20
Sat, Apr
0 New Articles

ኩሉ ሳዕ ዓወት

Message 3
Typography

መእተዊ 
1ይ ቆረ 15፡57 ግናኸ ነቲ ብጎይታና የሱስ ክርስቶስ ጌሩ ዓወት ዝህበና ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ!
2ይ ቆረ 2፡14 ግናኸ ነቲ ብክርስቶስ ኩሉ ሳዕ ናብ ዓወት ዝመርሓና….ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ፡፡ 


ኣብዘን ክልተ ዝተጠቕሳ ጥቕስታት ዕንቅፋት ወይ ከኣ ማዕበል ወይ ተቓዋሚ ከም ዘሎ ይሕብረና፡፡ ይኹን እምበር እዚኣኦም ከለዉ እግዚኣብሄር ብክርስቶስ ናብ ዓወት ክንበጽሕ መዲቡና እዩ፡፡ እዚ ድማ ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ሓደ ሓደ ግዜ ዘይኮነ ንኹሉ ጊዜ እዩ፡፡  ናይዚ ትምህርቲ ዓላማ ድማ ኣብ መንጎ ተቓወምቲ ማዕበል ብክርስቶስ የሱስ ዓወት ከም ተዳለወና ንምሕባር እዩ፡፡ ሓደ እኻ ብሓዊ ዝመስል ይሓልፍ እንተ ኣሎ መወዳአኡ ዓወት ከም ዝኾነ ይዘክር፡፡ ምኽንያቱ ኣምላኽ ብክርስቶስ ጌሩ ናብ ርጉጽ ዓወት ናብ በረኽቲ ቦታ እዩ መዲቡና፡፡ 


ንሕና ብክርስቶስ ንውድቀት ዘይኮነ ንምትንሳእ፡ ንስዕረት ዘይኮነ ንዓወት ብክርስቶስ የሱስ ዝተፈለና ህዝቢ ኢና፡፡ ናይ ትግርኛ መጽሓፍ ቅዱስ ፈተና ኢሉ ገሊጽዎ ዘሎ በቲ ቀንዲ ትርጉሙ ክልተ ዝተፈላለዩ መስርሓት ሒዙ ኣሎ፡፡ እቲ ቀዳማይ ፈተና መርመራ ዝብል ትርጉም ዘሎዎ ኮይኑ (challenge) ምንጩ ድማ ካብ ኣምላኽ ዝኾነ ክኸውን ከሎ እቲ ካልኣይ ፈተና ተባሂሉ ዘሎ (temptation) ምንጩ ድማ ካብ ሰይጣን እዩ፡፡ ነዚ ድማ ብሰፊሕ ኣብ ዝቅጽል ምዕራፍ ክንርእዩ ኢና፡፡
ምዕራፍ ሓደ መርመራን ፈተናን (Challenge Vs Temptetion) 
ሀ. መርመራ (Challenge) 
መርመራ (Challenge) ካብ ኣምላኽ ንደቁ ንምብርትዖም ኣብ ውሽጢ ልቦም ዘሎ ንምፍታሽ ዝመጽእ እዩ፡፡ 
ነዚ ጉዳይ እዚ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብነታት ካብቶም ቀዳሞት ናይ እምነት ኣቦታት ክንመሃርን ክንርእዮን ንኽእል ኢና፡፡ ቀዳማይ ኣብነት ዝኾነና ኣቦና ኣብርሃም እዩ፡፡ ኣብ ዘፍ 22፡1-2 እግዚኣብሄር መከሮ (Challenge) ገበሮ፡፡ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብርሃም ብኹሉ መዳያት ናይ ሂወቱ ዝተሳኸዓሉ ሰብ እዩ ኔሩ፡፡ ንነዊሕ ጊዜ ዝተጸበዮ ወዱ ኣብ ዘመን እርግናኡ ምንጪ ሓጎሱ እዩ ኔሩ። ስለዚ ድማ ኣምላኽ ኣብ ውሽጢ ልቢ ኣብርሃም ካብኡን ካብ ወዱን መን ቀዳምነት ከም ዝሓዘ ብግብሪ ክርኢ ስለ ዝደለየ ንኣብርሃም ንሓደ ወድኻ ሰውኣለይ በሎ (እግዚኣብሄር ኩሉ ዝፈልጥ ኣምላኽ እዩ ግናኸ ንኣብርሃም እቲ ውሽጢ ልቡ ዘሎ ብግብሩ ከርእዮ ስለ ዝደለየ እምበር ዘይፈልጥ ኮይኑ ኣይኮነን)። ኣብርሃም እዛ ጉዳይ እዚኣ ኣብ ሞንጉኡን ኣብ ሞንጎ ኣምላኹን ምኻኑ ስለ ዝፈልጠ ንሰበይቱ ሳራ እኻ ከየማኸረ መንገዲ ጀመረ፡፡ ኣብ ፍርቂ መገዲ ምስ በጽሑ ድማ እታ ከባድ ሕቶ ካብ ወዲ ይስሃቕ መጸት ኣቦ እቲ ዕንጨይቲ ምሳይ ኣሎ እቲ ሓዊ ድማ ምሳኻ እቲ ናይ መስዋእቲ በጊዕ ደኣ ኣበይ ኣሎ በሎ? እዚኣ ብእምነት ትምለስ ሕቶ ጥራይ ኢያ ኔራ፡ ኣብርሃም ድማ ንወዱ በሎ እቲ ናይ መስዋእቲ በጊዕ እግዚኣብሄር ከዳልዎ እዩ በሎ። እታ ናይ መወዳእታን ከባድን (Challenge) ድማ ኣብቲ ከረን ጫፍ ምስ በጽሑ እያ ኔራ፡፡ መሰውኢ ምስ ኣዕረየ ዕንጨይቲ ረብረበሉ፡ ንወዱ ኣደቀሶ ሽዑ ድማ ካራ ኣልዓለ ካብ ሰማይ ድማ ድምጺ መጸ፡ ኣብርሃም ኣብርሃም ናይ ብሓቂ ከም ትፈትወኒ ሕጂ ፈለጥኩ በሎ።


