03
Fri, May
0 New Articles

እቲ መቕሰን ኣገልጋሊ

Message 3
Typography

ንሕናደቂ ሰባት ካብዚ ኸማና ዝዀነ ሰብ ናእዳ ክንቅበል ከሎና ዝስምዓና ሓበንን ሞራልን ኣዚዩ ሓፍ ዝበለ ልዕሉ እዩ። ነዚ ዀይንኮነ ኣይተርፍን ናእዳ ንምርካብ እንገብሮ ጻዕሪ ዉሑድ ዘይኰነ። ካብ ሰባት ናእዳ ምርካብ ጹቡቕ እኳ እንተ ዀነ ካብኡ ዝበልጽ ናእዳ ከም ዘሎ ግና ክንስሕት ኣይግብኣናን። ነዚ እዩ ሃዋርያ ጳውሎስ እቲ ኣምላኽ ዝንእዶ እምበር እቲ ሰብ ዝንእዶ ኣይኰነን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብቕዓት ዘለዎ ዝበለ። ሎሚ ክንዮ ናእዳ ሰባትን ገዛእ ርእስናን ንእዶ ኣምላኽ እንናፍቕ ሰዓብቲ ክርስቶስ እንዀነሉ ዘመን ምዃኑ ከነስተውዕል ይግባእ።


 

ንዝክር ዶ ሓደ እዋን እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንሳሜኤል መተካእታ ሳኦል ንጉስክቐብእ ናብ ቤት እሰይ ምስ ለኣዀ ዝተፈጸመ ጉዳይ? ሳሚኤል ናብ ቤት እሰይ ምስኣተወ እቲ ተቐዳዲሙ ዝገበሮ ነገር እንተ ኔሩ ናእዳ እዩ። ነቲ በኽሪ ሓው ዳዊት ለይለይ ዝብል መንእሰይ ቁመንኡን መልክዑን ርእዩ ብርግጽ እዚ እዩ ንጉስ እስራኤል ክኸውን ዝተቐብኣ ኢሉ ዘይቱ ከፍስሰሉ ምስ ተዳለዎ ኣምላኽ ኣይትተሃወኽ ጽናሕ ኢልዎ። ጐይታ ዝተዛረቦ ድማ “እግዚኣብሄር ግና ንሳሙኤል፡ ኣነ ንዒቐዮ እየ እሞ፡ ኣብ ትርኢቱን ኣብ ምንዋሕ ቊመቱን ኣይትጠምት። እግዚኣብሄርሲ ሰብ ከም ዚርእዮ ኣይርእን፡ ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዚርኢ፡ እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዚርኢ፡ በሎ።” 1ሳሚኤል 16፣7 እምብኣር ሰብ እናነኣደካ እውን ኣምላኽ ክንዕቐካ ከም ዝኽእል ከይዘንጋዕና ንኣምላኽ ምፍራሕ ንመሃር። ሃዋርያ ጳውሎስ ድማ ንእዶና ካብ ኣምላኽ እምበር ካብ ሰብ ከም ዘይኰነ እናበለ ብዙሕ እዋን ተዛሪቡ ኣሎ። ሎሚ ኣምላኽ ዝንእዶ ህይወት ክነብር ጸግኡ የብዝሓልና።

ኣብ መጽሓፍ ቁዱስና ብኣምላኽ ንእዶ ረኺቦም ብቑዱሳን ድማ ተመስኪርሎም ዝሓለፉ ሰባት ኣዚዮም ብዙሓት እዮም እሞ ካብኣቶም እስከ ሎሚ ብዛዕባ ሓደ ፊሊሞን ዝተባህለ ብሩኽ ናይ ኣምላኽ ሰብ ክንርኢ ኢና። ብዛዕባ ፊሊሞን ዝተጻሕፈ ብዙሕ ነገር እኳ እተዘይሃለወ ኣብታ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝጸሓፈሉ እንኰ ሓንቲ ምዕራፍ ግና ብዛዕባ መንነቱ ኣግሊሓ ተርኢና እያ። ብምስትውዓል እንተ ኣንቢብናያ ድማ ፊሊሞን መን ምኻኑ ብዝግባእ ተርእየና መጽሓፍ እያ። ፊሊሞን ግዙኣት ዝነበርዎ ካብ ወገን ኣህዛብ ዝነበረ ኣማኒ እዩ። ፊሊሞን ኣብ ውሽጢ ቤቱ ሓንቲ ናይ ክርስቶስ ማሕበር ኔራ። ብዙሓት ከም ዝሰማምዕሉ ድማ ኣብታ ቤት ኣገልጋሊ ምንባሩ እዮ።

