቶስን መወዳእታ ዓለምን ምስ ገለ ሰባት  ንዘራረብ ነበርና፣ ሓደ ካብቶም ምሳና ዝነበሩ ሰበታ ምጻት ምጻት ካብ ዝብሃል ክንደይ ጌሩ ኣሎ ምጻት ደቂ ሰባት መታን ካብ ክፍኣት ክርሕቑ ተባሂሉ ብበላሕቲ ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ዝተማህዘ እንበር ምጻት ዝበሃል የለን፣ ሰብ ይውለድ ይመወት በቃ ክብል ሓሳቡ ገለጸ፣ ሓንቲ ኸኣ ምጻትን መወዳእታ ዓለምንሲ ኣሎ እዩ፣ ግና ከምቲ ምስላ ኣበዉ “እንተ ብዃሌፋ መን ከይሓልፋ እንተ ብምሕረቱ ኩላትና ንኣቱ ዝብሃል ኣምላኽ መዓስ ጨካን ኮይኑ ንኹላትና ዝፈርደና በለት፣ ካልእ ኣብ መንጎና ዝነበረ ሰብ ከኣ ንስኻትኩም ምጻትን መወዳእታ ዓለምን ክትብሉ ኣይትሕመሙ፣ ንዓይ መንግስተሰማይ ኣብዛ ምድሪ እዩ፣ ኣብዛ ምድሪ እንተ ተሓጊሰ ድላየይ እንተ ረኺበ ካብዚ ንላዕሊ ኣምላኽ እንታይ ክህበኒ ትደልዩ ብምባል ንሱ እውን ሓሳቡ ወስ ኣበለ፣

እዚ ዓይነት ርኢቶታት እዚ ኣብ ዝበዝሔ ክፋል ሕብረተሰብ ዝሎ ሪኢቶታት እዩ፣ ግና መጽሓፍ ቁዱስ ብዛዕባ ምጻት የሱሱ ክርስቶስ እንታይ እዩ ዝብል? ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ፣ ፍቕሪ ስለ ዝኾነ ኸኣ እዩ ሰባት ክጥፈኡ ስለ ዘይደለየ ንወዱ መድሓኒ የሱሱ ክርስቶስ በጃ ሰባት ክኸውን ዝወፈየ፣ ነቲ ንምድሓን ደቂ ሰባት ኣብ ምድሪ ምስ ፈጸመ ኸኣ ናብ ሰማይ ዓሪጉ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ክዛርብ ከሎ “እዚ ምስ በለ ድማ እናረኣይዎ ዐረገ ካብ ኣዒንቶም ከኣ ደበና ተቐበለቶ፣ ንሱ ኺዐርግ ከሎ ንሳቶም ከኣ ናብ ሰማይ ገጾም ኪጥምቱ ኸለዉ ኣንሆ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ኣተኸድኑ ኽልተ ሰብኡት ኣብ ጥቃኦም ደው ኢሎም ነበሩ እሞ ኣቱም ሰብ ገሊላ ስለምንታይ ናብ ሰማይ እናጠመትኩም ደው ኢልኩም ዘለኹም እዚ ካባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዐረገ የሱሱ ከምቲ ናብ ስማይ ኪዐርግ ከሎ ዝርኤኹምዎ ኸምኡ ገይሩ ኸኣ ኪመጽእ እዩ በሎም’” ግብሪ 1።1-4

