27
Sat, Apr
0 New Articles

ውህደት ናይ መከራና

Message 3
Typography

ሓደ ጊዜ ሓንቲ መንእሰይ ኣዚያ ብጭንቀት ተዋሒጣ ናብ ኣዲኣ መጸት። እዛ መንእሰይ እዚኣ ኣብ ዩኒቨርስቲይ ትምሃር ብምንባራ ነዊሕ ግዜ እያ ካብ ገዝኣ ተፈልያ ዝነበረት። ኣብ ውሽጢ እዚ ግዜ እዚ ኸኣ ብዙሕ ናይ ህይወት ውረደን ደይብን እዩ ኣጋጢምዎ። እቲ ዝፈትዋ እሞ ኣምላኽ ሂቡኒ እዩ ኢላ እትኣምን ዝነበረ ሑጹያ ገዲፍዋ ምስ ካልእ ሓዳር ክገብር ወሲኑ። ኣብ ትርፊ ግዚኣ ትሰርሖ ዝነበረት ስራሕ ተዳኺሙ ኣቃርጺ ተባሂላ። እዚ ነገር እዚ ንኣእምሩኦ ስለ ዘናወጻ ኣብ ናይ መጽናዕቲ ጊዜኣ ኸኣ ጽልዋ ስለ ዝሓደገላ ኣብ ትምህርቲ ጹቡቕ ነጥቢ ከተምጽእ ኣይከኣለትን። እታ ትፈትዋ መሓዝኣ ናይ ሓደጋ መኪና ገጢምዋ ኣብ ሆስፒታል ኣትያ። በዚ ኩነታት ተሰኒፋ እያ ኸኣ ናብ ኣዲኣ ዝመጸት።


 

ኣዲኣ ኩነታት ጓላ ጹቡቕ ከም ዘየሎ ስለ ዘስተውዓለት ሓደ ብሓደ ብዛዕባ ኩነታትታ ሓተተታ። ኩሉ ኸኣ ነገረታ። ኣዲኣ ኸኣ ጓላ ምቁር ሕብስቲ ወይ ኬክ ከም ትፈት ትፈልጥ እያ። እሞ እዛ ጓለይ ሕጂ ደሓን ኩሉ ረስዕዮ እሞ ንዕናይ ምቑር ሕብስቲ ክሰርሓልኪ እያ ኢላ ናብ ክሽነ ወሰደታ። ኣዲኣ ኸኣ ኣንቲ ፍትውተይ ከም ናይ ቀደምኪ ፓስተ ትፈትዊ ኣሎኺ ዲኺ? በለታ። እዋእ ማማ እንታይ ዲኺ ክትሰርሕለይ ናብ ክሽነ ጸዊዒኪኒ ከመይ ደኣ በለታ።

ኣደ ኸኣ ንመስርሒ ሙቁር ሕብስቲ ዝኸውን ዘይቲ ሓርጭ እንቆቆሖ ሺኮር ቀመማት ኣዳለወት። ኣደ ንጓላ ገለ ነገር ካብ ኩነታት ክትምህራ ደልያ ነበረት።። እሞ ፍትውተይ እንኪ በሊ ነዚ ሓርጭ ብልዕዮ በለታ እንታይ በለታ? እዋ ምቁር ሕብስቲ ትፈትዊ እንዲኺ እዚ ነገር እዚ ኸኣ ካብ እዚ ሓርጭ እዩ ዝስራሕ ስለዚ ብልዕዮ። ማማ ተጸሊልኪ ዲኺ? ደሓን እዛ ጋለይ ነዚ ዘይቲ እውን እንኪ ስተዮ ነዚ ሺኮር እዉን ቖሓምዮ ነዚ ቐመማት ከኣ ብልዕዮ ምኽንያቱ እዚ ምቁር ሕብስቲ ናይ እዚ ኹሉ ውጺኢት እዩ በለታ። ጓላ ማም ተጸሊሊኪ ኢኺ መስለኒ በለታ።

