19
Fri, Apr
0 New Articles

ኣታ ህዝቢ ካብ ስሕተት ኣምልጥ!

Message 4
Typography

ሰባት ፈተውቲ ርእሶም፡ፈተውቲ ገንዘብ፡ ፈተውቲ ክብሪ ርእሶም ከም ዝዀኑ! እንተስ ብድንቁርና ወይስ ኰነ ኢሎም፡ ኣብ ክንዲ ቃል መስቀልን እቲ እተሰቅለ ክርስቶስን ዝሰብኩ፡ ንመስቀል ክርስቶስ ማእከላይ ስፍራ ዝሃበ ቅዲ ህይወት ድማ ዝስዕቡ፡ ኣብ ማእኸልናውን ከይተረፈ ክብሪ ርእሶም ዘቀደሙ ሰባት ይበዝሑ ኣለዉ! ሓቂ እዩ! ከምቲ ሓው ዎችማኒ ዝበሎ፡ ናይ መስቀል መልእኽተኛታት ርእሶም ዝሰቀሉ ሰባት ጥራይ እዮም! ርእሶም፡ክብሪ ርእሶም፡ፍቓድ ርእሶም፡ ድሌታት ርእሶም ዝሰቀሉ መልእኽተኛታት ጥራይ እዮም እቲ ናይ ሓቂ ክርስትና ክነብሩ ዝኽእሉ። ስለዚ በዞም ናይዚ ዘመን ሓደስቲ ተኽሊ ብዙሕ ኣይንግረምን ንክርስቶስ ብትኽክል ዝረኣየ ሰብ ንከምዚ ዓይነት ቅዲ ህይወት ፍጹም እዩ ዝፍንፍኖ! ኣብ ገለ ጽሑፈይ ሓደ ብንጹር እተዛረብኩሉ ሓቂ ኣሎ፦ ንሱ ድማ “ንባቢሎን ወይስ ነታ ሓዳስ ዮሩሳሌም!?” ዝብል። እንታይ ትስዕብ ኣለኻ? ዓቢዪነት፡ህቡብነት፡ክብሪ ርእሲ ክብሪ ስጋ፡ ተፈላጥነት፡ምርኡይነት፡ኣውራነት ትስዕብ እንተዳ ኣሊኻ፡ መወዳእታኻ ኣብታ ሓዳስ ዮሩሳሌም ዘይኰነስ ኣብታ ዓባይ ባቢሎን እዩ። (If you are pursuing greatness, popularity,pre-eminece , then you will end up in Babylon the great. However, if you are pursuing holiness that comes by living a crucified life, then you will end up in the New Jerusalem!) ዮሃንስ ብመንፈስ ምስ ኰነ ነታ ዓባይ ባቢሎን ኣብ በረኻ (in the wilderness) እዩ ርኢዋ!

“ብመንፈስ ድማ ናብ በረኻ ወሰደኒ። ሾብዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ኣብ ዘለዎ ስማት ጸርፊ ዝመልኦ ቐዪሕ ኣራዊት እተቐመጠት ሰበይቲ ርኤኹ።” (ራእይ 17:3)

“ብመንፈስ ድማ ናብ ዓብይን ነዊሕን ከረን ወሰደኒ፡ ነታ ኽብሪ ኣምላኽ ዘለዋ ቅድስቲ ኸተማ የሩሳሌም ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ ኸኣ ኣርኣየኒ። ምድማቕ ብርሃናውን ከም ኣዝዮ ዝኸበረ እምኒ፡ ከምቲ ዜንጸባርቕ እምኒ ያስጲስ እዩ ዝመስል።” (ራእይ 21:10-11)

እዞም ሰባት እዚኣቶም በመንፈስ (በቲ ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ መንፈስ) ከም ዘየለዉ እቶም ሰዓርቲ ኣይስሕትዎን! ብመንፈስ ኣምላኽ ዘይኰነስ ብመንፈስ ዓለም ዝኹብኰብ ሰብ ጥራይ እዩ ከምዚ ዓይነት ቅዲ ክርስትና ዝስዕብ! ኣይትገረሙ! መወዳእታኦም መንፈሳዊ በረኽቲ ዘይኰነስ ኪሰግርዎ ዘይክእሉ መንፈሳዊ በረኻ እዩ!