ስለዚ ምጻት መድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ንሕና ብምእማና ዝፍጸም ንሕና ብዘይምእማና ኸኣ ዝተርፍ ዘይኮነስ ርግጽነት ዘለዎ ጉዳይ እዩ፣ መድሓኒ ካብ ድንግል ማርያም ተወሊዱ ንድሕነት ፉጡራት ክመጽእ ከሎ ብፍቕሪ እዩ ኔር ሕጂ ግና ምጻት ወዲ ኣምላኽ መድሓኒ የሱስ ክርስቶስ ብፍርድን ብጽድቅን እዩ ክመጽእ፣ ኣብ ራእይ የውሃንስ 1።7 ክዛረበና ኸሎ “እንሆ ብደበና ይመጽእ ኣሎ ኩለን ኣዒንትን እቶም ዝወግእዎን ከኣ ኪርእይዎ እዮም ብዘለዉ ዓሌታት ምድሪውን ኪበኽዩሉ እዮም እወ ኣሜን'፣ ነዚ ጥቕሲ እዚ ኣዚዮም ሒደት ሰባት እዮም ዝኣምንዎ፣ ኣቓልቦ ዝህብዎ ኸኣ ብዙሓት ኣይከኑን፣ ቡዙሓት እውን ኣብ ልዕሊ እቶም ምጻት መድሓኒ ዝኣምኑ ዘባት ዘርእይዎ ላግጽን ሳሕቕን ቡዙሕ እዩ፣ ይኹን እምበር እዚ ተስፋ እዚ ኣምላኻዊ እዩ ብክርስቶስ ዝጸነዓ ብመልኣኽቲ ዝተመስከረ ብነብያት ከኣ ሓቅነቱ ዝተረጋገጸ ጽኑዕ ዘይነቓነቕ ሓቂ እዩ፣ ምጻት ወዲ ኣምላኽ የሱስ ዘይምእማን ንኣእምሮኻ ምትዕሽሻው እዩ፣

ብኽብርን ብስልጣንን ተዓጂቡ ክመጽእ እዩ “ጎይታ ባዕሉ ብናይ ትእዛዝ ጭድርታን ብድምጺ ሊቀ መልኣኽትን ብመልኣኽት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ኪወርድ እዩ” ተስ 4።16 ወሲኹ ከኣ ቃል ኣምላኽ ኣብ ራእይ ዮሃንስ ከምዚ ይብል “ እንሆ ብደበና ይመጽእ ኣሎ ኩለን ኣዒንትን እቶም ዝወጋዎን ከኣ ክኢርእይዎ እዮም  ይብለና፣ እዚ ኩሉ ምጻት መድሓኒና ጎይታና የሱሱ ክርስቶስ ዘረጋግጽ መልእክታት ወይ ጹሑፋት እዩ፣ ብዙሓት ዘይኣምንትን ኣብ ዓለም ኰይኖም ብኽልተ ኣእጋሮም ዝመላለሱ ኣመንቲ ኢና በሃልቲ ነዚ ቓል ሓቂ እዚ ክቕበልዎ ይኸብዶም እዩ፣ ይኹን እምበር ብምጻት መድሓኒና የሱሱ ክርስቶስ ከምቲ ኣብ ትንቢተ ኢሰያስ ምዕራፍ 2።17 ትዕቢት ሰብ ኪዋረድ ኩርዓት ሰባት ድማ ኪሓስር እዩ በታ መዓልቲ እታ እግዚኣብሄር በይኑ ልዕል ክብል እዩ እሞ። ነዚ ዝኸውን ገና ከይከኖ ኸሎ ሎሚ ልብና ኣንጽህና ንምጻት መድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ምጽባይና ኣይነቃርጽ፣

ምጻት መድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ከምቲ ብዙሓት ዝብልዎ ዘየለ ወይ ዝድንጉይ ኣይኮነን ነዚ ኸኣ እዩ ሃዋርያ ጲጥሮስ ነዚ ከምዚ ዝብል ኣቛም ዘለዎም ሰባት ከምዚ ኢሉ ዝጸሓፈሎም “ንሳቶም ከኣ ተስፋ ምጽኣቱ ደኣ ኣበይ ኣሎ ካባታ ኣቦታትና ዚደቀሱላ መዓልቲ ካብ መጀምርታ ፍጥረት ሒዙ ኹሉ ኸምቲ ዝነበሮ እዩ ዘሎ ኪብሉ እዮም፣ ሰማያት ካብ ጥንቲ ብቓል ኣምላኽ ከም ዝነበረ ምድሪውን ካብ ማይ ብማይን ምዃና ነዚ ፈትዮም ይርስዕዎ ኣለዎ፣.. ግናኸ ኣቱም ፍቁራተይ ኣብ እግዚኣብሄር ሓንቲ መዓልቲ ኸም ሽሕ ዓመት ሽሕ ዓመትውን ከም ሓንቲ መዓልቲ ምኻኑ እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ ኣይትሰወርኩም፣ ጎይታስ ኩላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር ሓደ እኳ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ  ምእንታኻትኩም ይዕገስ ኣሎ እምበር ከምቲ ንገሊኣቶም ዚድንጒ ዚመስሎም  ንተስፍኡ ኣይድንግዮን እዩ” 2ጴጥሮስ 3።1-9፣ 