ሃውራያ ጳውሎስ ድሕሪ ሰልምታ ብዛዕባ ህይወት ፊሊሞን እዩ ክምስክር ጀሚሩ ከምዚ ድማ ይብሎ “ኣታ ሓወየ፡ ልቢ እቶም ቅዱሳን ብኣኻ ስለ ዝቐሰነ፡ በታ ፍቕርኻ ብዙሕ ሓጐስን ህድኣትን ረኺበ እየ እሞ፡ እተን ንጐይታና የሱስን ንዂሎም ቅዱሳንን ዘለዋኻ ፍቕርን እምነትን ምስ ሰማዕኩ፡ ነቲ ብክርስቶስ ኣባኻትኩም ዘሎ ዂሉ ሰናይ ነገር እናፈለጥካ፡ እቲ ሕብረት እምነትካ ምእንቲ ኼስልጥ፡ ኣብ ጸሎተይ እናዘከርኩኻ፡ ኲሉ ሳዕ ንኣምላኽ ኤመስግን ኣሎኹ። “ ዘገርም ምስክርን ናእዳን። ፊሊሞን ልቢ ኣምላኽ ዘቐሰነ ንብዙሓት ከኣ መዕረፊ ኰይኑ። እቲ ዝዓበየ ኣገልግሎት ኣብ ክርስትና ንልቢ ብዙሓት ከተህድእን ከተዕርፈን ምኽኣል እዩ።

ኣገልግሎት ኣብ ምጐያንን ካልእ ኣህላኺ ዝዀነ ንጥፈታት ኣብ ምግባርን ኣይኰነን ቁም ነገሩ እንታይ ድኣ ፍረ ኣገልግሎት ኣብ ልቢ ሰባት ዕርፍቲ ምምጻእ እዩ። ኣብዚ ዘመን እዚ ህዝቢ ኣምላኽ ዝናፍቖ ዘሎ እቲ ዝዓበየ ጽምኢ በቶም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝብሎም ልቡ ክዓርፍን ክቐስንን እዩ። ኣብ ቤት ፊሊሞን ንኣምልኾ ዝመጹ ሕዙናት ክንደይ ኰን ብፍቕሩ ተደቢሶም ክንደይ ስብራት ኰን ተዘኒኖም ክንደይ ሰብ ጸር ጸሮም ወሪድሎም ተመሊሶም? ሃዋራያ ጳውሎስ በዚ ከምዚ ዝኣመስለ ባርያ ተቐሰነ የምሕረሉ እዩ ከምይሲ ዝረኣ ህይወት እዩ ዘለዎ።

ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ንኣገልግሎት ክጽዋዓና ከሎ ነዚ ዓይነት ኣገልግሎት እዩ መዲብና። ኰታ መን ክህብ ክንዮ ቓል ዝኸይድ ግብራዊ ኣገልግሎት እንተ ዝህልወና? ሎሚ ኣሕዋትና ብዛዕባና እንታይ ይምስክሩ? ሓደ ሓው እንታይ ኢሉ ኣብ ቕድሚ ኣምላኽ ብዛዕባ ሰባት ክቐርብ ከለኹ ክልተ ነገራት ሒዘ እየ ዝቐርብ እቲ ሓደ እልልታ እታ ኻልኣይ ከኣ ብኽያት ወይ ሓዘን። እቲ ኣልልታ ኣብ ቕድሚ ኣምላኽ በቶም ልበይ ዘቅሰኑ ሰባት ንኣምላኽ ከመስግን ከለኹ እቲ ሓዘን ድማ በቶም ዘየዕረፉኒ ሰባት ኣብ ቅድሚ ኣምልኽ ብንስሓ ምሕረት ክሓተሎም ከለኹ ይብል። ሎሚ ሰባት ብዛዕባና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቐርቡ ከለዉ እንታይ ኰን የቕርቡ ይኹኑ ፍረ ምስጋና ዶ ወይ ንስሓ? ናትና ህላውነት ኣብ ቅድሚ ሰባት ዕረፍቲ ዶ ወይ ፍርሂ እዩ ዘምጽእ? እገለ ተተምጽእ ዶ ንበሃል ወይ ድማ ከንይንመጽእ ጸሎት ይግበረልና? ጸሎትና ልቢ ፊልሞን ክህልወና ክኸውን ኣለዎ።