ነታ ሓዳስ ዮሩሳሌም ግና ዮሃንስ ኣብ ዓቢዪን ነዊሕን ከረን እዩ ሪኢዋ! እቶም ኣብታ ሓዳስ ዮሩሳሌም ዝዓልቡ ሰዓርቲ እቶም ፈጺሞም እተሰቅለ ህይወት ካብ ምንባሮም እተላዕለ ኣብዚ ዘመን እዚ ፈጺሞም ዝንእሱ! እወ ክርስቶስ ምእንቲ ኪገንን ኪዓቢ ኪከብር ፈጺሞም ዝንእሱ! (ዮሃንስ 3:30)

እወ “ንሱ ኪዓቢ ኣነ ኪንእስ ይግባ!” ዝብል ናይ ዮሃንስ መጥመቅ መንፈስ፡ ናይ ዮሃንስ መጥመቅ ኣቛም ዝኽተሉ እዮም!

እዚኣቶም ካብ ንሕድሕዶም ክብሪ ዝቀባበሉ፡ ነታ ካብ ኣምላኽ ጥራይ እትመጽእ ክብሪ ኪረኽቡዋ ማለት ዘበት!

“ንስኻትኩም ካብ ሓድሕድኩም ክብረት እትቃባበሉ፡ ነታ ካብ ሓደ ኣምላኽ እትርከብ ክብረት ዘይትደልዩ፡ ” (ዮሃንስ 5:44)

እቶም ነታ ካብ ኣምላኽ ጥራይ ንእትመጽእ ክብሪ ዝደልዩ ሰባት፡ እንታይ ዓይነት ጸጋ ኣብ ህይወቶም ይገለጽ ብዘየገስ፡”ንሕና ዘይንጠቅም ባሮት ኢና፡ እቲ ዝግባኣና ኢና ዝገበርና” እዮም ዝብሉ! (ሉቃስ 17:6-10)

እቶም ናይ ሓቂ ሰዓብቲ ክርስቶስ ኣርኣያ እቶም ናይ ሓቂ ሃዋርያት ክርስቶስ እዮም ዝስዕቡ። “ኰነ ድማ፡ ጴጥሮስ ኪኣቱ ኸሎ፡ ቆርኔሌዎስ ተቐበሎ። ኣብ ኣእጋሩ ተደፊኡውን ሰገደሉ። ጴጥሮስ ግና፡ ኣነ ድማ ከማኻ ሰብ እየ፡ ተንስእ፡ ኢሉ ኣተንስኦ።” (ግብሪ ሃዋሪያት 10:25-26) “ካህን እቲ ኣብ መንጽር ከተማ ዝነበረ መቕደስ ድያ ድማ ኣብዑርን ኣኽሊላት ዕምባባን ናብቲ ደጌታት ኣምጺኡ ምስቶም ሰብ ኰይኑ ኺስውኣሎም ደለየ። ግናኸ ጳውሎስን በርናባስን፡ እቶም ሃዋርያት፡ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ክዳውንቶም ቀደዱ፡ እናጨደሩ ኸኣ ናብቶም ህዝቢ ጐየዩ፡ እናበሉ፡ ኣቱም ሰብ፡ ንምንታይ እዚ ነገርዚ እትገብሩ፧ ንሕና ድማ ከማኻትኩም ዝፍጥረትና ሰብ ኢና፡ ካብዚ ኸንቱ ነገር ናብቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታቶም ዘለዉ ዂሎምን ዝፈጠረ ህያው ኣምላኽ ክትምለሱ ነበስረኩም ኣሎና። ንሱ ብዝሐለፈ ወለዶ ንዂሎም ኣህዛብ መመገዶም ይኺዱ ሐደጎም።ምስናይዚ ኸኣ ጽቡቕ እናገበረ፡ ካብ ሰማይ ዝናምን ዘመን ፍርያትን እናሀበኩም ንልብኹምውን ብመብልዕን ሓጐስን እናጽገበ፡ ርእሱ ብዘይ ምስክር ኣይሐደገን።” (ግብ.14:13-17) ሎሚውን ኣምላኽ ርእሱ ብዘይ ምስክር ኣይሓደገን! እታ መገዲ ህይወት፡ንጽርቲ እያ! ብዙሓት ግና ነዛ መገዲ እዚኣ ይልውጡዋ ኣለዉ! እታ መዓልቲ ጎይታ ግና ኪትግለጽ እያ! እወ እታ መዓልቲ እቲኣ ብሓዊ ኪትግለጽ እያ! ኣብዚ ዘመንዚ ንኽብሪ ርእሶም ንዘቀደሙ ሰባት ግብሮም ከም ሓሰር ከም ሳዕሪ፡ ከም ዕንጨቲ ኪነድድ እዩ። ኣምላኽ ዝባላዕ ሓዊ እዩ! ኣብ ፍርዱ ምውዳቅ ድማ ዘስካሕክሕ እዩ! እተን ዝሃንጽወን ዘለዉ ጉጅለታትውን ናይ ገዛእርእሶም በረኽቲ ደኣ እምበር ማሕበራት ኣምላኽ ኣይኰናን እሞ ብዙሕ ኣየገርምን!