ኩቡራት ሰማዕትና እቲ ግዜ እንተሪኢናዮ እውን እኰ ኣንፈቱ ኩሉ ናብኡ ገጹ እዩ ዝኸይድ ዘሎ፣ እቲ ቑዱስ ጹሑፍ ዝብሎ ድራጋ ዝብዝሕ እንሆ ተፈጺሙን ይፍጸምን ኣሎ፣ ነዚ እንዳርኣናን እንዳሰማዕናን ስቕ ኢልና ካብ መንገዲ ኣምላኽ መንገድና ምምራጽና ግና ዳሕራይ ጣዕሳን ምሕርቃም ኣስናን እዩ ዝኸውን፣ እቲ መርዓዊ የሱስ ነታ ኣባዛ ምድሪ ዘላ ብቕድስና ትመላለስ መርዓቱ ክወስዳ ቅድሚ ምምጽኡ ንኹሉ ፍጡር ወዲ ኣዳም ይዕድሞ ኣሎ፣ ነዚ ዕድመ ምቕባልን ምስማዕና ግና ሓለፍነትና እዩ፣

ምጻት ወዲ ሰብ በቲ ንሕና ዝመስለናን ዝተጸበናዮን መንገዲ ዘይኮነስ ከም ሰራቒ ኮይኑ እዩ ዝመጽእ፣ ነዚ ባዕሉ እቲ ዝመጽእ መድሓኒ ዓለም ኣርጋጊጽዎ ኣሎ፣ ከምዚ ኸኣ ይብል “ስለዚ ጐይታ በየነይቲ ሰዓት ከም ዝመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ ንቕሑ ግናኸ ፍለጡ ብዓል ቤት ነታ ሰራቒ ዚመጸላ ጊዜ እንተ ዚፈልጣስ ምነቕሔ ቤቱ ኽትኰዐት ከላውን ስቕ ኣይምበለን፣ ስለዚ ወዲ ሰብ ብዘይሓሰብክምዎ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ ንስኻትኩም ድማ እተዳሎኹም ኩኑ” ማቴ 24።42-44 ደጊምና  ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ተስሎንቂ ዝብለም እስከ ንርኣዮ “ግናኸ ኣሓዋተይ እታ መዓልቲ ጐይታ ኸም ሰራቒ ኸይና ብለይቲ ኸም እትመጽእ ባዕላትኩም ኣርጊጽኩም ትፈልጡ ኢኹም እሞ ብናይ ዘመናትን ጊዚያታትን ክንጽሕፈልኩምሲ ኣይድልየኩምን እዩ፣ ሰላምን ደሓንን እዩ ኺብሉ ኸለዉ ጥፍኣት ብድንገት ይመጾም ከቶውን ኣይከምልጡን  እዮም” 1ተሰ 5 ።1-3፣

ቡሩኻት ኣሕዋተይን ኣሓተይን እዚ ኹሉ ዘምጻኽዎ ጥቕስታት ሓቅነቱ ንምርግጋጽ ስለ ዝደለኹ እየ፣ ኣብዛ ምድሪ ምንባርና ምብላዕና ምስታይና ምውጻና ምእታውና ምእካብና ምጥራይና ንምጻት መድሓኒ የሱሱ ክርስቶስ ዘየዳልዎና እንተ ኾይኑ እንታይ ይዓብስ? እንታይ ከኣ ፋይዳ ኣለዎ? ኣብዛ ምድሪ ዘለና ኹሉ ናትና ኣይኮነን ሓንቲ መዓልቲ ክንገድፎ ኢና ግና ከኣ ኣብዚ ሓላፊ ኣዋን ንዘይሓልፍ ጽውዓ ገዛእ ርእስና እንተ ነዳልዋ ኣዚይ ምበለጸልናን ምጠዓመልናን ኔሩ፣