ፊሊሞን ሓውና ዝተረድኦ ሓቒ እንተ ኔሩ ናቱ ኣገልግሎትን ዘለዎ ዘበለን ኩሉ ነቲ ኣምላኽ ንዕረፍቲ ዝጸውዖ ህዝቢ ኣምላኽ ንምዕራፍ እዩ። ኣብ ልብና ንዝተሸከምናዮም ሰባት ኩሉሳዕ ወትሩ ብኣና ዕርፍቲ ክረኽቡ እሞ ንበረኸት ክንኮኖም ኣምላኽ ሰማይ ይርድኣና። ስለዚ ናእዳ ካብ ገዛእ ርእስናን ካብ ሰባት ክንቅበል ኢልና ኣይንጉየ፣ ኣይንቀዳደም እንታይ ደኣ ንቡዙሓት እነቕስን ክንከውን ደኣ ንድለ።

ካልእ ፊሊሞን ዝነበሮ ሓደ ጉርም ባህሪ ኔሩ እዩ። ንሱ ድማ ብብዙሕ ማሕለኻታት እኳ እንተ ሓልፈ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ዕዮ ግና ብተኣማንንት የገልግል ኔሩ። ፈተና ከም ዝነበሮ ብኸመይ ክንፈልጥ ዝብል ሕቶ ክለዓል ናይ ግድን እዩ። ቐዳማይ እታ ማሕበር ክርስቶስ ኣብ ቤት ፊልሞን እያ ኔራ። ኣብ ውሽጢ ማሕበር ዘሎ ብድሆታት ድማ ቐሊል ኣይኰነን። ብዙሓት ዝዓይነቶም ሰባት እዩ ዝሓቑፍ ዝንበረ። ብፍላይ ኣብቲ እዋን እቲ ንማሕበር ክርስቶስ ዝነበራ ፈተና ክንድምንታይ ከቢድ ከም ዝነብረ ክንርዳእ ኣይጽግመናን እዩ፣ ኣብዚ ከምዚ እዋን ግና ብትግሃትን ተወፋይነትን የገልግል ኔሩ።

ካልእ ፈተና እንተ ርኢና እውን ብዛዕባ እቲ ኦንሲሞስ ኣብ ልዕሊ ፍሊሞን ዘውረዶ መንፈሳውን ስጋውን ማህሰይቲ እዩ። ኦኒስሞስ ናይ ፊሊሞን ኣገልጋሊ እዩ ኔሩ። ካብኡ ድማ ገንዘብ ሰሪቑ ከም ዝኸደ እዩ ዝዝንተዉ። ብሓፈሻ ኦኒስሞስ ንፊሊሞን ብዝየፈላለየ መንገዲ ከም ዝጐድኦ ካብቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ንፊሊሞን ዝጸሓፈሉ ክንርዳእ ንኽእል “ብዛዕባ እቲ ኣብ መቐውሔይ ኰይኑ ዝወለድክዎ ወደይ ኦኔሲሞስ እልምነካ ኣሎኹ። 11 - ንሱ ቐደም ኣይጠቐመካን” እምብኣር ካብዛ ትቕሲ ክንርድኦ ከም እንክእል ፊሊሞን ብኦኒስሞስ ክሳብ ክንደይ ቁስሊ ከም ዘነብሮ እዩ። ነዚ ኹሉ ግና ዝጸውር ኣርዑት ኔርዎ። ሎሚ ኣብ ዓውዲ ኣገልግሎት ክንዋሳእ ከሎና ብብዙሕ ዝዓይነቱ መከራን ኣደራዕን ክንሓልፍ ናይ ግድን እዩ። ግና ወትሩ ተስፋ መድሓኒ ክንዝክር ይግባኣና። ብፍላይ ግና ኣብ ውሽጢ ቤት ኣምላኽ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ተመዲብና ብተወፋይነት እናገልገልና ከሎና ዝተፈላለየ ዝጓድኡ ሰባት ከም ዘጋጥሙና ክንርስዕ ኣይግብኣናን። ኩሉ ግዜ እቶም ኣንጻርና ዝለዓሉ እሞ ብዝተፈላለየ መንገዲ ኣብ ልብና በሰላ ዝገድፉ ሰባት ብእኣቶም ተሰናቢድና ነቲ እሙናት ክንኰነሉ ካብ ኣምላኽ ዝተዋህበና ዕዮ ሸለል ኢልና ኣብ ምትህልላኽን ኣንጻርነትን ክንሽመም ዘይኰነ ከም ንፉዑ ዓቆይቶት ከይና ነቲ ብድሕሪኦም ኰይኑ ዝዋግኣ መንፈስ እናገጠምናሉ ልብና ንዓቶም ብዝያዳ እናርሓብናሎም ክንጓዓዝ እዩ እቲ ዝዓበየ ፍቓድ ኣምላኽ።