ኣዲኣ ጓለይ ፈሊጠ ኣለኹ ሓደ ነገር ክምህረኪ ስለ ዝደለኹ እየ። ከምቲ ዝበልክዮ እዚ ኹሉ ዝበልኩኺ ክትገብርዮ ኣይትኽእልን ኢኺ መቐረት ከኣ የብሉን ብሓዊ ክበስልን ክሓልፍን ኣለዎ ድሕሪ እዚ ኩሉ ውህደት ግና ግሩም ንስኺ ትፈትውዮ ምቁር ሕብስቲ ወይ ኬክ ይኸውን ከምኡ ድማ ፍትወተይ ኣብ ህይወትኪ ዝገጠመኪ ዘበለ ፈተና ኩሉ ብብሓደ እንተ ርሪኢኽዮ ኩሉ ሙቁር ኣይኮነን ከምቲ ሓርጭን ቀመማትን እንቆቖሖን ሺኮርን ተወሃሂዱ ጉሩም ዝዀነ ሕብስቲ ዝኸውን እዚ ኩሉ ፈተናኺ ተወሃሂኡዱ ኸኣ ካብኡ ጉሩም ዝዀነ ትርጉም ዘለዎ ናብራ ከተውጺ ትኽእሊ ኢኺ ስለዚ ካብዚ ኩፉእ ዝመስል ዘይምቁር ዝመስል ኩነታትኪ ሙቁር ነገር ከም ዝወጽእ ኣይትረሲዒ ኢላ ሓደ ጉሩም ዝዀነ ኣስተምህሮ ሃበታ።

ሎሚ ነፍስ ወከፍ ሰብ ብዝተፈላለየ ጐደና ህይወት ይሓልፍ ኣሎ። ኣብዚ ግዜ እዚ ጐደና መከራን ስቓይን እይሓልፍን እየ ዝብል ሰብ እንተሎ ዀይኑ ንምእማኑ ክንጽገም ኢና። ሒደት ድዩ ብዙሑ ግና ጭንቅን መከራን ኣብ ኣባይቲ ነፍሲ ወከፍና ካብ ነዊሒ ግዜ ኣትሒዙ ይኹሕኩሕ ኣሎ። እዚ ከም ሃገር ውለቀ ሰብ ስድራ ኰይና ኣብ ውሽጢን ኣብ ደገን ንሓልፎ ዘሎና ናብራ ልዕሊ ኣእምሮ ኰይኑ ንምግማቱ ኸኣ ከቢድ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ማንም ሰብ መጽኡ እዚ ነገር እዚ ክልወጥ ይኽእል እዩ ክብለና ከሎ ካብ ብዝሒ መከራናን ምረትናን ዝተላዕለ ኣሜን ኢልና ብምልኣት ክንቅበሎ እውን ይኸብደና እዩ። ሓደ ዘሕጉስ ነገር ግና ኣሎ ንሱ ኸኣ ዊዒሉ ሓዲሩ ውህደትን ስቓይን ናይዚ ኹሉ መከራና ሓንቲ መዓልቲ ጉሩም ዝዀነ ንታሪኽን ንበረኸትን ፍረን ዝኸውን ምቁር ነገር ከም ዘውጽእ ብዒንትናን በዒንቲ ወለዶናን ክንርእዮ ኢና።

ሲምሶን እቲ ሓያል ጅግና ተባሂሉ ኣብ መጽሓፍ ቁዱስ ታሪኽ ተጻሒፉ ዘሎ እንተ ብምንባብ ወይ ብምስማዕ ንፈልጦ ኢና። ሓደ ግዜ ሲምሶምን ኣብ መንገዲ ሓደ ኣንበሳ ተጓነፎ እሞ እዚ ኣንበሳ ክበልዖ ደለየ መንፈስ ኣምላኽ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ወረደ እሞ ነቲ እንበሳ ከም ሓደ ማሕስእ ስልዕልዕ ኣቢልዎ ኸደ። ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲ ምስ ተመልሰ ኸኣ ኣብ ኣፍ ኣንበሳ ኣብ ኣፍ እቲ ጨካን ዕስለ ንህብን መዓርን ረኸበ።ንሱ ካብኡ በልዔ ንኣብኡን ኣዲኡን ከኣ ሃቦም። ዘገርም እዩ።