 ምጻት ወዲ ኣምላኽ ከም ዝቐረበ ብኸመይ ንፈልጥ? ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ክንፈልጥ ናብ ማቴዎስ 24 ክንመለስ ኢና ከምኡ ኸኣ ካልኦት ጹሑፋት ክንድህስስ ኢና፣ ደቂ መዛሙርቲ የሱሱ ብዛዕባ ምጻቱ መዓስ ከም ዝኸውን ክሓትዎ ከሎዉ ከምዚ ክብል እዩ መሊስሎም “ኣነ ክርስቶስ እየ እናበሉ ቡዙሓት ብስመይ ኪመጽኹም እዮም ንቡዙሓት እውን ኬስሕቱ እዮም ጥቕሲ 5 እዞም ከምዚኣቶም ዝብሉ ሰባት ኣብ ዓለም ተራእዮም ሕጂ እውን ብግህዶ ይረኣዩ ኣለዉ፣ እዞም ሰባት እዚኣቶም ቦታ ክርስቶስ ዝሕዙ ንኽብሪ ክርስቶስ ዘነኣእሱ ሓሰውቲ ነብያት እዮም፣ ብፍላይ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ምዕራባውያን እዚ ጉዳይ እዚ ግሁድ እዩ፣ ናይ ኒው ኤጅ ሙቭመንት ወይ ከኣ ናይ ሓድሽ ዘመን ምንቅስቓስ ዝብል እምነት ነዚ ጉዳይ እዚ የቃላጥፍዎ ኣለዎ፣ ኣብዘን ዓጸርቲ ዓመታትና እኳ ኣብ ማዕከናት ዜና ኣነ ክርስቶስ እየ ዝብል ከም ዝተስኡ ብዓይንና ሪኢና ኣሎና፣

ካልእ ክርስቶስ ዝበሎውም ከኣ ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም… ህዝቢ ናብ ህዝቢ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዐል እዩ፣ ኣብ በቦትኡ ድማ ጥሜትን ፌርና ምንቅጥቓጥ ምድርን ኪኸውን እዩ” ጥቕሲ 6-7 ኣብዚ እዋን እዚ ካብ ብዝሒ ውግእን ወረውግእን ዝተላዕለ ዳርጋ ከም ተራ ነገር እንወስደሉ ግዜ ኣሎ  ኣብዘን ዝሓለፋ 100 ዓመታት ጥራይ እኳ ንቐዳማይን ካልኣይን ውግእ ዓለም ወሲኽኻ ብኣሽሓት ዝቑጸር ውግኣት ተጌሩ ኣሎ፣

ካልእ የሱሱ ዝብሎ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ክኸውን እዩ፣ ብዛዕባ ምንቕጥቓጥ ምድሪ እንተ ወሓደ ኣብ ወርሒ ሓደ ግዜ ክንስምዕ ኣሎና፣ ኣብ ኢራን ራሻ ጃፓን ሜክሲኮን ካልእን ዘጋጠመ እኳ ምስክር እዩ፣ ፌራ ክኸውን እዩ ኢሉ መድሓኒና ኩቡራት ሰማዕቲ ኣይከውንን ድዩ ዘሎ? እኒ ኤይድስን ኢፖላን ካልእን እንታይ ድዩ?