"ንሱ እዚ ኣርኣየኒ፣ እንሆ፣ እግዚኣብሄር መለክዒ መንደቕ ኣብ ኢዱ ሒዙ፣ ኣብ ልኩዕ መንደቕ ደው ኢሉ ነበረ። እግዚኣብሄር ድማ፣ ኣታ ኣሞጽ፣ እንታይ ትርኢ ኣሎኻ∶ በለኒ። ኣነ ኸኣ፣ ሓደ መለክዒ መንደቕ በልኩ። እግዚኣብሄር ድማ፣ እንሆ፣ ኣነ ንመለክዒ መንደቕ ኣብ ማእከል ህዝበይ እስራኤል ከንብሮ እየ፣ ደጊም ድሕርዚ ኣይኪሐልፎምን እየ።እቲ በረኽቲ ቦታ ይስሃቅ ኪዖኑ፣ እቲ መቓድስ እስራኤል ከኣ ኪፈርስ እዩ፣ ኣነውን ሰይፊ ሒዘ ንቤት የሮብዓም ክትንስኦ እየ፣ በለ።" (ኣሞጽ 7:7-9)

ኣይንዓሹ! ኣምላኽና ከም ዝባላዕ ሓዊ ይመጽእ ኣሎ! "እቲ ስልጡን ኣምላኽ፣ እግዚኣብሄር፣ ተዛረበ፣ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራባ ንምድሪ ጸውዓ።
ካብ ጽዮን፣ እታ ፍጻሜ መልክዕ፣ ኣምላኽ ደመቐ። ኣምላኽና ይመጽእ ስቕ ድማ ኣይብልን፣ ኣብ ቅድሚኡ ዚባላዕ ሓዊ ኣሎ፣ ህቦብላ ንፋስውን ይኸቦ።ንሱ ንህዝቡ ምእንቲ ኺፈርድሲ፣ ነቶም ብመስዋእቲ ገይሮም ምሳይ ኪዳን ዝአተዉ ቅዱሳነይ አክቡለይ፣ ኢሉ ንሰማያት ኣብ ላዕልን ንምድርን ይጽውዕ ኣሎ።ኣምላኽሲ ፈራዲ እዩ እሞ፣ ሰማያት ጽድቁ ይነግሩ።" (መዝ. 50:1-6)

እቲ ኣዚዩ ዘንሕዝን ድማ እቲ ዚስዕቦም ህዝቢ እዩ! ዓገብ ዘይብል ህዝቢ! እተጋገየ ህዝቢ! ዝሰሓተ ህዝቢ!