ሃዋርያ ጳውሎስ ብብዙሕ ሸንኻት ከምዚ ዝኣመሰል ኩነት ህይወት ስለ ዝሓለፈ ንጢሜጥዎስ ክምዕዶ ከሎ “ከም ንፉዕ ናይ ክርስቶስ የሱስ ዓቀይታይ ምሳይ ኴንካ መከራ ጽገብ። 4 - ዓቀይታይ ናብ ኲናት ከይዱስ፡ ነቲ ዘዐቀዮ ምእንቲ ኼስምሮ ኢሉ፡ ብናይ መነባብሮኡ ዚጠላለፍ የልቦን። 5 - ከምኡውን ሓደ ኣብ ስፍራ መቃለሲ ዀይኑ ዚቃለስ፡ ከምቲ ሕጉ ገይሩ እንተ ዘይተቓለሰ፡ ኣኽሊል ዓወት ኣይረክብን እዩ። 6 - እቲ ዚዐዪ ሓረስታይ ካብቲ ፍረ ቅድም ግዲኡ ኺወስድ ይግብኦ እዩ። 7 - እግዚኣብሄር ብዂሉ ኣእምሮ ኺህበካ እዩ እሞ፡ ነዚ ዝብሎ ዘሎኹ ኣስተብህሎ።” ብምባል ከም ወተሃደር ከም ሓረስታይን ስፖርተኛ ዀይኑ ኣብ ኣገልግሎቱ እሙን ክኸውን ሓቢርዎ።

ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብዛ ምድሪ ኣብ ዘገልግለሉ ዝነበረ ምስኡ ሓቢሮም ምስ ዕዩኡ ዝሓበሩ ደቂ መዛሙርቱ ዝተፈላለየ ባህሪ እዩ ኔርዎም። ዘገርም ነገር እቲ ዘትሕዞ ዝኸሓዶ ይሁዳ ኣስትቖርታዊ ካብቶም ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዓቢ መዝነት ዝተዋህቦ ሰብ እዩ ኔሩ። ጐይታ ነዚ ሰብ ኣይፈልጦን ድዩ? ይፈልጦ እባ ግና ብሰንኩ ተዓናቂፉ ካብ ኣገልግሎት ኣይተጐናደበን ንይሁዳ ዝኣክል ንየሕሊፉ ንሞት ዝህቦ ሰብ ጼሩ ይኸይድ ኔሩ። ሎሚ ኰታ ኣምላኽ ጸጋ እንተ ዘብዝሓለና። ነቶም ምስና እናተሰማምዑ ጥራይ ዘገልግሉ ሰባት ምሕንጋር ኣዚዩ ቐሊል እዩ ነቶም መልሓሳሞ ኣንጻርና እናወሳወሱ ዘይሽምና እናሃቡ ኣብ መንገድና እሾኽ ዝዀኑ ምሽካም ምጻሮም ግና እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዓቢ በረኸትን መንፈሳዊ ጅግንነትን እዩ። መን ይፈልጥ እዞም ሊሚ ምናልባት ከም ኦኒስሞስ ዘይጠቑሙና ሰባት ጽባሕ ንግሆ ሓለፋ እቲ ዝጐዱእና ንጥቕምናን ረብሓናን ተዀኑ። ታሪኽ ኩሉ ኣብ ኢድ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ኣምላኽ ክልውጦም ከዐርዮምን እንታይ ይሰኣኖ? ንሕና እውን እኰ ትማሊ ከምኣቶም ኔርና ኢና። ስለዚ ኣምላኽ ከም ንፍታሌም ገፊሕ እንግድዓ ክህበና ንለምኖ።