 ካብዚ ንዓና ሓደ ዓቢ ትምህርቲ ኣሎ። ኣብዚ እውና እዚ ካብ ዘሎና ጭቅን መከራን ሰናይ ክወጽእ ከምዝኽእል ዓቢ መጸናኒዒ እዩ። እቲ ሎሚ ከም ኣንበሳ ዀይኑ ብኹሉ ነገርና ዘጨንቐና ዘሕልለና ተስፋ ዘቕሩጸና ዘጥምየናን ዘምርረናን ዘሎ ጉዳይ ምስ ኣኽተመ ካብኡ ዝብላዕ መዓር ከነውጽእ ኢና ካብኡ በረኸት ክንሓፍስ ኢና ካብኡ ንሕና ጸጊብና ንኻልኦት እኳ ከነጽግብ ኢና። ብኻልእ መዳይ ከኣ እንተ ሪኤና ካብ ሓደ ዝሞተ ነገር እሞ ኸኣ ነዊሕ ዝገበረ እንትርፎ ሕማቕ ሽታን ፍልሖን እንታይ ክወጽእ ይኽእል? እንተዀነ ካብኡ መዓር ወጽዩ። ሎሚ ንሕሰብ ዘጨንቐና ዕረፍቲ ዝኸልኣና ዝሕዝነና ኰታ ኣርዑት ኮይኑ ዝኸብደና ነገር ኩሉ ከም ኣንበሳ ተሰላሊዑ ካብኡ ሓደ ህያው ነገር ኣምላኽ ከውጽእ እንታይ ይጨንቆ? ኣነ ኣምላኽ ኩሉ ስጋ እየ ንዓይከ ዝጨንቀኒ ኣሎ ድዩ ዘይኮነን ዝበለ ኣምላኽ?

እስራኤላውያን ኣብተን ኣብ ግብጺ 430 ዓመት ዝነበሩለን እዋን ዝሓለፍዎ መገደራ ስቓይ ካብዚ ንሕና ሎሚ ንሓልፎ ዘሎና ብ100% ዕጽፊ ይዛይድ እቲ ዘገርም ግና እዚ ናይ 430 ዓምት መግዛእትን ስቓይን ብሓንቲ ለይቲ ካሕሳ ኮይንሎም። ብዘለዉ እስራኣኤላውያን ናይ ነፍሲ ወከፍ ግብጻውያን ወርቁን ብሩሩን ካልእን ዘሚቶም ወጽዮም። ዘገርም ነገር ናይ 430 ናይ ስቃይ ዓስቦም ብሓንቲ መዓልቲ ተኸናዊኑ። ሎሚ ከም ሃገርን ህዝብን ንሓልፎ ዘሎና ናይ ክሳራ ዓመታት ብዙሕ እዩ ኣምላኽ ሰማይ ኣምላኽ ኣብርሃም ኢሳቕ ያእቆብ ግና ብሓንቲ መዓልቲ ኪሒሱ ከማዕብለና ይኽእል እዩ።

ከመና ዝጨነቖ ሰብ ከማና ምረት ዝጠዓመ ሰብ ከማና ብውግእ ዝተሓለለ ሰብ ከመና ዝተሰደ ሰብ ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ኣሎ እንተ ተባህለ ብቑጽሪ እምብዛ ሒደት እዩ። ምስ እዚ ኹሉ ግና ተስፋ ዘሎና ህዝቢ ኢና። ከምቲ ሙሴ ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ ወጽእዮም ናብታ መዓርን ጸባን ብቐይሕ ባሕሪ እናገስገሱ ከለዉ እሞ ኸኣ ፈርኦን ምስ 600 ሰረገላታቱን ሰራዊትን ደድሕሪኦም ምስ ሰዐበ እቲ ህዝቢ ምስ ተሸበረ እንሆ እዞም ሕጂ ትርእይዎም ዘለኹም ግብጻውያን ደጊም ኣይትርእይዎምን ኢኹም ዝበለዎም ሓንቲ መዓልቲ እዚ ኹሉ ነገር ኣክቲሙ ራህዋ ንርእየሉ ዘመን ክመጽእ እዩ። ቃል ኣምላኽ ኣብ ኢሰያስ ክዛረብ ከሎ እውን “ብርሃንኪ መጺኡ ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ወጺኡልኪ እዩ እሞ ተንስኢ ብርሂ። እንሆ ጸልማት ንምድሪ ጣቓ ድማ ንህዝብታት የጐልብቦም ግናኸ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኺ ኺወጽእ ክብሩውን ኣብ ልዕሌኺ ኺርኤ እዩ። ኣህዛብ ናብ ብርሃንኪ ነገስታት ከኣ ናብ ጸዳል ምብራቕኪ ኺመጹ እዮም። ኣዒንትኺ ናብ ዙርያ ቛሕ ኣብሊ እሞ ጠምቲ ኩሎም ተኣኪቦም ናባኺ ይመጹ ኣለዉ ኣውዳቲኪ ኻብ ርሑቕ ኣዋልድኺውን ተሓቒፈን ይመጹ ኣለዎ” ኢሰ 60።1-4። ኣምላኽ ይመስገን እምበኣር እዚ ኹሉ ብዝተፈላለየ ጐደና ህይወት ንሓልፎ ዘሎና መስርዕ ናብዚ ከምዚ ዝዓይነቱ ተስፋ ኣምላኽ እዩ ዘምጻና።