ካልኣይ ኣብነት ዝኾነና ድማ ዮሴፍ፡ ገና መንእሰይ ከሎ ካብ ኣምላኽ ራኢ ተቐበለ እታ ራኢ ድማ ናብ ግብጺ ኣውረደቶ ኣብኡ ድማ ኣምላኽ ኣብ ልቡ ዘሎ ክሳብ ዝፍትኖ ንኣምላኽ ምፍርሑን ክሳብ ዝምስከረሉ ጸንሐ፡፡ መዝ 105፡16-20, ዘፍ 39፡4 እግዚኣብሄር ድማ ንዕኡ ምፍርሑ ምስ መስከረሉ ድማ ገዛኢ ኣህዛብ ገበሮ።
ስለዚ ነዚ መርመራ ወይ Challenge ዝብል ክንጥቕልሎ እንተ ኮይንና እግዚኣብሄር ኣብ ውሽጢ ልቢ ሰብ ዘሎ ክፍትሽ ንደቑ ብእምነት ንምዕባይ ኣተሓሳስብኦም ንምቕያር ዝጥቀመሉ መስርሕ እዩ። 


ኣገደስቲ ነጥብታት ብዛዕባ ፈተና 
1. ካብ ኣምላኽ እዩ
2. መዓስን ንምንታይን ከም ዝመጽእ ኣቀዲምካ ትፈልጦ ኢኻ
3. ንጥቕምና እዩ ዝመጽእ ዘዳ 8፡11-16
4. ካልኣይ ዕድል ኣሎካ፡ ጻድቕ ሸውዓተ ሳዕ ይወድቕ ሸውዓተ ሳዕ ይትንስእ ዝብሎ ነዚ ናይ ኣምላኽ እዩ እምበር ካብ ሰይጣን ዝመጽእ temptation ኣይኮነን።
5. ኣተሓሳስባኻ ንምቕያርን ቀዳማዊነት (priority) ንምንጻር ይመጽእ
6. ኣብ ውሽጢ ልብኻ ዘሎ ክፍለጥ ይመጽእ፡ ዘዳ 8፡2
7. መንግስቲ ሰይጣን ዘንቀጥቅጥ ናይ እግዚኣብሄር ጀነራል ጊሩ ከውጽኣካ ይመጽእ ናይ እግዚኣብሄር ኮሌጅ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ቅድሚ ብክርስቶስ ዝርከብ ናይ ዓወት ናብራ ምብጽሑ ዘሕልፎ ናይ ምድረብዳ ኮሌጅ ኣሎዎ። እዚኣን ሰለስተ ደረጃታት ድማ ኣብ ማቴ 4፡1-4 ንረኽበን
1.መባእታ (Elementary)
ኣብዚ ደረጃ እዚ እቲ ዝመጽእ ፈተናታት ኩሉ ስጋዊ እዩ። ንኣብነት ፍትወት፡ ፍቕሪ ገንዘብ፡ ወልፍታት…ወዘተ። ካብ መባእታ ዘውጽኣና እቲ እንኮ መገዲ ነቲ ጸገምና ዝኸውን ካብ ኣፍ እግዚኣብሄር ብዝወጽእ ህያው ቃል ወይ ከኣ ካብ ቃሉ ብንረኽቦ ምግላጽ እዩ። ከም እየሱስ ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዝወጽእ ቃል እምበር ብእንገራ ጥራይ ወይ ድማ ብሓይሊ ገንዘብ ኣይነብርን እዩ ክትብል ከሎኻ ሽዑ ንሽዑ ናብ ካልኣይ ደረጃ (high school) ይሰግር። 