“ኣእዛኖም ኣስሕይዎም ደኣ፡ ብትምኒት ርእሶም መምህራን ኪእክቡ እምበር፡ ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ፡ ሽዑ ኣእዛኖም ካብ ሓቂ ኺመልሱ፡ ናብ ጽውጽዋያትውን ኪምለሱ እዮም እሞ፡ ብዅሉ ዓቕልን ብምህሮን እቲ ቓል ክትሰብኽ፡ ብጊዜኡን ብዘይጊዜኡን ከተስምዕ፡ ክትገንሕ፡ ክትቀጽዕ፡ ክትምዕድ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ንህያዋንን ምዉታንን ኪፈርድ ዘለዎ ክርስቶስ የሱስን በቲ ምግላጽ መንግስቱን ኤማሕጽነካ አሎኹ።” (2 ጢሞ 4:1-4)

እወ! ነቲ ጥዕይ ትምህርቲ ዝስዕቡ ዓየይቲ ኣውራ መቀመጢ ኪደሉን ኪስዕቡን ማለት ኣበደን! ፍጹም! ነቲ ኣብታ እትመጽእ ዓለም ዝገለጽ ዘይንገር ክብሪ ዝናፍቁ ሰባት፡ኣብዚ ዘመንዚ ይዋረዱ፡ ይጽቀጡ! ይግፍዑ! ሕስራን ይቅበሉ! መስቀል ስለ ዝሰብኩ! ንዓለማዊነት ስለ ዝኹንኑ! ንስጋዊነት፡ ንሓጢኣት ስለ ዘቃልዑ!

ኣብየት ናይዚ ዘመንዚ ነቢይነት! ኣብየት ናይዚ ዘመንዚ ሃዋሪያነት! እወ ምንባይ ደኣ ይንበዩ ኣለዉ! ታይትላትውን ኣብ ጸጽባሕ ይቀያይሩ ኣለዉ! ካብ ወንጌላዊነት ናብ ፓስተርነት፡ ካብ ፓስተርነት ናብ ሃዋሪያነት፡ ቀጺሎምውን ኪጵጵሱ እዮም! ግናኸ እንታይ እሞ የገርም! እቲ መጻሓፍ ሓቂ ኣቀዲሙ ተዛሪቡ እዩ!