ነፍሲ ወከፍ መከራና እንተ ጸብጺብናዮ ትርጉም ከይህበና ይኽእል እዩ። ከምቲ ኣብቲ ታሪኽ ዝረኣናዮ ግና ሓንቲ መዓልቲ ብሓዊ ሓሊፉ ምቁር ሕብስቲ ክኸውን እዩ። ኣምላኽ ንዘፍቅሮም ዉሉዱ ይቕጸዕ እዩ ግናኸ መታን ክጽብቐሎም እምበር ከጥፍኦምሲ ኣይኮነን። ስለዚ በዚ ሕንጻጽ ስቓይ ተሓልፈና ኣምላኽ ስለ ዝተጸየፈና ዘይኰነስ ከምቲ ሲምሶም ካብቲ ምውት ኣንበሳ ማዓር ዘውጸ ኣምላኽ ከኣ ካባና ኣዚዩ ኩቡር ነገር ከውጽእ ስለ ዝደለየ እዩ። ዳዊት ከይተዋረድኩ ከለኹ ተጋገኹ ውርደትይ ከኣ ንሰናይ ኰይንለይ ኣሎ ኢሉ።

ሓቂ እዩ ካብዚ መዓልታዊ ናብራና ሰናይ ክወጽእ ይክእል እዩ ኢልካ ብኣእምሮ ምሕሳብ ጽላለ እዩ። ግና ዘገርም እንተ ኣብ ዘመና ወይ ንዝመጽእ ወለዶስ ምሕረት ኣምላኽ ምርኣይና ኣይተርፍን እዩ። ናትናኤል እቲ ብየሱስ ገርሂ ዝተባህለ እስራኤላዊ ወዲ መዝሙር መድሓኒ ካብ ናዝሬትዶ ገለ ሰናይ ኪመጽእ ይከኣል እዩ? ናዝሬት ሓንቲ ንእሽቶይ ድኻ ከተማ እያ። ናትናኤል ነዚ ነገር እዚ ፈሊጡ እዩ ሰናይ ክወጽእ ዘይተጸበየ። ንሕና እውን ንኩሉ ነገር ርኢናን ኣማዓራሪናን ከመይ ኢሉ ክኸውን ካብዚ ንብል ንኸውን ግና እቲ ሳህሊ ኣምላኽ ኣባና ምፍጻሙስ ኣይተርፎን እዩ ካብ ናዝሬት እኳ የሱሱ ወጺኡ።

ኣብ ትንቢት ሚክያስ 5።2 “ግናኸ ኣቲ ኣብ ማእከል ኣሽሓት ይሁዳ ዝንኣስኪ ቤት-ልሄም ኤፍራታ እቲ ምውጻኡ ኻብ ጥንቲ ኻብ ዘልኣለም ዝዀነ ኣብ እስርኤል ገዛኢ ዚኸውን ካባኺ ኺወጸለይ እዩ” ይብል እዚ ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ እዩ ዝዛረብ። ግና የሱስ ካበይ እዩ መጽዩ ካብታ ንእሽተይ ቤተልሂም ካብታ ሰብ ዘይዘከራ። ነዚ ዘምጻኽዎ ኣምላኽና ካብቲ ዘይኰውን ዝመስል ይከውን ከም ዝገበር ንምትንባህን ካብዛ ብመከረኣን ብስቃይን ትሓልፍ ዘላ ህይወትና ኸኣ የሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ብኽብሪ ክግለጽን ክወጽእን ምኻኑንምትንባህ እዩ።