 

ብዙሕ እዋን እቶም ሓንሳብ ኣብ ህይወትና ጠባስ ዝገደፍ ሰባት ተዓርዮም ንኣምላኽ ዝጠቕሙ ምስ ኰኑ፣ ከምቲ ሕጂ ዘለዉዎ ህይውቶም ክንዲ ንቕበሎም በቲ ሕሉፍ እናዘከርና ብኻልእ ዓይኒ ንጥምቶም እንተ ዀይና፣ ካብቲ ቐደም ንሶም ዝገበሩና ንላዕሊ ዝገደድ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊኦም ነውርድ ከም ዘሎና ክንፈልጥ ይግባኣና ነዚ እዩ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ እሙን ፊሊሞን ብዛዕባ ኦኒስሞስ ከምዚ ክብል ሓደራ ዝብሎ ዘሎ “ደጊምሲ ኻብ ባርያ ዝበለጸ፡ ምናዳ ንኣይ፡ ክንደይ ግዳ ኣብዚሑ ንኣኻ፡ ብስጋን ብጐይታን ከም ፍቁር ሓው ክትረኽቦ እምበር፡ ከም ባርያ ኣይኰነን። 17 - እምብኣርሲ ኸም ሓው እትርእየኒ እንተ ዄንካስ፡ ከም ነፍሰይ ጌርካ ተቐበሎ።” ብምባል ይምሕጸኖ ስለዚ ኩሉ ግዜ ኣርኣእያና ሰፊሕ ልቦናን ድማ ዓቢ ክኸውን ኣሎዎ። ሲምሶም እቲ ሓያል ጅግና ብሰንኪ ዝፈጸሞ ኣበሳ ኣብ ህይወቱ ከሲሩ ንህዝቡ ድማ ኣብ ክሳራ ኣውዲቑ እዩ ይኹን እምበር ደሓር ናብ ኣምላኽ ምምላሱ ካብቲ ናይ ቀደም ብዝዓበየ እዩ ኣብ ልዕሊ ጸላእቱ ሕነ ንምፍዳይ ኪኢሉ ስለዚ እቲም ብድኻምን ብሸለልትነትን ኣብ ህይወትና ኣገልግሎትናን ዓመጽ ዝፈጸሙ ሰባት ተመሊሶም ንኽብሪ ክዀኑና ስለ ዝኽእሉ ልብና ኣይነጽብበሎም።

ካልእ ካብቲ ናይ ፊሊሞን ደስ ዘብል ነገር፣ ዘየሕፍር ኣገልጋሊ እዩ ኔሩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብምሉእ ልቡ እዩ ኣብ ልዕሊኡ ምሉእ እምነት የሕዲርሉ ነዚ ድማ እዩ ከምዚ እናበለ ብዛዕባ ኦኒስሞስ ዝተዛረቦ “እወ፡ ኣታ ሓወየ፡ ኣነ ኻባኻ ብጐይታ እጠቐም፡ ብክርስቶስ ንልበይ ኣቕስነለይ። 21 - ሓለፋ እዚ ዝብለካ ዘሎኹ ኸም እትገብር ፈሊጠ፡ ከም እትሰምዓኒውን ኣሚነ እየ እዚ ዝጸሐፍኩልካ።” ብምባል ኣብ ልዕሊ እቲ ኣገላግሊ ማሕበር ዝነበረ ፊሊሞን ዝነበሮ ተኣማንነት የብርህ። ጸሓፊ ናይ ምሳሌ ሰለሙን ኣብ ምዕራፍ 20፣6 “ርሕራሔኦም ዜውርዩ ብዙሓት እዮም፡ ግናኸ ንእሙን ሰብ መን ይረኽቦ?” ይብል። ሎሚ ጐይታ እቲ ኣባና ዝዓበየ ክቕንጥቦ ዝደሊ ፍረ ተኣማንነት እዩ። ብኣምላኽን ብሰባትን እንእመን ክነከውን እዩ ባህጊ ኣምላኽ። ህዝቢ ኣምላኽ ኰታ ኩሉ ሰብ ኣባና ተኣማንነት ዘሕድር ዘይንሕፍር ባሮት ኣምላኽ ክንከውን እዩ ፍቓድ ኣምላኽ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንፊሊሞን ተኣማንነቱ ሓለፋ እቲ ንሱ ዝብሎ ዝያዳ ምኻኑ ሓቢርዎ።