“ቃሉ ኺርእን ኪሰምዕን ኣብ ምኽሪ እግዚኣብሄር ዝወዐለ መን እዩ? ጽን ኢሉ ቓሉ ዝሰምዔኸ መን እዩ? እንሆ፡ ህቦብላ እግዚኣብሄር፡ እቲ ነድሩ ኸም ዘራጊቶ ይወጽእ ኣሎ፡ ኣብ ርእሲ እቶም ረሲኣን ድማ ኪወድቕ እዩ። ቊጥዓ እግዚኣብሄር ሓሳባት ልቡ ኸይገበረን ከይፈጸመንሲ ኣይኪምለስን እዩ። ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ኣጸቢቕኩም ከተስተውዕልዎ ኢኹም። ነዞም ነብያት እዚኣቶም ኣይለኣኽክዎምን ግናኸ ጐየዩ፡ ኣነስ ኣይተዛረብክዎምን ግናኸ ንሳቶም ተነበዩ። ኣብ ምኽረይ ውዒሎም ነይሮም እንተ ዚዀኑስ፡ ቃላተይ ንህዝበይ መስምዕዎም፡ ካብቲ ኽፉእ መገዶምን ካብ እከይ ግብሮምን ከኣ ምመለስዎም ነይሮም። ካንዶ ናይ ቀረባ ኣምላኽ ጥራይ እየ፡ ናይ ርሑቕ ኣምላኽሲ ኣይኰንኩንዶ? ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ኸይርእዮስ ሰብዶ ኣብ ስዉር ስፍራ ኺሕባእ ይከኣሎ እዩ? ይብል እግዚኣብሄር። ሰማይን ምድርን ዝመልእዶ ኣነ ኣይኰንኩን? ይብል እግዚኣብሄር። ነቲ ሐሊመ፡ ሐሊመ እናበሉ፡ እቶም ብስመይ ሓሶት ዚንበዩ ነብያት ዝበልዎ ሰማዕኩ። እዝስ ኣብ ልቢ እቶም ሓሶት ዚንበዩ ነብያት፡ ነብያት ጥበራ ልቦም፡ ክሳዕ መኣዝ ኪጸንሕ እዩ? ከምቲ ኣቦታቶም ምእንቲ በዓል ንስመይ ዝረስዕዎ፡ ንሳቶም በቲ ንሓድሕዶም ዚዛራረቡሉ ሕልምታቶምዶ ንህዝበይ ስመይ ኬረስዕዎ ይሐስቡ ኣለዉ? እቲ ሕልሚ ዝሐለመ ነብዪ ሕልሚ ይዛረብ፡ እቲ ቓለይ ዘለዎ ኸኣ ብሓቂ ቓለይ ይንገር። ሓሰር ምስ እኽሊ እንታይ ኣለዎ? ይብል እግዚኣብሄር። ቃለይዶ ኸም ሓውን ከምቲ ንኸውሒ ሓሸምሸም ዜብል ሞደሻን ኣይኰነን? ይብል እግዚኣብሄር። ስለዚ እንሆ፡ ነቶም ንሓድሕዶም ቃለይ ዚሳረቑ ነብያት እጥልቐሎም ኣሎኹ፡ ይብል እግዚኣብሄር። እንሆ፡ ነቶም ልሳኖም ኣልዒሎም፡ ይብል ኣሎ፡ ዚብሉ ነብያት እጥልቐሎም ኣሎኹ፡ ይብል እግዚኣብሄር። እንሆ፡ ነቶም ሕልሚ ሓሶት ዚንበዩ፡ ንህዝበይ ከኣ እናተዛረቡ ብሓሶቶምን ብድፍረቶምን ዜስሕቱ ነብያት እጥልቐሎም ኣሎኹ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነስ ኣይለኣኽክዎምን፡ ኣይኣዘዝክዎምን፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ድማ ዚዐብሱሉ የብሎምን፡ ይብል እግዚኣብሄር። እዚ ህዝቢ እዚ ወይ ነብዪ ወይ ካህን፡ ጾር እግዚኣብሄር እንታይ እዩ፡ ኢሎም እንተ ሐተቱኻ፡ ንስኻ ኸኣ፡ ኣየናይ ጾር እሞ፡ ኢልካ ምለሰሎም። ኣነ ኽድርብየኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።ነቲ፡ ጾር እግዚኣብሄር፡ ዚብል ነብይን ካህንን ህዝብን፡ ነዚ ሰብኣይ እዝን ንቤቱን ክቐጽዖም እየ። ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ንሓዉ፡ እግዚኣብሄር እንታይ ኢሉ እዩ ዝመለሰ? እግዚኣብሄርሲ እንታይ እዩ እተዛረበ? ደኣ በሉ። ንቓላት ህያው ኣምላኽ፡ ናይቲ ኣምላኽና እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ስለ ዝጠዌኹምዎ፡ ንነፍሲ ወከፍ ቃሉ ጾሩ ኪዀኖ እዩ እሞ፡ ድሕርዚ ጾር እግዚኣብሄር ኣይትበሉ። ንነብዪ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር እንታይ ኢሉ እዩ ዝመለሰልካ? እግዚኣብሄርሲ እንታይ እዩ ዝበለ? ኢልካ በሎ። ግናኸ ጾር እግዚኣብሄር እንተ በልኩም፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ይዛረብ ኣሎ፡ ጾር እግዚኣብሄር ከይትብሉ ልኢኸ ነጊረኩም ክነሰይ፡ እዛ ጾር እግዚኣብሄር እትብል ቃል ካብ እተውስኡ፡ ስለዚ እንሆ፡ ብጥራስ ክርስዓኩም፡ ንኣኻትኩምን ነታ ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ዝሀብክዋ ኸተማን ካብ ገጸይ ኣርሒቐ ኽድርብየኩም እየ። ናይ ዘለኣለም ነውርን ዘይርሳዕ ናይ ዘለኣለም ሓፍረትን ኸውርደልኩም እየ።” (ኤር 23:18-40)

እዞም ኣብቲ በቶም ናይ ጥንቲ ናይ ሓቂ ሃዋሪያት እቲ ገንሸል እተኣወጀ ዘልወጥ ምሉእ ምኽሪ ኣምላኽ ኪጸንዑ ዘይመረጹ ዓየይቲ እዚኣቶም ፥ ደሞምን ደም እቲ ዝስዕባቦም ህዝብን ኣብ ርእሶም ኪኸውን እዩ!