ብዛዕባ ቤት ልሄም ካብ ኣልዓልና እስከ ብዛዕባ ኣብዛ ኸተማ ዝተፈጸመ ግሩም ናይ ምጽንናዕ ታሪኽ ክንርኢ። ኣብዛ ሃገር ዝቕመጡ ዝነበሩ ስድራ ኣብሜልኬ ዝበሃሉ ነበሩ። እዚ ኣቦ ናህሚ እትብሃል ሰበይትን ክልተ ዉሉድ ነበርዎ። ከምቲ ኣብና ዘጋጥም ዘሎ ኸኣ ኣብዛ ኸተማ እሞ ኸኣ መድሓኒ ክወጸላ ምኻኑ ትንቢት ዝተነግራ ቦታ ጥሜት ኮይኑ። ክሰደዱ ኸኣ ንቡር እዮም እሞ ተሰዲዶም። ኣብ ስደት ከኣ ሕጂ እውን ከምዚ ንዓና ዝገጥመና ዘሎ ኣይጠዓሞምን። መከርኦም እምብዛ ዛይዱ ኣቦን ክልተ ደቁን መይቶም ኣደ ብዘይ ኣላዪ ምስ ኣንስቲ ደቃ ተሪፋ እዚ እውን ኣባን ክውን ዝኸነ ነገር እዩ ማለት ኣዴታታና ብዘይ ኣላዪ ኣብ ጥርሑ ስፍራ የለዋን ድየን? ዝዀነ ኸይኑ ተስፋ ኣምላኽ ኩሉ እዋን እወን ኣሜንን እዩ እሞ ነዛ ንእሽቶይ ዓዲ በጽሓ። ኣምላኽ እንተ ነዊሑ ሓጺሩ ንዓና ክዝክረና ናይ ግድን እዩ። ናህሚ ምስ ሰይቲ ወዳ ተመሊሳ ምረታ በዚሑ ማራ ክትብሃል ደልያ እቲ ታሪኽ ብዙሕ እንድዩ ግና ኣምላኽ ኣብ ዝሓለፈቶ ኩሉ መከራ ብሓንቲ ሩቱ ትብሃክ ብዙሕ መከራ ዝሓልፈት ሰብ ምጽንናዕ ኣምጺኡላ ዘመን ክሳርኣ ዘመን ስደታ ኣክቲሙላ። እቲ ዝሓለፍኦ ጐደና ኩሉ ንምንታይ የዳልወን ኔሩ ነቲ ዘመን ሓጎሰንን ዕረፍተንን።

እምበኣር ሎሚ ኸኣ እዚ ንሓልፎ ዘሎና ምዕራፍ ገጻት ኩሉ ተኣኪቡን ተጠርኒፉን ኣብቲ ጥቑሉል መጽሓፍ ከኣ ተጽሒፉ ኩሉ ንሰናይና ከም ዝድገፈና ኣይንጠራጠር። ካብ ብዝሒ ዘመናት ጭቖናን ዝተላዕለ ኩሉ ዘይፍታሕ ዝመስለና ሰዓት እውን ኣሎ እዩ። ንኣብነት ኣብ ራእይ ዮውሃንስ ሓሙሻይ ምዕራፍ ዘሎ ኣብ መንጎ የውሃንስን እቲ መልኣኽን ዘሎ ዝርርብ እንተ ኣቕሊብናሉ ሰናይ እዩ። እቲ መልኣኽ ይጭድር ይብል ከኣ ነዚ ማሕተም ክፈትሖ ነቲ መጽሓፍ ከኣ ዝግንጽሎ መን እዩ? ዮውሃንስ ይብል ንሕቶ እዚ መልኣክ ዝምልስ ኣብ ሰማይ ኣብ ምድሪ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኮታ ኣብ ኩሉ ቦታ ኣይተረኽበን። ብድሕሪ እዚ እዩ ዮውሃንስ ኣዚዩ መሪር ብኽያት ዝበኸየ። ንሕናኸ ንበኪ ኣሎና ዶ? ኣዚና እምበር። ንጭነቕ ኣሎና ዶ ካብ መጠን ንላዕሊ እምበር። ተስፋ ንቖርጽ ኣሎና ዶ ኣዚዩ ብዙሕ ጊዘ እምበር? ሕቶ ኣሎና ዶ ማእለያ የብሉን እምበር? ዝተረሳዕና ይመስለና ዶ? ኩሉ ግዜ እምበር።