ካልእ ከኣ መድሓኒና የሱሱ ክርስቶስ እንታይ እዩ ዝበለ ።ሽዑ ንመከራ ኣሕሊፎም ኪህብኹም ኪቐትልኹም እዮም፣ ብዛዕባ ስመይ ከኣ ኣብ ኩሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኮኑ ሽዑ ብዙሓት ኪዕንቀፉ። ንሓድሕድሞውን ኪጻላልኡ እዮም” እዚ ሓቂ እዚ ሩሑቕ ከይከድና ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ኩውን ነገር እዩ፣ ብዙሓት ብሰንኪ ሰዓብቲ ክርስቶስ ምኻኖም ዝወርዶም ዘሎ ኣደራዕን ስቓይን ብዙሕ እዩ እዚ ኸኣ ምልኽት ምጻት ወዲ ኣምላኽ እዩ፣

 ብዙሓት ነብያት ሓሶት ከኣ ክትንስኡ እዩ ይብል መድሓኒ፣ ኣብዝ ሰዓት እዚ ኣንጻር ቃል ኣምላኽን ምህሮ መድሓኒናን የሱሱ ክርስቶስ ሒዚሞ ዝተንስኡ እሞ ኸኣ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰዓብቲ ዘጥረዩ ሰባት ቑጽሮም መዓልታዊ እንበዘሓ ይኸይድ ኣሎ፣ እቲ ቑጽሪ ቡዙሕ ስለ ዝኾነ ንዓና ከማን ክንዝርዝሮ ከሸግረና እዩ፣

ቡርኽ መድሓኒ ቐጺሉ ዓመጻ ዝለ ዝበዝሔ ድማ ናይ ቡዙሓት ፍቕሪ ክትዝሕል እያ ነዛ ቓል እዚኣ ምትንታና እኳ ኣይድልን እዩ ከመይሲ ኣብቲ መዓልታዊ ንጥፈታትና ንዕዘባ ኣሎና፣ ስባት ብዓሌትን ጥቕምን ካልእን ካብ ቀደም ብዝዓዘዘ ዝተኸፋፈልሉ ካብ ሓወይ ንዓይ ዝዓብለለሉ ዘመን እዩ፣ ቀጽሉ መድሓኒ የሱስ ክርስቶስ “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ ሽዑ መወዳእታ ዓለም ይመጽእ ይብል፣ ኣብዚ እዋን እዚ ወንጌል መድሓኒ የሱሱ ክርስቶስ ብዝተፈላለየ ኣገባብን መልክዕን ዳራጋ ናብ ኩሉ ዓሌት ከም ሮኬት ይሕንበብ ኣሎ፣ እንኖ እቲ ዘይበጽሖ ክፍል ዓለምን እኳ ብወንጌል የዕልቕልቕ ኣሎ፣ እዚ ኹሉ እምበኣር እዩ ምልክት ምጻት ወዲ ኣምላኽ ካብዚ ዝዓቢ መረጋገጺ ኸኣ ምንም የሎን፣

ምጽኣት መድሓኒና የሱሱ ክርስቶስ ኣሜንን እሙንን ሩጉጽን ካብ ካብ ኮነ እምበኣር ኣነን ንስኻትኩምን  ክንገብሮ ዝግብኣና ሓደ ሓላፍነት ኣሎ እዩ፣ ንሱ ኸኣ ዓለማዊ ትምኒት ሓዲግና ካብ ርኽሰት ሪሕቕና ንጽድቂ ገዛእ ርእስና ደርብይና ናብቲ መፍቀሪ መድሓኒ ዓለም ክርስቶስ የሱሱ ምምጻእ እዩ፣ ሕጅን ካብኩሉ ኸኣ ዳሕራይ ክጥዕመልናን ክጽብቐልናን ሎሚ ግዜ ኸሎ ምድሪ ኸኣ ከይመሰየ ኣብዚ ናይ መወዳእታ ዘመን ልብና ንመፍቀሪ መድሓኒ የሱሱ ንኽፈተሉ፣ ደጊም እዚ ኹሉ ዚፈላለ ኻብ ኰነ ስሊኡ ሰማያት ብሓዊ መኺኹ ዚፈላለይሉ ፍጥረት ሰማይ ከኣ ብረስኒ ዚመከሉ ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ እናተጸቤኹምዎን እናኣቐልጠፍኩምዎን ብቑድስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄር ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ እዩ ዚግብኣኩም፣ ንሕና ግና ከምቲ ተስፋኡ ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማይትን ሓድሽ ምድርን ንጽበ ኣሎና፣ እሜን