ሃዋራያ ጳውሎስ ንኦኒስሞስ መታን ክቕበሎ ኢሉ ኣይኰነን ዝሓባብሎ ዘሎ እንታይ ደኣ ካብ ቅድም ፊሊሞን ብዛዕባ እቲ ዝዛረቦ ዘሎ ፍቓድ ኣምላኽ ከም ዘየሕፍሮ ይፈልጥ እዩ ንፊሊሞን ብዛዕባ ኣምላኻዊ ጉዳይ ነጊርካዮ ርቡ ዝያዳ ኣርሒቡ ሓለፋ እቲ ንስኻ ትደልዮ ዘሎኻ ነገር ከም ዝገብር ሃዋርያ ጳውሎስ ብሓቂ ተረዲኢዎ። ሎም ንሕና ከመይ ኢና? ብዛዕባ ዕዮን ስራሕን ኣምላኽ ዝመጸ ነገር ተወፋይነትና ክሳብ ኣበይ እዩ? ነቲ እንብሃሎ ነገር ብተኣማንነት ክንዓሞ ዶ ንኽእል ንኸውን? ኣምላኽ ክንዮ ኣገልግሎትናን ንጥፈታትና ዝርእዮ ተኣማንነትና እዩ። መመዘኒ ሓደ ቡቑዕ ኣገልጋሊ ኣማኒ ድማ እዚ እዩ። ኣምላኽ ኰታ እንተ ዝረድኣና።

ካብ ፊሊሞን እንምሃሮ ነገር ብዙሕ እኰ እንተ ዀነ ንሎሚ ግና እዚ ይኣኽለና። ሓሳባይ ንምጥቕላል ግና። ፊሊሞን ልቢ ቑዱሳን ዘቕሰነ ኣገልጋሊ ኔሩ። ሎሚ ምእመን ህዝቢ ኣምላኽ ብኣና ክዓርፍን ልብና ከምቲ ጡዑም መኣዛ ሽቶ ኣብ ኩሉ ሃነን ዝብልን ክኸውን ይግባእ። ካልእ ድማ ብእንሓሎፍ ዘበል ጐደና ኣገልግሎት ኩሉ ኣምላኽ ምሳና ከም ዘሎ ፈሊጥና ነቶም ኣብ ህይወትና ዕንቅፋትን በሰላን ዝዀኑ ሰባት ከይተረፈ ዝሓቁፍ ልብን መንፈስን ክህልወና እሞ ንዓቶም ከይተረፍ ንረብሓን ንበረኸትን ክንኰኖም ከም ዝግባእ ካብ ፊሊሞን ዝተምመሃርናዮ ካልእ ነጥቢ እዩ። ብተወሳኺ እውን እሙናት ባሮት ክንከውን ሰባት ብዛዕባና ተዛሪቦም ዘይሓፍሩን ዘይሓንኩን መታን ክዀኑ ወትሩ ተኣማንነትን ጹሩይ ልብን ዝተዓጠቕና ክንከውን ይግባኣና ኣምላኽ ብነገር ክሉ ይርድኣና። ኣብ ካልእ ተመሳሳሊ መልእኽቲ ክሳብ ንራኸብ ፍቕሪ ኣምላኽን ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ሕብረት መንፈስ ቁዱስን ምሳኻትኩም ይኹን። ኣምላኽ ይባርኽኩም።