2. ካልኣይ ደረጃ (High School)
መባእታ ምስ ወዳእካ ፈተና መልክዑ ይቕይር እምበር ይውዳእ ማለት ኣይኮነን። ኣብዚ ደረጃ እዚ እቲ ውግእ ካብ ስጋዊ ናብ ኣእምሮኣዊ ይቕየር። ሓደ ሓደ ጊዜ ከምቲ ንየሱስ ክርስቶስ ቃሉ ሒዙ ዝመጾ ሰይጣን ኣፍልጦ ብዝጎደሎም ክርስትያናት ክጥቀም ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ ብደገ መንፈሳዊ ብዝመስሉ ግናኸ ዘይኮኑ ነገራትን ክትዓትን ውን ይጥቀም። ብምፍርራህ ብሓሶት ብምጥዋይ (manipulation) ተጠቂሙ ነቲ ዘይተሓደሰ ኣእምሮ የጥቅዖ። እቲ ዓላማ ድማ ካብቲ ዘፍቅረካ ኣቦኻ ንምፍላይ መገዲ ክትስሕት ክትወድቕ ጥራይ እዩ። ካብዚ መሳገሪ እንኮ መገዲ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣይፍትኖን እየ ኣይፍለን እየ ኣይጠልመንን እዩ ኢልካ ናይ እምነት መርገጺኻ ክተጽንዕ ከሎኻ ጥራይ እዩ። 


3. ዩኒቨርሲቲይ (University) 
ኣብዚ ናይ መወዳእታ ደረጃ እዚ ሰይጣን ብስጋዊ መገዲ ወይ ድማ ብምትላል ዘይኮነ እቲ ውግእ መንፈሳዊ ኮይኑ እዩ እሞ ብጋህዲ እዩ ዝመጸካ። ኣነ ሰይጣን እየ ክትሰግደለይ ኣሎካ ዝብል ቀጥታዊ ሕቶ ድማ እዩ ዘምጽኣልካ። ነዚ ናይ መወዳእታ ፈተና እትሓልፈሉ መገዲ ነታ ቀዳመይቲ ትእዛዝ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ጥራይ ኢያ። ንሳ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኸይ ብምሉእ ልበይ ብኹሉ ሓሳበይ ብኹሉ ነፍሰይ ብኹሉንትናይ የፍቅሮን የኽቦሮን ንዑ ጥራይ ድማ ይሰግድ ክትብል ከሎኻ ሽዑ ፈተናኻ ወዲእካ ትምረቕ።


ይቕጽል…….


{youtube}tnSdC8HE3wA{/youtube}


ኣገልጋሊ ሙሴ ዳዊት (ካቦድ መሴ)