ንመለስ ናብቲ ታሪኽ እቲ መልኣኽ ብዓው ዝበለ ድምጺ ንብኽያት የውሃንስ ሰሚዑ ኣይትብከ እቲ ካብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ ዝሰዓረ ኣንበሳ የሱሱ ክርስቶስ ነቲ ማሕተም ክፈትሖ ነቲ መጽሓፍ ከኣ ክግንጽሎ ቡቑዕ ኰይኑ ተረኺቡ ኣሎ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይመስገን ሎሚ እውን ነቲ ናይ መከራና ማሕተምን መጽሓፍን ክግንጽሎን ክፈትሖን ምኻኑ ኣይንጠራጠር። ንሱ ንኩሉ መከራናን ሓደ ብሓደ ይፈልጦ እዩ ነዚ ኹሉ ውህደት ጌሩ ከመቅሮን ካብኡ ሰናይ ነገርን ኣውጽዩ ንብዓትና ክደርዝ እዩ። እዚ ሎሚ ንነፍሲ ወከፍ ስቓይን ዘኪርና ካብዚ ሰናይ ኣይወጽእ ኣይፍትሓ ንብሎ ዘሎና ብሓዊ መንፈሱ ኣሕሊፉ ነቲ ገመድ በታቲኹ ኣብ ራህዋ ኣውጺኡ ናብ ክብርንን ሓገስናን ክልውጦ እዩ።

ብብኽያት ከይሓለፍካ ኣይትስሕቕን ኢኻ ብምረት ከከድካ ራህዋ ኣይትጥዕምን ኢኻ ስለዚ ኩሉ ንሕለፎ ዘሎና ናብዚ ሰሓቅን ራህዋን እዩ ዝመርሓና ዘሎ። ኩሉ ነገርና ክውዳእ ከሎ ኣምላኽ ስቕ ዝብል ከሳቕየና ድዩ? ሃልሃልታ ሓዊ ናህሩ ወሲኹ ባዕባዕ ክብል ከሎ ኢዱ ዘርጊሑ ዘየውጻና ጨካን ስለ ዝዀኑ ድዩ? መልስልና ርድኣና ኢልና ክንግዕር ከሎና መልሲ ከም ዘይብሉ ስቕ ምባል ጸማም ስለ ዝኰነ ድዩ? ስቓይንናን ሓዘናን በዚሑ ምጽንናዕ እናተጸበና መሊሱ ኩነታትና ክኸፍእ ግዲ ስለ ዘይብሉ ድዩ? ካብዚ ንሕልፎ ዘሎና መከራን ካልእ ኣደራዕን ጥራይ ክንመሃር ኣይንኽእልን ዲና? ናይዚ ኩሉ ሕቶ መልሲ ሓደ እዩ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ ካብቲ ንሕና እንሓስቦ ንላዕሊ እምብዛ ጹቡቕን ሰናይን ግሩምን ውቁብን ክገብር ስለ ዝደለየ እዩ። ክልተ ነገር ግና ክንስሕቶ ዘይብልና ነገር ኣሎ ንሱ ኸኣ እእንሓልፎ ዘሎና ኩሉ ወይ ናብ ኣምላኽ ከቕርበና እዩ ወይ ከኣ ካብ ኣምላኽ ክፈልየና እዩ። እቲ ምርጫ ኣብ ኢድና እዩ።

እቲ ጹቡቕ መዓልትታት ክርኢ ዝደሊ ሰብ እዚ ሎም ኣጋጢሙ ዘሎ ግዚያው ናብ ፍጻሜን በረኸትን ዘሕልፍ ጉዳይ ምዃኑ ፈሊጡ ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ኣይከቃርጽን እዩ። ሰከንድታትን ደቓይቓትን ዝሓልፈን እንተ ጽቡቑኣት ኰይነን ኩፋኣት ናብ ክብሪ ኣምላኽን ዘልኣለማዊ ህይወት ይመርሕሖ ከም ዘለዋ ክርዳእን ከሰተውዕልን እዩ ዝግባእ። እቲ መከራን ስቓይን በዚሑ እዚ ዝሓልፎ ዘለኹ ትርጉም ዘይብሉ ኢሉ ንድሕሪት ዝምለስ ግና ካብዚ ዝዓቢ ይጽበዮ ከምዘሎ ክዝንግዕ የብሉን። እምብኣር ኩቡራት ሰማዕቲ ነዚ ናይ ሎሚ ከነጠቓልልሎ ንሓልፎ ዘበለ ጐደና ህይወት ኩሉ ብፍላይ ንሕና ናብ ሓደ ክንበጽሖ ዝግብኣና ደረጃ ከብጽሓና ኣምላክ ዝጥቀመሉ ሜላ ምኻኑ ኣይንረስዕ ንኹሉ መወዳእታን ግዜን ኣለዎ። ውህደት ፈተናና ኩሉ ተወሃሂዱ ሙቁር ዝዀነ ዝብላዕ መንፈሳዊ ሕብስቲ ከም ዘለዎ ኣይንረስዕ ኣምላኽ ይባርኽኩም።