God is not Mocked! ነዞም ብወንጌልን ብጸጋ ኣምላኽን ዝነግዱ ሸቀጥቲ፡ ሓንቲ መዓልቲ ኣምላኽ ፊት ንፊት ኪራኸቦም እዩ! ሽዕኡ ኣበይ ከም ዝኣትዉ!? እንዲዒ!

ወይ ጋዶ! ወይ ጋዶ! ክርስትና ተለዊጡ? ሰባት ኣብይ ዘይግዚኡ ርእሶም ኣንጊሶም!?
በቲ ሓደ ሸነኽ "ሃዋሪያ" ዝብል ፖስተር (Poster) ኣብ ርእሶም ለጢፎም፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ ነታ እቶም ናይ ሓቂ ሃዋሪያት ክርስቶስ ዝነብሩዋ ናይ ሓቂ ቅዲ ህይወት ኪንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል ኪትንክፉዋ ዘይፈትዉ!

ኣታ እተጋገኻ ህጽቢ! ካብቲ ወዲቃዮ ዘሎኻ ዕሮት እባ ተባራበር!
እቶም ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ ሃዋርያትን ነቢያትን ዝነብሩዎ ዘይልወጥ ቅዲ ህይወት፡ መለኮታዊ ሕንጹጽ ህይወት ከም ዘሎ እባ ፍለጥ!

"ድሮ ጸገብኩም፡ ድሮ ሃብተምኩም፡ ብጀካና ነገስኩም። ንሕናውን ምሳኻትኩም፡ ምእንቲ ኽንነግስሲ፡ ወሸለ ምነገስኩም።
ኣምላኽ ንኣና ሃዋርያት፡ ድሕሪ ዂላቶም ኴንና፡ ከምቶም ሞት እተፈርዶም ከም ዝገበረና፡ ይመስለኒ። ስለዚ ንዓለምን ንመላእኽትን ንሰብን ትርኢት መስሓቒ ዄንና ኣሎና።ንሕና ስለ ክርስቶስ ዓያሱ ኢና፡ ንስኻትኩም ግና ብክርስቶስ ጥበበኛታት ኢኹም፡ ንሕና ሕማቓት፡ ንስኻትኩም ግና ሓያላት፡ ንስኻትኩም ክቡራት፡ ንሕና ግና ሕሱራት ኢና።ክሳዕ ሕጂ ንጠምን ንጸምእን ንዓርቕን ንጽፋዕን ኣሎና፡ ማሕደር የብልናን፡ብገዛእ ኣእዳውና እናዓየና ድማ ንጽዕር ኣሎና። እናጸረፉና ንምርቕ፡ እናሰጐጉና ንዕገስ፡እናተሐሜና ንምዕድ ኣሎና። ክሳዕ ሕጂ ኸም ጐሓፍ ዓለምን ከም ናይ ኲላቶም ጐዱፍን ኴንና ኣሎና።" (1 ቈረ.4:8-13)

"You are already full! You are already rich! You have reigned as kings without us—and indeed I could wish you did reign, that we also might reign with you! 9 For I think that God has displayed us, the apostles, last, as men condemned to death; for we have been made a spectacle to the world, both to angels and to men. 10 We are fools for Christ’s sake, but you are wise in Christ! We are weak, but you are strong! You are distinguished, but we are dishonored! 11 To the present hour we both hunger and thirst, and we are poorly clothed, and beaten, and homeless. 12 And we labor, working with our own hands. Being reviled, we bless; being persecuted, we endure; 13 being defamed, we entreat. We have been made as the filth of the world, the offscouring of all things until now."

This is the immutable pattern of life for ALL the TRUE servants of Christ!

እወ! እዚኣ እታ ናይ ኩሎም እቶም ናይ ሓቂ መተዓዪይቲ ኣምላኽ ፈጺማ ዘይትልወጥ መለኮታዊ ቅዲ ህይወት እያ!

ብሓው ኣሴር ረዳ